መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ ሰለስተ
በርማ: 1824 — እቶም ናይ ንጉስ ሰበ- ስልጣን ነቲ ናይ ኣዶኒራም ጀድሰንን ኣን ጀድሰንን ገዛ ሚስዮናውያን ፈተሽዎ: ይጠቅም ኢዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ኵሉ ነገር ድማ ወሰዱ። ነቲ ኣን ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛ ብምስጢር ሓቢኣቶ ዝነበረት ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ጥሪት—እተተርጐመ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ -ጽሑፍ —ግን ኣይረኸብዎን። እቲ ተርጓሚ: ኣዶኒራም: ብስለላ ተኸሲሱ ኣብ ሓደ ጣንጡ ዝመልአ ቤት ማእሰርቲ ብሞቑሕ ተኣስረ። ሽዑ ኣውሊ ነቲ ኢደ -ጽሑፍ ከየበላሽዎ ኣስግአ። ብኸመይ ኢዩ ክድሕን ዝኸኣለ፧ ኣን ነቲ ኢደ-ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ መተርኣስ ኣእትያ ብምስፋይ ናብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ በዓል ቤታ ኣብጽሓቶ። እታ መተርኣስ ተዓቂባ ጸንሐት: እቲ ሒዛቶ ዝነበረት ጽሑፍ ድማ ክፍሊ ናይቲ ብቛንቋ በርማ እተዳለወ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ሓደጋታት ኣሕሊፉ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኽፍልታት ካብቲ ተጻሒፉ እተወድኣሉ ግዜ ክሳዕ መጀመርታ ናይ 1600 ዝነበረ ምትርጓምን ምዝርጋሕን መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ርኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ክሳዕ ሎሚ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ኣሕሊፉ፧ ኵሎም ሰባት ዝረኽብዎ መጽሓፍ ክኸውን ይኽእልዶ ይኸውን፧ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛኸ እንታይ ግደ ነበራ፧
ሚስዮናውያንን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበራትን
ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት: 1600 ’ታት 1700 ’ታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ብርቱዕ ባህጊ እተራእየሉ እዋናት ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብፍላይ ዓዲ እንግሊዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዝጸለዋ ሃገር ኢያ ነይራ። አረ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታትን ትምህርትታትንሲ ካብቲ ንጉስ ጀሚርካ ክሳዕ ሓረስታይ ዳርጋ ኣብ ኣተሓሳስባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኢዩ ሰሪጹ ነይሩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽልዋ ግን ካብዚ ንላዕሊ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓዲ እንግሊዝ ብናይ ባሕሪ ንግድን መግዛእታዊ ሓይልን እተፈልጠት ሃገር ኢያ ነይራ: ገለ እንግሊዛውያን ድማ ኣብቲ ዝገሽዎ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስኣቶም ይማልኡ ነበሩ። እዚ ንሓደ ሰፊሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወፈራ መሰረት ኣንበረ።
ኣብ ምውዳእ ናይ 1700: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝነበሩ ገለ ሰባት ብዛዕባ እቶም ኣብተን ርሒቐን ዝርከባ ሃገራት ግዝኣት ብሪጣንያ ዘለዉ ደቀባት ንኽሓስቡ ኣለዓዓሎም። ይኹን እምበር: እዚ ተገዳስነት እዚ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይነበረን። ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ኣብ ጽሕፍቶ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ገለ ሰባት ክጠፍኡ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ኣተሓሰስባ ነበሮም። እቲ ደሓር ሚስዮናዊ ዝዀነ ዊልያም ካሪ: ኣብ ህንዲ ንዝቐውም ሚስዮን ዝኸውን ደገፍ ንምእካብ ውዕዉዕ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን: ሓደ ሰብ “ኣታ መንእሰይ ኮፍ በል፣ ኣምላኽ ንኣረማውያን ክልውጦም እንተድኣ ደልዩ: ናትካ ሓገዝ ከየድለዮ ክልውጦም ይኽእል ኢዩ!” ብምባል ገንሖ። ካሪ ግን ብ1793 መርከብ ገይሩ ናብ ህንዲ ከደ። እቲ ዘደንጹ ድማ: ኣብ መወዳእታ ንምሉእ ወይ ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ናብ 35 ናይ ህንዲ ቋንቋታት ተርጐሞ።
ሚስዮናውያን ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ መሳርሒኦም ብቛንቋ ናይቲ ከባቢ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ተገንዚቦም ኢዮም። መን ኢዩ እሞ መጽሓፍ ቅዱሳት ከዳሉ፧ እቲ ዘገርም: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዝዝርጋሕ ዝገበረ ምንቅስቓስ ከይተፈለጣ ዝጀመረቶ ሓንቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኣ ሜሪ ጆነስ እተባህለት ጓል ዌልዝ ኢያ። ብ1800 ሜሪ ካብ ሓደ ቐሺ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕዳግ: ጥራይ እግራ 40 ኪሎ ሜተር ተጓዕዘት። ሜሪ ንሽዱሽተ ዓመታት ኢያ ገንዘብ ኣዋህሊላ: ኵሉ እቲ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተሸጠ ምስ ፈለጠት ድማ: ካብ ጓሂ እተላዕለ ፊቕ ኢላ በኸየት። እቲ ቐሺ በቲ ዅነታታ ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ ንሜሪ ሓደ ካብቲ ናቱ መጽሓፍ ቅዱሳት ሃባ።
ድሕርዚ: እቲ ቐሺ ብዛዕባ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝደልዩ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሓሰበ: ነቲ ጸገም ድማ ምስቶም ኣብ ለንደን ዝነበሩ ኣዕሩኹ ተዘራረበሉ። ፍረ ናይዚ ድማ: ብ1804 ናይ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገርን ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተመስረተ። መበገሲ ዕላማኡ ኸኣ ቀሊል: እዚ ድማ “ብዘይ ተወሳኺ መግለጺ ወይ ርእይቶ” እተሓትመ: ሰባት ክገዝእዎ ዝኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ምድላው ኢዩ ነይሩ። ናይታ ማሕበር መስረትቲ ኣብቲ ሕድጋት ርእይቶታት ካብ ምሃብ ምቝጣቦም: ናይ ሰረተ-እምነት ምግጫው ንምርሓቕ ተስፋ ብምግባር ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን: እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር ብዛዕባ እተን ሓቅነተን ዘጠራጥር መጻሕፍቲ: ኣብቲ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዝግበር ጥምቀት: ከምኡውን ኣብ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ትፈላለ ነበረት።
እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ውዕዉዕ ስምዒት ቀልጢፉ ኣስፋሕፍሐ: ብ1813 ድማ ኣብ ጀርመን: ኔዘርላንድስ: ደንማርክን ሩስያን ተሓጋገዝቲ ማሕበራት ተመስሪተን ነበራ። ቀስ እናበላ ኸኣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ተወሰኻ። እተን ናይ መጀመርታ ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ሸቶአን ክሕንጽጻ ከለዋ ዝበዝሕ ክፍሊ ዓለም ሒደት ቀንዲ ቛንቋታት ጥራይ ኢዩ ዝጥቀም ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይሩወን። ብኣሽሓት ዝቝጸር ቋንቋታት ይህሉ ዝብል ግምት ፈጺሙ ኣይነበረንን! ናብ ቋንቋ ናይ ሓደ ከባቢ ብቐጥታ ክትርጕሙ ዝኽእሉ: እብራይስጥን ግሪኽን ዝፈልጡ ተርጐምቲ ብተዛማዲ ኣዝዮም ሒደት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: እታ ናይ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገርን ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጕም ዕዮ ከተካይድ ከላ እቶም ተርጐምቲ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዕዮኦም ኣብቲ ብቛንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።
ንሓደ ተርጓሚ ዘጋጠሞ ፈተናታት
ዝበዝሕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ተመክሮ እተመስረተ ዛንታታትን ምሳሌታትን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ዘይርዳእ ናይ ፍልስፍና ስያመታት ተጻሒፉ ነይሩ እንተ ዝኸውን ከጋጥም ዝኽእል ጸገም ክነጻጸር ከሎ: ንምትርጓሙ ኣዝዩ ዝቐለለ ኢዩ ዝገብሮ። ይኹን እምበር: ከምቲ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ እቲ ሚስዮናውያን ኣብ መጀመርታ ዝገበርዎ ጻዕርታት ሓድሓደ ግዜ ዘደናግር ወይ ዘስሕቕ ትርጕማት ኣምጽአ። ንኣብነት: ሓደ ትርጕም ኣብ ገሊኡ ናይ ህንዲ ክፍሊ ንዝርከቡ ሰባት: ኣምላኽ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ኣካል ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣመሓላሊፍሎም ኢዩ። ኣብቲ “ሰማያዊ ኣቦና” ዝብል መግለጺ: እታ “ሰማያዊ” ንዝብል እተዘውተረት ቃል “ናይ ሰማይ ሕብሪ ዘለዎ”—ማለት ቃል ብቓሉ ናይ ሰማያት—ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ!
ኣዶኒራም ጀድሰን ንሓደ ተርጓሚ ዘጋጥሞ ዕንቅፋታት ኣመልኪቱ ብ1819 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ቋንቋ ናይቶም እቲ ዝጥቀምሉ ኣገላልጻ ሓድሽ: ዝጥቀምሉ ፊደላትን ቃላትን ድማ ካብቲ እንፈልጦ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ በቲ ሓደ ወገን ናይ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ክንማሃር ከሎና፣ መዝገበ-ቃላት ወይ ድማ ተርጓሚ ስለ ዘየለ: ነቲ ወዲ ዓዲ መምህር ክንሕግዝ ቅድሚ ምፍታንና ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ገለ ነገር ክንርዳእ ክንጽዕር ይግብኣና ነበረ—እዚ ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት ማለት ኢዩ! ’ እቲ ከም በዓል ጀድሰን ዝኣመሰሉ ተርጐምቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ክርከበሉ ዝኽእል መገዲ ዝያዳ ኢዩ ወሲኽሉ።—ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።
ኣን ጀድሰን ንበዓል ቤታ ኣብቲ ኣሸጋሪ ዕዮ ትርጕም ሓጊዛቶ ኢያ። እንዳ ጀድሰን ግን ምስ ዕዮ ትርጕም እተተሓሓዘ ጸገማት ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢምዎም። እቶም ናይቲ ንጉስ ሰበ-ስልጣን ንኣዶኒራም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጕንዎ ኸለዉ: ኣን ቈልዓ ክትወልድ መዓልታ ትጽበ ነበረት። ንሰብኣያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ኸውጽኡላ ናብቶም ጽልኢ ዝነበሮም ሰበ-ስልጣን ን21 ኣዋርሕ ብትብዓት ጥርዓን ተቕርብ ነበረት። እዚ ጸገም እዚ ምስ ሕማም ተሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ጥዕናኣ ጐዳኢ ሳዕቤን ኣምጸአ። ኣዶኒራም ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ነዊሕ ከይጸንሐ እታ ተባዕ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ኣንን ጓሉን ብረስኒ ሞታ። ኣዶኒራም ብጓሂ ኵምትር በለ። ሓይሊ ረኺቡ ናይ ትርጕም ዕዮኡ ምእንቲ ክቕጽል ድማ ገና ኣምላኽ ክሕግዞ ኢዩ ተጸብዩ: ብ1835 ከኣ ነቲ ናይ ቋንቋ በርማ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጒሙ ወድኦ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ሰላሕታዊ ብድሆታት ፈኸም ይብል ነበረ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብኽትዕ ይኽበብ
ዓመታት 1800 ዓቢ ማሕበራውን ፖለቲካውን ክትዕ እተኻየደሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ: ሓድሓደ ግዜ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ግደ ዝጻወተሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ናይ ሩስያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብደገፍ ንጉስ ዛር ከምኡውን ብደገፍ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ እኳ እንተ ጀመረ: ድሕሪ ገለ እዋን ነቲ ማሕበር ባዕላቶም ኣሕቀቕዎን ኣገድዎን። (ብኣሽሓት ዝቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳት ድሮ ቅድሚ ዓመት ብተጻባእቲ ናይቲ ማሕበር ብሓዊ ተቓጺሉ ነበረ።) ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ ነቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብውዕዉዕ መንፈስ ዝጀመርዎ ዕዮ—ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ምዝርጋሕ—ዝቋረጸሉ መገዲ ንምድላይ ፊንፊን በሉ። ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ናይ ኦርቶዶክስ መራሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስልጣን ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ከም ዝዀነ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ሽዑ ዝቕልቀል ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ሰውራዊ ምንቅስቓሳት: መጽሓፍ ቅዱስ ንስልጣናት ኣብ ስግኣት ዘውድቕ ዘይኰነስ: እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ እግሪ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ከም ዝምብርከኽ ንምግባር ዘገልግል መሳርሒ ከም ዝዀነ ገይሮም ክርእይዎ ጀመሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክልቲኦም ወገናት መጥቃዕቲ ይወርዶ ነበረ!
ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ዓመታት እውን ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ እናወሰኸ ዝኸይድ “ናይ ምሁራት” መጥቃዕቲ ክወርድ ተራእዩ ኢዩ። ብ1831: ቻርለስ ዳርዊን ነቲ ናብ ናይ ፍልቀት ስነ-ሓሳብ ዘምርሐ ምርምር ንኸካይድ ብመርከብ ጕዕዞ ጀመረ። ብ1848 ማርክስን ኤንግልስን ክርስትና ናይ ጭቈና መሳርሒ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኮሙኒስት ማኒፌስቶ ኣሕቲሞም ኣውጽኡ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን: ሃየር ክሪቲክስ ንልክዕነትን ቅዱሳት ጽሑፋትን ንታሪኻዊ ሓቅነት ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሰባትን—ናይ የሱስ እውን ከይተረፈ—ኣብ ጥርጠራ ኣእተዎ! ገለ መስተውዓልቲ ሰባት ግን እቲ ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ዝነጽግ ክልሰ-ሓሳባት ሓሶት ምዃኑ ተገንዘቡ: ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘረጋግጽ ናይ ምሁራት መገዲ ድማ ሃሰስ በሉ። ሓደ ካብዚኣቶም ኮንስታንቲን ቮን ቲሾንዶርፍ እተባህለ ተውህቦ ዘለዎ ጀርመናዊ ናይ ቋንቋ ክኢላ ኢዩ ነይሩ።
ርኽበታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ንምርግጋጽ ይሕግዝ
ቲሸንዶርፍ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በዅሪ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጹ ተስፋ ብምግባር: ነቲ በዅሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ንምርካብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኰለለ። ብ1859 ማለት ኣብታ ዳርዊን ዘ ኦሪጅን ኦቭ ስፒሽስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ዝሓተመላ ዓመት: ቲሸንዶርፍ ኣብ እግሪ ከረን ሲናይ ኣብ ዝርከብ ሓደ ደብሪ ነቲ ናይ ጥንቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ምሉእ ቅዳሕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ረኸቦ። ኮዴክስ ሲናይቲኩስ ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ: ጀሮም ነቲ ናይ ላቲን ቫልጌት ከይወድኦ ኸሎ ቅድሚ 50 ዓመታት እተጻሕፈ ድማ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ነቲ ብኢድ እተጻሕፈ መጽሓፍ ካብቲ ደብሪ ምግዓዙ ግቡእ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገና ዘካትዕ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ቲሸንዶርፍ ነቲ መጽሓፍ ሓተሞ: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ኢድ ምሁራት ከም ዝበጽሕ ገበሮ።a
ሲናይቲኩስ ሓደ ካብቶም በቲ በዅሪ ቛንቋ እተዳለዉ ጥንታውያን ጽሑፋት ብምዃኑ: እቲ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመሰረቱ ከም ዘይተለወጠ ኣግሂድዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ምሁራት ነቲ ድሕሪኡ ኣብ እተዳለወ ኢደ-ጽሑፋት ሰሊኹ ዝኣተወ ጌጋታት ንኸቃልዕዎ እውን ሓጊዝዎም ኢዩ። ንኣብነት: እታ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:16 ዘላ ንየሱስ እተመልክት ጥቕሲ ኣብ ሲናይቲኩስ ከምዚ ትንበብ:- “ንሱ ብስጋ ተገልጸ።” ኣብቲ ግዜ እቲ ፍሉጥ ዝነበረ መብዛሕትኡ ኢደ-ጽሑፋት ኣብታ “ንሱ ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንእሽቶ ለውጢ ብምግባር: ኣብ ቦታ ናይታ “ንሱ ” እትብል ቃል “ኣምላኽ ” ከም ዝንበብ ዝገብር ኣሕጽሮተ-ቃል ኢዩ ዝርከቦ። ይኹን እምበር: ሲናይቲኩስ ካብቲ “ኣምላኽ ” ተባሂሉ ዝንበብ ዝዀነ ይኹን ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፍ ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ኢዩ። ስለዚ: ኣብቲ ጽሑፍ ጸኒሑ ምብልሻው ከም እተገብረ ተራእየ: እዚ ድማ ነቲ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ንምድጋፍ ኢልካ ዝኣተወ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።
ካብ ግዜ ቲሸንዶርፍ ኣትሒዙ: ተወሳኺ ኢደ-ጽሑፋት ክርከብ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ: ናይቲ ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢደ-ጽሑፋት ጠቕላላ ቝጽሪ ዳርጋ 6,000 ክኸውን ከሎ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ቍጽሪ ድማ ልዕሊ 13,000 ኢዩ። እዚ ጽሑፋት እዚ: ብምንጽጻር መጽናዕቲ ምስ ተገብረሉ ብምትእምማን ክትውከሎ እትኽእል ናይ በዅሪ ቋንቋ ጽሑፍ ከም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ። ከምቲ ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ እተባህለ ምሁር ገሊጽዎ ዘሎ: “እተፈላለየ ትርጕማት: ንታሪኻዊ ሓቅነት ወይ ንክርስትያናዊ እምነትን ተግባርን ዝምልከት ቀንዲ ትሕዝቶ ኣይቅይሮን ኢዩ።” ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ብዙሕ ተወሳኺ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ዕዮ እንተ ቐጸለ እኳ: እዚ እናወሰኸ ዝኸደ ፍልጠት ንሰባት ክጠቕሞም ዝኽእል ግን ብኸመይ ኢዩ፧
ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን መጽሓፍ ቅዱስን
ብ1881: ህርኩታት መምህራንን ተማሃሮን መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ሓደ ጕጅለ ቈመ: ጸኒሑ ድማ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኰነ። ኣብ መጀመርታ: ነቲ ናይ ቲሸንዶርፍ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ሓዊስካ: ብኻልኦት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱሳት ይዝርግሑ ነበሩ። ይኹን እምበር ብ1890: ነቲ ብርክት ዝበለ ናይ መጀመርታ ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ ውክልና ብምውሳድ: ቀጥታ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕታም ጀመሩ። ብ1926 እቲ ማሕበር ብናይ ገዛእ ርእሱ ማሕተም ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ክሓትም ጀመረ። ግናኸ እዋናዊ ዝዀነ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘድሊ ዝያዳ ግሁድ እናዀነ መጸ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበን ብምርምርን ትምህርትን እተረኽበ ፍልጠት ኣብ ሓደ ዝርዳእን ክትውንኖ ዝከኣልን መጽሓፍ ቅዱስ ክኣቱ ክኢሉዶ፧ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ነዚ ዕላማ እዚ ብምሓዝ: ብ1946 ሓድሽ ትርጕም ቅዱሳት ጽሑፋት ክሓትም መደበ።
ሓደ ትርጕም ብብዙሕ ቋንቋታት
ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብእንግሊዝኛ ንምድላው: ተመክሮ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሓዘ ሓደ ናይ ትርጕም ኮሚተ ተመስረተት። በቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ጀሚሩ: ካብ 1950 ክሳዕ 1960 ሽዱሽተ ጥራዛት ተሓትመ። ካብ 1963 ኣትሒዙ ናብ 27 ተወሳኺ ቋንቋታት ተተርጐመ: ብኻልእ ቋንቋታት ድማ ኣብ ዕዮ ኣሎ። እቲ ምስ ካልእ ቋንቋታት እተተሓሓዘ ሸቶ ልክዕ ከምቲ ናይ እንግሊዝኛ ኢዩ ነይሩ። ቀዳማይ: ብእተኻእለ መጠን ምስቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳብ እተቐራረበ ዀይኑ: እቲ ትርጕም ልክዕ ክኸውን ኣለዎ። ምስ እተወሰነ ሰረተ-እምነታዊ ምርዳእ ንኽሰማማዕ ተባሂሉ እቲ ትርጕም ክቐንን የብሉን። ካልኣይ: እቲ ትሕዝቶ ጽሑፍ ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ክሳዕ ዘፍቀደ: ነቲ ኣብ እብራይስጥን ግሪኽን ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኣገዳሲ ቃል ሓደ ዓይነት ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ብምሃብ: ናይ ስያመታት ዘይምቅይያር ክዕቀብ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ኣቀራርባ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተወሰነ ቃላት እተጠቕምሉ ኣገባብ ከመይ ምዃኑ ኣንበብቲ ክርድእዎ ይሕግዞም ኢዩ። ሳልሳይ: እቲ ጽሑፍ ትርጕሙ ከም ዝዕበጥ ከይገበርካ ብእተኻእለ መጠን ቃል ብቓል ዝሓለፈ ክኸውን ኣለዎ። ቃል ብቓል ምትርጓም እቲ ኣንባቢ ንመኣዛ ናይቲ በዅሪ ቋንቋታትን ምስኡ እተተሓሓዘ ኣገባብ ሓሳባትን ዝያዳ ብቐረባ ከም ዝፈልጦ ኢዩ ዝገብሮ። ራብዓይ ድማ: ተራ ሰባት ምእንቲ ከንብብዎን ክርድእዎን ቀሊል ክዀነሎም ኣለዎ።
እቲ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሒዝዎ ዘሎ ናይ ኣተረጓጕማ ቅዲ ቃል ብቓል ምዃኑ: ናብ ካልእ ቋንቋታት ንምርትጓም የቃላጥፍ ኢዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ብምሓዝ ድማ እተን ናይ ማሕበር ናይ ትርጕም ጕጅለታት ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ዕዮአን ንምቅልጣፍን ዝያዳ ድማ ልክዕ ንምግባሩን ምዕቡል ዝዀነ ናይ ኮምፒዩተር መሳርሒታት ኢየን ዝጥቀማ። እዚ ኣገባብ እዚ ተርጐምቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ እንግሊዝኛ ዘሎ ኣገዳሲ ቃል ማዕሪኡ ዝዀነ ናይ ቋንቋኦም ቃላት ዝሓዘ ዝርዝር ንኽእክቡ ይሕግዝ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃል ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዋህቦ ትርጕም ከጽንዕዎ እውን የኽእሎም ኢዩ።
ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ካብ እብራይስጥን ግሪኽን ምውሳድ ካብ እንግሊዝኛ ምትርጓም ኣገዳሲ ዝዀነ ረብሓታት ኢዩ ዘለዎ። ነቲ ኣብ ምትርጓም ዝጠፍእ ግዜ ኣብ ርእሲ ምሕጻሩ: ኣብ ኵሉ ቋንቋታት ዝዓበየ ናይ ኣገላልጻ ሓድነት ከም ዝህሉ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካብ ሓደ ጥንታዊ ቋንቋ ወሲድካ ናብ እተፈላለየ ዘመናዊ ቋንቋታት ካብ ምትርጓም: ካብ ሓደ ዘመናዊ ቋንቋ ወሲድካ ብልክዕ ንምትርጓም ዝያዳ ዝቐለለ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ተርጐምቲ ሓበሬታ ክሓቱ ዝኽእሉ ነቶም ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ዝዝረብ ንዝነበረ ቋንቋታት ዝተርጐሙ ሰባት ዘይኰነስ: ነቶም ተዛረብቲ ናይዚ ዘመናዊ ቋንቋታት ዝዀኑ ደቀባት ኢዮም።
ንዅሎም ኣህዛብ ዝኸውን ብስራት
ብዛዕባ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብዝኸድካዮ ክርከብ ዝኽእል መጽሓፍ ንምግባሩ ገግዲኦም ዝወፈዩ ተባዓት ሰብኡትን ኣንስትን ካልእ ብዙሕ ነገራት ክጸሓፍ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት: ብውሕዱ ኣርባዕተ ቢልዮን ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱሳትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታትን: ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብዝዛረቦ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዝኸውን ቋንቋታት ተሓቲሙ ኢዩ!
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ዓለምለኻዊ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዋጅ ክንገር ምዃኑ ተነብዩ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: የሆዋ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ክርከብ ከም ዝከኣል ንምግባር ንሰባት ባዕሉ መሪሕዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 13:47, 48፣ 24:14) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ድምብርጽ ዘይብሎም ተርጐምትን ሓተምትን መጽሓፍ ቅዱስ: ንሕና ቃል ኣምላኽ—ኣብ ሓንቲ ብስነ-ምግባር ዝመጸ ጸልሚታ ዘላ ዓለም እንኮ ምንጪ መንፈሳዊ ብርሃን ዝዀነ ነገር—ምእንቲ ኽንረክብ ዘለዎም ኵሉ ሰዊኦም ኢዮም። ኣብነቶም: ከምቲ ንሳቶም ዘርኣይዎ እምነት ብምሓዝ ነቲ ቓል እቲ ንኸነንብቦ: ብእኡ ንኽንመላለስ: ከምኡውን ንኻልኦት ንኸነማቕሎ እንለዓዓል ይግበረና። እወ: መዓልቲ መዓልቲ: ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ክትውከሎ እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ!—ኢሳይያስ 40:6-8
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ነቲ ኮዴክስ ሲናይቲኩስ ከም ዝድሕን ምግባሩ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሰሌዳ]
ኣብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዕቤት
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ቍጽሪ
ቋንቋታት
1 ኣይሁድ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽ ክትርጕምዎ ዝጀመርሉ
ከባቢ 280 ቅ.ኣ.ዘ.
12 ጀሮም ንላቲን ቫልጌት ኣብ ከባቢ 400 ከ.ኣ.ዘ ጽሒፉ ወድኦ
35 ጉተንበርግ ኣብ ከባቢ 1455 ነቲ ንመጀመርታ ግዜ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ወድኦ
81 ብ1804 ናይ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገርን ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተመስረተ
ብብዓመቱ ዝነበረ ገምጋም ቍጽሪ ቛንቋታት
522
1900
600
700
800
900
1,049
1950
1,100
1,200
1,300
1,471
1970
2,123
1996
2,200
2,300
2,400
[ምንጪ ስእሊ]
ምንጭታት:- Christianity Today, United Bible Society
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ]
Mountain High Maps® Copyright © 1995 Digital Wisdom, Inc.
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ጀድሰን ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ
[ምንጪ ስእሊ]
ካብታ ብጀሰ ፔጅ እተጻሕፈት ጀድሰን ዘ ሂሮ ኦቭ በርማ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ እተረኽበ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
ቲሸንዶርፍ ካብዚ ኣብ እግሪ ከረን ሲናይ ዝርከብ ደብሪ ጠቓሚ ዝዀነ ኢደ-ጽሑፍ ኣድሓነ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.