ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/11 ገጽ 8-13
  • ክርስትያናትን እታ ናይ ደቅሰብ ዓለምን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያናትን እታ ናይ ደቅሰብ ዓለምን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሱስ ኣብነት
  • ጳውሎስ ነቶም “ኣብ ወጻኢ ዘለዉ” ሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ
  • ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣመንቲ ምሕጋዝ
  • ኣብ ማእከል እቶም “ዘይኣምኑ” ምስባኽ
  • ሎሚ “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” ከተድሕን ምጽዓር
  • ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንዓለም ዝቐየረ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/11 ገጽ 8-13

ክርስትያናትን እታ ናይ ደቅሰብ ዓለምን

“ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።”​—⁠ቈሎሴ 4:⁠5

1. የሱስ ንሰዓብቱን ንዓለምን ኣመልኪቱ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቡኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: ንሰዓብቱ ኣመልኪቱ ከምዚ ዝስዕብ በለ:⁠- “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም።” ወሲኹ ድማ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 17:​14, 15) ክርስትያናት​—⁠ንኣብነት: ካብ ሰብ ተነጺሎም ኣብ ገዳማት ብምንባር​—⁠ብኣካል ካብ ዓለም ክፍለዩ ማለት ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ: ክርስቶስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” መሰኻኽር ምእንቲ ክዀንዎ ‘ናብ ዓለም ለኣኾም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8፣ ዮሃንስ 17:18) እንተዀነ ግን: እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ብምኽንያት ስም ክርስቶስ ኣንጻሮም ጽልኢ ስለ ዘለዓዕል ኣምላኽ ንኽሕልዎም ለሚኑ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 12:31፣ ማቴዎስ 24:​9

2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ዓለም” እትብል ቃል ብኸመይ ኢዩ ዝጥቀመላ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ዓለም ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ዓለም” (ብግሪኽ ኮ ʹስሞስ) እትብል ቃል: መብዛሕትኡ ግዜ ‘በቲ እኩይ ተታሒዙ ንዘሎ’ ሓጥእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢያ እተመልክት። (1 ዮሃንስ 5:​19) ክርስትያናት ምስ ናይ የሆዋ መዐቀኒታት ስለ ዝሰማምዑን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዓለም ክሰብኩ እተዋህቦም ትእዛዝ ስለ ዝሕልዉን: ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ዓለምን ሓርፋፍ ርክብ ይፍጠር ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​12፣ 1 ዮሃንስ 3:​1, 13) ይኹን እምበር: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ ኮ ʹስሞስ እትብል ቃል ንሰብኣዊ ዓሌት ብሓፈሻ ንምምልካት እውን ውዒላ ኣላ። የሱስ ነታ ዓለም እትብል ቃል በዚ መንፈስ እዚ ክዛረበላ ኸሎ ከምዚ በለ:⁠- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን።” (ዮሃንስ 3:​16, 17፣ 2 ቈረንቶስ 5:​19፣ 1 ዮሃንስ 4:​14) ስለዚ: የሆዋ ነቲ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ፈልዩ ዘፍልጦ ነገራት ክጸልኦ ኸሎ: ኵሎም እቶም ኣብ ‘ነስሓ ዝበጽሑ’ ሰባት ምእንቲ ኽድሕኑ ንወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ ድማ ንደቅሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9፣ ምሳሌ 6:​16-​19) እቲ የሆዋ ኣብ ዓለም ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኣምለኽቱ ክመርሖም ኣለዎ።

ናይ የሱስ ኣብነት

3, 4. (ሀ) የሱስ ንንግስነት ዝምልከት እንታይ ኣቃውማ ኢዩ ዝነበሮ፧ (ለ) የሱስ ነታ ናይ ደቅሰብ ዓለም ብኸመይ ኢዩ ዝረኣያ፧

3 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ: ንጶንጥዮስ ጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ምስዚ ቓላት እዚ ዝሰማማዕ ድማ: የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ዓለም ስልጣን ንኽሕዝ ብሰይጣን ዝቐረበሉ ህያብ ነጺግዎ ነይሩ ኢዩ: ኣይሁድ ንጉስ ክገብርዎ ምስ ደለዩ ድማ ፍቓደኛ ኣይነበረን። (ሉቃስ 4:​5-8፣ ዮሃንስ 6:​14, 15) እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ ናይ ደቅሰብ ዓለም ዓቢ ፍቕሪ ኣርእዩዋ ኢዩ። ነዚ ዘረድእ ሓደ ኣብነት ድማ: ሃዋርያ ማቴዎስ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም” ብምባል ጸብጻብ ሂብሉ ኣሎ። ካብ ፍቕሪ እተላዕለ: ነቶም ህዝቢ ኣብ ከተማታቶምን ኣቑሻቶምን እናኸደ ሰበኸሎም። ምሂርዎምን ካብ ሕማሞም ድማ ኣሕውይዎምን ኢዩ። (ማቴዎስ 9:​36) ስጋዊ ድሌታት ናይቶም ክማሃሩ ኢሎም ናብኡ ዝመጹ ሰባት እውን ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ነንብብ:⁠- “የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም: እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ: ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም: የደንግጹኒ አለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ: ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።” (ማቴዎስ 15:32) ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ሓልዮት ኰን ኢዩ!

4 ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሳምራውያን ብርቱዕ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ነበሮም: የሱስ ግን ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ነዊሕ ተዛሪቡ: ኣብ ሓንቲ ናይ ሳምራውያን ከተማ ሰፊሕ ምስክርነት ንምሃብ ድማ ክልተ መዓልትታት ኣሕሊፉ ኢዩ። (ዮሃንስ 4:​5-42) ኣምላኽ ንየሱስ ዝለኣኾ “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” እኳ እንተ ነበረ: ኣጋጣሚ ኽረክብ ከሎ ግን ነቲ ኣይሁድ ብዘይኰኑ ሰባት እተራእየ ናይ እምነት መግለጺታት መልሲ ይህበሉ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 8:​5-​13፣ 15:​21-​28) እወ: የሱስ ‘ክፍሊ ናይ ዓለም ከይኰንካ’ ነታ ናይ ደቅሰብ ዓለም: ንሰባት: ፍቕርኻ ምግላጽ ከም ዝከኣል ኣርእዩ ኢዩ። ንሕናኸ ብተመሳሳሊ መገዲ ነቶም ኣብቲ እንነብረሉ: እንሰርሓሉ ቦታ ዘለዉ ወይ ድማ ነቶም ክንሽምት ከሎና እንረኽቦም ሰባት ድንጋጽ ነርኢ ዲና፧ ነቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ዘድልዮም ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ ንኽንሕግዝ ዓቕምና ዘፍቅደልና እንተድኣ ዀይኑ ብዛዕባ ድሕንነቶም እውን ንግደስዶ ኢና፧ የሱስ ተገዳስነት ኣርእዩ ኢዩ: ከምኡ ብምግባሩ ድማ ንሰባት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንኽሰብከሎም መገዲ ኸፈተ። ሓቂ ኢዩ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ቃል ብቓሉ ተኣምራት ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና። ሓንቲ ግብሪ ሕያውነት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኣብ ምፍራስ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ተኣምራት ክትሰርሕ ትኽእል ኢያ።

ጳውሎስ ነቶም “ኣብ ወጻኢ ዘለዉ” ሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ

5, 6. ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም “ኣብ ወጻኢ” ዝነበሩ ኣይሁድ ብኸመይ ኢዩ ተመላሊሱ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መብዛሕትአን ካብተን መልእኽትታቱ: ኣይሁድ ይኹኑ ኣህዛብ ብዘየገድስ ብዛዕባ እቶም “ኣብ ወጻኢ ዘለዉ” ወይ “ብወጻኢ ዘለዉ:” ማለት ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ይጠቅስ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:​12፣ 1 ተሰሎንቄ 4:​12፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠7) ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብኸመይ ኢዩ እተመላለሰ፧ ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀነ።’ (1 ቈረንቶስ 9:​20-​22) ናብ ሓንቲ ኸተማ ክኣቱ ኸሎ: መጀመርታ ናብቶም ተቐማጦ ናይቲ ቦታ ዝዀኑ ኣይሁድ ከይዱ ኢዩ ዝሰብኽ ነይሩ። እቲ ዝጥቀመሉ ኣቀራርባኸ እንታይ ነበረ፧ መሲሕ ከም ዝመጸን መስዋእታዊ ሞት ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ዘእምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖታት ብሜላን ብኣኽብሮትን ኢዩ ዘቕርብ ነይሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:​5, 14-​16, 43፣ 17:​1-3, 10

6 ጳውሎስ ብዛዕባ መሲሕን መንግስቲ ኣምላኽን ምእንቲ ኽምህሮም በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ነቲ ንሕግን ነብያትን ዝምልከት ፍልጠት ኣይሁድ ኣዕበዮ። ንገለ ሰባት ኣብ ምእማን ድማ ተዓዊቱ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:1፣ 17:⁠4) ጳውሎስ ካብቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞ: “ኣሕዋተየ: ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ: ኣነ እምስክረሎም አሎኹ እሞ: ንሳቶም [ኣይሁድ] ኪድሕኑ: ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ” ብምባል ክጽሕፍ ከሎ ንኣይሁድ ምዉቕ ስምዒት ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 10:​1, 2

ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣመንቲ ምሕጋዝ

7. ብዙሓት ጵሮሴሊታት ነቲ ጳውሎስ ዝሰበኸሎም ብስራት ብኸመይ ኢዮም መሊሶምሉ፧

7 ጵሮሴሊታት: ኣይሁድ ዘይኰኑ ግዙራት ሰዓብቲ ኣይሁድነት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ሮሜ: ናይ ሶርያ ኣንጾክያ: ኢትዮጵያ: ከምኡውን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ​—⁠አረ: ኣብ ኵሉ እቲ ኣይሁድ ፋሕ ኢሎምሉ ዝነበሩ ቦታታት እውን​—⁠ጵሮሴሊት ኣይሁድ ይቕመጡ ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:​8-​10፣ 6:5፣ 8:​27፣ 13:​14, 43፣ ምስ ማቴዎስ 23:15 ኣረኣእዮ።) ከም መብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ዘይኰነስ ጵሮሴሊታት ትሑታት ነበሩ: ዘርኢ ኣብርሃም ኢና ብምባል ድማ ክሕበኑ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 3:9፣ ዮሃንስ 8:​33) ኣብ ክንድኡ: ብዛዕባ የሆዋን ሕግታቱን ገለ ፍልጠት ብምሓዝ: ኣረማውያን ኣማልኽቲ ጠንጢኖም ብትሕትና ኢዮም ናብኡ መጺኦም። ነቲ ኣይሁድ መሲሕ ክመጽእ ዝነበሮም ተስፋ ድማ ተቐበልዎ። ኣብቲ ሓቂ ንምርካብ ዝገበርዎ ምድላይ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ንምግባር ድሮ ፍቓደኛታት ኰይኖም ብምንባሮም: ብዙሓት ካብኣቶም ተወሳኺ ለውጥታት ንምግባርን ነቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ስብከት ምላሽ ንምሃብን ድሉዋት ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:​42, 43) ቅድም ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘምልኽ ዝነበረ ጵሮሴሊት ናብ ክርስትና ምስ ተለወጠ: ነቶም ገና ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘምልኹ ካልኦት ኣህዛብ ክምስክረሎም ብፍልይ ዝበለ መገዲ ይዕጠቕ ነበረ።

8, 9. (ሀ) ብጀካ ጵሮሴሊታት: እንታዎት ናይ ኣህዛብ ክፍሊ ኢዮም በቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት እተሳሕቡ፧ (ለ) ብዙሓት ዘይተገዝሩ ፈራህቲ ኣምላኽ ነቲ ብስራት ብኸመይ መለስሉ፧

8 ብጀካ እቶም እተገዝሩ ጵሮሴሊታት: ኣይሁድ ዘይኰኑ ካልኦት ሰባት ድማ በቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተሳሕቡ። ካብዚኣቶም ንመጀመርታ ግዜ ክርስትያን ዝዀነ ሰብ ቆርኔሎዎስ ነበረ: ጵሮሴሊት እኳ እንተ ዘይነበረ: “ጻድቕ: . . . ንኣምላኽ ዚፈርህ” ሰብ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠2) ፕሮፌሰር ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣህዛብ ብልምዲ ‘ፈራህቲ ኣምላኽ’ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም፣ እዚ ርቕቕ ዝበለ ስያመ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንኽትጥቀመሉ ግን ዝበቅዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣህዛብ: (እቲ ናይ ግዝረት ብቕዓት ንሰብኡት ፍልይ ብዝበለ መገዲ እምኒ መዐንቀፊ ብምዃኑ) ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣይሁድነት ንምቕያር ድሉዋት እኳ እንተ ዘይነበሩ: በቲ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ዝካይድ ንምርድኡ ድማ ዘየጸግም ናይ ሓደ ኣምላኽ ኣምልኾ ከምኡውን በቲ ኣብ ናብራ ህይወት ኣይሁድ ዝርአ ስነ⁠-ምግባራዊ መዐቀኒታት ተሳሒቦም ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ይእከቡ ነበሩ: ምስቲ ጸሎትን ካብ ናይ ግሪኽ ትርጕም ክንበብ ከሎ ዝሰምዕዎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትምህርትታትን ድማ ሌላ ዳርጋ ነይርዎም ኢዩ።”

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ንእሽቶ እስያን ግሪኽን ዝነበረ ኣብያተ ጸሎት ክሰብኽ ከሎ ምስ ብዙሓት ፈራህቲ ኣምላኽ ተራኸበ። ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲ​ድያ ነቶም ኣብቲ ቤት ጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን” ብምባል ጸውዖም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:​16, 26) ሉቃስ: ጳውሎስ ሰለስተ ሰንበት ኣብቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረ ቤት ጸሎት ድሕሪ ምስባኹ “ካባታቶም [ኣይሁድ] . . . ሓያሎ [“ገለ:” NW ] አሚኖም [ክርስትያናት ኰይኖም]: ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ: ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን: ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበሩ” ብምባል ይጽሕፍ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠4) ገለ ካብቶም ጽርኣውያን: ዘይተገዝሩ ፈራህቲ ኣምላኽ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። ብዙሓት ከምዚኦም ዝበሉ ኣህዛብ ምስቲ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰባት ተጸንቢሮም ምንባሮም ዘርኢ መረጋገጺ ኣሎ።

ኣብ ማእከል እቶም “ዘይኣምኑ” ምስባኽ

10. ጳውሎስ ነቶም ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈጺሙ ፍልጠት ዘይነበሮም ኣህዛብ ዝሰበኸሎም ብኸመይ ኢዩ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

10 ኣብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: እታ “ዘይኣምኑ” እትብል ቃል ብሓፈሻ ነቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ከተመልክት ትኽእል ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ ንኣረማውያን ኢያ እተመልክት። (ሮሜ 15:31፣ 1 ቈረንቶስ 14:​22, 23፣ 2 ቈረንቶስ 4:⁠4፣ 6:​14) ኣብ ኣቴንስ ብዙሓት ዘይኣመንቲ ሰባት ናይ ግሪኽ ፍልስፍና እተማህሩ: ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ፈጺሙ ፍልጠት ዘይብሎም ኢዮም ነይሮም። እዚ ግን ጳውሎስ ንኸይሰብከሎም ተስፋ ከም ዝቘርጽ ገይሩዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ይኹን እምበር: ንኣቀራርብኡ ምስቲ ዅነታት ከም ዝሰማማዕ ኢዩ ገይርዎ። ካብቲ ኣብ ሰብ ኣቴንስ ዘይፍለጥ ዝነበረ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብቐጥታ ከይጠቐሰ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ብሜላ ኣቕረቦ። ኣብ መንጎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታትን እቲ ጥንታውያን ናይ እስጦይኮስ ገጠምቲ ዝገለጽዎ ሓሳባትን ምምስሳል ከም ዘሎ ብውሕሉል መገዲ ገሊጹ ኢዩ። በቲ ዝሞተን ዝተንስአን ሓደ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዅሉ ሰብ ብጽድቂ ዝፈርድ: ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣሎ ዝብል ኣምር ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ: ጳውሎስ ንሰብ ኣቴንስ ሜላ ብዘለዎ መገዲ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። እቲ ፍረኸ እንታይ ነበረ፧ ዝበዝሑ ብግህዶ ከላግጽሉ ወይ ክጠራጠሩ ኸለዉ: “ሓያሎ [“ገለ:” NW ] ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ: ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን: ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይትን: ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:​18, 21-​34

11. ቈረንቶስ እንታይ ዓይነት ከተማ ኢያ ነይራ: ውጽኢት ናይቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ዕዮ ስብከትከ ከመይ ነበረ፧

11 ኣብ ቈረንቶስ ዕብይ ዝበለ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ስለ ዝነበረ: ጳውሎስ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣብቲ ቤት ጸሎት ብምስባኽ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ኣይሁድ ምስ ተጻረርዎ ግን: ጳውሎስ ናብ ኣህዛብ ከደ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:​1-6) ከመይ ዝበለ ህዝቢ ኰን ኢዩ ነይሩ! ቈረንቶስ ዕምርቲ: ብዙሓት ዓሌታት ዝቕመጡላ: ኣብ ኵሉ እቲ ናይ ሮሜን ግሪኽን ግዝኣት ድማ በቲ ኣብኣ ዝነበረ ቀይዲ⁠-በተኽ ኣነባብራ እተወርየት ናይ ንግዲ ከተማ ኢያ ነይራ። አረ: “ወዲ ቈረንቶስ ምዃን” ክበሃል ከሎስ: ስነ⁠-ምግባር ብዘይብሉ መገዲ ምምልላስ ማለት ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣይሁድ ንስብከት ጳውሎስ ድሕሪ ምንጻጎም ኢዩ ክርስቶስ ንጳውሎስ እተራእዮ “ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ: ተዛረብ ደኣ እምበር . . . ኣይትፍራህ” ድማ ዝበሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:​9, 10) ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ድማ: ጳውሎስ ገለ ካብቶም ኣባላታ ቅድሚ ሕጂ ናይ “ደቂ ቈረንቶስ” ናብራ ህይወት ዝነበሮም እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ቈረንቶስ ሓንቲ ጉባኤ መስሪቱ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:​9-​11

ሎሚ “ንዅሎም ዓይነት ሰባት” ከተድሕን ምጽዓር

12, 13. (ሀ) ሎሚ ዘሎ ዞባና ምስቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረ ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ሃይማኖታት ንነዊሕ እዋን እተሰረታሉ ወይ ድማ ኣብቲ እተመሓደረ ሃይማኖት ተስፋ ዘቝረጾም ሰባት ዝርከብሉ ዞባታት እንታይ ኣረኣእያ ኢና እንሕዝ፧

12 ከም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን: ሎሚ እውን ‘ጸጋ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ [“ንዅሎም ዓይነት ሰባት:” NW ] ምድሓን የምጽእ’ ኢዩ። (ቲቶስ 2:​11) ንስብከት ናይቲ ብስራት ዝኸውን ዞባ ሒዝዎ ዘሎ ስፍሓት ንዅለን ክፍላተ⁠-ዓለምን ንመብዛሕትአን ደሴታት ባሕርን ዝሽፍን ኢዩ። ከምቲ ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበረ ድማ: ብርግጽ ‘ኵሎም ዓይነት ሰባት’ ኢዮም ዘጋጥሙና። ንኣብነት: ገሌና ኣብቲ ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣብያተ⁠-ክርስትያን ንብዙሕ ዘበናት እተሰረታሉ ሃገራት ኢና እንሰብኽ። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ: ኣባላተን ብሃይማኖታዊ ልምድታት ብጽኑዕ እተታሕዙ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነቶም ጽቡቕ ኵነታት ልቢ ዘለዎም ሰባት ክንደልዮምን እቲ ዘለዎም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ክንሃንጽን ሕጕሳት ኢና። ሃይማኖታውያን መራሕቶም ሓድሓደ ግዜ ዝጻረሩናን ዘሳጕጉናን እኳ እንተዀኑ: ኣይነስተናዕቖምን ወይ ድማ ኣትሒትና ኣይንርእዮምን ኢና። ኣብ ክንድኡስ ገለ ካብኣቶም ርጡብ ፍልጠት ዝጐድሎም እኳ እንተዀነ: “ንኣምላኽ ቅንኣት” ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና። ከም የሱስን ጳውሎስን: ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኢና እነርኢ: ክድሕኑ ድማ ልባዊ ባህጊ ኢዩ ዘሎና።​—⁠ሮሜ10:2

13 ክንሰብኽ ከሎና: መብዛሕትና እተመሓደረ ሃይማኖት ተስፋ ዘቝረጾም ውልቀ⁠-ሰባት ንረክብ ኢና። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመጠኑ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑን ቅኑዕ ናብራ ክነብሩ ዝጽዕሩን ገና ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ቔናንን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉን ወለዶ: ኣብ ኣምላኽ ንእሽቶ እምነት ዘለዎም ሰባት ብምርካብና ክንሕጐስዶ ኣይግብኣናን፧ ናብቲ ግብዝናን ሓሶትን ዘይብሉ ዓይነት ኣምልኾ ክንመርሖምከ ኣይንብህግንዶ፧​—⁠ፊልጲ 2:​15

14, 15. ንስብከት ናይቲ ብስራት ዝኸውን ሰፊሕ ግራት ክርከብ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

14 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እታ መርበብ ዝሃቦ ምሳሌ: ነቲ ዕዮ ስብከት ዝኸውን ሰፊሕ ዞባ ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:47-​49) ናይ 15 ሰነ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ምሳሌ እዚ ክትገልጾ ኸላ: ኣብ ገጽ 13 ከምዚ ትብል:⁠- “ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ኣባላት ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ንቓል ኣምላኽ ንምርትጓምን ንምቕዳሕን ንምዝርጋሕን ዓቢ እጃም ኣበርኪቶም ኢዮም። ጸኒሐን ከኣ ኣብያተ⁠-ክርስተያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዘሎ ቋንቋታት ዝትርጕማ ማሕበራት ኣቘማ ወይ ደገፈን ይህባ ነበራ። ከምኡውን ናይ ስርናይ ክርስትያናት ዝገብሩ ናይ ሕክምና ሚስዮናውያንን መማህራንን ይልእካ ነበራ። እዚኣቶም ከኣ ብዙሓት ሞጐስ ኣምላኽ ዘይብሎም . . . ባህ ዘየብሉ ዓሳታት ገፈፉ። ይኹን ድኣምበር እንተወሓደስ ንሚልዮናት ክርስትያናት ዘይኰኑ ንመጽሓፍ ቅዱስን ሽሕ’ኳ ብልሽው ዝዓይነቱ እንተዀነ ንገለ ዓይነት ክርስትናን ከም ዝቃልዑ ጌርዎም ኢዩ።”

15 ብህዝበ⁠-ክርስትያን እተገብረ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ተግባር ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ: ኣፍሪቃ: ከምኡውን ኣብ ገሊአን ደሴታት ባሕሪ ውጽኢታዊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ግዜና: ኣብዚ ኸባቢታት እዚ ብዙሓት ትሑታት ሰባት ይርከቡ ኢዮም: ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት: ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ናይ ኣይሁድ ጵሮሴሊት ዝነበሮ እውን ከይተረፈ: ኣወንታውን ፍቕራውን ኣረኣእያ እንተድኣ ሒዝና ብዙሕ ሰናይ ነገር ምግባር ክንቅጽል ንኽእል ኢና። ካብቶም ሓገዝና ዝደልዩ: እቶም “ተደናገጽቲ” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ክጽውዑ ዝኽእሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኢዮም። ኬድና ኽንበጽሖም ክርእዩ ኸለዉ ኵሉ ግዜ ባህ ኢዩ ዝብሎም። ገሊኦም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ: ኣኼባታት: ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ: እተኻፈሉን ኢዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባትሲ ንብስራት ናይታ መንግስቲ ዝኸውን ሰፊሕ ግራትዶ ኸይኰኑ፧

16, 17. (ሀ) ነቲ ብስራት ሒዝና ኽንቀርብ ከሎና እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ዘጋጥሙና፧ (ለ) ንእተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክንሰብኽ ከሎና ንጳውሎስ እንመስሎ ብኸመይ ኢና፧

16 ብተወሳኺ: ነቶም ካብ ባህልታት ህዝበ⁠-ክርስትያን ወጻኢ ዝዀኑ ሰባትከ​—⁠ኣብ ዓዶም ወይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ስደተኛታት ኰይኖም ንርከቦም ብዘየገድስ​—⁠ብኸመይ ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧ ብዛዕባ እቶም ኢዘሀራውያን ወይ ኣግኖስቲክ ብምዃን: ምሉእ ብምሉእ ንሃይማኖት ሕቘኦም ዝሃብዎ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ብዛዕባ እቶም ነቲ ኣብ ኣብያተ መሸጣ መጻሕፍቲ ኣብ ዝርከብ ንርእስኻ ባዕልኻ ክትሕግዝ ተባሂሉ እተዳለወ እተፈላለየ መጻሕፍቲ ዝሕተም ዳርጋ ሃይማኖታዊ መንፈስ ዘለዎ ዘመናዊ ፍልስፍና ዝስዕቡኸ፧ ካብዚኣቶም ንድሕነት ዝበቅዕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘየለ ብምሕሳብ ዕሽሽ ክበሃሉዶ ይግባእ፧ ንሃዋርያ ጳውሎስ ንመስሎ እንተድኣ ዄንና ዕሽሽ ክበሃሉ የብሎምን።

17 ጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ ክሰብኽ ከሎ: ምስቶም ሰማዕቱ ፍልስፍና ኣልዒሉ ብምክታዕ ኣብ መፈንጠራ ኣይኣተወን። ኣብ ክንድኡ ግን: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንጹርን ርትዓውን ብዝዀነ መገዲ ብምቕራብ: ነቲ ዝርርቡ ምስ ኵነታት ናይቶም ዝሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ከም ዝሰማማዕ ገይሩ ኢዩ ኣቕሪብዎ። ብተመሳሳሊ: ንሕናውን በቲ ሃይማኖታት ወይ ፍልስፍናታት ናይቶም እንሰብከሎም ሰባት ፈላጣት ክንከውን ኣየድልየናን ኢዩ። ይኹን እምበር: ስብከትና ውጽኢታዊ ንምግባሩ ንኣቀራርባና ምስ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ገይርና ነቕርቦ: በዚ ኸኣ ‘ንዅላቶም ኵሉ ንኸውን።’ (1 ቈረንቶስ 9:​22) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ከምዚ በለ:⁠- “ጊዜ እናዐደግኩም: ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ቈሎሴ 4:​5, 6

18. እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና: እንታይከ ኢና ፈጺምና ክንርስዕ ዘይብልና፧

18 ከም የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን: ንዅሎም ዓይነት ሰባት ፍቕሪ ነርኢ። ብፍላይ: ንብስራት ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ምእንቲ ከነማቕሎ ተወሳኺ ጻዕሪ ንግበር። በቲ ኻልአ ሸነኽ ድማ: የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ “ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። (ዮሃንስ 17:16) እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ብመልክዕ ድግማ

◻ የሱስ ንዓለም ዝነበሮ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ግለጽ።

◻ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊትን ዝሰበኸሎም ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ጳውሎስ ንፈራህቲ ኣምላኽን ዘይኣመንትን ዝቐረቦም ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮና ‘ንዅሎም ሰባት ኵሉ ኽንከውን’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ክርስትያናት ንጐረባብቶም ናይ ሕያውነት ተግባራት ብምፍጻም: ነቲ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ከፍርስዎ ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ