ይቕሬታ ክትሓትት ብሓቂ የድልየካዶ ኢዩ፧
ጆርጅ በርናርድ ሾው ‘ፈጺመ ይቕሬታ ሓቲተ ኣይፈልጥን ኢየ’ ኢሉ ጸሓፈ። ካልኦት ድማ ‘ኦሮማይ: እቲ ዝዀነ ኰይኑ ኢዩ’ ይብሉ ይዀኑ።
ምናልባት ንሕና እውን ክብርና ከይነጥፍእ ብምስጋእ ጌጋና ንምእማን ነዕጠጢ ንኸውን። ናቱ ጌጋ ኢዩ ብምባል ነመሳምስ ንኸውን። ወይ ድማ ይቕሬታ ንኽንሓትት ንምድብ እሞ: እቲ ጕዳይ ሸለል ተባሂሉ ክሳዕ ዝሓልፍ ነዕነኒ ንኸውን።
እሞኸ ይቕሬታ ምሕታት ኣድላዪ ድዩ፧ ይቕሬታ ምሕታትከ ብሓቂ ገለ ነገር ከስልጥ ይኽእል ድዩ፧
ፍቕሪ ይቕሬታ ንኽንሓትት ትድርኸና
ሕውነታዊ ፍቕሪ መለለዪ ምልክት ናይቶም ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢያ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ቅዱሳት ጽሑፋት ንክርስትያናት ካብ “ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” ብምባል ይምዕዶም። (1 ጴጥሮስ 1:22) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ይቕሬታ ንኽንሓትት ትድርኸና ኢያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: እንተድኣ ዘይተዓርዩ ፍቕሪ ከም ዘይነርኢ ክገብረና ዝኽእል ጐዳኢ ስምዒታት ናይ ግድን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።
ንኣብነት: ብምኽንያት ብሕታዊ ፍልልያት ምስ ሓደ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሰብ ንኸይንዛረብ ንመርጽ ንኸውን። ኣቐይምናዮ እንተድኣ ኴንና: ፍቕራዊ ዝዀነ ርክብ ክምለስ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ዝበዝሕ እዋን: ይቕሬታ ብምሕታትን ምዉቕ ብዝዀነ ኣገባብ ምስኡ ንኽንዘራረብ ጻዕሪ ብምግባርን ኢዩ ክምለስ ዝኽእል። ንኣመንቲ ብጾትና ፍቕሪ ከነርኢ ዕዳ ኣሎና: ስለ ዘቐየምኩኻ ኣይትሓዘለይ ክንብሎ ከሎና ድማ: ገለ ካብቲ ዘሎና ዕዳ ነቃልል ኣሎና ማለት ኢዩ።—ሮሜ 13:8
ብኣብነት ንምግላጽ:- ማሬ ካርመንን ፓኪን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምሕዝነት ዝነበረን ክርስትያን ኣንስቲ ኢየን። ይኹን እምበር: ማሬ ካርመን ገለ ጐዳኢ ዝዀነ ሕሜት ስለ ዝኣመነት: እቲ ምስ ፓኪ ዝነበራ ምሕዝነት ዝሓለ። ምኽንያትንጹር ንክኸውን ከይገለጸት ድማ ካብ ፓኪ ፈጺማ ርሓቐት። ዳርጋ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ጸኒሓ: ማሬ ካርመን እቲ ሕሜት ሓቂ ከም ዘይነበረ ፈለጠት። እንታይ ገበረት፧ ናብ ፓኪ ከይዳ: ሕማቕ ዝዀነ ጠባይ ብምርኣያ ኣጸቢቑ ከም እተሰምዓ ብትሕትና ንኽትነግራ እቲ ዝነበራ ፍቕሪ ኣለዓዓላ። ክልቲኣተን ኣዝየን በኸያ: ካብኡ ንነጀው ድማ ናይ መሕርሮ መሓዙት ኰና።
ሽሕ’ኳ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ከም ዘይገበርና ዝስመዓና እንተዀነ: ይቕሬታ ምሕታት ነቲ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፈትሖ ይኽእል ኢዩ። ማንዌል ከምዚ ኢሉ ይዝክር:- “ብዙሕ ዓመታት ይገብር: በዓልቲ ቤተይን ኣነን ኣብ ገዛ ናይ ሓንቲ ክትሕከም ሆስፒታል ኣትያ ዝነበረት መንፈሳዊት ሓብቲ ንቕመጥ ነበርና። ኣብቲ ሓሚማትሉ ዝነበረት እዋን: ንዓኣን ንደቃን ንምሕጋዝ ዝከኣለና ኵሉ ገበርና። እንተዀነ ግን: ካብ ሆስፒታል ናብ ገዝኣ ምስ ተመልሰት ንሓደ ብጻይና ነቲ ናይ ስድራቤት ወጻኢታት ብዝግባእ ከም ዘየመሓደርናዮ ነገረቶ።
“ነዚ ምስ ሰማዕና: ኣብ ገዝኣ ብምብጻሕ: ምናልባት ብምኽንያት ንእስነትን ናይ ተመክሮ ጕድለትን ከምቲ ንስኺ ክትገብርዮ ትኽእሊ ዝነበርኪ ኣይገበርናዮን ብምባል ገለጽናላ። ብኡንብኡ ድማ ሰብ ዕዳኣ ምዃንና: ስለቲ ዝገበርናላ ኵሉ ድማ ኣመስጋኒት ምዃና ገለጸት። እቲ ዝነበረ ግድል ተፈትሐ። እቲ ተመክሮ እቲ: ዘይምርድዳእ ክፍጠር ከሎ ትሕት ኢልካ ይቕሬታ ምሕታት ዘለዎ ኣድላይነት ማሃረኒ።”
የሆዋ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ፍቕሪ ስለ ዘርኣዩን ‘ኣሰርኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስለ ዝሰዓቡን’ ባሪኽዎም ኢዩ። (ሮሜ 14:19) ፍቕሪ ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት ንቑሕ ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ጴጥሮስ ‘ምድንጋጽ’ ከነርኢ መኺሩና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ምድንጋጽ ምስ ዝህልወና: ነቲ ብዘይሓሳብ ዝበደልናዮ ወይ ዝገበርናዮ ነገር ንኻልኦት ከስዕበሎም ዝኽእል ስቓይ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ነስተውዕል: ይቕሬታ ንምሕታት ድማ ንግደድ ኢና።
“ናይ ኣእምሮ ትሕትና ተዓጠቑ”
እሙናት ክርስትያን ሽማግለታት እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ርሱን ቈየቛ ይገብሩ ይዀኑ ኢዮም። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 15:37-39 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ከኣ ይቕሬታ ንምሕታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነሉ እዋን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንሓደ ይቕሬታ ምሕታት ከቢድ ኰይኑ ዝረኸቦ ሽማግለ ወይ ዝዀነ ካልእ ክርስትያን እንታይ ኢዩ ክሕግዞ ዝኽእል፧
እቲ ቀንዲ መፍትሒ ትሕትና ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሓድሕድኩም . . . [“ናይ ኣእምሮ:” ትሓዓ ] ትሕትና ተዐጠቑ” ኢሉ ይመክር። (1 ጴጥሮስ 5:5) ሽሕ’ኳ ባእሲ ክፍጠር ከሎ ዝበዝሕ እዋን ክልቲኦም እቶም ተባኣስቲ ዝውቀሱ እንተዀኑ: እቲ ትሑት ክርስትያን ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ጌጋታታ ኢዩ ዘገድሶ: ክእመነሉ ኸኣ ፍቓደኛ ኢዩ።—ምሳሌ 6:1-5
እቲ ይቕሬታ ዝቕበል ዘሎ ሰብ እውን ብትሕትና ክቕበሎ ኣለዎ። ብኣብነት ንምግላጽ: ክልተ ክዘራረቡ ዝደለዩ ሰባት ኣብ ዝባን ክልተ እተፈላለየ ኣኽራን ደው ኢሎም ኣለዉ ንበል። እቲ ኣብ መንጎኦም ፈላልይዎም ዘሎ ጋግ እናሃለወ ክዘራረቡ ከም ዘይክእሉ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓዲኦም ካብ ላዕሊ ናብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ስንጭሮ ምስ ዝወርድ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ናቱ ኣብነት ምስ ዝስዕብ ብቐሊሉ ክዘራረቡ ይኽእሉ ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ክልተ ክርስትያናት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ክፈትሑ ምስ ዝደልዩ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኣብቲ ስንጭሮ ይርከቦ: እቲ ዝግባእ ይቕሬታ ድማ ይሕተት።—1 ጴጥሮስ 5:6
ይቕሬታ ምሕታት: ኣብ ሓዳር ብዙሕ ከስልጥ ይኽእል ኢዩ
ሓዳር ናይ ክልተ ዘይፍጹማት ሰባት ይቕሬታ ምሕታት ዘድልየሉ ግዜ ከም ዝፈጥር ፍሉጥ ኢዩ። ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ምድንጋንጽ እንተድኣ ኣለዎም: ብዘይሓልዮት ምስ ዝዛረቡ ወይ ገለ ነገር ምስ ዝገብሩ ይቕሬታ ንምሕታት ክድረኹ ኢዮም። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ብምባል ትገልጽ። “ዚቘርጽ ሰይፊ” እንደገና ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ: ናይ ሓቂ ይቕሬታ ብምሕታት ግን ክሓዊ ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ቀጻሊ ዝዀነ ምስትብሃልን ጻዕርን ከም ዝሓትት ሓቂ ኢዩ።
ንሓዳራ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ: ሱዛንa ከምዚ ትብል:- “ጃክን* ኣነን ካብ እንምርዖ 24 ዓመታት ገይርና ኣሎና: ጌና ግን ብዛዕባ ሓድሕድና ሓደስቲ ነገራት ንፈልጥ ኣሎና። ዘሕዝን: ገለ እዋናት ይገብር ንገለ ሰሙናት ተፈላሊና ነንበይንና ንነብር ነበርና። ይኹን እምበር: ነቲ ካብ ሽማግለታት እተዋህበና ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ሰማዕና: እንደገና ኸኣ ተኣኻኸብና። ኣዝዩ እተፈላለየ ባህርያት ስለ ዘሎና: ምግርጫዋት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉ ሕጂ ተገንዚብና። ከምዚ ከጋጥም ከሎ: ቀልጢፍና ይቕሬታ ንተሓታተት: ናይቲ ሓደ ኣረኣእያ ንምርዳእ ድማ ብሓቂ ኣበርቲዕና ንጽዕር። ሓዳርና ብመጠኑ ከም እተመሓየሸ ክዛረብ ከለኹ ሕጕስቲ ኢየ።” ጃክ ድማ ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ንምሕራቕ ቅልጡፋት እንዀነሉ እዋናት መዓስ ምዃኑ እውን ፈሊና ክንፈልጦ ክኢልና ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት ንሓድሕድና ጽቡቕ ዝዀነ ኣተኣላልያ ንምግባር ተወሳኺ ጻዕርታት ንገብር።”—ምሳሌ 16:23
ጌጋ ከም ዘይብልካ ኰይኑ ምስ ዝስማዓካኸ ይቕሬታ ክትሓትት ኣሎካዶ ኢዩ፧ ዓሚቝ ስምዒታት እተሓወሶ ምስ ዝኸውን: እቲ ጌጋ ናይ መን ምዃኑ ንምፍላይ ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ ኣድላዪ ነገር ግን ኣብ ሓዳር ሰላም ምህላው ኢዩ። ነታ ሰብኣያ ንዳዊት ሕማቕ ኣቀባብላ ዝገበረሉ ኣቢጋይል ርአ። ሽሕ’ኳ ብዕሽነት ሰብኣያ ተሓታቲት እንተ ዘይኰነት: ይቕሬታ ሓቲታ ኢያ። “በጃኻ: በደል ገረድካ ሕደገላ” ኢላ ድማ ለመነት። ዳዊት ድማ ንሳ ከምኡ እንተ ዘይትገብር ነይራ: ንጹህ ደም ከፍስስ ይኽእል ከም ዝነበረ ብትሕትና ብምእማን ነቲ ተግባራንጹር ንክኸውን ኢየ የእትየዮ ዘሎኹ ሓልዮት ብምርኣይ መለሰሉ።—1 ሳሙኤል 25:24-28, 32-35
ብተመሳሳሊ: ን45 ዓመታት በዓልቲ ሓዳር ዝዀነት ጁን እተባህለት ክርስትያን ሰበይቲ ዕዉት ሓዳር መጀመርታ ይቕሬታ ንምሕታት ፍቓደኛ ምዃን ዘድልዮ ምዃኑ ይስምዓ። ከምዚ ትብል:- “ከም ውልቀ-ሰብ መጠን ካብ ስምዒታተይ ንላዕሊ ሓዳርና ከም ዝበልጽ ንገዛእ ርእሰይ እነግራ። ስለዚ ድማ ይቕሬታ ክሓትት ከሎኹ: ኣብቲ ሓዳር ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎኹ ኰይኑ ይስምዓኒ።” ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ጂም እተባህለ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ብዛዕባ ደቀቕቲ ነገራት እውን ከይተረፈ ንበዓልቲ ቤተይ ይቕሬታ እሓታ ኢየ። ከቢድ መጥባሕቲ ካብ እትገብር ኣትሒዛ: ብቐሊሉ ኢያ እትጕሂ። ስለዚ ድማ ኵሉ ግዜ ሕቑፍ ኣቢለ ‘ፍቕርተይ: ኣይትሓዝለይ። ከሕርቐኪ ኢለ ኣይኰንኩን ገይረዮ’ እብላ። ልክዕ ከምዛ ማይ ዝረኸበት ተኽሊ ድማ ብኡንብኡ ትጥዒ።”
ነቲ ኣዚና እነፍቅሮ ሰብ ምስ እንጐድኦ: ቅል ጡፍ ዝዀነ ይቕሬታ ምሕታት ኣዝዩ ኣስላጢ ኢዩ። ሜላግሮስ ካብ ልቢ ብምስምማዕ ከምዚ ትብል:- “ብጕድለት ርእሰ-ምትእምማን እሳቐ: ካብ በዓል ቤተይ ዝወርደኒ ሕማቕ ቃላት ድማ የሕርቐኒ ኢዩ። ይቕሬታ ክሓተኒ ከሎ ግን ብኡንብኡ ይሕሸኒ።” ብልክዕ ከኣ ቅዱሳት ጽሑፋት “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ: ንነፍሲ ጥዑም: ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ” ብምባል ይነግረና።—ምሳሌ 16:24
ይቕሬታ ናይ ምሕታት ልምዲ ኣማዕብል
ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ይቕሬታ ናይ ምሕታት ልምዲ ምስ እነማዕብል: ሰባት ኣወንታዊ መልሲ ከም ዝህቡ ክንርኢ ኢና። ባዕሎም እውን ከይተረፈ ይቕሬታ ይሓቱ ይዀኑ። ንሓደ ሰብ ከም ዘጕሃናዮ ምስ እንጥርጥር: ኣብ ክንዲ ዝዀነ ይኹን ጌጋ ምእንቲ ከይንእመን ኢልና ነዊሕ ግዜ እነሕልፍ: ስለምንታይ ይቕሬታ ምሕታት ልምዲ ዘይንገብሮ፧ ምናልባት ዓለም ይቕሬታ ምሕታት ከም ድኽመት ገይራ ትርእዮ ትኸውን: ብሓቂ ግን ናይ ክርስትያናዊ ብስለት ምልክት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ከምቶም ንገለ ጌጋ ኣፍልጦ ዝህብሉ: ነቲ ሓላፍነቶም ግን ኣቕሊሎም ዝርእይዎ ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ንኣብነት: ናይ ሓቂ ዘይኰነ ይቕሬታ ንሓትትዶ ኢና፧ ኣብ ቈጸራናንጹር ንክኸውን ደንጒና ምስ እንበጽሕ እሞ ኣዚና ድማ ይቕሬታ ምስ እንሓትት: ሰዓት ኣብ ምኽባር ንምምሕያሽ ቈራጽነትዶ ንወስድ ኢና፧
ስለዚ እምበኣር: ይቕሬታ ምሕታት ብሓቂ የድልየናዶ ኢዩ፧ እወ: የድልየና ኢዩ። ከምኡ ምግባር ንገዛ ርእስናን ንኻልኦትን ግዴታ ኢዩ። ይቕሬታ ምሕታት ነቲ ብዘይፍጽምና ዝስዕብ ቃንዛ ዘፍኵስ: ነቲ ኣብ መዋጥር ዝወደቐ ዝምድና ድማ ዘዐሪ ኢዩ። እንሓቶ ነፍሲ ወከፍ ይቕሬታ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ዝህብ: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ካልኦት ስምዒት ዝያዳ ከም እንግደስ ንኽንከውን ዘለማምደና ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣመንቲ ብጾት: ናይ ሓዳር ብጾት: ከምኡውን ካልኦት ሕውነታዊ ምፍታው ከርእዩናን እምነት ከሕድሩልናን ዝግብኣና ሰባት ገይሮም ክርእዩና ኢዮም። ናይ ኣእምሮ ሰላም ክህልወና: የሆዋ ኣምላኽ ድማ ክባርኸና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ሓቂ ኣስማቶም ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ሓቂ ይቕሬታ ምሕታት: ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዘዕቢ ኢዩ