ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/4 ገጽ 20-25
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ሮማንያ ፈለጥኩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ሮማንያ ፈለጥኩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣሸጋሪ ግዝያት
  • ንሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ድሌት
  • ኣብ ሮማንያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተዘርገሐ
  • ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
  • ናይ መጀመርታ ኣገልግሎትና ኣብ ኣመሪካ
  • እቲ ዘድልየኒ ዝነበረ መኣረምታ
  • ኣብቲ ቝጠባዊ ምንቍልቋል ዝነበረሉ እዋን ንናብራ ምኽኣል
  • እምነትና ምዕቃብ
  • እምንቲ ቤተሰብና ኣብ ሮማንያ
  • ሓቂ ገና ንዓይ ክብርቲ ኢያ
  • መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ናይ ብዙሓት ሃገራት ጸዋሪ ብርሃን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ ሕጉስትን መማሰዊትን ኢየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/4 ገጽ 20-25

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ሮማንያ ፈለጥኩ

ብጎልዲ ሮሞሽያን እተዘንተወ

ብ1970: ዳርጋ ድሕሪ 50 ዓመታት ምዃኑ ኢዩ: ንመጀመርታ ግዜ ነቶም ኣብ ሮማንያ ዝነበሩ ኣዝማደይ በጻሕኩዎም። እቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጨቋኒ ኮሚንስታዊ ስርዓት ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ብዛዕባ እቲ ዝዛረቦ ነገራት ጥንቅቕቲ ክኸውን ድማ ብቐጻሊ የዘኻኽሩኒ ነበሩ። ድሕርዚ ኣብ ዓድና ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ምስ ከድኩ: እቲ በዓል ስልጣን ካብታ ሃገር ብቕልጡፍ ክወጽእ ኣዘዘኒ። ነቲ ምኽንያት ቅድሚ ምግላጸይ: ኣብ ሮማንያ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጥኩ ክነግረኩም።

ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሮማንያ እትርከብ ከተማ ዛሌኡ ዘላ ኦርተለክ እትበሃል ዓዲ 3 መጋቢት 1903 ተወለድኩ። ኣብ ጽቡቕ ከባቢ ኢና ንነብር ነይርና። እቲ ማይን ኣየርን ድማ ጽሩይ ነበረ። ቀለብና ባዕልና ነፍሪ: ብስጋዊ ነገር ከኣ ስኡናት ኣይነበርናን። ንእሽቶ ከለኹ: እታ ሃገር ሰላም ዝሰፈና ኢያ ነይራ።

ሰባት ኣዝዮም ሃይማኖታውያን ኢዮም ነይሮም። አረ ቤተሰብናስ ናይ ሰለስተ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣባላት ኢዮም ነይሮም። ሓንቲ ዓባየይ ኦርቶዶክስ ካቶሊክ ኢያ ነይራ: እታ ሓንቲ ዓባየይ ድማ ኣድቨንቲስት ነበረት: ወለደይ ድማ ባፕቲስት ኢዮም ነይሮም። ካብተን ሃይማኖታቶም ንዝዀነት ትኹን ኣይሰማምዓሉን ስለ ዝነበርኩ: ቤተሰበይ ኢዚሀራዊት ክትከውን ኢያ ይብሉኒ ነበሩ። ‘ሓደ ኣምላኽ እንተድኣ ኣልዩ:​—⁠ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተሰብ ሰለስተ ዘይኰነስ⁠—​ሓንቲ ሃይማኖት ጥራይ ከኣ ክትህሉ ኣለዋ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።

እቲ ኣብ ሃይማኖት ዝግበር ዝነበረ ነገራት ኣዝዩ ረበሸኒ። ንኣብነት: እቲ ቐሺ ናይ ቤተ-⁠ክርስትያን ክፍሊት ክእክብ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይዘውር ነበረ። ሰባት ዝህብዎ ገንዘብ ምስ ዘይህልዎም ድማ ነቲ ዝበለጸ ካብ ጸምሪ እተሰርሐ ኮበርታኦም ይወስዶ ነበረ። ኣብቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ-⁠ክርስትያን ድማ: ዓባየይ ኣብ ቅድሚ ናይ ማርያም ስእሊ ተምበርኪኻ ክትጽሊ እርእያ ነበርኩ። ‘ስለምንታይ ናብ ስእሊ ዝጽለ፧’ ኢለ ኸኣ እሓስብ ነበርኩ።

ኣሸጋሪ ግዝያት

ኣቦይ ዝነበሮ ዕዳ ምእንቲ ክኸፍል ገንዘብ ክእክብ ብ1912 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከደ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ውግእ ጀመረ እሞ: ናይ ዓድና ሰብኡት ክዋግኡ ከዱ​—⁠ኣንስቲ: ቈልዑ: ከምኡውን ኣረገውቲ ሰብኡት ጥራይ ከኣ ተረፉ። ዓድና ንቑሩብ ግዜ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሃንጋሪ ኣተወት: ድሕሪኡ ግን ናይ ሮማንያ ሰራዊት እንደገና ተመሊሶም ነታ ዓዲ ተቘጻጸርዋ። ቀልጢፍና ክንወጽእ ኸኣ ኣዘዙና። ይኹን እምበር: ብምኽንያት እቲ ንብረት ንምጥርናፍን ቈልዑ ናብ ዓረብያ ንምስቃልን ዝነበረ ሸበድበድን ሕንፍሽፍሽን ሓዲጐምኒ ከዱ። ካብቶም ሓሙሽተ ቘልዑ እታ ዝዓበኹ ኣነ ኢየ ነይረ።

ናብ ሓደ ኣብኡ ተሪፉ ዝነበረ ኣረጊት ሰብኣይ ጐረቤትና ኸኣ እናጐየኹ ከድኩ እሞ: ንሱ ኸኣ “ገዛ ኺዲ። ማዕጾኹም ዓጺኺ: ዋላ ሓደ ሰብ ከይተእትዊ” በለኒ። ቀልጢፈ ኸኣ ተኣዘዝክዎ: ካብቲ ክብገሱ ከለዉ ተሃዊኾም ዝሓደግዎ መረቕ ደርሆን ኣልጫን ንእሽቶ ድሕሪ ምብልዐይ: ኣብ ጥቓ ዓራተይ ተምበርኪኸ ጸለኹ። ቁሩብ ጸኒሑ ኸኣ ዓሚቝ ድቃስ ወሰደኒ።

ምስ ተበራበርኩ ኸኣ ምድሪ በሪሁ ነበረ: ከምዚ ድማ በልኩ:⁠- “ዎ ኣምላኽ አመስግነካ! ብህይወት ኣለኹ!” ምሉእ ለይቲ ክትኰስ ስለ ዝሓደረ: እቲ መናድቕ ብናይ ጠያይት ነዃላት መሊኡ ነበረ። ኣደይ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ዓዲ ምስኦም ከም ዘይነበርኩ ምስ ፈለጠት: ንሓደ ዡርዥ ሮሞሽያን ዝስሙ መንእሰይ ለኣኸቶ: ንሱ ድማ ረኸበኒ እሞ ምስ ስድራቤተይ ኣራኸበኒ። ቁሩብ ጸኒሕና ግን ንዓድና ክንምለስን እንደገና ናብራና ክንቅጽልን ከኣልና።

ንሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረኒ ድሌት

ኣደይ ባፕቲስት ኰይነ ክጥመቕ ደለየትኒ: ኣነ ግን ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም ከም ዘሳቕዮም ክኣምን ስለ ዘይከኣልኩ ክጥመቕ ኣይደለኹን። ነዚ ከተረድኣኒ ብምፍታን ከኣ: ኣደይ “እዋእ: ሰባት ክፉኣት እንተድኣ ኰይኖም” በለትኒ። ኣነ ግን “ክፉኣት እንተድኣ ኰይኖም የጥፍኦም እምበር: ኣየሳቕዮምን ኢዩ። ኣነ ንኸልቢ ወይ ድሙ እውን ከይተረፈ ኣይመሳቐኹን” ኢለ መለስኩላ።

ጓል 14 ዓመት ከለኹ ኣብ ሓንቲ ደስ እትብል ናይ ጽድያ መዓልቲ: ብትእዛዝ ኣደይ ነተን ከብቲ ወሲደ ሳዕሪ ከብልዐን ይዝከረኒ። ኣብ ጥቓ ሓደ ውሕጅ ብድሕሪኡ ዱር ዘለዎ ሳዕሪ በጥ ኢለ ናብ ሰማይ ጠመትኩ እሞ ከምዚ በልኩ:⁠- “ኣምላኽ ኣብኡ ከም ዘሎኻ እፈልጥ ኢየ፣ ንዝዀነት ትኹን ካብዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ግን ኣይደልን ኢየ። ሓንቲ ጥዕይቲ ሃይማኖት ክትህልወካ ኣለዋ።”

ኣምላኽ ብሓቂ ንጸሎተይ ከም ዝሰምዖ ኢየ ዝኣምን: ምኽንያቱ ኣብ ሓጋይ ናይታ ዓመት እቲኣ: ማለት 1917: ክልተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም) ናብ ዓድና መጹ። ንሳቶም ኮልፖርተርስ: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢዮም ነይሮም: ቅዳሴ እናተገብረ ኸሎ ድማ ናብቲ ናይ ባፕቲስት ቤተ-⁠ክርስትያን መጹ።

ኣብ ሮማንያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተዘርገሐ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ካሮል ሳቦ ከምኡውን ዮሲፍ ኪስ እተባህሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከተኣታትዉ ብ1911 ናብ ሮማንያ ተመልሱ። ደቡብ ምብራቕ ካብ ዓድና: 160 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይመልእ ርሕቀት ዘላ ቲርጉ-⁠ሙረሽ ከኣ ተቐመጡ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ድማ: ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ሰሚዖም ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክካፈሉ ጀመሩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​14

እዞም ክልተ መንእሰያት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ኣብ ዓድና: ኦርተለክ: ዝነበረ ናይ ባፕቲስት ቤተ-⁠ክርስትያን ኣተዉ እሞ: ኣብኡ ድማ ዡርዥ ሮሞሽያን ወዲ 18 ዓመት እኳ እንተ ነበረ ነቲ ኣኼባ ይመርሖ: ንትርጕም ናይ ሮሜ 12:​1 ክገልጾ ኸኣ ይፍትን ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ሓደ ካብቶም መንእሰያት ኮልፖርተርስ ብድድ ኢሉ “ኣሕዋትን ብጾትን: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ክነግረና ደልዩ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧” በለ።

ክዛረብ ምስ ሰማዕክዎ: ኣዝየ ተሃንጠኹ! ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትግለጽ ዝፈልጡ ክዀኑ ኣለዎም’ ኢለ ሓሰብኩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ግን “ሓሰውቲ ነብያት! መን ከም ዝዀንኩም ፈሊጥናኩም ኣሎና!” ኢሎም ጨደሩ። ብዙሕ ጫውጫው ከኣ ሰዓበ። ኣቦኡ ንዡርዥ ግን ብድድ ኢሉ ከምዚ በለ:⁠- “ኵላትኩም ስቕ በሉ! እዚ እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢዩ​—⁠ናይ ስኽራን መንፈስ ድዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነግሩና ገለ ነገር እንተ ደኣ ኣለዎም ንስኻትኩም ግን ክትሰምዑ እንተ ዘይደሊኹም: ንገዛይ ክመጹ እዕድሞም ኣለኹ። ክመጽእ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ።”

ብምህንጣይ ከኣ: ንገዛ እናጐየኹ ከድኩ ንኣደይ ከኣ እንታይ ከም እተፈጸመ ነገርክዋ። ሓንቲ ካብቶም ናብ ቤት ሮሞሽያን ንኽኸዱ ነቲ ዕድመ እተቐበሉ ድማ ነበርኩ። በታ ምሸት እቲኣ ኸኣ ናይ ሲኦል ሓዊ ከም ዘየለ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃረይ: ካብቲ ናይ ቋንቋ ሮማንያ መጽሓፍ ቅዱሰይ ድማ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ብምርኣየይ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! እቶም ኮልፖርተራት ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ናብ ቤት ሮሞሽያን እናመጸ ክምህረና መደቡ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሓጋይ ድማ ኣብ መበል 15 ዓመተይ ከም መርኣያ ናይቲ ንየሆዋ ዝገበርክዎ ወፈያ ተጠመቕኩ።

ጸኒሑ ድማ: ዳርጋ ብምሉኡ ቤተሰብ ፕሮደን ከምኡውን ስድራቤት ሮሞሽያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ ህይወቶም ድማ ንየሆዋ ወፈዩ። ነቶም ቀደም ገዝኦም ከም ናይ ባፕቲስት ቤተ-⁠ክርስትያን እተገልግል ዝነበረት መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን እውን ሓዊስካ ካልኦት ብዙሓት ደቂ ዓድና ሓቂ ተቐበሉ። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ንገዝኦም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጽናዕቲ ዝእከብሉ ቦታ ገበርዎ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኣብተን ኣብ ጥቓና ዝርከባ ዓድታት ብቕልጡፍ ተዘርገሐ: ብ1920 ከኣ ኣብ ሮማንያ ዳርጋ 1,800 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነበሩ!

ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ነቲ እተማሃርናዮ ነገራት ንፓተር ፕሮዳን ኣቦና ከነካፍሎ ተሃንጢና ነበርና። እቲ ዘገርም ግን: ንኽንጽሕፍ ኣጋጣሚ ቅድሚ ምርካብና: ጥሙቕ ኣገልጋሊ የሆዋ ከም ዝዀነ እትነግር ደብዳበ ካብኡ መጸትና። ኣብ ኣክረን: ኦሃዮ: ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ጽንዓት ገይሩ: ኵልና ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክንመጾ ድማ ይደሊ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣደይ ካብ ሮማንያ ምውጻእ ኣበየት። ስለዚ: ብ1921 በቲ ኣቦይ ሰዲዱለይ ዝነበረ ገንዘብ ገይረ ምስኡ ክቕመጥ ናብ ኣክረን ከድኩ። ዡርዥ ሮሞሽያን ከምኡውን ምዕባዩ ሓዉ ድሮ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም ነይሮም ኢዮም።

ብመርከብ ተጓዒዘ ኣብ ደሴት ኤለስ: ኒው ዮርክ ምስ በጻሕኩ እቲ ናይ ኢሚግሬሽን በዓል-⁠ስልጣን ነቲ ኣውራልያ ዝብል ስመይ ናብ እንግሊዝኛ ብኸመይ ከም ዝትርጐም ስለ ዝጠፍኦ “ስምኪ ጎልዲ ኢዩ” በለኒ። ካብኡ ንነጀው ከኣ እዚ ስመይ ኰነ። ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሕና: 1 ግንቦት 1921 ኣነን ዡርዥ ሮሞሽያንን ተመርዓና። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣቦይ ናብ ሮማንያ ተመልሰ እሞ: ብ1925 ድማ ንሜሪ: ምንኣሰይ ሓብተይ: ሒዝዋ ተመልሰ። ድሕርዚ ኣቦይ ምስ ኣደይን እቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤትን ምእንቲ ክኸውን ናብ ሮማንያ ተመልሰ።

ናይ መጀመርታ ኣገልግሎትና ኣብ ኣመሪካ

ዡርዥ ኣዝዩ እሙንን ውፉይን ኣገልጋሊ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ካብ 1922 ክሳዕ 1932 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣርባዕተ ተፈተውቲ ኣዋልድ​—⁠ኢስቴር: ኣን: ጎልዲ ኤልዛቤት: ከምኡውን ኣይሪን⁠—​ብምርካብ ተባረኽና። ኣብ ኣክሮን ናይ ቋንቋ ሮማንያ ጉባኤ ጀመረት እሞ: ኣብ መጀመርታ ኸኣ እቲ ኣኼባታት ኣብ ገዛና ይካየድ ነበረ። ጸኒሑ ድማ: ወኪል ናይቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጉባኤና ይበጽሕን ምሳና ኸኣ ይቕንን ነበረ።

መብዛሕትኡ ሰናብቲ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ነሕልፎ ነበርና። ናይ መጻሕፍቲ ቦርሳናን ምሳሕናን ንጥርንፍ: ነተን ኣዋልድ ደቅና ኣብታ ሞዴል ቲ ፎርድ ዝዓይነታ ማኪናና ንሰቕለን እሞ: ነታ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ገጠር ክንሰብኽ ነሕልፋ። ድሕርዚ ድማ ምሸት ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንካፈል። ደቅና ንዕዮ ስብከት እናፈተውኦ ኸዳ። ብ1931 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል መለለዪ ስሞም ከጽድቕዎ ከለዉ ኣብ ኮሎምበስ: ኦሃዮ ነበርኩ።

እቲ ዘድልየኒ ዝነበረ መኣረምታ

ድሕሪ ገለ ዓመታት: ነቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ተቐየምኩሉ። ሓደ ሓድሽ ጥሙቕ ምስክር: ሓው ራዘርፎርድ ነቲ ዝነበሮ ሽግር ጽን ኢሉ ስለ ዘይሰምዖ: ጽቡቕ ገይሩ ከም ዘይረኣዮ ኰይኑ ተሰምዖ። ሓው ራዘርፎርድ እተጋገየ ኰይኑ ድማ ተሰማዓኒ። ከምዚ ኢሉ ኸሎ: ሓደ ሰንበት ሜሪ ሓብተይን ዳን ፔስትሩዪ በዓል ቤታን ክበጽሑና መጹ። ድሕሪ መኣዲ ዳን “ናብ ኣኼባ ክንከይድ እምበኣር ንቀራረብ” በለ።

“ድሕሪ ደጊም ንኣኼባታት ኣይንኸይድን ኢና። ብሓው ራዘርፎርድ ተቐይምና ኢና” በልኩዎ።

ዳን ኢዱ ንድሕሪት ጠውዩ ንየው ነጀው ተዛወረ እሞ: ጸኒሑ “ክትጥመቒ ከሎኺ ንሓው ራዘርፎርድ ትፈልጥዮዶ ነይርኪ፧” በለ።

“ምፍላጥ እሞ: ኣይፈልጦን ኢየ ነይረ። ኣብ ሮማንያ ከም እተጠመቕኩ ትፈልጥ ኢኻ።” ኢለ መለስኩሉ።

“ስለምንታይ ኢኺ ተጠሚቕኪ፧” ኢሉ ድማ ሓተተኒ።

“የሆዋ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ስለ ዝፈለጥኩ: ንዕኡ ምእንቲ ከገልግል ድማ ህይወተይ ክውፊ ስለ ዝደለኹ” ኢለ መለስኩሉ።

“ነታ ምኽንያት እቲኣ ፈጺምኪ ከይትርስዕያ!  ሓው ራዘርፎርድ ንሓቂ እንተ ዝገድፎ ነይሩኸ: ምገደፍክዮዶ፧” ኢሉ ኸኣ መለሰለይ።

“ፈጺመ ኣይምገደፍክዎን!” በልኩዎ። ናብ ልበይ ተመለስኩ እሞ “ንኣኼባ ክንከይድ ኵላትኩም ተቐራረቡ” ኸኣ በልኩዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር ድማ ኣኼባ ምኻድ ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን። ስለቲ ሰብኣይ ሓብተይ ዝገበረለይ ፍቕራዊ መኣረምታ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ንየሆዋ ዘመስገንክዎ!

ኣብቲ ቝጠባዊ ምንቍልቋል ዝነበረሉ እዋን ንናብራ ምኽኣል

ኣብቲ ብ1930ታት ዝነበረ ቍጠባዊ ምንቍልቋል: ናብራ ጽንኩር ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ዡርዥ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ፋብሪካ ጎማ ጕህዩ ንገዛ ተመልሰ: ንግዚኡ ስራሕ ደው ከም ዘበለ ኸኣ ነገረኒ። “ኣይትጨነቕ: ኣብ ሰማይ ሃብታም ኣቦ ኣሎና: ኣይክሓድገናን ከኣ ኢዩ” በልክዎ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዡርዥ: ቃንጥሻ ዝመልአ ሓደ ዓቢ ዘንቢል ዝሓዘ ዓርኩ ረኸበ። ዡርዥ እቲ ዓርኩ ዝኣረየሉ ቦታ ምስ ፈለጠ: ገረወይና ምሉእ ቃንጥሻ ሒዙ ንገዛ መጸ። ነተን ዝነበራና ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዶላር ከኣ ንመግዝኢ ንኣሽቱ ዘናቢል ኣውዓለን። “ጸባ ዝደልያ ንኣሽቱ ኣዋልድ ከለዋናስ ከመይ ኢልካ ከምኡ ትገብር፧” ኢለ ድማ ሓተትክዎ።

“ኣይትጨነቒ: ኣነ ዝብለኪ ጥራይ ግበሪ” ኢሉ መለሰለይ። ኣብተን ዝሰዓባ ሒደት ሰሙናት ከኣ ገዛና ቃንጥሻ ዝሕጸበላን ዝዕሸገላን ንእሽቶ ፋብሪካ ኰነት። ነቲ ቃንጥሻ ድማ ናብተን ዝበለጻ ኣብያተ ብልዒ ንሸጦ እሞ: ካብ 30 ክሳዕ 40 ዶላር ንመዓልቲ ንኸስበሉ ነበርና: ሽዑ እዚ ንዓና ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ ግርሁኡ ቃንጥሻ ክንኣሪ ዘፍቀደልና ሓረስታይ: ን25 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበረ እሞ: ከም ናይ ሽዑ ዝምብዝሑ ቃንጥሻ ፈጺሙ ርእዩ ከም ዘይፈልጥ ተዛረበ። ቁሩብ ጸኒሑ ግን እቲ ፋብሪካ ጎማ ንዡርዥ ስራሕ ክጅምር ጸውዖ።

እምነትና ምዕቃብ

ብ1943 ናብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርንያ ገዓዝና እሞ ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሕና ድማ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ እትርከብ ኤልሰኖር እትበሃል ከተማ ተቐመጥና። ኣብኡ ድኳን ከፈትና: ስድራቤትና ድማ በብተራ ትሰርሕ ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኤልሰኖር 2,000 ተቐማጦ ጥራይ ዝነበርዋ ንእሽቶ ኸተማ ኢያ ነይራ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ምእንቲ ክንርከብ ናብ ካልእ ከተማ ንኽንከይድ 30 ኪሎ ሜተር ክንጓዓዝ ነበረና። ብ1950 ኣብ ኤልሰኖር ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ክትቀውም ከላ ክርእስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! ሕጂ ኣብቲ ከባቢ እቲ 13 ጉባኤታት ኣለዋ።

ብ1950 ጎልዲ ኤልዛቤት ጓልና (መብዛሕትኦም ሰባት ሕጂ ቤት ብዝብል ኢዮም ዝፈልጥዋ) ካብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመረቐት እሞ ሚስዮናዊት ኰይና ቬነዙዌላ ተመደበት። ብ1955 ድማ ኣይሪን እታ ሕሳስልደ ጓልና በዓል ቤታ ኣብ ናይ ወረዳ ዕዮ ከም ገያሺ ኣገልገሊ ኰይኑ ንኸገልግል ስለ እተጸውዐ ተሓጒሳ ነበረት። ጸኒሖም ብ1961 ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃሮም: ናብ ታይላንድ ተላእኩ። ገለ ገለ ግዝያት ደቀይ ካባይ ብምፍላየን እናፍቐን እሞ እበኪ: እንተዀነ ግን ‘ኣይ ከምኡ ክዀና እንድየ ዝደሊ ዝነበርኩ’ ኢለ ኸኣ እሓስብ። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ናይ መጻሕፍቲ ቦርሳይ ኣልዕል ኣቢለ ናብ ዕዮ ስብከት እኸይድ። ኵሉ ግዜ ድማ ተሓጒሰ ናብ ገዛይ እምለስ ነበርኩ።

ብ1966 እቲ ፍቑር በዓል ቤተይ ዡርዥ ኣፖፕለክሲ እተባህለ ናይ ሓንጎል ሕማም ሓዞ። ቤት ብምኽንያት ናይ ጥዕና ሽግር ካብ ቬነዙዌላ ተመሊሳ ስለ ዝነበረት: ንዡርዥ ንምክንኻን ሓጊዛ ኢያ። ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ዡርዥ ሞተ: ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ከም ዝጸንዐን ሰማያዊ ዓስቡ ከም ዝረኸበን ብምፍላጠይ ግን ተጸናናዕኩ። ድሕርዚ ቤት ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ዘድልይሉ ቦታ ምእንቲ ከተገልግል ናብ ስጳኛ ከደት። እታ በዅሪ ጓለይ ኢስቴር መንሽሮ ሓዛ እሞ ብ1977 ሞተት: ኣን ድማ ብ1984 ናይ ደም መንሽሮ ሒዝዋ ሞተት። ነፍሲ ወከፈን ኣብ ምሉእ ህይወተን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኢየን ነይረን።

ኣብቲ ኣን ዝሞተትሉ ግዜ: ቤት ከምኡውን ኣይሪን ካብቲ ናይ ወጻኢ ዕዮ ስብከተን ተመሊሰን ነበራ። ንኣሓተን ኣብ ምክንኻን ሓጊዘን ኢየን: ምስ ሞታ ኸኣ ኵላትና ዓሚቝ ሓዘን ተሰማዓና። ድሕሪ ገለ ግዜ ንደቀይ ከምዚ በልክወን:⁠- “ሕራይ እምበኣር: ሕጂ ይኣክል! ንኻልኦት በቲ ክቡር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋታት ኣጸናኒዕናዮም ኢና። ሕጂ ግን ንገዛእ ርእስና ክንጸናናዕ ኣሎና። ሰይጣን ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጐስ ክሰርቀና ኢዩ ዝደሊ: ክንፈቕደሉ ግን ኣይንኽእልን ኢና።”

እምንቲ ቤተሰብና ኣብ ሮማንያ

ኣነን ምንኣሰይ ሓብተይ ሜሪን ብ1970 ነቶም ኣብ ሮማንያ ዝነበሩ ቤተሰብና ንኽንበጽሕ ዘይርሳዕ መገሻ ገበርና። ሓንቲ ንእሽቶ ሓብትና ሞይታ ኢያ ነይራ: ነቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኦርተለክ ዝነብሩ ዘለዉ ጆን ዝበሃል ንእሽቶ ሓውናን ንሎዶቪካ ንእሽቶ ሓብትናን ግን ክንረኽቦም ክኢልና ኢና። ኣብቲ እንበጽሓሉ ዝነበርና ግዜ: ኣቦይን ኣደይን ድሮ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ሞይቶም ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ኣቦይ ኣብታ ጉባኤ ዓንዲ ከም ዝነበረ ነጊሮምና ኢዮም። ሕጂ ኣብ ሮማንያ ገለ ካብቶም ንደቂ ደቁ ደቆም ዝዀኑ እውን ከይተረፉ መሰኻኽር ኢዮም። ንብዙሓት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጸኒዖም ደው ዝበሉ ብብዓል ቤተይ ኣዝማድና ዝዀኑ እውን በጺሕናዮም ኢና።

ብ1970 ሮማንያ ኣብ ትሕቲ እቲ ጨቋኒ ኮሚንስታዊ ስርዓት ናይ ኒኮላይ ሴውሴስኩ ኢያ ነይራ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ሕሱም መስጐግቲ ኢዩ ዝወርዶም ነይሩ። ፍራንክ ወዲ ጆን ሓወይን ካልኦት ኣዝማደይን: ከምኡውን ንበዓል ቤተይ ወዲ ሓወቡኡ ብምኽንያት ክርስትያናዊ እምነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታተት ብዙሕ ዓመታት ኣሕለፉ። ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ ከነብጽሕ ምስ ተለኣኽና: እቶም ናይ ሮማንያ ኣሕዋትና ክሳዕ ካብታ ሃገር ብሰላም ምውጻእና ዝሰምዑ ከም ዝሻቐሉ ምዝራቦም ዘገርም ኣይነበረን!

ቪዛና ከም ዝወደቐ ምስ ፈለጥና: ናብቲ ኣብ ኦርተለክ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኸድና። ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ: ሓደ በዓል-⁠ስልጣን ጥራይ ኣብ ስራሕ ጸንሓና። ንበዓል መን ከም ዝበጻሕናዮምን ወዲ ሓውና ኸኣ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ከም ዘሎ ብምፍላጡ “ብኽብረትክን ቀልጢፍክን ትወጻ!” በለና።

ሓብተይ ድማ “ሎሚ እትኸይድ ባቡር ግን የላን” በለቶ።

ህውኽ እናበለ ኸኣ “እዚ ዘገድስ ኣይኰነን: እንተ ደሌኽን ብኣውቶቡስ ኪዳ። ብባቡር ኪዳ። ብታኽሲ ኺዳ። እንተ ደሌኽን ድማ ብእግርኽን ኪዳ። ብእተኻእለክን መጠን ጥራይ ካብዚ ውጻ!” በለና።

ክንከይድ ምስ ተበገስና: ንኽንምለስ ተጸዋዕና እሞ ሓንቲ ናይ ወተሃደራት ባቡር ሰዓት 6:00 ድ.ቐ. ኣብ ዘይመደባ ትመጽእ ከም ዘላ ተሓበርና። ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኢዩ ዝነበረ! ብምድብቲ ባቡር እንተ ንኸይድ ነይርና ሰነዳትና ብተደጋጋሚ ምተራእየ ነይሩ: እዛ ባቡር እዚኣ ግን ወተሃደራዊ ፐርሰነላት ሒዛ ስለ ዝነበረት ክልተ ገባር ጥራይ ከኣ ተሰቒልና ስለ ዝነበርና ፓስፖርት ዝሓተተና ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ነቶም መኰንናት ዓባያቶም ከም ዝዀንና ገይሮም ወሲዶምዎ ይዀኑ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ቲሚሶራ በጻሕና: ብሓገዝ ናይ ሓደ ዓርኪ ዘመድና ዝዀነ ሰብ ከኣ ቪዛ ከነውጽእ ከኣልና። ንጽባሒቱ ድማ ካብታ ሃገር ወጻእና። ብዙሕ ተፈታውን ዘይርሳዕን ተዘክሮታት ናይቶም ኣብ ሮማንያ ዘለዉ እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሒዝና ኸኣ ንዓድና ተመለስና።

ሮማንያ ድሕሪ ምብጻሕና ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ሓጺን ዝነበረ ዕዮ ስብከት ቁሩብ ጽንጽንታ ንሰምዕ ነበርና። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝመጸ ይምጻእ ንኣምላኽና እሙናት ኰይኖም ከም ዝጸንዑ እምንቶ ነበረና። ብርግጽ ከኣ ከምኡ ኢዮም ገይሮም! ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሮማንያ ከም ሃይማኖታዊ ማሕበር ኣብ ሚያዝያ 1990 ብሕጊ ተፈላጥነት ምስ ረኸቡስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ ዝነበረ! ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ክረምቲ ድማ በቲ ጸብጻባት ናይቲ ኣብ ሮማንያ እተኻየደ ዓበይቲ ኣኼባታት ተሓጒስና ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ሾሞንተ ከተማታት ልዕሊ 34,000 ተኣኪቦም ነበሩ: 2,260 ድማ ተጠምቁ! ሕጂ ልዕሊ 35,000 ዝዀኑ ኣብቲ ኣብ ሮማንያ ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት ይካፈሉ ኣለዉ: ከምኡውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 86,034 ኣብ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ተኻፈሉ።

ሓቂ ገና ንዓይ ክብርቲ ኢያ

ንሒደት ዓመታት ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ምውሳድ ኣቋሪጸ ነበርኩ። ካብኡ ዘይወስዱ ኣዝዮም ብቑዓት ዝዀኑ ኣሕዋት ከም ዘለዉ ኣስተብሃልኩ እሞ: ‘ካልኦት ከመይ ዝበሉ ክኢላታት ተዛረብቲ ከለዉስ: የሆዋ ምስ ወዱ ወራሲት ክኸውን መሰል ዝሃበኒ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ብምባል ሓሰብኩ። ምውሳድ ምስ ኣቋረጽኩ ግን: ኣዝየ ተረበሽኩ። ልክዕ ከም ገለ ነገር ዝነጽግ ዘለኹ ኰይኑ ተሰማዓኒ። ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ጸሎት ዝመልኦ ምህለላን ግን: እንደገና ክወስድ ጀመርኩ። ሰላመይን ሓጐሰይን ከኣ ተመልሰለይ: ካብ ሽዑ ንደሓር ከኣ ካባይ ርሒቑ ኣይፈልጥን።

ድሕሪ ደጊም ዓይነይ ከንብብ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ብቴፕ ኢየ ዝሰምዕ። ኣብ ዕዮ ስብከት እውን ገና እካፈል ኢየ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 60 ክሳዕ 100 መጽሔታት ኣብ ወርሒ አበርክት: ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ 1996 ኣብ ዝነበረ ናይ ንቕሑ! መጽሔት ፍሉይ ወፈራ ግን 323 ኢየ ኣበርኪተ። ብሓገዝ እተን ደቀይ ከኣ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ክህብ እውን እኽእል ኢየ። ንኻልኦት ከተባብዕ እኽእል ብምዃነይ ሕጕስቲ ኢየ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ዓባየይ ኢሉ ኢዩ ዝጽዋዓኒ።

ነቲ ዳርጋ ንልዕሊ 79 ዓመታት ዝኸውን ንየሆዋ ዝገበርክዎ ውፉይ ኣገልግሎት ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ: ነቲ ክቡር ሓቁ ንኽፈልጥን ኣብ ኣገልግሎቱ ንህይወተይ ክጥቀመላን ብምፍቃዱ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኢየ ዘመስግኖ። ንፍጻሜ ናይቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝግበር ምእካብ ናይቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣቐዲሙ ዝነገረ ዘደንቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ክርኢ ብህይወት ምንባረይ ኣዝየ መማሰዊት ኢየ።​—⁠ኢሳይያስ 60:​22፣ ዘካርያስ 8:​23

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሜሪ ሓፍተይን ኣቦይን ደው ኢሎም: ኣነ: ዡርዥ ከምኡውን ኢስቴርን ኣንን ደቅና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ቤትን ኣይሪንን ደቀይ ከምኡውን ሰብኣይ ኣይሪን ምስ ክልተ ደቆም: ኵሎም ድማ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ