ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ሓንቲ መስተውዓሊት ሰበይቲ ጥፍኣት ተወግድ
ሓንቲ ኣእሙሮኛ ሰበይቲ ንሓደ ወዲ ብልያል ዝዀነ ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት—ኵነታት ናይ ኣቢጋይልን ናይ ናባልን ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ኣቢጋይል “ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት።” ናባል ከኣ ካብኣ እተፈልየ “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ።” (1 ሳሙኤል 25:3) ነዞም መጋጥምቲ ዘይኰኑ ሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት ፍጻሜ: ስሞም ከይተሓኸኸ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጽሓፍ ገበረ። እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ንርአ።
ኣፍኲስካ እተራእየ ሓገዝ
ኣብ መበል 11 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። ዳዊት ንመጻኢ ንጉስ ናይ እስራኤል ንኽኸውን ተቐቢኡ ነበረ: ኣብ ክንዲ ዝገዝእ ግን ይሃድም ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ክቐትሎ ወሲኑ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዳዊት እናሃደመ ክነብር ተገደደ። ኣብ መወዳእትኡ: ንሱን ገለ 600 ዝኾኑ ብጾቱን ኣብቲ ብደቡብ ይሁዳ ናብ በረኻ ሲናይ ገጹ ዝነበረ በረኻ ጳራን መዕቈቢ ረኸቡ።—1 ሳሙኤል 23:13፣ 25:1
ኣብኡ ኸለዉ ኸኣ ናይ ሓደ ናባል ዝብሃል ሰብኣይ ጓሶት ተጓነፍዎም። እዚ ካብ ዓሌት ካሌብ ዝዀነ ሃብታም ሰብኣይ: 3,000 ኣባጊዕ ከምኡውን 1,000 ኣጣል ነበራኦ: ኣባጊዑ ኸኣ ኣብታ ብደቡብ ኬብሮን እትርከብ ካብ ጳራን ከኣ ምናልባት 40 ኪሎ ሜተር ጥራይ እትርሕቕ ቀርሜሎስ ኢዩ ጸጕረን ዘቝርጸን ነይሩ።a ዳዊትን ሰቡን: እቶም ጓሶት ናባል ነተን መጓሴኦም ካብቶም ኣብቲ በረኻ ዝኹብልሉ ሰረቕቲ ክሕልዉወን ከለዉ ይሕግዝዎም ነበሩ።—1 ሳሙኤል 25:14-16
ኣብ መንጎኡ: ምቝራጽ ጸጕሪ ኣባጊዕ ኣብ ቀርሜሎስ ተጀሚሩ ነበረ። እዚ ልክዕ ከም ግዜ ቀውዒ ንሓረስታይ: ናይ ወኻዕካዕ ግዜ ኢዩ። ዋናታት ኣባጊዕ ነቶም ዝሰርሑሎም ዓስቢ ዝህቡሉ ግዜ ልግሲ እውን ኢዩ። ስለዚ ዳዊት ናብ ከተማ ቀርሜሎስ ከይዶም ንናባል ናይቲ ንኣባጊዑ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ምእንቲ ክኸፍሎም መግቢ ዝሓቱ ዓሰርተ ሰባት ብምልኣኹ ኣመና ምድፋር ኣይነበረን።—1 ሳሙኤል 25:4-9
ናይ ናባል ምላሽ ልግሲ ኣይነበሮን። “ዳዊት መን እዩ፧” ብምባል ኣናሸወ። ዳዊትን ሰቡን ዝሃደሙ ገላዉ ምዃኖም ድሕሪ ምዝራቡ ኸኣ ከምዚ ብምባል ሓተተ:- “እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ: ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧” ዳዊት እዚ ምስ ሰምዐ ነቶም ሰቡ ከምዚ በሎም:- “ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ።” ኣስታት 400 ሰብኣይ ከኣ ንኽዋግኡ ተቐረቡ።—1 ሳሙኤል 25:10-13
ናይ ኣቢጋይል ምስትውዓል
እቲ ናባል እተዛረቦ ናይ ብድዐ ዘረባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ሰምዓቶ። ምናልባት ናይ ናባል መተዓረቒት ኰይና ዝለመነት ንመጀመርታ ግዜኣ ኣይነበረን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኢያ ስጕምቲ ዝወሰደት። ንናባል ከይነገረት ሓሙሽተ ኣባጊዕን ብዙሕ መግብን ዝሓዘ ስንቂ ኣዳለወት: ንዳዊት ክትቅበሎ ኸኣ ናብ በረኻ ወጸት።—1 ሳሙኤል 25:18-20
ኣቢጋይል ንዳዊት ምስ ረኣየቶ ቀልጢፋ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በለት። “ጐይታይ: ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ: ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ” ብምባል ንዳዊት ለመነቶ። “እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጽ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሀብ።” ወሲኻ ኸኣ “እቲ [ናይ ናባል ጉዳይ] . . . ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን አይኹንካ” በለቶ። እታ ኣብዚ “ንምስቃቕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ እብራዊት ቃል ናይ ሕልና ምውቃስ ኢያ ተመልክት። ስለዚ ኣቢጋይል ዳዊት ድሓር ዘጣዕሶ ስጕምቲ ብሃወኽ ከይወስድ ኢያ ተጠንቅቖ ነይራ።—1 ሳሙኤል 25:23-31
ዳዊት ንኣቢጋይል ሰምዓ። ‘ኣእምሮኺ ብሩኽ ይኹን: ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው: ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ’ በላ። “ንስኺ ኽትቅበልኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጽስ: ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ።”b—1 ሳሙኤል 25:32-34
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ እዚ: ሓንቲ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ግቡእ ተበግሶ ክትወስድ ፈጺሙ ጌጋ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዘርእየና። ኣቢጋይል ኣንጻር ድሌት ሰብኣያ ኢያ ገይራ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ኣይወቕሳን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣእምሮኛን መስተውዓሊትን ሰበይቲ ብምዃና ይውድሳ። ኣቢጋይል ኣብዚ ሓደገኛ ዝዀነ ኵነታት ተበግሶ ብምውሳዳ: ብዙሕ ህይወት ኣድሒና ኢያ።
ሓንቲ በዓልቲ ቤት ብሓፈሽኡ ናይ ኣምላኻዊ ምእዛዝ መንፈስ ከተርኢ ዝግብኣ እኳ እንተዀነ: ቅኑዕ ስርዓታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ ግን ብግቡእ ምስ ሰብኣያ ከይትሰማማዕ ትኽእል ኢያ። ርግጽ ኢዩ “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ክህልዋ ክትጽዕር ኣለዋ: ብሕርቃን: ትዕቢት: ወይ ከኣ ብኣንጻርነት ጥራይ ብገዛእ ርእሳ ክትከይድ ኣይግብኣን። (1 ጴጥሮስ 3:4) ይኹን እምበር: ሓንቲ ንኣምላኽ እትፈርህ በዓልቲ ቤት: ኣዝዩ ዕሽነት ምዃኑ ወይ ከኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዝጥሕስ ምዃኑ እትፈልጦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትገብር እተገደደት ኰይኑ ክስምዓ የብሉን። ብሓቂ እቲ ናይ ኣቢጋይል ጸብጻብ: ኣንጻር እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ ከም ባሮት ኢዩ ዝገልጸን ዝብሉ ሰባት ኣፎም ዝዓብሶም ድልዱል መርትዖ ዝህብ ኢዩ።
እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ርእስኻ ምግታእ እውን ይምህረና ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ዳዊት እዚ ባህርይ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣርእይዎ ኢዩ። ንኣብነት: ብዙሕ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ነበሮ: ነቲ ሕነ ክፈዲ ሕኒን ዝብል ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ከይቀትል ኣበየ: ናይ ሳኦል ሞት ከኣ ንዳዊት ሰላም ከምጽኣሉ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 24:2-7) ካብዚ እተፈልየ ግን: ናባል ብምጽራፍ ምስ ነጸጎ: ዳዊት ዘይተጸበዮ ነገር ነበረ: ሕነ ክፈዲ ኸኣ ተማሓሓለ። እዚ ነቶም ‘ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ከንዲ ኽፉእ ከይፈድዩ’ እተነግሩ ክርስትያናት ብሩህ መጠንቀቕታ ኢዩ። ኵሉ ግዜ ነቲ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ክስዕቡ ኣለዎም።—ሮሜ 12:17-19
[እግረ-ጽሑፋት]
a በረኻ ጳራን ብሰሜን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ይበጽሕ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዝነበረ መሬት ብዝሕ ዝበለ ንመጓሰ ዝኸውን ሳዕሪ ዘለዎ ቦታ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።
b እታ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ” እትብል ሓረግ ንሰብኡት ዘመልክት ናይ እብራይስጢ ኣበሃህላ ኢዩ: ናይ ንዕቀት መግለጺ ምዃኑ ኸኣ ርዱእ ኢዩ።—ምስ 1 ነገስት 14:10 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኣቢጋይል ንዳዊት ገጸ በረኸት ኣምጽኣትሉ