ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/9 ገጽ 3-4
  • ህይወትካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጽሕፍቶ ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህይወትካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጽሕፍቶ ድያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ይምህር ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • መጻኢና ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/9 ገጽ 3-4

ህይወትካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ጽሕፍቶ ድያ፧

“ኣላ ኖ ዶን።” እዚ መግለጺ እዚ በቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ: ኣብ ማሊ ዝርከብ ቋንቋ ባምባራ “ተግባር ኣምላኽ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘ ኢዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭርሖታት ኣዝዩ ልሙድ ኢዩ። ብቛንቋ ዎሎፍ ድማ “ይኣላህ ሞ ኮ ደፍ ” (ኣምላኽ ኢዩ ገይርዎ) ይበሃል። ኣብ ሓደ ደጎን ዝበሃል ቋንቋ ድማ “ኣማ ቢረ ” (ኣምላኽ ኢዩ ኣምጺእዎ) ይበሃል።

ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ነዚ መግለጺታት እዚ ዝመሳሰል ኣዘራርባታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ወይ ዘሕዝን ነገራት ከጋጥም ከሎ “መዓልቱ ኣኺላ” ከምኡውን “ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ” ዝብል ኣዘራርባታት ይስማዕ ኢዩ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም እኒ “ሰብ ይእምም: ኣምላኽ ይፍጽም” ዝብል ኣዘራርባታት ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያታት ምጽሓፍ: ኣብ ድኳናት ድማ ምልጣፍ ልሙድ ኢዩ። ንብዙሓት ሰባት እዚ ኣበሃህላ ጥራይ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ናይ ጽሕፍቶ እምነት ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ (እንግሊዝኛ) “ዝፍጸም ነገራት ካብ ቍጽጽር ሰብ ንላዕሊ ብዝዀኑ ሓይልታት ኣቐዲሙ እተወሰነ ምዃኑ ዘርኢ እምነት ኢዩ” ብምባል ይገልጾ። እዞም “ሓይልታት” እዚኣቶም እንታይ ኢዮም፧ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር: ባቢሎናውያን ናይ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ጽሕፍቶ በቲ ክውለድ ከሎ ዝህሉ ኣሰራርዓ ከዋኽብቲ ኣጸቢቑ ይጽሎ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። (ምስ ኢሳይያስ 47:13 ኣራኣእዮ።) ግሪኻውያን ከኣ ጽሕፍቶ ኣብ ኢድ እተን ህይወት ዝፈጥራ: ዝዕቅና: ከምኡውን ዘሕጽራ ሰለስተ ሓያላት ኣንስትዮ ኣማልኽቲ ኢዩ ዘሎ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ይኹን እምበር: ንናይ ሓደ ሰብ ጽሕፍቶ ዝውስኖ ባዕሉ ኣምላኽ ኢዩ ኢሎም ዘቘምዎ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ቲኦሎጂ ምሁራት ኢዮም!

ንኣብነት: “ቅዱስ” ኣጎስጢኖስ ነቲ “ሓሶትን ጐዳእን ዝዀነ ኣረኣእያ” ቈጸርቲ ከዋኽብቲ ነጺጉዎ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: “ኣምላኽ ኣሎ ኢልካ ክትእመን: እንደገና ድማ ብዛዕባ መጻኢ ነገራት ኣይፈልጥን ኢዩ ክትብል ኣዝዩ ርኡይ ዕሽነት ኢዩ” ኢሉ ተኻትዐ። ኣምላኽ ብሓቂ ዅሉ ዝኽእል ክኸውን እንተድኣ ዀይኑ “ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣቐዲሙ ብምውሳን: ንዅሉ ነገር ቅድሚ ምፍጻሙ ክፈልጦ” ይግባእ በለ። ገና ግን ኣጎስጢኖስ: ኣምላኽ ነቲ ዝኸውን ኵሉ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ’ኳ እንተዀነ: ሰባት ናጻ ድሌት ኣለዎም ኢሉ ኣበርቲዑ ይማጐት ነበረ።​—ዘ ሲቲ ኦቭ ጎድ: (እንግሊዝኛ) መጽሓፍ V: ምዕራፍ 7-9።

ዘበናት ጸኒሑ: ናይ ፕሮተስታንት ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ጆን ካልቪን ገሊኣቶም “ደቅን ወረስትን ሰማያዊት መንግስቲ ንኽዀኑ [ብኣምላኽ] ኣቐዲሞም ክውሰኑ ከለዉ” ካልኦት ድማ “ተቐበልቲ ቍጥዓኡ” ንኽዀኑ ኣቐዲሙ ተወሰነሎም: ብምባል ነቲ ሓሳባት ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ኣማዕበሎ!

ኣብዚ እዋን እዚ: ኣብ ጽሕፍቶ ምእማን ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ኣርዚንካ ኢዩ ዝውሰድ። ናይዚ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዑስማን እተባህለ መንእሰይ ተመክሮ ርአ። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝነበሩ ብሉጻት ተማሃሮ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ገበረ ተረፈ! ፈተና ምትራፉ ሓደ ዓመት ምድጋም ማለት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ስድራቤቱን ናይ ቀረባ ኣዕሩኹን ሕፍረት ምጕልባብ ማለት ኢዩ። ሓደ ዓርኩ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ ብምባል ከጸናንዖ ፈተነ። ኣዲኡ እውን ብተመሳሳሊ: ምትራፉ ጽሕፍቶኡ ከም ዝዀነ ገይራ ተዛረበት።

ኣብ መጀመርታ ዑስማን በቲ ዘርኣይዎ ናይ ድንጋጽ ስምዒት ተሓጒሱ ኢዩ። ድሓር ከኣ ምትራፉ ፍቓድ ኣምላኽ እንተድኣ ኰይኑ: ንኽከላኸሎ ኢሉ ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን ማለት ኢዩ። ኣቦኡ ግን ብዛዕባ እቲ ኵነታት እተፈልየ ኣረኣእያ ነበሮ። ንዑስማን ድማ: ፈተና ምትራፉ ናይ ኣምላኽ ጕድለት ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ጕድለት ምዃኑ ነገሮ። ዑስማን ዝተረፈ ንትምህርቱ ሸለል ስለ ዝበለ ጥራይ ኢዩ።

እቲ ኣብ ጽሕፍቶ ዝነበሮ እምነት ስለ እተዳኸመ ድማ ዑስማን ነቲ ኵነታት ባዕሉ ክምርምሮ ወሰነ። ነዛ ቀጺላ ዘላ ኣርእስቲ ብምምርማር ንስኻውን ከምኡ ክትገብር ንዕድመካ ኣሎና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ