የሆዋ ብድንጋጽ ኢዩ ዝመርሕ
ኣብ ብምልኡ ታሪኽ ዝነበሩ ብዙሓት ሰብኣውያን መራሕቲ ስቓይ ተገዛእቶም ቅጭጭ ከይበሎም ሓይሊ ተጠቒሞም ኢዮም። የሆዋ ግን ንሓደ ህዝቢ—እስራኤላውያን—መሪጹ ብድንጋጽ ብምምራሕ ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ።
እስራኤላውያን ገና ኣብ ግብጺ ባሮት ከለዉ: የሆዋ ኣውያቶም ሰሚዑ ኢዩ። “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ: . . . ብፍቕሩን ብለውሃቱን [“ብድንጋጹን:” NW ] ተበጀዎም።” (ኢሳይያስ 63:9) የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣድሓኖም: ተኣምራታዊ መግቢ መገቦም: ከምኡውን ናብ ሃገሮም መለሶም።
እቲ ናይ የሆዋ ናይ ድንጋጽ ባህሪ ኣብቲ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝሃቦ ሕግታት እውን ተራእዩ ኢዩ። ንዘኽታማት: መበለታት: ከምኡውን ንመጻእተኛታት ብድንጋጽ ክሕዝዎም ንእስራኤላውያን ኣዘዞም። ነቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ክብለጹሎም ኣይነበሮምን።
እቲ ሕጊ ንስኡናት ድንጋጽ ከተርኢ ይሓትት ነበረ። እቶም ድኻታት ደድሕሪ ዓጺድ ቀሪም ክቕርሙ ይኽእሉ ነበሩ። ዕዳታት ኣብ ሰንበት (ሻውዓይቲ) ዓመት ይድምሰስ ነበረ። ተሸይጡ ዝነበረ ኵሉ መሬት ውርሲ ኣብ ዓመት እልልታ (መበል 50 ዓመት) ናብ ዋናኡ ክምለስ ነበሮ። ኤንሸንት ኢዝርኤል—ኢትስ ላይፍ ኤንድ ኢንስቲቱሽንስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ትህብ:- “ኣብ እስራኤል: ከምዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ደረጃታት ብሓቂ ፈጺሙ ኣይነበረን።” “ኣብቲ መጀመርታ እተጣየስሉ ግዜ: ዳርጋ ሓደ ዓይነት ደረጃ መነባብሮ ኢዮም ዘሕልፉ ነይሮም።”—ዘሌዋውያን 25:10፣ ዘዳግም 15:12-14፣ 24:17-22፣ 27:18
ነቲ ናይ የሆዋ ድንጋጽ ምቕዳሕ
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብናይ የሆዋ ድንጋጽ ተለዓዒሎም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ታሪኽ እንተድኣ ርኢና: ገለ ሓደስቲ ነገስታት ኣባላት ናይቲ ዝሓለፈ ስርወ-ንግስነት ንዝነበሩ ሰባት ቀቲሎም ኢዮም። እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ዳዊት ግን ከምኡ ኣይገበረን። ድሕሪ ሞት ንጉስ ሳኦል: ዳዊት ነቲ ወዲ ወዱ ንሳኦልን ወራስን ዝነበረ መፊቦሸት ኣዕቊብዎ ኢዩ። “እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሸት: ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል: . . . ነሐፎ [“ደንገጸሉ:” NW ]።”—2 ሳሙኤል 21:7
ከም የሱስ ገይሩ ናይ የሆዋ ድንጋጽ ዝቐድሐ ካልእ ሰብ የለን። ካብቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት ዝበዝሕ ብኣምላኻዊ ድንጋጽ ተደሪኹ ኢዩ ገይርዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ለምጻም መጺኡ “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ። የሱስ ከኣ ደንገጸሉ: ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ድማ በሎ። (ማርቆስ 1:40-42) ካልእ ግዜ ድማ ብዙሓት ህዝቢ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ኣብ ማእከል እቲ ያዕያዕታ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት: ምሐረና” ብምባል ይጭድሩ ናብ ዝነበሩ ክልተ ዓይነ-ስውራን ቈላሕታኡ ገበረ። “የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ: ብኡብኡ [ድማ] ረአዩ።”—ማቴዎስ 20:29-34
ብዙሓት ህዝቢ ምዃኖም ነቲ የሱስ ኣብ ካልኦት ዝነበሮ ስምዒት ኣየጕድሎን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “የደንግጹኒ አለዉ” በለ: ምኽንያቱ ንገለ እዋን ዝብላዕ ኣይረኸቡን ነበሩ። ብተኣምራታዊ መገዲ ኸኣ መገቦም። (ማርቆስ 8:1-8) የሱስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኽጓዓዝ ከሎ: ንሰባት ይምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ብስጋ ዘድልዮም ነገራት እውን የስተብህለሉ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:35, 36) የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ከምዚ ዝበለ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባሮም ነዛ ንኣፎም መግቢ ክለኽፉ እውን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣይነበሮምን። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ: ረአይዎም: ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኵለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ: ናብኡውን ተአከቡ። የሱስ ምስ ወጸ: ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።”—ማርቆስ 6:31-34
እቲ ንየሱስ ከም ዝድንግጽ ዝገበሮ ነገር ሕማምን ድኽነትን ናይቶም ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ኵነታቶም እውን ኢዩ ነይሩ። መራሕቶም ይብለጹሎም ነበሩ: ስለዚ የሱስ “ደንገጸሎም።” እታ “ደንገጸሎም” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ከብዱ ግምጥልጥል በሎ” ማለት ኢያ። የሱስ ብሓቂ ደንጋጺ ሰብ ኢዩ ነይሩ!
ድንጋጽ ኣብ ሓንቲ ጨካን ዓለም
የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ኢዩ። ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝገበሮ: ሎሚውን ንህዝቡ ብድንጋጽ ኢዩ ዝመርሕ ዘሎ። “በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ: . . . ክንሕፎም [“ክድንግጸሎም:” NW ] እየ።”—ሚልክያስ 3:17
እቶም የሆዋ ክድንግጸሎም ዝደልዩ ሰባት ንመገድታቱ ክቐድሕዎ ኣለዎም። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ሓንቲ ንስኡናት ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ናብራ ህይወቶም ኣብ ምምሕያሽ ጥራይ ዝግደሱ ሰባት ዝርከብዋ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕንነት ሰራሕተኛታትን ዓማዊልን መስዋእቲ ብምግባር ዝርከብ መኽሰብ ኢዮም ዘናድዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-4 ነቲ ካብ ኣልባብ ብዙሓት ሰባት ድንጋጽ ዝበሃል ነገር ኣጥፊኡ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ሃዋሁ ልክዕ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ።
ገና ግን: ድንጋጽ እነርእየሉ ኣጋጣሚታት ክንረከብ ንኽእል ኢና። ንብጾትና ዘድሊ ሓገዝ ክንህብ ንኽእልዶ፧ ክንበጽሖ እንኽእል ዝሓመመ ሰብ ኣሎዶ፧ ምስቲ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: [“ነቶም እተጨነቑ ብዘጸናንዕ ተዛረብዎም:” NW ] ነቶም ድኹማት ደግፍዎም” ዝብል ምኽሪ ብምስምማዕ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ንዘለዎም ሰባት ከነተባብዖም ምኸኣልናዶ፧—1 ተሰሎንቄ 5:14
ድንጋጽ: ካልኦት ክጋገዩ ኸለዉ ተሪር መልሰ-ግብሪ ካብ ምሃብ ንኽንርሕቕ እውን ክሕግዘና ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ተባሂልና ኢና:- “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ።”—ኤፌሶን 4:31, 32
ድንጋጽ: ሓይልና ብዘይ ግቡእ ናይ ምጥቃም ዝንባለ ከነርሕቕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ነዊሕ-ተጻዋርነት ልበሱ” ይብል። (ቈሎሴ 3:12 NW ) ናይ ኣእምሮ ትሕትና ንገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ትዕዝብትና ዘለዉ ሰባት ክንገብራ የኽእለና። ደንጋጺ ምዃን ከተሐጕሶ ዘይከኣል ሰብ ምዃን ዘይኰነስ ትሑትን ምኽንያታውን ምዃን ዝሓትት ኢዩ። ኣሳልጦ: ንሰባት ከም ክፍልታት ናይ ሓንቲ መሳርሒት ገይርካ ንምሓዞም ምኽንያት ክኸውን የብሉን። ኣብ ውሽጢ ስድራቤት እውን: ደንገጽቲ ሰብኡት ኣንስቶም ተሰበርቲ ኣቕሑ ምዃነን ይዝክሩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:7) ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ናይ ድንጋጽ ኣብነት ምስትንታን ኣብ ኵሉ እዚ ዝረኣናዮ ነገራት ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንሰባት ዓሚቝ ስምዒት ስለ ዝነበሮ: ሕጅን ንመጻኢ ግዜን ደንጋጺ መራሒ ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መዝሙር 72 ንዕኡ ኣመልኪታ ብትንቢታዊ መገዲ ከምዚ ትብል:- “ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም: ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ: ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።”—መዝሙር 72:4, 8, 13
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይንበ:- “ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኒ: ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን: . . . ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ።” ጨካናት: ኣራዊት መሰል ዝነበሩ ገለ ሰባት እውን ከይተረፈ መገድታቶም ክቕይሩ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ: እቲ ትንቢት ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” (ኢሳይያስ 11:4-9) እዚ ትንቢት እዚ ንየሆዋ ዝፈልጥን ነቲ ናይ ድንጋጽ መገድታቱ ዝቐድሕን ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከብ ሕብረተሰብ ክህሉ ምዃኑ ኢዩ ዝመባጻዕ ዘሎ!