እቲ ዝሃነጽካዮ ሓዊ ዝጻወር ድዩ፧
“ነፍሲ ወከፍውን [ኣብ ልዕሊ እቲ መሰረት ] ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ።” —1 ቈረንቶስ 3:10
1. እሙናት ክርስትያናት ብዛዕባ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ትጽቢት ዝገብሩሎም ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም፧
ክርስትያናት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ነቲ ዕሸል ውላዶም ትኩር ኢሎም ይጥምትዎ። ሓደ ናይ መንግስቲ ኣስፋሒ: ኣብ ገጽ እቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምህንጣይን ምግዳስን መግለጺታት የንብብ። ሓደ ኣብ መድረኽ ኰይኑ ዝምህር ክርስትያን ሽማግለ: ሓደ ሓድሽ ተገዳሲ ሰብ መጽሓፍ ቅዱሱ ሒዙ ብትግሃት ጥቕስታት ክከታተል ከሎ የስተብህል። እዞም እሙናት ኣገልግልቲ የሆዋ እዚኣቶም ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩ። ‘እዚ ሰብ እዚ ንየሆዋ ከፍቅርን ከገልግልን ኣብ መወዳእታ ድማ እሙን ኰይኑ ይርከብ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ምሕታት እንተ ዘይኰይኖም ካልእ ክፈልጥዎ ዝኽእሉ ነገር የለን። እዚ ስቕ ኢሉ ባዕሉ ዝመጽእ ነገር ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ። ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።
2. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ክርስትያናት ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ምምሃር ዕዮ ብኸመይ ኢዩ ዘዘኻኸሮም: እዚ ከመይ ዝበለ ርእሰ-ምርመራ ክንገብር ኢዩ ዘተባብዓና፧
2 እቲ ክኢላ መምህር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ “ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ናይ ምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ኣድላይነቱ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (እብራውያን 5:12) እቶም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ምስቲ ከም ኣመንቲ ኰይኖም ዘሕለፍዎ ነዊሕ ግዜ ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ወሰኽ ኣይገበሩን ነይሮም። ንኻልኦት ንኽምህሩ ድሉዋት ኣይነበሩን ጥራይ ዘይኰነስ መሰረታዊ መዳያት ናይ ሓቂ ክዘኻኸሩውን የድልዮም ነበረ። ሎሚ ኵላትና ነቲ ከም መምሃራን መጠን ዘሎና ክእለት ብብግዜኡ ምስ እንግምግሞን ብኸመይ ምምሕያሽ ክንገብር ከም እንኽእል ምስ እነስተብህልን ሰናይ ንገብር። ህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
3. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ወደ መዛሙር ናይ ምግባር መስርሕ ምስ እንታይ ኢዩ ኣተሓሒዝዎ ዘሎ፧ (ለ) ክርስትያን ሃነጽቲ ከም ምዃንና መጠን ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኢዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧
3 ጳውሎስ ስፍሕ ዝበለ ምሳሌ ብምጥቃም: ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስቲ ህንጻ ናይ ምህናጽ መስርሕ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ: ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ: ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም” ብምባል ከኣ ይጅምር። (1 ቈረንቶስ 3:9) ስለዚ እምበኣር: ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብምዃን ክህነጹ ንሕግዞም ስለ ዝዀንና ኣብቲ ንሰባት ዝምልከት ናይ ህንጻ ዕዮ እቱዋት ኢና። ነዚ ድማ መተዓይይቲ ናይቲ “ንዅሉ ዘዳለወ” ኣምላኽ ብምዃን ኢና እንገብሮ። (እብራውያን 3:4) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሎም መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ኣብ ዕዮና ዝያዳ ክኢላታት ንምዃን ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ንርአ። ብፍላይ ኣብ ‘ኣማሃህራና’ ከነተኵር ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 4:2
ግቡእ መሰረት ምንባር
4. (ሀ) ኣብቲ ክርስትያናዊ ናይ ምህናጽ ዕዮ ግደ ጳውሎስ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) የሱስን እቶም ንሱ ዝዛረቦም ዝነበረ ሰባትን ጽቡቕ መሰረት ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ሓደ ህንጻ ጽኑዕን ነባርን ምእንቲ ክኸውን ጽቡቕ መሰረት የድልዮ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈ:- “ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ።” (1 ቈረንቶስ 3:10) የሱስ ክርስቶስ እውን ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቒሙ ብዛዕባ ሓንቲ ሃናጺኣ ጽኑዕ መሰረት ስለ ዝገበረላ ካብ ማዕበል ክትድሕን ዝኸኣለት ገዛ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሉቃስ 6:47-49) የሱስ ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ መሰረት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። የሆዋ ንምድሪ ክስርታ ኸሎ ምስኡ ነይሩ ኢዩ።a (ምሳሌ 8:29-31) እቶም የሱስ ዝዛረቦም ዝነበረ ሰባት እውን ብዛዕባ ኣድላይነት ናይ ጽቡቕ መሰረት ይርድኡ ነይሮም ኢዮም። ካብቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጳለስጢና ዘጋጥም ዝነበረ ብርቱዕ ውሕጅን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝድሕና ዝነበራ ገዛውቲ ኣብ ጽቡቕ መሰረት እተሰረታ ጥራይ ኢየን። ኣብ ኣእምሮ ጳውሎስ ዝነበረ መሰረት ድኣ እንታይ ኢዩ፧
5. መሰረት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን ኢዩ: ኣቐዲሙ እተነግረኸ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ጳውሎስ “ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ: ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን” ብምባል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 3:11) የሱስ ከም መሰረት ኰይኑ ዝጥቀስ ዘሎ ኣብዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ ኢሳይያስ 28:16 ከምዚ ዝብል ትንቢት ተነጊሩ ነበረ:- “ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ: እንሆ: ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት: ፍቱን እምኒ: ድልዱል ዝመሰረቱ: ክቡር እምኒ ዅርናዕ ኤንብር አሎኹ።” የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ወዱ መሰረት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክኸውን ዕላማ ገይሩ ነይሩ ኢዩ።—መዝሙር 118:22፣ ኤፌሶን 2:19-22፣ 1 ጴጥሮስ 2:4-6
6. ጳውሎስ ኣብቶም ክርስትያን ሰብ ቈረንቶስ ግቡእ መሰረት ዘንበረ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ንክርስትያናት ብብሕቲ መሰረት ዝዀኖም እንታይ ኢዩ፧ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ንሓቀኛ ክርስትያን ዝኸውን ካልእ መሰረት የለን። ጳውሎስ ብርግጽ ነዚ መሰረት እዚ ኢዩ ሰሪቱ። ኣብቲ ፍልስፍና ብዝለዓለ ደረጃ ዝፍለጠሉ ዝነበረ ቈረንቶስ ንሰባት ብዓለማዊ ጥበብ ገይሩ ክምስጦም ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡ ግን ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣህዛብ ኣዝዩ “ዕሽነት” ከም ዝዀነ ገይሮም ብምምልካት ዝነጸግዎ “እተሰቕለ ክርስቶስ” ኢዩ ሰቢኹ። (1 ቈረንቶስ 1:23) የሱስ ኣብ ዕላማ የሆዋ ቀንዲ ግደ ከም ዘለዎ: ጳውሎስ ምሂሩ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 1:20፣ ቈሎሴ 2:2, 3
7. ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ “ብልሓተኛ ሃናጺ” ኢሉ ምጥቃሱ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
7 ጳውሎስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ “ብልሓተኛ ሃናጺ” ብምዃን ከም ዘመሓላለፎ ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ ክብል ከሎ ንገዛእ ርእሱ ንምውዳስ ኣይነበረን። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦ ክቡር ህያብ: ናይ ምምሕዳር ወይ ናይ ምምራሕ ዕዮ ኢዩ ኣፍልጦ ዝህብ ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 12:28) ሎሚ ንሕና ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ንክርስትያናት ዝወሃቦም ዝነበረ ተኣምራታዊ ህያባት ኣይንዋሃብን ኢና። ንገዛእ ርእስና ኸኣ ውህበት ዘለዎም መምህራን ገይርና ኣይንሓስባን ንኸውን። እንተዀነ ግን ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ውህበት ዘለዎም መምህራን ኢና። እዚ ዝስዕብ እስከ ንርአ:- የሆዋ ክሕግዘና ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። (ምስ ሉቃስ 12:11, 12 ኣረኣእዮ።) ፍቕሪ የሆዋን ፍልጠት ናይቲ ኣብ ቃሉ እተመስረተ መሰረታዊ ትምህርትታት እውን ኣሎና። እዚ ብሓቂ ንኻልኦት ኣብ ምምሃር ክንጥቀመሉ እንኽእል ዘደንቕ ህያባት ኢዩ። ነዚ ነገራት እዚ ግቡእ መሰረት ንምስራት ክንጥቀመሉ ቈራጽነት ንግበር።
8. ንክርስቶስ መሰረት ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ትጽቢት እንገብረሎም ሰባት እንገብሮ ብኸመይ ኢና፧
8 ንክርስቶስ ከም መሰረት ክንጥቀመሉ ከሎና: ከም ሓደ ሓጋዚ ዘይብሉ ኣብ መብልዕ ማል ዘሎ ህጻን: ወይ ከኣ ኣብ ስላሴ ዘሎ ማዕረ የሆዋ ገይርና ኣይንርእዮን ኢና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይተመስረተ ርእይቶታት ንናይ ሓሶት ክርስትያናት መሰረት ዝኸውን ኢዩ። ንሕና ግን የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ከም ዝዀነ: ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ከም ዝሃበ: ሕጂ ድማ ብየሆዋ ተሸይሙ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ኢና እንምህር። (ሮሜ 5:8፣ ራእይ 11:15) ንተማሃሮና እውን ኣስኣሰር የሱስ ክስዕቡን ባህርያቱ ክቐድሑን ድራኸ ከነሕድረሎም ንደሊ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) በቲ የሱስ ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ቅንኢ: ነቶም ትሕት ዝበሉን ግፉዓትን ዘርኣዮ ድንጋጽ: ብዝፈጸምዎ በደል ንእተደቝሱ ሓጢኣተኛታት ዝገበሮ ምሕረት: ፈተናታት ከጋጥሞ ከሎ ብዘንጸባረቖ ክምህ ዘይብል ትብዓት ኣዕሚቖም ክድረኹ ንደልዮም ኢና። ብሓቂ የሱስ ዓቢ መሰረት ኢዩ። ቀጺሉ ዘድሊ ነገር ግን እንታይ ኢዩ፧
ብግቡእ ነገራት ምህናጽ
9. ጳውሎስ ብቐዳምነት መሰረት ዝሰረተ እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እቶም ነቲ ንሱ ዝማሃሮም ሓቂ እተቐበሉ ሰባት ከመይ ዝበለ ሻቕሎት ኢዩ ነይርዎ፧
9 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ: ብሩር: ክቡር እምኒ: ዕጨይቲ: ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ: ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ: ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 3:12, 13) ጳውሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ነቲ ጳውሎስ ዘሕለፎ ተመክሮ ርአ። ጳውሎስ ብመጀመርታ ደረጃ መሰረት ክስርት ነበሮ። ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናኸደ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰሚዖም ንዘይፈልጡ ሰባት ይሰብኽ ነበረ። (ሮሜ 15:20) ሰባት ነቲ ዝመሃሮም ሓቂ ክቕበልዎ ከለዉ ድማ ጉባኤታት ይምስረታ ነበራ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ኣጸቢቑ ይሓሊ ነይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 11:28, 29) ይኹን እምበር: ዕዮኡ ብቐጻሊ ክገይሽ ዝሓቶ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ን18 ኣዋርሕ ዝኸውን ኣብ ቈረንቶስ መሰረት ምስ ሰረተ: ናብ ካልኦት ከተማታት ክሰብኽ ከደ። ገና ግን ካልኦት ኣብቲ ንሱ ዝዓየዮ ዕዮ ብኸመይ ከም ዝሃንጹ ክፈልጥ ኣጸቢቑ ይግደስ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:8-11፣ 1 ቈረንቶስ 3:6
10, 11. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ እተፈላለየ ዝዓይነቱ ናይ ህንጻ መሳርሒ ብኸመይ ኢዩ ዘነጻጸሮ፧ (ለ) ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ከመይ ዝዓይነቱ ህንጻታት ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧ (ሐ) ሓዊ ክጻወር ዝኽእል ህንጻታት እንታይ ዝዓይነቱ ኢዩ: እዚኸ ነቶም ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ዝገብሩ ሰባት ከመይ ዝበለ ተግባራዊ ትምህርቲ ኢዩ ዘመሓላልፈሎም፧
10 ኣብ ልዕሊ እቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝሰረቶ መሰረት ዝሃንጹ ዝነበሩ ገለ ሰባት ዘየሐጕስ ዕዮ ይዓዩ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝመስል። ነቲ ግድል እቲ ከቃልዕ ከሎ: ጳውሎስ ክልተ ዓይነት ናይ ህንጻ መሳርሒ ይጠቅስ። እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ዓይነት ወርቂ: ብሩር: ክቡር እምኒ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልእ ዓይነት ከኣ ዕንጨይቲ: ሳዕሪ: ሓሰር ኢዩ። ሓደ ህንጻ ካብ ጽቡቕ: ነዊሕ ክጸንሕ: ሓዊ ክጻወር ዝኽእል ነገራት ክህነጽ ይከኣል ኢዩ፣ ካልእ ህንጻ ኸኣ ጠፋኢ: ግዝያውን ነዳድን ብዝዀነ ነገራት ብሃወኽ ክህነጽ ይከኣል ኢዩ። እታ ዓባይ ከተማ ቈረንቶስ ብኽልቲኡ ዓይነት ህንጻታት መሊኣ ከም ዝነበረት ዘይከሓድ ኢዩ። ካብ ዓብን ክቡርን ኣእማን እተሰርሐ ገለ ካብቲ ክፋሉ እውን ምናልባት ብወርቅን ብሩርን እተለበጠ ወይ እተሰለመ ክኸውን ዝኽእል ዝማርኽ ኣብያተ መቓድስ ነይሩ ኢዩ።b እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ዓበይቲ ህንጻታት ከኣ ነቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ብዘይተጸርበ ኣዕጻውን ብሓሰርን እተሰርሐ ኣጓዱን ሃዳሙን ናይ ሸቐጥ ባንኮታትን ዓብሊልዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
11 ሓዊ ክለዓል ከሎ እዚ ህንጻታት እዚ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ እቲ መልሲ ኣብ ግዜ ጳውሎስ ይኹን ሕጂ ንጹር ኢዩ። አረ ከተማ ቈረንቶስ ብ146 ቅ.ኣ.ዘ. ብሮማዊ ጀነራል ማሚየስ ተሳዒራ ብሓዊ ተባሪዓ ነይራ ኢያ። ብዕንጨይቲ: ብሳዕሪ: ወይ ብሓሰር እተሃንጸ ብዙሕ ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝጠፍአ እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ በእማን እተሃንጸ ብብሩርን ብወርቅን እተሰለመ ጽኑዕ ህንጻታትከ እንታይ ኰነ፧ እዚ ከምዚ ዝበለ ህንጻታት ከም ዘይነደደ ኣይጠራጥርን ኢዩ። እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ተማሃሮ ጳውሎስ: ብጥቓ እቲ ድልዱል ዝነበረ ህንጻታት መዓልቲ-መዓልቲ ይሓልፉ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ጳውሎስ እቲ ከጕልሖ ደልዩ ዝነበረ ሓሳባት ኣዝዩ ንጹር ኢዩ ነይሩ! ንሕናውን ክንምህር ከሎና ንገዛእ ርእስና ከም ሃነጽቲ ገይርና ክንርእያ ይግብኣና። ብእተኻእለ መጠን በቲ ዝበለጸን ነዊሕ ዝጸንሕን ነገራት ክንሃንጽ ኢና እንደሊ። በዚ መገዲ እዚ ዕዮና ነባሪ ክኸውን ይኽእል። እዚ ነዊሕ ዝጸንሕ ነገራት እዚ እንታይ ኢዩ: ክንጥቀመሉ ኣድላዪ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ዝሃነጽካዮ ሓዊ ዝጻወር ድዩ፧
12. ገለ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብሸለልትነት ዝዓዩ ዝነበሩ በየናይ መገድታት ኢዮም፧
12 ጳውሎስ ገለ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዘይጠቅም ነገራት ይሃንጹ ከም ዝነበሩ ተሰሚዕዎ ኢዩ። ጸገሞም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጥቕሲ ከም ዝገልጾ እታ ጉባኤ በቲ ንሓድነታ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ሰብኣዊ ባህርያት ብምንኣድ ዝፍጠር ዝነበረ ናይ ምፍልላይ መንፈስ ተናዊጻ ኢያ ነይራ። ገሊኣቶም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ክብሉ ኸለዉ: ካልኦት ከኣ “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ [እየ]” ይብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝሓስቡ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ሃዋሁ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዝዓሰሎ: መንፈሳዊ ብስለት ዘይብሉ: “ቅንእን ባእስን” ድማ ዘስፋሕፍሓሉ ምንባሩ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 1:12፣ 3:1- 4, 18) እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዝቐርብ ዝነበረ ትምህርትን ኣገልግሎትን ይንጸባረቕ ከም ዝነበረ ግሁድ ኢዩ። ፍሪኡ ድማ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮኦም ልክዕ ከምቲ ብዘይጠቅም ነገራት ዝህነጽ ህንጻ ሸለል ይብልዎ ነበሩ። ነቲ “ሓዊ” ዝጻወር ኣይነበረን። እቲ ጳውሎስ ዝዛረበሉ ዝነበረ ሓዊ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
13. እቲ ኣብ ናይ ጳውሎስ ምሳሌ ዘሎ ሓዊ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት: ኵሎም ክርስትያናትከ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ክጥንቀቑ ዘለዎም፧
13 ንዅልና ኣብ ህይወትና ዘጓንፈና ሓዊ ኣሎ: እዚ ኸኣ ናይ እምነትና ፈተናታት ኢዩ። (ዮሃንስ 15:20፣ ያእቆብ 1:2, 3) እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ነፍሲ ወከፍ ሓቂ ዝምህርዎ ሰብ ክፍተን ከም ዘለዎ ክፈልጡ የድልዮም ነበረ: ንሕናውን እንተዀነ ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኢዩ። ብጽቡቕ ዘይንምህር እንተድኣ ዄንና ሳዕቤኑ ሕማቕ ክኸውን ኢዩ። ጳውሎስ “ሰብ: እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ: ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና: ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን: ግናኸ ከምቲ ብሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።”c—1 ቈረንቶስ 3:14, 15
14. (ሀ) እቶም ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ዝገብሩ ዓየይቲ ‘ዓስቢ ክስእኑ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም: ከም ብሓዊ ዝሓለፉ ኰይኖም ድሕነት ክረኽቡ ዝኽእሉ ግን ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ነቲ ናይ ምኽሳር ሓደጋ ክንንክዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14 ብሓቂ ዘተሓሳስብ ቃላት ኢዩ! ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር ክኸውን ንምሕጋዙ ብዙሕ ጻዕሪ ገይርካ ክነስኻ ብፈተና ወይ ስደት ተምበርኪኹ መወዳእትኡ መገዲ ሓቂ ገዲፉ ክኸይድሲ ኣዝዩ ዘጕሂ ክኸውን ይኸእል ኢዩ። ጳውሎስ በዚ መገዲ እዚ ዓስብና ከም እንስእን ክዛረብ ከሎ ነዚ ኣፍለጦ ሂብሉ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣዝዩ መሪር ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ድሕነትና “ከም ብሓዊ ዝሓለፈ” ነገር ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኵሉ ንብረቱ ብሓዊ ክጠፍእ ከሎ ህይወቱ ንስክላ ዝወጸት ሰብ ማለት ኢዩ። ብወገንና ነቲ ናይ ምኽሳር ሓደጋ ብኸመይ ኢና ክንንክዮ እንኽእል፧ ነዊሕ እዋን ክጸንሕ ብዝኽእል ነገራት ንህነጽ! ንተማሃሮና ልቦም ብምብጻሕ ከም እኒ ጥበብ: ምስትውዓል: ፍርሃት የሆዋን ናይ ሓቂ እምነትን ዝኣመሰለ ክቡር ክርስትያናዊ ባህርያት ከጥርዩ ከም ዝለዓዓሉ ገይርና ንምህሮም እንተድኣ ዄንና ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነባሪ ነገራት ንሃንጽ ኣሎና ማለት ኢዩ። (መዝሙር 19:9, 10፣ ምሳሌ 3:13-15፣ 1 ጴጥሮስ 1:6, 7) እቶም ነዚ ባህርያት እዚ ዘጥርዩ ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ክቕጽሉ ኢዮም፣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ድማ ኢዩ ዘለዎም። (1 ዮሃንስ 2:17) ነዚ ናይ ጳውሎስ ምሳሌ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ገለ ኣብነታት ንርአ።
15. ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ዝመጸ ብሸለልትነት ከይንሃንጽ ክንጥንቀቕ ዘሎና በየናይ መገድታት ኢዩ፧
15 ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከሎና ንሰባት ልዕሊ የሆዋ ኣምላኽ ክብ ከነብሎም ፈጺሙ ኣይግብኣናን ኢዩ። ሸቶና ቀንዲ ምንጪ ጥበብ ከም ዝዀንና ገይሮም ንኽርእዩና ኣይኰነን። መሪሕነት ንምርካብ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ማሕበሩን ክጥምቱ ኢና እንደልዮም። ከምዚ ምእንቲ ክገብሩ ኸኣ ንዝሓትዎ ሕቶታት ናይ ገዛእ ርእስና ርእይቶ ኣይነቕርበሎምን ኢና። ኣብ ክንድኡ ግን መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋትን ተጠቒሞም መልሲ ክረኽቡ ኢና እንምህሮም። (ማቴዎስ 24:45-47) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት እንውንኖም ኴንና ከይንርከብ ክንጥንቀቕ ኢና። ካልኦት ክግደስሎም ከለዉ ቅር ኣብ ክንዲ ዝብለና: ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ፍቕሮም ‘ከግፍሑን’ ብእተኻእለ መጠን ከኣ ምስ ብዙሓት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክላለዩን ብሞሳ ክርእይዎምን ከነተባብዖም ይግብኣና።—2 ቈረንቶስ 6:12, 13
16. ሽማግለታት ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነገራት ክሃንጹ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
16 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምህናጽ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎም። ኣብታ ጉባኤ ክምህሩ ከለዉ: ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነገራት ክምህሩ ኢዮም ዝደልዩ። ክእለት ኣመሃህራኦም: ተመክሮኦምን ባህርያቶምን ኣጸቢቑ እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ነዚ ፍልልይ እዚ ንሰባት ደድሕሪኦም ከም ዝስዕቡ ንምግባር ኣይጥቀምሉን ኢዮም። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 ኣረኣእዮ።) ገለ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ ” ወይ ከኣ “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ” ዝበልሉ ምኽንያት ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና። ይኹን እምበር ካብዞም እሙናት ሽማግለታት እዚኣቶም ሓደ እውን ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ፈላላዪ ኣተሓሳስባ ንኽህሉ ዘተባብዕ ከም ዘይነበረ ኣጸቢቕና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ነዚ ናይ ሻሕራ ርእይቶ እዚ ባህ ኢልዎ ኣይተቐበሎን: ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣስ ጌጋ ከም ዝዀነ ብድፍረት ተዛሪቡ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:5-7) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ሽማግለታት “መጓሰ ኣምላኽ ” ዝጓስዩ ምዃኖም ይዝክሩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ መጓሰ እቲ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይኰነን። ስለዚ ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ይኹን ንኣካል ሽማግለታት ናይ ምዕብላል ዝምባለ ዘለዎ ሰብ ከይህሉ ጸኒዖም ይከላኸሉ ኢዮም። ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ንምግልጋል: ኣልባብ ንምብጻሕ: ነተን ኣባጊዕ ከኣ ብምሉእ ነፍሰን ንየሆዋ ከገልግላ ንኽሕግዝወን ኢሎም ብትሕትና ዝብህጉ እንተድኣ ኰይኖም ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነገራት ይሃንጹ ኣለዉ ማለት ኢዩ።
17. ክርስትያን ወለዲ ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነገራት ክሃንጹ ዝጽዕሩ ብኸመይ ኢዮም፧
17 ክርስትያናት ወለዲውን እንተዀኑ በዚ ጕዳይ እዚ ኣጸቢቖም ይግደሱ ኢዮም። ደቆም ንዘለኣለም ክነብሩሎም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ሃረር ዝብሉ! ስለዚ ኸኣ ኢዮም: ንደቆም ነቲ መሰረታዊ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣልባቦም ‘ክሰርጹሎም’ (NW ) ኣጸቢቖም ዝጽዕሩ። (ዘዳግም 6:6, 7 ) ደቆም ንሓቂ ዝርዝር ሕግታት ወይ ጭብጥታት ጥራይ ከም ዝሓዘ ገይሮም ዘይኰነስ: ከም ምሉእን ዓስቢ ዝህብን ሓጐስ ዘለዎን መገዲ ህይወት ገይሮም ክፈልጥዎ ኢዮም ዝደልይዎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW ) ፈቃራት ወለዲ ንደቆም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ገይሮም ምእንቲ ክሃንጽዎም: ሓዊ ዝጻወር ነገራት ክጥቀሙ ኢዮም ዝጽዕሩ። የሆዋ ዝጸልኦ ባህርያት ክጽህዩ: ዝፈትዎ ባህርያት ከኣ ክዅስኵሱ ብምሕጋዝ ብትዕግስቲ ምስ ደቆም ይዓዩ ኢዮም።—ገላትያ 5:22, 23
ብሓላፍነት ዝሕተት መን ኢዩ፧
18. ሓደ ወደ መዝሙር ነቲ ጥዑይ ትምህርትታት ምስ ዝነጽጎ: ግድን ጌጋ ናይቶም ክምህርዎን ከለማምድዎን ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧
18 እዚ ትምህርቲ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል። ሓደ ክንሕግዞ ዝጸዓርናሉ ሰብ ካብ ሓቂ እንተድኣ ወጺኡ: ከም መምሃራን መጠን ክንገብሮ ዝግብኣና ኣይገበርናን: ብዘይጠቅም ነገራት ድማ ኢና ሃኒጽና ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ቃላት ጳውሎስ: ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ ምክፋል ብርግጽ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዝዀነ ኢዩ ዘዘኻኽረና። ጽቡቕ ገይርና ክንሃንጽ ዝከኣለና ዅሉ ክንገብር ንደሊ ኢና። ቃል ኣምላኽ ግን ምሉእ ሓላፍነት ክንስከም ከምኡውን እቶም ክንሕግዞም ዝደለናዮም ሰባት ካብ ሓቂ ምስ ዝርሕቁ ኸኣ ብናይ ገበን ስምዒት ክንወሓጥ ኣይኰነን ዝነግረና ዘሎ። ኣብ ርእሲ እቲ ከም ሃነጽቲ መጠን ዘሎና ናይ ገዛእ ርእስና ግደ ኣብ ግምት ዝኣቱ ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎና። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ናይ ምህናጽ ዕዮ እዚ ጽቡቕ ዘይዓየየ መምህር ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳባት ኣስተብህለሉ:- “ንርእሱ ግና ኪድሕን: ግናኸ ከምቲ ብሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 3:15) እዚ ውልቀ-ሰብ እዚ ኣብ መወዳእታ ድሕነት እንተድኣ ረኺቡ: እቲ ኣብ ተማሃራዩ ክሃንጾ ዝጽዕረሉ ዝነበረ ክርስትያናዊ ባህርያት ግን ከምቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እተገልጸ ብናይ ሓዊ ምፍታን ምስ ‘ዝነድድ’ እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም ዝግብኣና፧ የሆዋ ነቲ ተማሃራይ ናይ ተኣማንነት መገዲ ንኽስዕብ ወይ ንኽገድፎ ዝገበሮ ውሳነ ብቐዳምነት ብሓለፍነት ዝሓቶ ምዃኑ ኢና ርግጸኛታት ኴንና ክንድምድም እንኽእል።
19. ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንርኢ፧
19 ብሕታዊ: ወይ ድማ ውልቃዊ ሓላፍነታት ዓቢ ቈላሕታ ዝግበረሉ ነገር ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍና ድማ ዝትንክፈና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝምህር፧ እዚ ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ‘መሰረት ምድሪ’ ነቲ ንምድሪ ኣጽኒዑ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሓይልን ንዅሉ ሰማያዊ ኣካላትን ዘመልክት ኢዩ። ብተወሳኺውን: ምድሪ ከም ‘ዘይትናወጽ’ ወይ ከም ዘይትጠፍእ ኰይና ስለ እተሰርሐት ተሃኒጻ ኢያ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።—መዝሙር 104:5
b እቲ ጳውሎስ ጠቒስዎ ዘሎ “ክቡር እምኒ” ግድን ኣልማዝን ቀይሕ ዝሕብሩ ማዕድንን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ከም እምነ-በረድ ወይ ጸሊም እምኒ ዝኣመሰለ ክቡር ናይ ህንጻ ኣእማን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
c ጳውሎስ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ዝነበረ ንድሕነት እቲ ሃናጺ ዘይኰነስ ንድሕነት “ዕዮ” እቲ ሃናጺ ኢዩ። ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ከምዚ ኢሉ ይትርጕማ:- “ሓደ ሰብ ህንጽኡ እንተድኣ ጸኒዑሉ: ዓስቡ ክረክብ ኢዩ፣ እንተድኣ ነዲዱ ግን ክሳርኡ ክቕበል ኣለዎ፣ ህይወቱ ግና ከምቲ ካብ ሓዊ ዘምልጥ ሰብ ከምልጥ ኢዩ።”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኣብ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ዘሎ “መሰረት” እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝስረት፧
◻ ካብቲ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ህንጻ ነገራት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
◻ እቲ “ሓዊ” ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት: ንገሊኣቶም ‘ዓስቢ ከም ዝስእኑ’ ዝገብሮምከ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህራን: ሽማግለታት: ወለዲ ሓዊ ክጻወር ብዝኽእል ነገራት ክሃንጹ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ብዙሓት ጥንታዎት ከተማታት ክልቲኡ ማለት ሓዊ ክጻወር ዝኽእል ብኣእማን እተሃንጸ ህንጻታትን ብፈኲስ ነገራት እተሃንጸ ህንጻታትን ነይሩ ኢዩ