ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/9 ገጽ 24-27
  • ንዋጋ-መርዓት ዝምልከት ምኽንያታዊ ዝዀነ ስምምዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዋጋ-መርዓት ዝምልከት ምኽንያታዊ ዝዀነ ስምምዕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምኽንያታዊ ዝዀነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ ስምምዕ ክፍጽም ሓላፍነት ዘለዎ መን ኢዩ፧
  • ዘይክርስትያናዊ ባህርያት ምውጋድ
  • ምኽንያታውያን ብምዃን ኣብነት ዝዀኑ
  • ምኽንያታዊ ካብ ምዃን ዝርከብ ረብሓ
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበረ ክቡር ግደ ደቂ ኣንስትዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/9 ገጽ 24-27

ንዋጋ-መርዓት ዝምልከት ምኽንያታዊ ዝዀነ ስምምዕ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ገለ ባህልታት ከምቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓደ ወዲ ንሓንቲ ጓል ቅድሚ ምምርዓዉ ዋጋ-መርዓት ክኸፍል ትጽቢት ይግበሮ ኢዩ። ያእቆብ ነቲ ጸኒሑ ሓሙኡ ክኸውን ዝነበሮ ላባን “ምእንቲ ራሄል: እታ ንእሽቶ ጓልካ: ሾብዓተ ዓመት እግዝኣካ” በሎ። (ዘፍጥረት 29:⁠18) ያእቆብ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ብዙሕ​—⁠ናይ ሸውዓተ ዓመት ደሞዝ​—⁠ኢዩ ከፊሉ! ላባን ተቐበሎ: እንተዀነ ግን መጀመርታ ነታ ቦኽሪ ጓሉ ልያ ከም ዝምርዓዋ ብምግባር ንያእቆብ ዓመጾ። እቲ ላባን ቀጺሉ ምስ ያእቆብ ዝገበሮ ስምምዕ እንደገና መጠኑ ዝሓለፈ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 31:⁠41) ላባን ኣብ ስጋዊ ጥሪት ብምትኳሩ ነቲ ደቁ ኣብኡ ዝነበረን ኣኽብሮት ኣጕደሎ። “ሸይጡና እዩ እሞ: ከም ጓኖትዶ ቘጺሩና ኣይኰነን፧ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ” በላ።​—⁠ዘፍጥረት 31:⁠15

እቲ ዘሕዝን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ፍቕረ-ንዋይ ዝመ​ልኣ ዓለም ብዙሓት ወለዲ ከም ላባን ኢዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ኣዝዮም ዝገደዱ ኢዮም። ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ጋዜጣ ብዝበለቶ መሰረት: ገለ መርዓታት “ስሱዓት ኣቦታት መኽሰብ ንምርካብ ኢሎም ዝገብርዎ ጥራይ ኢዩ።” ካልእ ረቛሒ ድማ ቍጠባዊ ጸቕጢ ኢዩ። እዚ ኸኣ ወለዲ ነተን ኣዋልድ ደቆም ካብ ቍጠባዊ ቅሉውላው መውጽኢ ገይሮም ከም ዝጥቀሙለን ይገብሮም።a

ገለ ወለዲ ዝለዓለ ዋጋ ከፊሉ ዝወስደን ክረኽቡ ኢሎም ንደቆም ከየመርዓውወን ይጸንሑ። እዚ ግን ከቢድ ግድል ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ሓደ ሪፖርተር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መንእሰያት እቶም ቤተሰብ ክኸፍልዎ ንዝሓትዎም ካብ መጠን ዝሓለፈ ገዝሚ ምእንቲ ከይከፍሉ ምስታ ዘፍቅርዋ ሰብ ሃዲሞም ብምኻድ ሓዳር ክገብሩ ይግደዱ።” ሓደ ካብቲ ዝለዓለ ዋጋ-መርዓት ምሕታት ዘስዕቦ ግድል ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ገለ ኣወዳት ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ሰበይቲ የምጽኡ እሞ ኣብ ከቢድ ዕዳ ይወድቁ። ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሲቪል ሰራሕተኛ ከምዚ ብምባል ይምሕጸን:- “ወለዲ ምኽንያታውያን ክዀኑ ኣለዎም። ብዙሕ ገንዘብ ክሓቱ የብሎምን። እቶም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ናብራ ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። . . . ስለዚ ስለምንታይ ነቲ መንእሰይ ሰብኣይ ኣብ ዕዳ ተእትውዎ፧”

ክርስትያን ወለዲ ዋጋ-መርዓት ክኸፍሉ ወይ ክቕበሉ ኸለዉ ምኽንያታውያን ብምዃን ኣብነት ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ለውሃትኩም [“ምኽንያታውያን ምዃንኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል ስለ ዝእዝዝ: እዚ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠5

ምኽንያታዊ ዝዀነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ክርስትያን ወለዲ ዋጋ-መርዓት ክህቡ ወይ ክቕበሉ ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ። ስምምዕ ክገብሩ ዝመርጹ እንተድኣ ኰይኖም: ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ክገብርዎ ኣለዎም። ቃል ኣምላኽ “ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን” ይብል። (እብራውያን 13:⁠5) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ናይ መርዓ ስምምዓት እንተድኣ ዘይተራእዩ: ሓደ ክርስትያን ወላዲ ጽቡቕ ኣብነት ከም ዘይኰነ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት “ምኽንያታውያን” (NW ): ‘ፈተውቲ ገንዘብ ዘይኰኑ’ ወይ ‘ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ’ ኪዀኑ ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠3, 8) ሓደ ብስስዐን ብዘይ ነስሓን ብዙሕ ዋጋ-መርዓት ዝሓትት ክርስትያን ካብታ ጉባኤ ክውገድ እውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:⁠11, 13፣ 6:⁠9, 10

ገለ ምምሕዳራት ነቲ ብስንኪ ስስዐ ዝፍጠር ግድላት ንምዕጋት ዋጋ-መርዓት ዝውስን ሕግታት ኣውጺአን ኢየን። ንኣብነት: ኣብ ቶጎ: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር: ዋጋ-መርዓት “ብዓይነት ወይ ብገንዘብ ወይ ብኽልቲኡ ምኽፋል ይከኣል ኢዩ።” እቲ ሕጊ ወሲኹ “እቲ ዋጋ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ካብ 10,000 ፍራንክ (20 ዶላር) ክበዝሕ የብሉን” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታት ክዀኑ ኢዩ ብተደጋጋሚ ዝእዝዝ። (ቲቶስ 3:⁠1) እቲ ምምሕዳር ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘገድድ እውን እንተ ዘይኰነ: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ክእዘዝ ኢዩ ዝደሊ። በዚ ኸምዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽጹይ ሕልና ይህልዎ: ንኻልኦት ድማ ኣይዕንቅፍን።​—⁠ሮሜ 13:⁠1, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠32, 33

ነቲ ስምምዕ ክፍጽም ሓላፍነት ዘለዎ መን ኢዩ፧

ኣብ ገለ ባህልታት: እቲ ናይ ዋጋ-መርዓት ስምም​ዓት ዝግበረሉ ኣገባብ ምስ ካልእ ኣድላዪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ዝጋጮ ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ናይ ስድራቤቱ ጕዳ​ያት ሓላፍነት ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3፣ ቈሎሴ 3:​18, 20) ስለዚ ድማ እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት “ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቖም ዜስተናብሩ” ክዀኑ ኣለዎም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠12

ይኹን እምበር: ኣድላዪ ዝዀነ ናይ መርዓ ስምምዓት ብኣዝማድ ናይቲ ርእሲ ስድራቤት ክግበር ኣብቲ ማሕበረሰብ ልሙድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ኣዝማድ ድማ ካብቲ ዋጋ-መርዓት ክምቀሉ ይደልዩ ኢዮም። እዚ ድማ ንሓንቲ ክርስትያን ስድራቤት ፈተና ይዀና ኢዩ። ገለ ርእሲ ስድራቤታት ብመሰረት እቲ ባህሊ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማዶም ዝለዓለ ዋጋ-​መርዓት ክሓቱ ኣፍቂዶምሎም ኢዮም። እዚ ድማ ሓድሓደ እዋን ሓንቲ ክርስትያን ጓል ንዘይኣማኒ ንኽትምርዖ ዘገድድ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ከኣ ምስቲ ክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክምርዓዉ ኣለዎም ዝብል ማዕዳ ዝጋጮ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ሓደ ንዘይኣመንቲ ኣዝማዱ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ደቁ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳነታት ክገብሩ ዘፍቅድ ርእሲ ስድራቤት: ‘ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዘስተናብር’ ገይርካ ክውሰድ ኣይከኣልን ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠4

ኣብ ኵነታት ናይቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ ርእሲ ኣቦታት ኣብርሃም ከም እተራእየ: እቲ ክርስትያን ኣቦ ደቁ ክምርዓዉ ከለዉ ኣብ ዝግበር ስምምዓት ብቐጥታ ኢድ ምስ ዘይህልዎኸ እንታይ ይኹን፧ (ዘፍጥረት 24:⁠2-4) ነዚ ንኽገብር ካልእ ሰብ ምስ ዝምዘዝ: እቲ ክርስትያን ኣቦ እቲ እተመዘዘ ሰብ ምስቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ዝኸይድ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ክርስትያን ወለዲ ናይ ዋጋ-መርዓት ስምምዕ ንምግባር ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ተጠንቂቖም ክሓስቡ ኣለዎም: በቲ ዘይምኽንያታዊ ልምድታት ወይ ክግበር ዝሕተት ነገራት ከኣ ንኽጽለዉ መገዲ ክኸፍቱ የብሎምን።​—⁠ምሳሌ 22:⁠3

ዘይክርስትያናዊ ባህርያት ምውጋድ

መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ክርእየልካ ኢልካ ንዝግበር ነገራትን ‘ንብረት ትዕቢትን’ ይኹንን ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:⁠16፣ ምሳሌ 21:⁠4) እንተዀነ ግን: ገለ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓብሩ ውልቀ-ሰባት ኣብቲ ዝገብርዎ ናይ መርዓ ስምምዓት እዚ ባህርያት እዚ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ገሊኦም: ሰብ ንኽርእየሎም ብዙሕ ዋጋ-መርዓት ብምሃብ ወይ ብምቕባል ንዓለም ይመስልዋ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣብያተ-ጨንፈር እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበት:- “ገለ ሰብኡት እቶም እንዳ ጓል ከይሰስዑ ምጡን ዋጋ-መርዓት ክኸፍሉ ምስ ዝሓትዎም ኣንስቶም በቲ ሕሱር ዋጋ ‘ጤል’ ከም እተዓደጋ ገይሮም ስለ ዝወሰድወን ነቲ እተገብረሎም ሓልዮት ኣኽብሮት ኣየርእዩን ኢዮም።”

ስስዐ ንገለ ክርስትያናት ዝለዓለ ዋጋ-መርዓት ከም ዝሓቱ ገይርዎም ኢዩ: እዚ ድማ ናብ ዝኸፍአ ሳዕቤን መርሖም። ንኣብነት: እዚ ካብ ካልእ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተላእከ ጸብጻብ ርአ:- “ንጽል ኣሕዋት ክምርዓዉ ወይ ድማ ኣሓት ናይ መርዓ ብጻይ ክረኽባ ብሓፈሻ ከቢድ ኢዩ። ሳዕቤን ናይዚ ድማ ብስንኪ ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ-ምግባራውነት ዝውገዱ ቍጽሪ በዝሐ። ገለ ኣሕዋት ወርቂ ወይ ኣልማዝ ሸይጦም ንመመርዓዊኦም ዝኸውን እኹል ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ኣብቲ መዐደኒ ቦታታት ክሰርሑ ከዱ። እዚ ድማ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ክወስደሎም ይኽእል ኢዩ: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ካብቲ ናይ ኣሕዋትን ጉባኤን ሕብረት ምስ ወጹ ብመንፈሳዊ ይደኽሙ ኢዮም።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ሳዕቤናት ንምውጋድ: ክርስትያን ወለዲ ኣብነት ናይቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ሰባት ክስዕቡ ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ወላዲ እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ብጾቱ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ጾር ከየኽብድ ይጥንቀቕ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠33) ብርግጽ እምበኣር: ክርስትያናት ወለዲ ናይ ዋጋ-መርዓት ስምምዓት ክገብሩ ኸለዉ ነቲ ስስዐ ዘይነበሮ ኣብነቱ ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም። አረ ጳውሎስውን ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ኢዩ:- “ኣሕዋተየ: ንኣይ ምሰሉ: ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም: ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ።”​—⁠ፊልጲ 3:⁠17

ምኽንያታውያን ብምዃን ኣብነት ዝዀኑ

ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ ናይ መርዓ ስምምዓት ኣብ ምግባር ምኽንያታውያን ብምዃኖም ሰናይ ኣብነት ገዲፎም ኢዮም። ኣብነት ናይቶም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ዝዓዩ ጆሴፍን መይ እተባህለት በዓልቲ ቤቱን ርአ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ደሴታት ሰሎሞን ኢዮም ዝነብሩ።b ኣብኡ ናይ መርዓ ስምምዓት ሓድሓደ እዋን ሽግር ይፈጥር ኢዩ። ጆሴፍን መይን ነዚ ግድላት እዚ ንምውጋድ: ሄለን ጓሎም ኣብ ጥቕኦም ኣብ ዘላ ደሴት ከይዳ ክትምርዖ መደቡ። እታ አስተር እተባህለት ካልኣይቲ ጓሎም ክትምርዖ ከላ እውን ከምኡ ገበሩ። ብዘይዚውን ጆሴፍ: ሰብኣይ ጓሉ ፒተር ካብቲ ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ምጡን ዋጋ-መርዓት ንታሕቲ ክኸፍሎ ተሰማምዐ። ጆሴፍ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ነቲ ፓይነር ሰብኣይ ጓለይ ተጽዕኖ ክገብረሉ ኣይደለኹን” ብምባል ይገልጽ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ምኽንያታውያን ብምዃን ጽቡቕ ኣብነት ገዲፎም ኢዮም። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ: ኣብ ገለ ቦታታት እቶም ካልኦት ኣባላት ናይቲ ቤተሰብውን እቲ ናይ ሓቂ ናይ ዋጋ-መርዓት ስምምዓት ቅድሚ ምጅማሩ ኣቐዲምካ ብዙሕ ገንዘብ ክኽፈል ኢዮም ትጽቢት ዝገብሩ። ንመርዓት ዋሕስ ንምዃን ድማ እቲ መርዓዊ ነታ መርዓት ንእሽቶ ሓዋ ክምርዖ ከሎ ዋጋ-መርዓት ክኸፍለሉ ክማባጻዕ ትጽቢት ይግበሮ ኢዩ።

ኣንጻር ናይዚ ግን ኮሴን ሰበይቱ ማራን ዘርኣይዎ ኣብነት ርአ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ቤቦኮ ጓሎም ንሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመርዓወት። ቅድሚ እቲ መርዓ እቶም ኣዝማድ ካብቲ ዋጋ-መርዓት ምእንቲ ክምቀሉ ብዙሕ ዋጋ-መርዓት ክሕተት ጸቕጢ ገበሩ። እቶም ወለዲ ግን ጸኒዖም ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከም ዘይሰማምዑ ኣፍለጡ። ብቐጥታ ኸኣ ምስቲ ሰብኣይ ጓሎም ክኸውን ዘለዎ ተሰማምዑ: ውሑድ ዋጋ-መርዓት ሓተቱ: እንደገና ፍርቂ ናይቲ ዝሓተትዎ ንመርዓኦም መዳለዊ ክኸውን ሃብዎም።

ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘሎ ካልእ ኣብነት ድማ ሓንቲ ኢን​ቶጎ ዝስማ መንእሰይ ምስክር ዝገበርቶ ኢዩ። ብመጀመርታ ስድራቤታ ምጡን ዋጋ-መርዓት ሓተቱ። ኣዝማድ ግን እቲ ዋጋ ክውስኽ ኣለዎ በሉ። እቲ ሃዋሁ ወጥሪ ዘለዎ ኰነ: እቶም ኣዝማድ ድማ ዝረትዑ መሰሉ። ኢንቶጎ ብተፈጥሮኣ ሓፋር እኳ እንተዀነት ተሲኣ: ንሓደ ሳንዘ እተባህላ ቀናእ ክርስትያን ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ስምምዖም ክትምርዓዎ ከም ዝወሰነት ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ገለጸት። ድሕርዚ ብትብዓት “ምቢ ከ ” (ትርጕሙ “እቲ ጕዳይ ተወዲኡ ኢዩ”) ኢላ ኮፍ በለት። እታ ሳምቤኮ ዝስማ ክርስትያን ኣዲኣ ኸኣ ደገፈታ። ብድሕሪኡ ተወሳኺ ምይይጥ ኣይተገብረን: ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ስምምዖም ድማ ተመርዓዉ።

ፈቃራት ንዝዀኑ ክርስትያን ወለዲ ካብቲ ካብ ዋጋ-መርዓት ዝረኽብዎ ረብሓ ንላዕሊ ዘጨንቖም ነገር ኣሎ። ሓደ ኣብ ካሜሩን ዝነብር ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ሓማተይ ኵሉ ግዜ እቲ ዋጋ-መርዓት ኢለ ክህባ ዝደሊ ገንዘብ ንጓላ ዘድልያ ነገራት ክገዝኣላ ትነግረኒ።” ፈቃራት ወለዲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነት ደቆም እውን ይጭነቑ ኢዮም። ንኣብነት: እቶም ኣብ ዙምባብወ ዝርከቡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣብ ምስባኽ ብዙሕ ግዜ ዘሕለፉ ፋራይን ሪዶን ዝባሃሉ እውን ርአ። ዋላ እኳ ዝረኽብዎ ደሞዝ እንተ ዘይብሎም: ንደቆም ግን ዝተሓተ ዋጋ-መርዓት ኣኽፊሎም ኣመርዓውወን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ደቆም ንየሆዋ ብሓቂ ዘፍቅሩ ሰብኡት ብምምርዓው ክረብሓ ስለ ዝደለይወን ኢዮም። “እቲ ዝያዳ ዘገድሰና ነገር መንፈሳውነት ናይ ክልቲአን ደቅናን ሰብኡተንን ኢዩ” ብምባል ገለጹ። እዝስ ክንደይ ደስ ዘብል ኰን ኢዩ! እቶም መንፈሳውን ስጋውን ድሕንነት ናይ ምርዑዋት ደቆም ዘገድሶም ወለዲ ኣዝዮም ክንኣዱ ዝግባእ ኢዩ።

ምኽንያታዊ ካብ ምዃን ዝርከብ ረብሓ

እቶም ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዘለዉ ጆሴፍን መይን ኣብ መርዓ ደቆም ለጋሳትን ጥንቁቓትን ብምንባሮም ተባሪኾም ኢዮም። ስለዚ ድማ ሰብኡት ደቆም ኣብ ዕዳ ኣይኣተዉን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንብዙሕ ዓመታት ክቕጽሉ ከኣሉ። ነቲ ዝሓለፈ ግዜ ብምዝካር ጆሴፍ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣነን ስድራቤተይን ዝገበርናዮ ውሳነ ብዙሕ በረኸት ኣም​ጺኡ ኢዩ። ሓድሓደ እዋን ካብ​ቶም ዘይርድኡ ሰባት ብዙሕ ጸቕጢ ከም ዝመጽእ ሓቂ ኢዩ: እንተዀነ ግን ደቀይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛትን ድልዱላትን ኰይኖም ክርእዮም ከሎኹ ጽቡቕ ሕልናን ዕግበትን ከም ዘሎኒ ይስምዓኒ። ንሳቶም ሕጉሳት ኢዮም: ኣነን በዓልቲ ቤተይን እውን ኣዚና ሕጉሳት ኢና።”

ካልእ ረብሓ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ቤተሰብ ጽቡቕ ዝምድና ይህሉ። ንኣብነት: ዞንዳይን ሲቡሲሶን ምስተን ብስጋ ኣሕ​ዋት ዝዀና ኣንስቶም ሓቢሮም ኣብቲ ኣብ ዙምባብወ ዝርከብ ጨን​ፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ወለንተኛታት ሰራሕተኛታት ኢዮም። ሓሙኦም ዳካሪ ደሞዝ ዘይብሉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኢዩ። ናይ ዋጋ-​መር​ዓት ስምምዓት ክግበር ከሎ: ዓቕሞም ዘፍቀደሎም ክቕበል ምዃኑ ነገሮም። ዞንዳይን ሲቡሲሶን ከምዚ ይብሉ:- “ንሓሙና ኣጸቢቕና ኢና እነፍቅሮ: ሓገዝ ዘድልዮ ግዜ ምስ ዘጋጥም ድማ ንምሕጋዙ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢና።”

እወ: ናይ ዋጋ-መርዓት ስምምዓት ክግበር ከሎ ምኽንያታዊ ምዃን ንሓጐስ ስድራቤት ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ሓደስቲ መርዑት ኣብ ዕዳ ስለ ዘይኣትዉ ምስቲ ከም ሰብ ሓዳር ኰይኖም ዘሕልፍዎ ናብራ ብቐሊሉ ንኽለማመዱ ይሕግዞም። እዚ ድማ ንብዙሓት መንእ​ሰያት ኣብቲ ህጹጽ ዝዀነ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ስራሕ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ክዀኑ የኽእሎም። እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ ፈቃር መስራቲ መርዓ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ገለ ባህልታት እቲ ኵነታት ኣንጻር እዚ ኢዩ። እቶም እንዳ ወዲ ካብ እንዳ ጓል ገዝሚ ክወሃቦም ይጽበዩ።

b ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዘሎ ኣስማት እተቐየረ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ነቲ ዋጋ-መርዓት መለስዎ

ኣብ ገለ ማሕበረሰባት: እቲ ዋጋ-​መርዓት ውሑድ እንተድኣ ኰይኑ: እታ መርዓትን ወለዳን ይናዓቑ ኢዮም። ስለዚ ድማ ሓድሓደ እዋን ኵርዓትን እቲ ስድራቤት ክብሪ ክረክብ ዝብል ባህግን ዝያዳ ዋጋ ከም እትሓትት ዝገብር ኢዩ። ኣብ ሌጎስ ዘላ ሓንቲ ስድራቤት ግን ኣንጻር እዚ: ደስ ዘብል ነገር ገበረት። ሰብኣይ ጓሎም ደለ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:-

“እንዳ ሓሞይ ካብቲ ከም ክቡር ክዳውንቲ ምግዛእ ዝኣመሰለ ዋጋ-መርዓት ክትሰማማዕ ከሎኻ ዝግበር ልምዳዊ ጽምብላት ዝህሉ ወጻኢታት ኣድሓኑኒ። ስድራይ ዋጋ-መርዓት ክህብዎም ምስ ደለዩ እውን ከይተረፈ: እቲ ንዕኦም ወኪሉ ዝዛረብ ዝነበረ ሰብ ‘ነዛ ጓል እዚኣ ከም በዓልቲ ቤት ገይርኩም ዲኹም ክትወስድዋ እትደልዩ ወይስ ከም ጓልኩም፧’ ኢሉ ሓተ​ቶም። ስድራይ ከኣ ብሓባር ‘ከም ጓልና ገይርና ክንወስዳ ኢና እንደሊ’ በሉ። ድሕርዚ እቲ ዋጋ-መርዓት ከምቲ ዝነበሮ መለሱልና።

“ስለቲ ኣብ መርዓና ዝገበርዎ ነገራት ክሳዕ ሕጂ ንእንዳ ሓሞይ አመስ​ግኖም ኢየ። ኣብኦም ዝለዓለ ግምት ከም ዝህልወኒ ገበረ። እቲ ብሉጽ ዝዀነ መንፈሳዊ ኣረኣእያኦም ናይ ቀረባ ኣዝማደይ ከም ዝዀኑ ገይረ ከም ዝርእዮም ገበረኒ። ኣብቲ ንበዓልቲ ቤተይ ዘሎኒ ኣረኣእያ እውን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። እቶም ስድራቤታ ዝገበሩለይ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ: ኣብኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ንኽህልወኒ ደረኸኒ። ኣብ መንጎና ዘይምርድዳእ ክፍጠር ከሎ: ናብ ግድል ክቕየር ኣየፍቅደሉን ኢየ። ስድራቤታ በዓል መን ምዃኖም ክዝክር ከሎኹ: እቲ ዘይምርድዳእ ይጐድል።

“ስድራይን ስድርኣን ብናይ ዕርክነት ማእሰር ተጠሚሮም ኢዮም። ሕጂ ካብ እንምርዖ ክልተ ዓመት ምስ ገበርና እውን ከይተረፈ: ኣቦይ ናብ ስድራ በዓልቲ ቤተይ ህያባትን መግብን ይልእከሎም ኢዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ