ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/9 ገጽ 14-19
  • ሕጊ ክርስቶስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕጊ ክርስቶስ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ኪዳን
  • ናይ ሓርነት ሕጊ
  • የሱስን ፈሪሳውያንን
  • ሕጊ ክርስቶስ ሸለል ብሃሊ ድዩ ነይሩ፧
  • ህዝበ-ክርስትያን ንሕጊ ክርስቶስ ትብክሎ
  • ካብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ጌጋታት ትምህርቲ ምውሳድ
  • ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ ሕጊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ኣብ ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዲና፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/9 ገጽ 14-19

ሕጊ ክርስቶስ

‘[“ኣብ ትሕቲ:” ‘ትሓዓ’] ሕጊ ክርስቶስ እየ።’—1 ቈረንቶስ 9:​21

1, 2. (ሀ) መብዛሕትኡ ናይ ደቅሰብ ጌጋታት ብኸመይ ኢዩ ከልግስ ዝኽእል ዝነበረ፧ (ለ) ህዝበ-ክርስትያን ካብቲ ናይ ኣይሁድነት ታሪኽ እንታይ ምምሃር ኣበየት፧

ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጀርመናዊ ፈላስፋ “ህዝብታትን ምምሕዳራትን ካብ ታሪኽ ፈጺሞም ተማሂሮም ኣይፈልጡን ኢዮም: ወይ እውን ነቲ ካብኡ ዝመጸ ስርዓታት ሰሪሖምሉ ኣይፈልጡን ኢዮም” በለ። ብርግጽ: ታሪኽ ሰብ “ናይ ዕሽነት ጕዕዞ:” ተኸታታሊ ዝዀነ ደንበርበርን ቅልውላውን ዝመልኦ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ፣ መብዛሕትኡ ካብዚ ድማ: ደቅሰብ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቶም ክማሃሩ ፍቓደኛታት እንተ ዝዀኑ ነይሮም ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ኢዩ።

2 ከምዚ ዝበለ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ንኸይትማሃር ምንጻግ ዝምልከት: ኣብዚ ብዛዕባ መለኮታዊ ሕጊ እንገብሮ ምይይጥ ጐሊሑ ኣሎ። የሆዋ ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ ብሓደ ኣዝዩ ዝሓሸ ሕጊ​—ሕጊ ክርስቶስ ተኪእዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ነዚ ሕጊ እዚ ንምህር ኢና ብእኡ ድማ ኢና እንነብር ዝብሉ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን መራሕቲ: ካብ ሕሉፍ ዝዀነ ዕሽነት ናይ ፈሪሳውያን ከይማሃሩ ኣብዮም ኢዮም። ስለዚ ልክዕ ከምቲ ኣይሁድነት ንሕጊ ሙሴ ዝገበሮ: ህዝበ⁠-ክርስትያን ንሕጊ ክርስቶስ ጠውያቶን ብዘይግቡእ ተጠቒማትሉን ኢያ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ መጀመርታ: ሕጊ ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ: ንመንን ብኸመይን ከም ዘመሓድር: ከምኡውን ካብ ሕጊ ሙሴ ብምንታይ ከም ዝፍለ ንመያየጠሉ። ብድሕሪኡ ህዝበ⁠-ክርስትያን ብኸመይ ብዘይግቡእ ከም እተጠቐመትሉ ክንምርምር ኢና። ስለዚ ካብ ታሪኽ እንማሃርን ካብኡ ድማ ረብሓ እንረክብን ይግበረና!

ሓድሽ ኪዳን

3. የሆዋ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዝምልከት እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገበረ፧

3 ንሓደ ፍጹም ሕጊ ከመሓይሽ ዝኽእል የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ መን ኣሎ፧ እቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ኪዳን ፍጹም ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 19:7) ይኹን እምበር: የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “እንሆ: ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን . . . ከምቲ . . . ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን።” እተን ማእከል ናይ ሕጊ ሙሴ ዝነበራ ዓሰርተ ትእዛዛት: ኣብ ናይ ኣእማን ጽላት እተጻሕፋ ኢየን ነይረን። ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኪዳን ግን የሆዋ “ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ . . . እየ” በለ።​—ኤርምያስ 31:31-​34

4. (ሀ) ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ኣየኖት እስራኤል ኢዮም፧ (ለ) ብዘይካ እቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን: መን ካልኦት ኢዮም ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ እትዋት ዝዀኑ፧

4 ኣብዚ ሓድሽ ኪዳን ዝኣትዉ መን ኢዮም፧ እቶም ንማእከላይ ናይዚ ኪዳን እዚ ዝነጸግዎ ስጋውያን ‘ቤት እስራኤል’ ከም ዘይኰኑ ርግጽ ኢዩ። (እብራውያን 9:​15) እወ: ስጋውያን እስራኤላውያን ዘይኰኑስ: እዞም ሓደስቲ ‘እስራኤል’ እቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ በቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ዝቘሙ ህዝቢ ኢዮም። (ገላትያ 6:​16፣ ሮሜ 2:​28, 29) ነዞም ብመንፈስ እተቐብኡ ውሑዳት ጕጅለ ክርስትያናት: ጸኒሖም እቶም ንየሆዋ ከምልኹ ዝደልዩ ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ “ዓቢ ጭፍራ” ክሓብርዎም ነበሮም። (ራእይ 7:​9, 10 ትሓዓ፣ ዘካርያስ 8:​23) ዋላ እኳ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተኻፈልቲ እንተዘይኰኑ: ንሳቶም እውን ብሕጊ እተቐየዱ ኢዮም። (ምስ ዘሌዋውያን 24:22 ኣረኣእዮ፣ ዘሁልቍ 15:15) ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ከም ዘለዉ “ሓደ መጓሰ” መጠን: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢልዎ ዘሎ ‘ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ’ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ 1 ቈረንቶስ 9:​21) ጳውሎስ ነዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ “ዝሓይሽ ኪዳን” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ሓደ ካብቲ ምኽንያት: እዚ ኪዳን እዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ዝመጽእ ነገር ጽላሎት: ኣብ እተፈጸመ መብጽዓታት እተመርኰሰ ብምዃኑ ኢዩ።​—እብራውያን 8:6: ትሓዓ፣ 9:​11-​14

5. ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ዕላማ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ ኢዩ ዝዕወት፧

5 ዕላማ ናይዚ ኪዳን እዚ እንታይ ኢዩ፧ ንዅሎም ደቅሰብ ዝባርኹ ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ ህዝቢ ንምፍራይ ኢዩ። (ዘጸኣት 19:6፣ 1 ጴጥሮስ 2:9፣ ራእይ 5:​10) እስራኤል ብሓፈሻ ስለ ዝዓለዉን: ነቲ ኣጋጣሚ ድማ ስለ ዘጥፍእዎን ናይ ሙሴ ሕጊ ኪዳን በቲ የሆዋ ዝደለዮ ዕላማ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ፈጺሙ ኣየፍረየን። (ምስ ሮሜ 11:17-​21 ኣረኣእዮ።) እቲ ሓድሽ ኪዳን ግን ምስ ኣዝዩ እተፈልየ ሕጊ ሓቢሩ ስለ ዘሎ: ከም ዝዕወት ርግጽ ኢዩ። በየናይ መገድታት ኢዩ እተፈልየ ዝዀነ፧

ናይ ሓርነት ሕጊ

6, 7. ሕጊ ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሙሴ ንላዕሊ ናጽነት ዝህብ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ሕጊ ክርስቶስ ብተደጋጋሚ ምስ ናጽነት ተተሓሒዙ ኣሎ። (ዮሃንስ 8:​31, 32) ‘ሕጊ ሓርነት [“ሓራ ዝወጹ ሰባት:” ትሓዓ ]’ ከምኡውን “ምሉእ ሕጊ . . . ሓርነት” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። (ያእቆብ 1:​25፣ 2:​12) ልክዕ ኢዩ: ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ዝዀነ ይኹን ናጽነት ተዛማዲ ኢዩ። ጌና ግን እዚ ሕጊ እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ዝያዳ ናጽነት ዝህብ ኢዩ። ብኸመይ፧

7 ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ ኰይኑ እተወልደ ዋላ ሓደ የሎን። ከም እኒ ዓሌትን ናይ ትውልዲ ቦታን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዋጋ የብሎምን። ልክዕ ኢዩ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነዚ ሕጊ እዚ ናይ ምእዛዝ ኣርዑት ክቕበሉ ብልቦም ክመርጹ ናጻ ኢዮም። ከምዚ ብምግባሮም: ቀሊል ኣርዑት: ፎኲስ ጾር ኰይኑ ይረኽብዎ። (ማቴዎስ 11:28-​30) ድሓር ከኣ ሕጊ ሙሴ ንሰብ ሓጢኣተኛ ምዃኑ: ዝብጀዎ መስዋእታዊ በጅነት ድማ ኣዝዩ ከም ዘድልዮ ንኽምህሮ ኢዩ ተሰሪዑ። (ገላትያ 3:​19) ሕጊ ክርስቶስ መሲህ ከም ዝመጸ: ብህይወቱ ናይ በጅነት መስዋእቲ ዋጋ ከም ዝኸፈለ: ንዓና ድማ ካብቲ ዘስካሕክሕ ጭቆና ናይ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ እንወጽኣሉ ደገ ከም ዝኸፈተ ይምህር! (ሮሜ 5:​20, 21) ካብኡ ረብሓ ንኽንረክብ ኣብቲ መስዋእቲ እቲ ‘እምነት’ ከነርኢ የድልየና።​—ዮሃንስ 3:​16

8. ሕጊ ክርስቶስ እንታይ የጠቓልል: ግናኸ ብእኡ ምንባር ኣማእታት ወግዓውያን ሕግታት ምሽምዳድ ዘየድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ‘ምእማን’ ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ድማ ምሉእ ናይ ክርስቶስ ሕጊ ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ግን ኣማእታት ሕግታትን ስርዓታትን ምሽምዳድ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ሙሴ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ማእከላይ: ሕጊ ሙሴ ክጽሕፍ ከሎ: የሱስ እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእከላይ ግን ሓንቲ ሕጊ እውን ትኹን ኣይጸሓፈን። ኣብ ክንድኡስ: በቲ ሕጊ ይመላለስ ነበረ። በቲ ፍጹም ዝዀነ ኣነባብራኡ ድማ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን ኣብነት ገደፈ። (1 ጴጥሮስ 2:​21) ስለዚ ኢዩ ዝኸውን ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣምልኾ ‘እዛ መገዲ እዚኣ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:2፣ 19:​9, 23፣ 22:4፣ 24:22) ንዓኣቶም ሕጊ ክርስቶስ: ኣብቲ ኣነባብራ ክርስቶስ ኢዩ ብምሳሌ ዝርኣዮም ነይሩ። ንየሱስ ምምሳል ማለት ነዚ ሕጊ እዚ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። እቲ ንዕኡ ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ብርግጽ ኣብ ኣልባቦም ከም እተጻሕፈ ኢዩ ዘርኢ። (ኤርምያስ 31:33፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8) ሓደ እዙዝ ሰብ ድማ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ እተጨቈነ ኰይኑ ኣይስምዖን​—እዚ ድማ ሕጊ ክርስቶስ ስለምንታይ “ሕጊ ሓርነት [“ሓራ ዝወጹ ሰባት:” ትሓዓ ]” ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ዘርኢ ካልእ ምኽንያት ኢዩ።

9. ቀንዲ ቁም ነገር ሕጊ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ: እዚ ሕጊ እዚኸ ሓድሽ ትእዛዝ ዘጠቓልል ብኸመይ ኢዩ፧

9 ኣብ ሕጊ ሙሴ ፍቕሪ ኣድላይት እንተድኣ ነይራ ኰይና: ኣብ ናይ ክርስትያን ሕጊ ድማ እታ ቀንዲ ቁም ነገር ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ሕጊ ክርስቶስ ክርስትያናት ኣብ ነሓድሕዶም ኣብ ክንዲ ካልኦት ርእሳ እትስውእ ፍቅሪ ክህልዎም ኣለዎ ዝብል ሓድሽ ትእዛዝ ዘጠቓልል ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይሮም ከፍቅሩ ኣለዎም፣ ኣብ ክንዲ ብጾቱ ፈትዩ ህይወቱ ሂቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:13) ስለዚ ሕጊ ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሙሴ ንላዕሊ ዝቐለለ መግለጺ ናይ ቲኦክራሲ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ መጽሔት እዚ ኣቐዲሙ ሓቢርዎ ከም ዝነበረ “ቲኦክራሲ ብኣምላኽ ዝመሓደር ማለት ኢዩ: ኣምላኽ ከኣ ፍቕሪ ኢዩ: ስለዚ ቲኦክራሲ: ብፍቕሪ ምምሕዳር ማለት ኢዩ።”

የሱስን ፈሪሳውያንን

10. ትምህርቲ የሱስ ምስቲ ናይ ፈሪሳውያን ትምህርቲ ዝነጻጸር ብኸመይ ኢዩ፧

10 ስለዚ እምበኣር: የሱስ ምስቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ እንተ ተጋጨወ ዘገርም ኣይኰነን። እቲ “ምሉእ ሕጊ . . . ሓርነት” ካብ ሓሳባት እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ህዝቢ ሰብ ብዘቘሞ ስርዓታት ክቈጻጸርዎ ፈቲኖም ኢዮም። ትምህርቶም ጨቋኒ: ኰናኒ: ኣሉታዊ ኢዩ ነይሩ። ኣንጻር ናይዚ ድማ ትምህርቲ የሱስ ኣዝዩ ሃናጽን ኣወንታውን ኢዩ ነይሩ! የሱስ ተግባራዊ ሓሳብ ኢዩ ዝህብ ነይሩ: ነቲ ናይ ሓቂ ድሌትን ሻቕሎትን ናይቲ ህዝቢ ይዛረበሉ ነይሩ ኢዩ። ካብቲ መዓልታዊ ናብራ ኣብነታት ብምውሳድን ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስን: ብቐሊልን ናይ ሓቂ ስምዒትን ይምህር ነበረ። ስለዚ ድማ “እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:​28) እወ: ትምህርቲ የሱስ ነቶም ሰባት ኣልባቦም ተንኪፍዎም ኢዩ!

11. የሱስ ሕጊ ሙሴ ምኽንያታውን ምሕረተኛን ብምዃን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

11 የሱስ ንሕጊ ሙሴ ዝያዳ ስርዓታት ኣብ ክንዲ ዝውስኸሉ: እቶም ኣይሁዳውያን ነቲ ሕጊ ምኽንያታውያንን ምሕረተኛታትን ብምዃን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ኣርእይዎም ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ብምፍሳስ ደም ትሳቐ ዝነበረት ሰበይቲ ምስ ረኸበቶ ነቲ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዘክር። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ: ንሳ ዝተንከፈቶ ዘበለ ርኹስ ኢዩ ዝኸውን ነይሩ: ስለዚ ምስ እኩባት ሰባት ክትሕወስ ኣይነበራን! (ዘሌዋውያን 15:25-​27) እንተዀነ ግን: ክትሓዊ ኣዝያ ተሃንጥያ ስለ ዝነበረት ናብቲ እኩብ ሰብ ኣትያ ዘፈር ክዳን የሱስ ተንከፈት። እቲ ምድማይ ድማ ብኡንብኡ ኣቋረጸ። ነቲ ሕጊ ስለ ዝጠሓሰቶ ገኒሕዋዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን ኣይገንሓን፣ ኣብ ክንድኡስ ነቲ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታታ ተረዲኡ: ናይቲ ሕጊ ዝዓበየ ነገር​—ፍቕሪ​—ኣንጸባረቐ። ድንጋጽ ብእተሓወሶ ድማ ከምዚ በላ:- “ጓለየ: እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ: ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ።”​—ማርቆስ 5:​25-​34

ሕጊ ክርስቶስ ሸለል ብሃሊ ድዩ ነይሩ፧

12. (ሀ) ክርስቶስ ሸለል በሃሊ ኢዩ ኢልና ክንሓሰብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብዙሕ ሕግታት ምፍጣር ናብ ብዙሕ ጕድለታት ከም ዝመርሕ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧

12 እሞ ሕጊ ክርስቶስ “ናይ ሓርነት” ብምዃኑ ሸለል ዝብል: ፈሪሳውያን ግን ምስቲ ኵሉ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምድታቶም ሓዊስካ እንተ ወሓደ ንጠባይ ናይቲ ህዝቢ ጽኑዕ ሓጹራት ገይሩሉ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ይግብኣናዶ ኢዩ፧ ኣይፋልናን ኣይግብኣናን ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ሎሚ ዘሎ ሕጋዊ ኣገባባት: ብዝሒ ሕጊ ምስ ዝህሉ ሰባት ኣብቲ ሕጊ ዝያዳ ጕድለታት ከም ዝረኽቡ ኣብነት ዝህብ ኢዩ።a ኣብ ግዜ የሱስ እቲ ፈሪሳዊ ሕግታት ምብዝሑ ነቶም ህዝቢ ጕድለታት ብምድላይ ፍቕሪ ዘይብሉ ንማለቱ ዝግበር ዕዮ ንኽፍጽሙ: ከምኡውን ነቲ ውሽጣዊ ብልሽውና ንምሽፋን ብደጋዊ ትርኢት ርእስኻ ምጽዳቕ ንኽዅስኵሱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ።​—ማቴዎስ 23:⁠23, 24

13. ሕጊ ክርስቶስ ካብ ዝዀነ ይኹን እተጻሕፈ ሕጊ ዝበልጽ ናይ ጠባይ መለክዒ ዘለዎ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ኣንጻር ናይዚ: ሕጊ ክርስቶስ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታት ኣየዕብን ኢዩ። አረ: ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ንእተመስረተ ሕጊ ምእዛዝ: ነዚ ድማ ነቲ ናይ የሱስ ንኻልኦት ርእስኻ ምስዋእ ዝሓትት ፍቕሪ ብምቕዳሕ ምግባሩ: ካብቲ ንሓደ ወግዓዊ ሕጊ ብምስዓብ እትገብሮ ምእዛዝ ዝበልጽ ናይ ጠባይ መለክዒ ከፍሪ ይኽእል ኢዩ። ፍቕሪ ጕድለታት ኣይትደልን ኢያ፣ ሓደ ናይ ሓጊ ዓንቀጽ ምሉእ ብምሉእ ክኽልክለና ዘይክእል ጐዳኢ ነገር ንኸይንገብር ትሕልወና። (ማቴዎስ 5:​27, 28 ርአ።) ሰለዚ: ሕጊ ክርስቶስ ካልእ ወግዓዊ ሕጊ ከም እንፍጽሞ ክገብረና ብዘይክእል መገዲ ገይሩ ንኻልኦት ሰባት ለጋሳት: ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ፈቃራት ንኽንከውን ከለዓዕለና ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ 2 ቈረንቶስ 9:7፣ እብራውያን 13:16

14. ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ናይ ክርስትያን ጉባኤ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

14 እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ጉባኤ ኣባላታ ብሕጊ ክርስቶስ ክመላለሱ ከለዉ ብተዛማዲ ካብ ተሪር ምዃን: ምፍራድ: ከምኡውን ካብቲ ሽዑ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ግኑን ዝነበረ ናይ ግብዝና ኣረኣእያታት ናጻ ዝዀነ ምዉቕን ፍቕራውን ሃዋሁ የስተማቕሩ ነበሩ። ኣባላት ናይዘን ሓደስቲ ጉባኤታት እዚኣተን በቲ “ሕጊ ሓርነት [“ሓራ ዝወጹ ሰባት:” ትሓዓ ]” ይነብሩ ምንባሮም ብሓቂ ኣስተማቒሮምዎ ክዀኑ ኣለዎም!

15. ገለ ካብቲ ሰይጣን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምብልሻው ዝገብሮ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ጻዕርታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

15 ይኹን እምበር: ሰይጣን ልክዕ ከምቲ ንህዝቢ እስራኤል ዘበላሸዎም ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብውሽጢ ከበላሽዋ ህንጡይ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ቄናን ነገር ዚምህሩ” ከምኡውን ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ዝጭቍኑ ተዃሉ ዝመስሉ ሰባት ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ነቶም ነቲ ናይ ሕጊ ክርስቶስ ተዛማዲ ናጽነት በቲ ኣብ ክርስቶስ እተፈጸመ ናይ ሕጊ ሙሴ ባርነት ክልውጥዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ኣይሁድነት ተቓዊምዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​17፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:1፣ ሮሜ 10:4) ካብቶም ሃዋርያት እቲ ናይ መወዳእታ ምስ ሞተ ግን: ነዚ ከምዚ ዝበለ ክሕደት ደጊም ዝኽልክሎ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ብልሽውና ግኑን ኰነ።​—2 ተሰሎንቄ 2:​6, 7

ህዝበ-ክርስትያን ንሕጊ ክርስቶስ ትብክሎ

16, 17. (ሀ) ብልሽውና ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን እንታይ መልክዓት ኢዩ ዝሓዘ፧ (ለ) ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሕግታት እተበላሸወ ናይ ጾታዊ ርክብ ኣረኣእያ ዘማዕበለ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ብልሽውና: ከምቲ ኣብ ኣይሁድነት ዝነበረ: ኣብ ህዝበ⁠-ክርስትያን ድማ ብዙሕ መልክዓት ሓዘ። ንሳ እውን ግዳይ ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-እምነትን ቀይዲ በተኽ ስነ⁠-ምግባራትን ኰነት። ነቲ ንመጓሴኣ ካብ ናይ ወጻኢ ጽልዋታት ንምክልኻል ኢላ ዝገበረቶ ጻዕርታት ድማ ነቲ ዝተረፈ ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ክፍልታት ዘበላሹ ምዃኑ ተረጋገጸ። ደረቕን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ሕግታት ተስፋሕፍሐ።

17 እታ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ሕግታት ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ብምፍጣር ቀዳመይቲ ኢያ። እዚ ሕግታት እዚ ብፍላይ ንጾታዊ ርክብ ኣብ ዝምልከት ጕዳያት እተበላሸወ ኢዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሴክሽዋሊቲ ኤንድ ካቶሊሲዝም ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ነቲ ንዅሉ ዓይነት ደስታ ብጥርጠራ ዝርእዮ ስቶይሲዝም ዝበሃል ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ቀዲሓቶ ኢያ። እታ ቤተ⁠-ክርስትያን: ነቲ ልሙድ ተመርዒኻ ዝግበር ጾታዊ ርክብ እውን ሓዊስካ: ኵሉ ዓይነት ናይ ጾታዊ ርክብ ደስታታት ሓጢኣት ኢዩ ኢላ ማሃረት። (ምስ ምሳሌ 5:​18, 19 ኣነጻጽሮ።) ጾታዊ ርክብ ንምፍራይ እንተዘይኰይኑ ንኻልእ ንዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን ኢዩ ተባህለ። ስለዚ ድማ እቲ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ሕጊ: መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ናይ ብዙሕ ዓመታት ነስሓ ዘድልዮ ከቢድ ሓጢኣት ገይሩ ኰነኖ። ብተወሳኺ: ናይ ክህነት ኣባላት ዝዀኑ ሰባት ንኽምርዓዉ ተኸልከሉ: እዚ ድማ ነቲ ንቘልዑ ብጾታዊ ርክብ ምዕማጽ እውን ዘጠቓልል ብዙሕ ክልኩል ጾታዊ ርክብ ንኽግበር ዘለዓዓለ ሕጊ ኰነ።​—1 ጢሞቴዎስ 4:​1-3

18. ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕግታት ምብዝሑ እንታይ ኣፍረየ፧

18 ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕጊ እናተባዝሐ ምስ ከደ: ብመልክዕ መጽሓፍቲ ተዳለወ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኸኣ ንኣድላይነት መጽሓፍ ቅዱስ ከህስሶን ክትክኦን ጀመረ። (ምስ ማቴዎስ 15:​3, 9 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ከም ኣይሁድነት: እምነት ካቶሊክ ንዓለማዊ ጽሑፋት ዘይእመንን መብዛሕትኡ ድማ ሓደጋ ዘስዕብን ገይራ ረኣየቶ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝህቦ ምኽንያታዊ መጠንቀቕታ ሓሊፉ ኸደ። (መክብብ 12:12፣ ቈሎሴ 2:8) እቲ ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ጸሓፊ ጀሮም ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ዎ ጐይታ: እንደገና ዓለማዊ መጻሕፍቲ እንተድኣ ሒዘ ወይ ኣንቢበ: ክሒደካ ኢየ።” ጸኒሓ: ቤተ⁠-ክርስትያን ነቲ ዓለማዊ መጻሕፍቲ እውን ሓዊስካ ጽሑፋት ናይ ምምማይ ዕዮ ሓዘት። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ጋሊለዮ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትዘውር ኢያ ኢሉ ስለ ዝጸሓፈ ተወቒሱ ኢዩ። እታ ቤተ⁠-​ክርስቲያን ንዝዀነ ከጋጥም ዝኽእል ነገር​—ብዛዕባ ሕቶ ስነ-ከዋኽብቲ እውን ከይተረፈ​—ናይ መወዳእታ ወሳኒት ክትከውን ኣለዋ ዝብል ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ትሪ: ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ እምነት ዘዳኽም ነበረ።

19. ገዳማት ደረቕ ምልከታት ዘማዕበላ ብኸመይ ኢየን፧

19 እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕጊ ናይ ምፍጣር ዝንባለ: ፈለስቲ ገዛእ ርእሶም ካብዛ ዓለም እዚኣ ፈልዮም ርእሶም ክሒዶም ዝነብርሉ ገዳማት ኣፍረየ። ዝበዝሓ ናይ ካቶሊክ ገዳማት ድማ “ናይ ቅዱስ በነዲክት መምርሒ” ኢየን ዝእዘዛ። እቲ ኣበ-ገዳም (ካብታ “ኣቦ” እተመልክት ናይ ኣረማይስጢ ስያመ እተወስደት) ንኽመርሕ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። (ምስ ማቴዎስ 23:9: ኣረኣእዮ።) ሓደ ፈላሲ ካብ ወለዱ ህያብ ምስ ዝቕበል: ነታ ህያብ ዝወስዳ እቲ እተቐበለ ድዩ ወይስ ካልእ: ዝውስን እቲ ኣበ⁠-​ገዳም ኢዩ። ሓደ መምርሒ ሕማቕ ኣዘራርባታት ካብ ምኹናን ሓሊፋ “ዝዀነ ይኹን ወደ መዝሙር ከምዚ ዝበለ ነገራት ክዛረብ የብሉን” ብምባል: ንዅሉ ዕላልን ጸወታን ይኽልክል።

20. ናይ ፕሮተስታንት እምነት እውን ዘይጽሑፋዊ ምልከታት ኣብ ምዝውታር ክኢላ ምንባራ ዘረጋግጽ እንታይ ኢዩ፧

20 ነቲ ሕሉፍ ዝዀነ ናይ እምነት ካቶሊክ ዘይጽሑፋዊ ነገራት ከመሓይሽ ዝደሊ ዝነበረ እምነት ፕሮተስታንት እውን ቀልጢፉ ኣብ ሕጊ ክርስቶስ ዘይተመስረተ ገባርን ሓዳግን ሕግታት ኣብ ምውጻእ ክኢላ ኰነ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ተሃድሶ ቀንዲ መራሒ ዝነበረ ጆን ካልቪን “ነታ እተሓደሰት ቤተ⁠-ክርስትያን ሕጋውነት ዘልብስ” ዝብል ስያመ ተዋህቦ። ነታ ኣብ ጀኔቫ ዝነበረት ቤተ⁠-ክርስትያን ድማ በቶም ካልቪን “በቲ ዘለዎም ስልጣን ኣቢሎም ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክዕዘቡ” ዝመዘዞም “ሽማግለታት” ዘተግበሮ ብኣእላፍ ዝቝጸር ተሪር ስርዓታት ገይሩ ኣመሓደረ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 1:​24 ኣነጻጽሮ።) ቤተ⁠-ክርስትያን ንመዕርፎ ኣጋይሽ ትቈጻጸሮ: ከተዕልለሎም ዝፍቀዱ ኣርእስትታት ኣየኖት ምዃኖም ድማ ትቈጻጸር ነበረት። ከም እኒ ሕሱር ደርፊ ምድራፍ ወይ ሕሱር ሳዕስዒት ምስዕሳዕ ከቢድ መቕጻዕቲ ነበሮ።b

ካብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ጌጋታት ትምህርቲ ምውሳድ

21. ህዝበ-ክርስትያን ‘ክንዮ እቲ ጽሑፍ’ ምኻዳ ብሓፈሻ ዘምጽኦ ሳዕቤናት እንታይ ኢዩ፧

21 እዚ ዅሉ ስርዓታትን ሕግታትን እዚ ንህዝበ⁠-ክርስትያን ካብ ብልሽውና ንምክልኻል ጠቒ ሙዶ ኢዩ፧ ኣብ ክንዲ ዝከላኸለላ ኣበላሽይዋ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ካብ ሕሉፍ ዝዀነ ጽኑዕ ሕግታት ክሳዕ ኣዝዩ ፍኑው ዝዀነ ስርዓት ዝኽተሉ ኣብ ኣማእታት ኣንቈራታት ተፈናጪላ ኣላ። ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ነቲ መጓሰ ከማሓድርን ኣብ መለኮታዊ ሕጊ ጣልቃ ክኣቱን ብምፍቃዶም ኵላቶም ‘ክንዮ እቲ ጽሑፍ’ ከይዶም ኢዮም።​—1 ቈረንቶስ 4:6

22. ናይ ህዝበ-ክርስትያን ምጥላም መወዳእታ ሕጊ ክርስቶስ ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

22 ይኹን እምበር: ናይ ሕጊ ክርስቶስ ታሪኽ ክርአ ኸሎ: ዘሕዝን ፍጻመ የብሉን። የሆዋ ኣም ላኽ ዘይጠቕሙ ሰባት ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ከልግስዎ ፈጺሙ ኣይፈቅድን ኢዩ። ሎሚ ናይ ክርስትያን ሕጊ ኣብ መንጎ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣጸቢቑ ይዓዩ ኢዩ ዘሎ: ብእኡ ምንባር ድማ ዓቢ መሰል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣይሁድነትን ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ንመለኮታዊ ሕጊ እንታይ ከም ዝገበርኦ ምስ መርመርና ‘ንቓል ኣምላኽ ብናይ ሰብ ኣተሓሳስባን በቲ ንመንፈስ ናይ መለኮታዊ ሕጊ ዘቃልል ስርዓታትን ናይ ምብካል መጻወድያ እናርሓቕና ብሕጊ ክርስቶስ ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሕጊ ክርስቶስ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ኣብ ውሽጥና ከንብረልና ዝግባእ፧’ ብምባል ክንሓትት ንኽእል ንኸውን። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልስ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቶም ፈሪሳውያን ነዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ኣይሁድነት ኣቃውማ ብዓቢኡ ብሓላፍነት ተሓተቲ ኢዮም: ስለዚ ኣይሁድነት ሕጂ’ውን ኣብቲ እተወሰኸ ብዙሕ ናይ ሰንበት ቀይድታት ጌና ጌጋታት ምድላዩ ዘገርም ኣይኰነን። ንኣብነት: ሓደ ብግዜ ሰንበት ናብ ናይ ኣይሁድ ኦርቶዶክስ ሆስፒታል ክበጽሕ ዝኸደ ሰብ: እታ መደያየቢት ብኣውቶማቲካዊ ዝዀነ ኣገባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደርቢ ደው ትብል: እዚ ድማ እቶም ኣብኣ ደይቦም ዘለዎ ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ ደው ናይ መበሊ መልጎም ብምጽቃጥ ጥራይ ክገብር ዝኽእል ናይ ሓጢኣት “ዕዩ” ከርሕቑ ይኽእሉ። ገለ ናይ ኦርቶዶክስ ሓካይም መድሃኒት ክእዝዙ ከለዉ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ክጠፍእ ብዝኽእል መጽሓፊ ገይሮም ይጥቀሙ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሚሽናህ ንጽሕፈት ከም “ዕዮ:” “ጽሕፈት” ድማ ነባሪ ዝዀነ ምልክት ዝገድፍ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ።

b እቲ ናይ ካልቪን ናይ ቴኦሎጂ ኣረኣእያታት እተቓወመ ሰርቪቱስ: ከም መናፍቕ ተቈጺሩ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ተቓጺሉ ኢዩ።

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ እቲ ቀንዲ ቁም ነገር ሕጊ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ፧

◻ እቲ ናይ የሱስ ኣገባብ ኣማሃህራ ካብቲ ናይ ፈሪሳውያን ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ሰይጣን ንህዝበ⁠-​ክርስትያን ንምብልሻው ደረቕን ሕጊ ናይ ምፍጣር ዝንባለን እተጠቐመ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ብሕጊ ክርስቶስ ምንባር ዘምጽኦ ገለ ኣወንታዊ ሳዕቤናት እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሕጊ ሙሴ ምኽንያታዊ ብምዃንን ምሕረት ብዘለዎ ኣገባብን ኣብ ተግባር ኣውዓሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ