ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/9 ገጽ 8-11
  • መብጽዓታትካ ክትሕሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መብጽዓታትካ ክትሕሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ መብጽዓታቱ ዝፍጽም ኢዩ
  • መብጽዓታት የሆዋን መጻኢናን
  • ንኣምላኽ ዝኣተናዮ መብጽዓ ምሕላው
  • መብጽዓታትና ምፍጻም ካልኦት ኣባና ዘለዎም እምንቶ ከም ዘዕብዩ ዝገብር ኢዩ
  • መብጽዓታትና ክንሕልወሉ ዝግብኣና ካልእ መገድታት
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ብዙሕ በረኸት
  • ናይ መን መብጽዓታት ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ክትተኣማመነሉ እትኽእል መብጽዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ቃልካ ትሕሉ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • የሆዋ ወትሩ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/9 ገጽ 8-11

መብጽዓታትካ ክትሕሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣማኻሪ ዝነበረ በርናርድ ባሩክ “ነቲ ብዙሕ ዘይመባጻዕ ሰብ ምረጹ፣ ብዙሕ ኣይክትጕህዩን ኢኹም” በለ። ኣብዛ ሕጂ እንነብረላ ዘሎና ዓለም መብጽዓታት ንኽጠሓስ ኢልካ ዝግበር ኢዩ ዝመስል። እዚ ናይ መርዓ ማሕላ: ናይ ንግዲ ውዕል: ወይ ምስ ውሉዳት ብዙሕ ግዜ ከተሕልፍ ምውሳን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ትርጕም ናይቲ “ቃሉ ዝሕሉ ሰብ ዝበለጸ ኢዩ” ዝብል ልሙድ ብሂል ብሓፈሻ ሸለል ኢዩ ዝበሃል።

ብዙሓት ሰባት መብጽዓታቶም ክሕልዉ ኢሎም እውን ፈጺሞም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። ገሊኦም ብሃወኽ ክፍጽምዎ ዘይክእሉ ነገር ይመባጽዑ ወይ እቲ ዝቐለለ መፍትሒ ኰይኑ ስለ ዝረኣዮም ነቲ ዝኣተውዎ ቃል የፍርስዎ።

ዘይሓሰብካዮ ኵነታት ምስ ዘጋጥም መብጽዓኻ ክትሕሉ ከቢድ ምዃኑ ዘይክሓድ ኢዩ። ይኹን እምበር ዘይተፈጸመ መብጽዓ ብሓቂ ጕድኣት ኣለዎዶ ኢዩ፧ መብጽዓኻ ኣርዚንካ ክትርእዮዶ ኣሎካ ኢዩ፧ ነቲ ናይ የሆዋ ኣብነት ኣሕጽር ኣቢልካ ምምርማር ንመብጽዓ ስለምንታይ ኣርዚንና ክንርእዮ ከም ዘሎና ንምርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።

የሆዋ መብጽዓታቱ ዝፍጽም ኢዩ

ነቲ ስሙ ምስ መብጽዓታቱ ምፍጻም ኣጸቢቑ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ስም እንታይነት ናይ ሓደ ሰብ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብቲ የሆዋ ዝብል ስም እውን ዝውዕል ኢዩ። ትርጕሙ ኸኣ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢዩ። (ዘጸኣት 3:⁠14 NW ) ስለዚ ኸኣ እቲ መለኮታዊ ስም: ኣምላኽ መብጽዓታቱ ይፍጽም ከምኡውን ዕላምኡ ይወቅዕ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ኢዩ።

የሆዋ ምስ እዚ ስሙ እዚ ብምስምማዕ ኵሉ እቲ ንጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺምዎ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ መብጽዓ እዚ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ሃበ:- “እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዅሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽ: ካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ዅሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን።”​—⁠1 ነገስት 8:⁠56

የሆዋ ኣዝዩ ትውክልቲ ዝግበሮ ብምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ክኢሉ ኢዩ:- “ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ: ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ . . . ብርእሱ መሐለ።” (እብራውያን 6:13) እወ: ስሙን ባህርዩን የሆዋ እተመባጽዖ መብጽዓ ንኽፍ​ጽም ብዙሕ ዝሓቶ እውን እንተዀነ ከም ዘይልውጦ ውሕስነት ዝህብ ኢዩ። (ሮሜ 8:⁠32) የሆዋ መብጽዓኡ ዝፍጽም ምዃኑ ምፍላጥና ንነፍስና ወይ ህይወትና ከም መልህቅ ክዀና ዝኽእል ተስፋ ከም እነጥሪ ዝገብር ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:⁠19

መብጽዓታት የሆዋን መጻኢናን

ተስፋና: እምነትና: ከምኡውን ህይወትና ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ። እንታይ ተስፋ ኢና ኣኽቢርና እንሕዞ፧ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13) ቅዱሳት ጽሑፋት “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]” ብምባል እውን ንእምነት ዝኸውን መሰረት ይህበና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሓይሽ ህይወት ከም ዘሎ ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብርግጽ: እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ “ዘተስፈወና ተስፋ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:⁠25) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ቃል የሆዋ ዘሎ መብጽዓታት ኣብ መጻኢ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ሕጂ እውን ከይተረፈ ንመዓልታዊ ህይወትና ትርጕም ዝውስኸሉ ኢዩ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ” ብምባል ዘሚሩ ኣሎ። (መዝሙር 145:18, 19) ኣምላኽ “ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ” ምዃኑ ምፍላጥና ዘተባብዕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:⁠29) ‘ኣምላኽ ምስቲ ፈተናና መውጽኢ ገይሩልና ምህላዉ: ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ከም ዘይሓድገና’ ምፍላጥ እውን ዘጸናንዕ ኢዩ! (1 ቈረንቶስ 10:13) ብብሕትና ዝዀነ ይኹን ካብዚ መብጽዓታት እዚ ክፍጸም ርኢና እንተድኣ ኴንና የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ካብቲ ኣምላኽ ዝገብሮ መብጽዓታትን ፍጻሜኡን እንረኽቦ በረኸታት ብምርኣይ ነቲ ንዕኡ ዝኣተናዮ መብጽዓ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧

ንኣምላኽ ዝኣተናዮ መብጽዓ ምሕላው

እቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መብጽዓ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ብምውሳድ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ከም እንደሊ ነርኢ። ትእዛዛት ኣምላኽ ከቢድ እኳ እንተዘይኰነ: ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንነብር ስለ ዘሎና ግን ፍቓዱ ምግባር ኵሉ ግዜ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠3) ይኹን እምበር: ሓንሳእ ‘ዕርፊ ብኢድና ሒዝና’ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ምስ ኰንና ኣብቲ ንድሕሪት ዝሓደግናዮ ናይ ዓለም ነገራት ፈጺምና ቍሊሕ ክንብል የብልናን።​—⁠ሉቃስ 9:⁠62

ናብ የሆዋ ክንጽሊ ኸሎና ምስ ድኽመታት ክንቃለስ: ክርስትያናዊ ባህርያት ክንኵስኵስ: ወይ ንገለ መዳይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎትና ክብ ከነብሎ ክንመባጻዕ ንለዓዓል ንኸውን። ነዚ መብጽዓታት እዚ ንኽንፍጽሞ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧​—⁠ምስ መክብብ 5:⁠2-5 ኣረኣእዮ።

ናይ ሓቂ መብጽዓ ካብ ልብን ኣእምሮን ኢዩ ዝምንጭ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ዝኣተናዮ መብጽዓታት ልባዊ ጸሎት ብምግባር ዘሎና ፍርሂ: ባህጊ: ከምኡውን ድኽመት ብምግላጽ ንደግፎ። ብዛዕባ እቲ ዝኣተናዮ መብጽዓ ምጽላይ ነቲ ንኽንፍጽሞ ዝገበርናዮ ውሳነ ከበርትዖ ኢዩ። እቲ ንኣምላኽ እተመባጻዕናዮ ነገር ከም ዝእውደና ገይርና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ዕዳ ብዙሕ ምስ ዝኸውን ቀስ ኢልካ ኢዩ ዝኽፈል። ብተመሳሳሊ ንኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ምስ እንመባጻዕ ንኽንፍጽሞ ግዜ ይወስድ ኢዩ። ስርዓታውያን ኴንና እንኽእሎ ዘበለ ብምግባር ግን እቲ ዝኣተናዮ መብጽዓ ንፍጽሞ ምዃንና ነርኢ: ብእኡ መሰረት ከኣ የሆዋ ክባርኸና ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ መብጽዓ ብተደጋጋሚ ምናልባት እውን መዓልታዊ ብምጽላይ ኣርዚንና ከም እንወስዶ ነርኢ። በዚ ኸኣ ሰማያዊ ኣቦና ቅኑዓት ምዃንና ይርዳእ። ቀጻሊ መዘኻኸሪ ኰይኑ ድማ የገልግል። በዚ ዝመጸ ዳዊት ሰናይ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ብመዝሙር ገይሩ ንየሆዋ ከምዚ ኢሉ ለመኖ:- “ዎ ኣምላኽ: ኣውያተይ ስማዕ: ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ። ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ: ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።”​—⁠መዝሙር 61:1, 8

መብጽዓታትና ምፍጻም ካልኦት ኣባና ዘለዎም እምንቶ ከም ዘዕብዩ ዝገብር ኢዩ

እቲ ንኣምላኽ እንገብሮ መብጽዓታት ኣቕሊልካ ክርአ ዘይብሉ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ንብጾትና ክርስትያናት እንኣትዎ መብጽዓ እውን ከምኡ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ንየሆዋ እንገብሮ መብጽዓን ንኣሕዋትና እንገብሮ መብጽዓን ፈላሊና ክንርእዮ የብልናን። (ምስ 1 ዮሃንስ 4:⁠20 ኣረኣእዮ።) የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 5:37 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዝበልናዮ ነገራት እምንቶ ዝግበረሉ ምዃኑ ምርግጋጽ ሓደ ካብቲ ‘ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንምግባር’ ዝሕግዘና መገዲ ኢዩ። (ገላትያ 6:10) ዝዀነ ይኹን ዝኣተናዮ መብጽዓ ክንሕሉ ኸሎና ካልኦት ኣባና ዘለዎም እምንቶ ከም ዘዕብዩ ዝገብር ኢዩ።

መብጽዓ ዘይምሕላው ዘምጽኦ ጕድኣት ጐሊሑ ዝርአ ብፍላይ ንገንዘብ ዝምልከት ምስ ዝኸውን ኢዩ። እተለቃሕካዮ ምኽፋል: ገለ ነገር ምዕራይ: ወይ እውን ናይ ንግዲ ስምምዕ ምግባር ይኹን ካልእ ብዘየገድስ ሓደ ክርስትያን ቃሉ ክሕሉ ኣለዎ። ከምዚ ምግባር ንኣምላኽ ባህ የብሎ: ነቲ ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ድማ ከም ዝድልድል ይገብሮ። እዚ ኸኣ ኣሕዋት ‘ብሓደ ሓቢሮም ንኽነብሩ’ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 133:1

ይኹን እምበር: ነቲ እተሰማማዕካሉ ነገር ዘይምፍጻም ነታ ጉባኤን ነቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ኣሕዋትን ክሃሲ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ኢሉ ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ናይ ንግዲ ዘይምርድዳኣት​—⁠እንተ ወሓደ ሓዲኦም ከም እተዓመጸ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ⁠—​መብዛሕትኡ ግዜ ኵሉ ዝፈልጦ ጕዳይ ኢዩ ዝኸውን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ምፍልላይ ይህሉ: ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኸኣ ውጥረት ዘለዎ ሃዋሁ ይፍጠር።” ዝዀነ ይኹን እንገብሮ ውዕላት ተጠንቂቕና ክንምርምሮን ኣብ ጽሑፍ ከነስፍሮን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!a

ክቡር ዝዋግኡ ኣቑሑ ክንሸይጥ ከሎና ወይ ገለ ወፍርታት ንምግባር ምኽሪ ክንህብ ከሎና: ብፍላይ ከኣ ካብቲ ንግዲ ብብሕትና እንጥቀም ምስ እንኸውን ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ። ገለ ዓይነት ኣቑሑ ወይ ንጥዕና ዝጠቅም ዝበሃል ነገራት ዘለዎ ቍም ነገር ኣጋኒንካ ንኸይተቕርብ ወይ ወፍሪ ክትገብር ከሎኻ ክርከብ ዘይክእል መኽሰብ ከም ዘምጽእ ገይርካ ከይተቕርብ ምጥንቃቕ ኣድላዪ ኢዩ። ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ነገር ምስ ዝህሉ ንኽገልጽዎ ፍቕሪ ትድርኾም ኢያ። (ሮሜ 12:⁠10) መብዛሕትኦም ኣሕዋት እቲ ዘለዎም ናይ ንግዲ ተመክሮ ውሱን ብምዃኑ: ብእምነት ኣሕዋቶም ስለ ዝዀንና ጥራይ ነቲ እንህቦም ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ይኣምንዎ ይዀኑ። እዚ ኣባና ዘለዎም ኸምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ክጠፍእሲ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

ከም ክርስትያናት መጠን ምድልሃቕ ዘለዎ ናይ ንግዲ ጕዳያት ኣይነካይድን ወይ ነቲ ካልኦት ክረኽብዎ ዘለዎም ሕጋዊ መኽሰብ ሸለል ኣይንብሎን ኢና። (ኤፌሶን 2:⁠2, 3፣ እብራውያን 13:⁠18) ስምረት የሆዋ ረኺብና ‘ኣብ ድንኳኑ ንኽንሓድር’ እምንቶ ዝግበረልና ሰባት ክንከውን ይግባእ። ‘ዝጐድኣና እኳ እንተዀነ: ነቲ ዝመሓልናሉ ኣይንልውጦን’ ኢና።​—⁠መዝሙር 15:1, 4

እቲ መስፍን እስራኤል ዝነበረ ይፍታሕ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን ዓወት ምስ ዝህቦ ካብ ውግእ ክምለስ ከሎ ንዝቕበሎ ናይ መጀመርታ ሰብ ከም መስዋእቲ ገይሩ ንየሆዋ ክውፍዮ ምዃኑ ተመባጽዐ። እታ ናይ መጀመርታ ክትቅበሎ ዝወጸት ከኣ እታ እንኮ ጓሉ ነበረት: ቃሉ ግን ኣይዓጸፈን። ጓሉ ነቲ ጕዳይ ካብ ልባ ስለ እተሰማማዓትሉ: ንሓዋሩ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንኸተገልግል ወፈያ። እዚ መስዋእቲ እዚ ኸኣ ብእተፈላለየ መገዲ ክርአ ኸሎ ከቢድን ብዙሕ ዋጋ ዝሓትትን ኢዩ ነይሩ።​—⁠መሳፍንቲ 11:⁠30-40

ብፍላይ ናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ ቃሎም ክሕልዉ ሓላፍነት ኣለዎም። ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠2 ሓደ ተዓዛቢ “መንቅብ ዜብሉ” ክኸውን ይግባእ። እዚ ትርጕም ናይታ “ክኽሰስ ዘይክእል: ዘይጽረፍ: ዘይውቀስ” እትብል ናይ ግሪኽ ስያመ ኢዩ። “እቲ ሰብኣይ ጽቡቕ ዝዝረበሉ ጥራይ ዘይኰነስ ብጽቡቕ ንኽትዛረበሉ ዝበቅዕ ክኸውን ከም ዘለዎ እተመልክት ኢያ።” (ኤ ሊንጉስቲክ ኪ ቱ ዘ ግሪክ ኒው ተስታመንት ) ሓደ ተዓዛቢ መንቅብ ዘይብሉ ክኸውን ስለ ዘለዎ እቲ ዝገብሮ ኵሉ መብጽዓታት እምንቶ ዝግበሮ ክኸውን ኣለዎ።

መብጽዓታትና ክንሕልወሉ ዝግብኣና ካልእ መገድታት

ምስቶም ክርስትያናት ብጾትና ዘይኰኑ እንገብሮ መብጽዓታት ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዝግባኣና፧ የሱስ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በለ። (ማቴዎስ 5:16) ቃልና ከም እንሕሉ ብምርግጋጽ ካልኦት ኣብቲ ክርስትያናዊ መልእኽትና ከም ዝሳሓቡ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብ መላእ ዓለም እቲ ሓቀኛ ናይ ምዃን ባህሪ እናንቈልቈለ ይኸይድ እኳ እንተሎ: መብዛሕትኦም ሰባት ግን ገና ሓቀኛ ምዃን ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ነገር ኢዩ። ዝኣተናዮ መብጽዓ ምሕላው ሓደ ካብቲ ንኣምላኽን ንጐረባብትናን ዘሎና ፍቕሪ እነንጸባርቐሉ መገዲ ኢዩ። እቶም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ድማ በዚ ይስሓቡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠36-39፣ ሮሜ 15:⁠2

ኣብ ናይ 1998 ኣገልግሎት ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ንምእዋጅ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብ ናይ ንግዲ ጕዳያት ወይ ካልእ ነገራት ቃልና ዘይንሕሉ እንተ ንኸውን ነቲ ስብከትና ሸለል ምበልዎ። ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ስለ እንውክል ሰባት ሓቀኛታት ክንከውን ምስ ዝጽበዩና ልክዕ ኢዩ። እምንቶ ዝግበረሎምን ሓቀኛታትን እንተድኣ ዄንና ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ንስልሞ’ ኢና።​—⁠ቲቶስ 2:10

ኣብ ኣገልግሎትና ቃልና ከም እንሕሉ እነርእየሉ ኣጋጣሚ ኣሎና። እዚ ድማ ነቶም ኣብ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስና ክንከዶም ከሎና ኢዩ። ተመሊስና ክንመጽእ ኢና እንተድኣ ኢልና: ክንከይድ ኣሎና። ከምቲ ቈጸራና ተመሊስና ምስ እንኸይድ ‘ነቶም ዝግብኦም ሰባት ሰናይ ከም ዘይንኸልእ’ እነርእየሉ መገዲ ኢዩ። (ምሳሌ 3:27) ሓንቲ ሓብቲ ነዚ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቈጺሮምና ጠፊኦም ዝብሉ ተገደስቲ ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣጋጢሞምኒ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: እቲ በዓል ቤት ኣብ ገዛ ስለ ዘይነበረ ወይ ተመሊሶም ንኸይከዱ ኵነታት ዓጊትዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ይርድኣኒ ኢዩ። ይኹን እምበር ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባይ ከምዚ ክብል ኣይፈቱን ኢየ: ስለዚ ኸኣ ነቲ ዝቘጸርኩዎ ሰብ እንደገና ክረኽቦ ዝከኣለኒ ዅሉ ኢየ ዝጽዕር። ንገለ ሰብ ምስ ዘቐይሞ ንየሆዋን ንኣሕዋተይ ብሓፈሻን ጽቡቕ ከም ዘይከውን እኣምን ኢየ።”

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ሰብ ብዙሕ ተገዳስነት የብሉን ኢልና ስለ እንሓስብ ተመሊስና ክንከይድ ዘየድሊ ኰይኑ ይስመዓና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ሓብቲ ከምዚ ትብል:- “ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ተገዳስነት ከም ዘርኣየ ክፈርድ ኣይፍትንን ኢየ። እቲ ሰባት ዘርእይዎ ናይ መጀመርታ ስምዒት መብዛሕትኡ እዋን ብጌጋ ከም ዝትርጐም ካብ ተመክሮይ ተማሂረ ኢየ። ስለዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓው ወይ ሓብቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ገይረ ብምርኣይ ኣወንታዊት ክኸውን ኢየ ዝጽዕር።”

ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ እተፈላለየ መዳያትን ቃልና ዝእመን ምዃኑ ከነርኢ ከድልየና ኢዩ። ገለ ገለ ነገራት ካብ ክትገብሮ ክትዛረበሉ ዝቐልል ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም: ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ፧” (ምሳሌ 20:6) ቈራጽነት ምስ ዝህልወና እሙናትን ቃልና እንሕሉን ክንከውን ንኽእል ኢና።

ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ብዙሕ በረኸት

ደይመደይ ኢልካ ዘይትፍጽሞ መብጽዓ ምግባር ምድልሃቕ ኢዩ: ኣብ ባንክ ገንዘብ ዘይብልካ ክነሱ ንገለ ወጻኢ መሸፈኒ ክኸውን ኢልካ ቼክ ከም ምጽሓፍ ከኣ ኢዩ ዝርአ። መብጽዓታትና ብምሕላው ኣየ ከመይ ዝበለ ዓስብን በረኸትን ኰን ኢና እንረክብ! እምንቶ ዝግበረልና ብምዃን እንረኽቦ ሓደ በረኸት ሰናይ ሕልና ኢዩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠16 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክንዲ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ዝርብሸና ዕግበትን ሰላምን ንረክብ። ኣብ ርእሲ እዚ ቃልና ብምሕላው ኣብታ ጉባኤ ሓድነት ንኽህሉ ኣበርክቶ ንገብር: እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምትእምማን እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ‘ሓቀኛ ቃልና’ ድማ ኣገልገልቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃንና ይሕብር።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠3, 4, 7

የሆዋ ቃሉ ይሕሉ: “ሓሳዊት መልሓስ” ከኣ ይጸልእ ኢዩ። (ምሳሌ 6:⁠16, 17) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብምምሳል ናብኡ ኣጸቢቕና ንቕረብ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ዝኣተናዮ መብጽዓ ክንፍጽሞ ከም ዝግባኣና ዘርኢ እኹል ምኽንያት ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1983 ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ንቕሑ! ኣብ ገጽ 13-15 ዝወጸት “ኣብ ጽሑፍ ኣስፍርዎ!” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ይፍታሕ ንኽፍጽሞ ከቢድ እኳ እንተነበረ ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺምዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእልታት]

ተመሊስካ ንኽትበጽሖም እንተድኣ ተመባጺዕካ ንኽትከይድ ግቡእ ምድላው ግበር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ