ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/8 ገጽ 26-31
  • መምርሒ የሆዋ ብሓጐስ ምቕባል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መምርሒ የሆዋ ብሓጐስ ምቕባል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘተኵረሉ ነገር ምትዕርራይ
  • ከም ፓይነራት መጠን ዝረኸብናዮ ጠቓሚ ልምምድ
  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝግበር ኣገልግሎት ወለንተኛ ምዃን
  • ካብ ዋሺንግተን ናብ ጊልዓድ ምምልላስ
  • ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኴንካ ምግልጋል
  • ኣብ ጊልዓድ ቀዋሚ ምዃን
  • ምስ ተማሃሮ ምዕያይ
  • ናብ መጻኢ ምትኳር
  • ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ዓለምለኻዊ ስፍሓቱን
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መበል 100 ክፍሊ ዘመረቖም ንወጻኢ ይልእኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/8 ገጽ 26-31

መምርሒ የሆዋ ብሓጐስ ምቕባል

ብዩሊሰዝ ቪ. ግላስ እተዘንተወ

ኣዝዩ ዘደንቕ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። 127 ተመረቕቲ ተማሃሮ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። እቶም 126,387 ዝዀኑ ውዕዉዕ ስምዒት ዝነበሮም ተኣከብቲ ግን ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። እዚ እቲ ብ19 ሓምለ 1953 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ናይ መበል 21 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምረቓ ኢዩ። እዚ ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ፍጻመ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ እስኪ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ከዘንትወልኩም።

ኣብ ቪንሰንዝ: ኢንድያና: ሕ.መ.ኣ. ብ17 ለካቲት 1912 ኢየ ተወሊደ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ራእይ 21:⁠1-5 ተገሊጹ ዘሎ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ቅድሚ ምውላዳ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ማለት ኢዩ። ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ወለደይ በቲ ጥራዛት ናይታ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገይሮም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ኣቦይ ሰንበት ሰንበት ንግሆ ንስድራቤትና ገለ ክፋል ካብዘን መጻሕፍቲ የንብበልና እሞ ብዛዕብኡ ንመያየጥ ነበርና።

ኣደይ ነቲ እተማህረቶ ንኣተሓሳስባ ደቃ ንምቕራጽ ትጥቀመሉ ነበረት። ኣዝያ ሕያወይትን ንሰባት ክትሕግዝ ፍቓደኛን: ኰታ ኣዝያ ጥዕምቲ ሰብ ኢያ ነይራ። ኣርባዕተ ደቂ ነይርናያ: ናይ ኣደይ ፍቕሪ ግን ቈልዑ ጐረባብትና እውን ኣስተማቒሮሞ ኢዮም። ምሳና ግዜ ተሕልፍ ነበረት። ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነግረናን ምሳና ክትዝምርን ከላ ባህ ይብላ ነበረ።

እተፈላለዩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣሕዋት ናብ ገዛና ክመጹ ትዕድሞም ነበረት። ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ምሳና ይጸንሑ እሞ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛና ኣኼባታት ይገብሩ: ዝርርብ ድማ ይህቡ ነበሩ። ብፍላይ ነቶም ምሳሌታት ዝጥቀሙን ዛንታታት ዝነግሩናን ዝነበሩ ንፈትዎም ነበርና። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለት ብ1919 ሓደ ክበጽሕ ዝመጸ ሓው ብፍላይ ንቘልዑ ዝምልከት ሓሳባት ሃበ። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ወፈያ ዝበሃል ዘሎ ባርኾት ተመያየጠ: ንህይወትና ብኸመይ ከም ዝትንክፎ ድማ ኣረድኣና። በታ ምሸት እቲኣ ቅድሚ ምድቃሰይ ናብ ሰማያዊ ኣቦይ ጸለኹ እሞ ንሓዋሩ ከገልግሎ ከም ዝደሊ ነገርክዎ።

ይኹን እምበር: ድሕሪ 1922 ሓልዮት ናብራ ነዚ ውሳነይ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝሕዝ ገይርዎ ነይሩ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንግዕዝ ስለ ዝነበርና ምስ ዋላ ሓንቲ ጉባኤ ህዝቢ የሆዋ ርክብ ኣይነበረናን። ኣቦይ ኣብ መገዲ ባቡር ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ኵሉ ሳዕ ካባና ተፈልዩ ይነብር ነበረ። ስርዓታዊ ዝዀነ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረናን። ሬክላም ናይ ምድላው ክኢላ ንኽኸውን ዝሕግዘኒ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ተማሃርኩ: ኣብ ዝበለጸ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ድማ መደብ ገበርኩ።

ነቲ ኣብ ህይወተይ ዘተኵረሉ ነገር ምትዕርራይ

ኣብ መፋርቕ 1930ታት ዓለም እንደገና ናብ ኣህጉራዊ ውግእ ክትኣቱ ጀመረት። ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: ከሎና ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክሰብኽ ናብ ቤትና መጸ። ነቲ ቈልዑ ከሎና እተማሃርናዮ ነገራት ኣርዚንና ክንሓስበሉ ጀመርና። ብፍላይ እቲ ራስል ዝበሃል ዓቢ ሓወይ መስተውዓሊ ነበረ: ካብ ኵላትና ቀዲሙ እውን ተጠመቐ። ኣነ ግን ከምኡ መስተውዓሊ እኳ እንተ ዘይነበርኩ ብ3 ለካቲት 1936 ተጠመቕኩ። ኣብቲ ንየሆዋ ርእስኻ ምውፋይ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ዝነበረኒ ሞሳ ይዓቢ ስለ ዝነበረ: መምርሒ የሆዋ ምቕባል እማሃር ነበርኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ካትረንን ገርትሩድን ዝበሃላ ክልተ ኣሓተይ እውን ተጠምቃ። ኵላትና ፓይነራት ኴንና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድና።

እዚ ግን ብዛዕባ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንሓስብን ነይርና ማለት ኣይኰነን። ሰበይቲ ሓወይ ብዛዕባ ሓንቲ ኣዝያ ምልክዕቲ: ሓቂ ካብ እትፈልጥ ንደሓር ድማ “ንቕሕቲ” ዝዀነት ኣን እትበሃል መንእሰይ ኣብ ገዛና ኣብ ዝግበር ኣኼባ ክትካፈል ክትመጽእ ምዃና ክትነግረኒ ኸላ ጽን ኢለ ኢየ ሰሚዐያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣን ኣብ ሓደ ሕጋዊ ጕዳያት ዝሳለጠሉ ቤት ጽሕፈት ከም ጸሓፊት ኰይና ትሰርሕ ነበረት: ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ተጠምቀት። ክምርዖ መደብ ኣይነበረንን: እንተዀነ ግን ኣን ንሓቂ ከም እተፍቅር ሚእቲ ካብ ሚእቲ እተረጋገጸ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክትካፈል ትደሊ ነበረት። “እኽእሎዶ ኢየ፧” ዝብል ኣይወጻን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ “ነዚ ብዝበለጸ መገዲ ክፍጽሞ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧” ኢላ ትሓትት: ነቲ መምርሒ ንምፍጻም ከኣ ቈራጽ ነበረት። እዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዚ ንዓይ ማረኸኒ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣዝያ ምልክዕቲ ኢያ ነይራ: ሕጂውን ምልክዕቲ ኢያ። ስለዚ በዓልቲ ቤተይ ከምኡውን ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ብጸይተይ ኰነት።

ከም ፓይነራት መጠን ዝረኸብናዮ ጠቓሚ ልምምድ

ከም ፓይነራት መጠን መሰረታዊ ነገራት ክውሕደና ከሎን ኣኽል-ታርፍ ክንረክብ ከሎናን ብኸመይ ይኣኽለኒ ምባል ከም እንኽእል ተማሂርና ኢና። (ፊልጲ 4:⁠11-13) ሓደ ግዜ ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ኣይነበረናን: እዋኑ ድማ እናመሰየ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ሓሙሽተ ሳንቲም ጥራይ ነበረትና። ናብ እንዳ ስጋ ኬድና ኸኣ “ናይ ሓሙሽተ ሳንቲም ቦሎኛ ክትህበና ምኸኣልካዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ። እቲ ሰብኣይ ጠመተና እሞ ኣርባዕተ ቍራጽ ሃበና። ዋግኡ ካብ ሓሙሽተ ሳንቲም ንላዕሊ ምንባሩ ርግጸኛ ኢየ: በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ተዓንገልና።

ኣብ ኣገልግሎትና ኵሉ ግዜ ጽንኩር ምጽራር የጋጥመና ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሲራክዩስ: ኒው ዮርክ: ሰባት ናብቲ ፍሉይ ህዝባዊ ኣኼባ ምእንቲ ክመጹ ፖስተራት ተሰኪምና ናይ ዕድመ ወረቐት ንዕድል ነበርና። ክልተ ገዘፍቲ ሰባት ሒዞም ኣጋፍዑኒ። ሓደ ካብኦም ፖሊስ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ዩኒፎርም ኣይተኸድነን: ታሴራኡ ከርእየኒ እንተ ሓተትክዎ ኸኣ ግዲ ኣይገበረለይን። ብኡንብኡ: ካብ ብሩክሊን ቤትኤል ግራንት ሱይተር ዝበሃል ሓው መጸ እሞ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ናብ መደበር ፖሊስ ከም እንኸይድ ነገረና። ድሕርዚ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ደወለ እሞ እንታይ ከም ዝገብሩና ንምርግጋጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ፖስተራት ተሰኪምና ክንከይድን ናይ ዕድመ ወረቐት ክንዕድልን መምርሒ ተዋህበና። ልክዕ ከምቲ እተጸበናዮ ድማ ተኣሰርና። ይኹን እምበር: ነቶም ፖሊስ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝኣሰሩና ክኽሰሱ ምዃኖም ምስ ነገርናዮም ፈነዉና።

ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ሓደ ቀሺ ዘለዓዓሎም ገለ ስድታት ኰተቴ ነቲ ኣሰምብሊ እንገብረሉ ቦታ ወረርዎ: ኣብቲ ቦታ ድማ ዋላ ሓደ ፖሊስ ኣይመጸን። እቶም ዓዋሉ ብናይ ቤዝ ቦል መጻወቲ በትሪ ገይሮም ነቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ምድሪ ቤት ናይቲ ገዛ ወቕዕዎ: ንገለ ተኣከብቲ ካብ ኮፍ መበሊኦም ደፊኦም ኣውደቕዎም: ከምኡውን ናይ ኣመሪካ ባንዴራ ሒዞም ናብቲ መድረኽ ደየቡ እሞ “ሰላምታ ሃቡ! ሰላምታ ሃቡ!” ኢሎም ጨደሩ። ድሕርዚ ነታ “ቢር ባርል ፖላካ ” እትበሃል ናይ ኣመሪካ ህብብቲ ደርፊ ደረፉ። ነቲ ኣኼባ ከም ዝቋረጽ ገበርዎ። የሱስ “ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዝነበረ ባዕልና ተመኰርናዮ።​—⁠ዮሃንስ 15:19

እቲ ህዝባዊ ዝርርብ ካብቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጄይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እተዛረቦ እተቐድሐ ኢዩ ነይሩ። ኣነን ኣንን ኣብታ ከተማ ንቕሩብ መዓልትታት ጸናሕና: ሰባት ነቲ ዝርርብ ኣብ ገዝኦም ክሰምዕዎ ኸኣ ዓደምናዮም። ገለ ሰባት ነዚ ተቐበሉዎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝግበር ኣገልግሎት ወለንተኛ ምዃን

ድሕሪ ገለ ግዜ ሓደስቲ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ተኸፍቱ። ራስል ሓወይን ዶረዚ ሰበይቱን ብ1943 ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈሉ ተጸውዑ: ድሕርዚ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ኩባ ተመደቡ። ካትረን ሓብተይ ከኣ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ተመረቐት እሞ: ንሳውን ኣብ ኩባ ተመደበት። ድሓር ግን ኣብ ዶመኒካን ሪፖብሊክ: ብድሕሪኡ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ተመደበት። ኣነን ኣንንከ፧

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከምኡውን ማሕበር ናብ ካልኦት ሃገራት ሚስዮናውያን ክትሰድድ ከም ዝደለየት ምስ ፈለጥና: ነዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝግበር ኣገልግሎት ቅሩባት ክንከውን ደለና። ኣብ መጀመርታ ባዕልና ናብ ሜክሲኮ ክንከይድ ሓሰብና። ድሓር ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተማሃርና ማሕበር ባዕላ ክትምድበና ክንጽበ ወሰንና። እዚ የሆዋ ዝጥቀመሉ ምድላው ምዃኑ ተረድኣና።

ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተዓዲምና ነበርና። እቲ ትምህርቲ ክጅመር ቅሩብ ምስ ተረፎ ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ኤን. ኤች. ኖር ብዛዕባ እቲ ኣን ብቝልዕነታ ዝሓዛ ፖልዮ ዘስዓበላ ጸገም ኣተሓሳሰቦ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምሳይ ተዘራረበ እሞ ናብ ካልእ ሃገር ከነገልግል ምኻድ ጥበባዊ ከም ዘይከውን ወሰነ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ንሓደ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ዝግበር ምድላው እናዓየኹ ከለኹ: ሓው ኖር እንደገና ረኣየኒ እሞ ሕጂውን ኣብ ጊልዓድ ክንካፈል ንደሊ እንተ ዄንና ሓተተኒ። ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዘይንኸይድ: ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ካልእ ዕዮ ክንኣቱ ሓሲቡ ከም ዘሎ ነገረኒ። ስለዚ ታሽዓይ ክፍሊ ብ26 ለካቲት 1947 ክምዝገቡ ከለዉ ምስቶም ተማሃሮ ተመዝገብና።

እተን ኣብ ጊልዓድ ዘሕለፍናየን መዓልትታት ዘይርስዓ ኢየን። ስቡሕ መንፈሳዊ ትምህርትታት ነይሩ ኢዩ። ነባሪ ዝዀነ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ፈጢርና። ምስታ ቤት ትምህርቲ ዝነበረኒ ምትሕሓዝ ግን ኣብዚ ኣየቋረጸን።

ካብ ዋሺንግተን ናብ ጊልዓድ ምምልላስ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብቲ ግዜ እቲ ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ሓድሽ ኢዩ ነይሩ። መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ዕላማታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣይተላለየን ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል ነበረ። ማሕበር ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ሓደ ወኪል ክትገብር ደለየት። ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ናብዚ ተለኣኽና። ኣብኡ ድማ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ጊልዓድ እተጸውዑ ቪዛ ንኽረኽቡ: ነቶም እተመረቑ ኸኣ ናብቲ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮኦም ዘካይዱሉ ሃገራት ምእንቲ ክኸዱ ሕጋዊ ወረቐት ንኽረኽቡ እሕግዞም ነበርኩ። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣዝዮም ቅኑዓትን ተሓባበርትን ኢዮም ነይሮም። ካልኦት ከኣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዮም ዝጻረሩ ነበሩ። ገለ ተሪር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ውሑዳት ከኣ ምስቶም ዘይድለዩ ዝብልዎም ባእታታት ርክብ ኣለዎም ኢሎም ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ ነበሩ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከድኩ: ንባንዴራ ሰላምታ ስለ ዘይንህብ ወይ ናብ ውግእ ስለ ዘይንኸይድ ኣበርቲዑ ነቐፈና። ብዛዕባ እዚ ንእተወሰነ እዋን ምስ ኣጕባዕብዐ ኣብ መወዳእታ ከምዚ በልክዎ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዝዀነ ይኹን ወገን ናይ ዓለም ኣብ ውግእ ከም ዘይካፈሉ ትፈልጥ ኢኻ: ክትፈልጦ እውን እደሊ ኢየ። ኣብ ናይ ዓለም ጕዳያት ኣይንኣቱን ኢና። ኣብ ውግኦምን ፖለቲካኦምን ኣይንካፈልን ኢና። ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት ኢና። እቲ ንዓኻትኩም ዘጋጥመኩም ዘሎ ጸገማት ንዓና ኣየሸግረናን ኢዩ: ኣብ ማሕበርና ሓድነት ኣሎ። . . . ሕጂ እንታይ ክንገብር ኢኻ እትደልየና ዘሎኻ፧ ነዚ ናትና ጠንጢንና ናብቲ ናታትኩም መገዲ ክንምለስ ዲኻ ደሊኻ፧” ብድሕርዚ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን።

ናብ መንግስታዊ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዝኸደሉ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ተመዲቡ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ከም ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ነገልግል ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 175 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከነሕልፍ ነይሩና (ድሓር ናብ 140 ሰዓታት ተቐይሩ ኢዩ): ስለዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ክሳዕ ኣጸቢቑ ዝመሲ ነገልግል ነበርና። ጽቡቕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና። ምሉእ ስድራቤታት ዝሓዘ ብዙሕ ባህ ዘብል ጽንዓታት መሪሕና ኢና: ንሳቶም እውን ጽቡቕ ዕቤት ገይሮም ኢዮም። ኣነን ኣንን ከይንወልድ ወሲንና: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ግን ደቂ ጥራይ ዘይኰነስ ደቂ ደቅን ደቆምን ኣፍሪና ኢና። ኣየ እዚኣቶም ንልብና ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ዘሐጕስዎ!

ኣብ መወዳእታ ናይ 1948 ካልእ መዝነት ተዋህበኒ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብን ሓደ ካብቶም መምሃራንን ዝዀነ ሓው ሽሮደር ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ዕዮ ትሑዝ ክኸውን ምዃኑ ሓው ኖር ነገረኒ። ስለዚ ኸኣ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ንናይ ጊልዓድ ክፍልታት ክምህር ተሓተትኩ። ኣዝየ ብምፍራህ ብ18 ታሕሳስ ናብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ኣን ከድና። መጀመርታ ኣብ ጊልዓድ ሒደት ሰሙናት ነሕልፍ እሞ ናብ ዋሺንግተን ንምለስ ነበርና። ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ ኣብ ዋሺንግተን ዘሕልፎ ኣብ ጊልዓድ ዘሕልፎ ግዜ ክበዝሕ ጀመረ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ ድማ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ መበል 21 ክፍሊ ተማሃሮ ጊልዓድ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ያንኪ ስታድዩም እተመረቑ። ስለዚ ከም ሓደ ካብ መምሃራን መጠን ኣብቲ ናይ ምረቓ ስነ-​ስርዓት ክካፈል መሰል ረኸብኩ።

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኴንካ ምግልጋል

ብ12 ለካቲት 1955 ካልእ ናይ ኣገልግሎት መዝነት ተዋህበና። ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰንና። እዚ ግን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፧ ብመሰረቱ: ንዝዀነ ይኹን እተዋህበና ዕዮ ምዕያይን ምስ ካልኦት ምትሕብባር ኣብ ዝሓትት እተፈላለየ ፕሮጀክትታት ምክፋልን ዘጠቓልል ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ እውን ከምኡ ንገብር ገይርና ኢና: ሕጂ ግን ኣባል ናይ ዝዓበየ ጕጅለ​—⁠ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ስድራ ቤትኤል​—⁠ኢና ዄንና። ነዚ ሓድሽ መዝነት እዚ ከም መረጋገጺ መምርሒ የሆዋ ገይርና ብምውሳድ ብሓጐስ ተቐበልናዮ።

ቀንዲ ዕዮይ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ዝተሓሓዝ ነበረ። እተን ጋዜጣታት ዝማርኽ ዓንቀጻት ምእንቲ ከውጽኣ ከምኡውን ከይመርመሩ ብሕማቕ ካብ ዝፈርዱ ምንጭታት ሓበሬታ ስለ ዝረኽባ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዩፍ ነገራት ሓቲመን ይዝርግሓ ነበራ። ነቲ ኵነታት እቲ ከነመሓይሾ ጽዒርና ኢና።

ሓው ኖር ኵላትና ብስራሕ ትሑዛት ክንከውን ስለ ዝደለየ ካልእ ተወሳኺ መዝነት ተዋህበና። ኣብ ገለ ካብዚ መደባት ነቲ ዝነበረኒ ሬክላም ናይ ምድላው ክእለት ክጥቀም ዝሓትት ነበረ። እቲ ካልእ ድማ ከም ኣብ ናይ ማሕበር መደበር ሬድዮ: ዳብሊው ቢ ቢ ኣር ምዕያይ ዘጠቓልል ነበረ። ምስቲ ብማሕበር እተዳለወ ተንቀሳቓሲ ፊልም እተተሓሓዘ ዕዮ እውን ነይሩ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ ምጽናዕ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ትምህርቲ ኢዩ። ሽዑ ግን ህዝቢ የሆዋ ምስ ዝርዝር ታሪኽ ናይታ ዘመናዊት ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ብዝያዳ ንኽላለዩ: ሰባት እውን ክፈልጥዎ ስለ እተደልየ እተፈላለየ ፕሮጀክትታት ይስራሕ ነበረ። ካልእ ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ልምምድ ህዝባዊ ዝርርብ ምሃብ ኢዩ። ህዝባዊ ዝርርብ ንምውሃብ ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት እቶም ኣብ ጉባኤታት ዝርከቡ ኣሕዋት ንኽፈልጥዎ ኸኣ ምድላዋት ምግባር የድሊ ነበረ። ስለዚ ብዙሕ ዕዮ ነበረ።

ኣብ ጊልዓድ ቀዋሚ ምዃን

ንገየሽቲ ተዓዘብትን ኣብ ጨንፈር ንዝዓዩ ኣሕዋትን ኣብ ቀረባ እዋን ልምምድ ክወሃቦም ስለ እተደልየ: ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከቦ ብሩክሊን ዝበሃል ብ1961 ገዓዘ። ኣብዚ ግዜ እዚ እንደገና ናብ ናይ ምምሃር ስርሐይ ተመለስኩ: እንተዀነ ግን ከም ተተካኢ መምህር ዘይኰነስ ከም ቀዋሚ ኣባል ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኢየ ዀይነ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንምልእቲ እታ እትርአ ማሕበር እትጠቅም ካብ የሆዋ እተዋህበት ምዃና ጽኑዕ እምነት ነበረኒ።

እቶም ኣብ ብሩክሊን እተማህሩ ተማሃሮ ጊልዓድ ቅድሚኡ ዝነበሩ ተማሃሮ ዘይፈልጥዎ ነገራት ናይ ምፍላጥ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኢዮም። ዝርርብ ዝህቡ ዕዱማት ይመጹ ነይሮም: ምስ ኣማሓዳሪ ኣካል ጥብቂ ርክብ ነይሩ: ምስቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ስድራ ቤትኤል እውን ሰፊሕ ዕርክነት ተገይሩ ኢዩ። ነቶም ተማሃሮ ኸኣ ብዛዕባ ናይ ቤት ጽሕፈት ኣሰራርሓ: ናይ ቤትኤል ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ እተፈላለየ ናይ ፋብሪካ ዕዮታት ምልምማድ ክዋሃቦም ተኻኢሉ ኢዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጽሪ ተማሃሮን ቍጽሪ መምሃራንን ተቐያይሩ ኢዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበረሉ ቦታ እውን ብተደጋጋሚ ተቐያይሩ ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ኣብቲ ባህ ዘብል ከባቢ ዘለዎ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ: ኢዩ ዘሎ።

ምስ ተማሃሮ ምዕያይ

ነቶም ተማሃሮ ምምሃር ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ኣብዚ ዝመጹ መንእሰያት ነዚ ናይ ኣረጊት ኣገባብ ነገራት ዝጠንጠኑ ኢዮም። ስድራቤቶም: ኣዕሩኾም: ገዝኦም: ከምኡውን ደቂ ዓዶም ገዲፎም ኢዮም መጺኦም። ኵነታት ኣየር: መግቢ: ኰታ ዅሉ ሓድሽ ኢዩ ዝዀኖም። ናበየናይ ሃገር ከም ዝኸዱ እኳ ኣይፈልጡን ኢዮም: እንተዀነ ግን ሸቶኦም ሚስዮናውያን ምዃን ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምድፍፋእ ኣየድልዮምን ኢዩ።

ናብ ክፍሊ ክኣቱ ከለኹ ነዞም ተማሃሮ እዚኣቶም ከም ዝቐሎም ምግባር ኵሉ ሳዕ ስርሐይ ኢለ ኢየ ዝሕዞ። እናተዋጠረን እናተጨነቐን ክማሃር ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ሓቂ ኢዩ: መምህር ኢየ ነይረ: እንተዀነ ግን ተማሃራይ ምዃን ማለት እንታይ ምዃኑ እውን እፈልጦ ኢየ። ኣነ እውን ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ተማሃራይ ነይረ ኢየ። ልክዕ ኢዩ: ኣብ ጊልዓድ ብትግሃት የጽንዑ ብዙሕ እውን ይማሃሩ ኢዮም: ይኹን እምበር ጽቡቕ ግዜ ከሕልፉ እደሊ ኢየ።

ናብቲ እተመደብሉ ቦታ ምስ ከዱ ዕዉታት ምእንቲ ክዀኑ ዘድልዮም ነገራት ከም ዘሎ እፈልጥ ኢየ። ድልድልቲ እምነትን ትሕትናን ከድልዮም ኢዩ። ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ምንባር: ዘጋጥመካ ኵነታት ምቕባል: ብናጻ ይቕረ ምባል ክማሃሩ ከድልዮም ኢዩ። ፍረ መንፈስ ከፍርዩ: ንሰባት ከፍቅሩ: ከምኡውን ነቲ እተላእኹሉ ዕዮ ከፍቅሩ ከድልዮም ኢዩ። እዚ እቶም ተማሃሮ ኣብ ጊልዓድ ከለዉ ብቐጻሊ ከጕልሓሎም ዝጽዕረሉ ዝነበርኩ ነገር ኢዩ።

ክንደይ ተማሃሮ ከም ዝማሃርኩ ብልክዕ ኣይፈልጦን ኢየ። ብዛዕብኦም እንታይ ከም ዝስምዓኒ ግን እፈልጦ ኢየ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኸውን ምስ ማሃርክዎም ኣዝየ ኢየ ዝቐርቦም። ድሕርዚ ኣብ መዓልቲ ምረቓ ኣብቲ መድረኽ ከይዶም ዲፕሎማ ክቕበሉ ከለዉ: ትምህርቶም ብዓወት ከም ዝዛዘሙን ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ከም ዝፍለዩናን እፈልጥ። ልክዕ ከም ኣባል ስድራቤተይ እተፈልየኒ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ነዞም ገዛእ ርእሶም ዝውፍዩን ክዓይዎ ዝግብኦም ዝዓዩን መንእሰያት ከመይከ ዘይተፍቅሮም፧

ድሕሪ ገለ ዓመታት ክበጽሑ ክመጹ ከለዉ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ዘሐጕስ ነገራት የዕልሉ። በዚ ኸኣ ነቲ እተማህርዎ ነገር ኣብቲ እተመደብሉ ቦታ ይዓዩሉ ከም ዘለዉ እፈልጥ። ነዚ ምፍላጠይ እንታይ ኢዩ ዝስምዓኒ፧ ናይ ሓቂ ኢየ ዝብለኩም: ባህ ኢዩ ዝብለኒ።

ናብ መጻኢ ምትኳር

ሕጂ ኣዒንተይ ደኺሙ ኢዩ: እዚ ዘስዕቦ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት እውን ይስምዓኒ ኢዩ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጊልዓድ ክምህር ኣይክእልን ኢየ። ኣብ መጀመርታ ከቢዱኒ ኢዩ ነይሩ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ ምሉእ ህይወተይ ንዘጋጥም ሽግር ከም ዘለዎ ምቕባልን ምጽዋርን ተማሂረ ኢየ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስን ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበሮ ግራጭን’ እሓስብ ኢየ። ጳውሎስ ካብቲ ስቓይ እቲ ምእንቲ ክድሕን ሰለስተ ሳዕ ጸልዩ ኢዩ: ጐይታ ግን “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” በሎ። (2 ቈረንቶስ 12:7-10) ጳውሎስ ነቲ ሽግር ተጻዊሩ ክነብር ክኢሉ ኢዩ። ንሱ ከምኡ ክገብር ካብ ከኣለ: ኣነ ክጽዕር ኣሎኒ። ዋላኳ መምህር ኰይነ ክሰርሕ እንተ ዘይከኣልኩ: ቤት ጽሕፈተይ ኣብ ጥቓ እቲ እቶም ተማሃሮ ብዙሕ ግዜ ዝመላለስሉ ቦታ ምዃኑ ግን ኣመስጋኒ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ነቶም ተማሃሮ አዘራርቦም ኢየ: ብዛዕባቲ ዘንጸባርቕዎ ሰናይ መንፈስ ምሕሳብ ድማ የሐጕሰኒ ኢዩ።

ነቲ ኣብ መጻኢ ተነቢሩልና ዘሎ ተስፋ ኣዕሚቝካ ምስ እትሓስበሉ ዘደንቕ ኢዩ። እቲ መሰረት ሕጂ ይስረት ኣሎ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብዚ መሰረት እዚ ዓቢ ግደ ኣለዋ። ድሕርቲ ዓቢ ጸበባ እቲ ኣብ ራእይ 20:⁠12 ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕላል ምስ ተገንጸለ: ተወሳኺ መገድታት የሆዋ እንማሃረሉ ናይ ሽሕ ዓመት ጽዑቕ ትምህርቲ ክወሃብ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:⁠9) እንተዀነ ግን: እዚውን መወዳእታ ኣይክኸውንን ኢዩ። መጀመርታኡ ጥራይ ኢዩ። ንዘለኣለመ ኣለም ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ትምህርቲ ክወሃብ ኢዩ: ዕላማታቱ ክግለጽ ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዙሕ ዝዕየ ነገር ክህሉ ኢዩ። የሆዋ ነቲ ዝኣተዎ ዓቢ መብጽዓታት ኵሉ ከም ዝፍጽሞ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኢየ: ሽዑ ኣብኡ ኰይነ መምርሒ የሆዋ ክወሃበና ከሎ ክቕበል እደሊ ኢየ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ናይ ተማሃሮ ጊልዓድ ምረቓ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ገርትሩድ: ኣነ: ካትረን: ራስል

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዓቢ ኣኼባ ኣብ ምምሕዳር ምስ ኤን. ኤች. ኖርን (ጸጋም ) ኤም. ጂ. ሄንሸልን ክዓዪ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መደበር ፈነወ ዳብሊው ቢ ቢ ኣር

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ ጊልዓድ ክፍሊ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣን እተሰኣልናዮ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ