‘በቲ ኽቡር ነገራትካ ንየሆዋ ኣኽብሮ’—ብኸመይ፧
“በቲ ኽቡር ነገራትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን: ንየሆዋ ኣኽብሮ።” (NW ) እዚ 2,600 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር እተጻሕፈ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጥበብ: በረኸት የሆዋ ብኣኽል-ታርፍ ንምስትምቓር ዘኽእል መፍትሕ ሒዙ ኣሎ: ከመይሲ እቲ ጸሓፊ ቀጺሉ “ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ: መጽመቚኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ ኢዩ” ብምባል ገሊጽዎ ኢዩ።—ምሳሌ 3:9, 10
ንኣምላኽ ምኽባር ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ንየሆዋ እነኽብረሉ ክቡር ነገራትናኸ እንታይ ኢዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧
“ንየሆዋ ኣኽብሮ”
እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክብሪ ተባሂላ ዘላ ቐንዲ ናይ እብራይስጢ ቓል: ካ ·ቮድ ΄ ቃል ብቓሉ “ክብደት” ማለት ኢያ። ስለዚ ንሓደ ሰብ ምኽባር ክበሃል ከሎ ከም ረዚንን ማራኽን ወይ ድማ ዋጋ ከም ዘለዎ ገይርካ ምርኣይ ማለት ኢያ። እታ ኽብሪ ተባሂላ ዘላ የጋር ΄ እትበሃል ካልእ ናይ እብራይስጢ ቓል “ክቡር” ከምኡውን “ክቡር ነገራት” ዝብል ትርጕምውን ኣለዋ። ብተመሳሳሊ: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብሪ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቲ ·መ ΄ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ግምት: ዋጋ ምህላው: ዕዙዝ ዝብል ትርጕም ኢያ እተመሓላልፍ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ዘኽብሮ ዓሚቚ ክብርን ግምትን ብምሃብ ኢዩ።
ክብሪ ምሃብ ካልእ መዳይ እውን ኣለዎ። ነቲ ሓደ እዋን ንኣሓሽዌሮስ ንጉስ ናይ ጥንታዊት ፋርስ ንምቕታል እተኣልመ ውዲት ዘቃልዐ እሙን ኣይሁዳዊ ማርዶካይ ዝምልከት ጸብጻብ ርአ። ብድሕሪኡ እቲ ንጉስ: ማርዶካይ በቲ ዝገበሮ ግብሪ ዝኸብረሉ ገለ ነገር ከም ዘይተገብረ ፈለጠ እሞ: ንጉስ ንእተሓጐሰሉ ሰብ ንምኽባር እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተሩ ዝነበረ ሃማን ሓተቶ። ሃማን እቲ ኽብሪ ንዕኡ ከም ዝኸውን ሓሰበ: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ግን ተጋግዩ ዝነበረ! ዝዀነ ዀይኑ: ሃማን እቲ ኸምዚ ዝበለ ሰብ “ልብሰ መንግስቲ” ክኽደን ከምኡውን ኣብቲ “ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስ” ክውጣሕ ከም ዘለዎ ተዛረበ። ንሱ ቐጺሉ “ኣብ ፈረስ ኣወጢሖምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የሕልፍዎ: ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ፤ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ: ኢሎም ኣዋጅ ይአውጁ” ብምባል ደምደመ። (ኣስቴር 6:1-9) ኣብዚ ኣብነት እዚ: ንሓደ ሰብ ክብሪ ምሃብ ብዅሎም ሰባት ዝለዓለ ግምት ምእንቲ ኽዋሃቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምውዳሱ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።
ብተማሳሳሊ: ንየሆዋ ክብሪ ምሃብ ክልተ መዳያት ኣለዎ: እዚ ኸኣ ንዕኡ ብብሕቱ ልዑል ክብሪ ምርኣይ ከምኡውን ኣብቲ ስሙ ብግልጺ ናይ ምእዋጅ ዕዮ ብምክፋልን ብምሕጋዝን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምውዳስ ኢዩ።
‘ክቡር ነገራትካ’ እንታይ ኢዩ፧
ክቡር ነገራትና ብርግጽ ህይወትና: ግዜና: ክእለታትና: ከምኡውን ሓይልና ዘጠቓልል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ስጋዊ ጥሪትናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ የሱስ ሓንቲ ድኻ መበለት ኣብቲ ናይ ቤተ-መቕደስ ሳጹን ምጽዋት ክልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ምስ ረኣያ ዝበሎ ቃላት እስከ ሕሰበሉ። ንሱ ኸምዚ በለ:- “ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ [ኣውደቐት:] . . . እዚኣቶምሲ ዅላቶም [እቶም ውጽኢት ዝገበሩ ካልኦት] መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት።” (ሉቃስ 21:1-4) እዛ መበለት እዚኣ ስጋዊ ጥሪታ ኣምልኾ የሆዋ ንምድንፋዕ ስለ እተጠቕመትሉ የሱስ ንኢድዋ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: እቲ ብሰሎሞን እተጠቕሰ ክቡር ነገራት: ነቲ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ጥሪት እውን ከም ዘጠቓልል ንጹር ኢዩ። ከምኡውን እቲ ‘ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካ’ ዝብል መግለጺ እቲ ዝበለጸ ክቡር ነገራትና ንየሆዋ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ስጋዊ ነገራት ምሃብ ንኣምላኽ ከኽብሮ ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ኵሉ ነገራትከ ድሮ ናቱዶ ኸይኰነ፧ (መዝሙር 50:10፣ 95:3-5) ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት “ኵሉ ኻባኻ ደኣ እዩ” ብምባል ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። ከምኡውን ዳዊት ነቲ ንሱን እቶም ህዝቡን ንምህናጽ ቤት መቕደስ ዝገበርዎ ዓቢ ወፈያ ኣመልኪቱ: “ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና” ብምባል ተዛረበ። (1 ዜና መዋእል 29:14) ስለዚ ንየሆዋ ህያባት ክንህብ ከሎና: ነቲ ብለውሃት ልቡ ተደሪኹ ዝሃበና ጥራይ ኢና እንመልስ ዘሎና። (1 ቈረንቶስ 4:7) እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: ንየሆዋ ምኽባር ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ንዕኡ ምውዳስ ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ንሓቀኛ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዝጠቅም ስጋዊ ህያባት እውን ንኣምላኽ የኽብሮ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ ገይርካ ንየሆዋ ናይ ምኽባር ጽቡቕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ።
ካብ ዝሓለፈ እተወስደ ኣብነታት
3,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ከም ናይ ኣምልኾ ቦታ ኰይኑ ዘገልግል ማሕደር ከዳልወሎም ግዜኡ ምስ በጽሐ: በቲ ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህበ ንድፊ ዝድለ ዝነበረ እተፈላለየ ክቡር ነገራት ምእካብ ኣድለየ። የሆዋ ንሙሴ “ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” ብምባል ኣዘዞ። (ዘጸኣት 35:5) እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኽገልጽ ከሎ:- “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ: ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ” ይብል። (ዘጸኣት 35:21) ብሓቂ: እቲ ወለንታዊ ህያባቶም ካብቲ ነቲ ዕዮ ዘድሊ ዝነበረ ንላዕሊ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ስለ እተረጋገጸ እቶም ህዝቢ ‘ከየምጽኡ ክኽልከሉ’ ነበሮም!—ዘጸኣት 36:5, 6
ካልእ ኣብነት እውን ርአ። እቲ ማሕደር ኣገልግሎቱ ምስ ፈጸመ: ንምህናጽ ቤት መቕደስ ዝኸውን ድማ ምድላው ክግበር ከሎ: ዳዊት ነቲ ወዱ ሰሎሞን ዝሃንጾ ቤት መቕደስ ዝውዕል ዓቢ ብሕታዊ ውጽኢት ገበረ። ካልኦት እውን ኣብ ምሃብ ክሓብሩ ጻውዒት ገበረ: እቲ ህዝቢ ድማ ክቡር ህያባት ንየሆዋ ሒዙ ብምምጻእ መለሰሉ። እቲ ብሩርን ወርቅን ጥራይ በዚ ሎሚ ዘሎ ዋጋ ዳርጋ 50 ቢልዮን ዶላር ዘውጽእ ኢዩ ነይሩ። “እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰ።”—1 ዜና መዋእል 29:3-9፣ 2 ዜና መዋእል 5:1
ኣብዚ ግዜና ‘ብፍታው ዝዋሃብ ውህበት’
ኣብዚ ግዜና ወለንታዊ ህያባት ብምግባር ብኸመይ ኢና ኣብቲ ሓጐስ ክንካፈል እንኽእል፧ እቲ ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ: ስብከት መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) የሆዋ ኸኣ ነቲ ምድራዊ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ንመሰኻኽሩ ብሕድሪ ኽህቦም ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚቡ ኢዩ።—ኢሳይያስ 43:10
ነዚ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዕዮ ንምድጋፍ ገንዘብ ከም ዘድሊ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣደራሻት መንግስቲ: ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት: ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት: ፋብሪካታት: ከምኡውን ናይ ቤትኤል መንበሪ ኣባይቲ ንምህናጽን ንምሕዳስን ገንዘብ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋጽኡ ጽሑፋትን ብእተፈላለየ ቋንቋታት ንምሕታምን ንምዝርጋሕን እውን ወጻኢታት ይሓትት። እቲ ብማሕበር ዝግበር ከምዚ ዝበለ ወጻኢታት ካበይ ኢዩ ዝሽፈን፧ በቲ ብወለንታ ዝግበር ውጽኢታት ኢዩ ዝሽፈን!
መብዛሕትኡ እቲ ውጽኢታት ካብ ውልቀ-ሰባት ካብቶም—ልክዕ ከምታ የሱስ እተዓዘባ መበለት—ንመናበሪ ጥራይ ዝኸውን ገንዘብ ዘለዎም ኢዩ ዝርከብ። ነቲ በዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ናይ ምኽባር ኣጋጣሚ ከምልጦም ስለ ዘይደልዩ እተወሰነ ገንዘብ ‘ከም ዓቕሞም’ ሓድሓደ ግዜ ድማ ‘ሓለፋ ዓቕሞም’ እውን ከይተረፈ ውጽኢት ይገብሩ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 8:3, 4
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ብምባል ተዛረቦም። (2 ቈረንቶስ 9:7) ሕጕስ ኴንካ ምሃብ ጽቡቕ መደብ ምግባር ይሓትት። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ነገሮም:- “ኣነ ምስ መጻእኩ: ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን: ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ።” (1 ቈረንቶስ 16:2) ብተመሳሳሊ: ሎሚውን እቶም ነቲ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ንምስፋሕ ወፈያ ክገብሩ ዝደልዩ ሰባት: ነቲ ዕላማ እቲ ኢሎም ብብሕትን ብፍታውን ንገለ ካብ ኣታዊታቶም ከቐምጡ ይኽእሉ ኢዮም።
የሆዋ ነቶም ዘኽብርዎ ይባርኾም ኢዩ
ስጋዊ ብልጽግና ንገዛእ ርእሱ ናብ መንፈሳዊ ብልጽግና ስለ ዘይመርሕ ነቲ ኽቡር ነገራትና—ግዜና: ሓይልና ከምኡውን ስጋዊ ጥሪትና—ብልግሲ ንየሆዋ ንምኽባር ምስ እንጥቀመሉ ብዙሕ በረኸታት የፍሪ። እዚ ሓቂ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ዅሉ ናቱ ዝዀነ ኣምላኽ “ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ: እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኢዩ።—ምሳሌ 11:25
ድሕሪ ሞት ንጉስ ዳዊት: ወዱ ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ኣቡኡ ክቡር ቤት መቕደስ ንምህናጽ ዝኣከቦ ወለንታዊ ውጽኢታት ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገይሩ ንምስራሕ ተጠቕመሉ። ሰሎሞን ክሳዕ እቲ ንኣምልኾ የሆዋ እሙን ዝነበረሉ ግዜ “ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን . . . ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።” (1 ነገስት 4:25) እስራኤላውያን ‘በቲ ኽቡር ነገራቶም ንየሆዋ ምስ ዘኽብርዎ’ ቖፋፍኦም ይመልእ: መጽመቚኦም እውን ይቕጸጽ ነበረ።
ጸኒሑ: የሆዋ ብነብዪ ሚልክያስ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ሚልክያስ 3:10) እቲ ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና: ኣምላኽ መብጽዕኡ ከም ዝሓለወ ዘረጋግጽ ኢዩ።
ኣብ ምድንፋዕ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ዝከኣለና ዘበለ ምስ እንገብር የሆዋ ከም ዝሕጐስ እተረጋገጸ ኢዩ። (እብራውያን 13:15, 16) ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን [እንተድኣ] ደሊና’ ድማ ከናብረና ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) ካብ ልቢ ብዝፈልፈለ ሓጐስ ተላዒልና ‘በቲ ኽቡር ነገራትና ንየሆዋ እነኽብር’ ይግበረና።
[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ሳጹን]
ገሊኦም ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት ብፍታው ንምሃብ ዝመርጽሉ መገድታት
ብዙሓት ኣብቲ “ነቲ ናይ ማሕበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢታት—ማቴዎስ 24:14” ዝብል እተጻሕፎ ሳጹናት ዘቐምጥዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ። ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ወይ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ።
ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክለኣኽ ወይ በቲ ኣብ ሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብግልጺ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።
ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብፍሉይ ምድላው ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ: ንብሕቲ ጕዳይ ምስ ዝድለ ድማ ናብቲ ለጋሲ ይምለስ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ በጃኻ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ተራኸብ።
ብመደብ ዝግበር ምሃብ
ብጀካ እቲ ብግልጺ ዝዋሃብ ናይ ገንዘብ ህያብን ኣብ ኵነታት እተመርኰሰ ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባርን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝሕግዝ ካልእ ናይ ምሃብ ኣገባባት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ኢዩ:-
መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ገይርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደብ ምስ ዝግበር ማሕበር ክትንገር ኣለዋ።
ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ: ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ብሓደራ ክቕመጥ ወይ ኣብ ግዜ ሞት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝኽፈል ምዃኑ ብምግላጽ ክዋሃባ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዝዀነ ዓይነት መደባት ምስ ዝግበር ማሕበር ክትንገር ኣለዋ።
ኣክሲዮናትን ናይ ልቓሕ ሰነዳትን:- ኣክሲዮናትን ናይ ልቓሕ ሰነዳትን ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ተባሂሉ ወይ ድማ እቲ እቶት ነቲ ለጋሲ ምኽፋል ዝቕጽለሉ መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ።
ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብግልጺ እተዋህበ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክውፈ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሰብ ናይ ዝዀነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድሚ ምግባሩ ምስ ማሕበር ክራኸብ ኣለዎ።
ኑዛዜን ሕድርን:- ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ብዘለዎ ኑዛዜ ገይርካ ከተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዘገልግል ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ናይቲ ኑዛዜ ወይ ሕድሪ ስምምዕ ቅዳሕ ናብ ማሕበር ክለኣኽ ኣለዎ።
እቲ “ብመደብ ዝግበር ምሃብ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም ብገለ መልክዕ በቲ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ገይሮም ንማሕበር ክጠቕሙ ዝደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ ፕላንድ ጊቪን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባት: ኑዛዜ: ከምኡውን ንሕድሪ ዝምልከት ማሕበር እተቐበለቶ ብዙሕ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተጻሒፋ። ብዘይዚውን እታ ብሮሹር ንንብረት: ገንዘብ: ከምኡውን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባር ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድጋፍ ዝብህጉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ንስድራቤቶምን ንብሕታዊ ኵነታቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣዝዩ ጠቓምን ኣስላጥን ኣገባብ ምእንቲ ኽመርጹ ንምሕጋዝ ተባሂላ እውን ኢያ ተዳልያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር ብምንባብን ምስቶም ኣብ ክፍሊ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ዝሰርሑ ብምምይያጥን ንማሕበር ክሕግዙ ምስናይዚ እውን ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ቀረጽ ረብሓታት ከስፍሕዎ ክኢሎም ኢዮም። እዛ ብሮሹር በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ገይርካ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ክሕተት ይከኣል ኢዩ።
እቶም ብዝዀነ ካብዚ ምድላዋት ናይቲ ብመደብ ዝግበር ምሃብ ኣቢሎም ክውፍዩ ዝደልዩ ሰባት ምስቲ Planned Giving Desk, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 100 Watchtower Drive, Patterson, New York 12563-9204, telephone (914) 878-7000, ወይ ከኣ በቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ገይሮም ክራኸቡ ኣለዎም።