ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/1 ገጽ 28-31
  • “ጸሊም ዝጸጕራ ንግስቲ ምድረ በዳ ሶርያ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጸሊም ዝጸጕራ ንግስቲ ምድረ በዳ ሶርያ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ወሰን ምድረ-በዳ እትርከብ ከተማ
  • ዜኖብያ ሃጸያዊ ግዝኣት ክትምስርት ትምነ
  • ሓደ ሃጸይ ኣንጻር ዜኖብያ ‘ተቢዑ ይትንስእ’
  • እታ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረት ከተማ ዓነወት
  • እቶም ክልተ ነገስታት መንነቶም ይቕይሩ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • “ንጉስ ሰሜን” ብግዜ መወዳእታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንዓለም መን ኢዩ ክገዝኣ፧
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • እቶም ተጻባእቲ ነገስታት መወዳእትኦም ይቐርብ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/1 ገጽ 28-31

“ጸሊም ዝጸጕራ ንግስቲ ምድረ በዳ ሶርያ”

መልክዓ ብሩህ ቡናዊ: ኣስናና ጻዕዳ: ኣዒንታ ድማ ጸሊምን ዘንጸባርቕን ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰመትን ንፍዕቲ ናይ ቋንቋ ምህርትን ነበረት። እዛ ተዋጋኢት ንግስቲ እዚኣ ብምስትውዓል ካብ ክሌኦፓትራ ንላዕሊ በላሕ ምንባራ: ብመልክዕ ኸኣ ምናልባት ክትመዓራረያ ከም እትኽእል ይንገረላ። ነታ ሽዑ ዓብላሊት ሓይሊ ዓለም ዝነበረት መንግስቲ ንኽትዳረግ ዘኽእላ ድፍረት ስለ ዝነበራ: ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት ትንቢታዊ ግደ ነበራ። ምስ ሞተት ድሕሪ ነዊሕ ግዜ: ጸሓፍቲ ወዲሶማ: ሰኣልቲ ድማ ካብቲ ዝነበራ መልክዕ ንላዕሊ ገይሮም ሰኣልዋ። ሓደ ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ገጣሚ “ጸሊም ዝጸጕራ ንግስቲ ምድረ በዳ ሶርያ” ብምባል ገለጻ። እዛ ኣዝያ እተወደሰት ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ከተማ ፓልሚራ: ሶርያ: ንግስቲ ዝነበረት ዜኖብያ ኢያ።

ዜኖብያ ተፈላጥነት ዝረኸበት ብኸመይ ኢያ፧ እቲ ናብ ስልጣን ክትድይብ ዝመርሓ ፖለቲካዊ ሃዋሁ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ ጠባያኸ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ ከመይ ዝበለ ትንቢታዊ ግደኸ ፈጸመት፧ መጀመርታ እዚ ድራማ እዚ እተፈጸመሉ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ርአ።

ኣብ ወሰን ምድረ-በዳ እትርከብ ከተማ

እታ ዜኖብያ እትነብረላ ፓልሚራ እትበሃል ከተማ ብሰሜናዊ ምብራቕ ደማስቆ 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እግሪ ጐቦታት ኣንቲ-ሊባኖስ ኣብ ሰሜናዊ ወሰን ምድረ በዳ ሶርያ ኢያ እትርከብ። እዛ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ልምዕቲ ከተማ እዚኣ ዳርጋ ኣብ መንጎ ምዕራባዊ ወገን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ምብራቓዊ ወገን ሩባ ኤፍራጥስን ኢያ እትርከብ። ንጉስ ሰሎሞን ታድሞር ብዝብል ስም ይፈልጣ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብኽልተ ምኽንያት ማለት ብሰሜን ንዘሎ ዶብ ዝከላኸል ወተሃደራዊ ሓይሊ መዓስከርን ኣብተን ንሓድሕደን እተኣሳሰራ ከተማታት ድማ ከም ቀንዲ መራኸቢት ቦታ ገይሩ ንኽጥቀመላን ብምኽኣሉ ንድሕንነት መንግስቱ ወሳኒት ቦታ ነበረት። ስለዚ ኸኣ: ሰሎሞን ‘ኣብ በረኻ ንታድሞር ሰርሓ።’​—⁠2 ዜና መዋእል 8:⁠4

ታድሞር ኣብቲ ድሕሪ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ዝነበረ ሽሕ ዓመት ከመይ ከም ዝነበረት ታሪኽ ኣይገልጽን ኢዩ። ታድሞር ብልክዕ ፓልሚራ እንተድኣ ዀይና: ኣዝያ ውርይቲ ኽትከውን ዝጀመረት ብ64 ቅ.ኣ.ዘ. ሶርያ መዓስከር ሰራዊት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ምስ ኰነት ኢያ። ሪቻርድ ስቶንማን ኣብታ ፓልሚራ ኤንድ ኢትስ ኢምፓየር ​—⁠ዜኖብያስ ሪቮልት ኤጌንስት ሮም እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) “ፓልሚራ ብቝጠባውን ወተሃደራውን መዳያት ንሮሜ ጠቓሚት ነበረት” ይብል። እዛ ስየ ዝመልኣ ከተማ እዚኣ ንሮሜ ምስ መሰጶታምያን ምብራቕን እተራኽብ ቀንዲ ናይ ንግዲ መስመር ስለ ዝነበረት: ካብ ምብራቕ ኢንድስ ቀመማት: ካብ ቻይና ሃሪ: ካብ ፋርስን ታሕተዋይ መሰጶታምያን ከባቢ ሜዲተራንያን ዝርከባ ሃገራትን ከኣ ካልእ ኣቑሑ ዝመላለሰላ: ንግዳዊ ሃብቲ ናይታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብኣኣ ኣቢሉ ይሓልፍ ነበረ። ሮሜ ኣብቲ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ዝመጽእ ነገራት እተመርኰሰት ነበረት።

ብወተሃደራዊ መገዲ: ኣውራጃ ሶርያ ኣብ መንጎ እተን ተወዳደርቲ ሓይልታት ዝነበራ ሮሜን ፋርስን ከም ማእከላይ ዞባ ኰይና ኣገልገለት። ኣብ እዋን እተን ቀዳሞት 250 ዓመታት ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና ርባ ኤፍራጥስ ንሮሜ ካብቲ ምብራቓዊ ከባቢታታ ፈልዩዋ ነበረ። ፓልሚራ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ብምዕራብ ከተማ ዱራዩሮፓስ ኰይና ኣብ ስግር እቲ ምድረ በዳ ትርከብ ነበረት። ፓልሚራ ኣብ ኣገዳሲ ዝዀነ ቦታ ብምንባራ ከም ሃድርያን ከምኡውን ቫለርያን ዝኣመሰሉ ናይ ሮሜ ሃጸያት በጺሖምዋ ኢዮም። ሃድርያን ንዕቤት ጽባቐ እታ ኸተማ ወሰኸሉ: ብዙሕ ልግሲ ዝመልኦ ወፈያታት ድማ ገበረ። እቲ ፓልሚራ ዝዓዱ ኣዲናቲስ ዝስሙ በዓል ቤታ ንዜኖብያ ኣንጻር ፋርስ ዕዉት ወፈራ ብምክያዱ: ንዶብ ግዝኣት ሮሜ ኸኣ ክሳብ መሰጶታምያ ከም ዝበጽሕ ብምግባሩ: ቫለርያን ብ258 ከ.ኣ.ዘ. ሓደ ካብቶም ናይ ሮሜ ሰበ-ስልጣን ከም ዝኸውን ብምግባር ክብ ኣበሎ። ዜኖብያ ሰብኣያ ስልጣን ከም ዝሕዝ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ግደ ነበራ። ጸሓፍ ታሪኽ ኤድዋርድ ጊቦን “እቲ [ናይ ዜኖብያ] መወዳድርቲ ዘይብሉ ምስትውዓልን ጽንዓትን ኣብቲ ኣዲናቲስ ዝረኸቦ ዓወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ጸኒሑ: ሳፑር ንጉስ ፋርስ ንልዕልና ሮሜ ክብድሆ: ኣብ ኵለን እተን ቅድም ናይ ፋርስ ዝነበራ ኣውራጃታት ድማ ልዕልንኡ ከርኢ ወሰነ። ሓያል ሰራዊት ሒዙ ብምምጻእ ኸኣ: ንምዕራብ ገጹ ገስገሰ: ነተን ኒስባስን ካሪን (ሃራን) ዝበሃላ መዓስከር ሰራዊት ሮሜ ዝነበራ ኣብ ትሕቲኡ ኣእተወን: ንሰሜን ሶርያን ቂልቅያን ከዕንወን ድማ ቀጸለ። ሃጸይ ቫለርያን ምስቶም ወረርቲ ኣብ ዝግበር ውግእ ንሓይልታቱ ባዕሉ ክመርሖ ጀመረ: እንተዀነ ግን ተሳዕረ: ብፋርሳውያን ከኣ ተማረኸ።

ኣዲናቲስ ነቲ ፋርሳዊ ንጉስ ክቡር ውህበትን ናይ ሰላም መልእኽትን ክሰደሉ እዋናዊ ኢዩ ኢሉ ሓሰበ። ንጉስ ሳፑር ብትዕቢት እቲ ህያባት ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ክድርበ ኣዘዘ: ኣዲናቲስ ከኣ ከም ሓደ ተማሪኹ ዝልምን ሰብ ኰይኑ ኣብ ቅድሚኡ ከቕርብዎ ሓተተ። ከም መልሰ-ግብሪ ናይዚ ኸኣ እቶም ፓልሚራውያን ነቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝርከብ ናይ ሰበኽ ሳግም ሰራዊትን ነቲ ዝተረፈ ናይ ሮሜ ሓይልታትን ኣኻኺቦም ነቶም ንድሕሪት ዝምለሱ ዝነበሩ ፋርሳውያን ከጥቅዕዎም ጀመሩ። እቶም በቲ እተገብረ ውግእ ደኺሞምን በቲ ዝዘረፍዎ ንብረት ጽዕነት ከቢድዎምን ዝነበረ ናይ ሳፑር ሓይልታት ነቲ ኣጥቂዕካ ናይ ምህዳም ሜላ ናይቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ወተሃደራት ክከላኸልዎ ስለ ዘይከኣሉ ክሃድሙ ተገደዱ።

እቲ ወዲ ቫለርያንን ወራስ ዓራትን ዝዀነ ጋሊነስ: ነቲ ኣዲናቲስ ኣብ ልዕሊ ሳፑር ዝረኸቦ ዓወት ኣፍልጦ ንምሃብ ኮሬክተር ቶትዩስ ኦርየንቲስ (ገዛኢ ናይ ኵሉ ምብራቕ) ዝብል ማዕርግ ሃቦ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኣዲናቲስ ንገዛእ ርእሱ “ንጉሰ ነገስታት” ዝብል መዓርግ ሃባ።

ዜኖብያ ሃጸያዊ ግዝኣት ክትምስርት ትምነ

ኣዲናቲስ ብዕይኡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሐ: ብ267 ከ.ኣ.ዘ. ንሱን እቲ ወራስ ዓራቱ ክኸውን ዝነበሮ ወዱን ተቐትሉ። ቀታሊኦም ከኣ ምናልባት ቂመኛ ዝነበረ ዘመዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዜኖብያ ወዳ ንእሽቶ ስለ ዝነበረ: ነቲ ናይ ሰብኣያ ቦታ ባዕላ ሓዘቶ። መልክዐኛ: ህንጥይቲ: ከም ኣማሓዳሪት መጠን ክኢላ: ምስቲ ዝሞተ በዓል ቤታ ኣብ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ትወፍር ብምንባራ: ሓያሎ ቋንቋታት ድማ ትመልኽ ስለ ዝነበረት: ኣኽብሮትን ደገፍን ናይ ተገዛእታ ክትረክብ ከኣለት። ብሓቂ ነቶም ሶርያውያን ሰበኽ ሳግም ዓቢ ዓወት ነበረ። ናይ ምምሃር ጽምኢ ስለ ዝነበራ ኵሉ ግዜ ምስቶም ምሁራት ትሓብር ነበረት። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ “ህያው ቤተ-መጻሕፍትን ተንቀሳቓሲ ቤተ-መዘክርን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ: ፈላስፋን ኪኢላ ተዛራብን ካሺየ ላንጀይነስ ነበረ። እቲ ስቶንማን ዝበሃል ደራሲ “ኣብተን ድሕሪ ሞት ኣዲናቲስ ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመታት . . . ዜኖብያ ኣብ ኣእምሮ ህዝባ ናይ ምብራቕ ንግስቲ ዝብል ስም ከም ዝህሉ ገይራ ነበረት” ኢሉ ይገልጽ።

ግዝኣት ዜኖብያ ብሓደ ወገን እታ ንሳን በዓል ቤታን ዝደኸሙላ ፋርስ ነበረት: በቲ ሓደ ወገን ከኣ እታ ትዓኑ ዝነበረት ሮሜ ነበረት። እቲ ጀይ. ኤም. ሮበርትስ ዝበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ኵነታት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን . . . ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ሮሜ ሕማቕ ግዜ ነበረ: ኣብ ውሽጢ ኸኣ ሓድሽ ሓድሕዳዊ ኵናትን ምትህልላኽ ዝነበሮ ስልጣን ምሓዝን ነበረ። (ነቶም ሃጸያት ኢና በሃልቲ ከይሓወስካ) ዕስራን ክልተን ሃጸያት ስልጣን ሒዞም ዳሕራይ ከኣ ወሪዶም ኢዮም።” በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: እዛ ናይ ሶርያ ንግስቲ እዚኣ ኣብቲ ግዝኣታ ኣዝያ ዝደልደለት ገዛኢት ነበረት። ስቶንማን “ንኽልቲኡ ግዝኣት [ናይ ፋርስን ሮሜን] ብምቍጽጻር: ንኽልቲኡ ዘመሓድር ሳልሳይ ግዝኣት ንኽትምስርት ክትምነ ከኣለት” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።

ብ269 ከ.ኣ.ዘ. ሓደ ኣብ ሮሜ ገዛኢ ክኸውን ይግብኣኒ ኢዩ ዝብል ሰብ ኣብ ግብጺ ምስ ተቐልቀለ: ዜኖብያ ንጉሳዊ ስልጣና እተስፋሕፍሓሉ ኣጋጣሚ ረኸበት። እቲ ናይ ዜኖብያ ሰራዊት ብቕልጡፍ ናብ ግብጺ ከደ: ነቲ ዓላዊ ደምሰሶ: ነታ ሃገር ከኣ ተቘጻጸራ። ንግስቲ ግብጺ ኢየ ኢላ ብምእዋጅ ድማ: ብስማ ሰናቲም ኣሕተመት። ኣብዚ ግዜ እዚ ግዝኣታ ካብ ፈለግ ኒል ክሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ተዘርግሐ። መንግስታ ሽዑ ንደቡባዊ ክፍሊ ዓዲ ዳንኤል ተቘጻጺርዎ ስለ ዝነበረ: ኣብዚ ደረጃ እዚ ቦታ ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዝዛረበሉ “ንጉስ ደቡብ” ክትሕዝ ከኣለት። (ዳንኤል 11:⁠25, 26) ንዝሰፍሐ ንእሽቶ እስያ እውን ኣብ ትሕቲኣ የእትያቶ ነበረት።

ዜኖብያ ነታ ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት ፓልሚራ ከም እትሕይልን እትጽብቕን ብምግባራ: ምስተን ዓበይቲ ከተማታት ሮሜ ክሳዕ ምስራዕ በጺሓ ነበረት። ተቐማጦኣ ልዕሊ 150,000 በጺሑ ነይሩ ተባሂሉ ይግመት። እታ ኸተማ ግሩም ብዝዀነ መንበሪ ህንጻታት: ኣብያተ-መቕደስ: ጀራዲን: ዓንድታት: ከምኡውን ቅርስታት መሊኣ ነበረት። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ 21 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዙርያ ዝነበሮ መናድቕ ይርከብ ነበረ። እቲ ዓቢ ጐደና በቲ ገለ 1,500 ዝኸውን ልዕሊ 15 ሜትሮ ዝበጽሕ ብምልኩዕ መስርዕ ዝቘመ ጽኑዕ ኣዕኑድ መሊኡ ነበረ። እታ ኸተማ ብሓወልትን ካብ ኣፍ ልቢ ንላዕሊ እተቐርጸ ምስሊ ጀጋኑን ሃብታማት ገበርቲ ሰናይን መሊኣ ነበረት። ብ271 ከ.ኣ.ዘ. ዜኖብያ ናታን ናይቲ ዝሞተ በዓል ቤታን ክልተ ሓወልቲ ኣቘመት። ፓልሚራ ኣብ ወሰን እቲ ምድረ በዳ: ከም ስልማት ኣብለጭለጨት።

እቲ ናይ ጸሓይ ቤት መቕደስ ሓደ ካብቲ ናይ ፓልሚራ ዝጸበቐ ህንጻታት ነበረ: ሃይማኖታዊ ኵነታት ናይታ ኸተማ ኸኣ በዚ ቤት መቕደስ እዚ ተዓብሊሉ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዜኖብያ እውን ምስ ናይ ጸሓይ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ጣኦት ተምልኽ ምንባራ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሶርያ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ብዙሕ ሃይማኖታት ዝነበራ ሃገር ነበረት። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዜኖብያ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ: ኣይሁድ: ቈጸርቲ ከዋኽብቲ: ከምኡውን ጸሓይን ወርሕን ዘምልኹ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዝኣታ ዝነበረ እተፈላለየ ኣገባብ ኣምልኾ እንታይ ኣረኣእያ ነበራ፧ ደራሲ ስቶንማን ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ሓንቲ ጥበበኛ ገዛኢት ንህዝባ ዝሰማማዕ መሲሉ ዝርአ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ሸለል ኣይትብሎን ኢያ። . . . ከምቲ ተስፋ ዝገበረቶ እቶም ኣማልኽቲ ኣብ ጐና ኢዮም ነይሮም።” ዜኖብያ እተፈላለየ ሃይማኖት ክህሉ ፈቒዳ ከም ዝነበረት ርዱእ ኢዩ። ብሓቂ ግን “ኣማልኽቲ ኣብ ጐና” ነይሮምዶ ኢዮም፧ ናይ ፓልሚራ ከምኡውን ናይታ “ጥበበኛ ገዛኢት” መጻኢ እንታይ ነበረ፧

ሓደ ሃጸይ ኣንጻር ዜኖብያ ‘ተቢዑ ይትንስእ’

ብ270 ከ.ኣ.ዘ. ኣውሪልየን ናይ ሮሜ ሃጸይ ኰነ። ሰራዊቱ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኣንጻር እቶም ብሰሜን ዝነበሩ ባርባራውያን ተንስኡ: ጽቡቕ ገይሮም ድማ ቀጽዕዎም። ብ271 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ሽዑ ነቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል እተገልጸ “ንጉስ ሰሜን” ዝውክል ዝነበረ ኣውሪልየን: ‘ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ [እቲ ብዜኖብያ ዝውከል] ንጉስ ደቡብ ኣተንስአ።’ (ዳንኤል 11:⁠25ሀ) ንገለ ካብ ሓይልታቱ ብቐጥታ ናብ ግብጺ ሰደዶ: ነቲ ቐንዲ ሰራዊቱ ድማ ብወገን ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ንእሽቶ እስያ መርሖ።

እቲ ብዜኖብያ ተወኪሉ ዝነበረ ንጉስ ደቡብ ብዛብዳስን ዘባይን ዝብሃሉ ክልተ ጀነራላት ዝምራሕ “ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዙ” ኣንጻር ኣውሪልየን ንውግእ ‘ተስአ።’ (ዳንኤል 11:⁠25ለ) ኣውሪልየን ግን ንግብጺ ሓዛ: ድሕርዚ ድማ ብናህሪ ናብ ንእሽቶ እስያን ሶርያን ክኸይድ ጀመረ። ዜኖብያ ኣብ ኤሜሳ (ሕጂ ሆምስ) ተሳዕረት: ናብ ፓልሚራ ድማ ተመልሰት።

ኣውሪልየን ንፓልሚራ ምስ ከበባ: ዜኖብያ ሓገዝ ክትረክብ ኢላ ምስ ወዳ ናብ ፋርስ ገጻ ሃደመት: እንተዀነ ግን ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ብሮማውያን ተማረኸት። ፓልሚራውያን ብ272 ከ.ኣ.ዘ. ኢዶም ምስ ሃቡ ከተማኦም ተታሕዘት። ኣውሪልየን ነቶም ተቐማጦ እታ ኸተማ ጽቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖም: ነቲ ኣብ ናይ ጸሓይ ቤት መቕደስ ዝርከብ ጣኦት ሓዊስካ ኣዝዩ ብዙሕ እተዘምተ ንብረት ኣከበ: ናብ ሮሜ ድማ ተወስደ። እቲ ናይ ሮሜ ሃጸይ ንዜኖብያ ኣይቀተላን: ብ274 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ኣብቲ ኣብ ሮሜ ዝገበሮ ናይ ዓወቱ ዑደት ኣብ ትርኢት ኣቕረባ። ነቲ ዝተረፈ ህይወታ ከም ናይ ሮሜ ብልጽቲ ሰበይቲ ኰይና ኣሕለፈቶ።

እታ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረት ከተማ ዓነወት

ኣውሪልየን ንፓልሚራ ምስ ሓዛ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: እቶም ፓልሚራውያን ነቲ ኣውሪልየን ገዲፍዎ ዝኸደ ሰራዊት ብጃምላ ቀተልዎ። ኣውሪልየን ነዚ ዕልወት እዚ ምስ ሰምዐ: ብኡንብኡ ንወተሃደራቱ ናብ ፓልሚራ ክምለሱ ኣዘዞም: ንሳቶም ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘስካሕክሕ መዓት ብምውራድ ሕነ ፈደዩ። እቶም ካብዚ ጭከና ዝመልኦ ቅትለት እዚ ዝደሓኑ ሰባት ንባርነት ተወስዱ። እዛ ትምክሕቲ ዝነበራ ከተማ እዚኣ ተዘምተት: ካልኣይ ግዜ ከም ዘይትህነጽ ኰይና ድማ ዓነወት። ስለዚ ኸኣ እዛ ምንቅስቓስ መሊእዋ ዝነበረት ውርይቲ ከተማ ፈረሰት: ናብቲ ‘ኣብ በረኻ ዝርከብ ታድሞር’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ቀደም ኵነታታ ድማ ተመልሰት።

ዜኖብያ ብትብዓት ምስ ሮሜ ምስ ተወዳደረት: ንሳን ሃጸይ ኣውሪልየንን ነቲ ቅድሚ 800 ዓመታት ብነብዪ የሆዋ ብዝርዝር እተመዝገበ ትንቢት ብምፍጻም: ከይተፈለጦም ከም ‘ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን’ ብምዃን ግዲኦም ገበሩ። (ዳንኤል ምዕራፍ 11) ዜኖብያ በቲ ዘገርም ባህሪኣ ብብዙሓት ሰባት ናእዳ ኣትረፈት። እቲ ንፖለቲካዊ መዳይ ብምውካል ዝነበራ ግደ ግን ኣብቲ ብዳንኤል ኣቐዲሙ እተነግረ ትንቢት ዝዓበየ ትርጕም ነበሮ። ግዝኣታ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ኣይቀጸለን። እታ ርእሲ ከተማ ናይ መንግስቲ ዜኖብያ ዝነበረት ፓልሚራ ሎሚ ቍሸት ኰይና ተሪፋ ኣላ። እታ ሓያል ዝነበረት ናይ ሮሜ ሃጸያዊት ግዝኣት እውን ከይተረፈ ካብ እትደክም ነዊሕ ዓመታት ኣሕሊፋ: ንዘመናውያን መንግስታት እውን ኢዳ ሂባ ኢያ። መጻኢ ናይዞም ሓይልታት እዚኣቶምከ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ መጻኢ ኵነታቶም እውን በቲ ርግጽ ዝዀነ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝውሰን።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ዜኖብያ ውርሻ

ሃጸይ ኣውሪልየን ነታ ናይ ፓልሚራ ንግስቲ ዝነበረት ዜኖብያ ስዒሩ ናብ ሮሜ ምስ ተመልሰ: ንናይ ጸሓይ ኣምልኾ ዝኸውን ቤት መቕደስ ሃነጸ። ነቲ ካብታ ከተማ ዘምጽኦ ሓወልትታት ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ኣቐመጦ። እታ ሂስትሪ ቱደይ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ካብ ኵሉ እቲ ናይ ኣውሪልየን ተግባራት ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ምናልባት እቲ ብ274 ዓመተ-ምህረት ዝቘመ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ 25 ታሕሳስ ዝውዕል ዓመታዊ ናይ ጸሓይ በዓል ከይኰነ ኣይተርፍን ኢዩ። እቲ ሃጸይ ክርስትያን ምስ ኰነ: እቶም ነቲ ናይ ቅድም በዓላት ዝፈትዉ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ሓድሽ ሃይማኖት እዚ ደስ ኢልዎም ምእንቲ ክቕበልዎ ነታ ክርስቶስ እተወልደላ መዓልቲ ናብዛ ዕለት እዚኣ ኣሳገራ። እዚ ዘገርም ሓሳብ ኢዩ: ከመይሲ [ሰባት] ንልደት ዘብዕልዎ . . . ምሉእ ብምሉእ ብምኽንያት ንግስቲ ዜኖብያ ክኸውን ኣለዎ።”

[ካርታ/​ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ባሕሪ ሜዲተራንያን

ሶርያ

ኣንጾክያ

ኤሜሳ (ሆምስ)

ፓልሚራ

ደማስቆ

መሰጶታምያ

ኤፍ ራጥስ

ካሪ (ሃራን)

ኒስቢስ

ዱራ-​ኢሮፖስ

[ምንጪ ስእልታት]

Map: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

Colonnade: Michael Nicholson/Corbis

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንኣውሪልየን ዝገልጽ ዝነበረ ክኸውን ዝኽእል ናይ ሮሜ ሳንቲም

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ ፓልሚራ ዝነበረ ናይ ጸሓይ ቤት መቕደስ

[ምንጪ ስእሊ]

The Complete Encyclopedia of Illustration/​J. G. Heck

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንግስቲ ዜኖብያ ንወተሃደራታ መደረ እናኣስማዓቶም ከላ

[ምንጪ ስእሊ]

Giovanni Battista Tiepolo, Queen Zenobia Addressing Her Soldiers, Samuel H. Kress Collection, Photograph © Board of Trustees, National Gallery of Art, Washington

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Detail of: Giovanni Battista Tiepolo, Queen Zenobia Addressing Her Soldiers, Samuel H. Kress Collection, Photograph © Board of Trustees, National Gallery of Art, Washington

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ