ኣብ መንጎ ‘መቕደስ ኣምላኽን’ ጣኦታት ግሪኽን ስምምዕ ኣሎዶ፧
ኣብዛ ብርቱዕ ሃሩር ሓጋይ ዝነበረላ መዓልቲ: ጸሓይ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመስ ዝብል ኣእማን ብርሃና ዓሪፉ ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ዝነበረ ብርቱዕ ሙቐት ንቕንእን ጽኑዕ ቈራጽነትን ናይቶም ኣብ ጫፍ ናይቲ ኵርባ ናብ ዝርከብ ቤት ጸሎት ዝድይቡ ዝነበሩ ውፉያት ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ጭፍራ ተሳለምቲ ኣይዓገቶን።
ካብቲ ሐደ ወሰን ናይቲ ሃገር ዝመጸት ነቲ እተሓለለ ኣእጋራ ብሓይሊ ክትጐቶ እትቃለስ ዝደኸመት ኣረጊት ሰበይቲ ትርኢ። ቑሩብ ንላዕሊ ድይብ ኢልካ ድማ ሓደ ሃንቀውታ ዝመልኦ ሰብኣይ ብማእከል እቲ ዝደፋፋእ ዝነበረ ጭፍራ ንኽሓልፍ ብኽንደይ ሽግር ክፍትን ከሎ ብረሃጽ ተሓጺቡ ነበረ። ሓንቲ ብርግጽ ቃንዛ ዝነበራ: ኣብ ገጻ ኸኣ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ዝንበብ ዝነበረ መንእሰይ ጓል ድማ: በቲ ብርቱዕ መድመይቲ ዝነበሮ ኣብራኻ ትንፍሓዅ ነበረት። ናይ ኵሎም ሸቶ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ቀልጢፎም ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ ናይቲ በዓል ዝግበረሉ ዘሎ “ቅዱስ” ምስሊ ክርእዩ: ኣብ ቅድሚኡ ክጽልዩ: እንተድኣ ተኻኢሉ ድማ ነቲ ምስሊ ብኢዶም ክትንክፉን ክሳለሙን ኢዩ።
ምስዚ ዝመሳሰል ትርኢታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብቲ ንኽብሪ “ቅዱሳት” ተባሂሉ እተወፈየ ቦታታት ብተደጋጋሚ ይግበር ኢዩ። ኵሎም እዞም ተሳለምቲ እዚኣቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ናብኡ ንምቕራብ ዝኸውን መገዲ ኣምላኽ ይስዕቡ: በዚ ኸኣ ተወፋይነቶምን እምነቶምን ይገልጹ ምህላዎም ከም እተረድኡ ፍሉጥ ኢዩ። እታ ኣዋር ኦርቶዶክስ ክርስችያን ፈይዝ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “[ን“ቕዱሳት”] ዝኽሪ ንገብረሎም: ነቲ ቕዱስ መዓርጋቶም ድማ ውዳሰን ክብርን ንህቦ ኢና . . . ኣብ ክንዳና ኰይኖም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩልና: ነቲ ኣብ ህይወትና ዘድልየና ነገራት ድማ ምህለላኦምን ሓገዞምን ንሓትት። . . . ንመንፈሳውን ስጋውን ድሌታትና ኢልና . . . ኣብቶም ተኣምራት ዝፍጽሙ ቅዱሳት ንውከል።” ብመሰረት ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ሕግታት ሲኖዶስ እውን: “ቅዱሳት” ምስ ኣምላኽ ከም ዘማልዱ ገይርካ ክትልምኖም: ክልቲኡ ማለት ናይ “ቅዱሳት” ቅርስታትን ምስልታትን ድማ ብኽብሪ ክርአ ኣለዎ።
ንሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ብቐዳምነት ዘገድሶ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ምምላኽ ክኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ ን“ቕዱሳት” ኣምልኾ ዘለዎ ክብሪ ምርኣይ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ተግባራት ህዝበ-ክርስትያን ብምዃን እተኣታተወሉ መገዲ ዝምልከት ሓድሓደ ጭብጥታት ንርአ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርመራ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዝቕበሎ መገዲ ክቐርቦ ንዝብህግ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ፍልጠት ከመሓላልፍ ኣለዎ።
ኣምልኾ “ቅዱሳት” ብኸመይ ከም እተኣታተወ
ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ንዅሎም እቶም ብደም ክርስቶስ ዝነጽሁ: ከም ተስፋ ዘለዎም መዋርስቲ ክርስቶስ መጠን ድማ ንኣገልግሎት ኣምላኽ እተፈልዩ ቀዳሞት ክርስትያናት “ቅዱሳን” ኢሉ ይጽውዖም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:32፣ 2 ቈረንቶስ 1:1፣ 13:13)a ሰብኡትን ኣንስትን: ልዕል ዝበሉን ትሕት ዝበሉን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብህይወት እናነበሩ ከለዉ ኵላቶም “ቅዱሳን” ብምባል ተጸዊዖም ኣለዉ። ቅድሚ ሙማቶም እውን ከይተረፈ ብቕዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ቅዱሳት ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ግን: ናይ ክሕደት ክርስትና እናዓበየ ክኸይድ ከሎ እቲ ዝንባለ: ንክርስትና ውሩይ: ንኣረማውያን ህዝብታት ከኣ ዝማርኽን ንኽቕበልዎ ዝቐለለን ሃይማኖት ንምግባሩ ኢዩ ነይሩ። እዞም ኣረማውያን እዚኣቶም ብዙሓት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ኢዮም ነይሮም: እዚ ሓድሽ ሃይማኖት ድማ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ዘምልኽ ነበረ። ስለዚ ንቦታ ናይቶም ጥንታውያን ኣማልኽትን ሓውሲ ኣማልኽትን ናይ ጽውጽዋይ ጀጋኑን ዝትክኡ “ቅዱሳት” ከም ዝተኣታተዉ ብምግባር ምልምማጥ ክግበር ተኻእለ። እታ ኤክሊሲያስቲኪ ኢስቶሪያ እትበሃል መጽሓፍ (ቋንቋ ግሪኽ) ነዚ ኣመልኪታ ሓሳብ ክትህብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ነቶም ካብ ኣረምነት ናብ ክርስትና እተቐየሩ ሰባት ንተግባራት ናይቶም ዝጠንጠንዎም ናይ ጽውጽዋይ ጀጋኑኦም ምስቲ ናይቶም ሰማእታት ከተሓሕዝዎ ከምኡውን እቲ ነቶም ናይ ቀደም ጀጋኑ ዝህብዎ ዝነበሩ ክብሪ ምሃቦም ክጅምሩ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። . . . ይኹን እምበር: እቲ ንቕዱሳት ዝወሃብ ዝነበረ ከምዚ ዝበለ ክብሪ ዝበዝሐ ግዜ ጭው ዝበለ ኣምልኾ ጣኦት ክኸውን ጀመረ።”
ካልእ ጽሑፍ ድማ ን“ቕዱሳት” ኣምልኾ ዘለዎ ክብሪ ምርኣይ ብኸመይ ናብ ህዝበ-ክርስትያን ከም እተኣታተወ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ነቶም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ቅዱሳት ክብሪ ኣብ ምሃብ ዝግበር ኣገባብ ናይ ኣረምነት ሃይማኖት ዘነበሮ ብርቱዕ ጽልዋ ዝሕብር ብሩህ ኣሰራት ንረክብ ኢና። ሰባት ናብ ክርስትና ቅድሚ ምልዋጦም ነቶም ናይ ኦለምፒያ ኣማልኽቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ባህርያት ሕጂ ነቶም ቅዱሳት ተዋህበ። . . . ካብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይዚ ሓድሽ ሃይማኖት ኣትሒዞም ደገፍቱ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ግሪኻውያን ነቲ ወሃብ ብርሃን ዝበሃል ፎቡስ ኣፖሎ ዘኽብሩሉ ዝነበሩ ነፍሲ ወከፍ ቦታታት: ዝበዝሕ ኣብ ልዕሊ ኵርባታትን ኣኽራንን: ኣብቲ ዑናታት ኣብያተ-መቓድስ ወይ ቅዱስ ቦታታት ናይዚ ኣምላኽ እዚ ዝነበሮ ወይ ኣብ ጥቓኡ ኣብያተ-ክርስትያናት ብምህናጽ ነዚ ናይ ጸሓይ ኣምላኽ (ፎቡስ ኣፖሎ) ብነብዪ ኤልያስ ከም ዝተክእዎ ንርኢ። . . . ነታ ኣቴና እተባህለት ድንግል ኣንስተይቲ ኣምላኽ ምስ ድንግል ማርያም እውን ከይተረፈ ሓደ ገይሮምዋ ኢዮም። በዚ ኸኣ: እቲ ናብ ክርስትና እተለወጠ ጣኦት ዘምልኽ ሰብ እቲ ናይ ኣቴና ጣኦት እኳ እንተ ፈረሰ ገለ ነገር ከም ዝጐደሎ ኰይኑ ኣይስምዖን ኢዩ።”—ኔዮተሮን ኢንጊክሎፓዲኮን ጥራዝ 1 ገጽ 270-1
ንኣብነት: ነቲ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ኵነታት መርምሮ። ካብቶም ተቐማጦ እታ ኸተማ መብዛሕትኦም ገና ኣረማውያን ኢዮም ነይሮም። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ዝነበረ ጽንብላቶም: እቲ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣቴንስ 23 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣይሎሰስ ዓመት-ዓመት ኣብ ለካቲት ዝበዓል ዝነበረ: ክልተ ፍጻመታት ከኣ ዘጣመረb ምስጢራት ኣይሎሲኒያ ዝበሃል ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣረማውያን ሰብ ኣቴንስ ኣብዚ ምስጢራዊ ጽንብላት ንምክፋል: ነቲ ቅዱስ መገዲ (ሃይ ·ኢ·ራʹ ሆ·ዶስʹ ) ክስዕቡ ነበሮም። እቶም መራሕቲ ናይታ ከተማ ንኣምልኾ ዝኸውን ካልእ መተካእታ ቦታ ንምድላው ኣዝዮም በላሕቲ ምንባሮም ኣርእዮም ኢዮም። ነቶም ኣረማውያን ንምስሓብን ኣብቲ ምስጢራዊ ጽንብላት ከም ዘይካፈሉ ንምግባሮምን: ልክዕ ኣብታ መገዲ እቲኣ ካብ ኣቴንስ 10 ኪሎ ሜተር ርሒቑ: ናይ ዳፍነ ገዳም ተሃንጸ። ናይቲ ገዳም ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዕሊ መሰረት ናይቲ ዳፍናዮስ: ወይ ፒትዮስ ኣፖሎ ንዝበሃል ናይ ግሪኽ ኣምላኽ እተወፈየ ጥንታዊ ቤት መቕደስ ኢዩ ተሃኒጹ።
ነቲ ኣብ መንጎ ኣረማውያን ኣማልኽትን ን“ቕዱሳት” ኣምልኾ ዘለዎ ክብሪ ምርኣይን ዘሎ ውህደት ዘረጋግጽ ነገር ኣብ ደሴት ኪዘራ: ግሪኽ እውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ናይታ ደሴት በረኽቲ ቦታታት ክልተ ንኣሽቱ ናይ ባይዛንቲን ኣብያተ ጸሎት ኣሎ—ሓደ ካብቲ ኣብያተ ጸሎት ን‘ቕዱስ’ ጊዮርጊስ: እቲ ኻልኣይ ድማ ንድንግል ማርያም እተወፈየ ኢዩ። እቲ ዑናታት ምስ ተፋሕረ: እቲ ከባቢ ዳርጋ 3,500 ዓመታት ይገብር ከም ቦታ ኣምልኾ ኰይኑ ዘገልገለ ናይ ሚኖኣን ቅዱስ ቦታ ምንባሩ ተገልጸ። ኣብ ሻድሻይ ወይ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: ልክዕ ኣብዚ ቅዱስ ዝበሃል በሪኽ ቦታ: ናይ “ቅዱስ” ጊዮርጊስ ቤት ጸሎት ሃነጹ። እዚ ምቅይያር እዚ ዝለዓለ ጽላሎት ነበሮ፣ እዚ ድማ ነቲ “ክርስትያናት” ናይ ኣጀያን ባሕሪ መስመራት ዝእዝዝ ናይ ሚኖኣን ሃይማኖት ማእከል ኣማዕበሎ። እተን ክልተ ኣብያተ-ክርስትያናት ናይ ድንግል ማርያምን ‘ቅዱስ’ ጊዮርጊስን ስምረት ንምርካብ እተሃንጻ ኢየን: “ቅዱስ” ጊዮርጊስ ኣብታ እቲ “ሓላው ባሕረኛታት” ዝበሃል “ቅዱስ” ኒቆላስ ዝበዓለላ ዝነበረ ዕለት ክበዓል ጀመረ። ሓንቲ ጋዜጣ ነቲ እተረኽበ ነገር ኣመልኪታ ጸብጻብ ክትህብ ከላ ከምዚ በለት:- “ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ናይ ሚኖኣን ቀሺ ዝገብሮ ዝነበረ: ሎሚ እቲ ቐሺ [ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ]” ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም “ናብቲ ከረን ይድይብ ኢዩ”!
ናይ ክሕደት ክርስትና በቲ ኣረማዊ ናይ ግሪኽ ሃይማኖት ክሳዕ ክንደይ ከም እተጸልወ ኣጠቓልል ኣቢላ ክትዛረበሉ ከላ: ሓንቲ ናይ ታሪኽ ተመራማሪት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ኣረማዊ መሰረት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ፍሉጥ እምነታት ከይተለወጠ ዝቕጽል ኢዩ: በዚ ኸኣ ነቲ ልምዲ ዘለዎ ናይ ምቕጻል ባህሪ የረጋግጽ።”
‘ነቲ እንፈልጦ ምምላኽ’
የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ከምዚ በላ:- “ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ [“እነምልኽ:” NW ] ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ [“ኣምለኽቲ:” NW ] እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን [ክ]ሰግድሉ [“ከምልኽዎ:” NW ]” ኢዮም። (ዮሃንስ 4:22, 23) ብሓቂ ምምላኽ ኣድላዪ ነገር ምዃኑ ኣስተብህል! ስለዚ እምበኣር: ብዛዕባ ሓቂ ርጡብ ፍልጠት: ንሓቂ ድማ ዓሚቝ ፍቕሪ ዘይብልካ ንኣምላኽ በቲ ቕቡል ዝዀነ መገዲ ከተምልኾ ኣይከኣልን ኢዩ። እታ ናይ ሓቂ ክርስትና ሃይማኖት ኣብቲ ካብ ኣረምነት ዝመጸ ልምድታትን ተግባራትን ዘይኰነስ ኣብ ሓቂ ክትምስረት ኣለዋ። ሰባት በቲ ግጉይ መገዲ ከምልኽዎ ክፍትኑ ከለዉ የሆዋ ከመይ ከም ዝስምዖ ንፈልጥ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ . . . ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧” (2 ቈረንቶስ 6:15, 16) ንመቕደስ ኣምላኽ ምስ ጣኦታት ንምስምማዕ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ፈተነ ኣብ ቅድሚኡ ንጹግ ኢዩ።
ብተወሳኺ: ኣዝዩ ንጹር ብዝዀነ መገዲ: ምስ ኣምላኽ ንኸማልዱ ኢልካ ናብ “ቅዱሳት” ምጽላይ ዝብል ሓሳብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣየፍቅድን ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ናይ ኣብነት ጸሎቱ: ጸሎት ናብ ኣቦኡ ጥራይ ክቐርብ ከም ዘለዎ ምሂሩ ኢዩ: ምኽንያቱ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዝስዕብ መምርሒ ሂብዎም ኢዩ:- “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ።” (ማቴዎስ 6:9) የሱስ ብተወሳኺ ከምዚ በለ:- “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም: ክገብረልኩም እየ።” ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ “ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን: እቲ ሰብ: ክርስቶስ የሱስ: ሓደ በይኑ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 14:6, 14፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5
ኣምላኽ ብሓቂ ንጸሎትና ክሰምዖ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: በቲ ቓሉ ዝህቦ መገዲ ገይርና ክንቀርቦ ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ ነቲ ናብ የሆዋ ንምቕራብ ብቑዕ ዝዀነ እንኮ መገዲ ብምጕላሕ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክርስቶስ የሱስ: እቲ ዝሞተ: ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ: ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።” “ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ: ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል ኢዩ።”—ሮሜ 8:34፣ እብራውያን 7:25
‘ብመንፈስን ብሓቅን ምምላኽ’
ናይ ክሕደት ክርስትና ንኣረማውያን ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾኦም ሓዲጎም ነቲ ናይ ሓቂ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ንኽስዕቡ ዝገብር መንፈሳዊ ሓይሊ ይኹን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ ኣይነበሮን። ብሰንኪ እቲ ዝቕየሩ ሰባት: ሓይሊ: ከምኡውን ተፈላጥነት ክረክብ ዝገበሮ ጻዕሪ ንኣረማዊ ተግባራት ከም ዘለዎ ተቐቢልዎ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ክርስቶስን ተቐባልነት ዘለዎም ጽኑዓት ክርስትያናት ዘይኰነስ: ነታ መንግስቲ ዘይበቕዑ ናይ ሓሶት ኣመንቲ: “ክርዳድ” ኣፍረየ።—ማቴዎስ 13:24-30
ይኹን እምበር: ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምምላስ ዕቱብ ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ። ባህላዊ: ማሕበራዊ: ወይ ሃይማኖታዊ መበቈሎም ብዘየገድስ: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣነባብርኦም ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ከሰማምዕዎ ኢዮም ዝፍትኑ። ንኣምላኽ ከመይ ገይርካ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከም እተምልኾ ዝያዳ ክትማሃር እንተድኣ ደሊኻ: ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ በጃኻ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። ኣብ ናይ ምስትውዓል ክእለትካን ኣብቲ ርጡብ ፍልጠት ቃሉን እተመስረተ ቅቡል ዝዀነ ቅዱስ ኣገልግሎት ንኣምላኽ ከተቕርበሉ ንኽሕግዙኻ ኣዝዮም ሕጕሳት ኢዮም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምበኣርሲ ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን [“በቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህብን:” NW ] መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ: . . . እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ንሰብ ቈሎሴ ድማ ከምዚ በሎም:- “ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና: በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንጽሊ አሎና።”—ሮሜ 12:1, 2፣ ቈሎሴ 1:9, 10
[እግረ-ጽሑፋት]
a ገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ነታ ሃ ʹጊ·ዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ብእንግሊዝኛ “ሆሊ ዋንስ ” ኢሉ ክትርጕማ ከሎ ካልእ ድማ “ሰይንትስ ” ኢሉ ይትርጕማ።
b እቲ ዝዓበየ ኣይሎሲኒያ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መስከረም ኣብ ኣቴንስን ኣይሎሲስን ኢዩ ዝበዓል።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ዘይመስል ኣጠቓቕማ ፓርዘኖን
“ክርስትያን” ሃጸይ ቴዎዶሲዩስ ካልኣይ ንኸተማ ኣቴንስ ዝምልከት ኣዋጅ ብምትሕልላፍ (438 ከ.ኣ.ዘ.): ነቲ ኣረማዊ ጽንብላትን ምስጢራትን ኣርሓቖ: ነቲ ናይ ኣረማውያን ኣብያተ-መቓድስ ዓጸዎ። ድሕርዚ ናብ ናይ ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ክቕየር ተኻእለ። ንሓደ ቤት መቕደስ ብዓወት ንምቕያሩ ዘድሊ ነገር: ኣብ ልዕሊኡ መስቀል ብምግባር ጥራይ ንጹህ ከም ዝኸውን ምግባሩ ኢዩ ነይሩ!
ሓደ ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ እተቐየረ: ቤት መቕደስ ፓርዘኖን ኢዩ ነይሩ። ንፓርዘኖን ከም ናይ “ክርስትያን” ቤት መቕደስ ኰይኑ ምእንቲ ክዓዪ ዝሰማማዕ ንምግባሩ ሰፊሕ ምትዕርራይ ተገይርሉ ኢዩ። ካብ 869 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ከም ናይ ኣቴንስ ካቴድራል ኰይኑ ኣገልገለ። ኣብ ፈለማ ናይ “ቅዱስ ጥበብ” ቤተ-ክርስትያን ዝብል ክብሪ ተዋህቦ። እዚ ናይታ ኣብ መጀመርታ “ወናኒት” ናይቲ ቤት መቕደስ ዝነበረት: ኣቴና: ኣንስተይቲ ኣምላኽ ጥበብ ምንባራ ንምዝካር ተባሂሉ ብዕላማ ዝወጸ ስም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጸኒሑ “ንማርያም ኣቴንስ” ተወፈየ። ኦርቶዶክስ ንሾሞንተ ክፍለ-ዘበናት ምስ ተጠቕመትሉ ድማ: ናብ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ኣቴንስ ተቐየረ። ንፓርዘኖን ዝምልከት ከምዚ ዝበለ ሃይማኖታዊ “ተደጋጋሚ ምቅይያር” ኦቶማን ቱርኪ ኣብ መበል 15 ክፍለ-ዘበን ናብ መስጊድ ክሳዕ ዝቕይርዎ ቀጺሉ ኢዩ።
ሎሚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቱሪስት ንፓርዘኖን: እቲ ጥንታዊ ናይ ኣቴና ፓርዘኖን (“ድንግል”) ናይ ግሪኽ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ጥበብ: ቤት መቕደስ ዶሪክ: ከም ብሉጽ ስራሓት ስነ-ህንጻ ግሪኽ ጥራይ ብምሕሳብ ይበጽሕዎ ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ገዳም ዳፍነ:- ነቶም ናይ ኣቴንስ ኣረማውያን ንኣምልኾ ዝኸውን መተካእታ ቦታ