ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ብዛዕባ እተን ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዋ ኣባጊዕን ኣጣልን ከነጽንዕ ከሎና ተመሲጥና ኢና። ብመንጽር እቲ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 “ግምቢ ዘብዐኛ ” ዝወጸ ሓድሽ ምርዳእ: ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ኢዮም ዝካፈሉ ዘለዉ ክንብል ንኽእልዶ፧
እወ። ማቴዎስ 25:31, 32 “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም” ስለ እትብል: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ከም ዝሓስቡ ርዱእ ኢዩ። እታ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ: እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ዓቢ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ ንዘሎ እዋን ዘመልክታሉ ምኽንያት ገሊጻ ኢያ። የሱስ ምስ መላእኽቱ ብምዃን ክመጽእ ኣብ ናይ ፍርዲ ዝፋኑ ድማ ክቕመጥ ኢዩ። ድሕርዚ: ንሰባት ክፈላልዮም ኢዩ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብመሰረት እቲ ሰባት ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ዝገበርዎ ወይ ዘይገበርዎ ነገራት ውሳነታት ክህብ ኢዩ።
ነዚ ምስቲ ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ ጕዳይ ናብ ፍርዲ ዝመርሕ ናይ ሕጋዊ መስርሕ ደረጃታት ከነወዳድሮ ንኽእል ኢና። ቤት ፍርዲ ውሳነ ቅድሚ ምሃቡ ኣብ ዝህሉ ነዊሕ እዋን ኢዩ እቲ መርትዖታት ዝውህለል። እዞም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ኣብ ዝመጽእ ኣባጊዕ ድዮም ኽዀኑ ወይስ ኣጣል ዝምልከት መርትዖ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክእከብ ጸኒሑ ኢዩ። ገና ድማ ይእከብ ኢዩ ዘሎ። የሱስ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ ግን እቲ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ምሉእ ክኸውን ኢዩ። ፍርዲ ንምሃብ ድማ ድሉው ክኸውን ኢዩ። ሰባት ከኣ ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክፈላለዩ ኢዮም።
ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:32 ተጠቒሱ ዘሎ ንሰባት ንህይወት ወይ ንሞት ናይ ምፍላይ ዕዮ ገና ንዝመጽእ ግዜ ምዃኑ: ቅድሚኡ ዝግበር ምፍልላይ: ወይ ምምቕቓል: የለን ማለት ግን ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 13: ቅድሚኡ ዝግበር ሓደ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ከም ዘሎ ትሕብር ኢያ። እቲ ዘገርም ድማ: እታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ: ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ትሕቲ እቲ “ናይ ሰባት ምፍልላይ” ዝብል ኣርእስቲ ኢያ ተዛሪባትሉ ዘላ።a እታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “የሱስ ብቐንዱ ምስቲ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣተሓሒዝዎ ዘሎ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመታት እውን ኣሎ። ሓደ ካብዚ ድማ ነቶም ‘ደቂ መንግስቲ’ ካብቶም ‘ደቂ እቲ ኽፉእ’ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ እተዛረበ ነቲ ጸላኢ ብድሕሪት መጺኡ ክርዳድ ዝዘርኣሉ ግራት ስርናይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ።”
እታ መጽሓፍ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 13:24-30 ዝርከብ ኣብ ቍጽሪ 36-43 ድማ መግለጺ ተዋሂብሉ ዘሎ ናይ የሱስ ምሳሌ ኢያ እትጠቅስ ነይራ። ኣብ ቍጽሪ 38 እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ስርናይ ንደቂ እታ መንግስቲ እቲ ኽርዳድ ከኣ ንደቂ እቲ ኽፉእ ከም ዝውክል ኣስተብህል። ቍጽሪ 39 ከምኡውን 40 ድማ ኣብ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW )—ኣብዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ—እቲ ኽርዳድ ከም እተኣከበ ኢየን ዝገልጻ። እዚኣቶም: መጀመርታ ተፈልዮም: ኣብ መወዳእታ ድማ ነዲዶም: ጠፊኦም ኢዮም።
እቲ ምሳሌ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት (እቶም ኣብቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ኣሕዋት የሱስ ተባሂሎም ዘለዉ) ዝምልከት ኢዩ። ገና ግን: እቶም ቅቡኣት ካብቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ዝዀኑ ግናኸ “ደቂ እቲ ኽፉእ” ኰይኖም እተረኽቡ ሰባት ዝልለይሉ ዘለዉ: ኣገዳሲ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ኣብዚ ግዜና ይካየድ ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ።
የሱስ ሰባት ዝመቓቐልሉ: ወይ ዝፈላለይሉ ካልእ ኣብነታት ሂቡ ኢዩ። ነታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ መገዲ ኣመልኪቱ ዝበሎ ዘክር:- “እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም።” (ማቴዎስ 7:13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝህሉ ውጽኢት ጥራይ ኣመልኪቱ እተዋህበ ሓሳብ ኣይነበረን። ልክዕ ከምቲ እቶም ሕጂ ነታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገዲ ዝረኽቡዋ ሒደት ሰባት ዝገብርዎ ዘለዉ: ንሓደ ዝቕጽል ምዕባለ ኣመልኪቱ እተዋህበ ሓሳብ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ክልእኮም ከሎ: ብቑዓት ሰባት ክረኽቡ ምዃኖም ተዛሪቡ ከም ዝነበረ እውን ዘክር። ብቑዓት ዘይኰኑ ካልኦት ድማ ነይሮም ኢዮም: ሃዋርያት ድማ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት “ንምስክር ኪኸውን” ተጐጓ ኣእጋሮም ክነግፉ ነበሮም። (ሉቃስ 9:5) ሎሚ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ከካይዱ ከለዉ ተመሳሳሊ ነገር ይፍጸም ምህላዉስ ሓቂዶ ኸይኰነ፧ ነቲ እንነግሮም መለኮታዊ መልእኽቲ ገሊኦም ጽቡቕ ምላሽ ክህብሉ ከለዉ: ካልኦት ድማ ይነጽግዎ ኢዮም።
እተን ኣብታ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እትዛረብ ግምቢ ዘብዐኛ ዘለዋ ዓንቀጻት ከምዚ ብምባል ገሊጸን ኢየን:- “ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ከም ዘሎ እቲ ፍርዲ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ግዜ ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይፍጸም ኢዩ ዘሎ። ንሕና ክርስትያናት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍልላይ ዘስዕብ: ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ ምእዋጅ ናይቲ መልእኽቲ ተሳቲፍና ኣሎና። (ማቴዎስ 10:32-39)።” የሱስ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 10 ዘሎ ሓሳብ: ሰዓቢኡ ምዃን ምፍልላይ—ኣቦ ኣንጻር ወዲ: ጓል ኣንጻር ኣደ—ከም ዘምጽእ ምዝራቡ ነንብብ ኢና።
ኣብ መወዳእታ: ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝግበር ስብከት መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ግንባር ቀደም ኰይኖም የካይድዎ ኣለዉ። ሰባት ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖም ብዘርእይዎ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምላሽ: እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም የፍልጡ ኢዮም ዘለዉ። ንሕና ሰባት ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ዘሎ ትርጕም: ‘እዚ ሰብ እዚ በጊዕ ኢዩ፣ እቲ ኸኣ ጤል ኢዩ’ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና: ኣይግብኣናን ድማ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብስራት ንሰባት ከም ዝበጽሖም ምግባርና ሕጂ መትከሎም ኣበይ ምዃኑ—እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖምን ንኣሕዋት የሱስ ድማ ብኸመይ ከም ዝርእይዎምን—ንኽገልጹ ኢና ኣጋጣሚ እንህቦም ዘሎና። ስለዚ: እቲ ኣብ መንጎ እቶም ንኣሕዋት የሱስ ዝድግፉን ምድጋፍ ዝኣብዩን ሰባት ዘሎ ምፍልላይ: ልክዕ ከምቲ ናብ ፍርዳዊ ጕዳይ ዝመርሕ መርትዖታት እናወሰኸ ዝኸይድ ይንጽር ኢዩ ዘሎ። (ሚልክያስ 3:18) እታ ግምቢ ዘብዐኛ ከም ዝገለጸቶ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ የሱስ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥን ፍርዲ ክህብን ኢዩ: ድሕርዚ ድማ ሰባት ብፍርዳዊ መገዲ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ህይወት ወይ ናብ ጥፍኣት ክፈላለዩ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ: ብ1983 እተሓትመት።