ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ንየሆዋ ዘኽብር ሰናይ ግብሪ
የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዝስዕብ በሎም:- “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ [“ሰናይ:” ትሓዓ ] ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴዎስ 5:16) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ሓቀኛታት ክርስትያናት ንየሆዋ ኣብ ዘኽብር ‘ሰናይ ግብሪ’ ተጸሚዶም ኣለዉ።
እዚ ሰናይ ግብሪ እዚ እንታይ ኢዩ፧ ነቲ ብስራት ምስባኽ ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ: እቲ ኣብነት ክኸውን ዘለዎ ጠባይና እውን ቀንዲ ክፍሊ ናይ ሰናይ ግብሪ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ብመጀመርያ ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝስሕቦም እቲ ጽቡቕ ጠባይና ኢዩ። እዛ ቀጺላ ዘላ ተመኵሮ ኣብ ማርተኒክ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ‘ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ሰብ የብርሁ ከም ዘለዉ’ እትገልጽ ኢያ።
◻ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ስብከት ተዋፊራ ከላ ንሓንቲ ካቶሊክ ሰበይቲ በጽሓታ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ን25 ዓመታት ዝኣክል ምስ ሓደ ብሕጊ ዘይተመርዓወቶ ሰብኣይ ኢያ ትነብር ነይራ። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ካብ እትቕበል ኣትሒዛ ምስ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሌላ ነይርዋ ኢዩ።a እታ ሰበይቲ ነታ ምስክር ከምዚ ዝስዕብ በለታ:- “ብዙሓት ሃይማኖታት ኣለዋ። ኣብ መንጎ እዚ ኵሉ ሕንፍሽፍሽ ነየናይ ከም ዝኣምን ክፈልጥ ኣይክእል ኢየ።” እታ ምስክር ድማ ሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም እትርከብ: ከምኡውን ንሓቂ ንኽትረኽባ ንቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቓ ከተጽንዖን መንፈሱን መምርሒኡን ክህባ ድማ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ከም ዘለዋ ገለጸትላ።
ሰበይቲ ዋላ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ተገዳስነት እንተነበራ: ንእተወሰነ ግዜ ግን ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣደራሽ መጺኣ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽትካፈል ዝቐረበላ ዕድመ ብዙሕ ግዜ ኣይተቐበለቶን። ስለምንታይ፧ ኣዝያ ሓፋር ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ሞት ናይ ዝኽሪ በዓል ክትካፈል ዝቐረበላ ዕድመ ምስ ተቐበለት ግን ነቲ ዝነበራ ሕፍረት ኣሰኒፋ ኣብቲ ኣኼባ ተሳተፈት።
ኣብቲ ኣኼባ ዝያዳ ዝመሰጣ ነገር ኣብቲ መንግስቲ ኣደራሽ ዝነበረ ፍቕራዊ ሃዋሁ ኢዩ። ኣብቲ ዝነበረቶ ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ዕርክነት ፈጺማ ርእያ ኣይትፈልጥን ኢያ! ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት: ብዙሕ ከይጸነሐት ድማ ነቲ ምስኣ ዝነብር ዝነበረ ሰብኣይ ተመርዓወቶ። ሕጂ ጥምቕቲ ኣባል ናይታ ጉባኤ ኢያ።
◻ ናይ ሓንቲ ካልእ ምስክር ሰናይ ግብሪ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣምጺኡ ኢዩ። ኣብ ስራሕ ናይ ሓላፍነት ቦታ ነበራ። ሓደ ካብ ደሴት ሪዩንዮን ዝመጸ ሰብኣይ ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ቦታ ስራሕ ምስ ተቘጽረ ድማ ገለ ካብቶም ሰራሕተኛታት ብምኽንያት እቲ ዝነበሮ ሓጺር ቍመት ከላግጹሉ ጀመሩ። መስሓቂ ድማ ኰነ። ኣንጻር ናይዚ ግን እታ ምስክር ነቲ ሰብኣይ ኵሉ ግዜ ሕያውነትን ክብርን ተርእዮ ነበረት። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ስለምንታይ ፍልይቲ ከም ዝዀነት ሓተተ።
እታ ምስክር ድማ እቲ እተርእዮ ኣኽብሮት ዘለዎ ጠባይ ፍረ ናይቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተማህረቶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ምዃኑ ነገረቶ። ብተወሳኺ ድማ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን ናይ ሓድሽ ዓለም ተስፋን እንታይ ከም ዝብል ኣርኣየቶ። እቲ ሰብኣይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርን ኣኼባታት ክካፈልን ጀመረ: ከምኡውን ነታ ምስኡ እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ብሕጊ ተመርዓዋ።
ጸኒሑ ናብ ሪዩንዮን ተመልሰ። ቀደም ምስ ኣዝማዱ ብፍላይ ድማ ምስ ስድራቤት ሓሙኡ ብዙሕ ሽግር ነበሮ። ሕጂ ግን በቲ ሰናይ ክርስትያናዊ ጠባዩ ኣዝዮም ተመሰጡ። እቲ ሰብኣይ ተጠሚቑ ሕጂ ድማ ድያቆን ኰይኑ ኣሎ። ንሰበይቱን ክልተ ደቁን ሓዊስካ ብዙሓት ኣባላት ናይ ስድራቤቱ ድማ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።