ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/5 ገጽ 3-6
  • ምስ ስድራቤትካ ግዜ ተሕልፍዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ስድራቤትካ ግዜ ተሕልፍዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ዘሎ ጋግ
  • ጥንቃቐ ዘለዎ ጻዕሪ የድሊ
  • ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓገዝ
  • ኣቱም ወለድን ውሉዳትን፡ ብፍቕሪ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንሓልዮት ስድራቤት ዝምልከት ሓላፍነት ምስካም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/5 ገጽ 3-6

ምስ ስድራቤትካ ግዜ ተሕልፍዶ ኢኻ፧

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ጋዜጣ ማያኒቺ ሺምቡን ብቛንቋ ጃፓን ከምዚ ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት:- “ጃፓናውያን ኣቦታት ብስራሕ ትሑዛትን ምስ ደቆም ዘይጻወቱን እኳ እንተዀኑ: ደቆም ግን የፍቅርዎም ኢዮም።” እታ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ ኣብቲ ብመንግስቲ እተገብረ መጽናዕቲ 87.8 ሚእታዊት ቈልዑ ጃፓን: ኣቦታቶም ምስ ኣረጉ ክጥውርዎም ባህጊ ከም ዘለዎም ገሊጾም። ናይታ ጋዜጣ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ግን ንተመሳሳሊ ዓንቀጽ እተፈልየ ኣርእስቲ ሒዛ ወጸት። ከምዚ ድማ ይንበብ:- “ኣቦታትን ደቆምን:- ሸለል ናይ ምባል ጕዳይ።” እታ ዓንቀጽ ካብታ ናይ ቋንቋ ጃፓን ሕታም ፍልይ ብዝበለ መገዲ ካብቲ መጽናዕቲ ካልእ መዳያት ኣጕልሐት:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጃፓናውያን ኣቦታት 36 ደቓይቕ ጥራይ ኢዮም ምስ ደቆም ዘሕልፉ። ምስዚ ክነጻጸር ከሎ: ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝርከቡ ኣቦታት ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ 44 ደቓይቕ ከሕልፉ ኸለዉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ 56 ደቓይቕ የሕልፉ።

ምስ ደቆም ብዙሕ ግዜ ዘየሕልፉ: ኣቦታት ጥራይ ኣይኰኑን። ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣዴታት እውን ካብ ቤት ወጻኢ ይሰርሓ ኣለዋ። ንኣብነት: ብዙሓት ንጽል ኣዴታት ንስድራቤተን ምእንቲ ኽድግፋ ስራሕ ክወፍራ ኣለወን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ወለዲ​—⁠ኣቦታትን ኣዴታትን​—⁠ምስ ደቆም ዘሕልፍዎ ግዜ ይጐድል ኣሎ።

ብ1997 ኣብቶም ካብ 12,000 ዝዛይዱ ኣመሪካውያን ኮተቴታት እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ምስ ወለዶም ጥብቂ ርክብ ዘለዎም መንእሰያት ከም ምጭናቕ: ርእሰ-ቕትለት ክትፍጽም ምሕሳብ: ኣብ ዓመጽ ምክፋል: ወይ ወልፊ ዘትሕዙ ነገራት ምውሳድ ዝኣመሰሉ ጸገማት የብሎምን። ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ኸኣ ሰፊሕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባሩ ከምዚ በለ:- “ቈልዑ ክደልዩኻ ኸለዉ እንተ ዘይረኺቦምኻ ምስኦም ጥብቂ ዝምድና ክህልወካ ኣይክእልን ኢዩ።” ምስ ደቅኻ ግዜ ምሕላፍን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ኣገዳሲ ኢዩ።

ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ዘሎ ጋግ

ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ብቐሊሉ ጋግ ክፍጠር ዝኽእል: ብፍላይ እቶም ወለዲ ንእተመዘዝዎ ስራሕ ኢሎም ካብ ቤቶም ርሒቖም ዝነብሩ ምስ ዝዀኑ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ዘሎ ጋግ ኣብተን ወለዲ ካብ ቤቶም ርሒቖም ዝሰርሑ ዘለዉወን ስድራቤታት ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። ገለ ወለዲ ዋላኳ ኣብ ቤቶም ዝነብሩ እንተዀኑ: ደቆም ከይተስኡ ኣንጊሆም ናብ ስርሖም ይወፍሩ: ምስ ደቀሱ ኸኣ ናብ ቤቶም ይምለሱ። ገለ ወለዲ ነዚ ንምጥጣእ: ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን በዓላትን ምስ ስድራቤቶም ግዜ የሕልፉ ኢዮም። ምስ ደቆም ጥራይ ዘሕልፍዎ “እተወሰነ” ግዜ ከም ዘለዎም ይዛረቡ ኢዮም።

ይኹን እምበር: በዚ ንዕኦም ጥራይ እተወሰነ ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ነቲ ዘድልዮም ነገራት ኵሉ ክትገብረሎም ትኽእልዶ ኢኻ፧ ሎረንስ ስታይንበርግ ዝበሃል ተመራማሪ ከምዚ ብምባል መልሲ ይህብ:- “ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ: እቶም ምስ ወለዶም ዝበዝሐ ግዜ ዘሕልፉ ቈልዑ ካብቶም ሒደት ግዜ ዘሕልፉ ዝሓሹ ኢዮም። ነቲ ዝጐደለ ግዜ ከተማልእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝመስል። ብዛዕባ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ ግዜ ዝወሃብ ሓሳባት እተጋነነ ኢዩ።” ሓንቲ ጓል በርማ ሰበይቲ ልክዕ ከምዚ ኢዩ ዝስምዓ። እቲ ጃፓናዊ ሰብኣያ ሰዓት ሓደ ወይ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ኢዩ ካብ ስራሕ ዝኣቱ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምስ ስድራቤቱ ግዜ ዘሕልፍ እኳ እንተዀነ: ሰበይቱ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ገዛ ምውዓል ነቲ ኣብ ካልእ መዓልታት ምስ ስድራቤትካ ብዘይምርኻብ እተፈጥረ ሃጓፍ ኣይዓብሶን ኢዩ። . . . ነቲ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት እትበልዖ መግቢ ብምሉኡ ከይበላዕካ ኣጽኒሕካ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ክትበልዖዶ ትኽእል ኢኻ፧”

ጥንቃቐ ዘለዎ ጻዕሪ የድሊ

ኣብ ስድራቤት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ ምዕቃብ: ካብ ክትገብሮ ክትብሎ ይቐልል። ንናብራ ዘድሊ ነገራት ንምምእራርን ንስድራቤት ዘድሊ ንምቕራብን ሓላፍነት ዘለዎ ኣቦ ወይ ሓላፍነት ዘለዋ ሰራሕተኛ ኣደ ምስ ስድራቤቶም ግዜ ከሕልፉ ቀሊል ኣይኰነን። መብዛሕትኦም እቶም ኵነታቶም ካብ ቤት ርሒቖም ክነብሩ ዘገድዶም ሰባት ቴሌፎን ብምድዋል ወይ ደብዳበ ብምጽሓፍ ብቐጻሊ ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ኢዮም። እንተዀነ ግን ኣብ ቤት ይሃልዉ ወይ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ ምስ ስድራቤት ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ ንምግባር ጥንቃቐ ዘለዎ ጻዕሪ የድሊ።

እቶም ምስ ስድራቤቶም ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዘለዎም ሓላፍነት ሸለል ዝብልዎ ወለዲ: ዋጋ ሸለልትነቶም ይቕበሉ ኢዮም። ሓደ ምስ ስድራቤቱ ብዙሕ ግዜ ዘየሕልፍ: ሕሉፍ ሓሊፉውን ምስኦም ኣብ መኣዲ ዘይቅረብ ዝነበረ ኣቦ: ከቢድ ሳዕቤን ኣምጽኣሉ። ወዱ ዓመጸኛ ዀነ: ጓሉ ድማ ካብ ድኳን ክትሰርቕ ተታሕዘት። ሓደ ሰንበት ንግሆ እቲ ኣቦ: ጎልፍ ክጻወት ክኸይድ እናተዳለወ ኸሎ እቲ ወዱ ሃንደበት ብሕርቃን “ኣብዚ ቤት እዚ ኣደይ ጥራይ ድያ ወላዲት፧” በሎ። ቀጺሉ ድማ ብጓሂ ከምዚ በሎ:- “ኣብዚ ስድራቤት ኵሉ ነገር እትውስን ኣደይ ኢያ። ንስኻ ግን ብፍጹም . . . ።”

እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣቦ ከም ዝሓስብ ገበሮ። ኣብ መወዳእታ: ንግሆ ምስ ስድራቤቱ ቍርሲ ምብላዕ ክጅምር ወሰነ። ኣብ መጀመርታ ንሱን ሰበይቱን ጥራይ ኢዮም ሓቢሮም ዝቘረሱ። በብቑሩብ ግን እቶም ቈልዑ ክሓብርዎም ጀመሩ: እታ ዝቘርሱላ ጣውላ ኸኣ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጡላ ቦታ ዀነት። ቀጺላ እታ ስድራቤት ሓቢራ ክትድረር ጀመረት። በዚ ኸምዚ: እቲ ኣቦ ስድራቤቱ ምሉእ ብምሉእ ከይትፈርስ ይጽዕር ነበረ።

ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓገዝ

መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ምስ ደቆም ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ኢሎም ግዜ ከሕልፉ የተባብዕ ኢዩ። እስራኤላውያን ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ እዚ መምርሒ እዚ ተዋህቦም:- “ዎ እስራኤል: ስማዕ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:⁠4-7) እወ: እቶም ወለዲ ዘበልና ንቓል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ልብን ደቅና ከነስርጽ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ምስ ስድራቤትና ግዜ ንምሕላፍ ተበግሶ ክንወሰድ ኣሎና።

ዘገርም ድማ: እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብቶም ካብ 12,000 ዝዛይዱ ኣመሪካውያን ኣባጽሕ ብ1997 እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝገለጾ “እቶም ሃይማኖት ከም ዘለዎም ዝገለጹ ዳርጋ 88 ሚእታዊት . . . ዝዀኑ: እቲ ኣድላዪነት ሃይማኖትን ጸሎትን ምርድኦም ዕቝባ ገይርሎም ኢዩ።” ሓቀኛታት ክርስትያናት እቲ ኣብ ቤት ዝወሃብ ግቡእ ሃይማኖታዊ መምርሒ ንመንእሰያት ካብ ወልፊ ዘትሕዙ ነገራት ምጥቃም: ጭንቀት: ርእሰ-ቕትለት: ዓመጽን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከም ዘዕቍቦም ይርድኡ ኢዮም።

ገለ ወለዲ ምስ ስድራቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ንምርካብ ከቢድ ኰይኑ ይስምዖም። ብፍላይ እኳ እተን ምስ ደቀን ግዜ ከሕልፋ ደስ ዝብለን እንተዀነ ግን ግድን ስራሕ ክወፍራ ዘለወን ንጽል ኣዴታት ይኸብደን ኢዩ። ወለዲ ምስ ስድራቤቶም ዘሕልፍዎ ክቡር ግዜ ብኸመይ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንተግባራዊ ጥበብን ክእለት ኣተሓሳስባን ተጠንቂቕካ ሓዘን” ኢሉ ይላቦ። (ምሳሌ 3:⁠21 NW  ) ወለዲ ምስ ስድራቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ ምእንቲ ኽረኽቡ ‘ክእለት ኣተሓሳስባኦም’ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። ብኸመይ፧

ካብ ዝወፈርክዮ ስራሕ ደኺምኪ ቤት እትኣትዊ ኣደ እንተድኣ ዄንኪ: ስለምንታይ ንደቅኺ ምሳኺ ሓቢሮም ምግቢ ከዳለዉ ዘይትሓትዮም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሓባር ኴንኩም እተሕልፍዎ ግዜ ንኽትቀራረቡ ኣጋጣሚ ይኸፍት ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ንደቅኺ ከም ዝሰርሑ ምግባር ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ባህ ዘብልን ግዜ ዘይወስድን ኰይኑ ክትረኽብዮ ኢኺ።

ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ብዙሕ ዋኒን ዘሎካ ኣቦ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ገለ ካብቲ ዋኒንካ ስለምንታይ ምስ ደቅኻ ዄንካ ዘይትዓዮ፧ ብሓባር ኴንኩም እናዓየኹም ከሎኹም ምስኦም ክትዘራረብን ጠቓሚ ልምምድ ክትህቦምን ትኽእል ኢኻ። እቲ ንውሉዳትካ ቃል ኣምላኽ ከተስርጸሎም ዝመዓደ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን”​— እወ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት​— ክትዛረቦም የተባብዕ። ዕዮኻ እናገበርካ ምስ ደቅኻ ምዝርራብ መግለጺ ናይ ‘ተግባራዊ ጥበብ’ ኢዩ።

ምስ ስድራቤትካ ግዜ ምሕላፍ ነባሪ ረብሓታት የምጽእ ኢዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ጥበብ . . . ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ይብል። (ምሳሌ 13:⁠10) ምስ ስድራቤትካ ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ግዜ ተሕልፍ እንተድኣ ዄንካ: ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ንዘጋጥሞም ብድሆታት ጥበባዊ መምርሒ ክትህቦም ክትክእል ኢኻ። እዚ ሕጂ ዝወሃብ መምርሒታት: ኣብ መጻኢ ብዙሕ ግዜ ይቝጥበልካ: ካብ ጓሂ ልቢ ኸኣ የድሕነካ። ኣብ ልዕሊ እዚውን ንሓጐስካን ሓጐሶምን ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ንምሃብ: ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ ዝርከቦ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክትኵዕት ኣሎካ። ደቅኻ ንምምሃርን ጕዕዞ ስድራቤትካ ንምምራሕን ተጠቐመሉ።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ምስ ወለዶም ጥብቂ ርክብ ዘለዎም መንእሰያት ብስምዒታዊ ምርባሽ ብዙሕ ኣይሳቐዩን ኢዮም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናብራ ስድራቤት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክብ ምስ ዝህሉ ማእለያ ዘይብሉ ረብሓታት የምጽእ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ውሉድካ ብሓባር ኴንካ ክትዓዪ ከሎኻ: ምስኡ ክትዘራረብን ጠቓሚ ልምምድ ክትህቦን ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ