ሚካኤል ፋራዳይ
ሊቅ ከምኡውን ናይ እምነት ሰብ “ኣቦ ኤሌክትሪሲቲ።” “ብህይወት ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ተመራመርቲ እቲ ዝዓበየ ሊቅ።” እዚ: ነቲ ብዘይ ቀጥታዊ ርክብ ክፍጠር ዝኽእል ኤሌክትሮማግነቲካዊ ስርጸት ብምርካቡ ናይ ኤሌክትሪክ ሞተራትን ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ ምምንጫውን ንኽምዕብል ዝገበረ: ብ1791 ኣብ ኢንግላንድ እተወልደ ሚካኤል ፋራዳይ እተዋህበ ክልተ መግለጺታት ኢዩ።
ፋራዳይ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዘ ሮያል ኢንስቲቱሽን: ንስነ-ቅመምን ፊዚክስን ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ ኢዩ። እቲ ስነ-ፍልጠት ንምልላይ ዝዓለመ ኣስተምህሮኡ: መንእሰያት ንእተሓላለኸ ኣምራት ክርድኡ ሓጊዝዎም ኢዩ። ካብ ብዙሓት ዩኒቨርሲቲታት ሽልማት ተቐቢሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ተፈላጥነት ክረክብ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። ብሓቂ ሃይማኖታዊ: ኣብታ ሰለስተ ክፍልታት ዝነበራ ኣፓርታማ ገዝኡ ምስ ስድራቤቱን ኣመንቲ ብጾቱን ብሕት ኢሉ ብምሕባር ድማ ኣዝዩ ሕጕስ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ፋራዳይ ናይቲ ባዕሉ “ኣዝዩ ንእሽቶን እተጸልአን . . . ሳንደማኒያንስ ተባሂሉ ዝፍለጥ: ናይ ክርስትያናት ኣንቈራ” ብምባል ዝገልጾ እምነት ሰዓቢ ኢዩ ነይሩ። እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም፧ እዚ እምነት እዚኸ ንፋራዳይ ብኸመይ ተንከፎ፧
ሰዓብቲ ሳንደማን
ጀፍሪ ካንተር: ደራሲ ናይታ ሚካኤል ፋራዳይ:- ሳንደማኒያን ኤንድ ሳይንቲስት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ “እቲ ኣብ መንጎ ስድራቤት ፋራዳይን ናይ ሳንደማኒያን ቤተ-ክርስትያንን እተገብረ ናይ መጀመርታ ምትእስሳር ብኣባሓጎታት ሚካኤል ፋራዳይ እተወሰነ ኢዩ ነይሩ” በለ። ኣባሓጎታቱ ምስ ሰዓብቲ ናይ ሓደ እናዞረ ዝሰብኽ ምስታ ናይ ከባቢኡ ቤተ-ክርስትያን ዘይሰማማዕ: ብጾቱ ኸኣ ናይ ሳንደማኒያን እምነት ደገፍቲ ዝዀኑ ኣገልጋሊ ሓበሩ።
ሮበርት ሳንደማን (1718-71): ነቲ ቅድም ናይ ፕረዝቢተሪያን ኣገልጋሊ ዝነበረ ጆን ግላስ ክሰብኽ ክሰምዖ ኸሎ: ኣብ ኤዲንበርግ ሕሳብ: ቋንቋ ግሪኽ: ከምኡውን ካልእ ቋንቋታት ዘጽንዕ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝፈለጦ ኸኣ ዩኒቨርሲቲ ደው ከም ዘብል: ናብ ዓዱ ፔርት ከም ዝምለስ: ንግላስን ሰዓብቱን ድማ ከም ዝሓብሮም ገበሮ።
ኣብ 1720’ታት ጆን ግላስ ንሓድሓደ ናይ ስኮትላንድ ቤተ-ክርስትያን ትምህርትታት ክጠራጠረሉ ጀመረ። እቲ ዝገበሮ ናይ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ: እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ምሳሌ ናይቶም ካብ ብዙሓት ዓሌታት ዝመጹ ዜጋታት ዘለዉዎም መንፈሳውያን እስራኤል ኢዮም ኢሉ ከም ዝድምድም ገበሮ። ንነፍሲ ወከፍ ሃገር እተፈልየ ቤተ-ክርስትያን ንኽህልዋ መመኽነይታ ዝኸውን ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይረኸበን።
ግላስ ምስታ ኣብ ስኮትላንድ: ካብ ዳንዲ ወጺእካ ኣብ ተሊን እትርከብ ንሱ ዝመላለሰላ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ: ንቤተ-ክርስትያን ስኮትላንድ ሓዲጉ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣኼባታት ክሰርዕ ጀመረ። ዳርጋ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ሓበርዎ: ካብ መጀመርያኡ ድማ: ኣብቲ መዓርጋቶም ሓድነት ናይ ምዕቃብ ኣድላይነት ተረዲእዎም ነበረ። ነቲ ኣብ መንጎኦም ክህሉ ዝኽእል ዘይምስምማዕ ንኸህድኡ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 18 ቝጽሪ 15 ክሳዕ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ትእዛዝ ክርስቶስ ክስዕቡ ወሲኖም ነበሩ። ጸኒሖም ድማ: እቶም ሓደ ዝእምነቶም ሰባት ንጸሎትን ምትብባዕን ዝሓብርሉ ሰሙናዊ ኣኼባታት ገበሩ።
ቍጽሮም ብዝሕ ዝበለ ሰባት ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ እተፈላለያ ጕጅለታት ክእከቡ ምስ ጀመሩ: ነቲ ኣምልኾኦም ንምዕዛብ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባት ኣድለዩ። ግናኸ መን ኢዩ ብቑዕ፧ ጆን ግላስን ተሓባበርቱን ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝጸሓፎ ነገር ፍሉይ ቈላሕታ ገበርሉ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ወይ ቋንቋ እብራይስጥን ግሪኽን ዝርድኦ ሰብ ብቑዕ ኢዩ ዝብል ጥቕሲ ኣይረኸቡን። ስለዚ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ጸሎት እተሓወሶ ምስትንታን ድሕሪ ምግባሮም: ሽማግለታት ዝዀኑ ብቑዓት ሰባት መዘዙ። እቶም ንቤተ-ክርስትያን ስኮትላንድ እሙናት ዝነበሩ ሰባት ግን: “ማእለማ: መርፍእ: ወይ ማሕረሻ ዘፍርዩ” ዘይተማህሩ ሰባት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድእዎን ነቲ መልእኽቱ ክሰብኩ ከም ዝኽእሉን ኣምሲልካ ምቕራቦም “ዘሕስር” ከም ዝዀነ ገይሮም ርኣይዎ። ብ1733 ግላስን ኣመንቲ ብጾቱን ኣብ ከተማ ፔርት ናይ ገዛእ ርእሶም መአከቢ ኣደራሽ ምስ ሃነጹ: እቶም ናይቲ ከባቢ ኣቕሽሽቲ ካብታ ከተማ ከውጽኦም ነቲ ዳኛ ጸቕጢ ክገብርሉ ፈተኑ። ግናኸ ፈሸሉ: እቲ ምንቅስቓስ ድማ ዓበየ።
ሮበርት ሳንደማን በዅሪ ጓሉ ንግላስ ተመርዓወ: ኣብ መበል 26 ዕድሚኡ ድማ ሽማግለ ናይታ ኣብ ፔርት እትርከብ ጉባኤ ሰዓብቲ ግላስ ኰነ። እቲ ከም ሽማግለ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ኣዝዩ ስለ ዝኸበዶ ምሉእ ግዜኡ ንዕዮ ጕስነት ክውፍዮ ወሰነ። ጸኒሑ: በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ሙማታ: ሮበርት “ኣብቲ ዝድለየሉ ዕዮ ንጐይታ ከገልግል ብሓጐስ ፍቓደኛ ኰነ” ብምባል ሓደ ናይ ታሪኽ ህይወት ሓጺር ጽሑፍ ይገልጽ።
እምነት ሰዓብቲ ሳንደማን ተዘርግሐ
ሳንደማን ንኣገልግሎቱ ብቕንኢ ካብ ስኮትላንድ ናብ ኢንግላንድ ኣስፋሕፍሖ፣ ኣብኡ ድማ ሓደስቲ ናይ ኣመንቲ ብጾት ጕጅለታት እናዓበያ ኸዳ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ካልቪን ክርክር ሰፊኑ ነበረ። ገለ ካብኣቶም ንድሕነት ኣቐዲሞም ከም እተመደቡ ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ሳንደማን ብወገን ናይቶም እምነት ኣድላዪ ቅድመ-ኵነት ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ዝነበሩ ሰባት ኰነ። ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብምድጋፍ: ሓንቲ ኣርባዕተ ግዜ ተደጋጊማ እተሓትመትን ኣብ ክልተ ብናይ ኣመሪካ እንግሊዝኛ ሕታማት ድማ እተዳለወትን መጽሓፍ ጽሒፉ ነበረ። ብመሰረት ጀፍሪ ካንተር: ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምሕታም “ነቲ ኣንቈራ [ናይ ሳንደማኒያን እምነት] ልዕሊ እቲ ዝመነጨሉ ናይ ስኮትላንድ ሰበኻ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ” ኢዩ ነይሩ።
ብ1764: ሳንደማን: ብኻልኦት ሰዓብቲ ግላስ ዝነበሩ ሽማግለታት ተሰንዩ: ናብ ኣመሪካ ገሸ: እዚ ምብጻሕ እዚ ብዙሕ ክርክርን ምጽራርን ኣስዒብሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ደንቤሪ: ከኔክቲከት: ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ክርስትያናት ዝሓዘ ጕጅለ ከም ዝምስረት ገበረ።a ሳንደማን ኣብኡ ብ1771 ሞተ።
ናይ ፋራዳይ ሃይማኖታዊ እምነታት
መንእሰይ ፋራዳይ በቲ ካብ ወለዱ ዝረኸቦ ናይ ሳንደማኒያን ትምህርትታት ተሳሕበ። ሰዓብቲ ሳንደማን: ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ዘይገብሩ ሰባት ፍሉያት ከም ዝዀኑ ፈለጠ። ንኣብነት: ኣብቲ ናይ ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ስነ-ስርዓት መርዓ ምስታፍ ብምእባይ እቲ ብሕጊ ኣድላዪ ዝነበረ: መርዕኦም ምምዝጋብ ጥራይ ክፍጽሙ ይመርጹ ነበሩ።
ንመንግስታት ምግዛእ: ብፖለቲካ ዝመጸ ግና ገለልትነት ምርኣይ: ናይ ሰዓብቲ ሳንደማን መለለዪ ኢዩ ነይሩ። ሕፉራት ኣባላት ማሕበረሰብ እኳ እንተ ነበሩ: ናይ ህዝባዊ ምምሕዳር ሓላፍነታት ሳሕቲ ኢዮም ዝቕበሉ ነይሮም። ኣብተን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነታት እተቐበሉለን ውሑዳት ኣጋጣሚታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣይካፈሉን ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ዝበለ ኣቕዋም ብምሓዞም ጸርፊ ኣምጺኡሎም ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 17:14 ኣረኣእዮ።) ሰዓብቲ ሳንደማን ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሕዳር እትኸውን ፍጽምቲ ስርዓት ከም ዝዀነት ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ካንተር ከም ዝገለጾ ፖለቲካ “ዘይረብሕ: ስነ-ምግባር ዝዕፍን ሕሱም መሳርሒ” ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።
ካብ ካልኦት ፍሉያት እኳ እንተ ነበሩ: ናይ ፈሪሳውያን ኣረኣእያ ኣይነበሮምን። “ናይቶም ናይ ጥንቲ ፈሪሳውያን መንፈስን ተግባርን ከነርሕቕ ኣድላዪ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ወሲንና ኢና፣ ስለዚ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓጢኣት ዝብሎን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ዝያዳ ኣብ ክንዲ ምውሳኽ፣ ከምኡውን ነቲ መለኮታዊ ናይ ስነ-ምግባር መምርሒ ብሰብኣዊ ልምዲ ወይ ክውንነታዊ ጕስያ ገይርና ከም ዘይጠቅም ካብ ምግባር ክንርሕቕ ኢና” ብምባል ቃሎም ሂቦም ኢዮም።
ካብ ኣባላቶም ሰኽራም: ዘራፊ: ኣመንዝራ: ወይ ካልእ ከቢድ ሓጢኣት ዝገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ልምዲ ይጥቀምሉ ነበሩ። እቲ ሓጢኣተኛ ብሓቂ እንተድኣ ተናሲሑ: ክመልስዎ ይፍትኑ። እንተ ዘይኰነ ግን: “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኢዮም ዝስዕቡ ነይሮም።—1 ቈረንቶስ 5:5, 11, 13
ሰዓብቲ ሳንደማን ነቲ ካብ ደም ርሓቁ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ሓልዮምዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ጆን ግላስ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ ዝኣዘዞም: ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ካብ ደም ተሓለዉ ዝብል ቀይዲ ክእዘዙ ኣብ ትሕቲ ግዴታ ኢዮም ኢሉ ይከራኸር ነበረ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ነቲ ንደም ዝምልከት ትእዛዝ ዘይምሕላው ዳርጋ ነቲ ግቡእ ኣጠቓቕማ ደም ክርስቶስ: ማለት ካብ ሓጢኣት ምትዕራቕ: ምንጻግ ኢዩ። ግላስ ከምዚ ብምባል ደምደመ:- “እዚ ምብላዕ ደም ዝኽልክል ሕጊ ኵሉ ግዜ ጠቓሚ ኢዩ ነይሩ: ጌና ድማ ዝዓበየን ዝለዓለን ኣገዳስነት ኣለዎ።”
ሰዓብቲ ሳንደማን ቅዱሳት ጽሑፋት ብምምርማሮም ብዙሕ መፈንጠራታት ከርሕቑ ሓጊዝዎም ኢዩ። ንኣብነት: ብምዝንጋዕ ዝመጸ: ነቲ ናይ ክርስቶስ ትእዛዛት ከም መምርሒ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። “ክርስቶስ ዘይገበሮ ሕጊ ክንገብር: ወይ ካብቲ ዝሃበና ሕግታት ዝዀነ ይኹን ክንሓድግ ኣይንደፍርን ኢና። ስለዚ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወይ ንብሕቲ ዝግበር ምዝንጋዕ ክልኩል ኢዩ ዝብል ዘይንረክብ እኳ እንተዀንና: ምስቲ ብሓቂ ሓጢኣት ዝዀነ ኵነታት ዘይተተሓሓዘ መዘናግዒ ግን ቅቡል ከም ዝዀነ ኢና እንሓስቦ” ኢዮም ዝብሉ ነይሮም።
ሰዓብቲ ሳንደማን ብዙሕ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብልክዕ እተመስረተ ኣረኣእያታት እኳ እንተ ነበሮም: ኣገዳስነት ናይቲ ንሓቀኛ ክርስትያናት መለለይኦም ዝዀነ: ነፍሲ ወከፍ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ክሰብኽ ኣለዎ ዝብል ኣድላዪ ንጥፈት ግን: ኣይተረድእዎን ነበሩ። (ማቴዎስ 24:14) እንተዀነ ግን: ኣኼባታቶም ንዅሉ ክፉት: ብዛዕባ እታ ዝነበረቶም ተስፋ ንዝሓቶም ዘበለ ድማ ምኽንያት ክህቡ ይጽዕሩ ነበሩ።—1 ጴጥሮስ 3:15
እዚ እምነት እዚ ነቲ ሊቅ ዝነበረ ሚካኤል ፋራዳይ ብኸመይ ተንከፎ፧
ፋራዳይ: ሰዓቢ እምነት ሳንደማን
ሚካኤል ፋራዳይ ዓበይቲ ነገራት ብምርካቡ ዝኸበረ: ውሩይ: ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘትረፈ ሰብ እኳ እንተ ነበረ: ተራ ናብራ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ፍሉጣት ሰባት ምስ ዝሞቱ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ክርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም ነበረ: ፋራዳይ ግን ኣብኡ ኣይርከብን ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ክህሉን ኣብቲ ቅዳሴ ክሳተፍን ሕልናኡ ኣየፍቅደሉን ነበረ።
ፋራዳይ ከም ሊቅ መጠን: ነቲ ከረጋግጾ ዝኽእል ጭቡጥ ነገር ኢዩ ብጽኑዕ ዝድግፍ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ምስቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ጥንሰ-ሓሳብ ዘቐድሙ ኣብ ዘከራኽር ጕዳያት ከኣ ወገን ዝፈልዩ ምሁራት ሰባት: ናይ ቀረባ ሕብረት ኣይገብርን ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ሓደ እዋን ንተኣከብቲ ዝበሎ: ‘መሰረታዊ ዝዀነ ጭብጢ ፈጺሙ ኣየፍሽለናን ኢዩ: መርትዖታቱ ኵሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ።’ ስነ-ፍልጠት ‘ጥንቁቕ ትዕዝብቲ ኣብ እተገብረሉ ጭብጥታት’ ዝምርኰስ ምዃኑ ኸኣ ገለጸ። ፋራዳይ ንመሰረታዊ ሓይልታት ተፈጥሮ ዝምልከት ሓደ ኣስተምህሮ ክድምድም ከሎ ነቶም ሰማዕቱ ብዛዕባ “እቲ ነዚ ዝፈጠረ” ከስተንትኑ ኣተባብዖም። ድሕርዚ ነቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ጠቐሰ:- “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን ኣጸቢቑ ይርአ።”—ሮሜ 1:20 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን
ፋራዳይ ካብ ካልኦት ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣዝዩ ዝፈልዮ ነገር: ካብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍን ካብቲ ናይ ተፈጥሮ መጽሓፍን ክማሃር ዝነበሮ ባህጊ ኢዩ። ካንተር ከምዚ ይብል:- “በቲ ናይ ሳንደማን እምነት ኣቢሉ ብስነ-ምግባራዊ ሕጊ ኣምላኽን ምስቲ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት እተዋህበ መብጽዓን ተሰማሚዑ ዝነብረሉ መገዲ ረኸበ። በቲ ስነ-ፍልጠት ኣቢሉ ኸኣ: ነቲ ኣምላኽ ኣድማስ ከማሓድረሉ ዝመረጾ ፊዚካዊ ሕግታት ክፈልጦ ከኣለ።” ፋራዳይ “እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ስልጣን ብስነ-ፍልጠት ክዕፈን ኣይክእልን ኢዩ: ግናኸ ስነ-ፍልጠት ብሓቂ ክርስትያናዊ ብዝዀነ መገዲ እንተድኣ ተተግቢሩ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ተፈጥሮ መጽሓፍውን ከብርሆ ይኽእል ኢዩ” ዝብል እምነት ኢዩ ነይርዎ።
ፋራዳይ ነቲ ኻልኦት ክህብዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ብዙሕ ክብርታት ብትሕትና ነጸጎ። ኣብ ሽመት ከም ዘይግደስ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ነበረ። ‘ከም ተራ ሰብ: ኣቶ ፋራዳይ’ ክበሃል ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ነታ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣመንቲ ዝነበርዋ ኣብ ኖርፎክ እተባህለ ቁሸት ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ንምእላይ: ካብታ ርእሰ ከተማ በብግዜኡ ምጋሽ ሓዊስካ: ዝበዝሐ ግዜኡ ነቲ ከም ሽማግለ መጠን ዝነበሮ ንጥፍታት ይውፊ ነበረ።
ሚካኤል ፋራዳይ 25 ነሓሰ 1867 ሞተ: ኣብቲ ኣብ ሰሜን ለንደን ዝርከብ መካነ-መቓብር ሃይገይት ድማ ተቐብረ። ጸሓፍ ታሪኽ ህይወት: ጆን ቶማስ: ፋራዳይ “ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ስነ-ፊዚክ ሊቅ ንላዕሊ ናይ ጽሩይ ስነ-ፍልጠታዊ ዓወታት ዝዓበየ ክፋል ንመጻኢ ትውልዲ ኣውረሰ: ናይቲ ዝረኸቦ ነገራት ተግባራዊ ውጽኢታት ድማ ንኣቃውማ ስልጡን ህይወት ብዓሚቝ ተንከፎ” ብምባል ይነግረና። በዓልቲ ቤት ፋራዳይ: ሳራ: ድሕሪ ሞቱ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ሓድሽ ኪዳን መምርሒኡን ሕጉን ከም ዝነበረ ክሕብር ጥራይ ኢየ ዝኽእል፣ ከመይሲ ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብቲ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበሩ: ነዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ዝነብሩ ክርስትያናት ብማዕረ ዝጠምር . . . ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ።” እዚ: ንሓደ ብተወፋይነት ምስ እምነቱ ተሰማሚዑ ዝነብር ዝነበረ ውሩይ ሊቅ ዝግባእ ውርጹጽ ምስክርነት ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ተረፍ ሰዓብቲ ሳንደማን ወይ ጕጅለ ግላስ: ኣብ ምጅማር ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ካብ ህላወ ኣቋረጹ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]
ሚካኤል ፋራዳይ ኣብቲ ናይ ብሪጣንያ ሮያል ኢንስቲቱሽን መምህር ምስ ኰነ: ንኣሽቱ እውን ከይተረፈ ክርድእዎ ብዝኽእሉ መገዲ ገይሩ ንስነ-ፍልጠት ምስ ህዝቢ ኣላልይዎ ኢዩ። ነቶም ብጾቱ መምህራን ዝህቦ ዝነበረ ምኽሪ: ነዞም ንህዝቢ ዝምህሩ ዘመናውያን ክርስትያናት ክሓስብሉ ዘለዎም ተግባራዊ ርእይቶታት ዝሓዘ ኢዩ።
▫ “ዝርርብ ቅልጡፍን ህዉኽን ክኸውን የብሉን: ከምኡውን ብቐሊሉ ክርዳእ ዘይከኣል ኣብ ክንዲ ዝኸውን ህዱእን ናይ ምይይጥ መልክዕ ዝሓዘን ክኸውን ኣለዎ።”
▫ ተዛራባይ “ኣብ ምጅማር ኣስተምህሮኡ ከምኡውን እቶም ሰማዕቱ ዘየስተብሃሉሎም: ንኽትርድኦም ዘጸግሙ ረቀቕቲ ነገራት ብተኸታታሊ ክዝርዝር ከሎ: ነቲ ኣርእስቲ ከምቲ ዝድለ ህያው ገይሩ ብምቕራብ:” ንተገዳስነት ሰማዕቱ ሓፍ ከብሎ ክጽዕር ኣለዎ።
▫ “ተዛራባይ ንኽጣቕዓሉ ኢሉ ዘረባኡ ዘቕንን ናእዳ ድማ ዝጽበ እንተድኣ ዀይኑ ሕስራን ኢዩ ዝረክብ።”
▫ እተዋጽአ ጽሑፍ ብዛዕባ ምጥቃም:- “ኵሉ ግዜ . . . ኣብ ወረቐት ናይቲ [ኣርእስቲ] ውጥን ክገብር ከም ዘሎኒ: ከምኡውን ብሓንሳእ ይኹን ወይ በብሓደ ነቲ ክፍልታት ብምዝካር ኣብ ኣእምሮይ ክመልኦ ከም ዘሎኒ ይስማዓኒ . . . ዓበይትን ናእሽቱን ተኸታታሊ ኣርእስትታት ኣብ ኣእምሮይ እሕዝ እሞ: ካብዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘገድስ ዘሎ ኣርእስቲ እዛረብ።”
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ክልቲኡ ስእልታት:- By courtesy of the Royal Institution