“ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ”
“ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።”—ሮሜ 12:13
ኣብዚ እዋን እዚ: ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ምሸት ብሓደ ጸምጸም ጐደና ክትከይድ: ዘሰቅቕ ተመክሮ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ማእከል ብዙሓት ኴንካ እውን ንስኻ እትፈልጦ ወይ ንዓኻ ዝፈልጠካ ዘይብልካ ምስ ዝኸውን ክንድኡ ዘጨንቕ እዩ። ብርግጽ እምበኣር: ክሕለየልካ: ብሰብ ክትድለ: ከምኡውን ክትፍቀር ክትደሊ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይ ሰብኣዊ ተፈጥሮ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ጋሻ ወይ ሓድሽ ኰይኑ ክርአ ዝደሊ የለን።
2 እቲ ናይ ኵሉ ነገራት ደኳንን ፈጣርን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ነቲ ሰባት ዘለዎም ናይ ብጻይነት ድልየት ይፈልጦ ኢዩ። ኣምላኽ: ከም ነዳፊ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረቱ መጠን: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ‘ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ከም ዘይኰነ’ ፈሊጡ ኢዩ: ነዚ ንምምላእ ድማ ሓደ ነገር ገበረ። (ዘፍጥረት 2:18, 21, 22) ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋን ኣገልገልቱን ንሰባት ዝገበሩሎም ናይ ሕያውነት ተግባራት ብዘርኢ ኣብነታት ዝመልአ ኢዩ። እዚ ንናይ ካልኦት ሓጐስን ፍስሃን ከምኡውን ንናይ ገዛእ ርእስና ዕግበት ኢልና ብኸመይ ‘ንምቕባል ጋሻ ክንቀዳደም’ ከም ዘሎና ክንማሃር ዘኽእለና ኢዩ።—ሮሜ 12:13
ነጋይሽ ለውሃት ምርኣይ
3 እታ “ምቕባል ጋሻ” እትብል ቃል: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትዩ ዘሎ ኣጠቓቕማኣ ካብታ ፊ·ሎ·ክሰ·ንያʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ፣ እዛ ቓል እዚኣ ኸኣ በተን “ፍቕሪ” ከምኡውን “ጋሻ” ዝትርጕመን ክልተ ሱር ቃላት ዝቘመት ኢያ። ስለዚ: ብመሰረቱ ምቕባል ጋሻ “ነጋይሽ ምፍቃር” ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ወግዒ ወይ ምቕሉል ምዃን ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ናይ ሓደ ሰብ ስምዒትን ምፍታውን ዘጠቓልል ኢዩ። ብመሰረት ጀምስ ስትሮንግ ዝጸሓፎ ኤግዞስቲቭ ኮንኮርዳንስ ኦፍ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) እታ ፊ·ለʹኦ እትብል ግሲ “ዓርኪ ምዃን ([ንሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ሓደ ነገር] ለውሃት ምርኣይ) ማለት ኢያ: እዚ ድማ ምፍታው (ከም ናይ ሓሳብ ወይ ስምዒት ብሕታዊ ምቅርራብ እተመልክት)” ማለት ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ምቕባል ጋሻ ካብታ ምናልባት ግቡእካ ወይ ግዴታኻ ኰይኑ ስለ እተሰማዓካ እተርእያ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ምቕባል ጋሻ መብዛሕትኡ ግዜ መግለጺ ናይ ሓቂ ለውሃት: ምፍታው:: ከምኡውን ምሕዝነት ኢዩ።
4 ከምዚ ዝበለ ለውሃትን ምፍታውን ዝግበረሉ ነቲ “ጋሻ” (ብቛንቋ ግሪኽ ዜʹኖስ) ኢዩ። እዚ ጋሻ እዚ መን ክኸውን ይኽእል፧ ሕጂውን እንደገና ስትሮንግ ዘዳለዎ ኮንኮርዳንስ ነታ ዜʹኖስ እትብል ቃል ከም ‘ወጻእተኛ (ቃል ብቓሉ መጻእተኛ: ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ሰብ)፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ጋሻ ወይ ጓና:’ ኢሉ ይገልጻ። ስለዚ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣብነት ተገሊጹ ዘሎ: ምቕባል ጋሻ ንሓደ እንፈትዎ ሰብ: ወይ ንሓደ ፈጺምና ዘይንፈልጦ ሰብ እውን ክኸውን ዝኽእል: እነርእዮ ሕያውነት ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ከመዚ ኢሉ ገለጸ:- “ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም: እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ: እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧” (ማቴዎስ 5:46, 47) ናይ ሓቂ ምቕባል ጋሻ ነቲ ብምኽንያት ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይን ስግኣትን ዝመጽእ ምፍልላይን ኣድልዎን ጥሒሱ ዝሓልፍ ኢዩ።
የሆዋ: እቲ ፍጹም ኣአንጋዲ
5 ነቲ ደቅሰብ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኣብ ምርኣይ ዝገበርዎ ጕድለት ምስ ኣመልከተ: የሱስ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ወሰኸ:- “ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።” (ማቴዎስ 5:48) ልክዕ ኢዩ: የሆዋ ብዅሉ መዳያት ፍጹም ኢዩ። (ዘዳግም 32:4) ይኹን እምበር: ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ “[ኣምላኽ] ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም” ዝበሎ: የሆዋ ፍጹም ዝዀነሉ ሓደ ፍሉይ መዳይ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:45) ሕያውነት ብምርኣይ ዝመጸ: የሆዋ ምንም ኣድልዎ ኣየርእን ኢዩ።
6 ከም ፈጣሪ መጠን: የሆዋ ናይ ኵሉ ነገር ወናኒ ኢዩ። የሆዋ ከምዚ በለ:-“ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን: ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን: ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ።” (መዝሙር 50:10, 11) እንተዀነ ግን: ሰሲዑ ንዅሉ ኣይዓቝሮን ኢዩ። ካብ ልግሱ ተለዓዒሉ ንዅሎም ፍጡራቱ ዘድልዮም ይህቦም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” በለ።—መዝሙር 145:16
7 የሆዋ ንሰባት: አረ ነቶም ዘይፈልጥዎ ንዕኡ ኣጋይሽ ዝዀኑ እውን ከይተረፈ ዘድልዮም ዘበለ ይህቦም ኢዩ። ጳውሎስን ባርናባስን ነቶም ኣብ ከተማ ልስጥራ ዝነበሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ከምዚ ኢሎም ኣዘኻኸርዎም:- የሆዋ “ጽቡቕ እናገበረ: ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) የሆዋ ብፍላይ ነቶም ሽጉራት ሕያዋይን ለጋስን ኢዩ። (ዘዳግም 10:17, 18) ንኻልኦት ሕያውነትን ልግስን ብምርኣይ—ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃን—ካብ የሆዋ ክንማሃሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ።
8 ኣብ ርእሲ እቲ ኣኽል ታርፍ ብዝዀነ መገዲ ንፍጡራቱ ዝገብረሎም ስጋዊ ሓልዮት: የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ዘድልዮም ይሓልየሎም አዩ። የሆዋ ኣብ ዘሕዝን መንፈሳዊ ኵነታት ከም ዘሎና ዋላ ሓደ ካባና ከየስተውዓሎ ከሎ እውን ከይተረፈ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ክብል ብልግሲ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ። ኣብ ሮሜ 5:8, 10 ከምዚ ነንብብ:-“ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ: . . . ጸላእቱ ኸሎና: ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና።” እዚ ምድላው እዚ ነዞም ሓጢኣተኛታት ሰባት ምስ ሰማያዊ ኣቦና ሕጕስ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ዝምድና ከም ዝህልወና ገበረ። (ሮሜ 8:20, 21) ሽሕ’ኳ ሓጢኣተኛን ዘይፍጹምን ኵነታት እንተሎና: ዕዉት ናብራ ከነሕልፍ ምእንቲ ክንክእል የሆዋ ግቡእ ዝዀነ መሪሕነትን ሓበሬታን ከም እንረክብ እውን ገይሩ ኢዩ።—መዝሙር 119:105፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16
9 ነዚ ብምርኣይ: ብሓቂ የሆዋ ብብዙሕ መገዲ እቲ ፍጹም ዘዀነ ኣአንጋዲ ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና። ነቶም ሽጉራት: ኣብ ግምት ዘይኣተዉ: ከምኡውን ንዑቓት ሸለል ኣይብሎምን ኢዩ። ነጋይሽ: ንጸላእቱ እውን ከይተረፈ: ናይ ሓቂ ተገዳስነት ይገብርን ይሓልየሎምን ኢዩ: ኣምሳያኡ ዓስቢ ክረክብ ኢሉ ድማ አይጽበን ኢዩ። በዚ ዅሉ መዳያት እዚ: እቲ ዝለዓለ ኣብነት ናይ ፍጹም ኣአንጋድነት ኣይኰነንዶ ኢዩ፧
10 የሆዋ ናይ ከምዚ ዝበለ ፍቕራዊ ሕያውነትን ልግስን ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ኣምለኽቱ ንዕኡ ክመስሉ ኢዩ ዝደሊ። ኣብ ብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምዚ ዝበለ ናይ ሕያውነት ባህርይ ብሉጽ ኣብነታት ንረክብ ኢና። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ “ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ምቕባል ጋሻ ሰናይ ምግባር ጥራይ ማለት አይነበረን: ኣብ ከንድኡስ ናይ ስነ-ምግባር ክፍሊ ኢዩ ነይሩ። . . . እቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ንዝደኸመ ተጓዓዚ ብጽቡቕ ምቕባል ከምኡውን ንጋሻ ኣብ ማእከልካ ምቕባል: ምንጪ ናይቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘሎዎ ወግዒ ኰይኑ ዘሎ ናይ ኣይሁድ ናይ ምቕባል ጋሻ ልምድን ካልእ መዳያቱን ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ምቕባል ጋሻ ናይ ዘዀነ ይኹን ዜግነት ወይ ዓሌታዊ ጕጅለ መለለዪ ካብ ምዃን ንላዕሊ: ናይ ኵሎም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ባህርይ ክኸውን ኣለዎ።
ንመላእኽቲ ምእንጋድ
11 ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ኣብነት ናይ ምቕባል ጋሻ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ: እቲ ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ጥቓ ኬብሮን ኣብ ድዋታት መምሬ ሰፊሮም ከለዉ ዝገበርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:1-10፣ 23:19) ሃዋርያ ጳውሎስ “ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ: ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ” ኢሉ ክምዕድ ከሎ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ሓሰቡ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (እብራውያን 13:2) ነዚ ጸብጻብ እዚ ምጽናዕ: ምቕባል ጋሻ ልምዲ ወይ ኣተዓባብያ ጥራይ ከም ዘይኰነ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ድንቂ ዝዀነ በረኸት ዘምጽእ ኣምላኻዊ ባህርይ ኢዩ።
12 ዘፍጥረት 18:1, 2 እቶም በጻሕቲ ኣብርሃም ዘይፈልጦምን ዘይተጸበዮምን: ሰለስተ ሓለፍቲ መገዲ ኣጋይሽ ከም ዝነበሩ ትሕብር እያ። ብመሰረት ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ዝበልዎ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ሰባት: ኣብ ዘይፈለጦ ቦታ ዝጓዓዝ ሰብ ኣብቲ ቦታ ዝፈልጦ ሰብ እኳ እንተ ዘየሎ: ምቕባል ጋሻ ክግበረሉ ክጽበ መሰል ነይርዎ ኢዩ። ኣብርሃም ግን እቶም ኣጋይሽ ነዚ መሰል እዚ ክሳዕ ዝጥቀምሉ ኣይተጸበየን፣ ባዕሉ ተበግሶ ወሰደ። ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ኢዩ ነይሩ: “ብዳህሪ መዓልቲ” ካብኡ ርሒቖም ከለዉ ክቕበሎም “ጐየየ”! እዝስ ጳውሎስ ንኣብርሃም ክንቀድሖ ዘሎና ኣብነት ገይሩ ዝጠቐሶ ስለምንታይ ምዃኑ ዘርኢዶ ኣይኰነን፧ ምቕባል ጋሻ ዝበሃል እምበኣር እዚ ኢዩ: ንኣጋይሽ ለዋህ ምዃን ወይ ምፍቃር: ነቲ ዘድልዮም ነገራት ምሕላይ ማለት ኢዩ። ኣወንታዊ ባህርይ ኢዩ።
13 ኣብርሃም ነቶም ኣጋይሽ ምስ ተቐበሎም: ‘ናብ ምድሪ ሰገደ’ ብምባል እቲ ጸብጻብ ይነግረና። ፈጺሞም ኣጋይሽ ንዝዀኑ ምስጋድ፧ እቲ ብኣብርሃም እተገብረ ምስጋድ ንሓደ ክብሪ ዘለዎ ጋሻ ወይ ንሓደ ዝለዓለ መዓርግ ዘለዎ ዝግበር ሰላምታ ኢዩ: ምስቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዝግባእ ናይ ኣምልኾ ተግባር ክደናገር የብሉን። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:25መ26 ኣረኣእዮ፣ ራእይ 19:10) ኣብርሃም: ርእሱ ብምድናን ጥራይ ዘይኰነስ ‘ናብ ምድሪ ብምስጋድ’ ነዞም ኣጋይሽ እዚኣቶም ኣድለይቲ ከም ዝዀኑ ዘርኢ ኽብሪ ሂብዎም ኢዩ። ርእሲ ናይ ሓደ ሰፊሕ: ሃብታም ዝዀነ ስድራቤት ኢዩ ነይሩ: ነዞም ኣጋይሽ አዚኣቶም ግን ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዓቢ ክብሪ ከም ዝግብኦም ገይሩ ተቐበሎም። ኣየ እዝስ ካብቲ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኣጋይሽ ምጥርጣር: ንዅሉ ኵነታቶም ብጥንቃቐ ምክትታል ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ! ኣብርሃም ንትርጕም ናይቲ ‘ንሓድሕድኩም ንምክብባር ተቓዳደሙ’ ዝብል ሓሳብ በሓቂ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ።—ሮሜ 12:10
14 እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ ጸብጻብ: ናይ ኣብርሃም ስምዒት ናይ ሓቂ ከም ዝነበረ የርኢ። እቲ መግቢ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ብዙሓት ከብቲ ዘለውዎ ዓቢ ስድራቤት እውን እንተዀነ “ልምሉም: ጽቡቕ ብተይ” ገይርካ ዝግበር መግቢ ኵሉ ግዜ ዝቕረብ ኣይኰነን። ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝውቱር ዝነበረ ልምዲ: ጆን ኪቶ ዝጸሓፋ ደይሊ ባይብል ኢላስትረሽንስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:-“ኣብ ገለ በዓላት: ወይ ጋሻ ክመጽእ ከሎ እንተዘይኰይኑ ዘዕግብ ናይ ምቾት መግቢ ፈጺምካ ኣይግበርን ኢዩ: ዋላ እቶም ብዙሓት መጓሰን ከብትን ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፈ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ጥራይ ኢዮም ናይ እንስሳ ስጋ ዝበልዑ ዝነበሩ።” እቲ ውዑይ ኵነታት ኣየር ዝዀነ ይኹን ቀልጢፎ ዝበላሾ መግቢ ክቕመጥ ዘመችእ ኣይነበረን: ስለዚ ከምዚ ዝበለ መግቢ ንምቕራብ ሽዑ ንሽዑ ክዳሎ ነበሮ። እምበኣር: ኣብዚ ሓጺር ጸብጻብ እዚ: “ቀልጢፉ” ወይ “ተቓላጠፈ” ዝብል ቃል ሰለስተ ግዜ ምህላው: ከምኡውን ኣብርሃም ነቲ መግቢ ንምቕራብ ቃል ብቓሉ ‘ምጕያዩ’ ዘገርም ኣይኰነን!—ዘፍጥረት 18:6-8
15 ይኹን እምበር: እቲ ዕላማ ንገለ ሰብ ንምምሳጥ ኢልካ ጥራይ ዓቢ ምሳሕ ምድላው ኣይነበረን። ዋላ እኳ ኣብርሃምን ሳራን ነቲ መግቢ ኣዳልዮም ንምቕራብ እቲ ኵሉ ጻዕሪ እቲ እንተገበሩ: ኣብ መጀመርታ ኣብርሃም ነቲ መግቢ ብኸመይ ጠቒስዎ ከም ዝነበረ ኣስተብህል:-“ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም: ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሐልፉስ: ልብኹም ክትድግፉ: ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም: ድሕርቲ ትሐልፉ።” (ዘፈጥረት 18:4, 5) እታ “ቍራስ እንጌራ።” ናብ ኣኽል ታርፍ ዝዀነ ስቡሕ ምራኽ ምስ ካብ ድኹም ሓርጭ እተሰንከተ ቅጫ: ጠስሚ: ከምኡውን ጸባ—ብልዒ ንጉስ ዝዀነ መግቢ—ዝሓዘ እንግዶት ተቐየረት። እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፧ ምቕባል ጋሻ ክግበር ከሎ እቲ ቀንዲ አገዳሲ ነገር: ወይ ክጐልሕ ዘለዎ ነገር እቲ መግብን መስተን ክሳዕ ክንደይ ምቁፍ ምዃኑ: ወይ ምስፋሕ ናይቲ ክቕረብ ዘለዎ ወይ ድማ ካልእ ኣይኰነን። ምቕባለ ኣጋይሽ ኣብቲ ሓደ ሰብ ከቕርቦ ዝኽእል ክቡር ነገራት አተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ንድሕንነት ካልኦት ዘሎካ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከምኡውን ኣብቲ ክሳዕ እቲ ዝከኣለካ ንኻልኦት ሰናይ ንምግባር ዘሎካ ባህጊ እተመስረተ ኢዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ: ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ” ይብል መፍትሕ ናይ ሓቂ ምቕባል ጋሻ ድማ ኣብዚ ኢዩ ዘሎ።—ምሳሌ 15:17
16 ይኹን እምበር: እቲ ፍጻመ ብምሉኡ መንፈሳዊ ትርጕም ከም ዝነበሮ እውን ከነስተብህል ኣሎና። ኣብርሃም እዞም በጻሕቲ እዚኣቶም ካብ የሆዋ እተላእኩ ምዃኖም ዳርጋ ኣስተውዒሉ ነይሩ ኢዩ። እዚ: “ጐይታይ [“የሆዋ:” ትሓዓ ]: ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: በጃኻ: ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ” ምስ በሎም ተረእዩ ኣሎ።a (ዘፍጥረት 18:3፣ ምስ ዘጸኣት 33:20 ኣረኣእዮ።) ኣብርሃም ኣብ መጀመርታ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ዘለዎም እንተዀይኖም ወይ ድማ ስቕ ኢሎም ይሐልፉ ምህላዎም ኣይፈለጠን ነይሩ። እቲ ኰይኑ እቲ ግን: ዕላማ ኣምላኽ ይዕየ ከም ዝነበረ ተገንዚቡ ኢዩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ካብ የሆዋ ተላኢኾም ገለ ዕዮ ኣብ ምፍጻም ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ ድማ ንሱ ገለ ዝኽእሎ ነገር ከበርክት ሓጐሱ ኢዩ ነይሩ። ኣገልገልቲ የሆዋ እቲ ዝበለጸ ክወሃቡ ከም ዝግብኦም ተገንዚቡ ኢዩ: በቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ድማ እቲ ዝበለጸ ክቕርበሎም ደለየ። ከምኡ ብምግባሩ ንገዛእ ርእሱ ይኹን ወይ ንኻልእ ሰብ መንፈሳዊ በረኸት ክወርድ ይኽእል ነበረ። ከምቲ ዳሕራይ እተራእየ ድማ: ኣብርሃምን ሳራን በቲ ዝገበርዎ ቅንዕና እተሓወሶ ምቕባል ጋሻ ኣጸቢቖም ተባሪኾም ኢዮም።—ዘፍጥረት 18:9-15፣ 21:1, 2
ተቐባል ጋሻ ዝዀነ ህዝቢ
17 እቲ ብሉጽ ኣብነት ናይ ኣብርሃም በቶም ካብኡ ዝወጹ ህዝቢ ክርሳዕ ኣይነበሮን። እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ነቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ መጻእተኛታት ምቕባል ግሽነት ክገብሩሎም ዝሕብር ምድልዋት ነይርዎ ኢዩ። “ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: እቲ መሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ።” (ዘሌዋውያን 19:34) እቶም ሰባት ነቶም ብስጋዊ ነገራት ደገፍ ዘድልዮም ፍሉይ ሓልዮት ክገብሩሎም ነበሮም: ከምኡውን ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎም ኣይነበሮምን። የሆዋ ኣኽል-ታርፍ ብዝዀነ መገዲ እቶቶም ክባርኾ ከሎ: ኣብ በዓላቶም ክሕጐሱ ከለዉ: ኣብ ናይ ዓመታት ሰንበት ካብ ኵሉ ጻዕሮም ክዓርፉ ከለዉ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ነቶም እተሃስዩ—መበለታት: ዘኽታማት: ከመኡውን ስደተኛታት—ክዝክርዎም ነበሮም።—ዘዳግም 16:9-14፣ 24:19-21፣ 26:12, 13
18 ንኻልኦት: ብፍላይ ድማ ነቶም ሽጉራት ሕያውነት: ልግሲ: ከምኡውን ምቕባል ጋሻ ምግባር ኣድላይነቱ ኣብቲ የሆዋ እስራኤላውያን ነዚ ባህርያት እዚ ኣብ ምርኣይ ዕሽሽ ክብሉ ከለዉ ዝገበሮ ነገር ክርአ ይከኣል ኢዩ። የሆዋ ነጋይሽን ንሽጉራትን ሕያውነትን ልግስን ምርኣይ ሓደ ካብቲ ህዝቡ ቀጻሊ በረኸታት ንኽቕበሉ ዘኽአሎም ብቕዓታት ምዃኑ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (መዝሙር 82:2, 3፣ ኢሳይያስ 1:17፣ ኤርምያስ 7:5-7፣ ህዝቅኤል 22:7፣ ዘካርያስ 7:9-11) እቶም ህዝቢ ነዝን ካልእ ብቕዓታትን ንምምላእ ህርኩታት ክዀኑ ከለዉ ብኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ስጋውን መንፈሳውን ነገራት በልጺጎም የስተማቕርዎ ነበሩ። ናይ ብሕቶም ጕዳያት ኣብ ምግባር ጥራይ ምስ ዝስስዑ: ነቶም ሽጉራት ድማ እዚ ናይ ሕያውነት ባህርያት እዚ ኣብ ምርኣይ ዕሽሽ ምስ ዝብሉ: ካብ የሆዋ ኵነኔ ይቕበሉ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሕማቕ ፍርዲ የጋጥሞም ነበረ።—ዘዳግም 27:19፣ 28:15, 45
19 ብዚ መዳይ እዚ ንገዛእ ርእስና ምምርማርን ከምቲ የሆዋ ዝጽበየና ኴንና ንነብር ምህላውና ክንፈልጥን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ! እዚ ብፍላይ ነዚ ሎሚ ዘሎ ስሱዕን ከፋፋልን ናይ ዓለም መንፈስ ክትርኢ ከሎኻ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ እተኸፋፈለት ዓለም ክርስትያናዊ ምቕባል ጋሻ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቐጽ እንመያየጠሉ ኣርእስቲ እዚ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ምሉእ ሓሳባት ንምርካብ ነታ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 21-3 (እንግሊዝኛ) ዘላ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኣሎዶ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እታ “ምቕባል ጋሻ” ተተርጕማ ዘላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧
◻ የሆዋ ምቕባል ጋሻ ብምርኣይ: እቲ ፍጹም አብነት ዝዀነ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
◻ ኣብርሃም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ተቐባል ጋሻ ዝዀነ፧
◻ ኵሎም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ‘ንምቕባል ጋሻ ክቀዳደሙ’ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. መሰረታዊ ሰብኣዊ ድሌት እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝንጸባረቕ፧
2. የሆዋ ነቲ ብጻይነት ናይ ምርካብ ድሌትና ብኸመይ ኢዩ ዘማለኦ፧
3. ነቲ መሰረታዊ ትርጕም ናይ ምቕባል ጋሻ ግለጾ።
4. ምቕባል ጋሻ ክግበረሉ ዘለዎ ንመን ኢዩ፧
5, 6. (ሀ) የሱስ ‘ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ኢዩ ክብል ከሎ ኣብ ሓሳቡ እንታይ ነበረ፧ (ለ) ልግሲ የሆዋ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
7. ካብቲ የሆዋ ነጋይሽን ሽጉራትን ዝገብሮ ዝነበረ ኣተሓሕዛ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
8. የሆዋ መንፈሳዊ ድሌትና ንምምላእ ኢሉ ልግሲ ዘርአየ ብኸመይ ኢዩ፧
9, 10. (ሀ) የሆዋ ፍጹም ዝዀነ ኣአንጋዲ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓቀኛታት ኣምለኽቲ በዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ክመስልዎ ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም፧
11. ምቕባል ጋሻ ዘይተጸበኻዮ በረኸት ከም ዘምጽእ ዘርኢ እንታይ ብሉጽ ኣብነት ኣሎ፧ (ዘፍጥረት 19:1-3፣ መሳፍንቲ 13:11-16 እውን ርአ።)
12. ኣብርሃም ነጋይሽ ዝነበሮ ፍቕሪ ብኸመይ ኣርኣየ፧
13. ኣብርሃም ነቶም በጻሕቲ ‘ዝሰገደሎም’ ስለምንታይ ኢዩ፧
14. እብርሃም ነቶም ኣጋይሽ ምቕባል ጋሻ ክገብረሎም ከሎ እንታይ ጻዕርን መስዋእትን ኢዩ ዝገበረ፧
15. ከምቲ ብኣብርሃም እተራእየ ኣብነት: ምቕባል ጋሻ ኣብ ምግባር ዘሎ ግቡእ ኣረኣእያ ናይ ስጋዊ ምድላዋት እንታይ ኢዩ፧
16. ኣብርሃም በቲ ነቶም በጻሕቲ ዝገበረሎም ተግባር ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
17. ብዛዕባ እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ኣጋይሽን ሽጉራትን ዝምልከት የሆዋ ካብ እስራኤላውያን እንታይ ይጽበ ነበረ፧
18. ስምረትን በረኸትን የሆዋ ንምርካብ ምቕባል ጋሻ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧
19. ቀጺልና ክርእዮ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧