ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/12 ገጽ 3-4
  • ኣብ እዋን ልደት ክርስቶስ ተረሲዑዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ እዋን ልደት ክርስቶስ ተረሲዑዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ እዋን ልደት ዝዝውተር ልምድታት ክርስትያናዊ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • እዋን ልደት ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/12 ገጽ 3-4

ኣብ እዋን ልደት ክርስቶስ ተረሲዑዶ ኢዩ፧

“ነቲ ኣብ እዋን ልደት ዘሎ ፈንጠዚያ ፈጺመ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። እዚ ምስቲ ናይ የሱስ ህይወትን ትምህርትን ፈጺሙ ዘይሰማማዕ ኢዩ ኰይኑኒ።”—⁠ሞሃንዳስ ከይ. ጋንዲ።

ብዙሓት ሰባት ምስቲ ጋንዲ ዝበሎ ፈጺሞም ኣይሰማምዑን ይዀኑ። ‘ሓደ ሂንዱ በዓል ስልጣን ብዛዕባ ናይ ክርስትያን በዓል እንታይ ኣፍሊጥዎ፧’ ኢሎም ይግረሙ ይዀኑ። ክንቅበሎ ዘሎና ነገር ግን ልደት ንዅሉ ዓይነት ባህሊ ብምትንካፍ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ታሕሳስ እቲ በዓል ኣብ ኵሉ ባህሊ ዘሎ ኢዩ ዝመስል።

ንኣብነት: ዳርጋ 145 ሚልዮን ዝዀኑ ደቂ እስያ ልደት የብዕሉ ኢዮም: እዚ ካብቲ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ዝነበረ ብ40 ሚልዮን ዝዛይድ ኢዩ። ጋንዲ “ፈንጠዚያ” ክብል ከሎ ነቲ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ልደት ክበዓል ከሎ ዝግበር ዓለማዊ ነገራት: ነቲ ኵልና እንዕዘቦ ሽዑ ዝህሉ ቅጥዒ ዘይብሉ ናይ ምዕዳግ መንፈስ ንምምልካት እንተድኣ ዀይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ በዓል ዝያዳ ዝጐልሕ እዚ መዳይ እዚ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። ኤሽያዊክ እተባህለ መጽሔት ከምዚ ብምባል የመልክት:- “ካብቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘሎ ናይ በዓል መብራህትታት ብምጅማር ናብቲ ኣብ በይጂን ኣብ ሆቴላት ዝስለም ዓበይቲ ናይ ልደት ኣእዋምን ኣብ ማእከል ከተማ ሲንጋፖር ዝርአ ናይ ልደት ቅርጽታትን ምስ እንዕዘብ ልደት ኣብ እስያ ብዓቢኡ ዓለማዊ (ኣውራ ናይ ሸቐጥ) ኣጋጣሚ ኢዩ።”

እዚ ዘመናዊ ናይ ልደት በዓል ንክርስቶስ ረሲዑዎዶ ኢዩ፧ ካብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን 25 ታሕሳስ ሃይማኖታዊ በዓል ናይታ የሱስ እተወልደላ መዓልቲ ክትከውን ካብ እትውስን ኣትሒዙ: እዛ መዓልቲ እዚኣ ብወግዒ ኢያ እትብዓል። ብመሰረት እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተመዝገበ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ግን እቲ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ልደት ምውላድ የሱስ ኢዩ ዝብል ስምዒት ዝነበሮም ካብቶም እተሓቱ 33 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም ነይሮም።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ዝግበር ተደጋጋሚ ረክላም: ህያባት ናይ ምዕዳግ ተብተብ: ጽሕድታት ምሽልላም: ፓርቲ ምድላውን ኣብኡ ምክፋልን: ከምኡውን ኣብቲ ናይ ልደት ሰላምታ ዝሓዘ ካርተሊናታት ምስዳድ የሱስ እተረስዐ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧

ብዙሓት ሰባት ክርስቶስ ኣብቲ በዓል ከም ዝኣቱ ክግበረሉ ዝከኣል ሓደ መገዲ: ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ ግዜ ዝዀነ ፍጻመታት ብምስሊ ምድላው ወይ ናይ ልደት ቅርጽታት ምስራሕ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ምናልባት ንስኻ እውን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻን የሱስ ብማርያም: ዮሴፍ: ገለ ጓሶት: “ሰለስተ ጥበበኛታት” ወይ “ሰለስተ ነገስታት:” ከም ብዕራይን ኣድግን ዝበሉ እንስሳታት: ከምኡውን ገለ ተዓዘብቲ ተኸቢቡ ከሎ ዘርኢ ቅርጽታት ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። እዚ ናይ ልደት ቅርጽታት እዚ ንሰባት እቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ልደት ንኸዘኻኽሮም ይጠቅም ኢዩ ዝብል ልሙድ ስምዒት ኣሎ። ብመሰረት እቲ ዩ. ኤስ. ካቶሊክ እተባህለ መጺሔት (እንግሊዝኛ) ዝበሎ “ናይ ልደት ቅርጽታት ዝያዳ ዘጕልሖ ነቲ ታሪኻዊ ዘይኰነ ነገራት ናይቲ ዛንታ እኳ እንተዀነ: ካብቲ ወንጌል ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ዝሰፍሐ መግለጺ ክህብ እውን ይኽእል ኢዩ።”

ናይ ልደት ቅርጺ ነቲ ኣብ ጸብጻብ ወንጌል መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዛንታ ታሪኻዊ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘመሓላልፍ ግን ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ብውሕልነት እተሰለመ ንኣሽቱ ቅርጽታት ንምውላድ ክርስቶስ ናይ ኣፈ-ታሪኽ ወይ ጽውጽዋይ መልክዕ ዘትሕዝ ምዃኑ ክእመን ዘለዎ ነገር ኢዩ። ናይ ልደት ቅርጽታት መጀመርታ ብሓደ ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ፈላሲ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ምስ ኰነ: ሓደ ግዜ ወዳሕዳሕ ዘይበዝሖ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ምስ እዚ በዓል እዚ እተተሓሓዘ ካልእ ነገራት: ናይ ልደት ቅርጽታት እውን ዓቢ ናይ ንግዲ ጕዳይ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ናፖሊ ተር ዝበለ ድኳናት ዓመት ምሉእ ንናይ ልደት ቅርጽታት ወይ ፕረዘፒ ዝኸውን ምስልታት ይሸጡ። ገለ ካብቶም ፍሉጣት ምስልታት ካብ ናይ ወንጌል ጸብጻብ እተወስዱ ገጸ-ባህርያት ዘይኰኑስ ከም በዓል ልዕልቲ ዳያና: ማዘር ተሬዛ: ከምኡውን እቲ ቅዲ ኽዳን ዘዳሉ ጃኒ ቨርሳቸ ዝኣመሰሉ ናይዚ ዘመናዊ ግዜ ውሩያት ሰባት ኢዮም። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ፕረዘፒ ብቸኮላታ: ፓስታ: ብዛዕጎል እውን ከይተረፈ ኢዩ ዝስራሕ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ዝገልጽ ታሪኽ ክትማሃር ከቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት ክርድኣካ ይኽእል ኢዩ።

ከምዚ ዝበለ ናይ ልደት ቅርጽታት “ካብቲ ወንጌል ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ዝሰፍሐ መግለጺ ክህብ” ዝኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ብሓቂ ታሪኻዊ ኣይኰነንዶ ኢዩ፧ እቶም ተረርቲ ተጠራጠርቲ እውን ከይተረፈ የሱስ ብሓቂ ታሪኻዊ ሰብ ምንባሩ ክኣምኑ ኣለዎም። ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቦታ እተወልደ ናይ ሓቂ ሕጻን ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሰፊሕ መግለጺ ናይቲ ክውለድ ከሎ ዝነበረ ፍጻመታት ንምርካብ ኣብ ናይ ልደት ቅርጽታት ካብ ምትኳር ዝሓሸ መገዲ ክህሉ ኣለዎ!

ብሓቂ ኸኣ ኣሎ። ክልተ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ ናይ የሱስ ምውላድ ነናይ ብሕቶም ጸብጻብ ኣቕሪቦም ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ክርስቶስ ኣብ እዋን ልደት ኣጸቢቑ ሸለል ይብሃል ኢዩ ዝብል ስምዒት እንተድኣ ኣልዩካ ስለምንታይ ነዚ ጸብጻባት እዚ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ ኣብኡ ኸኣ ኣፈ⁠-ታሪኽ ወይ ጽውጽዋይ ዘይኰነስ ኣዝዩ ዝምስጥ ታሪኽ ክትረክብ ኢኻ: እዚ ኸኣ ብዛዕባ ምውላድ ክርስቶስ ዝነግር ሓቀኛ ታሪኽ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ ወሰን ወሰን ናይ ገጽ 3-6, 8 ከምኡውን 9 ዘሎ ስእሊ:- Fifty Years of Soviet Art

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ