ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝዕቀብ
ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይርኣየለን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ኣነጺሩ ኢዩ ዝሕብር። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ስለ ዝግንዘብዎ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ግዜ የሕልፉ ኢዮም። ልዕሊ 600,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክካፈሉ ምእንቲ ክኽእሉ ኣብ ናብርኦም ምትዕርራይ ገይሮም ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ፓይነራት ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብቲ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈቱ ዝዓዩ ናይ ቤትኤል ወለንተኛታት ኢዮም። ካልኦት ድማ ሚስዮናውያንን ገየሽቲ ተዓዘብትን ኢዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ከም ዝመጽእ ይሕብር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 NW ) እቲ ናይ ግሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቐዲሙ እተመደበ ሕሱም እዋን” ዝብል መግለጺ ይጥቀም። ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብዚ ግዜና ካብ ሽግር ናጻ ዝዀነ ህይወት ክጽበ ኣይክእልን ኢዩ። ንገለ ክርስትያን ኣገልገልቲ እቲ ግድላት ኣዝዩ ከቢድ መሲሉ ስለ ዝረኣዮም: ‘ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክቐጽልዶ ወይስ ከቋርጽ፧’ ብምባል ገዛእ ርእሶም ይሓቱ ይዀኑ።
ሓደ ሰብ ነቲ ከም ፓይነር: ናይ ቤትኤል ወለንተኛ: ገያሺ ተዓዛቢ ወይ ሚስዮናዊ መጠን ዝገብሮ ኣገልግሎት ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ምኽንያት ዝዀኖ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧ ምናልባት ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ክኸውን ይኽእል። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ወይ ጥዕና ዘይብሉ ኣባል ስድራቤት ቀጻሊ ክንክን የድልዮ ይኸውን። ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ቈልዑ ምውላድ ጀሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ። ብኸምዚ ዝበለ ምኽንያታትን ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘቋርጽ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምትዕርራይ ንምግባር ሕፍረት ክስምዖ ኣየድልን ኢዩ።
ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ሓጐስ ስኢነሉ ብምባል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከቋርጽ እንተ መደበኸ፧ ምናልባት ሓደ ፓይነር ኣገልግሎቱ ውጽኢት ይስእነሉ እሞ: ‘ዝሰምዕ ሰብ ዘየለ ክነሱ ነቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎ ናብራይ ዝቕጽሎ ስለምንታይ ኢየ፧’ ብምባል ይሓትት ይኸውን። ሓደ ናይ ቤትኤል ወለንተኛ በቲ እተመደበሉ ዕዮ ብዙሕ ኣይሕጐስን ይኸውን። ወይውን ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እኳ እንተ ዘየቋረጾ: ዕረፍቲ ዝኸልእ ናይ ጥዕና ጸገም ግን ኣብ መወዳእታ ንሓጐሱ ከጥፍኦ ይኽእል ይኸውን። ከምዚኣቶም ዘበሉ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ሓጐሶም ክዕቅቡ ዝኽእሉ፧ ተመክሮ ዘለዎም ገለ ኣገልገልቲ እንታይ ከም ዝብሉ ንርአ።
ምስ ናይ ብስጭት ስምዒት ምቅላስ
ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጸት ኣኒ: ብ1950 ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈለት። ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ሚስዮናዊት ኰይና ክትምደብ ድማ ትጽበ ነበረት። ኣኒ: ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝርከብ ቤትኤል እንደገና ምስ ተመደበት ተበሳጨወት። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ ክፍሊ ትርጕም ክትዓዪ እተዋህባ ዕዮ ተቐበለቶ ክሳዕ ሕጂ ድማ ነቲ ዕዮ እቲ ኢያ እትሰርሕ ዘላ። ነቲ ዝነበራ ናይ ብስጭት ስምዒት ብኸመይ ኣሰነፈቶ፧ ኣኒ “ክግበር ዝነበሮን ክግበር ዘለዎን ዕዮ ብዙሕ ኢዩ። ስምዒታተይን ምርጫታተይን ካብቲ ስራሕ ንላዕሊ ዘገድስ ኣይኰነን” ብምባል ትገልጽ።
እተመደብናሉ ዕዮ ከምቲ ዝደለናዮ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ምናልባት ከም ናይ ኣኒ ኣተሓሳስባ ከነዕቢ ንኽእል ኢና። ብሕታዊ ምርጫታትና እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር ኣይኰነን። እቲ ኣውራ ዘገድስ ንዅሉ እቲ ምስ ምዝርጋሕ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ እተተሓሓዘ በበይኑ ሓላፍነታት ጽቡቕ ገይርካ ምዕያዩ ኢዩ። ምሳሌ 14:23 “ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ” ብምባል ትነግረና ኢያ። እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ መደብ ከም እተዋህበና ብዘየገድስ: ብተኣማንነት ምፍጻሙ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ንኽዕመም ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ብኣምላኽ እተዋህበና ዕዮ ድማ ዓቢ ዕግበት—እወ: ሓጐስ—ክርከብ ይከኣል ኢዩ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 12:18, 27, 28 ኣረኣእዮ።
ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካ ምዕያይ
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ኣብ ቤትኤል: ኣብ ገዛ ሚስዮናውያን: ወይ ከም ገያሺ ተዓዛቢ መጠን ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብታ ኻልእ ኣብ እትበጽሓሉ እዋን: ምስ ብዙሓት ዓይነት ሰባት ብቐረባ ዘራኽበካ ኢዩ። ስለዚ: ሓጐስ ብዓቢኡ ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካ ኣብ ምዕያይ እተመርኰሰ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክመጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ እተዘርበሉ “ሕሱም እዋን” ንሰብኣዊ ርክባት ከቢድ ዝዀነ መዋጥር ይፈጥረሉ ኢዩ። ሓደ ኣገልጋሊ ካልእ ሰብ ምስ ዘዀርዮ እውን ከይተረፈ: ሓጐሱ ካብ ምጥፋእ ክከላኸል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ካብ ቪልሀልም ገለ ነገር ክንማሃር ንኽእል ንኸውን።
ቪልሀልም ብ1947 ኣብ ኣውሮጳ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰነ። ድሕርዚ ኸኣ: ኣብ ናይ ፓይነር ዕዮን ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃንን ኣገልገለ። ቪልሀልም: “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ቅኑዕ ዘይኰነ ወይ ድማ ብብሕቲ ዘጨንቐና ነገራት እንተድኣ ርኢና: ንየሆዋ ከመይ ከም ዝስማዓና ንነግሮ እሞ: ድሕርዚ ኸኣ ባዕሉ ክፈትሖ ንዕኡ ንሓድገሉ” ብምባል ይገልጽ።—መዝሙር 37:5
ምናልባት ንስኻ እውን ጠባይ ናይ ሓደ ኣኽብሮት ወይ ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ ዝዛረበካ ክርስትያን ብጻይ ይርብሸካ ይኸውን። ኵልና ብዙሕ ግዜ ብዘረባ ንስሕት ምዃንና ዘክር። (ያእቆብ 3:2) ስለዚ ነቲ ዅነታት ናብቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ዝያዳ ንምቕራብ ስለምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧ (መዝሙር 65:2) ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ነገር ተዛረቦ: ድሕሪኡ ድማ ንዕኡ ሕደገሉ። ኣምላኽ ለውጢ ክገብር እንተድኣ ደልዩ: ለውጢ ክገብር ኢዩ። እቶም ኣብ ገዛ ሚስዮናውያን ዝነብሩ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት እንተድኣ ኣጋጢምዎም: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኽብዎ ሓጐስ ንኽዕቅቡ ስለ ዝሕግዞም ነዚ ክዝክርዎ የድልዮም ኢዩ።
ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዘጋጥም
ቀጻሊ ዝዀነ ምሉእ ጥዕና ዝረክብ ሰብ ሒደት ኢዩ። እቶም ጽቡቕ ናብራ ኣለዎም ዝበሃሉ ሰባት እውን ከይተረፉ ናይ ጭንቀት ስምዒት ወይ ሕማም የጋጥሞም ኢዩ። ናይ ጥዕና ጸገም ንገሊኦም ሰባት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዘቋርጹ ይገብሮም ኢዩ: ድሕሪኡ ግን ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ብምዃን ብሉጽ ዕዮ ይዓዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ካልኦት ድማ ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዎም: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ንሃርትሙት ከምኡውን ንጊስሊንድ ርአ።
ሃርትሙት ከምኡውን ጊስሊንድ ፓይነራትን ሚስዮናውያንን ብምዃን: ከምኡውን ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘሕለፉ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኢዮም። ክልቲኦም ሓድሓደ ግዜ ብኣካላውን ስምዒታውን መገዲ ዝደቝሶም ከቢድ ሕማማት ኣሕሊፎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብሉጽ ዕዮ ዓዮም ተመሳሳሊ ፈተናታት ንዘሕልፉ ካልኦት ሰባት ድማ ከተባብዑ ክኢሎም ኢዮም። እንታይ ምኽሪኸ ይህቡ፧ “ነቲ ዝመጽእ ድኣምበር ነቲ ዝሓለፈ ኣይትርአ። ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ገይርካ ተጠቐመላ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ሓንቲ ኣጋጣሚ ከተምጽእ ትኽእል ትኸውን። ነታ ኣጋጣሚ እቲኣ ተጠቐመላን ኣስተማቕራን።”
ንዅነታት ሃንሎር ርአ። ኣብቲ ከም ፓይነር: ሚስዮናዊት ኰይና: ምስ በዓል ቤታ ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ: ከምኡውን ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ዘሕለፈቶ 30 ዓመታት ተመላላሲ ሕማም የሸግራ ነበረ። ሃንሎር ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ሰባት ንየሆዋ ዘገልግልዎ ከምኡ ምግባር ቀሊል ክዀነሎም ከሎ ጥራይ ኢዮም ዝብል ብሰይጣን ዝቐረበ ክርክር ኢየ ዘተኵር። ንፈተናታት ብምጽማመይ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ግደ ክህልወኒ ይኽእል ኢዩ።” እዚ ብርቱዕ ደራኺ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ፈተና ከጋጥመካ ከሎ ብብሕትኻ ንየሆዋ እተርእዮ ተኣማንነት ንዕኡ የገድሶ ምዃኑ ዘክር።—እዮብ 1:8-12፣ ምሳሌ 27:11
ንጥዕናኻ ዝምልከት ሚዛናዊ ውሳነ ክትገብር ምስ እትፍትን: ንኽልተ መዳያት ናይቲ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዚ ዝሃቦ ትንቢት ኣብ ግምት ኣእቱ። የሱስ ኣብ ቦቦታኡ ፌራ ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” እውን ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3, 14፣ ሉቃስ 21:11) የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰዓብቱ ምስ ሕማም ክቃለሱ ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ዕዮ ስብከት በቶም ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ በቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም ውልቀ-ሰባት እውን ክስበኽ ምዃኑ ይርዳእ ኢዩ። ናይ ጥዕና ጸግም እናሃለወና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽል እንተድኣ ክኢልና: የሆዋ ነቲ ንስሙ ኢልና ዘርኣናዮ ፍቕሪ ኣይክርስዖን ኢዩ።—እብራውያን 6:10
ሰባት ዘርእይዎ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት እናሃለወ ሓጐስ ምዕቃብ
ኣረኣእያና በቲ ሰባት ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ዘርእይዎ ምላሽ ክትንከፍ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣገልጋሊ “ፓይነራት እውን ከይተረፉ ምስ በዓል ቤት ዝርርብ ንምጅማር ኣጸጋሚ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ኵልና ሓጐስና ንምዕቃብ ክንቃለስ ኣሎና” በለ። እወ: ሰባት ዘርእይዎ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንረኽቦ ሓጐስ ከጕድሎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ብቐጻሊ ዘጋጥሞ ፓይነር ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓጐሱ ክዕቅብ ዝኽእል፧ ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ ተፈቲኑስ ውጽኢታዊ ኰይኑ እተረኽበ እዚ ዝስዕብ ርእይቶታት ይልግሱ።
ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ብድሆ ኢዩ: ግድን ስዕረት ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ምብዝሑ ጥራይ ንርእሱ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምቍራጽ ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። ትግሃት እተሓወሶ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምግባር እኹል ግዜ እንተድኣ መዲብና: ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ከጋጥመና ከሎ ሓጐስና ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። ‘ንሰናይ ግብሪ ዘዳልወና’ ኢዩ: እዚ ድማ ነቶም ነቲ ብስራት ጸማም እዝኒ ዝህብዎ ሰባት ምዝራብ ዘጠቓልል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ነብዪ ኤርምያስ ሰባት ክሰምዕዎ ዘይደልዩ እኳ እንተ ነበሩ: እዚ ግን ካብ ዕዮኡ ደው ከም ዝብል ኣይገበሮን። (ኤርምያስ 7:27) ብክርስትያናዊ ጽሑፋት ተሓጊዝና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከሎና: ነቲ እምነትና ዘሐይልን ምስ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ክንቃለስ ዝሕግዘናን ሓሳባት እንተድኣ ኣስተብሂልናሉ ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ብድሆ ከም ዝዀነ ገይርና ብምውሳድ: ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ ንመርምሮ። ስለምንታይ ኢዮም ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ዘርእዩ፧ ነቲ ብብዝሒ ኣብ ክፍልታት ኣውሮጳ ዝርአ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት: ሓደ ካብቲ ምኽንያት እቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎ ዘፈንፍን ታሪኽ ኢዩ። ሰባት ድሕሪ ደጊም ሃይማኖት ኣብ ናብርኦም ቦታ ከም ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ: ምስኡ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገብሩ ድማ ኣይደልዩን ኢዮም። ከም ስራሕ ኣልቦነት: ጥዕና: ገበን: ተጻዋርነት ዘይምህላው: ኣከባቢ: ከምኡውን ናይ ውግእ ስግኣት ዝኣመሰለ ንዓኣቶም ዝትንክፍ ነገራት ብምዝራብ ተዓጻጸፍቲ ክንከውን የድልየና።
ነቲ በዓል ቤት ክንዛረቦ ከሎና ኣብ እንጥቀመሉ ናይ መእተዊ ቃላት: ነቲ ከባቢ ዝምልከት ሓደ ነገር ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ዴትማር ኣብ ሓደ ብዙሕ ፍረ ዘይረኸበሉ ቁሸት ክሰብኽ ከሎ ከምዚ ክገብር ኢዩ ፈቲኑ። ሓደ ካብቶም ደቂ ዓዲ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ: እታ ቑሸት ሓደ ዘሕዝን ፍጻመ ከም ዘጋጠማ ጠቐሰሉ። ዴትማር ድሕሪኡ ኣብ ዝዃሕኵሐን ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ: በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ እተሰምዖ ልባዊ ሓዘን ይገልጽ ነበረ። “ዘይተሓስበ: እቲ ህዝቢ ክዛረብ ጀመረ: እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናብርኦም ተገዳስነት ስለ ዘርኣኹ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሕ ጽቡቕ ዝርርብ ክገብር ከኣልኩ” በለ።
ንሰባት ኣብ ዝረኸብናዮም ቦታታት ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ክንህቦም የድልየና ኢዩ። ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ፍረ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ካብቲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዳሎ ጽሑፋት ዝወጽእ ርእዮቶታት ብምጥቃም: ኣብዚ ዕዮ እዚ ንገዛእ ርእስና ከነለማምዳ ንኽእል ኢና። ሒደት ምሕዝነታዊ ቃላት ብምዝራብ ወይ ነቲ በዓል ቤት ናይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ቅዳሓት ብምሃብ ሓጐስ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ምስ ሓደ ተገዳሲ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ እንተድኣ ገይርና ወይ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ጀሚርና: “መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝደሊ ገለ እትፈልጦ ሰብ ኣሎዶ፧” ኢልና ብምሕታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ካልእ ሰብ ክንረክብ ንኽእል ንኸውን። እዚ ድማ ካልእ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር መገዲ ዝኸፍት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በዚ ይኹን በቲ: ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ተስፋ ከቝርጸና ከየፍቀድና: ኣብ የሆዋ ብምውካል ኣወንታውያን ንኹን።
ካብ ካልኦት ዝርከብ ምትብባዕ
የርገን ከምኡውን ክሪስትያ ከም ፓይነራትን ኣብ ናይ መገሻ ዕዮን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣገልጊሎም ኢዮም። ሓደ እዋን መብዛሕትኡ ሰብ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ዝነበሮን ተሪርን ኣብ ዝዀነሉ ከባቢ ምስባኽ ዘጠቓለለ ናይ ስራሕ መደብ ተዋህቦም። የርገንን በዓልቲ ቤቱን ገለ ምትብባዕ ንምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ሃረር ኢሎም ክዀኑ ዘለዎም! ኣጋጣሚ ዀይኑ ግን: ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ካልኦት ኣሕዋት እቲ እተጸበይዎ ምትብባዕ ኣይረኸቡን።
ስለዚ የርገን ካብቲ ተመክሮኡ “ገለ ፓይነራት ኣሸጋሪ እዋናት የሕልፉ: ካብ ሽማግለታትን ካልኦት ኣስፋሕትን ድማ ዝያዳ ምትብባዕ ይደልዩ” ምዃኖም ይፈልጥ ኢዩ። ኣምላኽ: ሙሴ ንእያሱ ከተባብዖን ከበራትዖን ነጊርዎ ኢዩ። (ዘዳግም 3:26-28) ክርስትያናት ድማ ንሓድሕዶም ምንጪ ምትብባዕ ክዀኑ ኣለዎም። (ሮሜ 1:11, 12) ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ኣሕዋት ዝሃንጽ ቃላት ብምዝራብን በብግዜኡ ኣብቲ ኣገልግሎት ምስኣቶም ሓቢሮም ብምኻድን ከተባብዕዎም ይኽእሉ ኢዮም።
ሓጐስ የሆዋ ዕርድና ኢዩ
ዝበዝሕ ህይወቶም ፓይነራት ወይ ሚስዮናውያን ብምዃን: ኣብ ቤትኤል ብምግልጋል: ወይ ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ንጉባኤታት ብምብጻሕ ዘሕለፍዎ ክርስትያናት: ካብቲ ዘጋጥሞም ግድላት ዝበዝሐ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ: ገለ ግን ነባሪ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። እቲ ከነርሕቖ ዘይንኽእል ኰይኑ ዝስምዓና ሒደት ግድላት እውን ከይተረፈ ሓጐስና ክሰርቀና የብሉን። ካብ ዓዱ ወጻኢ ንልዕሊ 45 ዓመታት ዘገልገለ ራመን: ግድላት ምስ ዝደቝሰና: “ብዛዕባ እቲ ረኺብናዮ ዘሎና ብዙሕ በረኸታትን ብዛዕባ እቶም ብዙሕ መከራ ዘሕልፉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካልኦት ኣሕዋትናን ክንሓስብ ኣሎና” ብምባል ርእይቶ ይህብ። ብርግጽ: ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣመንቲ ብጾትና ስቓይ የሕልፉ ኢዮም ዘለዉ: የሆዋ ድማ ንዅልና ብሓቂ ይሓልየልና ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:6-9
ስለዚ እምበኣር: ብሕታዊ ኵነታትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንካፈልን ኣብኡ ድማ ክንቅጽልን ዘፍቅደልና እንተድኣ ኰይኑ: ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ብምውካል ሓጐስና ንዓቅብ። ንሱ ንኣገልገልቱ የሐይሎም ኢዩ: ኵልና ድማ ‘ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልና [“ዕርድና:” NW ]’ ምዃኑ ንዘክር።—ነህምያ 8:10
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
“ስምዒታተይን ምርጫታተይን ካብቲ ስራሕ ንላዕሊ ዘገድስ ኣይኰነን”
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
“ንየሆዋ ከመይ ከም ዝስማዓና ንነግሮ እሞ: ድሕርዚ ኸኣ . . . ንዕኡ ንሓድገሉ”
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
“ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ገይርካ ተጠቐመላ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ሓንቲ ኣጋጣሚ ከተምጽእ ትኽእል ትኸውን”
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
“ንፈተናታት ብምጽማመይ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ግደ ክህልወኒ ይኽእል ኢዩ”
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]
“ገለ ፓይነራት ኣሸጋሪ እዋናት የሕልፉ: ካብ ሽማግለታትን ካልኦት ኣስፋሕትን ድማ ዝያዳ ምትብባዕ ይደልዩ”
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
‘ብዛዕባ እቲ ረኺብናዮ ዘሎና ብዙሕ በረኸታት ክንሓሰብ ኣሎና’