ናይ የሱስ ምምጻእዶ ወይስ ህላወ—ኣየናይ፧
“ትእምርቲ ህላወኻን: መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ኢዩ፧”—ማቴዎስ 24:3 ትሓዓ
1. ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ሕቶታት እንታይ ግደ ነበሮም፧
እቲ ክእለት ዝመልኦ ሕቶታት የሱስ ንሰማዕቱ ከም ዝሓስቡ: ንነገራት ድማ ብሓድሽ መልክዕ እውን ከይተረፈ ከም ዝርእይዎ ገይርዎም ኢዩ። (ማርቆስ 12:35-37፣ ሉቃስ 6:9፣ 9:20፣ 20:3, 4) ሕቶታት እውን ስለ ዝመለሰ ኣመስገንቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዝሃቦ መልስታት እንተ ዘይተሓቢሩና ክንፈልጦ ወይ ክንርድኦ ዘይንኽእል ሓቅታት ዘብርህ ኢዩ።—ማርቆስ 7:17-23፣ 9:11-13፣ 10:10-12፣ 12:18-27
2. ነየኖት ሕቶታት ኢና ሕጂ ከነቕልበሎም ዘሎና፧
2 ኣብ ማቴዎስ 24:3 ሓደ ካብቶም የሱስ ኣብዛ ምድሪ ኸሎ ዝመለሶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕቶታት ንረክብ ኢና። የሱስ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ: ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መወዳእታ ብምሕባር: ቤት መቕደስ የሩሳሌም ክትጠፍእ ምዃና ኣጠንቂቑ ኢዩ። ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ: ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም: እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” ትሓዓ ] መወዳእታ ዓለምንከ [“መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዝን:” ትሓዓ ] እንታይ ኢዩ፧ እስኪ ንገረና: እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።”—ማቴዎስ 24:3
3, 4. እተፈላለዩ መጽሓፍ ቅዱሳት ነታ ኣብ ማቴዎስ 24:3 እትርከብ ቀንዲ ቃል ተርጒሞምሉ ዘለዉ ኣገባብ: እንታይ ኣገዳሲ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧
3 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ‘እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ሕቶ እቲ ዝሓተቱስ ስለምንታይ ኢዮም: ናይ የሱስ መልሲ ንዓይ ክትንክፈኒ ዘለዎኸ ብኸመይ ኢዩ፧’ ብምባል ሓቲቶም ኢዮም። የሱስ ኣብቲ መልሱ: ብዛዕባ ክረምቲ ‘ምቕራቡ’ ዝሕብር ናይ ኣቝጽልቲ ምጥጣዕ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:32, 33) ስለዚ ኸኣ ኢየን: ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያናት እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ትእምርቲ “ምምጻእ” የሱስ: ማለት ምምላሱ ቅልጡፍ ምዃኑ ዘረጋግጽ ትእምርቲ ኢዮም ዝሓትዎ ነይሮም ኢለን ዝምህራ። ‘ምምጽኡ’ እታ ንክርስትያናት ናብ ሰማይ ዝወስደላን መወዳእታ ዓለም ድማ ዘምጽኣላን ግዜ ክትከውን ኢያ ኢለን ኢየን ዝኣምና። እዝስ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካዶ ትአምን፧
4 ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓዊስካ: ገለ ገለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ: “ምምጻእ” ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝትርጕምዋ: እታ “ህላወ” እትብል ቃል ኢዮም ዝጥቀሙ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝሓተትዎን የሱስ ክምልስ ከሎ እንታይ ከም ዝበለን: ካብቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናት ዝወሃብ ትምህርቲ እተፈልየ ክኸውን ይኽእልዶ፧ እቲ ብልክዕ እተሓተተ ነገር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስከ እንታይ መልሲ ሃበ፧
ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ዝሓቱ ነይሮም፧
5, 6. እቶም ሃዋርያት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:3 ዘሎ ሕቶ ክሓትዎ ከለዉ ኣተሓሳስብኦም እንታይ ከም ዝነበረ ኢና ክንድምድም እንኽእል፧
5 ካብቲ የሱስ ነታ ቤተ-መቕደስ ኣመልኪቱ ዝበሎ ርኢኻ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘ትእምርቲ ህላወኡን [ወይ: “ምምጽኡን”] መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዝን [ቃል ብቓሉ: “ወለዶ”]’ ክሓትዎ ከለዉ: ብዛዕባ እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ኢዮም ዝሓስቡ ነይሮም።—ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:11 (ኪንግ ጀምስ) ከምኡውን ገላትያ 1:4 ዘሎ “ዓለም” ዝብል ኣረኣእዮ።
6 ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ውሱን ምርዳእ ጥራይ ኢዩ ነይርዎም። ኣቐድም ኣቢሎም “መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ” ይመስሎም ነበረ። (ሉቃስ 19:11፣ ማቴዎስ 16:21-23፣ ማርቆስ 10:35-40) ብመንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕብኦምን ድሕሪ እቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝገበርዎ ምይይጥን እውን ከይተረፈ የሱስ ሽዑ ንእስራኤል መንግስቲ ከቕንዕ እንተድኣ ኰይኑ ሓቲቶምዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:6
7. እቶም ሃዋርያት ንየሱስ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዘለዎ ዕማም ዝሓተትዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
7 እንተዀነ ግን: የሱስ ክኸይድ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም: ምኽንያቱ ኣቐድም ኣቢሉ “ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ: . . . ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ” ኢልዎም ነበረ። (ዮሃንስ 12:35፣ ሉቃስ 19:12-27) ስለዚ ‘የሱስ እንተድኣ ከይዱ: ምምላሱ ከመይ ገይርና ክንፈልጥ ኢና፧’ ብምባል ሓሲቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። መሲሕ ኰይኑ ምስ መጸ መብዛሕትኦም ኣይፈለጥዎን። ብድሕሪኡ ዓመት ጸኒሑ እውን: ኵሉ እቲ መሲሕ ክፍጽሞ ዘለዎ ነገራት ክገብር ድዩ ወይስ ኣይገብርን ዝብል ሕቶታት ብተደጋጋሚ ተላዒሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:2, 3) ስለዚ እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ መጻኢ ክሓቱስ ምኽንያት ነይርዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ቀልጢፉ ከም ዝመጽእ ዝሕብር ትእምርቲ ድዮም ወይስ ብዛዕባ ካልእ እተፈልየ ነገር ኢዮም ዝሓቱ ነይሮም፧
8. እቶም ሃዋርያት ምስ የሱስ ተዛሪቦምሉ ክዀኑ ዝኽእሉ ቋንቋ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
8 ነቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ እተገብረ ምይይጥ ትሰምዕ ከም ዝነበረት ዑፍ ገይርካ እሞ ንነፍስኻ ሕሰባ። (ምስ መክብብ 10:20 ኣረኣእዮ።) ምናልባት: የሱስን እቶም ሃዋርያትን ብቛንቋ እብራይስጢ ክዛረቡ ከለዉ ምሰማዕካዮም ነይርካ ትኸውን። (ማርቆስ 14:70፣ ዮሃንስ 5:2፣ 19:17, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:40) እንተዀነ ግን: ቋንቋ ግሪኽ እውን ይፈልጡ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ማቴዎስ ብቛንቋ ግሪኽ ዝጸሓፎ
9. መብዛሕትኡ ናይ ማቴዎስ ዘመናዊ ትርጕማት ኣብ እንታይ እተመስረተ ኢዩ፧
9 ናብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝጽጋዕ ምንጭታት: ማቴዎስ መጀመርታ ነታ ወንጌሉ ብቛንቋ እብራይስጢ ከም ዝጸሓፋ ይሕብር። ጸኒሑ ብቛንቋ ግሪኽ ከም ዝጸሓፋ ድማ ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ክሳዕ እዚ ግዜና ጸኒሖም ኢዮም: ናይ ማቴዎስ ወንጌል ናብዚ ሎሚ ዘሎ ቋንቋታት ክትርጐም ከኣ መሰረት ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ እተገብረ ምይይጥ ማቴዎስ ብቛንቋ ግሪኽ እንታይ ኢዩ ዝጸሓፈ፧ ብዛዕባ እቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝሓተትዎ “ምምጻእ” ወይ “ህላወ” ዝብልን የሱስ ዝሃቦ ሓሳብን እንታይ ኢዩ ዝጸሓፈ፧
10. (ሀ) ማቴዎስ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ “ምምጻእ” እትብል: እንታይ ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ እተጠቕመ: እንታይ ትርጕምከ ኢዩ ክህልዋ ዝኽእል፧ (ለ) እንታይ ካልእ ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ ኣገዳሲት ዝዀነት፧
10 ኣብተን ናይ መጀመርታ 23 ምዕራፋት ናይ ማቴዎስ: ልዕሊ 80 ግዜ ዝኸውን እታ ን“ምምጻእ” እትውክል ኢር ʹክሆ·ማይ እትብል ልምድቲ ናይ ግሪኽ ቃል ንረክብ። ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 1:47 ዘሎ:- “የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ . . . ረአዮ” ዝብል: ዝበዝሕ ግዜ ምቕልቃል ወይ ምቕራብ ዝብል ሓሳባት ኢያ እተመሓላልፍ። ምስቲ ኣወዓዕላኣ ብምስምማዕ: እታ ኢር ʹክሆ·ማይ እትብል ግሲ “ምብጻሕ:” “ምኻድ:” “ደበኽ ምባል:” “ምምጻእ” ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። (ማቴዎስ 2:8, 11፣ 8:28 ትሓዓ ፣ ዮሃንስ 4:25, 27, 45፣ 20:4, 8፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:40፣ 13:51) ይኹን እምበር ማቴዎስ: ኣብ ማቴዎስ 24:3, 27, 37, 39: እታ ፓ·ሩ·ሲʹያ እትብል ፍልይቲ ቃል: ኣብ ወንጌላት ድማ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዘይትርከብ ስም ኢዩ ተጠቒሙ። ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ስለ ዘጽሓፎ: ማቴዎስ ንወንጌሉ ብቛንቋ ግሪኽ ክጽሕፋ ከሎ: ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን ነዛ ናይ ግሪኽ ቃል ክመርጽ ኣምላኽ ዝደረኾስ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንታይ ማለት ኢያ: ስለምንታይከ ኢና ክንፈልጣ እንደሊ፧
11. (ሀ) ናይ ፓ·ሩ·ሲʹያ ትርጕም እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቲ ናይ ጆሰፉስ ጽሑፋት እተረኽበ ኣብነታት: ነቲ ብዛዕባ ፓ·ሩ· ሲʹያ ዘሎና ምርዳእ ዝድግፎ ብኸመይ ኢዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
11 ብሓጺሩ: ፓ·ሩ·ሲʹያ “ህላወ” ማለት ኢያ። ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ወርድስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ፓሩሲያ: . . . ቃል ብቓሉ ህላወ ኰይና: ፓራ ማለት ምስ: ኡስያ ኸኣ ምህላው ማለት (ካብታ ኤይሚ: ምዃን ዝትርጕማ ዝመጸት) ኢዩ: ኣብ ሓደ ቦታ ምብጻሕን ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብቲ ቦታ ምህላውን እተመልክት ኢያ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ናይ ፓፒሩስ ደብዳበ: ሓንቲ ሰበይቲ ንጥሪታ ዝምልከት ጕዳያት ምእንቲ ክትከታተል: ኣብ ሓደ ቦታ ናታ ፓሩስያ ከም ዘድሊ ትዛረብ።” ካልኦት መዝገበ-ቃላት ድማ: ፓ·ሩ·ሲʹያ: ‘ናይ ሓደ መራሒ ምብጻሕ’ ከም እተመልክት ይገልጹ። ስለዚ: ልክዕ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሓላ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብታ ዝበጽሓላ ግዜ ቀጺሉ ዘሎ ህላወ ኢያ እተመልክት። እቲ ዘገድስ ድማ: ኣብቲ ሃዋርያት ዝነብርሉ ግዜ ዝነብር ዝነበረ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ: ንፓ·ሩ·ሲʹያ ብኸምዚ ኢዩ ተጠቒሙላ።a
12. መጽሓፍ ቅዱስ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ ፓ·ሩ·ሲʹያ ትርጕም ከነረጋግጽ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
12 እቲ “ህላወ” ዝብል ትርጕም ብጥንታዊ ስነ-ጽሑፍ ብርግጽ እተደገፈ ኢዩ: ንክርስትያናት ብፍላይ ዘገድሶም ግን ቃል ኣምላኽ ነታ ፓ·ሩ·ሲʹያ እትብል ቃል ብኸመይ ተጠቒሙላ ከም ዘሎ ኢዩ። እቲ መልሲ ምስቲ ጥንታዊ ስነ-ጽሑፍ ተጠቒሙላ ዘሎ ሕደ ኢዩ: ማለት ህላወ ዝብል ኢዩ። ነዚ ድማ ካብቲ ኣብ ደብዳበታት ጳውሎስ ዘሎ ኣብነታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንሰብ ፊልጲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር: ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ: ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተአዘዝኩም: . . . ንምድሓንኩም ፈጽሙ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ‘እንደገና [ንሱ ምስኣቶም] ብምህላዉ [ፓ·ሩ·ሲʹያ]’ ምእንቲ ክሕጐሱ: ብዛዕባ ኣብ ማእከሎም ምንባር እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ፊልጲ 1:25, 26 ትሓዓ ፣ 2:12) ካልእ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት ድማ ከምዚ ይንበብ:- “እንደገና ምሳኻትኩም ምህላወይ” (ዌይማውዝ፣ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርዥን)፣ “እንደገና ምሳኻትኩም ምስ ኰንኩ” (ጀሩሳሌም ባይብል፣ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል፣) ከምኡውን “እንደገና ኣብ ማእከልኩም ክርከብ ከሎኹ።” (ትዌንትየዝ ሰንቹሪ ኒው ተስታመንት) ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 10:10, 11 (ትሓዓ ): ነቲ “ብኣካል ምህላዉ” ምስቲ “ዘይምህላዉ” ኣነጻጺርዎ ኣሎ። ኣብዚ ኣብነታት እዚ: ብግልጺ ብዛዕባ ብኣካል ምቕልቃሉ ወይ ኣብቲ ቦታ ምብጽሑ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ፣ ነታ ፓ·ሩ·ሲʹያ እትብል ቃል ኣብቲ ቦታ ምህላዉ ከም እተመልክት ገይሩ ኢዩ ተጠቒሙላ ዘሎ።b (ምስ 1 ቈረንቶስ 16:17 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ናይ የሱስ ፓ·ሩ·ሲʹያ ዝምልከት ጥቕስታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዛዕባ ‘ምምጽኡ’ ድዩ ወይስ ንሓደ እተናውሐ ህላወ ኢዩ ዘመልክት፧
13, 14. (ሀ) ፓ·ሩ·ሲʹያ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሕ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ናይ የሱስ ፓ·ሩ·ሲʹያ ንውሓት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዘለዎ፧
13 ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብ ናይ የሱስ ፓ·ሩ·ሲʹያ ይግደሱ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ‘ካብ ኣእምሮኦም [“ምርድኦም:” ትሓዓ ] ከይነቓነቑ’ ጳውሎስ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። መጀመርታ እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትና ኣቕሽሽቲ ምዃኑ እተረጋገጸ: “ሰብኣይ ዓመጻ” ክግለጽ ነበሮ። ጳውሎስ “ናይ እዚ ኣመጻጽኣ [ሰብኣይ ዓመጻ] [“ህላወ:” ትሓዓ ] ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ: ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ተሰሎንቄ 2:2, 3, 9) እቲ ናይዚ “ሰብኣይ ዓመጻ” ፓ·ሩ·ሲʹያ ወይ ህላወ: ቅጽበታዊ ምምጻእ ጥራይ ኣይኰነን፣ ናይ ሓሶት ትእምርትታት ክርኣየሉ ዘለዎ: ንነዊሕ ግዜ ዝዝርጋሕ እዋን ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ነቲ ቀቅድሚኡ ዘሎ ጥቕሲ ርአ:- “እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ: ብምግላጽ ምጽኣቱውን [“ህላወኡ:” ትሓዓ ] ከንቱ ኺገብሮ እዩ።” ልክዕ ከምቲ ናይዚ “ሰብኣይ ዓመጻ” ህላወ ንነዊሕ እዋን ዝኸውን: ናይ የሱስ ህላወ እውን ንገለ ግዜ ዝጸንሕ: እቲ ዓማጺ ዝዀነ “ወዲ ጥፍኣት” ምስ ጠፍአ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ዝበጽሕ ኢዩ።—2 ተሰሎንቄ 2:8
ናይ ቋንቋ እብራይስጢ መዳያት
15, 16. (ሀ) ኣብቲ ናብ ቋንቋ እብራይስጢ እተተርጐመ ናይ ማቴዎስ ብዙሕ ትርጕማት እንታይ ፍልይቲ ቃል ኢያ ተዘውቲራ ዘላ፧ (ለ) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ቦህʼ ብኸመይ ኢያ ተዘውቲራ ዘላ፧
15 ኣቐዲሙ ከም እተገልጸ: ማቴዎስ ንወንጌሉ መጀመርታ ብቛንቋ እብራይስጢ ከም ዝጸሓፎ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ ማቴዎስ 24:3, 27, 37, 39 እንታይ ናይ እብራይስጢ ቃል ኢዩ እተጠቕመ፧ ናብ ዘመናዊ ቋንቋ እብራይስጢ እተተርጐመ ናይ ማቴዎስ ትርጕማት: ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብቲ ናይቶም ሃዋርያት ሕቶን ናይ የሱስ መልስን ነታ ቦህ ʼ እትብል ግሲ ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ድማ “ናትካ [ቦህ ʼ] ትእምርቱን መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ኢዩ፧” ከምኡውን “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: [ቦህ ʼ] ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” ናብ ዝብል ንባብ ዝመርሕ ኢዩ። ቦህ ʼ እንታይ ማለት ኢያ፧
16 እተፈላለየ ትርጕማት ዘለዋ እኳ እንተዀነት: እታ ቦህ ʼ እትብል እብራዊት ግሲ ብመሰረቱ “ምምጻእ” ማለት ኢያ። እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት (እንግሊዝኛ) እተባህለ መዝገበ-ቃላት ከምዚ ይብል:- ‘እዛ 2,532 ግዜ እትርከብ ቦህ ʼ እትብል ቃል: ሓንቲ ካብተን ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ብተደጋጋሚ ተዘውቲረን ዘለዋ ግስታት ኢያ: ካብተን ምንቅስቓስ ኣብ ምግላጽ ዝውዕላ ግስታት ድማ እታ ቀንዲ ኢያ።’ (ዘፍጥረት 7:1, 13፣ ዘጸኣት 12:25፣ 28:35፣ 2 ሳሙኤል 19:30፣ 2 ነገስት 10:21፣ መዝሙር 65:2፣ ኢሳይያስ 1:23፣ ህዝቅኤል 11:16፣ ዳንኤል 9:13፣ ኣሞጽ 8:11) የሱስን እቶም ሃዋርያትን: ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ትርጕማት ዘለዋ ቃል ተጠቒሞም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: እቲ መልእኽቲ ከካትዕ ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን እምበር ነዛ ቓል እዚኣ ድዮም ተጠቒሞም፧
17. (ሀ) እቶም ብቛንቋ እብራይስጢ እተዳለዉ ዘመናውያን ናይ ማቴዎስ ትርጕማት: ነቲ የሱስን እቶም ሃዋርያትን እተዛረብዎ ግድን ዘይሕብሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣበየናይ ካልእ ምንጭታት ኢና ኣሰር ናይታ የሱስን እቶም ሃዋርያትን እተጠቕሙላ ቃል ክንረክብ እንኽእል: በየናይ ካልእ ምኽንያትከ ኢዩ እዚ ንዓና ዘገድሰና፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
17 ዘመናዊ ናይ እብራይስጢ ትርጕማት: ነቲ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ብልክዕ ከምቲ ዘለዎ ከቕርብ ዘይክእል ትርጕማት ምዃኑ ዘክር። የሱስ ነታ ናይ ፓ·ሩ· ሲʹያ ትርጕም ብልክዕ እትበቅዕ ካብ ቦህ ʼ እተፈልየት ቃል ተጠቒሙ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ካብታ ብፕሮፈሰር ጆርጅ ሃዋርድ እተዳለወት ሄብሪው ጎስፐል ኦቭ ማቲው (እንግሊዝኛ) እትበሃል ናይ 1995 መጽሓፍ ክርአ ይከኣል ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ኣብቲ ሼም-ቶብ ቤን ኣይሲክ ኢብን ሸፕሮት እተባህለ ኣይሁዳዊ ሓኪም ኣንጻር ክርስትና ዘቕረቦ ናይ መበል 14 ክፍለ-ዘበን ናይ ክርክር ጽሑፍ ዘተኰረት ኢያ። እዚ ናይ ሼም-ቶፕ ሰነድ እዚ ብቛንቋ እብራይስጢ እተዳለወ ናይ ማቴዎስ ወንጌል ዝሓዘ ጽሑፍ ኢዩ ኣቕሪቡ። እዚ ናይ ማቴዎስ ጽሑፍ እዚ: ካብቲ ኣብ ግዜ ሼም-ቶብ ዝነበረ ላቲን ወይ ግሪኽ እተተርጐመ ዘይኰነስ ኣዝዩ ጥንታውን ካብ መጀመርታኡ ድማ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ምዃኑን መረጋገጺ ኣሎ።c ስለዚ እቲ ጽሑፍ ናብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ እተዘርበ ቃላት ከቕርበና ይኽእል ኢዩ።
18. ሼም-ቶብ እንታይ ኣገዳሲት ዝዀነት ናይ እብራይስጢ ቃል ኢዩ እተጠቕመ: ትርጕማኸ እንታይ ኢዩ፧
18 እቲ ናይ ሼም-ቶብ ማቴዎስ: ኣብ ማቴዎስ 24:3, 27, 39: ነታ ቦህʼ እትብል ግሲ ኣይጥቀምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ነታ ምስኣ እትዛመድ ቢ·ʼያህ ʹ እትብል ስም ኢዩ ዝጥቀም። እታ ስም ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት “መእተዊ” ዝብል ትርጕም ብምሓዝ: ኣብ ህዝቅኤል 8:5 ጥራይ ኢያ እትርከብ። ነቲ ናይ ምምጻእ ተግባር ኣብ ክንዲ እትገልጽ: ቢ·ʼያህ ʹ ናብ ኣፍ ደገ ናይ ሓደ ህንጻ ምእታው ኢያ እተመልክት፣ ኣብቲ ኣፍ ደገ ወይ ድርኵዂት እንተድኣ ኣሊኻ ድማ: ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ኢኻ ዘሎኻ ማለት ኢዩ። ክፋል ናይቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኸበ ጥቕላላት ኰይኑ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ሰነዳት: መብዛሕትኡ ግዜ ንምጅማር ወይ ምጽንባል ክህነታዊ ኣገልግሎት ከመልክት ከሎ ቢ·ʼያህ ʹ ኢዩ ዝጥቀም። (1 ዜና መዋእል 24:3-19፣ ሉቃስ 1:5, 8, 23 ርአ።) ካብቲ ጥንታዊ ናይ ሶርያ (ወይ: ኣረማይስጢ) ፐሼታ: ናብ ቋንቋ እብራይስጢ እተገብረ ሓደ ናይ 1986 ትርጕም: ኣብ ማቴዎስ 24:3, 27, 37, 39 ቢ·ʼያህ ʹ ኢዩ ተጠቒሙ። ስለዚ ኣብ ግዜ ጥንቲ እታ ቢ·ʼያህ ʹ እትብል ስም ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙላ ዘሎ: ቦህ ʼ እትብል ግሲ ብገለ መገዲ እተፈልየት ከም ዝዀነት መረጋገጺ ኣሎ። እዚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
19. የሱስን እቶም ሃዋርያትን ቢ·ʼያህ ʹ ተጠቒሞም እንተድኣ ኰይኖም: እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧
19 እቶም ሃዋርያት ኣብ ሕቶኦም: የሱስ ድማ ኣብ መልሱ ነዛ ቢ·ʼያህ ʹ እትብል ስም ኢዮም ተጠቒሞም ክዀኑ ዘለዎም። እቶም ሃዋርያት: ኣብ ኣእምሮኦም ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ መጻኢ ዝገብሮ ምብጻሕ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: ክርስቶስ ግን ካብቲ ዝሓስብዎ ዝነበሩ ዝያዳ ምእንቲ ከጠቓልል ቢ·ʼያህ ʹ ተጠቒሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ሓድሽ ኣገልግሎት ንምጅማር ዝገብሮ ምብጻሕ የመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ምብጽሑ ድማ ምጅማር ናይቲ ዝህልዎ ሓድሽ ግደ ክኸውን ነበሮ። እዚ ምስታ ማቴዎስ ብተኻታታሊ እተጠቕመላ ፓ·ሩ·ሲʹያ ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ዝሰማማዕ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣወዓዕላ ናይ ቢ·ʼያህ ʹ እቲ የሱስ ዝሃቦ እኩብ “ትእምርቲ” ናቱ ምህላው ከም ዘንጸባርቕ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምህርዎ ዘለዉ ትምህርቲ ዝድግፍ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።
ነቲ ናይ ህላወኡ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ምጽባይ
20, 21. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ዘመን ኖህ ዝሃቦ ሓሳብ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
20 ብዛዕባ ህላወ የሱስ እንገብሮ መጽናዕቲ ኣብ ህይወትናን ትጽቢታትናን ቀጥታዊ ጽልዋ ክህልዎ ኣለዎ። የሱስ ንሰዓብቱ ነቒሖም ክጸንሑ ተማሕጺንዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ ዝበዝሑ ሰባት ዘየስተብህሉሉ እንተዀኑ: ህላወኡ ክፍለጠሉ ዝኽእል ትእምርቲ ሂቡ ኢዩ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት [“ህላወ:” ትሓዓ ] ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት [“ህላወ:” ትሓዓ ] ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:37-39
21 ኣብ መዓልታት ኖህ: መብዛሕትኦም ናይቲ ወለዶ እቲ ሰባት ልሙድ ዋኒኖም ኢዮም ዘካይዱ ነይሮም። የሱስ “ምጽኣት [“ህላወ:” ትሓዓ ] ወዲ ሰብ” ልክዕ ከምኡ ኢዩ ብምባል ኣቐዲሙ ተዛረበ። እቶም ኣብ ከባቢ ኖህ ዝነበሩ ሰባት: ዝፍጸም ነገር ከም ዘይህሉ ተሰሚዕዎም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሓቂ ዘጋጠመ ግን ትፈልጦ ኢኻ። እተን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሓ መዓልትታት እቲኣተን: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜአን በጺሐን ኢየን: ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ ድማ ንዅሎም ኣጥፍኦም።’ ሉቃስ ነቲ የሱስ ‘ንዘመን ኖህ’ ምስ ‘ዘመን ወዲ ሰብ’ ዘወዳደረሉ ኣመልኪቱ: ተመሳሳሊ ጸብጻብ ኢዩ ዘቕርብ። የሱስ “በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ።—ሉቃስ 17:26-30
22. ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ዝርከብ ናይ የሱስ ትንቢት ብፍላይ ክንግደሰሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
22 ኣብቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ፍጻመታት—ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ጥሜት: ከምኡውን ናይ ደቀ መዛሙርቱ መስጐጕቲ—እንርእየሉ ግዜ ንነብር ስለ ዘሎና እዚ ዅሉ ንዓና ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:7-9፣ ሉቃስ 21:10-12) ሽሕ’ኳ መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ከም ልሙድ ናይ ታሪኽ ክፍሊ ገይሮም ዝርእይዎ እንተዀኑ: ካብቲ ታሪኽ ዝቐየረ: ብዓብይኡ ድማ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግጭት ኣትሒዙ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ብግልጺ ክርአ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓቀኛ ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ንቑሓት ሰባት ካብ ቈጽሊ በለስ ክረምቲ ምቕራቡ ዝርድኡ: ንትርጕም ናይዚ ኣገዳሲ ፍጻመታት ይግንዘብዎ ኢዮም። የሱስ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ብምባል መኸረ።—ሉቃስ 21:31
23. እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ዘሎ ቃላት የሱስ ንመን ኢዩ ፍሉይ ትርጕም ዘለዎ: ስለምንታይከ፧
23 የሱስ መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝሃቦ መልሲ ናብ ሰዓብቱ ዘቃንዐ ኢዩ ነይሩ። ንሳቶም እቶም መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ስብከት ክካፈሉ ዘለዎም ሰባት ኢዮም ነይሮም። እቲ ‘ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ምቛሙ’ ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ሰባት ክዀኑ ነበሮም። ቅድሚ እቲ ዓቢ ጸበባ ምምጽኡ ናይ ‘ምህዳም’ ስጕምቲ ብምውሳድ መልሲ ክህቡ ነበሮም። ከምኡውን እቶም ብፍላይ በቲ “እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን” ብምባል ተወሲኹ ዘሎ ቃላት ዝትንከፉ ክዀኑ ነበሮም። (ማቴዎስ 24:9, 14-22) ይኹን እምበር እዚ ዕቱብ ቃላት እዚ እንታይ ማለት ኢዩ: ኣብዚ እዋን እዚ ተወሳኺ ሓጐስ: ትውክልቲ: ከምኡውን ቅንኢ ምእንቲ ክህልወና መሰረት ዝህብ ኢዩ ክበሃል ዝከኣልከ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንማቴዎስ 24:22 ዝምልከት: ቀጺሉ ዘሎ መጽናዕቲ ክምልሰልና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ካብ ጆሰፉስ እተረኽበ ኣብነታት:- ኣብ ከረን ሲና በርቅን ነጐዳን “ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ከም ዘሎ [ፓ·ሩ·ሲʹያ] ገሊጾም ኢዮም።” እቲ ኣብ ድንኳን ማሕደር ዝነበረ ተኣምራታዊ መግለጺ “ህላወ [ፓ·ሩ· ሲʹያ] ኣምላኽ ኣርእዩ ኢዩ።” ንጊልያ ኤልሳእ ሰረገላታት ብምርኣይ: ኣምላኽ “ንኣገልጋሊኡ ሓይሉን ህላወኡን [ፓ·ሩ·ሲʹያ] ገሊጽሉ ኢዩ።” ፖትረኒዩስ እተባህለ ሮማዊ ሓለቓ ንኣይሁድ ከህድኦም ምስ ፈተነ: ‘ኣምላኽ ዝናብ ብምስዳድ ንፖትረኒዩስ ህላወኡ [ፓ·ሩ·ሲʹያ] ከም ዝገለጸሉ’ ጆሰፉስ ይዛረብ። ጆሰፉስ ነታ ፓ·ሩ·ሲʹያ እትብል ቃል ንምቕልቃል ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ንዝግበር ቕጽበታዊ ምብጻሕ ኣይተጠቕመላን። ዘይርአ እውን ይኹን: ንሓደ ዝቕጽል ምህላው እተመልክት ኢያ። (ዘጸኣት 20:18-21፣ 25:22፣ ዘሌዋውያን 16:2፣ 2 ነገስት 6:15-17)—ምስ ኣንቲኲቲስ ኦቭ ዘ ጂውስ (እንግሊዝኛ) ዝበሃል ሳልሳይ መጽሓፍ: ምዕራፍ 5: ሕጡብ ጽሑፍ 2 [80]፣ ምዕራፍ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 5 [202]፣ ታሽዓይ መጽሓፍ: ምዕራፍ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 3 [55]፣ መበል 18 መጽሓፍ: ምዕራፍ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 6 [284] ኣረኣእዮ።
b ኤ ክሪቲካል ሌክሲኮን ኤንድ ኮንኮርዳንስ ቱ ዘ ኢንግሊሽ ኤንድ ግሪክ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ኣብ እተባህለት መጽሓፍ: ኢ. ዳብሊው. ባሊነር: ፓ·ሩ·ሲʹያ ‘ምህላው ወይ ኣብቲ ቦታ ምርካብ: ስለዚ ህላወ: ምብጻሕ፣ ምምጻእ: እዚ ኸኣ ካብታ ሓደ ሰብ ዝመጽኣላ ግዜ ንደሓር ዝህሉ ቀጻሊ እዋን ዝብል ሓሳብ ዘመሓላልፍ ምምጻእ’ ማለት ኢያ ብምባል ይገልጽ።
c ሓደ መርትዖ: “እቲ ስም” ዝብል ናይ እብራይስጢ መግለጺ: ብምሉእ ወይ ብሓጺር 19 ግዜ ዝኸውን ምሓዙ ኢዩ። ፕሮፈሰር ሃዋርድ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “እቲ መለኮታዊ ስም ብሓደ ናይ ክርክር ጽሑፍ ዘቕርብ ኣይሁዳዊ ሰብ ተጠቒሱ ኣብ ናይ ክርስትያን ሰነድ ተጻሒፉ ምጽንሑ ዓቢ ነገር ኢዩ። እዚ ካብ ናይ ግሪኽ ወይ ናይ ላቲን ሰነድ እተረኽበ ናይ እብራይስጢ ትርጕም ነይሩ እንተ ዝኸውን: ሓደ ሰብ ኣብቲ ጽሑፍ ነቲ የሀወሀ ዝብል ምልክት ናይቲ ዕዙዝ መለኮታዊ ስም ዘይኰነስ: ኣዶናይ [ጐይታ] ዝብል ክረክብ ኢዩ ዝጽበ። . . . ነቲ ዕዙዝ ስም ንሱ ኢዩ ወሲኽዎ ኢልካ ምዝራብ ዘይመስል ኢዩ። እቲ መርትዖ: ሼም-ቶብ ነቲ ናይ ማቴዎስ ቅዳሕ ካብቲ ድሮ መለኮታዊ ስም ዘለዎ ጽሑፍ ኢዩ ረኺብዎ: ምናልባት ድማ ነቲ ስም ብምውጻእ ገበነኛ ካብ ምዃን: ከም ዘለዎ ዓቂብዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ብጽኑዕ ዝእምት።” መወከሲ ዘለዎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ነቲ ናይ ሼም-ቶብ ማቴዎስ (J2) ኣብ ናይ ግሪኽ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ መለኮታዊ ስም ንምዝውታር ከም ደገፍ ይጥቀመሉ ኢዩ።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ኣብ መንጎ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳት ንማቴዎስ 24:3 ሂቦምዎ ዘለዉ ናይ ትርጕም ፍልልያት ምርኣዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ናይ ፓ·ሩ·ሲʹያ ትርጕም እንታይ ኢዩ: ኣገዳሲ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ማቴዎስ 24:3 ኣብ ግሪኽን እብራይስጥን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ክህሉ ዝኽእል፧
◻ ንማቴዎስ ምዕራፍ 24 ምእንቲ ክንርድኣ እንታይ ንግዜ ዝምልከት ኣገዳሲ ረቛሒ ኢና ክንፈልጥ ዘድልየና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንየሩሳሌም ካብ ላዕሊ ገጹ ዝጥምት: ደብረ ዘይቲ