ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧
“ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧ ”—ሉቃስ 18:8
1. ሎሚ እምነትካ ምጽናዕ ከቢድ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ሎሚ: ሓደ ሰብ እምነቱ ኣጽኒዑ ክነብር ቀሊል ኣይኰነን። ዓለም ናይ ክርስትያናት ቈላሕታ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ምእንቲ ከተዘምብል ከቢድ ጸቕጢ ኢያ ትገብር ዘላ። (ሉቃስ 21:34፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16) ብዙሓት ካብቲ ዘጋጥሞም ውግእ: ዕንወት: ሕማም: ወይ ጥሜት ምእንቲ ክድሕኑ ክጽዕሩ ኣለዎም። (ሉቃስ 21:10, 11) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብርቱዕ ዓለማዊ ባህሊ ኣሎ: ዝዀነ ይኹን ምስ እምነቱ ተሰማሚዑ ክነብር ዝደሊ ሰብ ከኣ ከም ዘይምኽንያታዊ: አረ ኣኽራሪ ከም ዝዀነ ጌርካ ኢዩ ዝርአ። ብተወሳኺ ብዙሓት ክርስትያናት ብምኽንያት እምነቶም ይስጐጉ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:9) እቲ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ዝብል ዳርጋ ቅድሚ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ብየሱስ እተላዕለ ሕቶ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ።—ሉቃስ 18:8
2. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ጽንዕቲ እምነት እተድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መን ኣብነት እምነት ምስ እንምልከት ኢና ጠቓሚ ዝኸውን፧
2 ሕጂ ህይወትና ዕዉት ንኽኸውንን እቲ ንመጻኢ መብጽዓ ተገይሩሉ ዘሎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብን ግን ኣድላይነት ናይ ጽንዕቲ እምነት ዘየተሓታትት ኢዩ። ነቲ የሆዋ ንኣንባቆም ዝበሎ ቃላት ብምጥቃስ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር: ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። . . . ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ።” (እብራውያን 10:38–11:6፣ ኣንባቆም 2:4) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተአመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ” በሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12) ጽንዕቲ እምነት ክትህልወካ ዝከኣል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ሕቶ እዚ ክንምልስ ከለና እምነት ናይቲ 4,000 ዓመታት ይገብር ዝነበረ እሞ: እምነቱ ኸኣ ኣብተን ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት—ምስልምና: ኣይሁድ: ከምኡውን ክርስትና—ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ሰብኣይ ምምልካት ይጠቕመና ኢዩ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብርሃም ኢዩ። እምነቱ ኣዝያ ጕልሕቲ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧ ሎሚ ንዕኡ ክንመስል ንኽእልዶ ኢና፧
ንመሪሕነት ኣምላኽ ምእዛዝ
3, 4. ታራ ንስድራቤቱ ካብ ኡር ናብ ካራን ዘግዓዞም ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ኣብርሃም (እቲ መጀመርታ ኣብራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ መጀመርታ ኢዩ ንፈለማ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣብ ዘፍጥረት 11:26 “ታራ . . . ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ” ዝብል ነንብብ። ታራን ስድራቤቱን ኣብ ሓንቲ ብደቡብ መሰጶታምያ እትርከብ ኡር እትብሃል ብልጽግቲ ከተማ ናይ ከለዳውያን ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብኡ ምንባር ኣይቀጸሉን። “ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን: ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን: ንሳራይ [ሳራ] ከኣ ሰበይቲ ወዱ: ሰበይቲ ኣብራም ወዱ ወሰደ: ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ: ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡ።” (ዘፍጥረት 11:31) ናሆር ሓዊ ኣብርሃም እውን ምስ ስድራቤቱ ናብ ካራን ገዓዘ። (ዘፍጥረት 24:10, 15፣ 28:1, 2፣ 29:4) ታራ ግን ካብታ ብልጽግቲ ዝነበረት ኡር ናብታ ኣብ ርሑቕ ቦታ እትርከብ ካራን ዝገዓዘ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ካብቲ ኣብርሃም ዝነበረሉ ግዜ 2,000 ዓመታት ጸኒሑ: እቲ እሙን ዝነበረ እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣይሁድ ሳንሄድሪን ብዛዕባ ምግዓዝ ስድራቤት ታራ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ነቦና ኣብርሃም: ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ: ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ: ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ: በሎ። ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:2-4) ታራ ነቶም ቀረባ ስድራቤቱ ሒዙ ናብ ካራን ምስ ከደ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝነበሮ ዕላማ ተኣዘዘ።
5. ኣብርሃም ኣቡኡ ምስ ሞተ ናበይ ኢዩ ዝኸደ፧ ስለምንታይከ፧
5 ስድራቤት ታራ ኣብቲ ዝኸድዎ ሓድሽ ከተማ ተቐመጡ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ኣብርሃም ‘ሃገረይ’ ኢሉ ክዛረብ ከሎ: ብዛዕባ ካራን እምበር ብዛዕባ ኡር ኣይኰነን እተዛረበ። (ዘፍጥረት 24:4) ይኹን እምበር: ካራን ናይ ኣብርሃም ቀዋሚ መንበሪ ኰይና ኣይቀጸለትን። ብመሰረት እቲ እስጢፋኖስ ዝበሎ “ኣቦኡ [ናይ ኣብርሃም] ምስ ሞተ ኸኣ: ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:4) ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ብምእዛዝ ኣብርሃም ብሎጥ ተሰንዩ ርባ ኤፍራጥስ ሰጊሩ ናብ ምድሪ ከነኣን ከደ።a
6. የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ተመባጽዓሉ፧
6 የሆዋ ንኣብርሃም ናብ ከነኣን ከም ዝግዕዝ ዝገበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ምኽንያት ምስቲ ኣምላኽ ኣብዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ዝነበሮ ዕላማ እተተሓሓዘ ኢዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ:- “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ: ንስምካውን ከዕብዮ እየ: ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም: ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ ኢዮም።” (ዘፍጥረት 12:1-3) ኣብርሃም ናይ ሓደ ዕቝባ የሆዋ ዝረክብን ንምድሪ ከነኣን ዝወርስን ዓቢ ህዝቢ ኣቦ ክኸውን ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መብጽዓ ኰን ኢዩ! ኣብርሃም ነዛ ምድሪ እዚኣ ምእንቲ ክወርስ ግን ኣብ ህይወቱ ዓቢ ለውጢ ክገብር ነበሮ።
7. ኣብርሃም ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ ንኽወርስ እንታይ ለውጥታት ክገብር ኢዩ ቅሩብ ክኸውን ዝነበሮ፧
7 ኣብርሃም ካብ ኡር ክወጽእ ከሎ ንሓንቲ ብልጽግቲ ከተማ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ኣበው ግዜ ኣድለይቲ ምንጪ ናይ ድሕንነት ዝነበሩ ቤተሰብ ኣቡኡ ኢዩ ሓዲጉ ወጺኡ። ካብ ካራን ክወጽእ ከሎ ኸኣ ንስድራቤት ናሆር ሓዉ እውን ሓዊስካ ካብ ስድራቤት ኣቡኡ ተፈልዩ ናብ ዘይፈልጦ ምድሪ ኸደ። ኣብ ከነኣን ብመናድቕ ኣብ እተሓጽረ ከተማ ኰይኑ ዕቝባ ክረክብ ኣይደለየን። ስለምንታይ ከምኡ ዘይደለየ፧ ኣብርሃም ናብታ ምድሪ ምስ ከደ ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሆዋ ከምዚ በሎ:- “ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ: ተንስእ: ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ።” (ዘፍጥረት 13:17) እቲ 75 ዓመት ገይሩ ዝነበረ ኣብርሃምን እታ 65 ዓመት ገይራ ዝነበረት ሳራ ሰበይቱን ነዚ መምርሒ እዚ ሰዓቡ። “ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ . . . ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።”—እብራውያን 11:9፣ ዘፍጥረት 12:4
ኣብዚ ግዜ እዚ ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት
8. ነቲ ናይ ኣብርሃምን ናይቶም ጥንታውያን ካልኦት መሰኻኽርን ኣብነት መሰረት ብምግባር እንታይ ኢና ክንኵስኵስ ዝግብኣና፧
8 ኣብርሃምን ስድራቤቱን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 “ደበና [ናይቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ] ምስክር” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት ኢዮም ተጠቒሶም። ንእምነት ናይዞም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምምልካት ጳውሎስ “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን [ምጕዳል እምነት] ነርሕቕ” ብምባል ንክርስትያናት የተባብዕ። (እብራውያን 12:1) እወ: ምጕዳል እምነት ብቐሊሉ ‘ክጠብቀና’ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ግዜ ጳውሎስን ኣብ ግዜናን ዝነብሩ ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስ ናይ ኣብርሃምን ካልኦት ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባትን እትመሳሰል ጽንዕቲ እምነት ከማዕብሉ ክኢሎም ኢዮም። ጳውሎስ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ብጾቱ ክርስትያናትን ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።”—እብራውያን 10:39
9, 10. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ከም ዘላቶም እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧
9 ሓቂ ኢዩ ዓለም ካብቲ ብግዜ ኣብርሃም ዝነበረቶ ተለዊጣ ኢያ። ምስናይ እዚ ግን ንሕና ‘ንኣምላኽ ኣብርሃም’ ኢና እነገልግል ዘሎና: ንሱ ኸኣ ኣይልወጥን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:13፣ ሚልክያስ 3:6) የሆዋ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኣብርሃም ዝምለኽ ዝነበረ: ሎሚ እውን ክምለኽ ይግብኦ ኢዩ። (ራእይ 4:11) ብዙሓት ሰባት ከም ኣብርሃም ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ይውፍዩ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ከኣ እቲ ኣብ ህይወቶም ክገብርዎ ዘድሊ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ይገብሩ ኣለዉ። ዓሚ 316,092 ዝኣኽሉ ሰባት “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ብማይ ብምጥማቕ ናይ ወፈይኦም መረጋገጺ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣርኣዩ።—ማቴዎስ 28:19
10 መብዛሕትኦም ካብዞም ሓደስቲ ክርስትያናት እዚኣቶም ወፈይኦም ንምፍጻም ናብ ርሑቕ ዓዲ ጓና ክጓዓዙ ኣየድለዮምን። ብመንፈሳዊ መገዲ ግን ብዙሓት ካብ ስድራቤቶም ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዞም ኢዮም። ንኣብነት: ኤልሲ ኣብ ማውርሸስ እትነብር ጠንቋሊት ኢያ ነይራ። ኵሉ ሰብ ይፈርሓ ነበረ። ሓንቲ ፍልይቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት ንጓል ኤልሲ ጽንዓት ክትገብረላ ጀመረት: እዚ ኸኣ ኤልሲ ‘ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን’ ንኽትምለስ መገዲ ኸፈተላ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:18) ኤልሲ ነቲ ናይ ጓላ ተገዳስነት ብምምልካት ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃል መጽሓፍ ከተጽንዓ ተሰማምዐት። ቀጻሊ ምትብባዕ የድልያ ስለ ዝነበረ እቲ ጽንዓታ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ተኻየደ። እቲ ናይ ስራይ ስርሓ ፈጺሙ ሓጐስ ኣየምጽኣላን: ብዙሕ ብሕታዊ ጸገማት ከኣ ነበራ። ኣብ መወዳእትኡ ግን: ነቲ ካብ ናይ ኣጋንንቲ ቍጽጽር ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝወስድ ነዊሕ ጕዕዞ ክትውድኦ ክኢላ ኢያ። ሰባት እቲ ትገብሮ ዝነበረት ስራሕ ደልዮም ክመጹ ከለዉ: ካብ እከይ ከዕቝቦም ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ትገልጸሎም ነበረት። ኤልሲ ሕጂ እተጠምቀት ምስክር ኢያ: ካብ ስድራቤታን እትፈልጦም ሰባትን ከኣ 14 ዝዀኑ ሓቂ ተቐቢሎም ኢዮም።
11. እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝውፍዩ ሰባት እንታይ ለውጥታት ክገብሩ ኢዮም ፍቓደኛታት ዝዀኑ፧
11 መብዛሕትኦም ካብቶም ዓሚ ንኣምላኽ ንምግልጋል ህይወቶም ዝወፈዩ ሰባት ከምዚ ዝበለ መሰረታዊ ለውጢ ክገብሩ ኣየድልዮምን ኢዩ ነይሩ። ኵሎም ግን ካብ መንፈሳዊ ሞት ናብ ብመንፈስ ህያዋን ምዃን ተለዊጦም ኢዮም። (ኤፌሶን 2:1) ብኣካል ኣብ ዓለም እኳ እንተ ሃለዉ: ድሕሪ ደጊም ግን ክፍሊ ናታ ኣይኰኑን። (ዮሃንስ 17:15, 16) ልክዕ ከምቶም ‘ሃገሮም ኣብ ሰማይ’ ዝዀነ ቅቡኣት ክርስትያናት ንሳቶም እውን ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን’ ኢዮም። (ፊልጲ 3:20፣ 1 ጴጥሮስ 2:11) ልዕሊ ዅሉ ድማ ብፍቕሪ ኣምላኽን ብፍቕሪ ብጻይን ተደሪኾም ንህይወቶም ምስ ስርዓታት የሆዋ ኣሰማምዕዎ። (ማቴዎስ 22:37-39) ስሱዕ ፍቕረ-ንዋይ ዘለዎ ሸቶታት ኣይስዕቡን ኢዮም ወይውን ኣብዛ ዓለም ብሕታዊ ዕግበት ኣድላዪ ኢዩ ዝብል ስምዒት የብሎምን። ኣብ ክንድኡስ ኣዒንቶም ኣብቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ከም ዘተኵር ይገብሩ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ 2 ቈረንቶስ 4:18
12. የሱስ ኣብ እዋን ህላወኡ ‘እምነት ኣብ ምድሪ’ ከም ዝረኸበ ዘርኢ ጸብጻብ እተዋህበሉ ናይ ዓሚ ንጥፈት ኣየናይ ኢዩ፧
12 ኣብርሃም ናብ ከነኣን ክኸይድ ከሎ ንሱን ስድራቤቱን ንበይኖም ኢዮም ነይሮም: ክድግፎምን ከዕቝቦምን ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እዞም 316,092 ሓደሽቲ ተጠመቕቲ ክርስትያን ግን ብርግጽ ንበይኖም ኣይኰኑን። ሓቂ ኢዩ ከምቲ ንኣብርሃም ዘዕቈቦ ንዕኦምውን ዝድግፎምን ዘዕቝቦምን የሆዋ ኢዩ። (ምሳሌ 18:10) ኣብ ርእሲ እዚ ግን: ብሓንቲ ኣህጉራዊት ‘ሃገር’ ኣቢሉ እውን ይድግፎም ኢዩ: ተቐማጦ ናይዛ ሃገር እዚኣ ካብ ተቐማጦ ናይተን ሎሚ ዘለዋ ገሊአን ሃገራት ንላዕሊ ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:8) ዝሓለፈ ዓመት 5,888,650 ዝዀኑ ዜጋታት ናይዛ ሃገር እዚኣ: ንጐረባብቶም ብዛዕባ መብጽዓታት ኣምላኽ ብምንጋር ንጡፍ እምነት ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። (ማርቆስ 13:10) ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ ኸኣ ገለ 1,186,666,708 ዝኸውን ሰዓታት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምድላይ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኣሕለፍዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ምስ 4,302,852 ዝዀኑ እምነት ከማዕብሉ ዝደልዩ ካልኦት ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሐ። ከም ተወሳኺ መርኣያ ናይ ቅንኦም ከኣ ካብቶም ኣብዛ ‘ሃገር’ እዚኣ ዘለዉ 698,781 ዝዀኑ ሰባት እንተ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኰይኑ እንተ ንሓደ ወይ ዝያዳ ኣዋርሕ ኰይኑ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተኻፈሉ። (ዝርዝር ናይቲ ዓሚ ዝነበረ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገጽ 12 ክሳዕ 15 ይርከብ።) እዚ ጕሉሕ ጸብጻብ እዚ ነቲ “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ዝብል ናይ የሱስ ሕቶ ዝኸውን ኣወንታዊ ህያው መልሲ ኢዩ።
ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመ እሙናት
13, 14. ገለ ካብቲ ኣብርሃምን ስድራቤቱን ኣብ ከነኣን ዘጋጠሞም ሽግራት ግለጽ።
13 ኣብ ከነኣን ንኣብርሃምን ንስድራቤቱን እቲ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ የሸግሮም ነይሩ ኢዩ። እንተ ወሓደ ሓንሳእ ብምኽንያት ብርቱዕ ጥሜት ካብ ከነኣን ወጺኦም ናብ ግብጺ ክኸዱ ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ናይ ግብጺ ገዛእን ናይ ጌራር (ጥቓ ጋዛ) ገዛእን ክልቲኦም ንሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ሰበይቶም ክትከውን ክወስድዋ ፈቲኖም ኢዮም። (ዘፍጥረት 12:10-20፣ 20:1-18) ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብርሃምን ኣብ መንጎ ጓሶት ሎጥን እውን ምስሕሓብ ነበረ: እዚ ኸኣ እተን ክልተ ስድራቤታት ከም ዝፈላለያ ገበረ። ኣብርሃም ብዘይ ስስዐ መጀመርታ ሎጥ ክመርጽ ኣፍቀደሉ: ሎጥ ከኣ ኣብቲ ብፍርያምነቱን ጽባቔኡን ገነት ዝመስል ዝነበረ ኣውራጃ ዮርዳኖስ ክነብር መረጸ።—ዘፍጥረት 13:5-13
14 ብድሕርዚ በቲ ንጉስ ዔላምን ደገፍቱን ኣንጻር ነገስታት ናይተን ሓሙሽተ ከተማታት ኣብ ለሰ ሲዲም ዝገበርዎ ውግእ: ሎጥ እውን ተተንከፈ። እቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ነገስታት ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነገስታት ሰዓርዎም እሞ ንሎጥን ንብረቱን ሓዊሶም ብዙሕ ምርኮ ወሰዱ። ኣብርሃም እቲ ዝዀነ ነገር ምስ ሰምዐ: ከይፈርሀ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ነገስታት ሰዓቦም እሞ: ንሎጥን ስድራቤቱን ከምኡውን ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነገስታት ንብረትን ከድሕን ከኣለ። (ዘፍጥረት 14:1-16) ይኹን እምበር: እቲ ሎጥ ኣብ ከነኣን ዘሕለፎ ዝኸፍአ ተመክሮ እዚ ኣይነበረን። ሶዶም በቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራታ ኣዝያ ፍልጥቲ እኳ እንተ ነበረት ሎጥ ግን ብገለ ምኽንያት መንበሪ ቦትኡ ኣብታ ኸተማ ገበሮ።b (2 ጴጥሮስ 2:6-8) እቶም መላእኽቲ እታ ከተማ ክትጠፍእ ከም ዝዀነት መጠንቀቕታ ምስ ነገርዎ: ሎጥ ምስ ሰበይቱን ደቁን ሃደመ። ይኹን እምበር: ሰበይቲ ሎጥ ነቲ በቶም መላእኽቲ እተዋህባ ንጹር መምርሒ ሸለል በለቶ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ዓንዲ ጨው ኰነት። ንግዜኡ ደረጃ ናብራ ሎጥ ምስተን ክልተ ደቁ ኣብ ዞኣር ኣብ ዝርከብ በዓቲ ናብ ምንባር ኢዩ ወሪዱ። (ዘፍጥረት 19:1-30) እዚ ፍጻመታት እዚ ንኣብርሃም ኣጸቢቑ ኣጨኒቕዎ ክኸውን ኣለዎ: ምኽንያቱ ሎጥ ብፍላይ ካብ ከነኣን ክመጽእ ኸሎ ከም ክፍሊ ኣባል ስድራቤት ኣብርሃም ኢዩ መጺኡ።
15. ኣብርሃም ኣብ ዘይፈልጦ ምድሪ ኣብ ድንኳናት ይነብር እኳ እንተነበረ: ብዘይ ጥርጥር እንታይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ ኣወጊዱ፧
15 ኣብርሃም ንሱን ሎጥን ብድሕንነት ምስቶም ኣብ ኡር ዝነበሩ ቤተሰብ ኣቡኡ ወይ ከኣ ምስቲ ኣብ ካራን ዝነበረ ናሆር ሓዉ ክንነብር ነይሩና ኢሉ ሓሲቡዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ክንዲ ኣብ ድንኳናት ዝነብር ኣብ ውሽጢ ዕቝባ ናይ ሓንቲ ብመንደቕ እተሓጽረት ከተማ ክነብር ብሂጉ ይፈልጥዶ ይኸውን፧ ምናልባት ነቲ ኣብ ዘይፈልጦ ምድሪ ኰብለል ብምባል ዝገበሮ መስዋእቲ ጥበባዊዶ ኢዩ ብምባል ኣብ ሕቶ ኣእትይዎዶ ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብርሃምን ስድራቤቱን ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ: ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም።” (እብራውያን 11:15) ይኹን እምበር: ኣይተመልሱን። በቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ሽግር ከይተዓግቱ ኣብቲ የሆዋ ክዀኑዎ ዝደልዮም ዝነበረ ቦታ ኢዮም ቀጺሎም።
ኣብዚ ግዜ እዚ እተራእየ ምጽማም
16, 17. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ሽግራት ኢዩ ዘጋጥሞም፧ (ለ) ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይ፧
16 ኣብዚ ግዜ እዚ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ምጽማም ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ። ንኣምላኽ ምግልጋል ዓቢ ሓጐስ ዘምጽኣሎም እኳ እንተዀነ: ንሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ምንባር ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዝነብሩ እኳ እንተዀኑ: ልክዕ ከምቲ ጐረባብቶም ዝሳቐይዎ ንሳቶም እውን ብቝጠባዊ ጸቕጢ ይሳቐዩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 11:6-9) ብዙሓት ካብኣቶም ክፍኣት ዘይብሎም ክነሶም ግዳይ ናይቲ ሃገራት ዝገብርኦ ውግእ ኰይኖም ኢዮም: ገሊኦም ከኣ ብዘይ ናቶም ጌጋ ኣብ ክቱር ድኽነት ወዲቖም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ውሑዳት ብምዃኖም ብህዝቢ ተቐባልነት ስለ ዘይረኽቡ ዝወርዶም ጸገም እውን ይጽመሙ ኢዮም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት ፈጺሞም ዘይግደሱ ክነሶም ከይተሓለሉ ነቲ ብስራት ይሰብክዎ ኣለዉ። ኣብ ካልእ ሃገራት ከኣ በቲ መታለሊ መጥቃዕቲ ናይቶም ‘ብሕጊ ዓመጽ ዝገብሩ’ ከምኡውን ‘ንንጹህ ደም ዝዅንኑ’ ሰባት ይሳቐዩ ኢዮም። (መዝሙር 94:20, 21) ከምቲ ኣብርሃም መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ከተማታት እናተቐመጡ ንሱ ግን ኣብ ድንኳን ዝነብር ዝነበረ: ንሳቶም እውን ኣብቲ ክርስትያናት ዘይስጐጕሉን በቲ ልዑል ዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቶም ብገሊኣቶም ዝነኣዱሉን ሃገራት ከይተረፈ: ካብ መማህርቶምን መሳርሕቶምን ፍሉያት ምዃኖም የስተውዕልዎ ኢዮም። እወ: ኣብ ዓለም እናነበርካ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ቀሊል ኣይኰነን።—ዮሃንስ 17:14
17 እሞኸ እቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ የጣዕሰናዶ ኢዩ፧ ከም ኵሉ ሰብ ክፍሊ ዓለም እንተ ንኸውን ምሓሸና ነይሩ ንብልዶ ኢና፧ በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ መስዋእትታትከ ንጥዓስዶ ኢና፧ ፈጺምና ከምኡ ኣይንገብርን ኢና! ብናፍቖት ንድሕሪት ካብ ምጥማት እቲ ዝገበርናዮ መስዋእቲ ምስቲ ሕጅን ንመጻእን እንረኽቦ ሓጐስ ተወዳዲሩ ፈጺሙ ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ኣፍልጦ ንህብ ኢና። (ሉቃስ 9:62፣ ፊልጲ 3:8) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ሕጕሳትዶ ኢዮም፧ እቲ ሓቂ ብዙሓት ካብኣቶም ነቲ ንሕና ድሮ ንፈልጦ መልስታት ኣብ ምድላይ ኢዮም ዘለዉ። ነቲ ንሕና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ እሞ እንስዕቦ መሪሕነት ኣምላኽ ብዘይምስዓቦም ይሳቐዩ ኢዮም። (መዝሙር 119:105) መብዛሕትኦም ነቲ ንሕና ምስ ኣመንቲ ብጾትና እነሕልፎ ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ባህ ዘብል ብጻይነትን ሃረር ኢዮም ዝብልዎ።—መዝሙር 133:1፣ ቈሎሴ 3:14
18. ክርስትያናት ከምቲ ናይ ኣብርሃም ዝኣመሰለ ትብዓት ከርእዩ ከለዉ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እንታይ ኢዩ፧
18 ሓቂ ኢዩ: ሓድሓደ ግዜ ከምቲ ኣብርሃም ነቶም ንሎጥ ዝማረኽዎ ሰባት ክስዕቦም ከሎ ዘርኣዮ ዓይነት ትብዓት የድልየና ኢዩ። እንተዀነ ግን ተባዓት ክንከውን ከሎና: የሆዋ ነቲ ውጽኢት ይባርኾ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ብሰንኪ ኣንቈራ ዘለዓዓሎ ዓመጽ: ጽልኢ ሱር ዝሰደደ ኢዩ: ገለልተኛ ንምዃን ከኣ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ። ይኹን እምበር: እሙናት ክርስትያን ነቲ “ጽናዕ: ትባዕ: ኢለዶ ኣይአዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ: ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ” ዝብል የሆዋ ንእያሱ እተዛረቦ ቃላት ስዒቦም ኢዮም። (እያሱ 1:9፣ መዝሙር 27:14) ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ ተባዕ ኣቕዋሞም ክብሪ ከም ዝረኽቡ ገይርዎም ኢዩ: ሎሚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይታ ሃገር ብናጻ ክሰብኩ ይኽእሉ ኢዮም።
19. ክርስትያናት ኣበይ ምዃን ኢዩ ዘሐጕሶም: ናይ የሆዋ መምርሒ ክስዕቡ ከለዉኸ እንታይ ውጽኢት ኢዮም ብተኣማንነት ዝጽበዩ፧
19 ናይ የሆዋ መምርሒ ንስዕብ እንተድኣ ዄንና ዘጋጥመና ኵነታት ብዘየገድስ መወዳእትኡ ንየሆዋ ዘኽብርን ንነባሪ ጥቕምና ከም ዝኸውንን ክንጠራጠር ኣየድልየናን ኢዩ። ብድሆ ዘጋጥመና: መስዋእትታት ከኣ ንገብር እኳ እንተ ዀንና ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝበልጽ ካልእ ቦታ ፈጺምና ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ ኣገልግሎት የሆዋ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ናይ ዘለኣለም መጻኢ ኣማዕዲና እናጠመትና ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና ብጻይነት እነስተማቕረሉ ቦታ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ንኣብርሃም ሓዉ ዝነበረ ኣቦ ሎጥ ምስ ሞተ: ኣብርሃም ንሎጥ ወዲ ሓዉ ባዕሉ ኣዕቢይዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ዘፍጥረት 11:27, 28፣ 12:5
b ገሊኦም ሰባት ሎጥ በቶም ኣርባዕተ ነገስታት ተማሪኹ ድሕሪ ምጽንሑ: ዝያዳ ድሕንነት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ከተማ ክነብር ከም ዝጀመረ ይዛረቡ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ጽንዕቲ እምነት ምህላው ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብርሃም ጽንዕቲ እምነት ከም ዝነበረቶ ብኸመይ ኣርኣየ፧
◻ ወፈያ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ብምግባር እትስነ ብኸመይ ኢያ፧
◻ ዘጋጥመና ጸገም ብዘየገድስ ንኣምላኽ ከነገልግል ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ኣብርሃም ነቲ መብጽዓ ምእንቲ ክወርስ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ለውጢ ክገብር ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]
የሱስ ኣብ እዋን ህላወኡ ‘እምነት ኣብ ምድሪ ’ ከም ዝረኸበ እቲ መርትዖታት ይሕብር