ምድሓን እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ትባዕ
“ምእንቲ ኸናግፈካ [“ከድሕነካ:” NW ] ኣነ ምሳኻ እየ . . . ይብል እግዚኣብሄር።” —ኤርምያስ 1:19
1, 2. ሰብኣዊ ስድራቤት ድሕነት ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧
ድሕነት! ከመይ ዝበለት መጸናንዒት ቃል ኰን ኢያ! ምድሓን ማለት: ምንጋፍ: ካብ ሕማቕን ዘየሐጕስን ኵነታት ናጻ ምዃን ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ዝያዳ ዝሓሸን ዘሐጕስን ኵነታት ምርካብ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ኢዩ።
2 ኣብዚ ግዜ እዚ ንሰብኣዊ ስድራቤት ከምዚ ዝበለ ድሕነት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብሓቂ ዘድልዮ! ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ኣሸጋሪ ዝዀነ ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን ስምዒታዊ ግድላት ከቢድዎምን ተስፋ ኣቝሪጽዎምን ኢዩ። መብዛሕትኦም ብሰንኪ ኵነታት ዓለም ዕግበት ዘይብሎምን ተስፋ ዝቘረጹን ኢዮም: ዝሓሸ ለውጢ ክመጸሎም ድማ ይደልዩ ኢዮም።—ኢሳይያስ 60:2፣ ማቴዎስ 9:36
“ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ”
3, 4. ሎሚ ብዝበለጸ ድሕነት ኣድልዩ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ክፍለ-ዘበናት ዝዓበየ ስቓይ ዘሕለፈ ብምዃኑ: ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ድሕነት የድሊ ኢዩ። ሎሚ: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዮም ዘለዉ: እዚ ቝጽሪ እዚ ድማ ዓመት ዓመት ብ25 ሚልዮን ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 13 ሚልዮን—ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 35,000—ዝዀኑ ቈልዑ ብሰንኪ ናይ ኣመጋግባ ወይ ናይ መግቢ ጕድለት ወይ ካልእ ምስ ድኽነት እተተሓሓዘ ጠንቅታት ይሞቱ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰባት ድማ ብሰንኪ እተፈላለየ ሕማማት ቅድሚ ግዜኦም ይሞቱ ኣለዉ።—ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:8
4 ውግእን ህዝባዊ ናዕብታትን እዚ ኢዩ ዘይብሃል ስቓይ ኣስዒቦም ኢዮም። ደዝ ባይ ጋቨርንመንት እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ውግእ: ቀቢላውን ሃይማኖታውን ግርጭታት: ከምኡውን መንግስታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝፍጽምኦ ጃምላዊ ቕትለት: “ኣብዚ ዘበን እዚ ልዕሊ 203 ሚልዮን ሰባት ከም ዘህለቐ” ትዛረብ። ወሲኻ ድማ ከምዚ ትብል:- “እቲ ልክዕ ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ዳርጋ 360 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። ዘርኢ ሰብ ልክዕ ብዘመናዊ ሕማም ለበዳ ይጸንት ከም ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብርግጽ ድማ በቶም ሕማም ዘመሓላልፉ ረቀቕቲ ህዋሳት ዘይኰነስ በቲ ሓይሊ ዘለዎ ፌራ ክጸንት ጸኒሑ ኢዩ።” ጸሓፊ ሪቻርድ ሃርዉድ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት እተኻየደ ባርባራዊ ውግኣት ምስዚ ናይ ሎሚ ክወዳደር ከሎ ናይ ጐደና ባእሲ ጥራይ ኢዩ።”—ማቴዎስ 24:6, 7፣ ራእይ 6:4
5, 6. ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
5 ኣብ ርእሲ እቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝነበረ ዘሸግር ኵነታት: እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ገበን: ዘይስነ-ምግባራውነት: ከምኡውን ናይ ስድራቤት ምብትታን ድማ ተወሲኽዎ ኣሎ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ጸሓፊ ነበር: ዊልያም በነት: ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ቍጽሪ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 41 ካብ ሚእቲ ክውስኽ ከሎ: ከቢድ ገበን ግን 560 ካብ ሚእቲ: ብዘይ ሕጊ ምውላድ 400 ካብ ሚእቲ: ፍትሕ 300 ካብ ሚእቲ: ናይ ኮተቴ መጠን ርእሰ-ቕትለት ድማ 200 ካብ ሚእቲ ከም ዝወሰኸ ገለጸ። ናይ ፕሪንስተን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር: ጆን ዲዩልዮ ጀይ ኣር. ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ናይቶም “ዝቐትሉ: መጥቃዕቲ ዘውርዱ: ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጹ: ንብረት ዝዝርፉ: ዝሰርቁ: ከምኡውን ከቢድ ማሕበራዊ ናዕቢ ዝፈጥሩ” መንእሰያት ዝዀኑ “ሕሉፋት ዓመጽቲ” መጠንቀቕታ ሃበ። “እቲ ብፖሊስ ተሃዲንካ ምስ እትተሓዝ ዘሎ ሕፍረት: ናይ ማእሰርቲ ስቓይ: ወይ እቲ ዘጋጥም ናይ ሕልና ሸቕታ ኣየፍርሆምን ኢዩ” ድማ በለ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ: ጠንቂ ሞት ናይቶም ካብ 15 ክሳዕ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብኻልኣይ ደረጃ ዝርከብ ቅትለተ-ሰብ ኢዩ። ካብቶም ትሕቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ድማ ብሕማም ካብ ዝሞቱ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ማህሰይቲ ዝሞቱ ይበዝሑ።
6 ከምዚ ዝበለ ገበንን ዓመጽን ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። መብዛሕትአን ሃገራት ተመሳሳሊ ኵነታት ከም ዝርኣየለን ጸብጻብ የቕርባ ኢየን። ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንኽርአ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ረቛሒ ድማ እቲ ንሚልዮናት ሰባት ዘበላሹ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ ምብዝሑ ኢዩ። ሲድኒ ሞርኒን ሄራልድ እተባህለ ናይ ኣውስትራልያ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለ:- “ሕጋዊ ዘይኰነ ኣህጉራዊ ንግዲ ሓሽሽ ደድሕሪ ንግዲ ኣጽዋር ዝስራዕ ብዙሕ መኽሰብ ዝርከቦ ናይ ዓለም ካልኣይ ንግዲ ኰይኑ ኣሎ።” ካልእ ረቛሒ ድማ ንናይ ተለቪዥን ፕሮግራም ሓዚእዎ ዘሎ ዓመጽን ርኽሰትን ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ሓደ ቘልዓ ክሳዕ ወዲ 18 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድሚኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ዓመጽ ተግባራትን ማእለያ ዘይብሉ ናይ ርኽሰት ትርኢታትን ኣብ ተለቪዥን ይርኢ። ባህርያትና በቲ ወትሩ ንኣእምሮና እንምግቦ ነገራት ስለ ዝቕረጽ: እዚ እቲ ቐንዲ መበላሸዊ ዝዀነ ጽልዋ ኢዩ።—ሮሜ 12:2፣ ኤፌሶን 5:3, 4
7. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ነዚ ሎሚ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ነዚ ኣብ ክፍለ-ዘበንና ዝርአ ዘሎ ዘሰቅቕ ፍጻመታት ብልክዕ ኣቐዲሙ ተዛሪብሉ ኢዩ። ዓለምለኻዊ ውግእ: ተላጋቢ ሕማማት: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ምብዛሕ ዓመጻ ክህሉ ምዃኑ ተዛሪብሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:7-12፣ ሉቃስ 21:10, 11) ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ምስ እንርኢ ድማ: ልክዕ ንመዓልታዊ ናይ ዜና ጸብጻባት ከም ምስማዕ ኢዩ። እዚ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝዀነ ይሕብር ሰባት ድማ ‘ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዘይብሎም: ቀለልቲ: ጨካናት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ’ ከም ዝዀኑ ገይሩ ይገልጾም። ሎሚ ዓለም ልክዕ ከምዚ ኢያ እትመስል ዘላ። ከምቲ ዊልያም በነት ኣፍልጦ ዝሃበሉ “ስልጣነ እናመሽመሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር . . . ኣዝዩ ብዙሕ ምልክታት ኣሎ።” ስልጣነ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም ዘብቅዐ እውን ከይተረፈ ተዘሪብሉ ኢዩ።
8. ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ዘውረደ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ምስ ግዜና ዝተሓሓዝ፧
8 እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ካብቲ ኣብ መዓልትታት ኖህ: ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምምጽኡ ‘ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ’ ከላ ዝነበረ ግዜ: ኣዝዩ ዝገደደ ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ: ሰባት ብሓፈሻ ካብቲ ሕማቕ መገድታቶም ምምላስ ኣብዮም ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኣምላኽ “ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ: . . . ኸጥፍኦም እየ” ዝበለ። እቲ ሽዑ ዝወረደ መዓት ነታ ዓመጻ መሊኣ ዝነበረት ዓለም ኣጥፍኣ።—ዘፍጥረት 6:11, 13፣ 7:17-24
ብሰባት ዝመጽእ ድሕነት የለን
9, 10. ሰባት ድሕነት ከምጽኡልና ክንጽበ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
9 ሰብኣዊ ጻዕርታት ካብዚ ሕማቕ ኵነታት እዚ ከድሕነና ይኽእልዶ፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ።” ‘እቲ ዝመላለስ [ሰብ] ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን።’ (መዝሙር 146:3፣ ኤርምያስ 10:23) ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ነዚ ሓቅታት እዚ ኣነጺርዎ ኢዩ። ሰባት ኵሉ ክሕሰብ ዝከኣል ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ከምኡውን ማሕበራዊ ኣገባባት ፈቲኖም ኢዮም: ኵነታት ግን መሊሱ ኢዩ ገዲዱ። ሰብኣዊ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል ነይሩ እንተ ዝኸውን: ድሮ ምተራእየ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን: እቲ ሓቂ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይገዝእ [ኣሎ]።”—መክብብ 8:9 NW ፣ ምሳሌ 29:2፣ ኤርምያስ 17:5, 6
10 ሒደት ዓመታት ይገብር: ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ ነበር: ዝቢግንየቭ ብራዢንስኪ ከምዚ በለ:- “እቲ ክህደመሉ ዘይከኣል መደምደምታ ናይቲ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሻርነት ዝግበር ናይ ዓለምለኻዊ ኵነታት ትንታነ: ማሕበራዊ ናዕቢ: ፖለቲካዊ ህውከት: ቁጠባዊ ቅልውላው: ከምኡውን ኣህጉራዊ ምስሕሓብ ዝያዳ እናሰፍሐ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ።” ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “እቲ ንሰብኣዊ ዓሌት ዝጋጥሞ ዘሎ ሓደጋ ዓለምለኻዊ ስርዓተ-ኣልቦነት ኢዩ።” እዚ ንዅነታት ዓለም ዝምልከት መደምደምታ ሎሚ እውን ከይተረፈ ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎ ኢዩ። ኣብታ ረጂስተር እተባህለት ኣብ ኒው ሃቨን: ኮነክቲከት እትሕተም ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ርእሰ-ዓንቀጽ: ነዚ ሕጂ ዘሎ መዋእል ኣመልኪቱ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ኣብቲ ደው ከነብሎ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ኢና በጺሕና።” እወ: ብዓቕሚ ሰባት ምብልሻው ናይዛ ዓለም እዚኣ ደው ኣይብልን ኢዩ: ከመይሲ እቲ ነዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝምልከት ትንቢት እውን “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢዩ ዝብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:13
11. እዚ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ብሰብኣዊ ጻዕርታት ክዕረ ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧
11 “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ሰይጣን ስለ ዝዀነ: ሰባት ነዚ ኵነታት እዚ ከዐርይዎ ኣይክእሉን ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:4) እወ: ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኢያ ዘላ።’ (1 ዮሃንስ 5:19፣ ዮሃንስ 14:30 እውን ርአ።) መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜና ኣመልኪቱ ብልክዕ ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” (ራእይ 12:12) ሰይጣን ግዝኣቱን ዓለሙን ምጥፍኦም ከም ዝቐረበ ይፈልጥ ኢዩ: ስለዚ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር” ኢዩ ዘሎ።—1 ጴጥሮስ 5:8
ድሕነት ቀሪቡ ኢዩ—ንመን፧
12. ድሕነት ቀሪቡ ዘሎ ንመን ኢዩ፧
12 እዚ ኣብ ምድሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣሸጋሪ ኵነታት ሓደ ሰፊሕ ለውጢ—አረ ዓቢ ድሕነት እኳ ድኣ—ይቕርብ ከም ዘሎ ጕሉሕ መረጋገጺ ኢዩ! ንመን፧ ነቶም ናብቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ዘቕልቡን ግቡእ ስጕምቲ ዝወስዱን ሰባት ድሕነት እናቐረበሎም ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ቀዳማይ ዮሃንስ 2:17 እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ትሕብር ኢያ:- “ዓለም [ናይ ሰይጣን ኣገባብ] ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—2 ጴጥሮስ 3:10-13 እውን ርአ።
13, 14. የ ሱ ስ ን ቑ ሕ ና ይ ም ዃ ን ኣ ድ ላ ይ ነ ት ዘጕልሐ ብኸመይ ኢዩ፧
13 የሱስ እዚ ሎሚ ዘሎ ብልሹው ሕብረተሰብ ኣብቲ “ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” መከራ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክጽረግ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21) ስለዚ ኸአ ኢዩ ከምዚ ብምባል ዘጠንቀቐ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ”—ሉቃስ 21:34-36
14 እቶም ‘ዝጥንቀቑን ንቑሓትን’ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክደልዩዎን ክገብርዎን ኢዮም። (ምሳሌ 2:1-5፣ ሮሜ 12:2) እዚኣቶም እቶም ካብቲ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝወርድ ጥፍኣት ‘ዝመልቁ’ ሰባት ኢዮም። ከም ዝድሕኑ ድማ ምሉእ እምንቶ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 34:15፣ ምሳሌ 10:28-30
እቲ ቐንዲ መድሓኒ
15, 16. እቲ ቐንዲ መድሓኒ መን ኢዩ: ፍርድታቱ ጽድቃዊ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት እንኸውንከ ስለምንታይ ኢና፧
15 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክድሕኑ እንተድኣ ዀይኖም: ሰይጣንን ምሉእ ዓለምለኻዊ ኣገባቡን ክጽረጉ ኣለዎም። እዚ ድማ ካብ ሰብ ንላዕሊ ሓይሊ ዘለዎ ምንጪ ድሕነት ዝሓትት ኢዩ። እቲ ምንጪ ኸኣ: እቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪ ናይዚ ዘስደምም ኣድማስ ዝዀነ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ንሱ እቲ ቐንዲ መድሓኒ ኢዩ:- “ኣነ: ኣነ እየ እግዚኣብሄር: ብጀካይ መድሓኒ የልቦን።”—ኢሳይያስ 43:11፣ ምሳሌ 18:10
16 የሆዋ ዝለዓለ ሓይሊ: ጥበብ: ፍትሒ: ከምኡውን ፍቕሪ ኣለዎ። (መዝሙር 147:5፣ ምሳሌ 2:6፣ ኢሳይያስ 61:8 NW ፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ ፍርዱ ከውርድ ከሎ: ስጕምትታቱ ጽድቃዊ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብርሃም “እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ብምባል ሓተተ። (ዘፍጥረት 18:24-33) ጳውሎስ “ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን” በለ። (ሮሜ 9:14) ዮሃንስ ድማ “እወ: ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ራእይ 16:7
17. ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ መብጽዓታቱ እምንቶ ከም ዝነበሮም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
17 የሆዋ ድሕነት እንተድኣ ተመባጺዑ: ብርግጽ ይፍጽሞ ኢዩ። እያሱ “ካብቲ እግዚኣብሄር . . . እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን” በለ። (እያሱ 21:45) ሰሎሞን ከኣ “ካብቲ . . . እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኵሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን” ብምባል ገለጸ። (1 ነገስት 8:56) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብርሃም “ብዘይምእማኑ [ኣይተዋላወለን]። ነታ [ኣምላኽ] ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ” ብምባል ገለጸ። ሳራ እውን ብተመሳሳሊ ‘ነቲ ተስፋ ዝሀባ [ኣምላኽ] እሙን ገይራ ረኣየቶ።’—ሮሜ 4:20, 21፣ እብራውያን 11:11
18. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ክድሕኑ ምዃኖም እሙንቶ ክህልዎም ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
18 የሆዋ ከም ሰብ ዘይኰነስ: ምሉእ ትውክልቲ ዝግበረሉ: ቃሉ ዝሕሉ ኢዩ። “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፤ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቕውም እዩ።” (ኢሳይያስ 14:24) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ” ክብል ከሎ: እዚ ከም ዝፍጸም ምሉእ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:9) ኣገልገልቲ የሆዋ ብሓያላት ጸላእቲ ናይ ጥፍኣት ምፍርራህ ምስ ዘጋጥሞም እውን ከይተረፈ: ብምኽንያት ኣብቲ ንሓደ ካብቶም ነብያቱ ዝሃቦ መብጽዓ ኣንጸባሪቕዎ ዘሎ ኣረኣእያ ትብዓት ይስምዖም ኢዩ:- “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ [“ከድሕነካ:” NW ] ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።”—ኤርምያስ 1:19፣ መዝሙር 33:18, 19፣ ቲቶስ 1:2
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተፈጸመ ድሕነት
19. የሆዋ ንሎጥ ዘድሓኖ ብኸመይ ኢዩ: ምስ ግዜናኸ እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘለዎ፧
19 ንገለ ካብቲ የሆዋ ቅድሚ ሕጂ ዝወሰዶ ናይ ድሕነት ስጕምትታት እንደገና ብምርኣይ ብዙሕ ክንተባባዕ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሎጥ በቲ ናይ ሶዶምን ጎሞራን እከይ ‘ይስቀ’ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ግን ነቲ ኣንጻር እዘን ከተማታት እዚኣተን ዝቐርብ ዝነበረ “ጥርዓን” (NW ) ኣስተብሂልሉ ኢዩ። ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ: ሎጥን ስድራቤቱን ቀልጢፎም ካብቲ ከባቢ ንኽወጹ ክምሕጸንዎም ኢሉ ልኡኻት ሰደደ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ የሆዋ ‘ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ብምግባር’ ነቲ ‘ጻድቕ ሎጥ ኣድሓኖ።’ (2 ጴጥሮስ 2:6-8፣ ዘፍጥረት 18:20, 21) ሎሚ እውን እንተዀነ: የሆዋ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ እከይ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝምልከት ጥርዓን የስተብህለሉ ኢዩ። እዞም ዘመናውያን ልኡኻቱ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ክሳዕ እቲ ንሱ ዝደልዮ ደረጃ ምስ ፈጸምዎ: ኣንጻር እዛ ዓለም እዚኣ ስጕምቲ ክወስድ: ከምቲ ንሎጥ ዘድሓኖ ድማ ንኣገልገልቱ ከድሕኖም ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14
20. ንጥንታውያን እስራኤል ካብ ግብጺ ንምድሓን የሆዋ ዝወሰዶ ስጕምቲ ግለጽ።
20 ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ባርነት ነበሩ። የሆዋ ብዛዕብኦም ከምዚ በለ:- “ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ: እቲ . . . ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ። ስለዚ . . . ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ።” (ዘጸኣት 3:7, 8) ይኹን እምበር: ፈርኦን ህዝቢ ኣምላኽ ክኸዱ ምስ ኣፍቀደ: ሓሳቡ ብምልዋጥ ብዙሕ ሰራዊት ሒዙ ደድሕሪኦም ሰዓበ። እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መፈንጠራ ዝኣተዉ መሲሉ ተራእየ። እንተዀነ ግን: ሙሴ ከምዚ በሎም:- “ኣይትፍርሁ: ደው በሉ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርአዩ።” (ዘጸኣት 14:8-14) የሆዋ ንቐይሕ ባሕሪ መቐሎ: እስራኤላውያን ድማ ኣምለጡ። ሰራዊት ፈርኦን ደድሕሪኦም ሰዓቡ: የሆዋ ግን ሓይሉ ተጠቕመ እሞ: እቲ “ባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ።” ድሕርዚ: ሙሴ ንየሆዋ “ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ: ገባር ተኣምራት: ብቕድስናኸ ኸመኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” ብምባል ብመዝሙር ወደሶ።—ዘጸኣት 15:4-12, 19
21. የሆዋ ንህዝቡ ካብ ዓሞንን ሞኣብን ስዒርን ዘድሓኖም ብኸመይ ኢዩ፧
21 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: እተን ጸላእቶም ዝነበራ ሃገራት: ዓሞን: ሞኣብ: ከምኡውን ስዒር (ኤዶም) ንህዝቢ የሆዋ ንምጥፍኦም ኣጕባዕብዓ። የሆዋ ድማ ከምዚ በለ:- “እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር: ናታትኩም ኣይኰነን እሞ: ኣብ ቅድሚ እዚ [ናይ ጸላኢ] ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። . . . ኣይክትዋግኡን ኢኹም . . . ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ።” የሆዋ ኣብ መስመር ጸላኢ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩ ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝተሓራረዱ ብምግባር ንህዝቡ ኣድሓኖም።—2 ዜና መዋእል 20:15-23
22. የሆዋ ንእስራኤል ካብ ኣሶር ንምንጋፍ እንታይ ተኣምራታዊ ድሕነት ኢዩ ዝገበረ፧
22 ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር ኣንጻር የሩሳሌም ምስ ተላዕለት: ንጉስ ሰናክሬብ ነቶም ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ህዝቢ “ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚኤን [ኣነ ዝሰዓርክወን] ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፋ ኣየናይ እዩ፧ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ፧” ብምባል ንየሆዋ ጸረፎ። ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምዚ በሎም:- “ህዝቅያስ፤ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ . . . እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወ[ክ]ልኩም።” ድሕርዚ ህዝቅያስ “ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ” ብምባል ድሕነት ክረኽቡ ካብ ልቢ ጸለየ። የሆዋ 185,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣሶር ቀተለ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ደሓኑ። ጸኒሑ: ሰናክሬብ ነቲ ናይ ሓሶት ኣምላኹ እናምለኸ ከሎ: ደቁ ቀተልዎ።—ኢሳይያስ ምዕራፍ 36 ከምኡውን 37
23. ነቲ ሎሚ ዝፍጸም ድሕነት ዝምልከት እንታይ ሕቶታት ኢዩ ክምለስ ዘድልዮ፧
23 የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንህዝቡ ከመይ ገይሩ ብዘደንቕ ኣገባብ ከም ዘድሓኖም ክንርኢ ከሎና ብርግጽ ክንተብዕ ንኽእል ኢና። ሎሚኸ፧ እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተኣምራታዊ ምድሓኑ ዝደልይሉ ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ኵነታት ኢዮም ዝቐርቡ ዘለዉ፧ ንድሕነቶም ክሳዕ ሎሚ ዘደንጐዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም፧ (ሉቃስ 21:28) እቶም ድሮ ሞይቶም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ ብኸመይ ኢዮም ክድሕኑ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምርምሮ ኢያ።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ድሕነት ዝያዳ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሰባት ድሕነት ከምጽኡልና ክንጽበ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ መን ኢዩ ድሕነት ቀሪቡሎም ዘሎ፧
◻ ኣብቲ የሆዋ ዘዳልዎ ድሕነት እምንቶ ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተገብረ እንታይ ናይ ድሕነት ኣብነታት ኢዩ መተባብዒ ኰይኑ ዝርከብ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም ሓደ ካብቶም ኣብ የሆዋ ምሉእ እሙንቶ ዝነበሮም ሰባት ኢዩ