ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ክቡራት ሰባት ብትብዓት ይምስክር
እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰብኡት ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝርአ ኢዩ። እቲ ሓደ ዘውዲ ክደፍእ ኸሎ እቲ ሓደ ግን ብመቝሕ ተኣሲሩ ኢዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ንጉስ ክኸውን ከሎ እቲ ሓደ ግን እሱር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ: ሕጂ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ኣይሁድ ገዛኢ: ሄሮድስ ኣግሪጳ ኻልኣይ ደው በለ። እቲ ንጉስን እታ በርኒቄ ዝስማ በዓልቲ ቤቱን “ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ” ኣትዮም ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:23) ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ኣብኡ ሓያሎ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።”
ነቲ ኣኼባ እቲ ዘዳለወ ፌስጦስ እቲ ሓድሽ እተሾመ ኣማሓዳሪ ኢዩ ነይሩ። እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ኣማሓዳሪ: ፌሊክስ: ንጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከማስኖ ሓሲቡ ነበረ። ፌስጦስ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ዝቐረበ ክስታት መሰረት ዘለዎ እንተ ዀይኑ ሓተተ። ከመይሲ: ጳውሎስ ንጹህ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዘይምሕላል ጕዳዩ ናብ ቄሳር ከቕርብ ሓቲቱ ነበረ! ንጉስ ኣግሪጳ ብዛዕባ ናይ ጳውሎስ ጕዳይ ክፈልጥ ሃንቀውታ ሓደሮ። “ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ” ድማ በለ። እቲ ንጉስ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ እሱር እዚ እንታይ ኰን ይሓስብ ይኸውን ብምባል ክኸውን ይኽእል ፌስጦስ ቅልጡፍ ምድላዋት ገበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:27–25:22
ንጽብሒቱ: ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን ደው ከም ዝብል ተገብረ። ንኣግሪጳ ድማ ከምዚ በሎ:- “ኵሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ . . . ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ . . . ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ: ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ አሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ አሎኹ።”—ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 3
ጳውሎስ ብትብዓት ይመጻረ
መጀመርታ: ጳውሎስ ብዛዕባቲ ከም ሰጓጕ ክርስትያናት ኰይኑ ዘሕለፎ ግዜ ንኣግሪጳ ነገሮ። “ብሓሳር ኪጸርፉ ኤጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም: ኣዝየ ተሀንደድክዎም” ድማ በለ። ቀጺሉ ኸኣ ብኸመይ ዝምስጥ ራእይ ከም እተቐበለ ኣዘንተወ። ኣብዚ ራእይ እዚ እቲ ካብ ምውታት ዝተንስአ የሱስ “ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ: ንኣኻ ይገደካ” ኢሉ ከም እተወከሶ ይገልጽ።a—ግብሪ ሃዋርያት 26:4-14
ሽዑ የሱስ “ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር” ንዅሎም ኣህዛብ ክትምስክረሎም ኢኻ ብምባል ንሳውል ኣዘዞ። ጳውሎስ መዝነቱ ንምፍጻም ብትግሃት ከም ዝጸዓረ ገለጸ። ይኹን እምበር: ንኣግሪጳ “ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሀቀኑ” ብምባል ነገሮ። ነቲ ኣግሪጳ ኣብ ኣይሁድነት ዘለዎ ተገዳስነት ብምልዕዓል: “ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ . . . ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን” ብምባል ምስክርነቱ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን እቲ መሲሕ ዝምልከት ምዃኑ ኣጕልሐ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:15-23
ፌስጦስ “እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ አሎ” ብምባል ዘረብኡ ኰለፎ። ጳውሎስ “ዎ ልኡል ፌስጦስ: ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር: ኣይተጸለልኩን” ብምባል መለሰሉ። ድሕርዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣግሪጳ “እዚ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ: ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ: ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ: ተረዲኤዮ አሎኹ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:24-26
ድሕርዚ ጳውሎስ ንኣግሪጳ ብቐጥታ “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ንነብያትሲ ትአምኖም ዲኻ፧” ብምባል ሓተቶ። እቲ ሕቶ ንኣግሪጳ ደስ ከም ዘይበሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ቅድም ቀዳድም: ርእይቶኡ ከይገልጽ ናይቲ ህዝቢ ፍርሂ ነይርዎ ኢዩ: ምስ ጳውሎስ ምስምማዕ ድማ ነቲ ፌስጦስ ‘ጽሉል’ ብምባል ዝጸውዖ ሰብ ምድጋፍ ማለት ምዀነ ነይሩ። ምናልባት ጳውሎስ: ኣግሪጳ ከም ዘዕጠይጠየ ብምስትብሃል ክኸውን ይኽእል ኢዩ “ከም እትአምን እፈልጥ እየ” ብምባል ነቲ ሕትኡ ባዕሉ መለሶ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሕጂ ኣግሪጳ ስምዒቱ ሓቢኡ ክዛረብ ጀመረ። ንጳውሎስ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:27, 28
ጳውሎስ ነቲ ኣግሪጳ ብድብድቡ እተዛረቦ ዘረባ ሓያል ነጥቢ ንምግላጽ ብኽእለት ተጠቕመሉ። “ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ: ብዘይ እዚ መቝሔይሲ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ: ሎሚ ንዚሰምዑኒ ዅላቶም እምበር: ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ” ድማ በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:29
ኣግሪጳን ፌስጦስን ንጳውሎስ ኣብ ሞት ወይ ኣብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይረኸብሉን። ገና ግን: እቲ ጕዳዩ ናብ ቄሳር ንኽበጽሕ ዘቕረቦ ሕትኡ ክስረዝ ኣይከኣልን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣግሪጳ ንፌስጦስ “እዚ ሰብኣይ እዚ፤ ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ: ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ” ዝበሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:30-32
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን ንምምስካር እተጠቕመሉ ሜላ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ዝህበና ኢዩ። ጳውሎስ ንንጉስ ኣግሪጳ ክዛረቦ ኸሎ ምስትውዓል ተጠቒሙ ኢዩ። ኣግሪጳን በርኒቄን ነውራማት ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። በርኒቄ ንኣግሪጳ ሓብቱ ስለ ዝነበረት: መውስቦኦም ዘይንቡር ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓት ዝምልከት ዝርርብ ክህብ ኣይመረጸን። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ንዕኡን ንኣግሪጳን ዘሰማምዖም ነጥብታት ኢዩ ዘጕልሐ። ብተወሳኺውን: ጳውሎስ በቲ ገማልኤል ዝበሃል ምሁር ፈሪሳዊ እተማህረ እኳ እንተ ነበረ: ኣግሪጳ ብናይ ኣይሁድ ልምድታት ፈላጥ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3) እቲ ብሕታዊ ስነ-ምግባሩ ብዘየገድስ: ኣግሪጳ ኣብ ቦታ ስልጣን ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ብኽብሪ ኢዩ ተዛሪቡዎ።—ሮሜ 13:7
ብዛዕባ እምነትና ብትብዓት ክንምስክር ከሎና: ሸቶና ነቲ ናይ ሰማዕትና ዘይጽፉፍ ተግባራት ንምቅላዕ ወይ ንምዅናን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ንሓቂ ንኽቕበልዋ ምእንቲ ከነቕልለሎም: ናብቲ ናይ ሓባር ተስፋና ብምትኳር ኣወንታዊ መዳያት ናይቲ ብስራት ከነጕልሕ ኣሎና። ብዕድመ ምስ ዝዓብዩና ሰባት ወይ ድማ ምስ ሰበ-ሰልጣን ክንዛረብ ከሎና: ነቲ ዘለዎም ቦታ ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣሎና። (ዘሌዋውያን 19:32) በዚ መገዲ እዚ: ነቲ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ” ዝበለ ጳውሎስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 9:22
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ “ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ: ንኣኻ ይገደካ” ዝብል ኣገላልጻ ነቲ ዝራብዕ ናብቲ ንምምርሑን ንምግርሑን ተባሂሉ ዝዳሎ በሊሕ ዕንጨይቲ ገጹ ብምርጋሕ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘምጽኦ ጕድኣት ዝገልጽ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ሳውል ንክርስትያናት ከሳጕግ ከሎ ምስቶም ሓገዝ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት ይቃለስ ብምንባሩ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኢዩ ጕድኣት ከምጽእ ዝኽእል ነይሩ።