ንኣተሓሳስባኻ ዝቐርጾ መን ኢዩ፧
“ከምዚ ግበር ከምዚ ድገም ኢሉ ዝነግረኒ ሰብ ኣይደልን ኢየ! ባዕለይ ኣለኹዎ!” ትርር ኢልካ ከምዚ ምባል: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብቲ እትገብሮ ውሳነን ብዙሕ እምንቶ ከም ዘለካ ዘርኢ ኢዩ። ከምኡ ድዩ ዝስምዓካ፧ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክውስነልካ ከም ዘይብሉ ርዱእ ኢዩ። ጽቡቕ ኰይኑ ክርከብ ንዝኽእል ምኽሪ ቅልጥፍ ኢልካ ምንጻጉ ግን ጥበብ ድዩ፧ ጥበብ ዝመልኦ ውሳነ ንኽትገብር ዋላ ሓደ ሰብ ድዩ ፈጺሙ ክሕግዘካ ዘይክእል፧ ዝዀነ ዀይኑ: ከይተፈለጠካ እውን ከይተረፈ ሓደ ሰብ ንኣተሓሳስባኻ ክቐርጾ ከም ዘይክእል ብሓቂ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ዲኻ፧
ንኣብነት: እቲ ናይ ሂትለር ሚኒስተር ፕሮፓጋንዳ ዝነበረ ዮዜፍ ጐበልስ ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ነቲ ናይ ጀርመን ናይ ፊልም ኢንዱስትሪ ተቘጻጸሮ። ስለምንታይ፧ እዚ “ነቲ ናይ ሰባት እምነታትን ጠባይን ንኽጸልዎ” ዘኽእሎ ሓለፍ ዝበለ ሓያል መሳርሒ ከም ዝዀኖ ስለ እተገንዘበ ኢዩ። (ፕሮፓጋንዳ ኤንድ ዘ ጀርማን ሲነማ 1933-1945 ) ምናልባት ነዚ ንዝሓስብ ኣእምሮ ዘለዎም ተራ ሰባት ንናይ ናዚ ፍልስፍና ብዘይ ምስትውዓል ከም ዝስዕቡ ብምግባር ዘሰምብድ ውጽኢት ዘምጽአ ሜላን ካልእ ብልሓትን ትፈልጦ ትኸውን።
እንታይ ከም እትሓስብን እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ከም እትወስድን ኵሉ ግዜ ብስምዒትን ኣረኣእያን ናይቶም እትሰምዖም ሰባት ብገለ መገዲ ዝጽሎ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። እዚ ኸኣ ግድን ሕማቕ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ። እቶም ጽልዋ ዝገብሩልካ ሰባት ከም መማህራን: ኣዕሩኽ: ወይ ወለዲ ዝኣመሰሉ ብኣኻ ኣዝዮም ዝግደሱ ሰባት እንተድኣ ዀይኖም: ካብቲ ምኽሮምን ማዕድኦምን ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። እንተዀነ ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ብገዛእ ርእሶም ጥራይ ኣዝዮም ዝግደሱ: ንባዕሎም ብጌጋ ዝምርሑ ወይ ብልሹው ኣተሓሳስባ ዘለዎም: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎም ዘሎ ኸኣ ‘መስሓትቲ’ እንተድኣ ዀይኖም: ተጠንቀቕ!—ቲቶስ 1:10፣ ዘዳግም 13:6-8
ስለዚ እምበኣር: ዋላ ሓደ ሰብ ክጸልወኒ ኣይክእልን ኢዩ ኢልካ ብምሕሳብ ኣይትቕሰን። (ምስ 1 ቈረንቶስ 10:12 ኣረኣእዮ።) ካብቲ ክትእመነሉ እትኽእል ንላዕሊ: አረ ፈጺምካ ከይስተብሃልካሉ እውን ድሮ ትጽሎ ትህሉ ትኸውን። ነቲ ዕዳጋ ክትከይድ ከሎኻ ክትገዝኦ ዝወሰንካዮ ነገር ዝምልከት ቀሊል ኣብነት ውሰድ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ምሉእ ብምሉእ ናይ ብሕትኻን ምኽንያታውን ውሳነ ድዩ፧ ወይስ ካልኦት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ረቂቕ ብዝዀነ ዘይርአ ሓያል መገዲ ገይሮም ንምርጫኻ ይጸልዉዎ ኢዮም፧ እቲ ኤሪክ ክላርክ ዝበሃል መርማሪ ጋዜጠኛ ንምርጫና ከም ዝጸልዉዎ ይዛረብ። “ብዙሕ ረክላም ምስ እንርእን እንሰምዕን: ነቲ ናይ ረክላም ጽልዋ ብዙሕ ከም ዘይነስተውዕሎን ኣዚና ከም እንትንከፍን እተረጋገጸ ኢዩ” ይብል። ሰባት ረክላም ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ምስ ተሓተቱ ኸኣ “መብዛሕትኦም ውጽኢታዊ ምዃኑ: ኣባታቶም ግን ከም ዘይሰርሕ ይሰማምዕሉ ምዃኖም” እውን ጸብጻብ ይህብ። ሰባት: ኵሉ ሰብ እተቓልዐ: ንሳቶም ግን ዘይተቓልዑ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። “ምሉእ ብምሉእ ካብ ናይ ረክላም መጥቃዕቲ ናጻ ዝዀኑ ኢዩ ዝመስል።”—ዘ ዎንት መይከርስ (እንግሊዝኛ)
ኣብ ናይ ሰይጣን ቅርጺ ኣቲኻ ዲኻ፧
እቲ መዓልቲ መዓልቲ ጽልዋ ዝገብረልካ ረክላም ከቢድ ሳዕቤን ዘየምጽኣልካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ካልእ ጽልዋ ግን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ንኻልኦት ከም ድላዩ ገይሩ ንምቍጽጻር ክኢላ ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ። (ራእይ 12:9) እቲ ፍልስፍንኡ ብመሰረቱ ምስ ኣተሓሳስባ ናይቲ ንዓማዊል ክትጸልወሉ እትኽእል ክልተ መገድታት ከም ዘሎ: ንሱ ድማ “ብምትላልን ጽልዋ ብምግባርን” ከም ዝዀነ ዝሓበረ ናይ ረክላም ወኪል ዝመሳሰል ኢዩ። ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑን ረክላም ዝገብሩን ሰባት ኣተሓሳስባኻ ንምቕራጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ረቂቕ ሜላ ክጥቀሙ ካብ ከኣሉ: ሰይጣን ተመሳሳሊ ሜላታት ንምጥቃም ድኣ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክኢላ ኢዩ!—ዮሃንስ 8:44
ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። ገለ ካብቶም ብጾቱ ክርስትያናት ተሃሚሎም ኣደዳ ውዲት ሰይጣን ከይኰኑ ስግኣት ሓዲርዎ ኢዩ። “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 11:3) ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣርዚንካ ርኣዮ። እንተ ዘይኰነ ልክዕ ከምቶም ፕሮፖጋንዳን ጽልዋን ሳዕቤን ከም ዘለዎ: “ኣባታቶም ግን ከም ዘይሰርሕ” ዝኣምኑ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ሰይጣን ፕሮፖጋንዳ ዘስልጥ ምዃኑ ኣብቲ መለለዪ እዚ ወለዶ እዚ ዝዀነ ኣብ ከባቢና ዘሎ ጭከናን እከይን ግብዝናን ብንጹር ይርአ ኢዩ።
ስለዚ ኸኣ: ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ከይመስልዋ’ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:2) ሓደ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ናይ ጳውሎስ ቃላት እዚኣተን “እዛ ኣብ ከባቢኹም ዘላ ዓለም ጭፍልቕ ኣቢላ ኣብቲ ናታ ቅርጺ ከተእትወኩም ኣይተፍቅዱላ” ብምባል ብኻልእ መገዲ ይገልጸን። (ሮሜ 12:2 ፊሊፕስ ) ልክዕ ከምቲ ሓደ ናይ ጥንቲ ሰራሕ መሬት ነቲ ዝደለዮ ምልክት ንምግባርን ቅርጺ ንምትሓዝን ሓይሊ ተጠቒሙ ነቲ መሬት ከም ዝደለዮ ዝገብሮ: ሰይጣን እውን ኣብቲ ናቱ ቅርጺ ከእትወካ ዝከኣሎ ዅሉ ኢዩ ዝጽዕር። ሰይጣን ከምኡ ንምግባር ዘኽእሎ እተዳለወ ናይ ዓለም ፖለቲካ: ንግዲ: ሃይማኖትን ምዝንጋዕን ኣለዎ። ጽልውኡ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝነበረ: ሎሚውን ኣዝዩ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። ዮሃንስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ’ በለ። (1 ዮሃንስ 5:19፣ 2 ቈረንቶስ 4:4 እውን ርአ።) ሰይጣን ንሰባት ንምትላልን ኣተሓሳስባኦም ንምብካልን ክእለት ከም ዘለዎ ትጠራጠር እንተድኣ ዄንካ: ነዚ ክእለት እዚ ኣብቶም ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብምልኦም ከመይ ገይሩ ብስሉጥ መገዲ ከም እተጠቕመሉ ዘክር። (1 ቈረንቶስ 10:6-12) ንዓኻኸ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከጋጥመካ ይኽእልዶ፧ ኣእምሮኻ ነቲ መታለሊ ዝዀነ ናይ ሰይጣን ጽልዋ እንተድኣ ከፊትካሉ ከጋጥመካ ይኽእል ኢዩ።
ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ፍለጦ
ብሓፈሻ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላሕታዊ ሓይልታት ንኣተሓሳስባኻ ዝጸልዎ እንተድኣ ኣፍቂድካሉ ጥራይ ኢዩ። ቫንስ ፓካርድ ኣብታ ዘ ሂድን ፐርስወይደርስ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብሪህዎ ኣሎ:- “ንኸምዚ ዝኣመሰለ [ሕቡእ] መታለሊ ክንምክተሉ እንኽእል ጽኑዕ መከላኸሊ ገና ኣሎና:- ንኸይንታለል ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኵነታት ገና ምርጫ ኣሎና: ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር እንተድኣ ፈሊጥናዮ ኸኣ ብቐሊሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ካልኦት ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና።” እዚ ኣብ ፕሮፓጋንዳን ምትላልን እውን ዝውዕል ኢዩ።
ርግጽ ኢዩ: ‘ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ንምፍላጥ’ ኣእምሮኻ ነቲ ጽቡቕ ጽልዋታት ንኽቕበሎ ክትከፍቶ ኣሎካ። ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ብግቡእ ክሰርሕ እንተድኣ ዀይኑ: ልክዕ ከምቲ ጥዑይ ኣካል ብጽቡቕ ክምገብ የድልዮ። (ምሳሌ 5:1, 2) እኹል ሓበሬታ ዘይምርካብ ልክዕ ከምቲ ግጉይ ሓበሬታ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንኣእምሮኻ ካብ መታለሊ ሓሳባትን ፍልስፍናን ከተዕቝቦ ከም ዘድልየካ ሓቂ እኳ እንተዀነ: ንዅሉ እቲ ዝዋሃበካ ምኽሪ ወይ ሓበሬታ ናይ ምጥርጣር ዝንባለ ከይተማዕብል ግን ጽዓር።—1 ዮሃንስ 4:1
ብቕንዕና ከተእምን ምጽዓር ከምቲ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎ ፕሮፓጋንዳ ኣይኰነን። እቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ‘ነቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ዝበጽሑ’ ሰባት ክጥንቀቐሎም ሃዋርያ ጳውሎስ ብርግጽ ምዒድዎ ኢዩ። ቀጺሉ ግን “ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ . . . በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:13, 14) እቲ ኣብ ኣእምሮኻ እተእትዎ ዝዀነ ይኹን ነገር ብእተወሰነ ደረጃ ስለ ዝጸልወካ: እዚኣቶም ብገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ብኣኻ ኣዝዮም ዝግደሱ ሰባት ምዃኖም ንምርግጋጽ እቲ መፍትሕ ‘እትምሃሮ ነገራት ካብ እንመን ምዃኑ ምፍላጥ’ ኢዩ።
እቲ ምርጫ ናትካ ኢዩ። ናይዛ ዓለም እዚኣ ፍልስፍናን ኣገባብን ንኣተሓሳስባኻ ክጸልዎ ብምፍቃድ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ንኽትመስል’ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 12:2) እዛ ዓለም እዚኣ ግን ብኣኻ ኣዝያ እትግደስ ኣይኰነትን። ስለዚ ኸኣ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ብልማድ ሰብ . . . ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ብምባል ይመክር። (ቈሎሴ 2:8) በዚ መገዲ እዚ ኣብ ናይ ሰይጣን ቅርጺ ክትኣቱ ወይ ‘ብእኡ ክትማረኽ’ ጻዕሪ ኣይሓትትን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ካብ ሽጋራ ዘትክኽ ካልእ ሰብ ዝመጽእ ትኪ ኢዩ። ነቲ እተበከለ ኣየር ብምስትንፋስ ብቐሊሉ ክትጕዳእ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ “ኣየር” እዚ ካብ ምትንፋስ ክትርሕቕ ግን ትኽእል ኢኻ። (ኤፌሶን 2:2) ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ” ዝብል ምኽሪ ጳውሎስ ኣቕልበሉ። (ሮሜ 12:2) እዚ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-5) የሆዋ ካልኦት ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክዀኑ ከም ዘየገድድ ኣይትረስዕ። ንዅሉ እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ሓበሬታ ይገልጾ ኢዩ: ካብኡ ንኽትጥቀም ግን ነቲ ሓበሬታ ከተቕልበሉ: ንኣተሓሳስባኻ ክጸልዎ ድማ ከተፍቅደሉ ኣሎካ። (ኢሳይያስ 30:20, 21፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13) ንኣእምሮኻ በቲ ኣብ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ማለት ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ክትመልኦ ፍቓደኛ ክትከውን ኣሎካ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17
የሆዋ ክቐርጸካ ኣፍቅደሉ
ካብቲ የሆዋ ዝቐርጸሉ ጽልዋ ክትጥቀም እንተድኣ ደሊኻ ብወገንካ ወለንታውን እዙዝን መልሰ-ግብሪ ከተርኢ ኣድላዪ ምዃኑ: ኣብቲ የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ ናብ ቤት ዕዮ ሰራሕ መሬት ክኸይድ ክነግሮ ኸሎ እተጠቕመሉ ምሳሌ ብሓያል መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ሰራሕ መሬት ክሰርሖ ዝጽዕር ዝነበረ ኣቕሓ “ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ምስ ተጸየቐ” ሓሳባቱ ቀይሩ ነቲ ኣቕሓ እቲ እንታይ ከም ዝገብሮ ርእዩ ኢዩ። ድሕርዚ የሆዋ “ኣቱም ቤት እስራኤል: ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከአለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል: እንሆ: ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ: ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም” በለ። (ኤርምያስ 18:1-6) ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ኣብ ኢድ የሆዋ ከምቲ ንሱ ናብ ዝደለዮ ዓይነት ኣቕሓ ወይ ካልእ ነገር ከም ድላዩ ገይሩ ዝቐርጾ ህይወት ዘይብሉ መሬት ኢዮም ነይሮም ማለት ድዩ፧
ምንም እኳ ሓደ ሰብኣዊ ሰራሕ መሬት እቲ ዝሰርሖ ኣቕሓ ምስ ዝጽየቕ ብሓላፍነት ክሕተት ዝኽእል እንተዀነ: የሆዋ ግን ነቲ ዅሉ ዝኽእል ሓይሉ ንሰባት ኣንጻር ድሌቶም ከም ዝኸዱ ንምግባር ስለ ዘይጥቀመሉ ኣብቲ ዝሰርሖ ነገር ጕድለት ምስ ዝርአ ተሓታቲ ኣይኰነን። (ዘዳግም 32:4) ጕድለት ክርከብ ዝኽእል እቶም የሆዋ ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ክቐርጾም ዝፍትን ሰባት ንመምርሒኡ ምስ ዝቃወምዎ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘይብሉ መሬትን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ እዚ ኢዩ። ንስኻ ናጻ ድሌት ኣሎካ። ንዕኡ ተጠቒምካ ድማ እቲ ናይ የሆዋ ጽልዋ ክቐርጸካ ክትፈቕደሉ ወይ ብፍላጥ ክትነጽጐ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ኰን ኢዩ! ብትዕቢት ተነፊሕካ “ባዕለይ ኣሎኹዎ” ኣብ ክንዲ ምባል ንድምጺ የሆዋ ምስማዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ! ኵላትና: እቲ ክመርሓና ዝኽእል ጽልዋ የሆዋ የድልየና ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ልክዕ ከምቲ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ዝጸለየ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኩን። (መዝሙር 25:4) ንጉስ ሰሎሞን ‘እቲ ጠቢብ ይሰምዕ ፍልጠቱውን ይውስኽ’ ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 1:5) ንስኻኸ ክትሰምዕ ዲኻ፧ እንተድኣ ሰሚዕካ: ሽዑ “ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቝበካ እያ።”—ምሳሌ 2:11