ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ምሃብ ኣይትረስዕ!
ሎሚ ምሸት ኣኼባ ኣሎ: ዝስራሕ ዕዮ ግን ኣሎካ። ነየናይ ኢኻ እተቐድም፧
በዓል ሓዳርን ኣቦን ኢኻ። እቲ ነዊሕን ኣድካምን ናይ ስራሕ ሰዓት ክኣክል ምስ ቀረበ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ዝግበር ናይ ጉባኤ ኣኼባ ክትካፈል ምዃንካ ትሓስብ። ካብ ስራሕ ቅልጥፍ ኢልካ እንተድኣ ወጺእካ: ናብ ኣኼባ ቅድሚ ምኻድካ ነብስኻ ክትሕጸብን ክዳውንትኻ ክትቅይርን ገለ ዝብላዕ ክትጥዕምን እኹል ግዜ ኣሎካ። ሃንደበት ግን: ወሃብ ስራሕካ ቅርብ ኢሉ ተወሳኺ ሰዓታት ክትሰርሕ ይሓተካ። ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ክኸፍለካ ምዃኑ ድማ ይመባጽዓልካ። እቲ ገንዘብ ከኣ የድልየካ ኢዩ።
ወይ ድማ በዓልቲ ሓዳርን ኣደን ኢኺ። ድራር እናሰራሕኪ ከሎኺ: እቲ ገለ ካብኡ ንጽባሒቱ ዘድሊ ተጸፍጺፉ ዘሎ ዘይተስታረረ ክዳውንቲ ትዝ ይብለኪ። ‘ሎሚ ምሸት ኣኼባ እንተድኣ ተኻፊለ: መዓስ ከስታርሮ ኢየ፧’ ኢልኪ ድማ ትሓስቢ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ስለ ዝጀመርኪ: ንናብራ ዘድሊ ገንዘብ ክትምእርር ኢልካ እናሰራሕካ ናይ ገዛ ዕዮ ምዕያይ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኸኣ ትግንዘቢ።
ወይ ከኣ ተማሃራይ ኢኻ። ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ኣብቲ ኣብ መደቀሲ ክፍልኻ ዘሎ ሰደቓ ተደርዲሩ ኣሎ። ዝበዝሕ ካብቲ ዕዮ ገዛ ካብ ዝዋሃበካ ቀንዩ ኢዩ: ይኹን እምበር ብሎሚ ጽባሕ ስለ ዘደናጐኻዮ ሕጂ ሓያሎ ዕዮ ገዛ ብሓንሳእ ተኣኪቡካ ኣሎ። ጉባኤ ከይከድካ ዕዮ ገዛኻ ክትውድእ ወለድኻ ንኸፍቅዱልካ ክትሓቶም ትፍተን።
ቀዳምነት እትህቦ ንተወሳኺ ዓለማዊ ዕዮ: ንምስትራር: ንናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ድዩ ወይስ ንናይ ጉባኤ ኣኼባ፧ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ: ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ምሃብ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ናይ የሆዋ ኣረኣእያኸ እንታይ ኢዩ፧
ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ነገር ኣየናይ ኢዩ፧
እስራኤላውያን ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ምስ ተቐበልዎ ነዊሕ ከይጸንሑ: ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንጨይቲ ክኣሪ ተረኽበ። ዕንጨይቲ ምእራይ ብመሰረት እቲ ሕጊ ፈጺሙ እተኸልከለ ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 15:32-34፣ ዘዳግም 5:12-15) ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ምፈረድካዮ፧ ምቹእ ናብራ ንኽረክብ ዘይኰነስ ነቲ ንስድራቤቱ ዘድልዮም ነገራት ንምድላው ኢዩ ዝሰርሕ ነይሩ ኢልካ ብምክርኻርዶ ብሓቂ ኣብ ክንዲ እቲ ሰብኣይ ኴንካ ምኽኒት መቕረብካ፧ ንሰንበት ንምሕላው ኣብ ምሉእ እቲ ዓመት ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይሩ ኢዩ: እቲ ሰብኣይ ድማ ሓንቲ ኣጋጣሚ ዘሕለፈ ኣቐዲሙ ሰኣን ምምዳብ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብቐሊሉ ይቕረ ክበሃለሉ ይከኣል ነይሩ ኢዩ ኢልካዶ ምኽንያት መቕረብካ፧
የሆዋ ነቲ ጕዳይ ኣቕሊሉ ኣይተመልከቶን። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ: እቲ ሰብኣይ እቲ ሞት ይሙት” ከም ዝበሎ ይገልጽ። (ዘሁልቍ 15:35) የሆዋ እቲ ሰብኣይ ብዝገበሮ ነገር ኣዝዩ እተሰምዖ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ህዝቢ ዕንጨይቲ ንምእራይ ከምኡውን ንመግብን ክዳንን መዕቈብን ዝምልከት ዘድልዮ ነገራት ንምርካብ ሽዱሽተ መዓልቲ ነይርዎ ኢዩ። እታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ንመንፈሳዊ ድሌታቶም እተወፈየት ክትከውን ነበራ። ዕንጨይቲ ምእራይ ጌጋ እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብቲ ንየሆዋ ንምምላኽ ክውፈ ዝነበሮ ግዜ ግን ዕንጨይቲ ንምእራይ ክትጥቀመሉ ጌጋ ነበረ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰና: እዚ ፍጻመ እዚ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣድላዪ ነገር ቀዳምነት ክንህቦ ከም ዘሎና ትምህርቲ ዝህበናዶ ኸይኰነ፧—ፊልጲ 1:10
እስራኤላውያን ን40 ዓመታት ዝኣክል ኣብ በረኻ ኰለል ድሕሪ ምባሎም: ናብ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ ተዳለዉ። ገሊኦም ነቲ ኣብ በረኻ ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህቦም ማና ስለ ዝመነውዎ መግቢ ክቕየረሎም ይብህጉ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ምድሪ ምስ ኣተዉ: የሆዋ ግቡእ ኣመለኻኽታ ንኽሕዙ ክሕግዞም ኢሉ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር” ኣዘኻኸሮም።—ዘጸኣት 3:8፣ ዘዳግም 8:3
እቶም እስራኤላውያን “ጸባን መዓርን” ንምርካብ ክጽዕሩ ነበሮም። ዝስዕርዎም ሰራዊት: ዝሃንጽዎ ኣባይቲ: ከምኡውን ዝሓርስዎ መሬት ነይሩ ኢዩ። እቲ ዅነታት ከምኡ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ንመንፈሳዊ ነገራት ንምስትንታን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ግዜ ንኽምድብ ኣዚዝዎም ኢዩ። ንደቆም መገድታት ኣምላኽ ንምምሃር እውን ግዜ ከሕልፉ ነበሮም። የሆዋ “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን: ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ [ብትእዛዛተይ] እናተዛረብኩም: ንደቅኹም ምሀርዎም” በሎም።—ዘዳግም 11:19
ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ እስራኤላውያንን ጵሮሴሊትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽርኣዩ ተኣዚዞም ነበሩ። ብምልእታ እታ ስድራቤት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ብመንፈስ ክትጥቀም ከም እትኽእል ብምግንዛብ: ብዙሓት ርእሲ ስድራቤታት ኣንስቶምን ደቆምን ምስኣቶም ንኽኸዱ ምድላዋት ገይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር እታ ስድራቤት ኣርሒቓ ምስ ከደት ንገዝኦምን ግራቶምን ካብ ናይ ጸላኢ መጥቃዕቲ መን ክሕልዎ ነበሮ፧ የሆዋ “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ: ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን” ብምባል ተመባጽዐ። (ዘጸኣት 34:24) እስራኤላውያን ንመንፈሳዊ ረብሓታት ቀዳምነት እንተድኣ ሂቦምዎ ስጋዊ ነገራት ከም ዘይጐድሎም ንኽቕበልዎ እምነት የድልዮም ነበረ። የሆዋ ቃሉ ሓልዩዶ ኢዩ፧ ብርግጽ ሓልዩ ኢዩ!
ቅድም ነታ መንግስቲ ድለ
የሱስ ንመንፈሳዊ ነገራት ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት ክሰርዕዎ ንሰዓብቱ ምሂርዎም ኢዩ። ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንሰማዕቱ ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። . . . ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ኹሉ [ዘድሊ ስጋዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴዎስ 6:31, 33) እቶም ድሕሪ ሞት የሱስ ነዊሕ ከይጸንሑ እተጠመቑ ሓደስቲ ክርስትያናት ነዚ ምኽሪ እዚ ስዒቦሞ ኢዮም። ብዙሓት ኣይሁድን ናብ ኣይሁድነት እተቐየሩ ጵሮሴሊትን በዓል ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ከብዕሉ ናብ የሩሳሌም ተጓዒዞም ነበሩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጠመ። ነቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ብስራት ሰምዕዎን ተቐበልዎን። ብዛዕባ እዚ ሓድሽ እምነት እዚ ብዝያዳ ክማሃሩ ብምድላይ: ኣብ የሩሳሌም ተቐመጡ። ሒዞሞ ዝነበሩ ስንቂ ክውዳእ እኳ እንተ ጀመረ: ንስጋዊ ምሾት ካልኣይ ቦታ ኢዮም ሂቦምዎ። ነቲ መሲሕ ረኺቦሞ ነበሩ! ኵላቶም “ብትምህርቲ ሃዋርያትን . . . ብጸሎትን ጸኒዖም” ክቕጽሉ ምእንቲ ክኽእሉ: እቶም ክርስትያን ኣሕዋቶም ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ብምሃብ ኣካፈልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:42
ድሕሪ ገለ ግዜ: ገለ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ብሕብረት ናይ ምክፋል ኣድላይነት ረስዕዎ። (እብራውያን 10:23-25) ምናልባት ንገዛእ ርእሶምን ስድራቤቶምን ናይ ገንዘብ ውሕስነት ንኸረጋግጹ ክብሉ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ሸለል ብምባል ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣተሓሳስባ ሓዲርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኣኼባታት ከየብኵሩ ንኣሕዋቱ ድሕሪ ምምዓዱ “ንሱ ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ብምባል ጸሓፈ።—እብራውያን 13:5
ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ብሓቂ እዋናዊ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ጳውሎስ ነታ ናብ ሰብ እብራውያን ዝሰደዳ መልእኽቱ ምስ ጸሓፋ ዳርጋ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ እቲ ብሰስቲዩስ ጋለስ ዝምራሕ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከበባ። እሙናት ክርስትያናት ነቲ “[እዚ ዀይኑ] እንተ ርኤኹም: . . . ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ: ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ” ዝብል ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ዘከርዎ። (ማርቆስ 13:14 -16) ድሕነቶም ኣብ ውሕስነት ናይ ስርሖም ወይ ድማ ኣብ ዋጋ ስጋዊ ጥሪቶም ዘይኰነስ ኣብቲ ንመምርሒታት የሱስ ዘርእይዎ ተኣዛዝነት እተመርኰሰ ምዃኑ ፈሊጦም ነበሩ። እቶም ነቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ዘቕለብሉን ንመንፈሳዊ ረብሓታት ቀዳምነት ሂቦም ዝነበሩን ሰባት ምስቶም ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ከይተላቐቑ ዝጸንሑ እሞ ዝሃደሙ ሰባት ክነጻጸሩ ከለዉ ገዝኦም: ስርሖም: ክዳውንቶም: ከምኡውን ክቡር ጥሪቶም ገዲፎም ንኽኸዱን ናብቲ ኣኽራን ንኽሃድሙን ዝያዳ ቀሊል ኰይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ሎሚ ገሊኣቶም ነቲ ቀዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ዝሃብሉ መገዲ
ሎሚ እሙናት ክርስትያናት ስርዓታውያን ኰይኖም ምስ ኣሕዋቶም ምሕባር ይሕጐስሉ ኢዮም: ብዙሓት ድማ ኣብ ኣኼባታት ምእንቲ ኽካፈሉ መስዋእትታት ይገብሩ ኢዮም። ኣብ ገለ ገለ ኸባቢታት እቲ ብቐሊሉ ዝርከብ ስራሕ ናይ እብረ ስራሕ ጥራይ ኢዩ። ሓደ ሓው ኣብቲ ኣኼባ ዝህልወሉ ምሸት እቶም መሳርሕቱ ምእንቲ ኽሽፍንሉ: በታ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ዝበዝሑ ሰባት ንምዝንጋዕ ዝጥቀሙላ ቀዳም ምሸት ይልውጦም። ካልኦት ናይ እብረ ስራሕ ዘለዎም ኣሕዋት ድማ ስርሖም ኣብ ጉባኤኦም ንኸይካፈሉ እንተድኣ ዓንቂፍዎም ናብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ጉባኤ ብምኻድ ኣብ ኣኼባታት ይካፈሉ። በዚ መገዲ እዚ: ዳርጋ ፈጺሞም ካብ ኣኼባ ኣይተርፉን ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ካናዳ ዘላ ተገዳስነት ዘርኣየት ሰበይቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ምክፋል ኣድላዪ ምዃኑ ብቕልጡፍ ተገንዘበት: እቲ ናይ ስርሓ ሰዓታት ግን ምስቲ ናይ ኣኼባ ሰዓታት ዝሳነ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ: ካብ ስራሕ ናጻ ዀይና ኣብዚ ኣድላዪ ኣኼባታት እዚ ምእንቲ ኽትካፈል: ንሓንቲ መሳርሕታ ገንዘብ ከፊላ ናይ እብረ ስርሓ ከም እትሽፍነላ ገበረት።
ብዙሓት ብሕዱር ሕማም ዝሳቐዩ ኣሕዋት: ካብ ኣኼባታት ዘብኵርሉ ግዜ ሳሕቲ ኢዩ። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ምክፋል ምስ ዘይክእሉ ኸኣ ነቲ ፕሮግራም ኣብ ገዛ ዀይኖም ምስቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብእተተሓሓዘ ናይ ተሌፎን መስመር ወይ ድማ ብእተመልአ ካሴት ገይሮም ይሰምዕዎ። የሆዋ በቲ ‘እሙን ኣስተውዓሊ ባርያኡ’ ኣቢሉ ንዘዳልዎ መንፈሳዊ ምድላዋት ዘርእይዎ ሞሳ ዝነኣድ ኢዩ! (ማቴዎስ 24:45) ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ኣብ ገዛ ዀይኖም ዝኣልዩ ክርስትያናት: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ምእንቲ ኽካፈሉ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ምስቲ ወላዲ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ምስ ዝነግርዎም ነዚ ሓልዮት እዚ ብሓቂ ኢዮም ዘማስውሉ።
ኣቐዲምኩም መድቡ!
እቶም ንመንፈሳዊ ድሌታቶም ንቑሓት ዝዀኑ ወለዲ: ደቆም ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኸማስውሉ ይሕግዝዎም ኢዮም። ከም ሓፈሻዊ ስርዓት: እቶም ደቆም ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ገዛ ኣብ ክንዲ ዝእክብዎ ኣብቲ እተመደበሉ እዋን ክሰርሕዎ ወለዲ ይጽበይዎም ኢዮም። ኣብቲ ምሸት ኣኼባ ዝህልወሉ እዋናት ቈልዑ ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ገዛ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሱ ብኡንብኡ ይሰርሕዎ። ኣብ ትርፊ ግዜ ዝግበር መዘናግዒታትን ካልእ ንጥፈታትን ካብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ከም ዘብኵሩ ክገብሮም የብሉን።
ከም በዓል ሓዳርን ኣቦን መጠን: ኣብ ኣኼባ ምክፋል ቀዳምነት ትህቦ ዲኻ፧ ከም በዓልቲ ሓዳርን ኣደን መጠን: ካብ ኣኼባታት ምእንቲ ኸይተብኵሪ ንሓላፍነታትኪ ኣቐዲምኪዶ ክትምድቢ ትፍትኒ ኢኺ፧ ከም ኮተቴ መጠን: ኣኼባታት ካብ ዕዮ ገዛ ንላዕሊ ከም ዝዀነ ገይርካ ዲኻ እትምልከቶ ወይስ ዕዮ ገዛ ካብ ኣኼባታት ንላዕሊ ከም ዝዀነ ገይርካ ኢኻ እትምልከቶ፧
ናይ ጉባኤ ኣኼባ: የሆዋ ዝሰርዖ ፍቕራዊ ምድላው ኢዩ። ኣብዚ ምድላው እዚ ንምክፋል ምሉእ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት እንተድኣ ሂብካ የሆዋ ኣብዚሑ ክባርኸካ ኢዩ!