ምስትውዓል የዕቍብካ
“ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳሌ 2:11
1. ምስትውዓል ካብ እንታይ ኢዩ ክሕልወና ዝኽእል፧
የሆዋ ምስትውዓል ከተርኢ ይደልየካ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካብ እተፈላለየ ሓደጋታት ከም ዘዕቍበካ ይፈልጥ ኢዩ። ምሳሌ 2:10-19 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትጅምር:- “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ . . . ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።” ካብ እንታይ ኢዩ ዘዕቍበካ፧ “ካብ ክፉእ መገዲ:” ካብቶም ንቕኑዕ መገድታት ዝሓድጉ: ከምኡውን ካብቶም ቄናን መገድታት ዝስዕቡ ሰባት ኢዩ ዘዕቍበካ።
2. ምስትውዓል እንታይ ኢዩ: ክርስትያናት ብፍላይ ዝብህግዎ ምስትውዓልከ እንታይ ዓይነት ኢዩ፧
2 ምስትውዓል ሓደ ነገር ካብቲ ካልእ ነገር ዝፈሊ ናይ ኣእምሮ ክእለት ከም ዝዀነ ትዝክሮ ኢኻ። ሓደ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ናይ ሓሳባት ወይ ናይ ነገራት ፍልልይ ይርዳእ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክአለት ድማ ኣለዎ። ብፍላይ ንሕና: ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ እተመስረተ መንፈሳዊ ምስትውዓል ክህልወና ንብህግ ኢና። ቅዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዕ ከሎና: ኣብቲ ንመንፈሳዊ ምስትውዓል ዝኸውን ናይ ህንጻ ኣእማን ዝፈሓረሉ ቦታ ንዅዕት ከም ዘሎና ኢዩ። እቲ እንማሃሮ ነገራት ንየሆዋ ባህ ዘብል ውሳነታት ንምግባር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
3. መንፈሳዊ ምስትውዓል ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣምላኽ ንሰሎሞን ንጉስ እስራኤል እንታይ በረኸት ከም ዝደሊ ምስ ሓተቶ: እዚ መንእሰይ መራሒ “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ: ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ” በለ። ሰሎሞን ምስትውዓል ክወሃቦ ለመነ: የሆዋ ድማ ኣብዚሑ ሃቦ። (1 ነገስት 3:9፣ 4:30) ምስትውዓል ምእንቲ ከነጥሪ ክንጽሊ የድልና: ብሓገዝ ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘዳልዎ ብርሃን ዘመሓላልፍ ጽሑፋት ገይርና ድማ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ኣሎና። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) እዚ “በእምሮ ሰብኡት” ኴንና ‘ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ [ወይ ምስትውዓል]’ ክሳዕ እንኽእል መንፈሳዊ ምስትውዓል ከነማዕብል ክሕግዘና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 14:20፣ እብራውያን 5:14
ናይ ምስትውዓል ፍሉይ ኣድላይነት
4. “ኣጥዕያ እትርኢ” ዓይኒ ምህላው እንታይ ማለት ኢዩ: ብኸመይከ ኢያ ክትጠቕመና እትኽእል፧
4 ግቡእ ምስትውዓል ብምርኣይ: ምስቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ቃላት ተሰማሚዕና ክንዓዪ ንኽእል ኢና:- “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ስጋዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴዎስ 6:33) የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ [“ኣጥዕያ እትርኢ:” NW ] እንተ ዀነት: ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን” እውን ኢሉ ኢዩ። (ሉቃስ 11:34) ዓይኒ ምሳልያዊት መብራህቲ ኢያ። “ኣጥዕያ እትርኢ” ዓይኒ ቅንዕቲ: ኣብ ሓደ ነገር ዘተኰረት ኢያ። ከምዚኣ ዝበለት ዓይኒ ብምሓዝ: ምስትውዓል ከነርኢ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ከየጋጠመና ድማ ክንመላለስ ንኽእል ኢና።
5. ንንግዳዊ ውዕላት ዝምልከት: ብዛዕባ ዕላማ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
5 ገለ ሰባት ዓይኖም ኣጥዕያ ከም እትርኢ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝሕዝዋ: ፈታኒ ዝዀነ ናይ ንግዲ ውዕላት ብምግባር ናብርኦምን ናብራ ካልኦት ሰባትን እተሓላለኸ ገይሮምዎ ኢዮም። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ከም ዝዀነት ክንዝክር ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) እታ ጉባኤ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንግዳዊ ዋኒን ዘይኰነስ ልክዕ ከም ናይ ሓደ ህንጻ ዓንድታት ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኢያ እትድግፍ። ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንግዳዊ ረብሓታት: ንግዳዊ ኣቑሑት: ወይ ንግዳዊ ኣገልግሎታት ከዕብያ ኣይኰናን ቈይመን ዘለዋ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ብሕታዊ ናይ ንግዲ ጕዳያት ካብ ምክያድ ክንርሕቕ ኣሎና። ምስትውዓል: እቲ ኣደራሻት መንግስቲ: ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓበይቲ ኣኼባታት ክርስትያናዊ ሕብረትን መንፈሳዊ ምይይጥን ዝግበረሉ ቦታታት ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ነቲ መንፈሳዊ ርክባት ዝዀነ ዓይነት ንግዳዊ ጕዳያት ንምክያድ ንጥቀመሉ እንተድኣ ኴንና: ብውሕዱ ንመንፈሳዊ ረብሓታት ሞሳ ከም ዝጐድለና ዘርኢዶ ኸይኰነ፧ እቲ ምስ ጉባኤ እተተሓሓዘ ነገራት ብዝዀነ ይኹን መገዲ: ናይ ገንዘብ መኽሰብ ንምርካብ ኢልካ ክውዕል የብሉን።
6. ናይ ንግዲ ምህርትታትን ኣገልግሎታትን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክትሸጦ ወይ ከተፋልጦ ዘይግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ገሊኦም ነቲ ቲኦክራሲያዊ ርክባት ንጥዕና ወይ ንመልክዕ ዝሕግዝ ነገራት: ናይ ቪታሚን ውጽኢታት: ናይ መራኸቢ ኣገልግሎት መሳርሒታት: ናይ ህንጻ መሳርሒታት: ናይ ጕዕዞ መደባት ንምፍላጥ: ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማትን መሳርሒታትን: ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምሻጥ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንግዳዊ ምህርትታት ወይ ኣገልግሎታት ዝሽየጠሉ ወይ እተፋልጠሉ ቦታ ኣይኰነን። የሱስ ‘ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ከም ዘውጽኦም: ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ከም ዘበሎ: ንሰደቓኦም ከኣ ከም ዝደንከሎ: ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፤ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ: ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ: ከም ዝበሎም’ እንተድኣ ዘኪርና: ነቲ ጐሊሑ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 2:15, 16
ብዛዕባ ወፍርታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
7. ብዛዕባ ገንዘብ ምውፋር ዝመጸ ምስትውዓልን ጥንቃቐን ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ብግቡእ ኣብ ዘይተጸንዐ ንግዲ ገንዘብ ከነውፍር ከሎና ምስትውዓልን ጥንቃቐን ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ሰብ ገንዘብ ክልቃሕ ደልዩ “መኽሰብ ከም እትረክብ ርግጸኛ ኢየ።” “ክትከስር ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ርግጽ ዝዀነ ነገር ኢዩ” ዝብል መብጽዓ ሃበ ንበል። ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምዚ ዝበለ ውሕስነት ምስ ዝህብ ተጠንቀቕ። እዚ ሰብ እዚ ልክዕ ገይሩ ኣይሓስብን ኢዩ ወይ ድማ እሙን ኣይኰነን: ምኽንያቱ ገንዘብ ምውፋር ሳሕቲ ኢዩ ርግጽ ክኸውን ዝኽእል። ሓቂ ኢዩ: ዓይኒ ሕፍረት ዘይብሎም ለመጭ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ንኣባላት ጉባኤ ኣታሊሎምዎም ኢዮም። እዚ ብዛዕባ እቶም ‘ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዝለወጥዎ’ ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጉባኤ ሰሊኾም ኣትዮም ዝነበሩ “ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም” ሰባት ኢዩ ዘዘክረና። እዞም ሰባት እዚኣቶም ልክዕ ከምቲ ንሓንበስቲ ጨንዲሑ ክቐትሎም ዝኽእል ኣብ ትሕቲ ማይ ዝርከብ በላሕቲ ኣኻውሕ ኢዮም ነይሮም። (ይሁዳ 4, 12) ሓቂ ኢዩ: ናይቶም መታለልቲ ድራኸታት ካብቲ ናይቶም ከሓድቲ ሰባት እተፈልየ ኢዩ: ይኹን እምበር ንሳቶም እውን ንኣባላት እታ ጉባኤ ኢዮም ግዳይ ዝገብርዎም።
8. ምስ ገሊኡ መኽሰብ ዝርከቦ ዝመስል ዘይተጸንዐ ንግድታት እተተሓሓዘ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧
8 ጥዑያት ኣሕዋት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ መኽሰብ ዝርከቦ ዝመስል ዘይተጸንዐ ንግድታት ምስ ካልኦት ኣሕዋት ሓበሬታ ተለዋዊጦም ኢዮም: ንሳቶምን እቶም ምስኣቶም ኰይኖም ገንዘቦም ዘዋፈሩ ኣሕዋትን ከኣ እቲ ዘዋፈርዎ ገንዘቦም ከሲሮም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ክርስትያናት ኣብታ ጉባኤ ዝነበሮም መሰላት ኣጥፊኦም ኢዮም። ቀልጢፍካ ንምህብታም እተገብረ ንግዲ ናይ ምትላል ውጥን ኰይኑ ምስ ዝርከብ: መኽሰብ ዝረክብ እቲ ቐልጢፉ ዝስወር መታለሊ ጥራይ ኢዩ። ምስትውዓል ንሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንኸየጋጥሞ ብኸመይ ክሕግዞ ምኸኣለ፧
9. ነቲ ንወፍርታት ዝምልከት ዘረባታት ንምግምጋሙ ምስትውዓል ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ምስትውዓል ነቲ ሕቡእ ዝመስል ነገር ክትርድኦ ምኽኣል ዝብል ትርጕም ዝሓዘ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ ወፍርታት ዝቐርብ ዘረባታት ንምግምጋሙ እዚ ክእለት እዚ የድሊ ኢዩ። ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይተኣማመኑ ኢዮም: ገሊኦም ድማ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን: ናይ ኣመንቲ ብጾቶም ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘይተጸንዐ ንግዲ ኣየካይዱን ኢዮም ብምባል ድማ ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር ሓደ ነጋዳይ ክርስትያን ምዃኑ: ኣብ ንግዳዊ ነገራት ሓለፋ ንኽህልዎ ወይ ንግዱ ንኽዕወት ውሕስነት ኣይህብን ኢዩ።
10. ገለ ክርስትያናት ካብ ኣመንቲ ብጾት ንንግዲ ዝኸውን ለቓሕ ዝደልዩ ስለምንታይ ኢዮም: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወፍርታትከ እንታይ ከጋጥሞ ይኽእል፧
10 ገለ ክርስትያናት እተን ፍሉጣት ናይ ለቓሕ ትካላት ነቲ ዘይተረጋገጸ ናይ ንግዲ ዋኒናቶም ዝኸውን ገንዘብ ፈጺመን ስለ ዘየለቅሕኦም ካብ ኣሕዋትን ኣሓትን ንንግዲ ዝኸውን ልቓሕ ይሓቱ። ብዙሓት ሰባት ገንዘቦም ጥራይ ብምውፋር: ብዙሕ ከይደኸሙ ወይ ምናልባት ዝዀነ ይኹን ስራሕ ፈጺሞም ከይሰርሑ ብቐሊሉ ዝመጽእ ሃብቲ ቀልጢፎም ክረኽቡ ምዃኖም ብምእማን ተዓሽዮም ኢዮም። ገሊኦም ብምኽንያት እቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ሓጐስ ብገለ ዓይነት ወፍሪ ተማሪኾም ኢዮም: ኣብ መወዳእታ ግን ዕድሜኦም ምሉእ ዘዋህለልዎ ገንዘብ ከሲሮም ኢዮም! ሓደ ሓው ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ 25 ካብ ሚእቲ መኽሰብ ክረክብ ትጽቢት ብምግባር: ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ኣውፈረ። እታ ኩባንያ ከም ዝጠፈሸት ምስ ተገልጸ ግን ኵሉ ገንዘቡ ከሰረ። ኣብ ካልእ ናይ ንግዲ ፈተነ ድማ: ሓደ ኣባይትን መሬትን ዓዲጉ እናኣተዓራረየ ዝሸይጥ ሰብ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኣሕዋት ብዙሕ ገንዘብ ተለቅሐ። ኣዝዩ ብዙሕ መኽሰብ ክረክብ ምዃኑ ተመባጽዐ: ኣብ ክንድኡ ግን: እቲ እተለቅሖ ገንዘብ ብምኽሳሩ ጠፈሸ።
ዘይተጸንዐ ናይ ንግዲ ፈተነታት ምስ ዝፈሽል
11. ጳውሎስ ንስስዐን ፍቕሪ ገንዘብን ዝምልከት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ፧
11 ዘይተጸንዐ ናይ ንግዲ ፈተነታት ብምፍሻሉ ጓሂ: ብወገን እቶም ተሃዊኾም ናብ ዘይተረጋገጸ መደባት ዝኣተዉ ሰባት ድማ መንፈሳውነቶም ክሳዕ ምጥፋእ ኣስዒቡ ኢዩ። ምስትውዓል ዕቝባኻ ገይርካ ካብ ምርኣይ ምስናፍ ጓህን ምቅይያምን ኣምጺኡ ኢዩ። ስስዐ ንብዙሓት ሰባት ኣብ መፈንጠራ ኣእትይዎም ኢዩ። ጳውሎስ “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም . . . ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም” ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:3) ከምዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ድማ ሃበ:- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10
12. ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ንግዲ ከካይዱ እንተድኣ ዀይኖም: ብፍላይ ክዝክርዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ኢዩ፧
12 ሓደ ክርስትያን ፍቕሪ ገንዘብ እንተድኣ ኣዕብዩ: ኣብ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ መንፈሳዊ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ፈሪሳውያን ፍቕሪ ገንዘብ ነይርዎም ኢዩ: እዚ ድማ ሓደ ካብቲ መለለዪ ጠባይ ናይቶም ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኢዩ። (ሉቃስ 16:14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ምስዚ ብምንጽጻር: ናይ ሓደ ክርስትያን ኣነባብራ “ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ” ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። (እብራውያን 13:5) ርግጽ ኢዩ: ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ንግዲ ልውውጥ ክገብሩ ወይ ሓቢሮም ንግዲ ክጅምሩ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ንግዲ ክገብሩ እንተድኣ ዀይኖም: እቲ ዘካይድዎ ዘተን ስምምዕን ካብቲ ናይ ጉባኤ ጕዳያት ፈሊኻ ክግበር ኣለዎ። ኣብ መንጎ መንፈሳውያን ኣሕዋት እውን ከይተረፈ: ናይ ንግዲ ስምምዓት ኵሉ ግዜ ብጽሑፍ ክግበር ከም ዘለዎ ድማ ዘክር። ኣብታ “ብጽሑፍ ግበርዎ!” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ 8 ለካቲት 1983 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 13-15 ወጺኣ ዝነበረት ዓንቀጽ: ነዚ ዝምልከት ኣዝዩ ሓጋዚ ዝዀነ ነጥቢ ኣለዋ።
13. ምሳሌ 22:7 ኣብ ናይ ንግዲ ፈተነታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ መውዓልካያ፧
13 ምሳሌ 22:7 ከምዚ ትብለና:- “ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።” ንገዛእ ርእስና ወይ ንሓውና ባርያ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ዘይጥበባዊ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንግዲ ክፍትን ኢሉ ገንዘብ ከነለቅሖ ምስ ዝሓተና: ነቲ ገንዘብ ንኽመልሶ ዘለዎ ዓቕሚ ምግምጋም ልቦና ኢዩ። እሙንን ርጡብን ሰብ ብምዃን እተፈልጠ ድዩ፧ ርግጽ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ልቓሕ ክንህብ ከሎና ብዙሕ ናይ ንግዲ ፈተነታት ስለ ዝፈሽል እቲ ገንዘብ ክጠፍእ ከም ዝኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ውዕል ምግባር እውን እንተዀነ: ሓደ ናይ ንግዲ ፈተነ ንኽዕወት ውሕስነት ኣይህብን ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክሳራ ከምጽኣሉ ኣብ ዝኽእል ዋኒን ብዙሕ ገንዘብ ከውፍር ልቦና ከም ዘይኰነ ድማ እተረጋገጸ ኢዩ።
14. ንሓደ ንግዱ ዝፈሸለ ክርስትያን ብጻይ ገንዘብ ኣለቂሕናዮ እንተድኣ ነይርና ምስትውዓል ከነርኢ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ንንግዳዊ ዕላማታት ኢልና ንሓደ ክርስትያን ገንዘብ ኣለቂሕናዮ እቲ ገንዘብ ምስ ዝጠፍእ: ናይ እምነት ምጕዳል ተግባራት እንተድኣ ዘይተሓዊስዎ ምስትውዓል ከነርኢ የድልየና ኢዩ። እቲ ንግዲ ዘይምዕዋቱ ጕድለት ናይቲ ካባና ገንዘብ እተለቅሐ ኣማኒ ብጻይና እንተድኣ ዘይነይሩ: ተጋጊና ኢና ነይርና ክንብል ንኽእልዶ፧ ኣይንኽእልን ኢና: ምኽንያቱ ፈቲና ኢና ኣለቂሕናዮ: ምናልባት ወለድ ምተቐበልና ነይርና: ዝዀነ ናይ እምነት ምጕዳል ነገር ድማ ኣይተፈጸመን። ናይ እምነት ምጕዳል ነገር ስለ ዘይተራእየ: ኣንጻር እቲ ተለቃሒ ሕጋዊ ስጕምቲ ክንወስድ መሰረት የብልናን። ጥዑይ ውጥን ዝነበሮ ናይ ንግዲ ፈተነ ብምፍሻሉ ጠፊሸ ንዝብል ቅኑዕ ኣማኒ ብጻይና ምኽሳስከ እንታይ ጥቕሚ ንረኽበሉ፧—1 ቈረንቶስ 6:1
15. ጠፊሸ ኢየ ዝብል ዘረባ ምስ ዝቐርብ እንታይ ረቛሒታት ኢዩ ክሕሰበሉ ዘድሊ፧
15 ሓድሓደ ግዜ ናይ ንግዲ ክሳራ ዘጋጠሞም ሰባት ጠፊሽና ብምባል ዕረፍቲ ክረኽቡ ይደልዩ ኢዮም። ክርስትያናት ብዕዳ ዝመጸ ሸለልተኛታት ክዀኑ ስለ ዘይብሎም: ካብ ገሊኡ ዕዳታት ብሕጋዊ መገዲ ናጻ ድሕሪ ምዃኖም እውን ከይተረፈ: ገሊኣቶም እቶም ቅድም ዘለቅሕዎም ሰባት ዝቕበልዎም እንተድኣ ኰይኖም: ብሕልንኦም ነቲ እተሓድገሎም ዕዳታት ክኸፍልዎ ክፍትኑ ግዴታ ከም ዘለዎም ተሰሚዕዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ተለቃሒ ናይ ሓዉ ገንዘብ ኣጥፊኡ ከብቅዕ ብመጠኑ ምቾት ዘለዎ ናብራ ዘሕልፍ ምስ ዝኸውንከ፧ ወይ ድማ እቲ ተለቃሒ ነቲ እተለቅሖ ገንዘብ ከኽፍሎ ዝኽእል ገንዘብ ረኺቡ ከብቅዕ ነቲ ብናይ ገንዘብ ነገር ንሓዉ ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ሸለል እንተ በለኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: እቲ ተለቃሒ ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሒዙ ከገልግል ዘለዎ ብቕዓት ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:3, 8፣ ናይ 15 መስከረም 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-1 ርአ።
ምትላል እንተድኣ ኣጋጢሙኸ፧
16. ኣብ ንግዲ ከም እተታለልና ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና እንታይ ስጕምታት ኢና ክንወስድ እንኽእል፧
16 ምስትውዓል ካብ ኵሉ ወፍርታት መኽሰብ ከም ዘይርከብ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ። ናይ ምትላል ነገር ምስ ዝህልዎኸ እንታይ ይገበር፧ ምትላል “ናይ ሓደ ሰብ ዘርብሕ ጥሪት ንምውሳድ ወይ ሕጋዊ መሰሉ ከም ዝገድፍ ንምግባሩ ደይ መደይ ኢልካ መደናገሪ: መጠፋፍኢ ነገር ምጥቃም: ወይ ንሓቂ ምጥዋይ” ማለት ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ሓደ ሰብ ብሓደ ክርስትያን ብጻዩ እተታለለ ኰይኑ ምስ ዝስምዖ: ክውሰድ ዝከኣል ስጕምታት ሰሪዑ ኢዩ። ብመሰረት ማቴዎስ 18:15-17 የሱስ ከምዚ በለ:- “ሓውካ እንተ በደለካ: ኪድ: ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ: ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና: ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ: ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ: ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና: ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ።” እቲ የሱስ ቀጺሉ ዝሃቦ ምሳሌ ንምትላል ሓዊስካ: ንኸም ናይ ገንዘብ ነገር ዝኣመሰለ በደላት ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር።—ማቴዎስ 18:23-25
17, 18. ሓደ ክርስትያን ኢየ ዝብል ሰብ ምስ ዘታልለና: ምስትውዓል ከዕቍበና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
17 ኣብ ናይ ንግዲ ጕዳያት: ምትላል ከም እተገብረ ዘርኢ መርትዖ ወይ ሓባሪ ነገር እንተድኣ ዘየለ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ተሰሪዑ ዘሎ ስጕምትታት ንምውሳድ ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የለን። እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ኢየ ዝብል ሰብ ብሓቂ ምስ ዘታልለናኸ፧ ምስትውዓል ነታ ጉባኤ ዘጽርፍ ገለ ስጕምቲ ከይንወስድ ከዕቍበና ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ክርስትያናት ንሓደ ሓው ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝወስዱዎ ተዓሽዮም ወይ ተታሊሎም ስቕ ክብሉ ኢዩ መኺርዎም።—1 ቈረንቶስ 6:7
18 ናይ ሓቂ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምቲ ባርየሱስ እተባህለ ጠንቋሊ ‘ኵሉ ተንኰልን [“ምትላልን:” NW ] ኽፍኣትን ዝመልኦም’ ኣይኰኑን። (ግብሪ ሃዋርያት 13:6-12) ስለዚ ምስ ኣመንቲ ብጾት ኣብ እተተሓሓዘ ናይ ንግዲ ፈተነታት ገንዘብ ምስ ዝጠፍእ ምስትውዓል ነርኢ። ሕጋዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንሓስብ እንተድኣ ኣሊና: ነቲ ኣብ ልዕሌና: ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ወይ ሰባት: ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ክንሓሰበሉ ኣሎና። ካሕሳ ክንረክብ ኢልና ላዕልን ታሕትን ምባል ብዙሕ ግዜ: ጕልበት: ከምኡውን ካልእ ገንዘብ ከጥፍኣልና ይኽእል ኢዩ። መሀብተም ጠበቓታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ጥራይ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ገለ ክርስትያናት ኣብዚ ነገራት እዚ ኣዝዮም ብምጥሓሎም ቲኦክራሲያዊ መሰላት ሰዊኦም ኢዮም። ነዚ ነገራት እዚ ክንብል ካብ መገዲ ምውጻእና ንሰይጣን ከም ዘሐጕሶ ፍሉጥ ኢዩ: ንሕና ግን ልቢ የሆዋ ከነሕጕስ ኢና እንደሊ። (ምሳሌ 27:11) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ክሳራና ተቐቢልና ስቕ ምባል ጓሂ ከነርሕቕ ይሕግዘና: ናትናን ናይ ሽማግለታትን ብዙሕ ግዜ ድማ ይቝጥብ። ናይታ ጉባኤ ሰላም ንምዕቃብ ይሕግዝ ነታ መንግስቲ ከነቐድም ድማ የኽእለና።
ምስትውዓልን ውሳነ ምግባርን
19. ዘጨንቕ ውሳነታት ክንገብር ከሎና መንፈሳዊ ምስትውዓልን ጸሎትን እንታይ ክገብረልና ይኽእል፧
19 ንገንዘብ ወይ ንንግዳዊ ጕዳያት ዝምልከት ውሳነታት ምግባር ብዙሕ ዘጨንቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መንፈሳዊ ምስትውዓል ግን ንዅሉ ረቛሒታት ተጠንቂቕና ክንሓስበሉን ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብርን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ የሆዋ ጸሎት እተሓወሶ ትውክልቲ ምግባር “ሰላም ኣምላኽ” ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) እዚ ሰላም እዚ ምስ የሆዋ ጥብቂ ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ ካብ ምግባር ዝርከብ ህድኣትን ቅሳነትን ኢዩ። ብርግጽ: ከምዚ ዝበለ ሰላም: ኣሸጋሪ ውሳነታት ምስ ዘጋጥመና ሚዛንና ንምሕላው ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
20. ንንግዳዊ ጕዳያትን ነታ ጉባኤን ዝምልከት እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጻት ክንከውን ዘሎና፧
20 ናይ ንግዲ ምስሕሓብ ንሰላምናን ንሰላም ናይታ ጉባኤን ክርብሽ ንኸይነፍቅደሉ ቈራጻት ንኹን። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ማእከል ንግዳዊ ዋኒናት ብምዃን ንኸተገልግል ዘይኰነስ: ብመንፈስ ንኽትሕግዘና እትዓዪ ምዃና ክንዝክር የደልየና ኢዩ። ኵሉ ግዜ: ንግዳዊ ጕዳያት ካብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ክፍለ ኣለዎ። ንግዲ ክንጅምር ከሎና ምስትውዓልን ጥንቃቐን ክንጥቀም የድልየና ኢዩ። ንረብሓታት ናይታ መንግስቲ ቀዳምነት ብምሃብ: ንንግዳዊ ጕዳያት ዝምልከት ኵሉ ግዜ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንሓዝ። ንኣመንቲ ብጾትና ዝምልከት ንግዳዊ ፈተነ እንተድኣ ፈሺሉ: ንዅልና ዝሓይሽ ክንገብር ንጽዓር።
21. ምስትውዓል ከነርእን ምስ ፊልጲ 1:9-11 ተሰማሚዕና ክንዓይን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
21 ብዛዕባ ገንዘብን ካልእ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራትን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ክንዲ እንሻቐል ኵልና ኣልባብና ናብ ምስትውዓል ነድንኖ: መሪሕነት ኣምላኽ ክወሃበና ንጸሊ: ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ድማ ነቐድም። ምስቲ ናይ ጳውሎስ ጸሎት ብምስምማዕ: ‘እቲ ዝሓይሽ ንኽንምርምር: እቲ ፍቕርና ብፍልጠትን ምስትውዓል ዘበለ ዅሉን እናበዝሐ ይኺድ’ ንዓና ይኹን ንኻልኦት ድማ ‘መዓንቀፊ ዘይብልና’ ንኹን። ኣብዚ ሕጂ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ነጊስሉ ዘሎ ግዜ: ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራና መንፈሳዊ ምስትውዓል ነርኢ። ከምኡውን ‘ንኽብሪ [ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ] ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእና’ እንርከብ ይግበረና።—ፊልጲ 1:9-11
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ምስትውዓል እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝግበር ንግዳዊ ውዕላት ዝምልከት ምስትውዓል ምርኣይ ብፍላይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሓደ ኣማኒ ብጻይና ከም ዘታለለና ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና: ምስትውዓል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ምስትውዓል ውሳነ ኣብ ምግባር እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዎ ዝግባእ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ምስትውዓል ነቲ የሱስ እታ መንግስቲ ከነቐድም ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክሕግዘና ኢዩ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእልታት]
ናይ ንግዲ ስምምዓት ኵሉ ግዜ ብጽሑፍ ግበርዎ