ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/9 ገጽ 4-7
  • ንሕልናኻ ክትውከሎ ትኽእል ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሕልናኻ ክትውከሎ ትኽእል ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሕልና ምልምማድ
  • ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምስምማዕ
  • ሕልና ንምልምማድ ዝድግፍ ሓገዝ
  • “ሓሳብ ክርስቶስ” ምጥራይ
  • ካብቲ እተለማመደ ሕልና ጥቕሚ ምርካብ
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ነቲ ውሽጥኻ ዚነግረካ ስምዓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/9 ገጽ 4-7

ንሕልናኻ ክትውከሎ ትኽእል ዲኻ፧

ብሓፈሽኡ ኮምፓስ ክትውከሎ ዝከኣል መሳርሒ ኢዩ። እታ በቲ ብማግኔታዊ ዓውዲ ናይ ምድሪ እትምራሕ ናይ ኮምፓስ ሓባሪት ኵሉ ግዜ ንሰሜን ገጻ ኢያ እተመልክት። በዚ ኸኣ ገያሾ ክሕብሮም ዝኽእል ምልክት ኣብ ዘይብሉ እዋን መምርሒ ንኽረኽቡ ኣብ ኮምፓስ ክውከሉ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር ማግኔታዊ ሓይሊ ዘለዎ ነገር ኣብ ጥቓ እቲ ኮምፓስ ምስ ዝጽጋዕ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧ እታ ሓባሪት ኣብ ክንዲ ንሰሜን ገጻ እተመልክት ናብቲ ማግኔት ገጻ ትጥወ። ሽዑ እዚ ኮምፓስ እዚ ክትውከሎ እትኽእል ሓባሪ ካብ ምዃን የቋርጽ።

ንሰብኣዊ ሕልና ተመሳሳሊ ነገር ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ። እዚ ተውህቦ እዚ ክትውከሎ ዝከኣል ሓባሪ ኰይኑ ምእንቲ ኸገልግለና ፈጣሪ ኣብ ውሽጥና ቀሪጹልና ኢዩ። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ውሳነታት ክንገብር ምስ እንደሊ ሕልና ብቐጻሊ ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ኣቢሉ ክመርሓና ኣለዎ። ነቲ ንስነ-ምግባር ዝምልከት ስርዓታት ኣምላኽ ንኸነንጸባርቕ ክድርኸና ኣለዎ። (ዘፍጥረት 1:⁠27) ብተደጋጋሚውን ይድርኽ ኢዩ። ንኣብነት: ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ እተገልጸ ሕጊ ኣምላኽ ዘይብሎም ገለ ሰባት እውን ከይተረፉ ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ከም ዝገብርዎ’ ጽሒፉ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ‘ሕሊናኦም ስለ ዝምስክረሎም’ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 2:⁠14, 15

እንተዀነ ግን: ሕልና ኣብቲ ክምልሰሉ ዘለዎ እዋን ኵሉ ግዜ ኣይምልስን ኢዩ። ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ስለ ዘሎና: ጌጋ ምዃኑ ንእንፈልጦ ነገራት ክንገብር ንድረኽ ኢና። ጳውሎስ “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ” ብምባል ተኣመነ። (ሮሜ 7:⁠22, 23) ጌጋ ንዝዀነ ዝምባለታት ብዙሕ ግዜ ኢድና ንህብ እንተድኣ ዄንና: ሕልናና ቀስ ብቐስ ክድንዝዝ ኣብ መወዳእትኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ጌጋ ከም ዝዀነ ካብ ምንጋር ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ።

ይኹን እምበር: ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና: ንሕልናና ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ከነሰማምዖ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባር ከኣ ብርግጽ ንህይወትና ዘድሊ ኢዩ። ጽሩይን ብግቡእ እተለማመደን ሕልና ምስ ኣምላኽ ምዉቕን ብሕታውን ዝምድና ንኽንምስርት ይመርሓና ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕነትና እውን ዘድሊ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠22፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠15, 16) ብተወሳኺውን: ጥዑይ ሕልና ኣብ ህይወት ጥበባዊ ዝዀነ ውሳነታት ንኽንገብር ይሕግዘና ኢዩ: እዚ ኸኣ ሓጐስን ሰላምን የምጽኣልና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልና ዝነበሮ ሰብ “ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ: ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ” በለ።​—⁠መዝሙር 37:⁠31

ንሕልና ምልምማድ

ንሕልና ምልምማድ ክበሃል ከሎ ዝርዝር ሕግታት ካብ ምዝካርን ነቲ ሕግታት ድማ ጠቢቕካ ካብ ምስዓብን ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከምዚ ኢዮም ገይሮም። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ነቲ ሕጊ ይፈልጥዎ ነበሩ: እቲ ህዝቢ ሕጊ ንኸየፍርስ ክሕግዝዎ ብምሕሳብ ድማ ዝርዝር ባህሊ ሰሪዖም ነበሩ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ሰዊት ምሕዮም እናሓሰዩ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም ብኡንብኡ ተቓወምዎም። የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ንሓደ ሰብኣይ ነታ ዝነቐጸት ኢዱ ምስ ኣሕወየሉ እውን ተቓዊሞምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 12:⁠1, 2, 9, 10) ብመሰረት ናይ ፈሪሳውያን ልምዲ ክልቲኡ እዚ ተግባራት እዚ ነታ ራብዓይቲ ትእዛዝ ዝጥሕስ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠8-11

እቶም ፈሪሳውያን ነቲ ሕጊ ኣጽኒዖሞ ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ። ሕልንኦም ግን ምስ ስርዓታት ኣምላኽዶ ተሰማሚዑ ነይሩ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይተሰማምዐን! እቶም ፈሪሳውያን ብዛዕባ እቲ ንሕጊ ሰንበት ምጥሓስ ኢዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ዝነበሩ ንኣሽቱ ነገራት ድሕሪ ምቅዋሞም ብኡንብኡ ንየሱስ “ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ” ተማኸሩ። (ማቴዎስ 12:⁠14) እዞም ርእሶም ዘጽድቑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሓድሽ ሰዊት ስለ እተቐንጠበን ሰብ ስለ ዝሓወየን ተቘጥዑ: ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ንምቕታል ዝኣለምዎ ውዲት ግን ሕልንኦም ሕርኽርኽ ዘይብሎም ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

እቶም ሊቃውንቲ ካህናት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ቄናን ኣተሓሳስባ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። እዞም ብልሹዋት ሰብኡት እዚኣቶም ይሁዳ ንየሱስ ንኸትሕዞ ካብቲ ናይ ቤተ-መቕደስ ሳጹን ምጽዋት 30 ቕርሺ ኣውጺኦም ክህብዎ ኸለዉ ምንም ናይ ገበን ስምዒት ኣይተሰምዖምን። ይኹን እምበር ይሁዳ ሃንደበት ነቲ ገንዘብ ናብቲ ቤተ-መቕደስ ብምድርባይ ምስ መለሶ: ሕልና ናይቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ሕጋዊ መዋጥር ኣጋጠሞ። “ዋጋ ደም እዩ እሞ: [ነቲ ገንዘብ] ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን” ድማ በሉ። (ማቴዎስ 27:⁠3-6) እቶም ሊቃውንቲ ካህናት እቲ ናይ ይሁዳ ገንዘብ ሕጂ ርኹስ ኢዩ ኢሎም ከም ዝሓሰቡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ምስ ዘዳግም 23:⁠18 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ንወዲ ኣምላኽ ዘትሕዞ ሰብ ንምስዳዕ ገንዘብ ምኽፋል ጌጋ ዀይኑ ኣይተራእዮምን!

ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምስምማዕ

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ንሕልና ምልምማድ ክበሃል ከሎ ንኣእምሮ እዚ ኣይትግበር እዚ ኣይትድገም ብዝብል ዝርዝር ካብ ምምላእ ንላዕሊ ዝሓትት ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ፍልጠት ሕግታት ኣምላኽ ምርካብ ኣገዳሲ ምዃኑ: ነቲ ሕግታት ምእዛዝ ድማ ንድሕነት ከም ዘድሊ ዘይከሓድ ኢዩ። (መዝሙር 19:⁠7-11) ይኹን እምበር: ኣብ ርእሲ እቲ ሕግታት ኣምላኽ ምምሃርና: ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ልቢ ከነጥሪ ኣሎና። ድሕርዚ ነቲ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እተነግረ ትንቢት የሆዋ ፍጻሜኡ ኣብ ህይወትና ክንርእዮ ኢና። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን . . . ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: አእዛንካ፤ እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።”​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20, 21፣ 48:⁠17

ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ክንገብሮ ዘሎና ከቢድ ውሳነ ከጋጥመና ኸሎ: እንታይ ከም እንገብር ዝነግረና ድምጺ ቃል ብቓሉ ክንሰምዕ ኢና ማለት ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። እንተዀነ ግን: በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ኣተሓሳስባና ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እንተድኣ ተሰማሚዑ: ሕልናና ንዕኡ ዘሐጕሶ ውሳነታት ንምግባር ንኽሕግዘና ብዝሓሸ ክዕጠቕ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

ነቲ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ዮሴፍ ርአ። ሰበይቲ ጶጢፋር ምስኣ ዝሙት ክፍጽም ንዮሴፍ ምስ ተዃተዀቶ: “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል ተቓወመ። (ዘፍጥረት 39:⁠9) ኣብቲ ዮሴፍ ዝነበረሉ እዋን ንዝሙት ዝዅንን ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ኣይነበረን። ብተወሳኺውን: ዮሴፍ ካብቲ ናይ ስድራቤት ትምህርቲ ወይ ድማ ናይ ርእሲ ኣቦታት መምርሒ ዝዋሃበሉ ዝነበረ ቦታ ርሒቑ ኢዩ ኣብ ግብጺ ዝነብር ነይሩ። ዮሴፍ ነዚ ፈተና እዚ ንኽቃወሞ ዘኽኣሎ ደኣ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ብቐሊል ኣዘራርባ: እቲ እተለማመደ ሕልንኡ ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍ ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ክዀኑ ከም ዘለዎም ዝሕብር ኣረኣእያ ኣምላኽ ተቐቢልዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:⁠24) ስለዚ እምበኣር: ሰበይቲ ኻልእ ምውሳድ ጌጋ ከም ዝዀነ ተገንዘበ። በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ኣተሓሳስባ ዮሴፍ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ነበረ። ዝሙት ነቲ ናይ ስነ-ምግባር ኣተሓሳስብኡ ዝጥሕስ ኢዩ ነይሩ።

ሎሚ ከም ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ሰባት ሒደት ኢዮም። ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ኣብ ኵሉ ቦታ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ: ብዙሓት ንፈጣሪኦም: ንገዛእ ርእሶም: ወይ ንናይ መርዓ ብጻዮም እውን ከይተረፈ ብስነ-ምግባር ንጹሃት ክዀኑ ከም ዘለዎም ምንም ናይ ሓላፍነት ስምዒት ኣይስምዖምን ኢዩ። ሎሚ ዘሎ ዅነታት ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ኤርምያስ “ካብ ክፍኣቱ ዚጠዐስ: እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዚብል የልቦን: ከምቲ ናብ ኲናት ዚፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ አሎ” ብምባል እተገልጸ ኢዩ። (ኤርምያስ 8:⁠6) ስለዚ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምስምማዕ ኣዝዩ ኢዩ ዘድልየና። ከምዚ ንኽንገብር ዝሕግዘና ዘገርም ምድላው ከኣ ኣሎና።

ሕልና ንምልምማድ ዝድግፍ ሓገዝ

“እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ:” እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ነቲ ቅኑዕ ካብቲ ጌጋ ምእንቲ ክንፈሊ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ናይ ምስትውዓል ክእለትና’ ኢሉ ዝጽውዖ ንምልምማድ ክሕግዘና ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠14 NW ) ከምዚ ምግባር ነቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ ነገራት ንኽንፈቱ ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ድማ ክንፍንፍኖ ከኽእለና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 97:⁠10፣ 139:⁠21

ስለዚ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝግበር ሸቶ ንዝርዝር ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምሽምዳድ ዘይኰነስ ትርጕም ናይ ሓቂ ንምፍላጥን ነቲ ካብኡ ዝርከብ ረብሓ ንምጥራይን ክኸውን ኣለዎ። እታ ናይ 1 መስከረም 1976 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ኣብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምምርማር እንገብሮ መጽናዕትና ናይ ኣምላኽ ፍትሕን ፍቕርን ጽድቅን ንምግንዛብ ክንጽዕር ኣሎና: እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ምብላዕን ምስትንፋስን ክፍሊ ናትና ዝዀነ ከምኡ ምእንቲ ክኸውን ኣብ ኣልባብና ኣዕሚቑ ክትከል ኣለዎ። ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ከኣ ጌጋ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ልባዊ ጻዕሪ ብምዅስኳስ ንናይ ስነ-ምግባር ሓላፍነት ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ንቑሓት ንምዃን ክንተግህ ኣሎና። ልዕሊ እዚ ድማ: ሕልናና ነቲ ኣብቲ ፍጹም ወሃብ ሕግን ፈራድን ዘለዎ ተሓታትነት ኣርዚኑ ከም ዝርእዮ ክንገብሮ ኣሎና። (ኢሳይያስ 33:⁠22) ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ ኣምላኽ ክንማሃር ከሎና: ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራና ክንቀድሖ ክንፍትን ኣሎና።”

“ሓሳብ ክርስቶስ” ምጥራይ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ “ሓሳብ ክርስቶስ” ማለት ነቲ የሱስ ብኣእምሮኡ ዘንጸባረቖ ናይ ተኣዛዝነትን ትሕትናን ባህሪ ንኸነጥሪ እውን ክሕግዘና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠16) ፍቓድ ኣቡኡ ምግባር ከይሓሰብካ ተዓሚትካ ክሰዓብ ዘለዎ ሓደ ዓይነት ናብራ ዘይኰነስ ዘሐጕሶ ኢዩ ነይሩ። ኣረኣእያኡ በቲ “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ብትንቢት ተገሊጹ ነበረ።a​—⁠መዝሙር 40:⁠8

ሕልና ንምልምማድ “ሓሳብ ክርስቶስ” ምጥራይ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። የሱስ ከም ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንባህርያትን ኣቃውማን ኣቡኡ ክሳዕ እቲ ብሰብኣዊ ዓቕሚ ክብጻሕ ዝከኣለሉ ደረጃ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑዎ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ክብል ክኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠9) ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጠሞ ዅነታት: ልክዕ ከምቲ ኣቡኡ ክገብሮ ትጽቢት ዝገበረሉ ኢዩ ገይሩ። ስለዚ እምበኣር: ናይ የሱስ ናብራ ህይወት ከነጽንዕ ኸሎና: ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ንጹር ምርዳእ ንረክብ ኢና።

የሆዋ ‘መሓርን ጸጋውን: ንዅራ ደንጓይን በዓል ብዙሕ ለውሃትን’ ምዃኑ ነንብብ ኢና። (ዘጸኣት 34:⁠6) የሱስ ኣብቲ ምስ ሃዋርያቱ ዝገበሮ ርክባት ብተደጋጋሚ ነዚ ባህርያት እዚ ኣንጸባሪቕዎ ኢዩ። መኖም ዓቢ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ምስ ተኸራኸሩ: የሱስ ብቓልን ብኣብነትን ገይሩ “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን” እናበለ ብትዕግስቲ ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 20:⁠26, 27) እዚ: ናይ የሱስ ናብራ ህይወት ብምምርማር ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ክንሰማማዕ ከም እንኽእል ዘርኢ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ።

ብዛዕባ የሱስ ብዝያዳ እናተማሃርና ብዝኸድና መጠን: ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ንምምሳል ብዝበለጸ ክንዕጠቕ ኢና። (ኤፌሶን 5:⁠1, 2) እቲ ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እተሰማምዐ ሕልና ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ኣቢሉ ክመርሓና ኢዩ። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ብምባል ይመባጽዓሎም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 32:⁠8

ካብቲ እተለማመደ ሕልና ጥቕሚ ምርካብ

ሙሴ ዘይፍጹማት ሰባት ዓለወኛታት ከም ዝዀኑ ብምፍላጥ: ንእስራኤላውያን “እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ” ብምባል ኣጠንቀቖም። (ዘዳግም 32:⁠46) ንሕናውን ንሕጊ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብና ክንጽሕፎ ኣሎና። ከምኡ እንተድኣ ገይርና: ሕልናና ብዝያዳ ንስጕምትና ክመርሖን ቅኑዕ ውሳነታት ንኽንገብር ክሕግዘናን ኢዩ።

ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ግን እተረጋገጸ ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ኢሉ ይዛረብ። (ምሳሌ 14:⁠12) መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዅነታት ከምዚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ: መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ኤርምያስ 17:⁠9) ስለዚ እምበኣር: ኵላትና ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:⁠5, 6 ዝርከብ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ማዕዳ ክንስዕቦ የድልየና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብታ ንሰብ እብራውያን ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መበል 40 መዝሙር ዘሎ ቃላት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣውዒልዎ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠5-10

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልና ልክዕ ከም ኮምፓስ ናብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ኣቢሉ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

ኮምፓስ:- Courtesy, Peabody Essex Museum, Salem, Mass.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ