ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/11 ገጽ 5-7
  • ኣምላኽ ጾም ይደሊዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ጾም ይደሊዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጾም ንክርስትያናት ይምልከት ድዩ፧
  • ጾመ⁠-ኣርብዓኸ፧
  • ጾም ጠቓሚ ክዀነሉ ዝኽእል እዋን
  • ጾም ናብ ኣምላኽ ዝያዳ የቕርበካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾም እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጾም ግዜኡ ዘሕለፈ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/11 ገጽ 5-7

ኣምላኽ ጾም ይደሊዶ ኢዩ፧

እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ ጾም ዝሓትት ነይሩ: እዚ ድማ ኣብታ ዓመታዊት መዓልቲ ምትዕራቕ ኢዩ። እቲ ሕጊ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤላውያን ‘ነፍሶም ከዋርዱ’ ይእዝዝ ነበረ: እዚ ድማ ይጾሙ ነይሮም ማለት ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 16:​29⁠-31፣ 23:​27፣ መዝሙር 35:​13) ይኹን እምበር: እዚ ጾም እዚ ንረኣዩለይ ጥራይ ዝግበር ኣይነበረን። እስራኤላውያን ነዛ መዓልቲ ምትዕራቕ ምሕላዎም ብዛዕባ ሓጢኣቶምን ኣድላይነት በጅነትን ዝያዳ ንቑሓት ንክዀኑ ዘለዓዕሎም ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ምጻሞም እውን ብሰንኪ ሓጢኣቶም እተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምንሳሕን ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እትግበር ናይ ግዴታ ጾም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥራይ እኳ እንተ ነበረት: እስራኤላውያን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ይጾሙ ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 34:28፣ 1 ሳሙኤል 7:6፣ 2 ዜና መዋእል 20:3፣ እዝራ 8:21፣ ኣስቴር 4:3, 16) ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ: ከም እተናሳሕካ ንምግላጽ ዝግበር ናይ ወለንታ ጾም ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ዝበደሉ ህዝቢ ይሁዳ “ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ” ብምባል ተማሕጸኖም። እዚ ደጋዊ ጥራይ ክኸውን ኣይነበሮን: ከመይሲ ኣምላኽ ቀጺሉ “ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ” በለ።​—⁠ዮኤል 2:​12⁠-15

ድሕሪ ገለ ግዜ ግን: ብዙሓት ናይ ርኣዩለይ ጾም ክጾሙ ጀመሩ። የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ቅንዕና ዘይኰነ ጾም ይፍንፍኖ ነበረ: ስለዚ ድማ ነቶም ግቡዛት እስራኤላውያን ከምዚ ብምባል ሓተቶም:⁠- “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን: እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን: ክሻን ሓመዅስትን መንጸፍካ ምግባርን: ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧” (ኢሳይያስ 58:​5) እዞም ደረቐኛታት ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ክንዲ እቲ ከም ዝጾሙ ዘርኢ ናይ ላዕለ ላዕሊ መግለጺ: ንንስሓ ዝበቅዕ ግብሪ ክገብሩ ኢዮም ተሓቲቶም።

ኣይሁድ ዘቘምዎም ገለ ናይ ጾም እዋናት ክጅመር ከሎ ኣትሒዙ ስምረት ኣምላኽ ኣይረኸበን። ንኣብነት: ሓደ እዋን ህዝቢ ይሁዳ ነቲ ምስቲ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ⁠-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ምኽባብን ምጥፋእን የሩሳሌም እተተሓሓዘ ኣዕናዊ ፍጻመታት ንምዝካር ኣርባዕተ ዓመታዊ ጾም ነበሮም። (2 ነገስት 25:​1⁠-4, 8, 9, 22⁠-26፣ ዘካርያስ 8:​19) ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ምስ ወጹ: የሆዋ ብነብዪ ዘካርያስ ገይሩ ‘በተን ሰብዓ ዓመት እትጾሙ ዝነበርኩምሲ: ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፧’ በሎም። ኣምላኽ ነዚ ጾም እዚ ኣይሰመሮን: ምኽንያቱ ኣይሁድ በቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ዘውረዶ ፍርዲ ኢዮም ዝጾሙን ዝሓዝኑን ነይሮም። ብምኽንያት እቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሖም ጌጋ ተግባራቶም ዘይኰነስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ መዓት ኢዮም ዝጾሙ ነይሮም። ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ: ኣብ ክንዲ በቲ ዝሓለፈ ዘስቈርቍሩ ዝሕጐስሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘካርያስ 7:​5

ጾም ንክርስትያናት ይምልከት ድዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክጾሙ እኳ እንተ ዘይኣዘዞም: ንሱን ሰዓብቱን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብምንባሮም ኣብታ መዓልቲ ምትዕራቕ ጸይሞም ኢዮም። ብተወሳኺ: ገለ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ብድልየቶም ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ጸይሞም ኢዮም: ምኽንያቱ የሱስ ነቲ ልምዲ ብጠቕላልኡ ክሓድግዎ ኣይኣዘዞምን። (ግብሪ ሃዋርያት 13:​2, 3፣ 14:​23) እንተዀነ ግን: “ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርአዩ: ገጾም” ፈጺምም ‘ከጸምልዉ’ ኣይነበሮምን። (ማቴዎስ 6:​16) ከምዚ ዝበለ ደጋዊ ናይ ሓዘን ትርኢት ካብ ካልኦት ሰባት ናይ ስምረት መግለጺታት የውህብ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብኸምዚ ዝበለ ደጋዊ ትርኢት ኣይሕጐስን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:​17, 18

የሱስ ብዛዕባ እቲ ሰዓብቱ ኣብ ግዜ ሞቱ ዝጾምዎ ጾም እውን ተዛሪቡ ኢዩ። ብእኡ ኣቢሉ ግን ናይ ጾም ሃይማኖታዊ ልምዲ ኣይሰርዐን። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ከጋጥሞም ዝነበሮ ዓሚቝ ሓዘን ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ሓንሳእ ምስ ተንስአ: እንደገና ምስኦም ስለ ዝህሉ ድሕሪዚ ድማ ንኽጾሙ ምኽንያት ኣይህልዎምን።​—⁠ሉቃስ 5:​34, 35

‘ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ክርስቶስ ሓንሳእ [ምስ] ተሰውአ’ ሕጊ ሙሴ ተሪፉ ኢዩ። (እብራውያን 9:​24⁠-28) ምስ ምትራፍ ሕጊ ሙሴ ድማ: እቲ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ጾም ዝእዝዝ ዝነበረ ሕጊ እውን ተሪፉ ኢዩ። በዚ ኸኣ: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት ሓንቲ ግዴታዊት ጾም ተሪፋ ኢያ።

ጾመ⁠-ኣርብዓኸ፧

መሰረት ናይቲ ኣብ እዋን ጾመ⁠-ኣርብዓ ዝግበር ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ጾም እንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣገባቡ ካብ ቤተ⁠-ክርስትያን ናብ ቤተ⁠-ክርስትያን ዝፈላለ እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ማለት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ንጾመ⁠-ኣርብዓ ኣፍልጦ ይህባሉ ኢየን። ገሊኣቶም ኣብተን ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘለዋ 40 መዓልትታት ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ ይበልዑ። ካልኦት ድማ ኣብታ ጾመ⁠-ኣርብዓ እትጅመረላ መዓልትን ዓርቢ ስቕለትን ጥራይ ምሉእ መዓልቲ ይጾሙ። ንገሊኦም ከኣ ጾመ⁠-ኣርብዓ ማለት ካብ ናይ ስጋ: ዓሳ: እንቋቝሖ: ከምኡውን ናይ ጸባ ውጽኢታት ምሕራም ማለት ኢዩ።

ጾመ⁠-ኣርብዓ ኣብተን የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝጾመለን 40 መዓልትታት እተመስረተ ኢዩ ዝበሃል። የሱስ ግን ሽዑ ዓመት ዓመት ክሰዓብ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ልምዲ ገይሩ ሰሪዑዎ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይሰርዐን። እዚ: ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ ልምዲ ከም ዝነበረ ዘይምምዝጋቡ ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ። ጾመ⁠-ኣርብዓ ንመጀመርታ ግዜ ክግበር ዝጀመረ ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-ዘበን ድሕሪ ክርስቶስ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ካልእ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ትምህርትታት ከኣ: ካብ ኣረማዊ ምንጭታት እተወስደ ኢዩ።

ጾመ⁠-ኣርብዓ ካብቲ የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ጾም እተቐድሐ እንተድኣ ዀይኑ: ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ኣብተን ጥቓ በዓል ትንሳኤ ዘለዋ ሰሙናት: ማለት ኣብቲ ዝተንስኣሉ እዋን ዝግበር፧ የሱስ ኣብተን ቅድሚ ሙማቱ ዝነበራ መዓልትታት ኣይጾመን። እቲ ናይ ወንጌል ጸብጻባት የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብተን ቅድሚ ሙማቱ ዝነበራ ሒደት መዓልትታት ኣብ ኣባይቲ ከም ዝበጽሑን ኣብ ቢታንያ ድማ መግቢ ከም ዝበልዑን ኢዩ ዝሕብር። ኣብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት እውን ካብቲ ናይ ፋስጋ መኣዲ በሊዑ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 26:​6, 7፣ ሉቃስ 22:​15፣ ዮሃንስ 12:​2

ካብቲ የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝጾሞ ጾም ገለ ትምህርቲ ይርከቦ ኢዩ። ኣገዳሲ ዝዀነ ኣገልግሎት ኢዩ ዝጅምር ነይሩ። ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋን ናይ ሰብኣዊ ዓሌት መጻኢ ግዜን ኣብዚ እቱው ኢዩ ነይሩ። እዚ ግዜ እዚ ናይ ዓሚቝ ምስትንታን ግዜ ከምኡውን ሓገዝን መምርሕን ንምርካብ ብጸሎት ናብ የሆዋ ዝቕረበሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን የሱስ ክጸውም ግቡእ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ጾም ብቕኑዕ ድራኸን ኣብ ግቡእ ኣጋጣምን ምስ ዝግበር ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ዝሕብር።​—⁠ምስ ቈሎሴ 2:​20⁠-23 ኣረኣእዮ።

ጾም ጠቓሚ ክዀነሉ ዝኽእል እዋን

ሎሚ ሓደ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ክጾመሉ ዝኽእል ሓድሓደ ኣጋጣሚታት ንርአ። ሓደ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ንገለ ግዜ ምብላዕ ደስ ኣይብሎን ይኸውን። እዚ ካልኦት ንኽርእይሉ ወይ በቲ ዝረኸቦ ተግሳጽ ሓሪቑ ኣይኰነን ዝገብሮ። ርግጽ ኢዩ: ጾም ንበይኑ ጥራይ ንነገራት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ የዐርዮ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓደ ብሓቂ እተናስሐ ሰብ ንየሆዋ ምናልባት ድማ ንኣዕሩኽን ስድራቤትን ስለ ዘጕሃዮም ዓሚቝ ሓዘን ይስምዖ ኢዩ። ጓህን ይቕሬታ ንምርካብ ዝግበር ልባዊ ጸሎትን ነቲ ናይ መግቢ ሸውሃት ክዓጽዎ ይኽእል ይኸውን።

ዳዊት ንጉስ እስራኤል ተመሳሳሊ ተመክሮ ነይርዎ ኢዩ። እቲ ካብ ባትሴባ ዝወለዶ ወዱ ክመውት ምስ ቀረበ: እቲ ቘልዓ ምሕረት ምእንቲ ክረክብ ኵሉ ጻዕርታቱ ናብ የሆዋ ኣብ ምጽላይ ኣተኰረ። ምሉእ ስምዒቱን ሓይሉን ኣብ ጸሎት ክገብር ከሎ ጾመ። ብተመሳሳሊ: ኣብ ትሕቲ ገለ ገለ ጸቕጢ ዘለዎ ኵነታት መግቢ ምብላዕ ዘይግቡእ መሲሉ ክርአ ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ሳሙኤል 12:​15⁠-17

ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ኣብ ገለ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጕዳይ ከተኵር ዝደልየሉ እዋናት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምርምር ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንምስትንታን ዝኸውን ግዜ ከድሊ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ውልቀ⁠-ሰብ ከምዚ ዝበለ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣብ ዝገብረሉ እዋን: ሓደ መግቢ ብምብላዕ ክተዓናቐጽ ኣይደልን ይኸውን።​—⁠ምስ ኤርምያስ 36:​8⁠-10 ኣረኣእዮ።

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከቢድ ውሳነ ክገብሩ እንተድኣ ኰይኖም ይጾሙ ከም ዝነበሩ ዘርኢ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኣሎ። ኣብ ግዜ ነህምያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ማሕላ ክግበር ነበሮ: ኣይሁድ ነቲ ማሕላ እቲ እንተድኣ ዘይሓልዮምዎ ንመርገም እተቓልዑ ክዀኑ ነበሮም። ነተን ጓኖት ኣንስቶም ንኽፈትሑን ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ንኽፍለዩን ቃል ክኣትዉ ነበሮም። ነዚ ማሕላ እዚ ቅድሚ ምግባሮም: ንገበኖም ድማ ክናስሕሉ ከለዉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብምሉኡ እቲ ማሕበር ጾመ። (ነህምያ 9:​1, 38፣ 10:​29, 30) ስለዚ እምበኣር ሓደ ክርስትያን ከቢድ ውሳነ ዘድልዮ ጕዳይ ምስ ዘጋጥሞ ንሓጺር እዋን መግቢ ከይበልዕ ይኽእል ኢዩ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​­ዘበን ዝነበሩ ኣካል ሽማግለታት: ውሳነ ክገብሩ ከለዉ ሓድሓደ ግዜ ይጾሙ ነይሮም ኢዮም። ሎሚ: ሽማግለታት ጉባኤ ምናልባት ምስ ናይ ፍርዲ ጕዳይ እተተሓሓዘ ከቢድ ውሳነታት ክገብሩ ምስ ዘድልዮም: ነቲ ጕዳይ ኣብ ዝርእይሉ ግዜ መግቢ ይሕረሙ ይዀኑ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ክጸውም ምምራጽ ናይቲ ውልቀ⁠-​­ሰብ ውሳነ ኢዩ። በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ክፈርድ የብሉን። ‘ንሰብ ጻድቃን መሲልና ክንርአ’ ክንደሊ የብልናን፣ ወይ እውን መግቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይርና ብምውሳድና ዕዮና ዘባዅር ክኸውን የብሉን። (ማቴዎስ 23:​28፣ ሉቃስ 12:​22, 23) መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ክንጸውም ከም ዘይደልየና: ካብ ምጻም ድማ ከም ዘይክልክለና ኢዩ ዝገልጽ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ድሕሪ ጥምቀቱ ን40 መዓልትታት ስለምንታይ ከም ዝጾመ ትፈልጥዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ