ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/5 ገጽ 4-8
  • ኣብ ሪኢንካርነሽን ክትኣምን ኣለካዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሪኢንካርነሽን ክትኣምን ኣለካዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ምንጭን መሰረትን ናይ ሪኢንካርነሽን ምልላዩ
  • ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧
  • ሰባት ዝሳቐዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
  • ሰላም ዝመልኦ መጻኢ
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሪኢንካርነሽን ከም ዘሎ ይምህር ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ህይወት ድሕሪ ሞት —መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ቀደም ትነብር ከም ዝነበርካ ዲኻ እትኣምን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/5 ገጽ 4-8

ኣብ ሪኢንካርነሽን ክትኣምን ኣለካዶ ኢዩ፧

እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ፕላቶ ምፍቃር ምስ ናይ ሪኢንካርነሽን ሓሳባት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ነፍሲ ዘይትመውት ስለ ዝዀነት ኣካላት ምስ ሞተ ናብቲ “ፍጹም ዝዀነ ቅርጽታት ዝርከቦ ቦታ ኢያ” ትግዕዝ ዝብል እምነት ነበሮ። ኣብኡ ካብቲ ቅርጽታት እናመረጸት: ንግዜኡ ብዘይ ኣካላት ትጸንሕ። ዳሕራይ ብኻልእ ኣካላት እንደገና ምስ ተወለደት: እታ ነፍሲ ዳርጋ ከይተረድኣ ነቲ ቅርጽታት ዝርከቦ ቦታ ትዝክሮን ትብህጎን። ከም ኣበሃህላ ፕላቶ ሰባት ብፍቕሪ ዝተሓዙሉ ምኽንያት ነቲ ኣብቲ ዘፍቀርዎ ሰብ ዝረኣይዎ ቅርጺ ነቲ ኣብቲ ናይ ፍጹም ቅርጽታት ቦታ ዝረኣይዎ ጽባቐ ይዝክርዎን ይናፍቕዎን ስለ ዝዀኑ ኢዩ።

ነቲ ምንጭን መሰረትን ናይ ሪኢንካርነሽን ምልላዩ

ናይ ሪኢንካርነሽን ትምህርቲ ነፍሲ ዘይትመውት ክትከውን ከም ዘለዋ ኢዩ ዝገልጽ። ስለዚ እምበኣር: ምንጪ ናይ ሪኢንካርነሽን ካብቶም ናይ ነፍሲ ዘይሙማት ዝኣምኑ ሰባት ወይ ሃገራት ክኸውን ኣለዎ። በዚ መሰረት እዚ ድማ ገሊኦም ካብ ጥንታዊት ግብጺ ኢዩ መኒጩ ይብሉ። ካልኦት ድማ ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ኢዩ ጀሚሩ ይብሉ። እቶም ናይ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ካህናት: ሃይማኖቶም ክብሪ ዘለዎ ንምግባር ነፍሲ ዳግም ትውለድ ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ኣማዕበሉ። ስለዚ ድማ እቶም ናይ ሃይማኖቶም ጀጋኑ ሰባት: ዳግም እተወልዱ ናይ ቀደም ፍሉጣት ዝነበሩ ዝሞቱ ኣባሓጎታት ምዃኖም ይዛረቡ።

ይኹን እምበር: እዚ ናይ ሪኢንካርነሽን እምነት ኣጸቢቑ ዝዓንበበ ኣብ ህንዲ ኢዩ። እቶም ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ምስቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ሕማቕን ስቓይን ዝሓዘ ኣድማሳዊ ግድላት ይቃለሱ ነበሩ። ‘እዚ ምስቲ ናይቲ ጻድቕ ፈጣሪ ሓሳባት ብኸመይ ክሰማማዕ ይኽእል፧’ ኢሎም ሓተቱ። ነቲ ኣብ መንጎ ጽድቂ ኣምላኽ ከምኡውን ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይርአ ቅዝፈታትን ዘይማዕረነትን ዘሎ ግርጭት ክፈትሕዎ ጸዓሩ። ጸኒሖም: “ሕጊ ካርማ” ማለት ብዛዕባ ጠንቅን ውጽኢትን ዝገልጽ: ‘ሰብ ዝዘርኦ ዘበለ ክዓጽድ ኢዩ’ ዝብል ሓሳባት ዘለዎ ሕጊ መሃዙ። ሓደ ሰብ ኣብቲ መጻኢ ህይወቱ ዓስቢ ዝወሃበሉ ወይ ድማ ዝቕጸዓሉ ዝርዝራዊ ዝዀነ ናይ ጽቡቕ ጠባይን ሕማቕ ጠባይን ዝገልጽ ‘መምዘኒ ወረቐት’ ከኣ ኣዳለዉ።

“ካርማ” ብሓጺሩ “ተግባር” ማለት ኢዩ። ሓደ ሂንዱ ጽቡቕ ካርማ ኣለዎ ዝበሃል ነቲ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ስርዓታት ዝእዘዝ እንተዀይኑ ኢዩ: እንተ ዘይተኣዚዙ ግን ሕማቕ ካርማ ኣለዎ ይብሃል። ተግባራቱ ወይ ድማ ዘርእዮ ካርማ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድሕሪ ዳግም ምውላድ ዝህልዎ መጻኢ ህይወት ዝውስን ኢዩ። ፈላስፋ ኒኪላነንድ “ኵሎም ሰባት ኣቐዲሙ እተወሰነ ጠባያት ሒዞም ኢዮም ዝውለዱ: እዚ ድማ ዋላ እኳ ኣካላዊ ጠባዮም ብውርሻ ዝውሰን እንተዀነ ብዓቢኡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቶም ዝገብርዎ ተግባራት ኢዩ ዝዳሎ። [ስለዚ ድማ] ሓደ ሰብ ንናይ ገዛእ ርእሱ ጽሕፍቶ ወጣኒ ኢዩ: ንናይ ባዕሉ ዕድሎት ሃናጺ ኢዩ” ይብል። እቲ ዝለዓለ ሸቶ ግን ካብዚ ዑደት እዚ ሓራ ኴንካ ምስ ብራህማን​—ዝለዓለ ህላወ​—⁠ንምሕባር ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ተቐባልነት ዘለዎ ማሕበራዊ ጠባይ ክትሰማማዕ ከምኡውን ነቲ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ሂንዱ ፍልጠት ንምሓዝ ኢልካ ብምጽዓር ኢዩ ዝርከብ።

ስለዚ እምበኣር: ትምህርቲ ሪኢንካርነሽን ነቲ ነፍሲ ከም ዘይትመውት ዝገልጽ ሰረተ⁠-እምነት ከም መሰረት ገይሩ ይጥቀመሉ: ብሕጊ ካርማ ተጠቒሙ ድማ የማዕብሎ። እምበኣር: ብዛዕባ እዚ ሓሳባት እዚ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: እንታይ ከም ዝብል ንርአ።

ነፍሲ ዘይትመውት ድያ፧

ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ: ነቲ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝለዓለ ፍልጠት ዘለዎ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ፈጣሪ ቃል ንርአ። ኣብታ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘፍጥረት: እቲ ልክዕ ዝዀነ ትርጕም ናይ “ነፍሲ” እንታይ ምዃኑ ንማሃር። ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ናይቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ: ኣዳም: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:⁠- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” (ዘፍጥረት 2:7) ብንጹር እምበኣር: ነፍሲ ኣብ ሰብ ዘላ ዘይኰነትስ: ባዕሉ እቲ ሰብ ኢዩ። እታ ኣብዚ ንነፍሲ ንምግላጽ ኣትያ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ነ ʹፈሽ ኢያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ 700 ዝኸውን ግዜ ተጠቒሳ ኣላ: ንሓንቲ እተፈልየት: ዘይትተሓዝ ክፍሊ ናይ ሰብ ድማ ፈጺማ ኣይተስምዕን ኢያ: ኣብ ክንድኡ ግን ኵሉ ግዜ ንሓደ ዝተሓዝን ኣካላውን ነገር ኢያ እተስምዕ።​—እዮብ 6:⁠7፣ መዝሙር 35:⁠13፣ 107:⁠9፣ 119:⁠28

ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት እንታይ ትኸውን፧ ኣዳም ምስ ሞተ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ርአ። ምስ ሓጥአ ኣምላኽ ‘ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ትምለስ: መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ’ በሎ። (ዘፍጥረት 3:⁠19) እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ እሞ ሕሰበሉ። ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ሓመድ ከይፈጠሮ ከሎ: ኣዳም ኣይነበረን። ድሕሪ ሞቱ ድማ ኣዳም ናብቲ ናይ መጀመርታ ዘይምህላው ተመልሰ።

ብቐሊል ኣገላልጻ መጽሓፍ ቅዱስ ሞት ኣንጻር ህይወት ምዃኑ ኢዩ ዝምህር። ኣብ መክብብ 9:5, 10 ከምዚ ነንብብ:⁠- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”

እዚ ድማ ምዉታት ዝዀነ ይኹን ነገር ክገብሩ ወይ ክስምዖም ኣይክእልን ማለት ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ዝዀነ ይኹን ሓሳብ የብሎምን: ወይ ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይዝክሩን ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ።”​—መዝሙር 146:⁠3, 4

መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ከም እትመውት ድኣምበር ናብ ካልእ ኣካል ከም ዘይትግዕዝ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣበርቲዑ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ብምባል ይገልጽ። (ህዝቅኤል 18:⁠4, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:23፣ ራእይ 16:⁠3 NW ) ስለዚ እምበኣር: እቲ ነፍሲ ከም ዘይትመውት ዝገልጽ ሰረተ⁠-እምነት​—ቀንዲ መሰረት ናይ ሪኢንካርነሽን —ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዀነ ይኹን ደገፍ የብሉን። ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት እንተድኣ ዘየልዩ ድማ ናይ ሪኢንካርነሽን ክልሰ⁠-ሓሳብ ይፈርስ ኢዩ። እሞ እዚ እንርእዮ ዘሎና ስቓይ ድኣ እንታይ ኢልካ ኢዩ ዝግለጽ፧

ሰባት ዝሳቐዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ደቅሰብ ስቓይ: ኵላትና ካብቲ ሓጥእ ኣዳም ዘይፍጽምና ምውራስና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ’ ይብለና። (ሮሜ 5:⁠12) ካብ ኣዳም እተወለድና ብምዃንና ኵላትና ንሓምም: ንኣርግ: ከምኡውን ንመውት።​—መዝሙር 41:⁠1, 3፣ ፊልጲ 2:⁠25⁠-​27

ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዘይነቓነቕ ናይ ፈጣሪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕጊ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ።” (ገላትያ 6:7, 8) ስለዚ ኣዝዩ ጽዩቕ ዝዀነ ናብራ ምንባር ስምዒታዊ ጭንቀት: ዘይተደልየ ጥንሲ: ከምኡውን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ሳይንቲፊክ ኣመሪካን እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) “[ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ] 30 ካብ ሚእቲ ናይቲ ብሰንኪ መንሽሮ ዘጋጥም ሞት ናይ መጀመርታ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ሽጋራ ምትካኽ ኢዩ: ምስ እዚ ዝመዓራረ ኣሃዝ ድማ ብስንኪ ኣነባብራ: ብፍላይ ጽቡቕ ኣመጋግባ ብዘይምህላውን ምውስዋስ ኣካላት ብዘይምግባርን: ዝመጽእ ኢዩ” ይብል። ገለ ስቓይ ዘስዕቡ ዕንወታት ድማ ብስንኪ ሰብ ዝገብሮ ጕድለት ኣተሓሕዛ ሃብቲ ምድሪ ዝመጽእ ኢዩ።​—ምስ ራእይ 11:18 ኣረኣእዮ።

እወ: ናይ ዝበዝሕ ሽግራት ተሓታቲ ሰብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነፍሲ መዋቲት ስለ ዝዀነት እቲ ‘ዝዘራእካዮ ምዕጻድ’ ዝብል ሕጊ ንስቓይ ሰብ ምስ ካርማ​—ኣብቲ ናይ ቀደም ህይወት ዝገበርካዮ ተግባራት ዝበሃል​—⁠ንምትሕሓዝ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ብምባል ይገልጽ። (ሮሜ 6:7, 23) ስለዚ ፍረ ናይ ሓጢኣት ናብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ክመሓላለፍ ኣይክእልን ኢዩ።

ሰይጣን ድያብሎስ እውን ብዙሕ ስቓይ የምጽእ ኢዩ። አረ እዛ ዓለም እዚኣስ ብሰይጣን ኢያ ተታሒዛ ዘላ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ ‘ስለ ስሙ ኵሉ ሰብ ክጸልኦም ኢዩ።’ (ማቴዎስ 10:22) ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ጻድቕ ካብቲ ሓጥእ ንላዕሊ ግድላት የጋጥሞ ኢዩ።

ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጠንቅታቱ ብቐሊሉ ዘይፍለጥ ገለ ፍጻመታት የጋጥም ኢዩ። ንፉዕ ተቐዳዳማይ ተዓንቂፉ ክሰዓር ይኽእል ኢዩ። ኣዝዩ ብርቱዕ ሰራዊት ብዘይጠቕሙ ሓይልታት ክሰዓር ይኽእል ኢዩ። ሓደ ጥበበኛ ሰብ ጽቡቕ ስራሕ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ብጥሜት ክሳቐ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ንግድ ምምሕዳር ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ብዘጋጥም ኵነታት ምኽንያት ፍልጠቶም ኣይጥቀምሉን: ስለዚ ድማ ኣብ ድኽነት ክወድቁ ይኽእሉ ኢዮም። ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ቍጥዓ ናይ ሰበ⁠-​ስልጣን ይወርዶም እሞ ስምረት ኣይረኽቡን ይዀኑ። እዚ ዝኸውን ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ብምባል ይምልስ።​—መክብብ 9:11

ናይ ሂንዱ ጥበበኛታት ስለምንታይ ስቓይ ከም ዘሎ ክገልጹ ቅድሚ ምፍታኖም ሰባት ይሳቐዩ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ዝሓሸ መጻኢ ንምርካብ ተስፋ ኣሎዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ ንምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ሒዙሎም ዘሎ፧

ሰላም ዝመልኦ መጻኢ

ፈጣሪ ነዚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ናይ ሰይጣን ምቍጽጻር ዘሎ ናይ ዓለም ሕብረተሰብ መወዳእታ ክገብረሉ ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ምሳሌ 2:21, 22፣ ዳንኤል 2:⁠44) ኣብቲ ግዜ እቲ ጽድቂ ዘለዎ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ​—⁠‘ሓድሽ ምድሪ’​—⁠ብሓቂ ክህሉ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣብቲ እዋን እቲ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:24) ናይ ሞት ሓዘን እውን ከይተረፈ ከልግስ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—ራእይ 21:4

ብዛዕባ እቶም ኣብታ ኣምላኽ ተመባጺዑላ ዘሎ ገነት ዝህልዉ ነበርቲ እቲ ጻሓፍ መዝሙር ኣቐዲሙ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” በለ። (መዝሙር 37:⁠29) ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ትሑታት ሰባት “ብብዝሒ ሰላም . . . ደስ ኪብሎም እዩ።”​—መዝሙር 37:⁠11

ኣብታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሙካንድባይ: ነቲ ዘደንቕ ዕላማታት ኣምላኽ ከይፈለጠ ኢዩ ሞይቱ። እንተዀነ ግን: እቶም ንኣምላኽ ከይፈለጡ ዝሞቱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ሰላማዊት ሓዳስ ምድሪ ክትንስኡ ኢዮም: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንጻድቃንን ሓጥኣንን ትንሳኤ ክኸውን’ ኢዩ ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።​—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ሉቃስ 23:⁠43

እታ ኣብዚ “ትንሳኤ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ እታ ኣ ·ና ʹስታ·ሲስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ: ቃል ብቓሉ ትርጕማ ድማ “እንደገና ምትንሳእ” ማለት ኢያ። ስለዚ እምበኣር ትንሳኤ ናይቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ ናብራ ኣገባብ እንደገና ከም ዝጅምር ምግባር ዘጠቓለለ ኢዩ።

እቲ ናይ ሰማይን ምድርን ፈጣሪ ዘይውዳእ ጥበብ ኢዩ ዘለዎ። (እዮብ 12:⁠13) ኣገባብ ናብራ ናይቶም ምዉታት ከመይ ከም ዝነበረ ምዝካር ንዕኡ ከቢድ ኣይኰነን። (ምስ ኢሳይያስ 40:26 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ እውን ዝዓዘዘ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ ድማ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ናይ ምዝካር ክእለቱ ንምዉታት ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ንምቕጻዕ ዘይኰነስ ነቲ ቅድሚ ሙማቶም ዝነበሮም ባህርይ ሒዞም ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ከም ዝትንስኡ ንምግባር ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ።

ነቶም ከም ሙካንድባይ ዝኣመሰሉ ሚልዮናት ሰባት ትንሳኤ ማለት ምስ ዘፍቅርዎም ሰባት እንደገና ምርኻብ ማለት ክዀነሎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቶም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ እንታይ ማለት ከም ዝኸውን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንኣብነት: ኵነታት ናይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገልጽ ዘደንቕ ሓቅን ዕላማታትን እተማህረ ወዲ ሙካንድባይ ውሰድ። ኣቡኡ ኣብ ሓደ ብእከይን ስቓይን እተኸበ ዘይውዳእ ናይ እንደገና ምውላድ ዑደት ከም ዘይኣተወ ምፍላጡ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ንሱ ደቂሱ ትንሳኤ ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃሮ ሓደ መዓልቲ ምስ ኣቡኡ ኰይኑ ክመያየጠሉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሶ!

“ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4) ንስኻ: ምስቶም ድሮ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ሓቢርካ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ብኸመይ ንዘለኣለም ክትነብር ከም እትኽእል እትምሃረሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።​—ዮሃንስ 17:⁠3

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም። ”—⁠መክብብ 9:⁠11

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ባህርያት ኣምላኽን ሕጊ ካርማን

ሞሃንደስ ከይ. ጋንዲ “ሕጊ ካርማ ከተነቓንቖ ዘይከኣልን ዘይጠሓስን ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ጣልቃ ክኣቱ ኣየድልዮን ኢዩ። ነቲ ሕጊ ሂቡ ብምሳልያዊ ኣዛራርባ ካብቲ ጕዳይ ጡረታ ወጺኡ ኢዩ” ብምባል ገለጸ። ጋንዲ ነዚ ዝርብሽ ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ።

በቲ ኻልእ ወገን ከኣ እቲ ናይ ትንሳኤ መብጽዓ ኣምላኽ ኣብ ፍጡራቱ ዓሚቝ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኢዩ ዘርኢ። ንሓደ ዝሞተ ሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናብ ህይወት ክመልሶ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሰብ እቲ ኵሉ ነገር ክዝክር ኣለዎ። ብሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ይሓሊ ኢዩ።​—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሂንዱ ናይ ህይወት ዑደት

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ትንሳኤ ይምህር ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ