ምምራር ዘበለ ዅሉ ጌጋ ድዩ፧
ካብቲ ክንጠርዓሉ ዘይንኽእል ዝርብሽ ነገራት ንላዕሊ ዘሳቒ እንታይ ኣሎ፧ —ማርኪ ዳ ኩስቲን: 1790-1857
ነቲ ካብ መሳርሕታ ዝመጻ ዝነበረ ብኣንጻር ጾታ ምሽጋር ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ተጸመመቶ። እቲ ተቓውሞታታ ድማ ጸርፍን ገጽ ምኽላእን ኣምጽኣላ። እቲ እተዓቝረ ጭንቀት ከኣ ንጥዕንኣ ይጐድኣ ነበረ: ግናኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል ነበረት፧ ብተመሳሳሊ: ሓደ ካብ ክፍሉ ዝለዓለ ነጥቢ ዝነበሮ ተማሃራይ: ነቲ በቲ ቤት ትምህርቲ ዝድለ ዝነበረ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ታዕሊም ንኽካፈል ሕልንኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ተሰጐ። ክልቲኦም ከም እተበደሉ ተሰሚዕዎም ኢዩ: እንተዀነ ግን ጥርዓን ከቕርቡ ይግብኦምዶ፧ ጥርዓን ምስ ዘቕርቡኸ: ፍታሕ ንኽረኽቡ ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉዶ ወይስ ነቲ ዅነታት ከም ዝገድድ ጥራይ ኢዩ ዝገብሮ፧
ኣብ ማእከል እቶም ኣብዛ ጐደሎ ዝዀነት ዓለም ዘለዉ ዘይፍጹማት ሰባት ክንነብር ከሎና ከምዚ ዝኣመሰሉን ካልኦትን ምምራራት ምስማዕ ሎሚ ልሙድ ኢዩ። ምምራር ካብ እቲ ብገለ ኵነታት እተላዕለ ቅሬታ: ጓሂ: ስቓይ: ወይ ቂም ምግላጽ ጀሚርካ ክሳዕ ኣንጻር ሓደ ውልቀ-ሰብ ክሲ ምቕራብ ዘጠቓልል ኢዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ግን ምረቶም ከይገልጹን ካብ ምትህልላኽ ክሃድሙን ኢዮም ዝመርጹ: እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኵሉ ግዜ ግድን ስቕ ክብል ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያኸ እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ካልኦትን ዘምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት
ሱር ዝሰደደ ናይ ምምራር መንፈስ ጐዳእን ብመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኵኑን ምዃኑን ኣየጠራጥን ኢዩ። እቲ ዘማርር ሰብ ናብ ገዛእ ርእሱ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት: ነቶም ዘማርሮም ሰባት ድማ ስቓይ የምጽኣሎም። ንሓንቲ ምኒን እትብል ሰበይቲ ኣመልኪቱ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ከምዚ ይብል:- “ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።” (ምሳሌ 27:15) ብፍላይ ኣንጻር የሆዋ ወይ ድማ ንሓደ ካብቲ ምድላዋቱ ምዕዝምዛም ዘሕትት ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል ነቲ ኣብ እዋን 40 ዓመት ነዊሕ ናይ በረኻ ጕዕዝኦም እተቐረበሎም ማና: “ፈኵሽ እንጌራ” ብምባል ምስ ኣማረሩ: የሆዋ ነቶም ደረቐኛታት መማረርቲ ንምቕጻዕ መርዛማት ኣትማን ሰደደ: ብዙሓት እውን ሞቱ።—ዘሁልቍ 21:5, 6
ብተወሳኺውን: የሱስ ንሰዓብቱ: በቲ ኣብ ብጾትና ሰባት እንዕዘቦ ናይ ጌጋታት “በሰር” ከይነማርር: ኣብ ክንድኡ ግን በቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎ ናይ ጕድለታት ዝዓበየ “ጕንዲ” ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን መኺሩና ኢዩ። (ማቴዎስ 7:1-5) ብተመሳሳሊ: ጳውሎስ ንኻልእ ሰብ ምፍራድ (ናይ ምምራር ዓይነት) “ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ: . . . ምኽንያት የብልካን” ብምባል ኰነኖ። እዚ ኣንጻር ምምራር እተዘርበ መጠንቀቕታ ካብቲ ዘየድሊ ነቐፋን እናዓበየ ዝኸይድ ናይ ምምራር መንፈስን ንኽንርሕቕ ከለዓዕለና ይግባእ።—ሮሜ 2:1
ምምራር ዘበለ ዅሉ ተዀኒኑ ድዩ፧
ከምኡ ኻብ ኰነ እምበኣር: ምምራር ዘበለ ዅሉ ከም እተዀነነ ገይርና ክንድምድም ይግብኣናዶ ኢዩ፧ ኣይግብኣናን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ጐደሎ ዝዀነት ዓለም ብሓቂ ክዕረ ዘለዎ ብዙሕ ዘይፍትሓውነት ከም ዘሎ ይሕብር ኢዩ። የሱስ ኣብ ሓደ ምሰላ: ‘መመሊሳ እናመጸት ምእንቲ ኸይተሰልክዮ’ ንሓንቲ እተጨቈነት መበለት ሰበይቲ ደስ ከይበሎ ፍትሒ ዘውጽኣላ ዓመጸኛ ፈራዲ ጠቐሰ። (ሉቃስ 18:1-8) ንሕናውን ኣብ ገለ መዳያት እቲ ጌጋታት ክሳዕ ዝዕረ ኣብ ጥርዓንና ክንጸንዕ የድልየና ይኸውን።
የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንጽሊ ከተባብዓና ኸሎ: ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘሎ ጕድለታት ኣለሊና ክንፈልጦን ፍታሕ ንኽንረክብ ድማ ናብ ኣምላኽ ‘ክንጠርዕን’ ኣይተማሕጸነናንዶ፧ (ማቴዎስ 6:10) የሆዋ ነቲ ንእከይ ናይ ጥንቲ ሶዶምን ጎሞራን ዝምልከት “ጥርዓን” (NW ) ምስ ሰምዖ: እቲ “ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ:” እሞ ፍታሕ ንኸምጽእ ልኡኻቱ ሰደደ። (ዘፍጥረት 18:20, 21) የሆዋ ነቶም ምረቶም ዝገለጹ ቅሳነት ንምምጻእ: ነተን ክልተ ኸተማታትን ዘይስነ-ምግባራውያን ነበርተንን ብምድምሳስ ነቲ ዅነታት ብቕልጡፍ ኣዐረዮ።
እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ
ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ መንጎ ኣሕዋት እተፈልየዶ ክኸውን ኣለዎ፧ ሽሕ እኳ ክርስትያናት ዘይፍጹማት ሰብኡትን ኣንስትን እንተዀኑ: ንኣምላኽ ብሰላምን ብሓድነትን ንምግልጋል ልባዊ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ንኸማርሩ ምኽንያት ዝኸውንን ፍታሕ ንኽርከብ ዝሓትትን ግድላት ኣብ መንጎኦም ይለዓል ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ድሕሪ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ጉባኤ ናይቶም ቅቡኣት ግድል ተላዕለ። ሓያሎ ናብ ክርስትና ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ተወሳኺ መምርሕን ምትብባዕን ንምርካብ ኣብ የሩሳሌም ተረፉ። ነቲ እተረኽበ መግቢ ምምቓልውን ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: “እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት: ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን: ኣብቶም እብራውያን ኣጕረምረሙ።” እቶም ሃዋርያት ነዞም ዘማርሩ ዝነበሩ ሰባት ከም ፈጠርቲ ሽግር ብምቝጻር ኣብ ክንዲ ዝዅንንዎም: ነቲ ኵነታት ንምዕራይ ውሳነ ገበሩ። እወ: እቲ ብግቡእ ክብርን መንፈስን ዝግበር ምኽንያታዊ ምምራር ጥራይ ኢዩ ብቕንዕና ዝስማዕን በቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ተዓዘብቲ መፍትሒ ዝግበረሉን።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6፣ 1 ጴጥሮስ 5:3
ናብቲ ዝምልከቶ በዓል ስልጣን ምቕራብ
ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ምረት ብግቡእ መንፈስን ናብቲ ዝምልከቶ በዓል ስልጣንን ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣስተውዒልካዶ፧ ንኣብነት: ነቲ ናይ ግብሪ ከቢድ ጾር ንፖሊስ ምንጋር ወይ ድማ ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ኣካላዊ ሕማማት ንፈራዲ ምረትካ ምቕራብ ፍረ ኣልቦ ምዀነ። ከምኡውን: ብዛዕባ ገለ ግድላት ናብ ሓደ ሓላፍነት ዘይብሉ ወይ ድማ ናብ ክሕግዝ ዘይክእል ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ይኹን ወይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሰብ ምረትካ ምግላጽ ኣይግባእን ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ብመጠኑ ቅሳነት ንኽትረክብ ተስፋ ብምግባር ምረትካ ከተቕርበሉ ዝከኣል ቤት ፍርድን ካልኦት ብቑዓት ሰበ-ስልጣንን ኣለዉ። እቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ተመሃራይ ነቲ ጥርዓኑ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣብጽሖ: እቶም ደያኑ ቅኑዕ ከም ዝነበረ ፈረዱ: እታ ቤት ትምህርቲ ይቕረታ ሓቲታ ናብ ትምህርቱ መለሰቶ። ብተመሳሳሊ: እታ ብኣንጻር ጾታ እትሽገር ዝነበረት ሰራሕተኛ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣቢላ ቅሳነት ረኸበት። እቲ ቦርድ ናይቲ እትዓየሉ ቤት ትምህርቲ ድማ ይቕረታ ሓተተ። ሓለቓታታ ኸኣ ብኣንጻር ጾታ ዳግም ንኸይትሽገር ስጕምቲ ወሰዱ።
ይኹን እምበር: ኵሉ ጥርዓናት ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህልዎ ዘይትጽበዮ ነገር ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ‘ቄናን ክቐንዕ ከም ዘይክእል’ ብጋህዲ ተዓዚቡ ኢዩ። (መክብብ 1:15) ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ክሳዕ ዝፍትሑ ክጸንሑ ዘድልዮም ገለ ጕዳያት ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ምስ እንህብ ሰናይ ንገብር።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ንምኽንያታዊ መረረ ስምዑን ስጕምቲ ውሰዱን