ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/2 ገጽ 30-31
  • ሴኬም-ኣብ ስንጭሮ ዝነበረት ከተማ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሴኬም-ኣብ ስንጭሮ ዝነበረት ከተማ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/2 ገጽ 30-31

ሴኬም-ኣብ ስንጭሮ ዝነበረት ከተማ

ኣብ ማእከል እታ ኣምላኽ ንህዝቡ ክትኰኖም ኢሉ ዝሓረያ ሃገር: ኣብ መንጎ ከረን ዔባልን ከረን ጌሪዚምን: ከተማ ሴኬም ትርከብ። ኣብዚኣ ኸኣ ኢዩ​—⁠ዳርጋ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር⁠—​የሆዋ ንኣብርሃም “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ” ብምባል እተመባጽዓሉ።​—⁠ዘፍጥረት 12:​6, 7

ምስ እዚ መብጽዓ እዚ ብምስምማዕ ከኣ ያእቆብ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም: ኣብ ሴኬም ሰፈረ ነታ “ኣምላኽ: ኣምላኽ እስራኤል ኢዩ” ኢሉ ዝሰመያ መሰውኢ ድማ ሰርሐ። ያእቆብ ንስድራቤቱን ንመጓሴኡን ዝኸውን ማይ ክረክብ ኢሉ ዔላ ዝዀዓተ ምናልባት ኣብዚ ከባቢ እዚ ኢዩ ዝኸውን። እዛ ዔላ እዚኣ ኸኣ ድሕሪ ዘበናት “ዔላ ያእቆብ” ተባሂላ ተጸወዐት።​—⁠ዘፍጥረት 33:​18-​20 NW እግረ⁠-ጽሑፍ፣ ዮሃንስ 4:​5, 6, 12

ይኹን እምበር: ንሓቀኛ ኣምልኾ ቅንኢ ዘርኣዩ: ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ያእቆብ ኣይኰኑን። ዲና ጓሉ: ካብተን ከንኣናውያን ኣዋልድ ሴኬም መሓዙት ደለየት። እታ ሽዑ ገና መንእሰይ ዝነበረት ዲና: ንዕቝባ ድንኳን ስድራቤታ ሓሓዲጋ ኣብኡ መሓዙት ብምግባር ናብታ ኣብ ጥቕኦም እትርከብ ከተማ ምኻድ ጀመረት።

እቶም መንእሰያት ኣወዳት ናይታ ኸተማ ነዛ ወትሩ ናብ ከተማኦም እትመጽእ​—⁠መሰነይታ ዘይብላ ኢዩ ዝመስል⁠—​ድንግል ጓል እዚኣ ብኸመይ ኢዮም ክርእይዋ፧ ሓደ ወዲ ጐይታ እታ ሃገር “ረኣያ: ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ: ኣነወራውን።” ዲና ምስተን ዘይስነ⁠-ምግባራውያን ኣዋልድ ከንኣን ብምሕባር ሓደጋ ዝዓደመት ስለምንታይ ኢያ፧ ምሕዝነት ናይተን መሳቱኣ ዝነበራ ኣዋልድ የድልያ ምዃኑ ስለ እተሰመዓ ድዩ፧ ከም ገለ ካብቶም ብፍቓድ ርእሶም ዝመላለሱን ብነብሶም ዝሓድሩን ኣሕዋታ: ስለ ዝነበረት ድያ፧ ነቲ ናይ ዘፍጥረት ጸብጻብ ኣንብቦ እሞ: ነቲ ያእቆብን ልያን ብሰንኪ እቲ ጓሎም ናብ ሴኬም ዝገበረቶ ምልስ⁠-ምልስ ዝመጸ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ተሰሚዕዎም ክኸውን ዝነበሮ ጭንቀትን ሕፍረትን ድማ ክትግንዘቦ ፈትን።​—⁠ዘፍጥረት 34:​1-​31፣ 49:​5-​7፣ ብተወሳኺ ናይ 15 ሰነ 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 31 (እንግሊዝኛ) ርአ።

ዳርጋ 300 ዓመታት ጸኒሑ ኸኣ ንቲኦክራሲያዊ መምርሒታት ሸለል ናይ ምባል ፍረ እንደገና ተጋህደ። እያሱ ኣብ ሰኬም ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ እስራኤል ፈጺሞም ዘይርስዑ ኣኼባታት ገበረ። ነቲ ኣብቲ ስንጭሮ ዝነበረ ኵነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ነገዳት ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት​—⁠ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ⁠—​ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዝም ደው በሉ። ክንድኡ ዝቝጽሮም ካብቶም ካልኦት ነገዳት ድማ ስግር እቲ ስንጭሮ ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል ደው በሉ።a ኣብቲ ቦታ እቲ ትሕት ኢልካ ድማ ኣብ ጐድኒ ታቦት ኪዳንን ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ናይ እስራኤል ጭፍራን: እቶም ካህናትን እያሱን ደው ኢሎም ነበሩ። ከመይ ዝበለ ትርኢት ኰን ኢዩ!​—⁠እያሱ 8:​30-​33

ብልዕሊ እዞም ኣዝዮም ብዙሓት ጭፍራ ዘለዉ ክልተ ኣኽራን ኣብ መንጎ ጽባቐን ባድማነትን ዘሎ ብሩህ ምንጽጻር ይህቡ። ጌሪዝም ጫፋቱ ክትርእዮ ከሎኻ ሓምላይን ልሙዕን ኢዩ: ናይ ዔባል ግን ገያጽን ባድማን ኢዩ። ነቲ እስራኤላውያን እያሱ ክዛረብ ክጽበይዎ ኸለዉ ዝነበረ ናይ ሓጐስ ህማም ክትርድኦዶ ምኸኣልካ፧ ኣብቲ ተፈጥሮ ዝለገሶ መድረኽ ነፍሲ ወከፍ እትስማዕ ድምጺ መቓልሕ ትመልስ ነበረት።

እያሱ ነቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወስድ ንባብ ‘ካብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ’ ከንብብ ከሎ: እቶም ህዝቢ እውን ይሳተፉ ነበሩ። (እያሱ 8:​34, 35) እቶም ኣብ ቅድሚ ጌሪዝም ዝነበሩ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ በረኸት ኣሜን! ክብሉ ከለዉ: ናይቶም ኣብ ቅድሚ ዔባል ዝነበሩ ኣሜን! ግን ንነፍሲ ወከፍ መርገም ዘጋንን ኢዩ ነይሩ። ምናልባት እቲ ባድማ ትርኢት ናይ ከረን ዔባል: ነቲ ህዝቢ: ሕማቕ ውጽኢት ናይ ዘይምእዛዝ ንምዝኽኻር ጠቒሙ ኢዩ።

እያሱ “ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን” ኢሉ ኣጠንቀቐ። ብሓንሳብ ከኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ “ኣሜን” ዝብል መልሲ ሃበ። እያሱ ነቲ “ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን” ዝብል መርገም ቅድሚ ምቕጻሉ እቲ ነጐዳ ዝጥዕም ምላሽ ክሳዕ ዝሃጥም ተጸበየ። እንደገና ኸኣ እቶም ሽዱሽተ ነገዳት ምስቶም ብዙሓት ስደተኛታት ኰይኖም “ኣሜን” ብምባል ይጭድሩ። (ዘዳግም 27:⁠16, 17) ኣብኡ ነይርካ እንተ እትኸውን ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣኽራን እተገብረ ኣኼባ ምረሳዕካዮዶ፧ እቲ ናይ ምእዛዝ ኣድላይነት ኣብ ኣእምሮኻ ዘይሃስስ ኰይኑዶ ኣይምተቐርጸን፧

ገለ 20 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ ቀቅድሚ ሙማቱ: እያሱ ኣብ ቃሎም ምእንቲ ክጸንዑ ኢሉ ነቶም ህዝቢ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክገብሮ ዘለዎ ምርጫ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበረሎም። ከምዚ ኸኣ በሎም:⁠- “ንመን ከም እተገልግሉ: . . . ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።” (እያሱ 24:​1, 15) ብርግጽ: እዚ ኣብ ሴኬም እተገብረ እምነትካ ዘለዓዕል ዓበይቲ ኣኼባታት ዓሚቝ ጦብላሕታ ኢዩ ገዲፉ። እስራኤላውያን ድሕሪ ሞት እያሱ ንብዙሕ ዓመታት ነቲ ናይ ተኣማንነት ኣብነቱ ስዒቦምዎ ኢዮም።​—⁠እያሱ 24:⁠31

የሱስ ገለ 15 ክፍለ⁠-ዘበናት ይኸውን ጸኒሑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ከረን ጌሪዝም ኣዕሪፉ ኸሎ: ሓደ ልቢ ዘምውቕ ዝርርብ ተገብረ። የሱስ: ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዕትሮ ማይ ሒዛ ኣብኡ ክትበጽሕ ከላ ብምኽንያት ነዊሕ ጕዕዞ ደኺሙ ኣብ ጥቓ ዔላ ያእቆብ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኣይሁድ ይትረፍ ካብ ኣቕሓ ናይ ሳምራውያን ማይ ክሰትዩስ ኣይዛረብዎምን እውን ስለ ዝነበሩ: የሱስ ማይ ከተስትዮ ምስ ሓተታ እታ ሰበይቲ ኣዝያ ተገረመት። (ዮሃንስ 4:​5-​9) ካብዚ ንላዕሊ ድማ እቲ የሱስ ቀጺሉ እተዛረባ ቃላት ኢዩ ኣገሪምዋ።

“ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር: ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ።” (ዮሃንስ 4:​13, 14) እታ ሰበይቲ ኣብዚ መብጽዓ እዚ ዝሓደራ ተገዳስነት እሞ ገምቶ: ከመይሲ ካብቲ ዓሚቝ ዔላ ማይ ምውራድ ኣድካሚ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ካብዚ ንላዕሊ: የሩሳሌም ኰነ ወይስ ከረን ጌሪዝም ታሪኻዊ ኣገዳስነት እኳ እንተ ነበሮም ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዘድሊ ቦታታት ከም ዘይኰኑ ገለጸ። እቲ ዘገድስ ናይ ልቢ ዝንባለን ጠባይን እምበር: ቦታ ኣይነበረን። ከምዚ ኸኣ በለ:⁠- “ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ ኢዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን [ክሰግድሉ ኢዮም]።” (ዮሃንስ 4:​23) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘጸናንዓ ኢየን ነይረን! እዚ ስንጭሮ እዚ እንደገና: ሰባት ንየሆዋ ከገልግሉ እተማዕድሉ ቦታ ኰነ።

ሎሚ ከተማ ናብለስ ኣብ ጥቓ ዑናታት ጥንታዊት ሴኬም ትርከብ። ከረን ጌሪዝምን ከረን ዔባልን ከም ዘይዛረቡ መሰኻኽር ናይ ዝሓለፉ ፍጻመታት ብምዃን ገና ክሳዕ ሕጂ ነቲ ስንጭሮ ወኒኖምዎ ኣለዉ። ኣብ እግሪ እዞም ኣኽራን እዚኣቶም ዘሎ ዔላ ያእቆብ: ሕጂ እውን ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ። በቶም እተገብሩ ፍጻመታት ከነስተንትን ከሎና: ልክዕ ከምቲ እያሱን የሱስን ክንገብሮ ዝማሃሩና ሓቀኛ ኣምልኾ ኣጽኒዕካ ናይ ምሓዝ ኣድላይነት ንዘኻኸር ኢና።​—⁠ምስ ኢሳይያስ 2:​2, 3 ኣረኣእዮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዚም ዝነበሩ ነገዳት ስምኦን: ሌዊ: ይሁዳ: ይሳኮር: ዮሴፍ: ከምኡውን ቢንያም ነበሩ። እቶም ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል ዝነበሩ ሽዱሽተ ነገዳት ከኣ ሮቤል: ጋድ: ኣሴር: ዛብሎን: ዳን: ከምኡውን ንፍታሌም ነበሩ።​—⁠ዘዳግም 27:​12, 13

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ