የሆዋ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ብቕዓታት ይሓተና ድዩ፧
“እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧ ”—ሚክያስ 6:8
1.ገለ ሰባት ንየሆዋ ዘየገልግልሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
የሆዋ ህዝቡ ከማልእዎ ዝሓቶም ብቕዓታት ኣለዎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካብ ትንቢት ሚክያስ እተጠቕሰ ቃላት ምስ ኣንበብካ ግን: ኣምላኽ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት ምኽንያታዊ ኢዩ ኢልካ ክትድምድም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ኣየገልግልዎን ኢዮም: ገለ ኣቐዲሞም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ኸኣ ምግልጋሉ ኣቋሪጾም ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ብቕዓታት ኢዩ ዝሓተና ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ኢዮም። ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ብቕዓታት ድዩ ዝሓተና፧ ወይስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት ናይቲ ሰብ ኣረኣእያ ኢዩ እቲ ሽግር፧ ሓደ ታሪኻዊ ጸብጻብ ምርኣይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዓሚቝ ምስትውዓል ከም እንረክብ ይገብረና ኢዩ።
2.ንእማን እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ነብዪ የሆዋኸ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝነገሮ፧
2 ንእማን እቲ ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት ለምጻም ነበረ: እንተዀነ ግን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ነብዪ የሆዋ ከሕውዮ ከም ዝኽእል ተነግሮ። ስለዚ ንእማንን ገላዉኡን ናብ እስራኤል ተጓዕዙ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ቤት እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤልሳእ በጽሑ። ኤልሳእ ነቲ ፍልይ ዝበለ ጋሽኡ ወጺኡ ኣብ ክንዲ ዝቕበሎ ጊልያኡ ሰዲዱ “ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሐጸብ: እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ: ክትጸሪውን ኢኻ” በሎ።—2 ነገስት 5:10
3.ንእማን ኣብ መጀመርታ ነቲ የሆዋ ዝሓተቶ ነገር ምግባር ዝኣበየ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ንእማን ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝሓተቶ ነገር ምስ ዝገብር: ካብቲ ዘፈንፍን ሕማሙ ክሓዊ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ የሆዋ ዝሓተቶ ነገር ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንእማን ነቲ የሆዋ ዝሓተቶ ብቕዓት ከማልኦ ኣይደለየን። ከምዚ ብምባል ድማ ተቓወመ:- “ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልሲ: እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን፧ ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧” ድሕርዚ ንእማን ተቘጢዑ ገጹ መሊሱ ኸደ።—2 ነገስት 5:12
4, 5. (ሀ) ንእማን ብምእዛዙ እንታይ ዓስቢ ረኸበ: ዓስቢ ምስ ረኸበኸ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ቀጺልና እንታይ ክንምርምር ኢና፧
4 ናይ ንእማን ጸገም ብሓቂ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ከማልኦ እተሓተቶ ብቕዓት ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ኣይኰነን። ገላዉ ንእማን ብሜላ “እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ: ኣይምገበርካዮንዶ፧ ተሐጸብ እሞ ጽረ: እንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧” ኢሎም ተዛረብዎ። (2 ነገስት 5:13) እቲ ጸገም ኣብ ኣረኣእያ ንእማን ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝግባእ ክብሪ ዘይተዋህቦ ኰይኑ ተሰምዖ: ከምኡውን ነቲ ክገብሮ እተሓተቶ ነገር ዋጋ ከም ዘይብሉን ዘዋርድን ገይሩ ቈጸሮ። እንተዀነ ግን: ንእማን ነቲ ጥበባዊ ምኽሪ ገላዉኡ ተቐበለ እሞ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ። ‘ስጋኡ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ኰይኑ ክምለስን ክጸርን’ ከሎ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣዝዩ ኢዩ ሞሳ ሂብሉ። ብተወሳኺውን: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንየሆዋ እምበር ንኻልእ ኣምላኽ ከየምልኽ ወሰነ።—2 ነገስት 5:14-17
5 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ: የሆዋ ንሰባት ምስ ገለ ዓይነት ስርዓታት ተሰማሚዖም ክኸዱ ሓቲትዎም ኢዩ። ንገለ ካብዚ ስርዓታት ክትምርምር ንዕድመካ። እዚ ክትገብር ከሎኻ: የሆዋ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ክትገብር እንተ ዝሓተካ ነይሩ እንታይ ከም እትገብር ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕርዚ ሎሚ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ክንምርምር ኢና።
የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ክግበር ዝሓተቶ ብቕዓታት
6. እቶም ቀዳሞት መጻምድቲ እንታይ ክገብሩ ኢዮም እተኣዘዙ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒታት ንስኻ ብኸመይ ምመለስካሉ፧
6 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት መጻምድቲ ኣዳምን ሄዋንን: ቈልዑ ክወልዱ: ንመሬት ክመልክዋ: ንእንስሳታት ድማ ክገዝኡ ኣዚዝዎም ነበረ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ሰፋሕ ገነታዊት መንበሪት ነበረቶም። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:9-15) ቀይዲ ግን ነይርዎም ኢዩ። ካብተን ኣብ ገነት ኤደን ዝነበራ ፍረ ዘፍርያ ኣእዋም ካብ ሓንቲ ከይበልዑ ተኸልከሉ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እዚ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይነበረን: ኣይኰነን ድዩ፧ ምስ ምሉእ ጥዕና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዝካ ከምዚ ዝኣመሰለ መዝነት ምፍጻም ኣይመሐጐሰካንዶ፧ ዋላ እኳ ፈታኒ ናብታ ገነት እንተ መጸ: ነቲ መስድዒታቱ ኣይምነጸግካዮንዶ፧ የሆዋ ነታ ቀላል ቀይዲ ክገብር መሰል ከም ዘለዎኸ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧—ዘፍጥረት 3:1-5
7. (ሀ) ኖህ እንታይ መዝነት ተዋህቦ: እንታይ ተቓውሞኸ ኢዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ንኖህ ከማልኦ ዝሓተቶ ብቕዓት ብኸመይ ትርእዮ፧
7 ጸኒሑ: የሆዋ ንኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ንምድሓን እትኸውን መርከብ ክሰርሕ ሓተቶ። እታ መርከብ ዓባይ ስለ ዝነበረት እቲ ዕዮ ቀሊል ኣይነበረን: ምናልባት እውን ብዙሕ ላግጽን ተቓውሞን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ ዝሰርሓ ነይሩ ዝኸውን። እንተዀነ ግን: ኖህ ንስድራቤቱን ብዙሓት እንስሳታትን ከድሕን ምኽኣሉስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! (ዘፍጥረት 6:1-8, 14-16፣ እብራውያን 11:7፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ከምዚ ዝኣመሰለ መዝነት እንተ ዝወሃበካ ንኽትፍጽሞ ኣበርቲዕካዶ ምዓየኻ፧ ወይስ ኣምላኽ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ክትገብር ዝሓተካ ዘሎ ገይርካ ምደምደምካ፧
8. ኣብርሃም እንታይ ክገብር ኢዩ እተሓተ: እዙዝ ብምዃኑኸ ናይ እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝዀነ፧
8 ኣምላኽ ንኣብርሃም ሓደ ክብድ ዝበለ ነገር ክፍጽም ሓተቶ። ከምዚ ድማ በሎ:- “እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ: ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ: ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ።” (ዘፍጥረት 22:2) የሆዋ ነቲ ውላድ ዘይነበሮ ይስሃቅ ዘርኢ ከም ዝህልዎ ስለ እተማባጽዐ: ኣብርሃም ኣብቲ ኣምላኽ ንይስሃቅ መሊሱ ህያው ንኽገብሮ ዝነበሮ ክእለት ዘላቶ እምነት ተፈቲና ኢያ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ክስውኦ ምስ ፈተነ: ኣምላኽ ነቲ መንእሰይ ኣድሓኖ። እዚ ፍጻመ እዚ ኣምላኽ ንወዱ ምእንቲ ደቅሰብ ከም ዝህብ: ድሓር ድማ ከም ዘተንስኦ የርኢ።—ዘፍጥረት 17:19፣ 22:9-18፣ ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:23, 24, 29-32፣ እብራውያን 11:17-19
9. የሆዋ ንኣብርሃም ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይሓተቶን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ገለ ሰባት የሆዋ ኣምላኽ ንኣብርሃም ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኢዩ ሓቲትዎ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ከምኡ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ምዉታት ከተንስእ ዝኽእል ፈጣሪና ዋላ እውን እቲ ትእዛዝ ግዝያዊ ሞት ዘስዕብ ይኹን ክንእዘዞ ምስ ዝሓተና ዘይፍቕራዊ ኢዩ ክበሃል ይከኣል ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን ከምኡ ኣይሓሰቡን። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኣካላዊ ማህሰይቲ: ሞት እውን ከይተረፈ ክወርዶም ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም። (ዮሃንስ 10:11, 17, 18፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:40-42፣ 21:13) ኵነታት ናብ ከምዚ ገጹ እንተ ዘምርሕ: ተመሳሳሊ ኣቕዋም ንምሓዝ ፍቓደኛዶ ኢኻ፧ የሆዋ እቶም ህዝቡ ክዀኑ እተሰማምዑ ሰባት ከማልእዎ ዝሓተቶም ብቕዓታት እስከ ንርአ።
ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ የሆዋ
10. የሆዋ ዝኣዘዞም ኵሉ ክገብሩ እተማባጽዑ መን ኢዮም: ንሱኸ እንታይ ሃቦም፧
10 እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ማለት ብይስሃቅ ወዱን ብያእቆብ ወዲ ወዱን ኣቢሎም ዝመጹ ቍጽሮም እናወሰኸ ምስ ከደ ህዝቢ እስራኤል ኰኑ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኣድሓኖም። (ዘፍጥረት 32:28፣ 46:1-3፣ 2 ሳሙኤል 7:23, 24) ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣምላኽ ዝኣዘዞም ኵሉ ከም ዝገብሩ ተመባጽዑ። “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ድማ በሉ። (ዘጸኣት 19:8) እስራኤላውያን ብየሆዋ ክምርሑ ስለ ዝደለዩ: የሆዋ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ወሲኽካ ካብ 600 ዝበዝሕ ሕጋጋት ሃቦም። ድሕሪ ገለ ግዜ እዚ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህቦም ሕጋጋት ኣምላኽ: ሕጊ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ።—እዝራ 7:6፣ ሉቃስ 10:25-27፣ ዮሃንስ 1:17
11. ሓደ ዕላማ ናይቲ ሕጊ እንታይ ኢዩ ነይሩ: ነዚ ንምፍጻም ዘገልግሉ ገለ ስርዓታትከ እንታይ ኢዮም፧
11 ሓደ ዕላማ ናይቲ ሕጊ እስራኤላውያን ኣብ ከም ጾታዊ ስነ-ምግባር: ንግዳዊ ልውውጣት: ከምኡውን ኣተሓሕዛ ውሉድ ጥዑይ መምርሒ ከም ዝህልዎም ንምግባር ኢዩ። (ዘጸኣት 20:14፣ ዘሌዋውያን 18:6-18, 22-24፣ 19:35, 36፣ ዘዳግም 6:6-9) ንብጻዮምን ንናይ ካልእ ሰብ እንስሳን ብኸመይ ክሕዙ ከም ዘለዎም ስርዓታት ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:18፣ ዘዳግም 22:4, 10) ንዓመታዊ በዓላትን ንኣምልኾ ዝግበር ኣኼባታትን ዝምልከት ከማልእዎ ዝነበሮም ብቕዓታት እቲ ህዝቢ መንፈሳውነቱ ንኽዕቅብ ሓጊዝዎ ኢዩ።—ዘሌዋውያን 23:1-43፣ ዘዳግም 31:10-13
12. ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሕጊ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሕጊ ከምዚ ኢሉ ገለጾ:- “ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ: እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ [ክርስቶስ] ኽሳዕ ዚመጽእ . . . ተሓገገ።” (ገላትያ 3:19) እቲ ሕጊ ነቶም እስራኤላውያን ዘይፍጹማት ምዃኖም የዘኻኽሮም ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ንሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ዘርሕቕ ፍጹም መስዋእቲ የድልዮም ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። (እብራውያን 10:1-4) ስለዚ እቲ ሕጊ እቶም ህዝቢ ንየሱስ እቲ መሲህ ወይ ክርስቶስ ንኽቕበልዎ ከዳልዎም ኢዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ: ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።”—ገላትያ 3:24
ሕጊ የሆዋ ጾር ድዩ ነይሩ፧
13. (ሀ) ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ሕጊ ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) እቲ ሕጊ ብሓቂ ጾር ድዩ ነይሩ፧
13 እቲ ሕጊ “ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን” እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ሰባት ግን ከም ጾር ገይሮም ኢዮም ርእዮሞ። (ሮሜ 7:12) እቲ ሕጊ ፍጹም ስለ ዝነበረ እስራኤላውያን ነዚ ዝለዓለ መዐቀኒ ከማልእዎ ኣይከኣሉን። (መዝሙር 19:7) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከአለና ኣርዑት” ኢሉ ዝጸውዖ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:10) ርግጽ ኢዩ እቲ ሕጊ ጾር ኣይነበረን: ነቲ ሕጊ እቲ ምእዛዝ ከኣ ነቶም ሰባት ረብሓ የምጽኣሎም ነበረ።
14. እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን ብዙሕ ይጠቕሞም ምንባሩ ዘርኢ ገለ ሒደት ኣብነታት እንታይ ኢዩ፧
14 ንኣብነት ብመሰረት እቲ ሕጊ ሓደ ሰራቒ ኣይእሰርን ነበረ: ኣብ ክንድኡስ ዕጽፊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምእንቲ ክኽሕስ ክሰርሕ ነበሮ። ስለዚ እቲ እተሰርቀ ሰብ ኣይከስርን: እቶም ጻዕራማት ሰባት እውን ንናይ ቤት ማእሰርቲ ኣገባብ ደገፍ ብምግባር ጾር ኣይኰኖምን ነበረ። (ዘጸኣት 22:1, 3, 4, 7) ንጥዕና ዘስግእ መግቢ ምብላዕ ክልኩል ኢዩ ነይሩ። ስጋ ሓሰማ ብግቡእ እንተ ዘይበሲሉ ትራኪኖስስ ዝበሃል ሕማም ከምጽእ ይኽእል ኢዩ: ማንቲለ ኸኣ ቱልሬሚያ ዝበሃል ሕማም ከተተሓላልፍ ትኽእል ኢያ። (ዘሌዋውያን 11:4-12) ብተመሳሳሊ: እቲ ሕጊ ሬሳ ይኹን ገምቢ ከይትንክዩ ስለ ዝኽልክል ዕቝባ ኰይንዎም ኢዩ። ሓደ ሰብ ሬሳ እንተ ተንክዩ ነፍሱን ክዳኑን ክሕጸብ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 11:31-36፣ ዘሁልቍ 19:11-22) ኣብቲ ህዝቢ ጀርም ንኸይላባዕ ቀልቀል ክቕበር ነበሮ። ሊቃውንቲ ግን ህላወ ናይ ጀርም ቅድሚ ሒደት ዘበናት ኢዮም ፈሊጦም።—ዘዳግም 23:13
15. ንእስራኤላውያን ጾር ዝዀኖም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
15 እቲ ሕጊ ነቶም ህዝቢ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ብቕዓታት ከማልኡ ኣይሓተቶምን። እቶም ነቲ ሕጊ ትርጕም ዝህብዎ ዝነበሩ ሰባት ግን ከምዚ ኣይነበሩን። ብጀምስ ሃስቲን እተዳለወ: ኤ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቲ ዝጽዕንዎም ዝነበሩ ስርዓታት ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ብብዙሕ ንኣሽቱ ስርዓታት እተኸበበ ኢዩ ነይሩ። . . . ስለዚ ዝዀነ ይኹን ደቂቕ ጕዳይ ኣብቲ ሕጊ ንምእታው ጻዕሪ ተገብረ: ምሕረት ዘይብሉ ሕግታት ብምግባር ድማ ንዅሉ ናይ ወድሰብ ተግባራት በቲ ብልምዲ ዝቘሙ ሕጋጋት ከም ዝቕየድ ክገብርዎ ጸዓሩ። . . . ሕልና ተረግጸ፣ እቲ ህያው ሓይሊ ናይ ቃል ኣምላኽ ዋጋ ዘይብሉ ኰነ: በቲ ማእለያ ዘይብሉ ተወሳኺ ስርዓታት ከኣ ተዋሕጠ።”
16. የሱስ ብዛዕባ እቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዘቘምዎ ከቢድ ስርዓታትን ልምድታትን እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
16 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ማእለያ ዘይብሉ ስርዓታት ኣብ ሰባት ይጽዕኑ ስለ ዝነበሩ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኰነኖም:- “ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም: ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ: ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።” (ማቴዎስ 23:2, 4) ነቲ ሰብ ዘቘሞ ከቢድ ስርዓታቶምን ልምድታቶምን ከምኡውን ነቲ ሕሉፍ ናይ ጽሬት ስርዓታቶም ‘ንቓል ኣምላኽ ከም ዝሰዓር’ ዝገብር ምዃኑ ገለጸ። (ማርቆስ 7:1-13፣ ማቴዎስ 23:13, 24-26) የሱስ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ እውን ከይተረፈ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት መማህራን ነቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ዘይትርጕሙ ይህብዎ ነበሩ።
የሆዋ ብሓቂ ክማላእ ዝደልዮ ብቕዓት
17. የሆዋ ብመስዋእቲ ናይቶም እምነት ዘይነበሮም እስራኤላውያን ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ከምዚ በለ:- “ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ: ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።” (ኢሳይያስ 1:10, 11) ኣምላኽ እቲ ባዕሉ ኣብቲ ሕጊ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ዘየሐጐሶ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዘሌዋውያን 1:1–4:35) ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ክብሪ ስለ ዘይሃቦ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ዝብል ማዕዳ ተዋህቦም:- “ተሐጸቡ: ንጽሁ: ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ: ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ: ቅንዕና ድለዩ: ንጥቑዕ ርድእዎ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ: ንመበለት ተጣበቑላ።” (ኢሳይያስ 1:16, 17) እዝስ ነቲ የሆዋ ኣገልገልቱ ንኽገብርዎ ዝሓቶም ነገራት ንኸነማስወሉዶ ኣይሕግዘናን ኢዩ፧
18. የሆዋ ንእስራኤላውያን ብሓቂ እንታይ ከማልኡ ኢዩ ዝሓቶም ዝነበረ፧
18 የሆዋ ብሓቂ እንታይ ከም ዝደሊ የሱስ ኣርእዩ ኢዩ። “እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝደልየና ብቕዓት እንታይ ምዃኑ ገለጸ። የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ።” (ማቴዎስ 22:36-40፣ ዘሌዋውያን 19:18፣ ዘዳግም 6:4-6) ነብዪ ሙሴ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክሓትት ከሎ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኢዩ ገሊጹ:- “ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ: ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ: ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ . . . ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ ኢዩ፧”—ዘዳግም 10:12, 13፣ 15:7, 8
19. እስራኤላውያን ቅዱሳት መሲሎም ክረኣዩ ዝፈተኑ ብኸመይ ኢዮም: የሆዋ ግን እንታይ በሎም፧
19 እስራኤላውያን ጌጋታት እናሃለዎም ክነሱ ቅዱሳት መሲሎም ክረኣዩ ደለዩ። እቲ ሕጊ ጾም ኣብ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ክግበር ጥራይ እኳ እንተ ኣዘዘ: ንሳቶም ግን ብተደጋጋሚ ክጾሙ ጀመሩ። (ዘሌዋውያን 16:30, 31) የሆዋ ግን ከምዚ ኢሉ ወቐሶም:- “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣስር እከይ ምፍታሕ: ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ: ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ: ኣርዑት ዘበለ ዅሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል: ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ: ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ: ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧”—ኢሳይያስ 58:3-7
20. የሱስ ነቶም ግቡዛት ሃይማኖታውያን ዝወቐሶም እንታይ ስለ ዝገበሩ ኢዩ፧
20 እዞም ርእሶም ዘጽድቑ እስራኤላውያን ከምቲ ናይቶም የሱስ “ካብ ጨና ኣዳም: ካብ ሽላን: ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም . . . እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ” ዝበሎም ግቡዛት ሃይማኖታውያን ዝመሳሰል ጸገም ኢዩ ነይርዎም። (ማቴዎስ 23:23፣ ዘሌዋውያን 27:30) ቃላት የሱስ ነቲ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት ሞሳ ንኽንህበሉ ኣይሕግዘናንዶ ኢዩ፧
21. ነብዪ ሚክያስ ነቲ የሆዋ ከነማልኦ ዝደልየናን ከነማልኦ ዘይጽበየናን ብቕዓታት ብኸመይ ኢዩ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘቕረቦ፧
21 እቲ ናይ ኣምላኽ ነቢዪ ዝነበረ ሚክያስ ነቲ የሆዋ ከነማልኦ ዝደልየናን ከነማልኦ ዘይጽበየናን ብቕዓታት ንምንጻር ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፧ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፧ ዚሐርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፧ እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፧ ስለ በደለይዶ በዅሪ ወደይ: ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኽውፊ እየ፧ ኣታ ሰብ: ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”—ሚክያስ 6:6-8
22. የሆዋ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ሰባት ብፍላይ እንታይ ብቕዓት ከማልኡ ኢዩ ዝደልዮም ዝነበረ፧
22 እሞ ድኣ የሆዋ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ሰባት ብፍላይ እንታይ ብቕዓታት ከማልኡ ኢዩ ዝደልዮም ዝነበረ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ከፍቅርዎ ከም ዝነበሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ እቲ ሕጊ: ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር: ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ” በለ። (ገላትያ 5:14) ብተመሳሳሊ: ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ . . . ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ” በሎም።—ሮሜ 13:8-10
ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኣይኰነን
23, 24. (ሀ) የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ዝዀነ ይኹን ነገር ከነማልእ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧
23 የሆዋ ኣምላኽ ፈቃር: ሓላዪ: ከምኡውን መሓሪ ብምዃኑዶ ኣይምስጠናን ኢዩ፧ እቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጕላሕ: እወ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃኖም ንኸፍልጦም ኢዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ። የሱስ ንፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጾ ኸሎ: ብዛዕባ እተን ንኣሽቱ ኣዕዋፍ “ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን” በለ። ስለዚ ኸኣ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ” ኢሉ ደምደመ። (ማቴዎስ 10:29-31) ከምዚ ዝኣመሰለ ፈቃር ኣምላኽ ከነማልኦ ዝሓተና ዝዀነ ይኹን ብቕዓት ከነማልእ ፈጺሙ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክኸውን ከም ዘይብሉ እተረጋገጸ ኢዩ!
24 ይኹን እምበር: ሎሚ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት እንታይ ኢዩ፧ ገለ ሰባት ኣምላኽ ዝሓተና ብቕዓታት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኢዩ ኢሎም ዝሓስቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ብምምርማር: የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ዝዀነ ይኹን ነገር ምፍጻም ስለምንታይ ዘደንቕ መሰል ከም ዝዀነ ክርድኣና ይኽእል ኢዩ።
ክትምልስዶ ምኸኣልካ፧
◻ ገለ ሰባት ንየሆዋ ምግልጋል ዝገድፍዎ ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
◻ ኣብ እተፈላለየ ዓመታት የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት እተቐያየረ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቲ ሕጊ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዘገልግል ዝነበረ፧
◻ የሆዋ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓታት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ከም ሕሉፍ ናይ ጽሬት መምርሒታት ዝኣመሰለ ሰብ ዘቘሞ ስርዓታት: ኣምልኾ ጾር ከም ዝኸውን ይገብሮ