የሩሳሌም—“ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ”
“ብየሩሳሌም . . . ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ: . . . ኣይትምሓሉ። ”—ማቴዎስ 5:34, 35
1, 2. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ የሩሳሌም ከደንጽዎም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
እቲ የሩሳሌም ዝብል ስም ንርእሱ እተፈላለየ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ብርቱዕ ስምዒት ዘለዓዕል ኢዩ። እዛ ጥንታዊት ከተማ እዚኣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዜና ትጥቀስ ብምዃና ዘየድህበላ ዋላ ሓደ የለን። ዘሕዝን ግን: ብዙሕ ጸብጻባት የሩሳሌም ኵሉ ግዜ ቦታ ሰላም ከም ዘይኰነት ኢዩ ዝሕብር።
2 እዚ ኸኣ ንገለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቡ ሰባት ዘደንጹ ሓሳባት የለዓዕለሎም ይኸውን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ናይ የሩሳሌም ሓጺር ኣጸዋውዓ ሳሌም ኢዩ ነይሩ ትርጕሙ ኸኣ “ሰላም” ማለት ኢዩ። (ዘፍጥረት 14:18፣ መዝሙር 76:2፣ እብራውያን 7:1, 2) ስለዚ ‘ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ከምዚ ዝበለ ስም ዘለዋ ከተማ ሰላም ስኢና ዘላስ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
3. ብዛዕባ የሩሳሌም እምንቶ ክግበረሉ ዝከኣል ሓበሬታ ክንረክብ እንኽእል ኣበይ ኢዩ፧
3 ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ኣብ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ እታ ኣብ ጥንቲ ዝነበረት የሩሳሌም ክንማሃር የድልየና። ገሊኦም ግን ‘ጥንታዊ ታሪኽ ከነጽንዕ ግዜ የብልናን’ ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ የሩሳሌም ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ ንዅልና ዝጠቅም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ምኽንያቱ ይገልጽ:- “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) ብዛዕባ የሩሳሌም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምሓዝ ከጸናንዓና: ከምኡውን ኣብታ ከተማ እቲኣ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ሰላም ተስፋ ክህበና ይኽእል ኢዩ።
ቦታ “ዝፋን እግዚኣብሄር”
4, 5. ዳዊት የሩሳሌም ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዓቢ ግደ ከም ዝህልዋ ንምግባር ዝሓገዘ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ኣብ መበል 11 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ኣብ ዓለም ከም ርእሲ ኸተማ ናይታ ህድኣትን ሰላምን ዝነበራ ሃገር ብምዃን ፍልጥቲ ኰነት። የሆዋ ኣምላኽ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ናይዛ ጥንታዊት ሃገር እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብኦ። ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መንበር ንግስና ኰይኖም: ዳዊትን እቶም ነገስታት ዘርኡን “ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር” ወይ ድማ “ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር” ይቕመጡ ነበሩ።—1 ዜና መዋእል 28:5፣ 29:23
5 እቲ ንኣምላኽ ዝፈርህ ዝነበረ: ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ እስራኤላዊ: ዳዊት: ንየሩሳሌም ካብ ኢድ እቶም ጣኦት ዘምልኹ ዝነበሩ ይቡሳውያን መንዚዑ ሓዛ። ሽዑ እታ ኸተማ ኣብቲ ጽዮን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጎቦ ጥራይ ኢያ ተሓጺራ ነይራ: እዚ ስም እዚ ግን ካልእ መጸውዒ ናይ የሩሳሌም ኰነ። ድሕሪ ገለ ግዜ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ኪዳን ዝገልጽ ታቦት ናብ የሩሳሌም ኣግዓዞ: ኣብኡ ኸኣ ኣብ ድንኳን ተቐመጠ። ቅድሚ ዓመታት: ኣምላኽ ንነብዪኡ ሙሴ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ታቦት ዝነበረ ደበና ኰይኑ ይዛረቦ ነበረ። (ዘጸኣት 25:1, 21, 22፣ ዘሌዋውያን 16:2፣ 1 ዜና መዋእል 15:1-3) እቲ ታቦት ንህላወ ኣምላኽ የመልክት ነበረ: ከመይሲ እቲ ናይ ሓቂ ንጉስ እስራኤል የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ብኽልተ መልክዑ ክርአ ኸሎ ኣምላኽ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ኰይኑ ኢዩ ዝገዝእ ነይሩ ክብሃል ይከኣል ኢዩ።
6. የሆዋ ብዛዕባ ዳዊትን የሩሳሌምን እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገበረ፧
6 እቲ ብጽዮን ወይ የሩሳሌም ተገሊጹ ዘሎ ናይ ቤቱ ንግስነት ከም ዘየቋርጽ የሆዋ ንዳዊት ተማባጺዑሉ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ዘርኢ ዳዊት ከም ናይ ኣምላኽ ቅቡእ—መሲሕ ወይ ክርስቶስ—ኰይኑ ንዘለኣለም ናይ ምግዛእ መሰል ክወርስ ማለት ኢዩ ነይሩ።a (መዝሙር 132:11-14፣ ሉቃስ 1:31-33) መጽሓፍ ቅዱስ እውን እዚ ነባሪ ዝዀነ ወራሲ “ዝፋን እግዚኣብሄር” ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃገራት ከም ዝገዝእ ኢዩ ዝገልጽ።—መዝሙር 2:6-8፣ ዳንኤል 7:13, 14
7. ንጉስ ዳዊት ንጹህ ኣምልኾ ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ነቲ ቅቡእ ኣምላኽ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ካብ መንበር ንግስና ንምውራድ እተገብረ ጻዕሪ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ። ኣብ ክንድኡስ ጸላእቲ ዝዀና ሃገራት ተሳዕራ እሞ ዶብ ናይታ ምድሪ ተስፋ ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ጫፍ በጽሐ። ዳዊት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ጽሩይ ኣምልኾ ንምስፋሕ ተጠቐመሉ። መብዛሕትኡ ካብቲ ናይ ዳዊት መዝሙራት ከኣ ንየሆዋ ኣብ ጽዮን ብሓቂ ከም ዝነገሰ ገይሩ የወድሶ።—2 ሳሙኤል 8:1-15፣ መዝሙር 9:1, 11፣ 24:1, 3, 7-10፣ 65:1, 2፣ 68:1, 24, 29፣ 110:1, 2፣ 122:1-4
8, 9. ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌም ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ኣብ እዋን ግዝኣት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ኣምልኾ የሆዋ ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ነበረ። ሰሎሞን የሩሳሌም ብሰሜን ንኸረን ሞርያ (እቲ ሎሚ ዶም ኦቭ ዘ ሮክ ዝርከቦ ከባቢ) እውን ብምጥቕላል ከም እትሰፍሕ ገበረ። ኣብዚ በሪኽ ቦታ እዚ ንየሆዋ ዝውድስ ኣዝዩ ብሉጽ ቤት መቕደስ ንኽሃንጽ መሰል ረኺቡ ነይሩ ኢዩ። እቲ ታቦት ኪዳን ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ቤት መቕደስ እቲኣ ኢዩ ነይሩ።—1 ነገስት 6:1-38
9 ህዝቢ እስራኤል ነቲ ሕምብርቱ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣምልኾ የሆዋ ብምሉእ ልቦም ምስ ደገፍዎ ሰላም ረኸቡ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ኵነታት እዚ ባህ ብዘብል ቃላት ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። . . . ኣብ ዙርያኡ ኸኣ [ንሰሎሞን] ብዅሉ ወገን ሰላም ነበሮ። ይሁዳን እስራኤልን ድማ . . . ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።”—1 ነገስት 4:20, 24, 25
10, 11. ብዛዕባ እታ ሰሎሞን ክገዝእ ከሎ ዝነበረት የሩሳሌም መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ሓሳብ ሓቂ ምዃኑ ስነ-ጥንቲ ዘረጋግጾ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ብስነ-ጥንቲ ተጸኒዑ እተረኽበ ነገራት ብዛዕባ እዚ ብልጽግና ዝመልኦ ግዝኣት ሰሎሞን ደገፍ ዝህብ ኢዩ። ኣብታ ዘ ኣርኪዮሎጂ ኦቭ ዘ ላንድ ኦቭ ኢዝራኤል እተባህለት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ፕሮፌሰር ዮሃናን ኣሃሮኒ ከምዚ ይብል:- “እቲ ካብ ኵሉ ወገናት ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሃብትን እቲ ዝብልጽግ ዝነበረ ንግድን . . . ብዅሉ መዳይ ናይቲ ንዋታዊ ዕቤት ቅልጡፍን ርኡይን ዝዀነ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጽአ። . . . እቲ ናይ ንዋታዊ ዕቤት ለውጢ እተራእየ . . . ኣብቲ ናይ ምቾት ኣቑሑት ጥራይ ዘይኰነስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ካይላ ኢዩ። . . . እቲ ዓይነት ስርሓት ካይላን እቲ ናይ ኣጠባብስኡ ሜላን ካብ መጠን ንላዕሊ ኢዩ ተማሓይሹ።”
11 ብተመሳሳሊ ጀሪ ኤም. ላንደይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ እስራኤል ንዋታዊ ዕቤት ካብቲ ቅድሚ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ንላዕሊ ኣብተን ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበራ ሰላሳ ዓመታት ኢዩ ዝያዳ ማዕቢሉ። ኣብቲ ናይ ሰሎሞን ቀጸላ ትርፍራፍ ናይ ዓበይቲ ህንጻታት: ግዙፍ መናድቕ ዘለዎ ዓበይቲ ከተማታት: ርኹባት ዝነብሩሉ ብጽቡቕ እተሰርሐ ናይ መንበሪ ከባቢታት: ዓቢ ምዕባለ ናይ ሰራሕ ካይላን እቲ ናይ ምስናዕ መስርሑን ይርከብ ኢዩ። ትርፍራፍ ናይ ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጸ ብኢድ እተሰርሐ ኣቓሑ እውን ይርከብ: እዚ ኸኣ ንጡፍ ኣህጉራዊ ንግድን ሸቐጥን ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ።”—ዘ ሃውስ ኦቭ ደቪድ (እንግሊዝኛ)
ካብ ሰላም ናብ ምብዳም
12, 13. ኣብ የሩሳሌም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስፋሕ ዘይቀጸለ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ሰላምን ብልጽግናን ናይታ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝነበራ የሩሳሌም ዓቢ ግምት ዝውሃቦ ክፍሊ ናይ ጸሎት ኢዩ ነይሩ። ዳዊት “ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ: እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም። ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም: ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን። ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፤ ሰላም ይኹነልኪ: እብል” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 122:6-8) ሰሎሞን ነታ ድንቂ ዝዀነት ቤት መቕደስ ኣብታ ሰላማዊት ከተማ ክሃንጽ መሰል እኳ እንተ ረኸበ: ኣብ መወዳእትኡ ግን ብዙሓት ኣረማውያን ኣንስቲ ተመርዓወ። ኣብ እርጋኑ ኸኣ ኣምልኾ ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣማልኽቲ ሓሶት ከስፍሕ ኣስሓትኦ። እዚ ክሕደት እዚ ኸኣ ንምልእቲ እታ ሃገርን ነቶም ተቐማጦኣን እቲ ዝነበሮም ናይ ሓቂ ሰላም ብምጥፋእ ናይ ምብልሻው ሳዕቤን ኣምጽአ።—1 ነገስት 11:1-8፣ 14:21-24
13 ኣብ መጀመርታ ግዝኣት ናይ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን እቶም ዓሰርተ ነገድ ዓለዉ እሞ ነቲ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ኣቘሙ። ብምኽንያት ናይቲ ጣኦታዊ ኣምልኾኦም ከኣ ኣምላኽ እታ መንግስቲ ብኣሶር ክትወድቕ ኣፍቀደ። (1 ነገስት 12:16-30) እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት ናይ ደቡብ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ቀጸለት። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ንሳቶም እውን ካብ ጽሩይ ኣምልኾ ኣልገሱ: ስለዚ ኣምላኽ ነዛ ፋሉል ዝነበረት ከተማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን ከም እትጠፍእ ገበረ። እቶም ኣይሁዳውያን ምሩኻት ከኣ ን70 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ባቢሎን ማሰኑ። ብድሕርዚ ብምሕረት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም ክምለሱ እሞ ንሓቀኛ ኣምልኾ ኸኣ እንደገና ክጅምርዎ ተፈቕደሎም።—2 ዜና መዋእል 36:15-21
14, 15. ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን የሩሳሌም ዓቢ ተራ ክህልዋ ዝጀመረት ብኸመይ ኢያ: እንታይ ለውጢኸ ተገብረ፧
14 ድሕሪ 70 ዓመታት ናይ ምብዳም: እቲ ዝዓነወ ህንጻታት ብዓዊል ተዓብሊሉ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ቕድም ኣፍደገ ዝነበረን እቲ ደጋፊ ኣዕኑድን ኣልጊሱ መናድቕ የሩሳሌም ፈራሪሱ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ኣይሁድ ተባዓት ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ ቅድም ቤት መቕደስ ዝነበሮ ቦታ መሰውኢ ሰርሑ እሞ ንየሆዋ ኸኣ መዓልታዊ መስዋእቲ ከቕርቡ ጀመሩ።
15 እዚ ጽቡቕ ኣጀማምራ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እታ ሽዑ እተሃንጸት የሩሳሌም እንደገና ርእሲ ኸተማ ናይ ሓንቲ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ዝዀነ ሰብ ኣብ ዝፋን ዝቕመጠላ መንግስቲ ፈጺማ ክትከውን ኣይነበራን። ኣብ ክንድኡስ እቶም ንባቢሎን ዝሰዓርዋ ነገስታት ዝሸምዎም ኣመሓደርቲ ኢዮም ንኣይሁድ ዝገዝእዎም ነይሮም: ነቶም ፋርሳውያን ጐይተቶም ከኣ ግብሪ ክኸፍሉ ነበሮም። (ነህምያ 9:34-37) የሩሳሌም ኣብ ናይ ‘ምርጋጽ’ ኵነታት እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ምልእቲ ዓለም እታ ስምረት ኣምላኽ ዝነበራ ከተማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። (ሉቃስ 21:24) ከም ማእከል ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ መጠን: የሩሳሌም ነቲ ኣምላኽ ብሓደ ናይ ንጉስ ዳዊት ዘርኢ ኣብ ብዘላ ምድሪ ሉዓላውነቱ ንኸዘውትር ዘለዎ መሰል እውን ተመልክት ነይራ ኢያ።
እቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበሮም ጐረባብቶም ተቓወምዎም
16. እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ኣይሁድ ንየሩሳሌም ምህናጽ ዘቋረጹ ስለምንታይ ኢዮም፧
16 ድሕሪ ሓጺር ግዜ እቶም ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ ናይ ሓንቲ ሓዳስ ቤት መቕደስ መሰረት ኣንበሩ። እቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘዘወትሩ ዝነበሩ ጐረባብቶም ግን ኣይሁድ ክዓልዉ ኢዮም ዝብል ናይ ምጥቃን ደብዳበ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ሰደዱ። ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸኣ የሩሳሌም ከይትህነጽ ኣገዶም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ከተማ ትነብር ነይርካ እንተ ትኸውን መጻኢኣ ከመይ ኰን ክኸውን ኢዩ ኢልካ ምጭናቕካ ዘይተረፍ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣይሁድ ነታ ቤት መቕደስ ምስራሕ ኣቋረጹ እሞ ናይ ገዛእ ርእሶም ንዋታዊ ነገራት ኣብ ምስዓብ ተጸምዱ።—እዝራ 4:11-24፣ ሃጌ 1:2-6
17, 18. የሩሳሌም እንደገና ከም እትህነጽ ንምግባር የሆዋ እንታይ መገዲ ኢዩ ተጠቒሙ፧
17 ምስ ተመልሱ 17 ዓመታት ጸኒሑ: ኣምላኽ ኣተሓሳስባ ናይቲ ህዝቢ ንምትዕርራይ ነብዪ ሃጌን ዘካርያስን ኣተንስኣሎም። እቶም ኣይሁድ ተናሲሖም ነታ ቤት መቕደስ ክሃንጹ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ነበረ። ቤት መቕደስ የሩሳሌም ክትህነጽ ብምባል ንጉስ ቂሮስ ኣዚዙ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። ዳርዮስ ናብቶም ጐረባብቲ ኣይሁድ ዝነበሩ ሰባት እቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ ምእንቲ ክምላእ ‘ካብ የሩሳሌም ክርሕቁ’ ዘጠንቅቕን ካብቲ ናይ ንጉስ ግብሪ ኸኣ ናይ ገንዘብ ደገፍ ክህቡ ዝነግርን ደብዳበ ለኣኸሎም።—እዝራ 6:1-13
18 እቶም ኣይሁድ ምስ ተመልሱ ኣብ መበል 22 ዓመቶም ነታ ቤት መቕደስ ወድእዋ። እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ብዓቢ ሓጐስ ተባዒሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ትርዳእ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ክፋል ናይ የሩሳሌምን መናድቓን ገና ዓንዩ ኢዩ ዘሎ። እታ ከተማ ዘድሊ ቈላሕታ ዝረኸበት “ብዘመን መስፍን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን” ኢዩ። (ነህምያ 12:26, 27) ኣብ መወዳእታ ናይ ሓምሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ከም ዓባይ ከተማ ናይታ ጥንታዊት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተሃንጸት።
እቲ መሲሕ ይመጽእ!
19. እቲ መሲሕ ነቲ ፍሉይ መዓርግ ናይ የሩሳሌም ኣፍልጦ ዝሃበሉ ብኸመይ ኢዩ፧
19 እስከ ገለ ክፍለ-ዘበናት ዘሊልና ናብቲ ኣድማሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምውላድ ናይ የሱስ ክርስቶስ ንኺድ። መልኣኽ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ነታ ድንግል ኣደ የሱስ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። . . . መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ። (ሉቃስ 1:32, 33) ዓመታት ጸኒሑ የሱስ ነቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ ኣቕረበ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ኣርእስትታት ዝሓዘ መተባብዕን ምኽርን ሃበ። ንኣብነት: ሰማዕቲ እቲ ንኣምላኽ እተመባጽዕዎ ነገር ክፍጽሙ: እንተዀነ ግን: ሃጠው ቀጠው ዝዀነ ማሕላ ከይገብሩ ክጥንቀቑ ነገሮም። የሱስ “ነቶም ቀዳሞት: ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር: ብሓሶት ኣይትምሐል: ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ: ብሰማይ ኰነ: ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ: ብምድሩ ዀነ: መርገጽ እግሩ እያ እሞ: ብየሩሳሌም ኰነ: ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ: ከቶ ኣይትምሐሉ” በሎም። (ማቴዎስ 5:33-35) የሱስ የሩሳሌም ፍሉይ መዓርግ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ምሃቡ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ነገር ኢዩ: እዚ ኸኣ ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ዝለበሰቶ ኢዩ። እወ: “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢያ ነይራ።
20, 21. ኣብ ኣመለኻኽታ ናይቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት እንታይ ሃንደበታዊ ለውጢ ኢዩ እተራእየ፧
20 የሱስ ኣብ መወዳእታ ናይ ምድራዊ ህይወቱ: ነቶም ተቐማጦ የሩሳሌም ከም እተቐብአ ንጉሶም ኰይኑ መጾም። ነዚ ባህ ዘብል ፍጻሜ እዚ ምላሽ ብምሃብ: ብዙሓት ብሓጐስ ተላዒሎም “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ” እናበሉ ጨደሩ።—ማርቆስ 11:1-10፣ ዮሃንስ 12:12-15
21 እቶም ህዝቢ ግን ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እቶም ናይ የሩሳሌም መራሕቲ ሃይማኖት ኣንጻር የሱስ ከም ዝኸዱ ክገብርዎም ኣፍቀዱ። ከተማ የሩሳሌምን ብምልእታ እታ ሃገርን እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረን ስምረት ክስእና ምዃነን ኣጠንቀቐ። (ማቴዎስ 21:23, 33-45፣ 22:1-7) ንኣብነት የሱስ ከምዚ በለ:- “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ።” (ማቴዎስ 23:37, 38) ኣብ እዋን ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ናይ የሱስ ተቓወምቲ ርትዓዊ ብዘይኰነ መገዲ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ከም ዝቕተል ገበርዎ። እንተዀነ ግን የሆዋ ነቲ ቅቡኡ ኣተንስኦ እሞ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ብምሃብ ናብ ሰማያዊት ጽዮን ክብ ከም ዝብል ገበሮ: እዚ ኸኣ ንዅላትና ዝጠቅም ፍጻመ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:32-36
22. ድሕሪ ሞት የሱስ እቲ ንየሩሳሌም ዝምልከት ብዙሕ ጥቕስታት እንታይ ትርጕም ኢዩ ዝነበሮ፧
22 ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው መብዛሕትኡ ካብቲ ብዛዕባ ጽዮን ወይ የሩሳሌም ዘይተፈጸመ ትንቢታት ናብቲ ሰማያዊ ምድላዋት ወይ ከኣ ናብቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ዝውዕል ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። (መዝሙር 2:6-8፣ 110:1-4፣ ኢሳይያስ 2:2-4፣ 65:17, 18፣ ዘካርያስ 12:3፣ 14:12, 16, 17) እቲ የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እተጻሕፈ “የሩሳሌም” ወይ “ጽዮን” ዝብል ብዙሕ ጥቕስታት ምሳልያዊ ምዃኑን ቃል ብቓሉ ነታ ከተማ ወይ ነቲ ቦታ ከም ዘየመልክትን ንጹር ኢዩ። (ገላትያ 4:26፣ እብራውያን 12:22፣ 1 ጴጥሮስ 2:6፣ ራእይ 3:12፣ 14:1፣ 21:2, 10) የሩሳሌም “ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ” ከም ዘይኰነት ናይ መወዳእታ መረጋገጺ እተረኽበ ከምቲ ብዳንኤልን የሱስ ክርስቶስን እተነግረ ናይ ሮሜ ሰራዊት ምስ ኣዕነዉዋ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። (ዳንኤል 9:26፣ ሉቃስ 19:41- 44) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹኑ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ምድራዊት የሩሳሌም ዳግም ክትህነጽ እሞ ናብቲ ቅድም ዝነበራ ፍሉይ ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ክትምለስ ኢያ ኣይበሉን።—ገላትያ 4:25፣ እብራውያን 13:14
ቅማሶ ናይቲ ነባሪ ሰላም
23. ብዛዕባ የሩሳሌም ክንግደስ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
23 ናይ ምድራዊት የሩሳሌም ጥንታዊ ታሪኽ ድሕሪ ምርኣዩ ሓደ ሰብ እታ ከተማ ኣብ እዋን እቲ ሰላማዊ ዝዀነ ግዝኣት ናይ ንጉስ ሰሎሞን ምስቲ “ናይ ድርብ ሰላም ዋንነት [ወይ መሰረት] ዘለዋ” ዝብል ስማ ተሰማሚዓ ትነብር ከም ዝነበረት ኣይከሓድን ኢዩ። እዚ ግን ቅማሶ ናይቲ ድሕሪ ቀረባ ግዜ እቶም ኣብ ገነት እተለወጠት ምድሪ ዝነብሩ ኣፍቀርቲ ኣምላኽ ዝረኽብዎ ሰላምን ብልጽግናን ኢዩ።—ሉቃስ 23:43
24. ካብቲ ኣብ እዋን ግዝኣት ሰሎሞን ሰፊኑ ዝነበረ ኵነታት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
24 እታ መበል 72 መዝሙር ነቲ ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ዝነበረ ኵነታት እተንጸባርቕ ኢያ። እዛ መሳጢት መዝሙር እዚኣ ግን ብዛዕባ እቲ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊ ግዝኣት ናይቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝረኽብዎ በረኸት እትገልጽ ትንቢት ኢያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ መሲሕ ከምዚ በለ:- “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። . . . ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን።”—መዝሙር 72:7, 8, 12-14, 16
25. ብዛዕባ የሩሳሌም ዝያዳ ክንማሃር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
25 እዘን ቃላት እዚአን: ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ወይ ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ዓለም ንዘለዉ ኣፍቀርቲ ኣምላኽ ኣየ ከመይ ዝበለ ምጽንናዕን ተስፋን ኢየን ዝህባ! ንስኻውን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰላም ዘስተማቕሩ ዘለዉ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ የሩሳሌም እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ኣብቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ዝነበረ ሻብዓይን ሻምናይን ክፍለ-ዘበናት እተፈጸመ ነገራት ከተኵራ ኢየን። እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ እቲ ዓቢ ንጉስ ቅቡል ኣምልኾ ክህቡ ዝደልዩ ሰባት መጸናንዒ ዝህብ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ “መሲሕ” (ካብ እብራይስጢ እተወስደ) ከምኡውን “ክርስቶስ” (ካብ ግሪኽ እተወስደ) ዝብል መዓርግ ክልቲኡ “ቅቡእ” ማለት ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ የሩሳሌም ቦታ “ዝፋን የሆዋ” ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧
◻ ሰሎሞን ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ምስፋሕ ከመይ ዝበለ ትርጕም ዘለዎ ግደ ኢዩ ነይርዎ፧
◻ የሩሳሌም ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ካብ ምዃን ከም ዘቋረጸት ብኸመይ ንፈልጥ፧
◻ ብዛዕባ የሩሳሌም ዝያዳ ምፍላጥ ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ከተማ ዳዊት ኣብቲ ደቡባዊ ጥርዚ ኢያ ነይራ: ሰሎሞን ግን ነታ ከተማ ናብ ሰሜን ገጹ ኣስፋሕፍሓ እሞ ነታ ቤት መቕደስ ሃነጻ
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.