ንቑሕ እትዀነሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ!
“ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣይትጋገዩ፣ ካብ ድቃስ እንነቕሓሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።” (ሮሜ 13:11 ብኖክስ እተዳለወ ዘ ሆሊ ባይብል ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈን: እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ንኽውዳእ 14 ዓመታት ዝኸውን ምስ ተረፎ ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ብመንፈሳዊ መገዲ ንቑሓት ብምንባሮም: ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኣብ የሩሳሌም ኣይነበሩን: ስለዚ ኸኣ ካብ ሞት ወይ ባርነት ደሓኑ። እንተዀነ ግን: ካብታ ከተማ ክሃድሙ ከም ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም ዝፈለጡ፧
የሱስ ክርስቶስ ጸላእቲ ንየሩሳሌም ከም ዝኸቡዋ: ተቐማጦኣ ድማ ከም ዝጸንቱ ኣጠንቂቑ ነበረ። (ሉቃስ 19:43, 44) ስለዚ የሱስ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ብቐሊሉ ክልለ ዝኽእል ብዙሕ ክፍልታት ዘለዎ ምልክት ሃቦም። (ሉቃስ 21:7-24) ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብታ ከተማ ምውጻእ ማለት ኣባይቶምን ስርሖምን ምጥንጣን ማለት ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንቑሓት ኰይኖም ብምህዳሞም ህይወቶም ዕቝባ ረኸበት።
የሱስ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣቐዲሙ ምስ ተዛረበ: እቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ክምልስ ከሎ ነቲ መጻኢ ህላወኡ ምስቲ ናብ ማይ ኣይሂ ዝመርሐ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ኵነታት ኣወዳደሮ። የሱስ ማይ ኣይሂ ንዅሎም እኩያት ሰባት ከም ዘጥፍኦም ሓበረ። (ማቴዎስ 24:21, 37-39) ኣምላኽ እንደገና ኣብ ናይ ሰብ ጕዳያት ኢዱ ከም ዘእቱ ኸኣ ሓበረ። ክሳዕ ክንደይ፧ ንብምልእታ እክይቲ ዓለም ወይ ኣገባብ ክሳዕ ዘጥፍእ። (ምስ 2 ጴጥሮስ 3:5, 6 ኣረእእዮ።) እዚ ኣብ ግዜና ከጋጥም ይኽእልዶ ኢዩ፧
ኵሉ ከምቲ ናይ ቀደሙ ድዩ ዘሎ፧
ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁድ መብዛሕትኦም የሩሳሌም እታ ቅድስቲ ከተማኦም ክትጠፍእ ኢያ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮምን። እሳተ-ጎሞራ ርእዮም ዘይፈልጡ እንተዀነ ግን ኣብ ጥቓ እሳተ-ጎሞራ ዘለዎ ቦታ ዝነብሩ ሰባት እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምእማን የርእዩ ኢዮም። መጠንቀቕታ ክወሃብ ከሎ “ኣብ ግዜና ዝርአ ኣይኰነን” ምባል እተለምደ ነገር ኢዩ። ሊኔል ዊልሰን እተባህለ ብዛዕባ እሳተ-ጎሞራ ዘጽንዕ ሰብ “እሳተ-ጎሞራ ዝነቱጕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ክፍለ-ዘበናት ኢዩ: ብሰንኪ ምንታጕ እሳተ-ጎሞራ ወለድኻ ቦታ ቀይሮም እንተድኣ ነይሮም ሕጂ ብዛዕብኡ ክትሓስብ ኣሎካ። እቲ እሳተ-ጎሞራ ኣብ ግዜ ኣባሓጎታትካ ዘጋጠመ እንተድኣ ኰይኑ ግን: ሕጂ ንዓኻ ኣይምልከተካን ኢዩ” ብምባል ይገልጽ።
ይኹን እምበር: ርጡብ ዝዀነ ሓበሬታ ምርካብ ነቲ ናይ ሓደጋ ምልክት ንኸነለልዮን ኣርዚንና ክንወስዶን የኽእለና ኢዩ። ሓደ ካብቶም ካብ ከረን ፔሊ ዝሃደሙ ሰባት ብዛዕባ እሳተ-ጎሞራ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ነቲ ናይ ሓደጋ ምልክታት ተረድኦ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክት ከረን ፒናቱቦ ቀቅድሚ ምንታጉ እውን ግልጺ ኢዩ ነይሩ። እቶም ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ከረን ኰይኑ ዝምዕብል ዝነበረ ዘይርአ ነገራት ዝከታተሉ: ብዛዕባ እሳተ-ጎሞራ ዘጽንዑ ሰባት: ነቶም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ኣእመንዎም።
ገለ ሰባት ዋላ ሓንቲ ነገር የለን ብምባል ነቲ ናይ ሓደጋ ምልክት ሸለል ይብልዎ ምዃኖም ሓቂ ኢዩ። ነቶም ግቡእ ስጕምቲ ዝወስዱ እውን የላግጹሎም ይዀኑ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ላግጺ ኣብ ግዜና ልሙድ ከም ዝኸውን ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ በለ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍ ትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፤ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም።”—2 ጴጥሮስ 3:3, 4
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና ትኣምንዶ ኢኻ፧ ኣብታ ዘ ኮሎምብያ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ [እንግሊዝኛ] ጆን ኤ. ጋርትን ፒተር ገይን “ዘርኣናዮ ምዕባለታት ይፈራርስ ምህላዉ ንግንዘቦዶ ኣሎና፧” ብምባል ሓተቱ። ድሕርዚ እዞም ጸሓፍቲ ታሪኽ እዚኣቶም ነቲ ናይ ምምሕዳር ግድላት: ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ናይ ዓመጽን ናዕብን ወሰኽ: ምብትታን ስድራቤታት: ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ንግድል ማሕበረሰብ ዘይምፍትሑ: ኣብ ስልጣን ዘሎ ቅልውላው: ከምኡውን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስነ-ምግባራውን ሃይማኖታውን ውድቀት መርመርዎ። ከምዚ ብምባል ከኣ ደምደሙ:- “እዚ: ምልክት ናይ ሓደ ፍሉጥ መወዳእታ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ምስቲ ናይ መወዳእታ ምልክት ከም ዝመሳሰል ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ።”
“መወዳእታ” ኣንጠልጢሉ ምህላዉ ቅቡል ዝዀነ ምኽንያት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ” ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ስለ ዝብል ምድሪ ክትጠፍእ ኢያ ኢልና ክንፈርህ ኣየድልን ኢዩ። (መዝሙር 104:5) ገና ግን እዚ ንደቅሰብ ብዙሕ ስቓይ ዘምጽኣሎም ዘሎ እኩይ ኣገባብ ቀልጢፉ ክውዳእ ምዃኑ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ምዃኑ ዘርኢ ብዙሕ ዘረጋግጽ ነገራት ኣሎና። (ነቲ “ገለ ምልክታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት” ዝብል ሳጹን ርአ።) ንቓላት የሱስ ምስ ናይ ዓለም ፍጻመታት ዘይተወዳድሮ፧ ከምዚ ምግባር ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ስድራቤትካን ጥበብ እተሓወሶ ውሳነ ንምግባር ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሕጂ ስጕምቲ ክትወስድ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
ንቑሕ ምዃን ብሓቂ ኣድላዪ ኢዩ
ሊቃውንቲ: እሳተ-ጎሞራ ከም ዝነቱጕ ዝፈልጡ እኳ እንተዀኑ: ብልክዕ መዓስ ከም ዝነቱጕ ግን ኣነጺሮም ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ብተመሳሳሊ ድማ የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣገባብ እዚ ከምዚ በለ:- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን።” (ማቴዎስ 24:36) እዚ ኣገባብ እዚ መዓስ ከም ዝውዳእ ብልክዕ ስለ ዘይንፈልጥ: የሱስ እዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡና ኣሎ:- “ግናኸ ፍለጡ: ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ: ምነቕሔ: ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ [የሱስ] ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።”—ማቴዎስ 24:43, 44
እዚ የሱስ እተዛረቦ ቃላት እቲ ዘጽንት መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንዓለም ብሃደበት ከም ዝወርዳ ዝሕብር ኢዩ። ሽሕ’ኳ ሰዓብቱ እንተ ዀንና ‘እተዳሎና ምዃንና’ ከነርኢ ይግብኣና። ከምቲ ሓደ በዓል ቤት: ሰራቒ ናብ ቤቱ መዓስ ከም ዝመጽእ ስለ ዘይፈልጥ ብሃንደበት ዝስረቕ ኵነታትና እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ: . . . ኣሕዋተየ: . . . እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ: ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም።” ጳውሎስ “ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር: ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” ብምባል እውን ተማሕጺኑ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 4, 6) ‘ምንቃሕን ምጥንቃቕን’ እንታይ ማለት ኢዩ፧
እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ኢዮም ሃዲሞም: እቲ ንሕና ድሕነት ንምርካብ እንገብሮ ምህዳም ግን ካብ ሓንቲ ከተማ ምውጻእ ኣይኰነን። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ ካብ ድቃሶም ክበራበሩ ድሕሪ ምምዓዱ: ‘ግብሪ ጸልማት ደርብዩ’ ከምኡውን ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ልበስዎ’ ብምባል ተማሕጸኖም። (ሮሜ 13:12, 14) ኣሰር የሱስ ጠቢቕና ብምስዓብ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ኵነታት ንቑሓት ምዃንና ከነርኢ ኢና። እዚ መንፈሳዊ ንቕሓት ድማ እዚ እኩይ ኣገባብ ክጠፍእ ከሎ መለኮታዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዓት ከም እንኸውን ክገብረና ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21
እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ዝስዕቡ ትርጕም ዘለዎን ዘዕግብን ናብራ የስተማቕሩ ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ደቀ መዝሙር ብምዃን ዝስከምዎ ኣርዑት ፈኲስን ዘሐድስን ምዃኑ ኢዮም ተመኲሮምዎ። (ማቴዎስ 11:29, 30) ወደ መዝሙር ንምዃን ዝውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ብዛዕባ ‘ኣምላኽን ነቲ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ ኢዩ።’ (ዮሃንስ 17:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ‘ፍልጠት ሓቂ’ ምእንቲ ክረኽቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሚልዮናት ኣባይቲ ይበጽሑ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣብ ገዛኻ መጺኦም ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩልካ ሕጉሳት ኢዮም። ብፍልጠት ቃል ኣምላኽ እናዓበኻ ምስ ከድካ ድማ: ንስኻ እውን እዚ ዘለናዮ ግዜ እተፈልየ እዋን ምዃኑ ክትኣምን ኢኻ። ብርግጽ እምበኣር ካብ ድቃስ እንነቕሓሉ ህጹጽ ግዜ ሕጂ ኢዩ!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ገለ ምልክታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት
“ህዝቢ ናብ ህዝቢ: . . . ኺለዐል እዩ ”፣ ‘ሰላም ካብ ምድሪ ክትርሕቕ ኢያ። ’ (ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:4)
ኣብዚ ዘበን እዚ እተኻየደ ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት ምስቲ ብዙሕ ካልእ ምግርጫዋት ሓዊስካ ሰላም ካብ ምድሪ ከም እትጠፍእ ገይሩ ኢዩ። ጸሓፍ ታሪኽ ጆን ኪጋን ከምዚ ይብል:- “ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኵሉ ውግኣት እተፈልየ ኰነ። በቲ ዝነበሮ ስፍሓት: ጻዕቂ: ግፍሒ: ከምኡውን ዘጥፍኦ ንብረትን ሰብን እተፈልየ ኢዩ። . . . እቲ ናይ ዓለም ውግኣት ብዙሓት ሰባት ቀተለ: ካብ ዝዀነ ይኹን ቅድሚኡ ዝነበረ ውግእ ንላዕሊ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ብዙሕ ንብረት ኣጥፍአ: ዝያዳ ስቓይውን ኣስዓበ።” ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ውግእ ካብ ወተሃደራት ንላዕሊ ንደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ኢዩ ዘሳቒ። ዩኒሴፍ: ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ክልተ ሚልዮን ቈልዑ ኣብ ውግእ ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ሃበ።
‘ጥሜት ’ (ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:5, 6, 8)
ብ1996 ዋጋ ናይ ስርናይን ዕፉንን ኣጸቢቑ ወሰኸ። ስለምንታይ፧ እቲ ንምሉእ ዓለም ዝኸውን ተቐሚጡ ዝነበረ ስርናይን ዕፉንን ን50 መዓልታት ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ: እዚ ኸኣ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ዝተሓተ ቍጽሪ ኢዩ። እቲ ንሰባት ዘድልዮም መሰረታዊ መግብታት ዋግኡ ወሲኹ ማለት ድማ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት—መብዛሕትኦም ቈልዑ—ብጥሙያቶም ኢዮም ዝድቅሱ ማለት ኢዩ።
‘ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን ኢዩ ’ (ማቴዎስ 24:7)
ኣብዚ ዝሓለፈ 2,500 ዓመታት: ትሽዓተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጥራይ ነፍሲ ወከፉ ልዕሊ 100,000 ሰባት ቀተለ። ኣርባዕተ ካብዚ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘጋጠመ ኢዩ።
‘ብዝሒ ዓመጻ ’ (ማቴዎስ 24:12)
ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክውዳእ እተቓረበሉ እዋን ዓመጽ ወይ ምፍራስ ሕጊ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ግብረ-ሽበራውያን ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘውርድዎ መጥቃዕትታት: ንሕስያ ዘይብሎም ቀተልቲ: ከምኡውን ጃምላዊ ቅትለት ገለ ካብቲ ኣብዘን ጭከና ዝመልአን ዳሕሮት መዓልትታት ዝርአ ዘሎ ነገር ኢዩ።
‘ኣብ በቦትኡ ፌራ ኪኸውን ኢዩ ’ (ሉቃስ 21:11)
ኣብ 1990ታት ብዓባይ ሰዓል ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ዳርጋ 30 ሚልዮን ኣቢሉ ክበጽሕ ኢዩ። ሕማም ዘመሓላልፉ ባክቴርያ መድሃኒት ዝጻወሩ እናዀኑ ይኸዱ ኣለዉ። እቲ ክቐትል ዝኽእል ሕማም ዓሶ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 300 ሚልዮን ክሳዕ 500 ሚልዮን ንዝዀኑ ሰባት ይሕዞም: ብግምት 2 ሚልዮን ንዝዀኑ ሰባት ድማ ይቐትል። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ 1990ታት አይድስ ኣብ ዓመት 1.8 ሚልዮን ሰባት ክቐትል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። እቲ ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድ 1996 [እንግሊዝኛ] “ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ብተላጋቢ ሕማማት ተወሪሮም ኣለዉ” ብምባል ገለጸ።
“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ . . . ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ ” (ማቴዎስ 24:14)
ብ1997 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ሰዓታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣሕለፉ። ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ 232 ሃገራት ኰይኖም ከየባተኹ ነቲ መልእኽቲ ናብ ሰባት የብጽሕዎ ኣለዉ።
[ምንጪ ስእሊ]
FAO photo/B. Imevbore
U.S. Coast Guard photo
[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ብመንፈስ ንቑሓት ብምንባሮም ካብ የሩሳሌም ሃደሙ