ኣርስጣርኮስ እሙን ብጻይ
ኣርስጣርኮስ ሓደ ካብቶም ብዙሓት እሙናት መተዓይይቲ ጳውሎስ ኢዩ ነይሩ። ስሙ ምስ ሰማዕካ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ገለ ነገርዶ ይዝከረካ፧ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ታሪኽ ክርስትና እንታይ ግደ ከም ዝነበሮ ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧ ኣርስጣርኮስ ሓደ ካብቶም ኣጸቢቕና እንፈልጦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባት እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተዘንትዩ ኣብ ዘሎ ብርክት ዝበለ ፍጻመታት ግን ተጠቒሱ ኣሎ።
ስለዚ: ኣርስጣርኮስ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ምስ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ርክብ ነበሮ፧ ኣርስጣርኮስ ናይ ጳውሎስ እሙን ብጻይ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ ነቲ ናቱ ኣብነት ብምምርማርከ እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ጸብጻብ: ኣርስጣርኮስ ምስቲ ኣብ ከተማ ኤፌሶን ተላዒሉ ዝነበረ ረብሻን ታዕታዕን ናይ ሓደ ዓቢዱ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ብምትሕሓዝ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:23-41) ነታ አርጤምስ እትበሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝኸውን ናይ ብሩር ኣብያተ-መቕደስ ምስራሕ: ንድሜጥሮስን ንኻልኦት ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣንጠረኛታትን መኽሰብ ዘለዎ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ጳውሎስ ኣብታ ከተማ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ስብከት ወፈራ: ብርክት ዝበሉ ሰባት ነቲ ዘይጽፉፍ ኣምልኾ ናይዛ ኣንስተይቲ ኣምላኽ እዚኣ ከም ዝሓድግዎ ምስ ገበሮም: ድሜጥሮስ ንኻልኦት ሰብ ሞያ ኣለዓዓሎም። ስብከት ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮም ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምልኾ ኣርጤምስ እውን ከጥፍኦ ከም ዝኽእል ነገሮም።
እቲ ነዲሩ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ንጳውሎስ ክረኽቦ ስለ ዘይከኣለ: ነቶም ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን እተባህሉ ብጾቱ ናብቲ ስፍራ ጓይላ ብሓይሊ ስሒቦም ወሰድዎም። እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ስለ ዝነበሩ: ፈተውቲ ጳውሎስ ዝዀኑ ሰባት “ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ” ለመንዎ።
ኣብቲ ዅነታት እቲ ከም ዘለኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ዓቢዱ ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ዳርጋ ንኽልተ ሰዓታት ዝኸውን “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበለ ይጭድር ነበረ። ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ምዝራብ እውን ከይተረፈ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይቲ እምነተ-ደረቕ ዝነበረ ህዝቢ ስለ ዝነበሩ: ብሓቂ ዘፍርህ ፈተና ኢዩ ነይሩ። ብህይወት ንወጽእ ደዀን ንኸውን: ኢሎም ክዀኑ ኣለዎም። እቲ ዘሐጕስ ግን: ብህይወት ወጺኦም ኢዮም። አረ እቲ ኣብ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ዘሎ ውዕዉዕ ኣገላልጻስ: ገለ ምሁራት ነቲ ፍጻመ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር: ምናልባት ካብ ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ኢዩ ረኺብዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዝህቡ ገይርዎም ኢዩ።
እቲ ጸሓፊ ናይታ ኸተማ ኣብ መወዳእታ ነቲ ታዕታዕ ኣህድኦ። ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን እቲ ጸሓፊ ንጹሃት ምዃኖም ክጣበቕ ክሰምዕዎ: ድሕሪኡ ድማ እቲ ኣብ ዙርያኦም ዝነበረ ኣምባጋሮ ክዝሕል ክርእይዎ ከለዉ ዓቢ ዕረፍቲ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ።
ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ድሕሪ ምሕላፍካ ከመይ ምተሰማዓካ፧ ናይ ጳውሎስ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮ ብጻይ ምዃን ዘይትመርጾ: ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ: ሃልኪ ዘይብሉ ናብራ ከተሕልፍ ዝሕሸካ ምዃኑዶ ምደምደምካ፧ ኣርስጣርኮስ ግን ከምኡ ኢሉ ኣይደምደመን! በዓል ተሰሎንቄ ብምንባሩ: ነቲ ብስራት ምእዋጅ ሓደጋታት ዘምጽእ ምዃኑ ድሮ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጳውሎስ ኣብታ ንሱ ዝነብረላ ከተማ ክሰብኽ ከሎ እውን ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-9፣ 20:4) ኣርስጣርኮስ ግን ብተኣማንነት ናብ ጳውሎስ ለገበ።
ካብ ግሪኽ ናብ የሩሳሌም
ካብቲ እቶም ኣንጠረኛታት ናዕቢ ኣልዒሎምሉ ዝነበሩ ግዜ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ: ጳውሎስ ኣብ ግሪኽ ነበረ: ኣብቲ ‘ኣይሁድ ውዲት ገይሮምሉ ዝነበሩ’ እዋን ብሶርያ ኣቢሉ ናብ የሩሳሌም ብመርከብ ክኸይድ ተበጊሱ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:2, 3) ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኵነታት ምስ ጳውሎስ ዝህሉ ሰብ መን ኰይኑ ኢና እንረኽቦ፧ ኣርስጣርኮስ ኢዩ ነይሩ!
እዚ ሓድሽ ስግኣት እዚ ንጳውሎስ: ኣርስጣርኮስ: ከምኡውን ንብጾቶም ናይ መደባት ለውጢ ክገብሩ ገዲድዎም ኢዩ: እዚ ድማ መጀመርታ ብመቄዶንያ ኣቢሎም ተጓዕዙ: ድሕርዚ: ኣብ መወዳእታ ካብ ጳጥራ ንፊንቄ ቅድሚ ምንቃሎም በብደረጅኡ ብገማግም ንእሽቶ እስያ ገይሮም ከዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:4, 5, 13-15፣ 21:1-3) ዕላማ ናይዚ ጕዕዞ እዚ: ነቲ ካብቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዝነበሩ ክርስትያናት እተዋጽአ ወፈያታት ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ስኡናት ኣሕዋቶም ንምብጻሕ ምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:17፣ ሮሜ 15:25, 26) ብርክት ዝበሉ ሰባት ኢዮም ብሓባር ተጓዒዞም: እዚ ድማ ምናልባት እቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ናይ እተፈላለያ ጉባኤታት ነይሩ ክኸውን ይኽአል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ዝርከብዎ ከምዚ ዝበለ ጕጅለ: ዝያዳ ድሕንነት ከም ዘለዎ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ካብ ግሪኽ ንየሩሳሌም ክጓዓዝ ከሎ ንጳውሎስ ኣሰንይዎ ብምኻዱ ኣርስጣርኮስ ዓቢ መሰል ኢዩ ረኺቡ። ይኹን እምበር: እቲ ዝቕጽል ጕዕዞኦም ካብ ይሁዳ ናብ ሮሜ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ናብ ሮሜ እተገብረ ጕዕዞ
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኵነታት ፈጺሙ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ንኽልተ ዓመታት እተኣስረሉ: ናብ ቄሳር ይግባይ ዝበለሉ: ብመቑሕ ተኣሲሩ ድማ ናብ ሮሜ ክኸይድ እተወስደሉ ግዜ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:27፣ 25:11, 12) ብጾት ጳውሎስ ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ገምቶ። ካብ ቂሳርያ ናብ ሮሜ ዝነበረ ጕዕዞ እንታይ ከም ዘጋጥመካ ዘይትፈልጠሉ: ነዊሕን ሕልናኻ ዘዕርብን ኢዩ ነይሩ። ሓገዝን ደገፍን ንምሃብ ምስ ጳውሎስ መን ይኺድ፧ ክልተ ሰባት ተሓርዩ ወይ ድማ ወለንተኛታት ብምዃን ገዛእ ርእሶም ኣቕረቡ። እዚኣቶም ድማ ኣርስጣርኮስን ሉቃስ እቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፈን ኢዮም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 27:1, 2
ሉቃስን ኣርስጣርኮስን ኣብቲ ናብ ሮሜ እተገብረ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ ኣብታ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ብኸመይ ክስቀሉ ኸኣሉ፧ ጸሓፍ ታሪኽ ጁዘፐ ሪኮቲ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:- “እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ተራ ገየሽቲ ብምዃን ኢዮም ተሰቒሎም . . . ወይ ድማ እቲ ሕጊ ሓደ ሮማዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ክልተ ሓገዝቲ ባሮት ክህልውዎ የፍቅድ ስለ ዝነበረ: እቲ ባሮት ጳውሎስ ከም ዝዀኑ ገይሩ ዝወሰዶም ሓለቓ ሚእቲ ብዝገበረሎም ሕያውነት ኢዮም ተሰቒሎም ክዀኑ ዝኽእሉ።” ጳውሎስ በቲ ህላወኦምን ዝሃብዎ ምትብባዕን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተጸናኒዑ ክኸውን ዘለዎ!
ሉቃስን ኣርስጣርኮስን ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንጳውሎስ ፍቕሮም ኣርእዮምዎ ኢዮም። አረ: ምስቲ እሱር ብጻዮም ኣብ ደሴት መሊጠ መርከብ ምስ ተሰብረቶምሲ ንህይወቶም ዘስግእ ኵነታት ኣሕሊፎም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 27:13–28:1
‘መማርኽቲ’ ጳውሎስ
ጳውሎስ ብ60-61 ከ.ኣ.ዘ. ነተን ናብ ሰብ ቈሎሴን ናብ ፊልሞንን ዝሰደደን መልእኽትታቱ ክጽሕፈን ከሎ: ኣርስጣርኮስን ሉቃስን ገና ኣብ ሮሜ ምስኡ ኢዮም ነይሮም። ኣርስጣርኮስን ኤጳፍራስን ‘መማርኽቲ’ ጳውሎስ ተባሂሎም ተጠቒሶም ኣለዉ። (ቈሎሴ 4:10, 14፣ ፊልሞን 23, 24) ስለዚ እምበኣር: ኣርስጣርኮስ ንገለ እዋን ተማቓሊ መቑሕ ጳውሎስ ኰይኑ ኢዩ።
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንኽልተ ዓመታት እሱር እኳ እንተ ነበረ: ኣብታ ባዕሉ እተኻረያ ቤት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ክነብር ተፈቒድሉ ኢዩ: ኣብኣ ዀይኑ ድማ ኽበጽሕዎ ንዝመጹ ሰባት እቲ ብስራት ይእውጀሎም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:16, 30) ኣርስጣርኮስ: ኤጳፍራስ: ሉቃስን ካልኦትን እምበኣር ሓገዝ ብምሃብን ብምእላይን ንጳውሎስ ኣገልጊሎምዎ ኢዮም።
“ዘበራትዕ ሓገዝ”
ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ: ነቲ ኣርስጣርኮስ ተጠቒስሉ ዘሎ እተፈላለየ ፍጻመታት ድሕሪ ምዕዛብ: ኣርስጣርኮስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ገይርካ ኢኻ እትስእሎ፧ ብመሰረት ዳብሊው. ዲ. ቶማስ እተባህለ ጸሓፊ: ኣርስጣርኮስ “ንምጽራር ክጋጠም: ካብቲ ምጽራር ድማ እምነቱ ከየጥፍአን ክምህ ከይበለን ንምግልጋል ዘለዎ ቈራጽነት ዓቂቡ ክወጽእ ዝኽእል ፍሉይ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ግዜ ብጥዑሙ: መዓልቲ ብርሃን ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ግዜ ጸርፍን ፈተናን እውን ንኣምላኽ ዘፍቅር ፍሉይ ሰብ ኢዩ ነይሩ።”
ጳውሎስ ኣርስጣርኮስን ካልኦትን ‘ዘበራትዕዎ ሓገዝቲ:’ (ግሪኽ ፓ·ረ·ጎ ·ሪ ʹያ ) ማለት ምንጪ ምጽንናዕ ምንባሮም ተዛሪቡ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:10, 11 NW ) ስለዚ ኣርስጣርኮስ: ንጳውሎስ ብምጽንናዕን ብምብርታዕን ኣብ ግዜ ሽግር ናይ ሓቂ ብጻይ ኢዩ ነይሩ። ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ብጻይን ዓርክን ናይቲ ሃዋርያ ምዃን: ኣዝዩ ዘዕግብን ብመንፈስ ድማ ዘሀብትምን ተመክሮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።
ከምቲ ኣርስጣርኮስ ዘሕለፎ ኵነታት ኣይነሕልፍን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ሎሚ ኣብታ ክርስትያዊት ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ንመንፈሳውያን ኣሕዋት ክርስቶስን ማሕበር የሆዋን ተመሳሳሊ ተኣማንነት ከርእዩ የድልዮም ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 25:34-40 ኣረኣእዮ።) እንፈልጦም ኣምለኽቲ ብጾትና: ምናልባት ብምኽንያት ሞት ሰቦም: ሕማም: ወይ ብኻልእ ፈተናታት ክኸውን ይኽእል: ውዒሉ ሓዲሩ ሽግር ወይ መከራ ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ። ናብኣቶም ብምልጋብ: ከምኡውን ሓገዝን ምጽንናዕን ምትብባዕን ብምሃብ: ሓጐስ ክንረክብ እሙናት ብጾት ምዃንና ድማ ከነርኢ ንኽእል ኢና።—ምስ ምሳሌ 17:17 ኣረኣእዮ፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35