ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/7 ገጽ 20-23
  • ህይወት ውሉድካ ኣድሕን!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህይወት ውሉድካ ኣድሕን!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ቀረባ ዓርኪ ኩን
  • ፍቕሪ ኣምላኽ
  • ፍርሃት ኣምላኽ
  • ዘሐጕስ ዓስብታት
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/7 ገጽ 20-23

ህይወት ውሉድካ ኣድሕን!

ማይክልን ኣልፊነን ኣብ ሓደ ስንጭሮ ናይቲ ኣብ ሓምላይ ኣኽራን ኩዋዙሉ⁠-ናታል: ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሃገረ ሰብ ኢዮም ዝቕመጡ። ሸውዓተ ቈልዑ ንኸዕብዩ ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢምዎም ኢዩ። ማይክል ምሉእ ሓገዝ በዓልቲ ቤቱ ብምርካቡ: ነቲ ‘ንውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ኣዕብይዎም’ ዝብል ንኣቦታት እተዋህበ ትእዛዝ ንምሕላው ዝከኣሎ ገይሩ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:⁠4) ሓድሓደ ግዜ ግን ግድላት ይለዓል ኢዩ።

ንኣብነት: ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ጓሶት ሓቢሮም ንምጽዋት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ ነተን ናይ ወለዶም ከብቲ ምሕዋስ ልሙድ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ይርብሹ ክዛረብዎ ብዛዕባ ዘይግባእ ነገራት ድማ የዕልሉ። ደቂ ማይክል ናይ ስድርኦም ከብቲ ንምጕሳይ ክወፍሩ ኸለዉ: ኣቦኦም ምስ ገለ ገለ ቈልዑ ከይሓብሩ ጽኑዕ መምርሒታት ይህቦም ነበረ። (ያእቆብ 4:4) እንተዀነ ግን: ካብ ስራሕ ንገዛ ክምለስ ከሎ: ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ቈልዑ ሓቢሮም ከለዉ ይረኽቦም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ክቐጽዖም ነበሮ።​—⁠ምሳሌ 23:13, 14

ማይክል ንደቁ ኣዝዩ ይጭቍኖም ነይሩ ኢልካዶ ትሓስብ፧ ገሊኦም ከምኡ ይስምዖም ይኸውን: የሱስ ክርስቶስ ግን “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት” ኢዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 11:19) ማይክልን ኣልፊነን ምስ ደቆም ግዜ ብምሕላፍን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታትን ሓቅታትን ብምምሃርን: ኣብ ቤቶም ፍቕራዊ ሃዋሁ ከም ዝሰፍን ገይሮም ኢዮም።

ማይክልን ኣልፊነን ቲምበኪሊ: ስፊዌ: ቶለኬሊ: ቲምበካኒ እተባህላ ኣርባዕተ ኣዋልድ ኣለዋኦም። ኵለን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢየን። ካብቶም ኣወዳት እቶም ክልተ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ከም ኣቦ መንበር ተዓዘብቲ ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ። እቲ በዓልቲ ቤቱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ዝዀነት ሳልሳይ ወዶም ድማ: ከም ኣገልጋሊ ጉባኤ ኰይኑ ኢዩ ዝዓዪ።

ብዙሓት ደቂ ዘለዉወን ሓያለይ ክርስትያን ስድራቤታት ንደቀን ብዓወት ኣብ ምዕባይ ተባሪኸን ኢየን። ይኹን እምበር: ጽቡቕ ናይ ወለዲ ኣተዓባብያ ዝረኸቡ ገሊኦም ቈልዑ ንሓቂ ይገድፍዎ ኢዮም። ወለዶም ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምሳሌ ከም ዝዝክርዎ ከምኡውን ወዶም ወይ ጓሎም ተናሲሖም ኣብ መወዳእታ ድሕነት ክረኽቡ ተስፋ ከም ዝገብሩ እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 15:21⁠-24

እቲ ዘሕዝን ግን: ገለ ክርስትያን ወለዲ ኵሎም ደቆም ኣብ ዓለም ጥሒሎም ኢዮም። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ቈልዑ ክሳዕ ዕድመ ኰተቴ ዝበጽሑ ደሓን ዝመስልሉ ክፍልታት ኣፍሪቃ ዘሻቕል ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ድሕርዚ: ኣብቲ ጕብዝና ዘልዕልሉ ግዜ: በቲ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ መገድታት ናይዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክዕሸዉ ይጅምሩ። (1 ዮሃንስ 5:​19) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ኣቦታት ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኰይኖም ንምግልጋል ብቕዓት ኣይረኽቡን። (1 ጢሞቴዎስ 3:​1, 4, 5) ሓደ ክርስትያን ኣቦ ድሕነት ቤቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ገይሩ ክርእዮ ከም ዘለዎ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ: ወለዲ ህይወት ደቆም ንምድሓን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧

ናይ ቀረባ ዓርኪ ኩን

የሱስ ፍጹም ጥራይ ዘይኰነስ ብፍልጠትን ተመክሮን ዝመጸ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝበለጸ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ነቶም ዘይፍጹማት ደቀ መዛሙርቱ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ገይሩ ይርእዮም ነበረ። (ዮሃንስ 15:15) ስለዚ ኸኣ ኢዮም ምስኡ ንምዃን ዝብህጉን ንሱ ምስኣቶም ክህሉ ከሎ ድማ ባህ ዝብሎምን ዝነበረ። (ዮሃንስ 1:​14, 16, 39⁠-42፣ 21:​7, 15⁠-17) ወለዲ ካብዚ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ኣቝጽልቲ ዘለዎም ንኣሽቱ ኣትክልቲ ናብ ጸሓይ ገጾም ዝጥምቱ: ቈልዑ ድማ ኣብ ቤት ፍቕራውን ዕርክነታውን ሃዋሁ ምስ ዝህሉ ብጽቡቕ ክዓብዩ ይኽእሉ ኢዮም።

ወለዲ: ደቅኹም ኵሉ ዘሻቕሎም ነገራት ንኽነግርኹም ናጽነት ይስምዖም ድዩ፧ ጽን ኢልኩም ትሰምዕዎም ዲኹም፧ ኣብ መደምደምታ ቅድሚ ምብጻሕኩም: ነቲ ነገር ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትርድእዎ ሓሳባቶምን ስምዒታቶም ከም ዝገልጹ ትገብሩ ዲኹም፧ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምስኣቶም ሓቢርኩም ምርምር ብምግባር መልሲ ናይ ገለ ገለ ሕቶታት ንምርካብ ብትዕግስቲ ትሕግዝዎም ዲኹም፧

ሓንቲ ጓል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣደ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ካብታ ጓልና ንቤት ትምህርቲ ዝኸደትላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ኣትሒዝና: ኣብታ መዓልቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት ከተዘንትወልና ኵሉ ግዜ ነተባብዓ ነበርና። ንኣብነት: ከምዚ ኢለ እሓታ ነበርኩ:⁠- ‘ነቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ምስ መን ኣሕሊፍክዮ፧ ብዛዕባ እታ ሓዳስ መምህርኩም ንገርኒ። ከመይ ኢያ እትመስል፧ ኣብዚ ሰሙን እዚ እንታይ ንጥፈታት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ፧’ ሓደ እዋን: ጓልና ንገዛ መጺኣ እታ ናይ እንግሊዝኛ መምህር ነቶም ክፍሊ ፊልም ክርእዩ ክትወስዶም ምዃና: ድሕርዚ ድማ እቶም ተማሃሮ ብዛዕባ እታ ፊልም ርእይቶ ክህቡ ምዃኖም ነገረትና። ኣርእስቲ ናይታ ፊልም ዘተሓታትት ነበረ። ኣጺቢቕና ምስ ሓተትናሉ ኸኣ: ክርስትያን ክርእዮ ዘይግባእ ፊልም ከም ዝዀነት ፈለጥና። ከም ስድራቤት ኴንና ድማ ተመያየጥናሉ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ጓልና ናብታ መምህር ቀሪባ: እቲ ኣብታ ፊልም ዝርአ ስነ⁠-ምግባር ምስቲ ክርስትያናዊ እምነታ ዘይሰማማዕ ስለ ዝዀነ: ነታ ፊልም ክትርእያ ከም ዘይትደሊ ገለጸትላ። እታ መምህር ነቲ ነገር ኣጸቢቓ ሓሰበትሉ: ጸኒሓ ድማ ነቶም ክፍሊ ዘጣዕሳ ነገር ከተርእዮም ከም ዘይትደሊ ብምንጋር ንጓልና ኣመስገነታ።” እዞም ወለዲ እዚኣቶም ንድሕነት ጓሎም ጸኒዖም ዘርኣይዎ ፍቕራዊ ተገዳስነት ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ። እዛ ጓል እዚኣ ሕጕስን ኣወንታውን ባህርይ ኢዩ ዘለዋ: ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ወለንተኛ ኰይና ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ተገልግል ኣላ።

የሱስ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ ካልኦት ሰባት ቈልዑ ብሉጽ ዝዀነ ኣብነት ሓዲጉ ኢዩ። ንሕብረቶም ኣስተማቒርዎ ኢዩ። (ማርቆስ 10:13⁠-16) ወለዲ ምስ ደቆም ኰይኖም ነገራት ክዓዩ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ከሐጕሶም ዘለዎ! ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ኣፍሪቃ: ኣቦ ምስ ደቁ ኰይኑ ኩዕሶ ወይ ካልእ ዓይነት ጸወታታት ምጽዋት የሕፍሮ ኢዩ። ክርስትያን ኣቦ ግን ክቡር ስለ ዝዀነ ምስ ደቁ ኰይኑ ነገራት ክዓዪ ክርአ ከም ዘይብሉ ፈጺሙ ክስምዖ የብሉን። ቈልዑ ምስኣቶም ብምዃን ግዜኦም ምሕላፍ ዘሐጕሶም ወለዲ የድልይዎም ኢዮም። እዚ ንቘልዑ ዘሻቕሎም ነገራት ንምግላጽ ዝቐለለ ኢዩ ዝገብረሎም። ከምዚ ዝበለ ስምዒታዊ ድሌታት ዕሽሽ ምስ ዝበሃል: ብፍላይ ድማ ወትሩ ዝእረሙ እንተድኣ ኰይኖም: ቈልዑ ክዅርዩ ወይ ስምዒቶም ክሓብኡ ይኽእሉ ኢዮም።

ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ርክብ ንሰብ ቈሎሴ ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ በለ:⁠- “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።” (ቈሎሴ 3:​21) እዚ ሓድሓደ ግዜ ሚዛኑ ዘይሓለወ ክቱር ተግሳጽን ኣዝዩ ንእሽቶ ዕርክነትን ከም ዘሎ ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ንኰተቴታት ሓዊስካ: እቶም ፍቕርን ሞሳን ዝረኽቡ ቈልዑ ነቲ ዝዋሃቦም ኣድላዪ ዝዀነ ተግሳጽ ዝያዳ ከም ዝቕበልዎ ፍሉጥ ኢዩ።

ፍቕሪ ኣምላኽ

ወለዲ ናብ ደቆም ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ውርሻ እቲ ፍቕሪ ናይ ምርኣይ ኣብነቶም ኢዩ። ቈልዑ: ወለዶም ንኣምላኽ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከርእዩ ብግብሪ ድማ ክገልጽዎ ከለዉ ክርእይዎምን ክሰምዕዎምን የድልዮም ኢዩ። ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዘገልግል ሓደ መንእሰይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ቈልዓ ከለኹ: ነቦይ ኣብቲ ናይ ገዛ ስራሕ እሕግዞ ነበርኩ። ባባ ነታ ዝገበርክዋ ንእሽቶ ነገር ብሓቂ የማስወላ ስለ ዝነበረ: ንዕኡ ምሕጋዝ ባህ ኢዩ ዘብለኒ ነይሩ። ነቲ ብሓንሳብ ሓቢርና እንሰርሓሉ ግዜ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ነገራት ንኽነግረኒ ይጥቀመሉ ነበረ። ንኣብነት: ሓደ ቀዳም ነቲ ናይ ገዛ ሳዕሪ ንምዕጻድ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከሎና እዝከረኒ። ብርቱዕ ሙቐት ነበረ። ባባ ይርህጽ ስለ ዝነበረ: ብጕያ ከይደ ክልተ ኹባያ ማይ ኣምጻእኩ በረድ ድማ ገበርክሉ። ባባ ድማ ‘ወደይ: የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ጥበበኛ ምዃኑ ትርኢዶ ኣሎኻ፧ በረድ ኣብ ልዕሊ ማይ ጸምበለል ኢዩ ዝብል። ዝጥሕል ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ ትሕቲ ቀላያትን ራህያታትን ዘሎ ኵሉ ህይወት ምሞተ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን: በረድ ቁሪ ዝከላኸል ኮበርታ ኰይኑ ኢዩ ዝዓዪ! እዝስ ንየሆዋ ብዝበለጸ ንኽንፈልጦ ዝሕግዘናዶ ኸይኰነ፧’a ድሕርዚ: ገለልትነተይ ብምሕላወይ ምስ ተኣሰርኩ: ንምስትንታን ዝኸውን ግዜ ረኸብኩ። ሓደ ለይቲ ኣብታ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክፍለይ ቃዚነ ከለኹ: ነዘን ናይ ባባ ቃላት ዘከርክወን። ከመይ ዝበለ ትርጕም ኰን ኢዩ ነይርወን! እንተድኣ ክኢለ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከምልኾ ኢየ።”

እወ: ቈልዑ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ እቲ ወለዶም ዝገብርዎ ነገራት ተንጸባሪቑ ክርእዩ የድልዮም ኢዩ። ብፍላይ ብድሕሪ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምርካብ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ: ከምኡውን ብድሕሪ እቲ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ምግባር ዘሎ ደራኺ ሓይሊ: ፍቕሪ ኣምላኽን ንዕኡ ድማ ናይ ፍታው ተኣዛዝነት ምርኣይን ምዃኑ ክርአ ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 13:3) ዝያዳ ዘገድስ ድማ: ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብቲ ካብ ውሽጢ ልቢ ዝግበር ናይ ስድራቤት ጸሎት ክንጸባረቕ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ውርሻ ንደቅኻ ናይ ምሃብ ኣገዳስነት ምግናን ዘድልዮ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ ንእስራኤላውያን ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ዝነበረ:⁠- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።”​—⁠ዘዳግም 6:​5⁠-7፣ ምስ ማቴዎስ 22:37⁠-40 ኣረኣእዮ።

ንኣምላኽ ንኸይነፍቅርን ንኸይንእዘዝን ዓቢ ዕንቅፋት ዝዀነና እቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ባህሪና ኢዩ። (ሮሜ 5:​12) ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ” ብምባል እውን ይእዝዝ ኢዩ። (መዝሙር 97:10) ሕማቕ ሓሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕማቕ ተግባራት ኢዩ ዝመርሕ። ሓደ ቈልዓ ነዚ ንምርሓቕ ካልእ ኣድላዪ ዝዀነ ጠባይ እውን ከማዕብል ኣለዎ።

ፍርሃት ኣምላኽ

ምስቲ ንየሆዋ ከይተጕህዮ ኢልካ ዝግበር ኣኽብሮታዊ ፍርሂ እተላዕጠጠት ፍቕሪ ኣዝያ ተበሃጊት ባህሪ ኢያ። የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ታሕጓሱ “ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር” ብምግባር ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:1⁠-3) ከምዚ ዝበለ ፍርሃት ሓደ ቈልዓ ጕብዝና ከልዕልን ሓያል ጾታዊ ድፍኢታት ክስምዖ ክጅምርን ከሎ ኣድላዪ ኢዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ንሓደ መንእሰይ ነቲ ናብ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ጠባያት ክመርሖ ዝኽእል ዓለማዊ ጸቕጥታት ንምቅዋሙ ክሕግዞ ይኽእል ይኸውን። (ምሳሌ 8:​13) ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰባት: ወለዲ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ስምዒት ፈተናታት ደቆም እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንኽምህርዎም የሕፍሮም ኢዩ። አረ: ብዙሓትሲ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምዝርራብ እውን ጌጋ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዖም። ብወገን ወለዲ ከምዚ ዝበለ ሸለልትነት ምህላዉ ግን እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ፧

ቡገ: ኣሞኮ: ከምኡውን ሳየያነ እተባህሉ ሰለስተ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ኣብቲ ሃገረሰባት ናይ ትራንስካ: ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ 1,702 ኣዋልድን 903 ኣወዳትን ቃለ⁠-መጠይቕ ገበሩሎም። እቲ ሳውዝ ኣፍሪካን ሜዲካል ጆርናል (እንግሊዝኛ) እተባህለ ጋዜጣ “ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ: ካብተን ኣዋልድ 76% ካብቶም ኣወዳት ድማ 90.1% ድሮ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸሙ” ጸብጻብ ሃበ። ማእከላይ ዕድመ ናይተን ኣዋልድ 15 ዓመት ኢዩ ነይሩ: ብዙሓት ድማ ተገዲደን ጾታዊ ርክብ ዝፈጸማ ኢየን። ልዕሊ 250 ዝዀና ሓደ ግዜ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝጠነሳ ኢየን። ካልእ ሳዕቤን ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ብብዝሒ ምስካም ኢዩ።

ብዙሓት ወለዲ ቅድሚ መርዓ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ከም ዘርሕቕዎ ንደቆም ምምሃር: ኣድላይነቱ ከም ዘይተገንዘብዎ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ክንድኡ: እዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ጋዜጣ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ኣብቲ ናይ ትራንስካ ሃገረሰብ ቈልዓ ምውላድን ኣደ ምዃንን ካብቲ ዝለዓለ ግምት ዝዋሃቦ ናይ ሰበይቲ ባህርያት ኢዩ: እተን ዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ኣዋልድ ድማ ነዚ ቀልጢፈን ኢየን ዘስተውዕላሉ።” ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም እውን ከምዚ ዓይነት ግድል ይርአ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ጾታዊ ባህርያቶም ንኽርድኡ ስለ ዘይሓገዝዎም ንወለዶም ይነቕፍዎም ኢዮም። ገለ ክርስትያን ወለዲ ነታ ዮር ዩዝ​—⁠ጌቲን ዘ ቤስት ኣውት ኦቭ ኢት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክጥቀሙላ ኣዝዩ ሕፍረት ተሰሚዕዎም ኢዩ።b ኣብ ገጽ 20⁠-​23 ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ ኣካላት ዘለዎ ክቡር ጥቕሚ ከምኡውን ነቲ ኣብ እዋን ጕብዝና ዝርአ ለውጥታት ትገልጽ ኢያ።

እቶም ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ደቆም ክዘራረብሉ ዝጽዕሩ ወለዲ ክንኣዱ ኣለዎም። እዚ ብመሰረት እቲ ቘልዓ ነገራት ንምርዳእ ዘለዎ ዓቕሚ: በብደረጅኡ ምስ ዝግበር ዝበለጸ ኢዩ። ከም ዕድመ ናይቲ ቘልዓ ዝኣመሰለ ረቛሒ ኣብ ግምት ብምእታው: ወለዲ ነቲ ክፍልታት ኣካልን ጥቕሙን ክጠቕሱ ከለዉ ምስ ኵነታት ናይቲ ቘልዓ ዝሰማማዕ ንጹር ሓሳብ ምሃብ የድልዮም ይኸውን። እንተ ዘይኰይኑ: ሓደ ተመክሮ ዘይብሉ መንእሰይ እንታይ ይበሃል ከም ዘሎ ከይርድኦ ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:​8, 9

ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ዘለዎ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሓደ ኣቦ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ብተደጋጋሚ እዋን: ምስተን ኣዋልድ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እቲ ንጾታዊ ነገራት ዝምልከት ተኣፋፊ ኣርእስቲ ንምምይያጥ ኣጋጣሚ እረክብ ነበርኩ። በዓልቲ ቤተይ ግን ዮር ዩዝ​—⁠ጌቲን ዘ ቤስት ኣውት ኦቭ ኢት እትበሃል መጽሓፍ ብምጥቃም ኢያ ነተን ኣዋልድና ፍሉይ ቈላሕታ ትገብረለን ነይራ። [ገጽ 26⁠-31 ርአ።] ወደይ 12 ዓመት ምስ ገበረ: ናብቲ ኣኽራናት ብእግርና ንውሕ ዝበለ ጕዕዞ ንምግባር ክወስዶ መደብኩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ብዛዕባ ናይ ሓደ ወዲ ኣካላት እናዓበየ ምኻድን እዚ ኣካላት እዚ ድማ ደሓር ኣብ መርዓ ብዛዕባ ዝህልዎ ፍሉይ ዕላማን ብዝርዝር ተማያየጥና። ነቲ ሕሱር ዝዀነ ናይ ግብረ⁠-ሕቡእ ልምዲ ምርሓቕ ንኣዋልድ ድማ ከምቲ ንኣዲኡን ኣሓቱን ገይሩ ዝርእየን ብግምትን ክብረትን ምርኣይ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ተመያይጥና።”

ዘሐጕስ ዓስብታት

እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኣቦን ኣደን ብትግሃት ኢዮም ዓዮም: ሰለስተ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ጻማ ብምርካቦም ድማ ሕጕሳት ኢዮም። ሕጂ ሰለስቲኦም ንእሙናት ክርስትያናት እተመርዓዉ በጽሕታት ኢዮም። ወዶምን ሰብኡት ደቆምን ብምሉኦም ኣብ ክርስትያን ጉባኤታት ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ: ክልተ ካብቶም ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ንብዙሕ ዓመታት ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ወንጌላውነት ኣገልጊሎም ኢዮም።

እወ: እቶም ንድሕነት ቤቶም ኣበርቲዖም ዝዓየዩ ወለዲ ካብቶም ንኸምዚ ዝበለ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ክህቡ ዝመረጹ ውሉዳት ዘሐጕስ ዓስቢ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም: ከመይሲ ምሳሌ 23:24, 25 ከምዚ ኢያ ትብል:⁠- “ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ . . . ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም።” ነታ ኣብ መእተዊ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰት ዓባይ ስድራቤት ርአ። ኣልፊነ “ብዛዕባ እቲ ደቀይ ዘርኣይዎ መንፈሳዊ ዕቤት ክሓስብ ከለኹ: ልበይ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢዩ ዝብል።” ኵሎም ክርስትያን ወለዲ ከምዚ ዝበለ ዓስቢ ንምርካብ ኣበርቲዖም ዝዓዩ ይግበሮም።

[እግረ-ጽሑፋት ]

a ማይ ኣብ ናይ ምርጋእ ደረጃ ምስ በጽሐ: ክብደት ይንኪ ንላዕሊ ገጹ ድማ ሓፍ ይብል። ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት: ህይወት​—⁠ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 137⁠-8 ርአ።

b ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት​—⁠ተግባራዊ መልስታት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ እውን ርአ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣቦ ብዛዕባ ናይ ህይወት ሓቅታት ንምግላጽ ምቹእ ኵነታት ክምድብ ይኽእል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ