ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/1 ገጽ 13-18
  • ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጽል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጽል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘየቋርጽ መገዲ ህይወት ኢዩ
  • ካብቲ ኣብ ርእስኻ ናይ ምትእምማን መፈንጠራ ርሓቕ
  • ፍርሂ ሰብ ክቈጻጸረካ ኣይተፍቅድ
  • ንምኽሪ ካብ ምንኣስ ምርሓቕ
  • ነቲ ናይ ናብራ ሻቕሎት ብዓወት ምግጣሙ
  • ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ተመላለስ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምፍራህ ዝርከብ ጥቕምታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ቀጽል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/1 ገጽ 13-18

ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጽል

“ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።” —⁠ ገላትያ 5:​16

1. (ሀ) ሄኖክ ኣብ ማእከል ከመይ ዝበለ ኵነታትን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜን ኢዩ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ፧ (ለ) ኖህ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ምስ ኣምላኽ እተማላለሰ: ከመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነታትከ ኢዩ ዝነበሮ፧

ሄኖክ “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ጽዩፍ ዘረባን ፍር​ሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ጠባይን ናይ​ቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት እናሃለወ ክነሱ: ኣብ መበል 365 ዓመቱ ክሳዕ ዝመውት: ከይተሓለለ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:​23, 24፣ ይሁዳ 14, 15) ኖህ እውን “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።” ደቁ እናዕበየ: ምስታ ብዓለወኛታት መላእኽትን ዓመጸኛታት ዘርኦምን ተጸልያ ዝነበረት ዓለም እናተቓለሰ: ንዅሉ እቲ ምስ ምስራሕ ናይታ ኣብ ጥንታዊ ግዜ ካብ ዝዀነት ትኹን ኣብ ባሕሪ እትንቀሳቐስ መጓዓዝያ ዝዓበየት መርከብ እተተሓሓዘ ዝርዝር መምርሒታት እናሓለወ ኢዩ ምስ ኣምላኽ ዝመላለስ ነይሩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ: ኣብ ባቤል ኣንጻር የሆዋ ከም ብሓድሽ ዕልዋ ምስ ተላዕለ እውን ይኹን ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ ኢዩ። ብርግጽ: ኖህ ክሳዕ እታ ወዲ 950 ዓመት ኰይኑ ዝሞተላ ግዜ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 6:9፣ 9:​29

2. ‘ምስ ኣምላኽ ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ናይ እምነት ሰባት እዚኣቶም ምስ ኣምላኽ ‘ተመላሊሶም’ ክብል ከሎ: ነዛ ቓል ምሳልያዊ ብዝዀነ መገዲ ኢዩ ዝጥቀመላ ዘሎ። ሄኖክን ኖህን ኣብ ኣምላኽ ጽንዕቲ እምነት ከም ዘላቶም ብዘረጋግጽ መገዲ ተመላሊሶም ማለት ኢዩ። የሆዋ ዝኣዘዞም ኢዮም ገይሮም: ንህይወቶም ድማ ምስቲ ብዛዕብኡ ዝፈልጥዎ​—⁠ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ምምልላስ​—⁠ብምስምማዕ ኢዮም መሪሖምዋ። (ምስ 2 ዜና መዋእል 7:​17 ኣረኣእዮ።) ምስቲ ኣምላኽ እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት ብሓሳቦም ከም ዝሰማምዑ ገሊጾም ጥራይ ዘይኰኑስ: ንነፍሲ ወከፍ ዝሓተቶ​—⁠ንገለ ካብኡ ጥራይ ዘይኰነስ: ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ክሳዕ ዝከኣሎም ንዅሉ​—⁠ገይሮምዎ ኢዮም። ንኣብነት: ኖህ እንተድኣ ርኢና ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ። (ዘፍጥረት 6:​22) ኖህ ክንዮ እቲ እተዋህቦ መምርሒታት ኣይሓለፈን: ብሸለልትነት ድማ ንድሕሪት ኣይዘሓጠን። ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ከም ዘስተማቐረ: ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ናጽነት ከም ዝስምዖ: መለኮታዊ መምርሒ ድማ ከም ዘኽብር ሰብ መጠን ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ነበረ። ከምኡዶ ትገብር ኣሎኻ፧

ዘየቋርጽ መገዲ ህይወት ኢዩ

3. ንዅሎም ህይወቶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቀንዲ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር እንታይ ኢዩ፧

3 ሰባት ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ክጅምሩ ምርኣይ ልብኻ ዘረስርስ ኢዩ። ምስ ፍቓድ የሆዋ ብምስምማዕ ኣወንታዊ ስጕምትታት ክወስዱ ኸለዉ: ናይታ ብዘይ ብእኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ከሐጕሶ ዘይክእል እምነት መረጋገጺ ኢዮም ዝህቡ። (እብራውያን 11:6) ብገምጋም ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት: ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 320,000 ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮም ብማይ ምጥማቖም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና! ይኹን እምበር ንሳቶምን ንሕና ዅልናን ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:13፣ ራእይ 2:​10

4. እምነት ኣርእዮም እኳ እንተ ነበሩ: ዝበዝሑ ካብቶም ንግብጺ ሓዲጎምዋ ዝወጹ እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ዘይኣተዉ ስለምንታይ ኢዮም፧

4 ኣብ ግዜ ሙሴ: ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊት ስድራቤት ኣብ ግብጺ ፋስጋ ከተብዕል ከምኡውን ኣብ ቀዋሚ ልዳትን ላዕለዋይ ልዳትን ቤታ ደም ንኽትለኪ እምነት ዝሓታ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 12:​1⁠-28) ይኹን እምበር: ሰራዊት ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ከርክብዎም ምስ ቀረቡ እምነት ብዙሓት ሰንከልከል ኢላ ኢያ። (ዘጸኣት 14:​9⁠-12) መዝሙር 106:12 በቲ ዝነቐጸ ባሕሪ ብደሓን ምስ ሓለፉን እቲ ብርቱዕ ማያት ንሰራዊት ግብጺ ከጥፍኦም ምስ ረኣዩን ድማ እንደገና “ንቓላቱ [ናይ የሆዋ] አመኑ” ብምባል ትነግረና። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብቲ ምድረ በዳ እስራኤላውያን ብዛዕባ ዝስተ ማይ: መግቢ: ከምኡውን ብዛዕባ መሪሕነት ከጕረምርሙ ጀመሩ። ካብቶም ንምድሪ ተስፋ ርእዮም እተመልሱ 12 ሰለይቲ: እቶም 10 ዘቕረብዎ ኣሉታዊ ጸብጻብ ኣጃጅይዎም ኢዩ። ከምቲ መዝሙር 106:24 እትብሎ: ኣብቲ ኵነታት እቲ ‘ብቓሉ [ናይ ኣምላኽ] ኣይኣመኑን።’ ናብ ግብጺ ክምለሱ ደለዩ። (ዘሁልቍ 14:​1⁠- 4) እታ ዝነበረቶም እምነት እትርአ ዝነበረት ገለ ፍሉይ መግለጺ መለኮታዊ ሓይሊ ምስ ረኣዩ ጥራይ ኢያ። ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኣይቀጸሉን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቶም ሽዑ ዝነበሩ እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይኣተዉን።​—⁠መዝሙር 95:10, 11

5. ምስቲ ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ምምልላስ 2 ቈረንቶስ 13:5 ከምኡውን ምሳሌ 3:​5, 6 ተተሓሒዘን ዘለዋ ብኸመይ ኢየን፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምዕደና:⁠- “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ።” (2 ቈረንቶስ 13:5) “ብእምነት” ምህላው ክበሃል ከሎ ነቲ ክርስትያናዊ ሓቅታት ምስዓብ ማለት ኢዩ። ኣብ ኵሉ መዓልትታት ህይወትና ምስ ኣምላኽ ኣብ ምምልላስ ክንዕወት እንተድኣ ዄንና እዚ ኣድላዪ ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና: ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምውካል: ናይ ሓቂ እምነት ከነርኢ ኣሎና። (ምሳሌ 3:​5, 6) ነቶም ከምዚ ካብ ምግባር ዝሰንፉ ሰባት ኣብ መፈንጠራ ከእትዎም ዝኽእል ብዙሕ መጻወድያታትን መድፈናታትን ኣሎ። ገለ ካብዚ እንታይ ኢዩ፧

ካብቲ ኣብ ርእስኻ ናይ ምትእምማን መፈንጠራ ርሓቕ

6. ኵሎም ክርስትያናት ብዛዕባ ምንዝርን ዝሙትን እንታይ ኢዮም ዝፈልጡ: ብዛዕባ እዚ ሓጢኣት እዚኸ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዐ: ህይወቱ ንየሆዋ ዝወፈየ: ከምኡውን እተጠምቀ ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ቃል ኣምላኽ ንምንዝርን ዝሙትን ከም ዝዅንኖ ይፈልጥ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:​1⁠-3፣ እብራውያን 13:4) ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እዚ ቅኑዕ ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ምስኡ ብምስምማዕ ክነብሩ ድማ ይደልዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ጾታዊ ዘይስነ⁠-ምግባራውነት ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ስሉጥ መፈንጠራታት ሰይጣን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ስለምንታይ፧

7. እስራኤላውያን ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ኣብቲ ጌጋ ምዃኑ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ጠባይ ዝወደቑ ብኸመይ ኢዮም፧

7 ብመጀመርታ: እቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ጠባያት ዝወድቁ ሰባት ከምኡ ንምግባር መደብ ኣየውጽኡን ይዀኑ። ኵነታት ናይቶም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ከምዚ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ብናብራ ምድረ በዳ ሰልክዮም ዝነበሩ ሰባት: እተን ዘስሓትኦም ኣንስቲ ሞኣብን ምድያንን ኣብ መጀመርታ ፍሽሕዋትን ምቕሉላትን መሲለን ተራእየናኦም ክዀና ይኽእላ ኢየን። እስራኤላውያን ምስቶም ንየሆዋ ዘይኰነስ ንበዓል ዘምልኹ: ኣዋልዶም ድማ (ካብቶም ምርኡያት ስድራቤታት ዝመጻ እውን ይኹና) ምስ ዘይተመርዓውወን ሰብኡት ስጋዊ ርክብ ክገብራ ዘፍቀዱ ሰባት ንኽሓብሩ ዝቐረበሎም ዕድመታት ምስ ተቐበሉ ግን እን​ታይ ኣጋጠመ፧ እቶም ካብ ሰፈር እስራኤላውያን ዝመጹ ሰብኡት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕብረት ዘብህግ ከም ዝዀነ ገይሮም ክርእይዎ ምስ ጀመሩ: ነቲ ጌጋ ምዃኑ ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ነገራት ንምግባሩ ሰድዑ: እዚ ድማ ሞት ኣስዓበሎም።​—⁠ዘሁልቍ 22:1፣ 25:​1⁠-15፣ 31:16፣ ራእይ 2:​14

8. ኣብዚ ግዜና: ንሓደ ክርስትያን ናብ ጾታዊ ዘይስነ⁠-ምግባራውነት ክመርሖ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

8 ኣብ ግዜና ሓደ ሰብ ኣብ ተመሳሳሊ መፈንጠራ ንኽወድቕ እንታይ ኢዩ ምኽንያት ክዀኖ ዝኽእል፧ ጾታዊ ዘይስነ⁠-ምግባራውነት ከቢድ ምዃኑ ክፈልጥ እኳ እንተ ኸኣለ: ነቲ ኣብ ርእስኻ ናይ ምትእምማን ሓደጋ ዘይርድኦ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ጌጋ ንምግባር ዝቐርብ መስድዒ ነቲ ዘለዎ ምርዳእ ኣብ ዝዕብልለሉ ኵነታት ክወድቕ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 7:​6⁠-9, 21, 22፣ 14:16

9. ካብ ዘይስነ⁠-ምግባራውነት ክሕልወና ዝኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣየናይ ኢዩ፧

9 ንጹር ብዝዀነ ኣዘራርባ: ሕማቕ ዕርክነት ከም ዘየበላሽወና ዝገብር ጽንዓት ኣሎና ኢልና ብምሕሳብ ከይንታለል ቃል ኣምላኽ የጠንቅቐና ኢዩ። እዚ ድማ ስነ⁠-ምግባር ናይ ዘይብሎም ሰባት ናብራ ዘንጸባርቕ መደባት ቴለቪዥን ምርኣይ: ከምኡውን ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ባህግታት ዘለዓዕል መጽሔታት ምንባብ ዘጠቓልል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:11, 12፣ 15:33) ምስ ኣመንቲ ብጾት እውን ይኹን ኣብ ጌጋ ነገራት ምሕባር ናብ ከቢድ ግድል ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘሎ ምስሕሓብ ሓያል ኢዩ። ስለዚ ማሕበር የሆዋ ካብ ፍቕራዊ ሓልዮት እተላዕለ ምስ ዘይተመርዓናዮ ወይ ዘመድና ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ ንበይንና ከምኡውን ኣብ ብሑት ቦታታት ከይንኸውን ተጠንቅቐና ኢያ። ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኽንቅጽል: ካብቲ ኣብ ርእስኻ ናይ ምትእምማን መፈንጠራ ምርሓቕ: ነቲ ኣምላኽ ዝህበና ናይ መጠንቀቕታ ምኽሪ ድማ ምስዓብ የድልየና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 85:8

ፍርሂ ሰብ ክቈጻጸረካ ኣይተፍቅድ

10. “ንሰብ ምፍራህ” ኣብ መፈንጠራ ዘእቱ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ካልእ ሓደጋ ኣብ ምሳሌ 29:25 ተገሊጹ ኣሎ: ከምዚ ድማ ትብል:⁠- “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ።” መፈንጠራ ሃዳናይ መብዛሕትኡ ግዜ ክሳድ ዝሓንቕ መሸንቆቓ ወይ ንእግሪ ናይ ሓደ እንስሳ ዝሓልኽ ኣግማድ ዘጠቓልል ኢዩ። (እዮብ 18:​8⁠-11) ንሰብ ምፍራህ ድማ ብተመሳሳሊ ነቲ ሓደ ሰብ ናጻ ዀይኑ ክዛረብን በቲ ንኣምላኽ ዘሐጕስ መገዲ ክመላለስን ዘለዎ ክእለት ሓሊኹ ዝሕዝ ኢዩ። ንኻልኦት ከተሐጕስ ምድላይ ባህርያዊ ነገር ኢዩ: ንስምዒት ናይ ካልኦት ሰባት ፈጺምካ ኣብ ግምት ዘይ​ምእታው ድማ ክርስትያናዊ ኣይኰነን። ሚዛን ምሕ​ላው ግን ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ሰብ በቲ ኻልኦት ከርእይዎ ዝኽእሉ መልሰ⁠-ግብርታት ተሻቒሉ ነቲ ኣምላኽ ዝኽልክሎ ንኽገብር ወይ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝእዝዞ ካብ ምግባር ንኽቝጠብ ምኽንያት ምስ ዝዀኖ: እቲ ውልቀ⁠-ሰብ እቲ ኣብ መፈንጠራ ኣትዩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

11. (ሀ) ፍርሂ ሰብ ክቈጻጸረካ ንኸይትሓድጎ ዝከላኸል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ምስ ፍርሂ ሰብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ብኸመይ ኢዩ ዝሓገዞም፧

11 ንኸምዚ ዝበለ መፈንጠራ ምክልኻል ኣብቲ ንሓደ ሰብ መፋጥርቱ ዝዀነ ክእለት ዘይኰነስ: ‘ብእግዚኣብሄር ኣብ ምእማን’ እተመርኰሰ ኢዩ። (ምሳሌ 29:25ለ) ብተፈጥሮኡ ሓናኽ ዝዀነ ሰብ እውን ከይተረፈ: ኣብ ኣምላኽ ብምእማን ተባዕን ነቕ ዘይብልን ምዃኑ ከርኢ ይኽእል ኢዩ። በዚ ሰይጣናዊ ኣገባብ ክሳዕ እተኸበብና: ካብቲ ንሰብ ናይ ምፍራህ መፈንጠራ ክንሕሎ የድልየና ኢዩ። ነብዪ ኤልያስ ሰናይ ዝዀነ ናይ ተባዕ ኣገልግሎት ጸብጻብ እኳ እንተ ነበሮ: ኢዛቤል ክትቀትሎ ምዃና ምስ ጠለቐትሉ ብፍርሂ ዝኣክል ሃዲሙ ኢዩ። (1 ነገስት 19:​2⁠-18) ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ካብ ፍርሂ እተላዕለ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዝፈልጦ ከሓደ: ዓመታት ጸኒሑ ድማ ፍርሂ ምስ እምነት ዝጻረር ስጕምቲ ከም ዝወስድ ገይርዎ ኢዩ። (ማርቆስ 14:66⁠-71፣ ገላትያ 2:​11, 12) ይኹን እምበር: ክልቲኦም ኤልያስን ጴጥሮስን መንፈሳዊ ደገፍ ረኺቦም ኢዮም: ኣብ የሆዋ እምንቶ ብምግባር ድማ ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም።

12. ገለ ሰባት ፍርሂ ንኣምላኽ ካብ ምሕጓስ ንድሕሪት ክመልሶም ንኸየፍቅድሉ ብኸመይ ከም እተሓገዙ ዝገልጽ እንታይ ዘመናዊ ኣብነታት ኣሎ፧

12 ኣብ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ንመፈንጠራ ፍርሂ ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ እውን ተማሂሮም ኢዮም። ኣብ ጊያና እትርከብ ኮተቴ ምስክር ከምዚ ብምባል ትእመን:⁠- “ኣብ ቤት ትምህርቲ ነቲ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ንምቅዋም ዝግበር ቃልሲ ብርቱዕ ኢዩ።” ቀጺላ ግን ከምዚ ትብል:⁠- “እታ ኣብ የሆዋ ዘላትኒ እምነት ድማ ክንድኡ ብርትዕቲ ኢያ።” መምህራ ብምኽንያት እምነታ ኣብ ቅድሚ ምሉእ ክፍሊ ምስ ኣባጨወላ: ቀስ ኢላ ናብ የሆዋ ጸለየት። ጸኒሓ ነቲ መምህር ኣብ ብሕቱ ብሜላ ምስክርነት ኣብጽሓትሉ። ሓደ ነቲ የሆዋ ዝደልዮ ብቕዓታት ዝማሃር ዝነበረ መንእሰይ: ኣብ በኒን ናብ እትርከብ ዓዱ ክበጽሕ ምስ ከደ: ነቲ ኣቡኡ ንዕኡ ክኸውን ኢሉ ዝቐረጸሉ ጣኦት ክጕሕፎ ወሰነ። እቲ መንእሰይ እቲ ጣኦት ህይወት ከም ዘይብሉ ይፈልጥ ኢዩ: ኣይፈርሆን ድማ ኢዩ: ይኹን እምበር ዝሓረቑ ደቂ ዓዲ ምናልባት ከይቀትልዎ እውን ደለየ። ናብ የሆዋ ጸለየ: ለይቲ ምስ ኰነ ድማ ነቲ ጣኦት ናብ በረኻ ወሲዱ ጓሓፎ። (ምስ መሳፍንቲ 6:​27⁠-31 ኣረኣእዮ።) ኣብ ዶመኒካን ሩፓብሊክ እትርከብ ሓንቲ ሰበይቲ ንየሆዋ ከተገልግል ምስ ጀመረት: በዓል ቤታ ወይ ንዕኡ ወይ ንየሆዋ ክትመርጽ ሓተታ። ክፈትሓ ምዃኑ ድማ ኣፈራርሃ። ፍርሂ: እምነታ ከም እትሓድግ ገይሩዋዶ፧ ከምዚ ኢላ ትምልስ:⁠- “ኣሚነይ ጠሊመ እንተ ዝኸውን ምሓፈርኩ: ንየሆዋ ብምግልጋለይ ግን ኣይሓፍርን ኢየ!” ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጸለት: ድሕሪ ገለ እዋን ድማ በዓል ቤታ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ምስኣ ሓበረ። ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር: ንሕና እውን ፍርሂ ሰብ ነቲ ንየሆዋ ዘሐጕሶ ዘበለ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከይመልሰና ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና።

ንምኽሪ ካብ ምንኣስ ምርሓቕ

13. ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:9 ብዛዕባ ኣየናይ መፈንጠራ ኢዩ መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ዘሎ፧

13 ሃደንቲ ዝጥቀምሎም ገለ ገለ መፈንጠራታት ንሓንቲ ቦታ ክሰግራ ኢሉ ንዝፍ​ትን ዝዀነ ይኹን እንስሳ ኣጻ​ዊዶም ንምሓዝ ተባሂሎም ዝማሃዙ እኳ እንተዀኑ: ካልኦት መፈንጠራታት ግን በቲ ዘህርር መስሓቢኦም ገይሮም ኢዮም እንስሳታት ዘስድዑ። ሃብቲ ድማ ንብዙሓት ሰባት ከምኡ ኢዩ ዝገብሮም። (ማቴዎስ 13:22) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:​8, 9 በቲ ዘሎና ቀለብን ክዳንን ክንዓግብ ኢዩ ዘተባብዓና። ድሕርዚ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ኢሉ የጠንቅቕ።

14. (ሀ) ነቲ ብዘለካ ቀለብን ክዳንን ምዕጋብ ከም ዘድሊ ዝሕብር ምኽሪ ሓደ ሰብ ንኸይስተውዕለሉ ዝገብሮ እንታይ ነገር ክህሉ ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ ሃብቲ ጌጋ ዝዀነ ኣገላልጻ ምሓዝ ንሓደ ሰብ ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:9 ተመዝጊቡ ዘሎ መጠንቀቕታ ከም ዘናእሶ ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ሐ) ‘ፍትወት ኣዒንቲ’ በየናይ መገዲ ኢዩ ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ መፈንጠራ ንኸይርእዩ ዘዕውሮም፧

14 እዚ መጠንቀቕታ እዚ እናሃለወ ክነሱ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ምኽሪ እቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ስለ ዘየውዓልዎ ኣብ መፈንጠራ ኣትዮም ኢዮም። ስለምንታይ፧ ትዕቢት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእኡ ክንዓግብ ዝምዕደና “ቀለብናን ክዳንናን” ንላዕሊ ዝሓትት ናብራ ህይወት ንምሓዝ ሃነፍነፍ ክብሉ ደፋፊእዎም ደዀን ይኸውን፧ ንሃብቲ ብመንጽር እቶም ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ዝውንንዎ ጥሪት ብምዕቃን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ኣናኢሶምዎ ክዀኑዶ ይኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጺሩ ክትህብትም ምድላይ ምስቲ ብዘለካ ቀለብን ክዳንን ምዕጋብ ዝጻረር ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጽ። (ምስ እብራውያን 13:5 ኣረኣእዮ።) ‘ፍትወት ኣዒንቲ’​—⁠ንመንፈሳዊ ነገራት ብምስዋእ እውን ከይተረፈ ንዝረኣይዎ ነገር ምብሃግ​—⁠ንረብሓታት ሓቀኛ ኣምልኾ ካልኣይ ቦታ ንኽህብዎ ድዩ ዝገብሮም፧ (1 ዮሃንስ 2:​15⁠-17፣ ሃጌ 1:​2⁠-8) እቶም ኣብ ናብርኦም ንኣገልግሎት የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ብምሃብ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዝስዕቡን ምስ ኣምላኽ ዝመላለሱን ሰባትሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕሳት ኢዮም!

ነቲ ናይ ናብራ ሻቕሎት ብዓወት ምግጣሙ

15. ንብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ዘሻቕሎም ፍሉጥ ዝዀነ ኵነታት እንታይ ኢዩ: ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጥታት ምስ እንህሉ ነየናይ መፈንጠራ ኢና ክንጥንቀቐሉ ዘሎና፧

15 ክትህብትም ካብ ምድላይ ንላዕሊ ዝያዳ ልሙድ ዝዀነ ድማ ነቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ዘሎ ሻቕሎት ኢዩ። ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ውሑድ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። መሰረታዊ ክዳን: ለይቲ ስድራቤቶም እትድቅሰሉ ጎጆ: ከምኡውን እንተ ወሓደ ነታ መዓልቲ ዝኸውን መግቢ ክረኽቡ እውን ከይተረፈ ንብዙሕ ሰዓታት ይጽዕሩ። ካልኦት ምስቲ ብምኽንያት ሕማም: ወይ እርጋን ማለት ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ናይ ሓደ ኣባል ስድራቤቶም ዝመጽእ ግድላት ይቃለሱ። ከምዚ ዝበለ ኵነታት መንፈሳዊ ረብሓታት ኣብ ናብርኦም ቦታ ከም ዘይህልዎ ንኽገብሮም ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ኰን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 13:22

16. የሆዋ ምስቲ ናይ ናብራ ጸቕጥታት ክንጋጠም ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

16 የሆዋ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዝርከብ ዕረፍቲ ይነግረና ኢዩ። (መዝሙር 72:​1⁠- 4, 16፣ ኢሳይያስ 25:​7, 8) ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሰርዓሉ እንኽእል ምኽሪ ብምሃብ ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ናይ ናብራ ጸቕጥታት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 4:4፣ 6:​25⁠-34) የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ንኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ዝገልጽ ጸብጻብ ገይሩ መረጋገጺ ይህበና ኢዩ። (ኤርምያስ 37:21፣ ያእቆብ 5:​11) ከጋጥመና ዝኽእል ሽግር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: በቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕሪ ከም ዘይልወጥ ዝሕብር ፍልጠት ገይሩ የሐይለና። (ሮሜ 8:​35⁠-39) ነቶም ኣብ የሆዋ ትውክልቶም ዝገብሩ ሰባት “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ይብሎም።​—⁠እብራውያን 13:5

17. ከቢድ ሽግር ዘሕልፉ ውልቀ⁠-ሰባት ብኸመይ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ክቕጽሉ ከም ዝኸኣሉ ዝገልጽ ኣብነታት ሃብ።

17 ሓቀኛታት ክርስትያናት በዚ ፍልጠት እዚ ስለ እተበራትዑ: ናብ ዓለማዊ መገድታት ኣብ ክንዲ ዘላግሱ ቀጻሊ ምስ ኣምላኽ ኢዮም ዝመላለሱ። ስድራቤትካ ክትዕንግል ምእንቲ ኽትክእል ካብ ሓደ ርኹብ ዝዀነ ሰብ ምውሳድ ስርቂ ኣይኰነን ምባል: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ድኻታት ዝጥቀምሉ ልሙድ ዝዀነ ዓለማዊ ፍልስፍና ኢዩ። እቶም ብእምነት ዝመላለሱ ግን ነቲ ኣረኣእያ እቲ ይነጽግዎ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ኢዮም ዓቢ ግምት ዝህብዎ: ሓቀኛታት ኰይኖም ብምምልላሶም ድማ ዓስቦም ካብኡ ኢዮም ዝጽበዩ። (ምሳሌ 30:​8, 9፣ 1 ቈረንቶስ 10:13፣ እብራውያን 13:18) ኣብ ህንዲ በዓል ቤታ ዝሞታ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትሰርሕ ፍቓደኛ ምዃን ምስ ተባላሓትነት ተሓዊሱ ንኽትዕወት ከም ዝሓገዛ ተረዲኣ ኢያ። በቲ ዅነታታ ኣብ ክንዲ እተማርር: ኣብ ህይወታ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተድኣ ኣቐዲማ: የሆዋ ንዓኣን ንወዳን ዝኸውን መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝባርኾ ተገንዚባቶ ነይራ ኢያ። (ማቴዎስ 6:​33, 34) ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘሕልፍዎ ሽግር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: የሆዋ መዕቈቢኦምን ዕርዶምን ምዃኑ ኣርእዮም ኢዮም። (መዝሙር 91:2) ንስኻኸ ከምኡ ድዩ ዝስምዓካ፧

18. ነቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ መፈንጠራታት ንምርሓቕ: እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧

18 ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎና: ከነርሕቖ ዘሎና መፈንጠራታት ክህሉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:​19) መጽሓፍ ቅዱስ እዚ መፈንጠራታት እዚ እንታይ ምዃኑ ፈልዩ ኣፍሊጡና: ብኸመይ ከም እነርሕቖ ድማ ገሊጹልና ኢዩ። እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዘፍቅርዎን ንዕኡ ከየጕህይዎ ዝብል ጥዑይ ፍርሂ ዘለዎምን ሰባት ንኸምዚ ዝበለ መፈንጠራታት ብዓወት ክዋጽእሉ ኢዮም። እንተድኣ ‘ብመንፈስ ተመላሊሶም’ ንዓለማዊ መገድታት ኣይክምብርከኹን ኢዮም። (ገላትያ 5:​16⁠-25) ንዅሎም እቶም ናብርኦም ብሓቂ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ዝሃንጹ ሰባት: ምስኡ ንዘለኣለም ናይ ማሕርሮ ዝዀነ ርክብ ብምስትምቓር: ምስ ኣምላኽ ናይ ምምልላስ ዓቢ ተስፋ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢርሎም ኣሎ።​—⁠መዝሙር 25:14

እንታይ ሓሳብ ምሃብካ፧

◻ ኣብ ርእስኻ ምትእምማን መፈንጠራ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ፍርሂ ሰብ ምእንቲ ኸይቈጻጸረና ክሕልወና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

◻ ነቲ ደድሕሪ ሃብቲ ኣብ ምጕያይ ዘሎ ሓደጋ ኣመልኪቱ እተዋህበ ምኽሪ ካብ ምስዓቡ ከም እንሰንፍ ክገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

◻ በቲ ናይ ናብራ ሻቕሎት ከም ዘይንፍንጠር ክገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ምሉእ ህይወቶም ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ቀጺሎም ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ