ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ምስትውዓል ብስለት ኢዩ ዘንጸባርቕ
ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ። እቲ ዝዘራእካዮ ኢኻ እትዓጽድ። (1 ቈረንቶስ 15:33፣ ገላትያ 6:7) ብስጋዊ ይኹን ብመንፈሳዊ መገዲ: እዘን ክልተ ምሉኣት ሓሳባት ነፍሲ ወከፈን ናይ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ—መሰረታዊ ስርዓት—ኣብነት ኢየን: ነፍሲ ወከፈን ድማ ሕግታት ንምውጻእ መሰረት ይዀና ኢየን። ሕግታት ግን ምስ ግዜ ዝለዋወጥ: ከምኡውን ኣብ እተወሰነ ነገር ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: መሰረታዊ ስርዓታት ርሒብ: ከምኡውን ንዘለኣለም ክቕጽል ዝኽእል ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ: ቃል ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኵሉ ነገራት ብዛዕባ እቲ መበገሲ ኰይኑ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ክንሓስብ ዘተባብዓና።
ወብስተርስ ሰርድ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ንመሰረታዊ ስርዓት “ሓፈሻዊ ወይ መሰረታዊ ሓቂ:- ሰፊሕን መሰረታውን ሕጊ: ሰረተ-እምነት: ወይ ንኻልእ ነገራት ከም መሰረት ወይ ከም መበገሲ ኰይኑ ዝዓዪ ግምት” ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ንሓደ ቘልዓ “ነቲ እቶን ከይትትንክፎ” ዝብል ሕጊ የውጽኣሉ ይኸውን። ንሓደ በጽሒ ግን “እቲ እቶን ውዑይ ኢዩ” ዝብል ሓበሬታ እኹል ኢዩ። እዛ ዳሕረወይቲ ሓሳብ ዝያዳ መሰረታዊ ነገር ዝሓቘፈት ምዃና ኣስተብህል። ምኽንያቱ ነቲ ሓደ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት—ምኽሻን ድዩ ምስንካት: ወይ ነቲ እቶን ምጥፋእ—እትጥርንፍ ኰይና ብመገዲ መሰረታዊ ስርዓት ዝቐረበት ኢያ።
ርግጽ ኢዩ: ናይ ህይወት ቀንዲ መሰረታዊ ስርዓታት መንፈሳዊ ኢዩ፣ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾን ሓጐስናን ዝጠርነፈ ኢዩ። ገለ ሰባት ግን: ካብቲ በቲ መሰረታዊ ስርዓታት ምሕሳብ ዝሓቶ ጻዕሪ የድሓርሕሩ። ውሳነ ምግባር ምስ ዘጋጥሞም ሕጊ ተጠቒሞም ክጸናንዑ ኢዮም ዝመርጹ። እዚ ጥበባዊ ኣይኰነን ምስ ኣብነት ናይቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብ ጥንቲ ድማ ዘይሰማማዕ ኢዩ።—ሮሜ 15:4
በቲ ናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓት እተመላለሱ ሰባት
ካብ መንጎ ዘይፍጹማት ሰባት: ኣቤል በቲ ናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓት እተመላለሰ ናይ መጀመርታ ሰብ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ‘ዘርኢ’ ተዋሂቡ ዝነበረ መብጽዓ ኣዕሚቑ ሓሲብሉ: ካብ ሓጢኣት ምድሓን ድማ ናይ ደም መስዋእቲ ከም ዘጠቓልል ኣስተውዒሉ ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) በዚ ድማ: ‘ካብ በዅራት ኣባጊዑ’ ንኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረበሉ። እታ “ካብ ስብሔንን” እትብል ሓረግ ኣቤል ንየሆዋ ካብቲ ዝነበሮ እቲ ዝበለጸ ከም ዘቕረበሉ ኢያ እትሕብር። እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሞት ኣቤል ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ንመስዋእትታት ዝምልከት ዝርዝር ብቕዓታት ዝገለጸ። ምስዚ ብመሰረታዊ ስርዓት እተመላለሰ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ኣቤል ብምንጽጻር ክርአ ከሎ ግን: ሓዉ ቃየል እቲ ንኣምላኽ ዘቕረቦ መስዋእቲ ንርኣዩለይ ኢዩ ነይሩ። ኣረኣእያኡ ግን ጥዑይ ኣይነበረን: ኣብቲ ዘቕረቦ መስዋእቲ መሰረታዊ ስርዓት ዝጐደሎ ልቢ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ነገር ነይሩ ኢዩ።—ዘፍጥረት 4:3-5
ኖህ እውን ብናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓት ዝመላለስ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኣምላኽ መርከብ ክሰርሕ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ከም ዝኣዘዞ ክገልጽ ከሎ: ንኻልኦት ክሰብኽ ከም እተነግረ ዝሕብር ትእዛዝ ግን ኣይንረክብን ኢና። ይኹን እምበር ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኖህ ንኻልኦት ክሰብኽ ኣምላኽ ከም ዝመርሖ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ: እቲ ንመሰረታዊ ስርዓት ናይ ምግንዛብ ክእለቱን ንብጻዩ ዝነበሮ ፍቕርን ከምኡ ክገብር ከም ዝደረኾ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ልክዕ ምስቲ ናይ ኖህ ኣብ ዝመሳሰል እዋን ንነብር ስለ ዘሎና: ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ኣረኣእያን ኣብነቱን ንቕድሓዮ።
ከምቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ዘይኰነስ: የሱስ ነቲ ህዝቢ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው ክሓስብ ኢዩ ምሂርዎ። እቲ ናይ ከረን ስብከቱ ሓደ ኣብነት ኢዩ። እቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ስብከት ብምሉኡ ንመሰረታዊ ስርዓት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ዝማሃረሉ ምኽንያት ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቤልን ኖህን ብሓቂ ንኣምላኽ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ከም መንእሰይ መጠን እውን እንተዀነ: ነቲ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ [ኣይነብርን]” ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ኣኽቢርዎ ኢዩ። (ዘዳግም 8:3፣ ሉቃስ 2:41-47) እወ: ብናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓታት ዝመላለስ ሰብ ንምዃን እቲ መፍትሕ ንየሆዋ: ነቲ ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገራት: ከምኡውን ንዕላማታቱ ብሓቂ ምፍላጥ ኢዩ። እዚ ንኣምላኽ ዝምልከት መሰረታዊ ስርዓታት ንህይወትና ምስ ዝጸልዎ: ከም ውጽኢት ናይዚ እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ህያው ይኸውን።—ኤርምያስ 22:16፣ እብራውያን 4:12
መሰረታዊ ስርዓታትን ልብን
ንሓደ ሕጊ ምናልባት ብዘይ ምእዛዝካ ንዝስዕብ መቕጻዕቲ ብምፍራህ ጥራይ ከይፈተኻ ክትእዘዞ ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሓደ መሰረታዊ ስርዓት ምእዙዝ ምዃን ንኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ቦታ ኣይህብን ኢዩ: ከመይሲ ንሓደ ብመሰረታዊ ስርዓታት ዝምራሕ ሰብ ንሕጊ ምእዛዝ ካብ ልቡ ዝነቅል ባህርያዊ ምላሽ ኢዩ። ነቲ ልክዕ ከም ኣቤልን ኖህን: ሕጊ ሙሴ ቅድሚ ምቛሙ ዝነብር ዝነበረ ዮሴፍ ርአ። ሰበይቲ ጶጢፋር ከተስሕቶ ምስ ፈተነት: ዮሴፍ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል መለሰላ። እወ: ዮሴፍ ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ኢዮም ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ።—ዘፍጥረት 2:24፣ 39:9
ሎሚ ዓለም ጻድቕ ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓታት የብላን። ልክዕ ከም ሓደ ውሒጣ ዓመጽን ዘይስነ-ምግባርን ኢያ እትቕለብ ዘላ። እቲ ሓደጋ: ሓደ ክርስትያን ምናልባት ብምስጢር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸር በሸር መግቢ—ፊልምታት: ቪድዮታት: ወይ መጻሕፍቲ—ጠልቈምቈም ንምባል ክፍተን ይኽእል ይኸውን። እምበኣር: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ዝዀኑ ጥራይ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ከም ዘድሕኖም ብምዝካር: ልክዕ ከም ዮሴፍ ንመሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው ንሕማቕ ነገር ክንነጽግሲ ክሳዕ ክንደይ ዝነኣድ ኰን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21 NW ) እወ: ብውሽጥና ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ዘርኢ: እቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት እንዀኖ ዘይኰነስ: ኣውራ ኣብ ብሕትና ከመይ ምዃንና ኢዩ።—መዝሙር 11:4፣ ምሳሌ 15:3
ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ንምራሕ እንተድአ ዄንና: መምለቚ ክኸውን ይኽእል ኢልና እንሓስቦ ነቓዓት ኣብቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይክንደልን ኢና፣ ንሓደ እተወሰነ ሕጊ ከይጠሓስና ክሳዕ ክንደይ ክንቅጽል ከም እንኽእል ንምርኣይ ኣይክንፍትንን ኢና። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ንርእስኻ ምክልኻል ኢዩ፣ መወዳእታኡ ድማ ጐዳኢና ኢዩ።
ክንዮ እቲ ሕጊ ጠምት
ርግጽ ኢዩ: ሕግታት ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ልክዕ ከም ሓላዊ ዀይኑ ዝከላኸለልና ነገር ኢዩ: ኣብቲ ውሽጡ ድማ ኣገዳሲ ዝዀነ ብዙሕ መሰረታዊ ስርዓታት ዝሓቘፈ ኢዩ። ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ካብ ምስትውዓሉ ምስ እንሰንፍ ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ሕግታት ዘሎና ፍቕሪ ከቕህሞ ይኽእል ይኸውን። እዚ ኣብቶም ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ተራእዩ ኢዩ።
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዓሰርተ ትእዛዛት ሃቦም: ካብዚ ድማ እታ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ ብጀካ ንየሆዋ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ኣምላኽ ምምላኽ እትኽልክል ኢያ ነይራ። የሆዋ ፈጣሪ ናይ ኵሉ ነገር ምዃኑ ክንዮ እዚ ሕጊ እዚ ዘሎ መሰረታዊ ሓቂ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:3-5) እቲ ህዝቢ ግን በዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ተመላሊሱዶ፧ የሆዋ ባዕሉ ከምዚ ብምባል መልሲ ይህብ:- “ዝባኖም እምበር: ገጾም ናባይ [ናብ የሆዋ] ኣይመለሱን እሞ: [እስራኤላውያን] ንዕጨይቲ፤ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ: ንእምኒ ድማ፤ ንስኺ ወለድክና: ይብሉ።” (ኤርምያስ 2:27) ከመይ ዝበለ ደረቕን ስርዓት ኣልቦን ዕሽነት ኰን ኢዩ! ንየሆዋ ድማ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘጕህዮ!—መዝሙር 78:40, 41፣ ኢሳይያስ 63:9, 10
ክርስትያናት እውን ኣምላኽ ዝሃቦም ሕግታት ኣለዎም። ንኣብነት: ኣምልኾ ጣኦት: ጾታዊ ርኽሰት: ከምኡውን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ደም ከርሕቑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ነዚ ሕስብ ምስ እተብለሉ: ከም እኒ ኣምላኽ ፍሉይ ተወፋይነት ከነርእዮ ዝግብኦ ኢዩ፣ ንናይ መርዓ ብጻይና እሙናት ክንከውን ኣሎና፣ ከምኡውን የሆዋ ወሃብ ህይወትና ኢዩ: ዝኣመሰለ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 2:24፣ ዘጸኣት 20:5፣ መዝሙር 36:9) ነቲ ክንዮ እዚ መምርሒታት እዚ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት እንተድኣ ኣስተውዒልናሉን ኣዕሚቝና ድማ ኣማሲናሉን ንጥቕምና ምዃኑ ክንርዳእ ኢና። (ኢሳይያስ 48:17) ናይ ኣምላኽ ‘ትእዛዛት ኣይከብደናን ኢዩ።’—1 ዮሃንስ 5:3
እስራኤላውያን ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ንትእዛዛት ኣምላኽ ዕሽሽ ክብልዎ ኸለዉ: ኣብ ግዜ የሱስ ድማ እቶም “ናይ ሕጊ ሓካይም” ዝነበሩ ጸሓፍቲ: ብኣንጻሩ ካልእ ሕሉፍ ዝዀነ ነገር ገበሩ። ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝዓበጦ: ነቲ ናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓታት ድማ ዝቐበሮ ክንዲ እምባ ዝኸውን ሕግታትን ልምድታትን መስረቱ። (ማቴዎስ 23:2 ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ሰባት ነቲ ሕጊ ክሕልዉ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም: ናይ ተስፋ ምቝራጽ: ወይ ናይ ግብዝና ስምዒት ተሰምዖም። (ማቴዎስ 15:3-9) መብዛሕትኡ ካብቲ ሰብ ዘቘሞ ሕግታት ድማ ድንጋጽ ዘይብሉ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ንሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኢዱ ከሕውዮ ምስ ደለየ: ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ . . . ይግባእ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቲ ስቕ ምባሎም ኣይግባእን ዝብል መልሲ ኢዩ ዘቃልሕ ነይሩ: እዚ ድማ ንየሱስ ‘በቲ ድርቅና ልቦም ጓሂ’ ከም ዝስምዖ ገበሮ። (ማርቆስ 3:1-6) ፈሪሳውያን ብመዓልቲ ሰንበት ንሓደ እተገድዐ ወይ እተጐድአ እንስሳ (ናይ ገንዘብ ረብሓ ዝርከቦ) ሓገዞም ምለገሱ ነይሮም ይዀኑ: ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ ግን—ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እንተዘይኰይኑ—ፈጺሞም ከምኡ ኣይምገበርሉን። ብርግጽ: ብሰብኣዊ ሕግታትን ሕጋዊ ዝርዝራትን ኣዝዮም ተዓብሊሎም ስለ ዝነበሩ: ልክዕ ከም ኣብ ልዕሊ ሓደ ስእሊ ናብዝን ናብትን ዝብሉ ጻጸታት: ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ስእሊ—ነቲ መለኮታዊ ዝዀነ መሰረታዊ ስርዓታት—ካብ ምርኣይ ሰነፉ።—ማቴዎስ 23:23, 24
ይኹን እምበር: ንኣሽቱ እውን ከይተረፉ: ኣልባቦም ቅኑዕ ምስ ዝኸውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንየሆዋ ክብሪ ከምጽእሉ ይኽእሉ ኢዮም። መምህር ናይ ሓንቲ ሪበካ እተባህለት ጓል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ጓል: ካብቶም ተማሃሮ ጠላዕ ዝጻወት መን ምዃኑ ሓተተት። መብዛሕትኦም ከም ዘይጻወቱ ተዛረቡ። እንተዀነ ግን: እተፈላለየ ኵነታት ምስ ተጠቕሰ: ብጀካ ሪበካ ኵላቶም በዚ ይኹን በቲ ጠላዕ ከም ዝጻወቱ ተኣመኑ። እታ መምህር 20 ሳንቲም ዝዋግኡ ኣብ ጠቓሚ መዓላ ዝውዕል ናይ ቶምቦላ ቲኬት ትዕድግ እንተድኣ ዀይና ሓተተታ። ሪበካ ዘይትዕድጎ ምዃና ተዛረበት: ነቲ ቲኬት እቲ ምዕዳግ ሓደ ዓይነት ጠላዕ ምዃኑ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ድማ ሃበት። ድሕርዚ እታ መምህራ ንዅሎም እቶም ተማሃሮ ከምዚ በለቶም:- ‘ብናተይ ኣረኣእያ: ከምቲ እታ ቓል ሒዛቶ ዘላ ናይ ሓቂ ትርጕም: ኣነ “መሰረታዊ ስርዓታት” ኢለ ዝጽውዖ ነገር ዘለዋ ሪበካ ጥራይ ኢያ።’ እወ: ሪበካ ብቐሊሉ “ሃይማኖተይ ኣየፍቅደለይን ኢዩ” ኢላ ክትምልስ ትኽእል ነይራ: ግናኸ ካብኡ ንላዕሊ ኢያ ኣዕሚቛ ሓሲባ፣ ጠላዕ ጌጋ ዝዀነሉን ንሳ ድማ ኣብኡ ምስታፍ ዝኣበየትሉን ምኽንያት ኢያ ክትምልስ ክኢላ።
ከም ኣቤል: ኖህ: ዮሴፍ: ከምኡውን የሱስ ዝኣመሰሉ ኣብነታት: ነቲ ዘሎና “ናይ ምሕሳብ ክእለት” ከምኡውን “ናይ ምስትውዓል ክእለት” ተጠቒምና ንኣምላኽ ምስ እነምልኾ ብኸመይ ከም እንረብሕ ዘርኢ ኢዩ። (ምሳሌ 2:11 NW ፣ ሮሜ 12:1 NW ) ክርስትያን ሽማግለታት ‘ነቲ ምስኣቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ክጓስይዎ’ ኸለዉ ንየሱስ ክቐድሕዎ ሰናይ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:2) ከምቲ የሱስ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ዘሎ: እቶም ናይ ኣምላኽ መሰረታዊ ስርዓታት ዘፍቅሩ ሰባት ኢዮም ኣብ ትሕቲ ሉዓላውነት የሆዋ ዝድንፍዑ።—ኢሳይያስ 65:14