ሓሰውቲ ልኡኻት ሰላም የብሎምን!
“እኩያት ኪጸንቱ እዮም: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:9, 11
1. ኣብቲ “ዘመን መወዳእታ” ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ልኡኻት ክንረክብ እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧
ልኡኻት—ናይ ሓሶትዶ ወይስ ናይ ሓቂ፧ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ክልቲኡ ዓይነት ልኡኻት ነይሮም ኢዮም። ኣብዚ ግዜናኸ፧ ኣብ ዳንኤል 12:9, 10 ሓደ ሰማያዊ ልኡኽ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝበሎ ነንብብ: ከምዚ ድማ ይብል:- “እዚ ቓላት እዚ ኽሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ . . . ብዙሓት ኪጸርዩ: ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም: እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር: ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።” ሎሚ ኣብቲ “ዘመን መወዳእታ” ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ መንጎ “እቶም ረሲኣን” ከምኡውን “እቶም ጠቢባን” ዘሎ ንጹር ፍልልይ ንርእዮዶ ኣለና፧ ብርግጽ ንርእዮ ኣለና!
2. ሎሚ ኢሳይያስ 57:20, 21 ብኸመይ ኢያ እትፍጸም ዘላ፧
2 ኣብ ምዕራፍ 57 ቍጽሪ 20 ከምኡውን 21 ቃላት ናይቲ ልኡኽ ኣምላኽ ዝነበረ ኢሳይያስ ነንብብ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም: ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ: ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን: ይብል ኣምላኸይ።” እዚ ቃላት እዝስ ነዛ ሎሚ ናብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ገጻ እትቐርብ ዘላ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብልክዕ ዝገልጻ! ገሊኦም ‘እምበርዶ ነቲ ዘበን እቲ ክንበጽሖ ኢና፧’ ብምባል እውን ከይተረፈ ይሓቱ ኢዮም። እቶም ጠቢባን ዝዀኑ ልኡኻትከ እንታይ ይብሉና፧
3. (ሀ) ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ተገይሩ ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 “እቶም ጠቢባን” ብኸመይ ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ፧
3 ሃዋርያ ዮሃንስ ብመለኮታዊ መገዲ ዝረኸቦ ምስትውዓል ነበሮ። ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 ከምዚ ይብል:- “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” ምስ እዛ ዓለም እዚኣ ብምንጽጻር ክረኣዩ ኸለዉ ፍሉያት ዝዀኑ ኸኣ እቶም 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል ኢዮም: ካብዚኣቶም ብዕድመ እናደፍኡ ዝኸዱ ዘለዉ ሒደት ተረፍ ገና ኣብ ምድሪ ኣለዉ። ሎሚ ነዚኣቶም ዝሓብርዎም ዘለዉ እቶም ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኰይኑ ዘሎ ምስትውዓል ድማ ዘለዎም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: . . . ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ኢዮም። “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ [“ዓቢ:” NW ] ጸበባ ዝመጹ እዮም።” ዓስቢ ዝረኽቡኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ንሳቶም እውን ኣብቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ብምርኣይ ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ’ ኢዮም። ከም ልኡኻት ብርሃን መጠን ንሳቶም እውን “[ንኣምላኽ] ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ”—ራእይ 7:4, 9, 14, 15
ልኡኻት ሰላም ዝብሃሉ
4. (ሀ)እቶም ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ ልኡኻት ሰላም ዝብሃሉ ዝፈሽሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኤፌሶን 4:18, 19 ሎሚ ብኸመይ ኢያ ትፍጽሞ፧
4 ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ናይ ሰይጣን ዓለማዊ ኣገባብ ዘለዉ ልኡኻት ሰላም ዝበሃሉኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 33 ቍጽሪ 7 ከምዚ ነንብብ:- “እንሆ: ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ: ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ አለዉ።” እዝስ ነቶም ሰላም ንምምጻእ ካብ ሓንቲ ናይ ዓለም ርእሰ-ኸተማ ናብታ ሓንቲ ላዕልን ታሕትን ብምባል ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ሰባት ንምግላጽ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ኣየ ከመይ ዝበለ ከንቱነት ኰን ኢዩ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቲ መሰረታዊ ጠንቅታት ኣብ ክንዲ ዝቃለስዎ ነቲ ናይ ዓለም ምልክት ሕማማት ጥራይ ኢዮም ክፍውሱ ዝጽዕሩ። ቀዳማይ ነገር: ብዛዕባ ህላወ ናይቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምባል ዝገለጾ ሰይጣን ዕዉራት ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሰይጣን ኣብ ማእከል ሰባት ዘርኢ እከይ ዘሪኡ ኢዩ: እዚ ድማ ንብዙሓት መራሕቲ ሓዊስካ: መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣብ ኤፈሶን 4:18, 19 ዘሎ መግለጺ ከም ዝበቕዕዎ ገይሩ ኢዩ:- “ንሳቶም: ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም: ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።”
5. (ሀ) ሰብኣዊ ማሕበራት ከም መምጻእቲ ሰላም መጠን ዝፈሽሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) መዝሙር 37 እንታይ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፧
5 ነቲ ሎሚ ኣዝዩ ገኒኑ ዘሎ ስስዐ: ህርፋን: ከምኡውን ጽልኢ ካብ ልቢ ሰባት ምሕዩ ከጥፍኦ ዝኽእል ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ማሕበር የለን። ፈጣሪና እቲ ልዑል ጐይታ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ከምኡ ክገብር ዝኽእል! ብተወሳኺ: ንመምርሒኡ ክግዝኡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ድማ: እቶም ካብ ማእከል ደቅሰብ ትሑታት ዝዀኑ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም። ኣብ መዝሙር 37:9-11 ናይ እዚኣቶምን ናይቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ እኩያትን ውጽኢት ብምንጽጻር ተዘሪብሉ ኣሎ:- “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”
6, 7. ናይ ዓለም ሃይማኖታት ከም ልኡኻት ሰላም ኣብ ምዕያይ ከም ዝፈሸላ ዘብርህ እንታይ መዝገብ ኢዩ፧
6 እምበኣር: ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይዛ ትስሓግ ዘላ ዓለም ልኡኻት ሰላም ክርከቡ ይኽእሉ ደዀን ይዀኑ፧ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ሃይማኖት ተመዝጊቡ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ ሃይማኖት ኣብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት እተገብረ ምፍሳስ ደም ግደ ከም ዘለዋ: ናይ መብዛሕትኡ ምፍሳስ ደም መለዓዓሊት ከም ዝዀነት እውን ከይተረፈ ታሪኽ የርኢ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ናይ 30 ነሓሰ 1995 ሰሙን ዝወጸ ክሪስችያን ሴንችሪ: ብዛዕባ ህውከት ናይ ዩጎዝላቭያ ነበር ጸብጻብ ከቕርብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ኣብቲ ሰርብያውያን ዝቈጻጸርዎ ቦዝንያ: ኣቕሽሽቲ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ባዕሉ እተሸመ ባይቶ ኢዮም ኮፍ ዝብሉ: ኣብቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣሃዱታት ውግእን ኣጽዋርን ዝባረኸሉ ግንባራት እውን ይርከቡ ኢዮም።”
7 ኣብ ኵነታት ናይታ 80 ካብ ሚእቲ ካቶሊክ ምዃና እትፍለጥ ሩዋንዳ ጽቡቕ ገይሩ ከም እተራእየ: ህዝበ-ክርስትያን ንሓደ ክፍለ-ዘበን ዝኣክል ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ናይ ሚስዮናውነት ዕዮ እውን ዝሐሸ ፍረ ኣይተረኽቦን። ናይ 7 ሓምለ 1995 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ኣብ ልዮንስ [ፈረንሳ] እትሕተም ጎልያ እተባህለት ሻራ ዘይብላን ብቤተ-ክርስትያን ዘይትሕተምን ናይ ካቶሊክ መጽሔት: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ምትሕርራድ ቀቲሎም ወይ ኣተባቢዖም ኢዮም ዝበለቶም ተወሰኽቲ 27 ሩዋንዳውያን ኣቕሽሽትን ኣርባዕተ ደናግልን እንታዎት ምዃኖም ክትፈልጥ መደበት።” ኣፍሪካን ራይትስ እተባህለ ኣብ ለንደን ዝርከብ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ ማሕበር እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሃበ:- “ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ርእሲ እቲ ስቕ ኢለን ምርኣየን: በቲ ገለ ካብ ኣቕሽሽተንን ኣገልገልተንን ደናግለንን ኣብቲ ዓሌታዊ ምጽናት ዝገበርዎ ንጡፍ ምትሕብባር ብሓላፍነት ክሕተታ ኣለወን።” እዚ ምስቲ ናይ የሆዋ ሓቀኛ ልኡኽ ዝዀነ ኤርምያስ ንነገስታታ: ካህናታ: ከምኡውን ንነብያታ ብምጥቃስ ‘ነውሪ’ እስራኤል ክገልጽ ከሎ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኵነታታ ይመሳሰል: ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ።”—ኤርምያስ 2:26, 34
8. ኤርምያስ ልኡኽ ሰላም ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ኤርምያስ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ጥፍኣት ነብዪ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ: እንተዀነ ግን ናይ ኣምላኽ ልኡኽ ሰላም ተባሂሉ እውን ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ሰላም ክንድቲ ኢሳይያስ ቅድሚኡ እተዛረቦ ዝኸውን ግዜ ጠቒሱ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ፍርዲ ንምእዋጅ ብኤርምያስ ተጠቒሙ ኢዩ: ከምዚ ድማ ይብል:- “እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እተሰርሓትላ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ብሰሪ እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ምስ ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን: ኬቘጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ እከይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ: ቍጥዓይን ነድረይን ኣለዓዐለትለይ።” (ኤርምያስ 32:31, 32) እዚ ጽላሎት ናይቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ መራሕትን ኣቕሽሽትን ናይዛ ሎሚ ዘላ ህዝበ-ክርስትያን ዘውርዶ ፍርዲ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ ሰላም ንኽሰፍን: እዞም መለዓዓልቲ እከይን ዓመጽን ክእለዩ ኣለዎም! ብርግጽ ልኡኻት ሰላም ኣይኰኑን።
ሕ.ሃ. መምጺኢት ሰላም ድያ፧
9. ሕ.ሃ. ልእኽቲ ሰላም ኢየ ዝበለት ብኸመይ ኢያ፧
9 ሕቡራት ሃገራትከ ናይ ሓቂ ልእኽቲ ሰላም ክትከውንዶ ኣይምኸኣለትን፧ ድሓር ከኣ: እቲ ንሂሮሺማ ዘዕነዋ ኣቶሚክ ቦምባ ቅድሚ ምትኳሱ 41 መዓልትታት: ኣብቲ ብሰነ 1945 ዝቐረበ ናይ ቻርተራ መእተዊ ዕላምኣ “ዝስዕብ ወለዶታት ካብ ናይ ውግእ መቕዘፍቲ ንምድሓን” ምዃኑ ገሊጻ ኢያ። እተን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ክዀና ትጽቢት ዝግበረለን ዝነበረ 50 ዝዀና ሃገራት “ኣህጉራዊ ሰላምን ደሓንን ንምዕቃብ ሓይለን ከተሓባብራ” ነበረን። ሎሚ ሕ.ሃ. ንሓደ ዕላማ እተወፈያ ኢየን ዝበሃላ 185 ኣባል ሃገራት ኣለዋኣ።
10, 11. (ሀ)ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንሕ.ሃ. ዘለዎም ደገፍ ብኸመይ ኢዮም ዘስምዑ፧ (ለ) ጳጳሳት ነቲ “ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት” ኣብ ዘይግቡእ ዘውዓልዎ በየናይ መገዲ ኢዮም፧
10 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ብሃይማኖታውያን መራሕቲ ዝለዓለ ደገፍ ረኺባ ኢያ። ብ11 ሚያዝያ 1963 ጳጳስ ዮሃንስ መበል 23 “ፓከም ኢን ተሪስ ” (ሰላም ኣብ ምድሪ) ዘርእስታ መልእኽቲ ጳጳስ ፈረመ: ኣብኣ ድማ ከምዚ በለ:- “ውድብ ሕቡራት ሃገራት—ብኣወቓቕራኣን ዓቕሚ ገንዘባን—ንኣገዳስነትን ልዑልነትን ዕማማታ ናይ ምክያድ ክእለት ክህልዋ ልባዊ ባህግና ኢዩ።” ጸኒሑ: ሰነ 1965 ንገለ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ኣቢሉ ዝኸውን ይውክሉ ኢዮም እተባህሉ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ: ሕ.ሃ. ዝጀመረትሉ መበል 20 ዓመት ኣብዓሉ። ከምኡውን ጳጳስ ጳውሎስ 6ይ: ብ1965 ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ “ንስኒትን ሰላምን እትኸውን ናይ መወዳእታ ተስፋ” ብምባል ገለጻ። ብ1986 ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ 2ይ ነቲ ናይ ሕ.ሃ. ኣህጉራዊ ዓመት ሰላም ንምክያድ ተሓባበረ።
11 እንደገና ኣብቲ ብጥቅምቲ 1995 ዝገበሮ ምብጻሕ: እቲ ጳጳስ ከምዚ በለ:- “ሎሚ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ኢና እነብዕል ዘሎና።” ብሓቂ ግን ናይታ መንግስቲ ብስራት ዝሓዘ ልኡኽ ኣምላኽ ድዩ፧ ነቲ ናይ ዓለም ግድላት ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ: ከምዚ በለ:- “ነዚ ዓበይቲ ጸገማት ክንጋጠሞ ከሎና: ከመይ ኢልና ኢና እሞ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ግደ ኣፍልጦ ከይሃብና ክንሓልፍ እንኽእል፧” ናይቲ ጳጳስ ምርጫ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰነትስ ሕቡራት ሃገራት ኢያ።
ምኽንያታት ናይ ‘ኣምሪርካ ምብካይ’
12, 13. (ሀ) ሕ.ሃ. በቲ ኣብ ኤርምያስ 6:14 ተገሊጹ ዘሎ መገዲ እተመላለሰት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ናይ ሕ.ሃ. መሪሕነት ኣብ መግለጺ ናይ ኢሳይያስ 33:7 እቱው ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
12 እቲ ናይ መበል 50 ዝክረ-ዓመት ሕቡራት ሃገራት “ሰላም ኣብ ምድሪ” ንኽህሉ ናይ ሓቂ ተስፋ ክህብ ኣይከኣለን። ሓደ ምኽንያት ኣብ ቶሮንቶ ስታር እተባህለ ናይ ካናዳ ጋዜጣ ዝጽሕፍ ሰብ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ሕ.ሃ. ናይ ሰብ ኣረሜንነት ምስ ኣጋጠሞ ዝጓዝም ጓህማም ኣንበሳ ኢያ: እንተዀነ ግን ቅድሚ ምንካሳ ኣባላታ ኣስናን ከእትውላ ኢያ ትጽበ።” ወትሩ እቲ መንከስቲ ዘየሕምምን ኣዝዩ ዝሑልን ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣገባብ ዘለዉ “ልኡኻት ሰላም” ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ: ነቲ ኣብ ኤርምያስ 6:14 ዝርከብ ቃላት ኢዮም ዘቃልሑ ዘለዉ:- “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም ሰላም እናበሉ: ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ አለዉ።”
13 ብተኸታታሊ ዝመጹ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፍቲ: ሕቡራት ሃገራት ዕውቲ ክትከውን ጽዒሮም ኢዮም: ነዚ ድማ ብዘይጥርጥር ብቕንዕና ኢዮም ገይሮምዎ። እንተዀነ ግን እተን ብዙሕ እተፈላለየ ዕላማታት ዝሓዛ 185 ኣባል ሃገራት ንውግእ ብኸመይ ደረት ከም ዝግበረሉ: ንስርዓተ-ፖሊሲ: ከምኡውን ንኣገባብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝምልከት ኣብ መንጎአን ዘሎ ቀጻሊ ምጕንፋጥ: ነቲ ናይ ዓወት ተስፋታት ኣብ መዋጥር ኢዩ ዘእትዎ። ኣብቲ ናይ 1995 ዓመታዊ ጸብጻቡ እቲ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ዝነበረ: ብዛዕባ ምጕዳል ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ “ፍርሂ ናይ ዓለምለኸ ኒዩክሌራዊ መቕዘፍቲ” ክጽሕፍ ከሎ “ሃገራት ንቑጠባውን ማሕበራውን ዕቤት ናይ ኵሎም ደቅሰብ ሓቢረን ንኽሰርሓ” መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ ገለጸ። ቀጺሉ ግን ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “እቲ ዘሕዝን: ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ጸብጻብ ኵነታት ዓለም: ነዞም ተስፋ ዝነበሮም ትጽቢታት እዚኣቶም መሊሱ ኣጸልመቶም።” ብሓቂ: እዞም ልኡኻት ሰላም ዝበሃሉ “ኣምሪሮም ይበኽዩ” ኣለዉ።
14. (ሀ) ሕ.ሃ. ብገንዘብ ይኹን ብስነ-ምግባር ጠፊሻ ኢያ ክብሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኤርምያስ 8:15 ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧
14 ኣብቲ ዘ ኦረንጅ ካውንቲ ረጂስተር እተባህለ ናይ ካሊፎርንያ ጋዜጣ ዝወጸ ኣርእስቲ ከምዚ ይንበብ:- “ሕ.ሃ. ብገንዘብ ይኹን ብስነ-ምግባር ጠፊሻ ኢያ ዘላ።” እታ ዓንቀጽ ካብ 1945 ክሳዕ 1990 ኣብ ዝነበረ ግዜ: ልዕሊ 30 ሚልዮን ህይወት ዘጥፍአ 80 ውግኣት ምንባሩ ትገልጽ። እታ ዓንቀጽ ሓሳባት ናይ ሓደ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1995 ሕታም ሪደርስ ዳይጀስት “እቲ ሕቡራት ሃገራት እትገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒታት ‘በቶም ዘይብቑዓት ሓለፍቱ: ስርዓት ዘይብሎም ወተሃደራቱ: ምስቶም ወረርቲ ብዝገብሮ ሕብረት: በቲ ንግፍዒ ኣብ ምክልኻል ዘርእዮ ስንፍና: ሓድሓደ ግዜ ድማ ራዕዲ ዝውስኽ ነገራት እውን ከይተረፈ ብምግባር ከም ዝፍለጥ ዝገለጸ’” ጸሓፊ ትጠቅስ። “ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ‘ናይ ምብኻን: ምትላል: ከምኡውን ብዘይ ግቡእ ምጥቃም ሒዝዎ ዘሎ ዓቐን ዓብላሊ ኢዩ።’ ” ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ “ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 50 ዓመት” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘለዎ ሓደ ክፋሉ “ጕድለት ምምሕዳርን ምብኻንን ነቲ ዝበለጸ ህቃነታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ባሕጒግዎ ኢዩ” በለ። ዘ ታይምስ ናይ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ከኣ: ንሓንቲ ዓንቀጽ “ኣብ ሓምሳ ዓመታ ጌና ዘይደልደለት—ሕ.ሃ. ኣብቲ ንቡር ኵነታታ ንኽትምለስ ናይ ምውስዋስ ኣካላት ፕሮግራም የድልያ ኣሎ” ዝብል ቃላት ዝሓዘ ኣርእስቲ ሃባ። ብሓቂ: ከምቲ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 8 ቍጽሪ 15 እነንብቦ ኢዩ:- “ሰላም ተጸቤና: ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና: እንሆ ኸኣ: ስምባድ ኰነ።” ናይ ኒዩክሌራዊ መቕዘፍቲ ስግኣት ድማ ገና ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ኣንጠልጢሉ ኢዩ ዘሎ። ብርግጽ: ሕቡራት ሃገራት እታ ንወድሰብ እተድልዮ ልኡኽ ሰላም ኣይኰነትን።
15. ጥንታዊት ባቢሎንን እታ ሃይማኖታዊት ዘርኣ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎንን ኣዕነውትን መዐንዘዝትን ምዃነን ዘረጋገጻ ብኸመይ ኢየን፧
15 ውጽኢት ናይዚ ዅሉኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧ ትንቢታዊ ቃል የሆዋ ንጹር ኢዩ። ብመጀመርታ: ነተን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕቡራት ሃገራት ጥብቂ ዕርክነት ዘለወን ናይ ዓለም ሓሶት ሃይማኖታት እንታይ ኢዩ ዝጽበየን ዘሎ፧ ዘርኢ ናይታ ጣኦታዊት ምንጪ ዝዀነት ጥንታዊት ባቢሎን ኢየን። ኣብ ራእይ 17:5 ብልክዕ “ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን” ተባሂለን ተገሊጸን ኣለዋ። ኤርምያስ ጥፍኣት ናይዛ ግብዝቲ ማሕበር ገሊጹ ኣሎ። ሃይማኖታት ልክዕ ከም ሓንቲ ኣመንዝራ: ንሕ.ሃ. እናሸሓራን ምስተን ኣባላታ ዝዀና ፖለቲካውያን ሓይልታት ውጉዝ ርክባት እናገበራን ንናይ ምድሪ ፖለቲካውያን ኣስሒተን ኢየን። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ እተገብረ ውግኣት ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርወን። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ነቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሃይማኖታዊ ውግእ ብምጥቃስ ከምዚ በለ:- “ካርል ማርክስ ሃይማኖት ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኦፕዩም ኢዩ ብምባል ገለጾ። እዚ ሓሳባት እዚ ግን ልክዕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ኦፕዩም መዐንዘዚ ኢዩ ንሰባት ከኣ ከም ዝድንዝዙ ገይሩ የህድኦም። ሃይማኖት ግን ዝያዳ ከምቲ ክራክ ኮኬይን እተባህለ ሓሽሽ ኢዩ። እዚ ዘይበሃል ዓመጽ ዝፍኑን ኣዝዩ መዕነዊ ሓይልን ኢዩ።” እዚ ጸሓፊ እዚ እውን ገና ልክዕ የለን። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክልቲኡ ማለት ኣዕናዊ ከምኡውን መዐንዘዚ ኢዩ።
16. ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ሕጂ ካብ ዓባይ ባቢሎን ክሃድሙ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ራእይ 18:4, 5 እውን ርአ።)
16 ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ድኣ እሞ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ እቲ ልኡኽ ኣምላኽ ዝዀነ ኤርምያስ መልሲ ይህበና:- “ካብ ባቢሎን ህደሙ: ነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ።” ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ዶባት ናይ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምህዳሞም ሕጕሳት ኢና። ሓደ ካብዚኣቶም ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኴንካ ዓባይ ባቢሎን ንህዝብታት ምድሪ ክሳዕ ክንደይ ተንኪፋቶም ከም ዘላ ካብቲ “ህዝብታት ካብ ወይና ሰተዩ: ስለዚ ኸኣ ኣህዛብ ዐበዱ” ዝብል መግለጺ ኣጸቢቕካ ከተስተውዕል ኢኻ።—ኤርምያስ 51:6, 7
17. ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ፍርዲ ኢዩ ክፍጸም ቀሪቡ ዘሎ: ብድሕርዚኸ እንታይ ክስዕብ ኢዩ፧
17 ድሕሪ ሓጺር ግዜ: ‘ዝዓበዱ’ ኣባላት ሕ.ሃ. ከምቲ ኣብ ራእይ 17:16 ተገሊጹ ዘሎ “[እዚኣቶም] ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም:” ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መጥቃዕቲ ንምፍጻም የሆዋ ክቈጻጸሮም ኢዩ። እዚ ምጅማር ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:21 ተጠቒሱ ዘሎ: ኣብቲ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዝዀነ ኣርማጌዶን ከኣ ዝውዳእ ዓቢ ጸበባ: ከመልክት ኢዩ። ልክዕ ከምታ ጥንታዊት ባቢሎን: ዓባይ ባቢሎን ከኣ እቲ ኣብ ኤርምያስ 51:13, 25 ተነጊሩ ዘሎ ፍርዲ ከጋጥማ ኢዩ:- “ኣቲ ብመዛግባት ዝማዕበልኪ: ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘሎኺ: መወዳእታኺ: እቲ መስፈር ስስዔኺ በጺሑ እዩ። ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ ከረን ጥፍኣት: እንሆ: ናባኻ እየ: ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ: ዝሐረረ ኸረንውን ክገብረካ እየ: ይብል እግዚኣብሄር።” እዘን ብልሹዋትን መለዓዓልቲ ውግእን ዝዀና ሃገራት እውን መዓልቲ ሕነ የሆዋ ምስ ኣርከበተን ደድሕሪ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክጠፍኣ ኢየን።
18. ኢሳይያስ 48:22 ገና ክፍጸም ዘለዎ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧
18 ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:3 ብዛዕባ እቶም እኩያት ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ኣሎ:- “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።” እዚኦም እቶም ኢሳይያስ ‘እንሆ ልኡኻት ሰላም ኣምሪሮም ይበኽዩ’ ብምባል እተዛረበሎም ኢዮም። (ኢሳይያስ 33:7) ብርግጽ: ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 48:22 እነንብቦ “ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን: ይብል እግዚኣብሄር።” ነቶም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ግን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽና ክትነግረና ኢያ።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ ነብያት ኣምላኽ ንሓሰውቲ ልኡኻት በየናይ ብርቱዕ ቃላት ኢዮም ኣቃሊዖሞም፧
◻ ሰብኣውያን ማሕበራት ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝገብርኦ ፈተነ ዝፈሽላ ስለምንታይ ኢየን፧
◻ ሓቀኛታት ልኡኻት ሰላም ምስ ደገፍቲ ሕ.ሃ. ብኸመይ ይነጻጸሩ፧
◻ በቲ የሆዋ እተመባጽዖ ሰላም ባህ ምእንቲ ክብሎም እቶም ትሑታት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ኵሎም ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ከምኡውን ዳንኤል እቲ ሰባት ሰላም ንምምጻእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክፈሽል ምዃኑ ተነበዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’—ሃዋርያ ዮሃንስ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልሊ]
“ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ”—ሃዋርያ ጳውሎስ