ግዜ ኣዝዩ ዝሓጽረና ስለምንታይ ኢዩ፧
ግዜ። ነዛ ቃል እዚኣ ብሓጺርን ንጹርን መገዲ ንኽንገልጻ ይኸብደና ይኸውን: እንተዀነ ግን ወትሩ ግዜ ከም ዝሓጽረና ርግጽ ኢዩ። ግዜ ቀልጢፉ ከም ዝሓልፍ እውን ንፈልጥ ኢና። አረ ብዙሕ ሳዕ “እዚ ግዜ ከይተፈለጠና እምበር ስቕ ኢሉ ይጐዩ ኣሎ” ብምባል እውን ንግረም ኢና።
እንተዀነ ግን: እቲ ኣውስቲን ዶብሰን ዝበሃል እንግሊዛዊ ደራሲ ግጥሚ ብ1877 “ግዜ ይሓልፍ ትብሉ፧ ግን ከምኡ ኣይኰነን! ግዜ ከምቲ ዘለዎ ኢዩ: ንሕና ግን ንሓልፍ ኣሎና” ብምባሉ ዳርጋ ብልክዕ ገሊጽዎ ኢዩ። ዶብሰን ብ1921 ካብ ዝመውት ኣትሒዙ ዳርጋ ን80 ዓመታት ዝኣክል ካብ ህላወ ኣቋሪጹ ኢዩ፣ ግዜ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ።
ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ግዜ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ደቅሰብ “ኣኽራን ከይተወልደ: ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ: ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” ይብል። (መዝሙር 90:2) ስለዚ ግዜ ልክዕ ከም ኣምላኽ ንዘለኣለም ኢዩ ዝነብር!
ኵነታት ደቅሰብ ምስቲ ናይ ግዜ ዘለኣለምነት ኣብ ኢዱ ዘለዎ ኣምላኽ ክነጻጸር ከሎ ከምዚ ነንብብ:- “ብዘሎ መዓልትታትና ብቝጥዓኻ ይሐልፍ: ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን አሎና እሞ: መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ: ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።”—መዝሙር 90:9, 10
መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ እናገለጸ ክነሱ ህይወት ኣዝዩ ሓጺር ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ መዝሙር 37:29) ከምቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኣብ ክንዲ ዝህሉ: ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ኵነታት ብገምጋም 30,000 ዘይመልእ መዓልትታት ጥራይ ዝነብሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሰባት ክሳዕ ክንድዚ ግዜ ዝሓጽሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይዚ ዘሕዝን ኵነታት ተሓታቲ መን ኢዩ ወይ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ዘዕግብን መልሲ ይህብ ኢዩ።a
መመሊሱ እናሓጸረ ዝኸይድ ግዜ
ካብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ናብራ ዝያዳ ጕያ ዝመልኦ እናዀነ ይኸይድ ምህላዉ ዓበይቲ ሰባት ይምስክሩ ኢዮም። ሓንቲ ዶ/ር ዜቢላ ፍሪች እትበሃል ጋዜጠኛ ኣብዘን ዝሓለፋ 200 ዓመታት ኣብ ሰሙን ዝስራሕ ሰዓታት ካብ 80 ናብ 38 ሰዓታት ወሪዱ ክነሱ “ግዜ ሓጺሩና ምባል ከም እነቋርጽ ክገብረና ከም ዘይከኣለ” ትሕብር። ከምዚ ብምባል ተነጽሮ:- “ግዜ የለን፣ ግዜ ክቡር ኢዩ፣ ግዜ ህይወት ኢዩ፣ ዘብዘብ ዝመልኦ ናብራ።”
ሓደስቲ ምህዞታት እቶም ቀዳሞት ወለዶታት ሓሲቦምዎ እኳ ዘይፈልጡ ኣጋጣሚታትን ተኽእሎታትን ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ንኽትካፈል ዘሎካ ኣጋጣሚ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ንዅሉ ንኽትገብሮ ዘሎካ ግዜ ግን ሓጺር ብምዃኑ ዝያዳ ተስፋ ትቘርጽ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ዓለም ዘለዉ ሰባት ብሰዓታት ኢዮም ዝንቀሳቐሱ: ካብ ሓደ ቈጸራ ናብቲ ሓደ ኸኣ ዘብዘብ ይብሉ። ኣቦ ሰዓት 7:00 ቅ.ቐ. ስራሕ ይኸይድ: ኣደ 8:30 ቅ.ቐ. ቈልዑ ቤት ትምህርቲ ትወስድ: ኣባሓጎ ሰዓት 9:40 ቅ.ቐ. ናይ ሓኪም ቈጸራ ኣለዎ: ኵላትና ኸኣ ሓደ ኣገዳሲ ኣኼባ ስለ ዘሎና ሰዓት 7:30 ድ.ቐ. ክንቅረብ ኣሎና። ካብ ሓደ ፕሮግራም ናብቲ ሓደ ክትጐዪ ከሎኻ: ንምዝንጋዕ ዝኸውን ግዜ ዳርጋ የብልካን። በቲ መዓልታዊ ሃለኽለኽን ዘበዘበን ከኣ ነዕዘምዝም።
ግዜ ዝሓጽረና ንሕና ጥራይ ኣይኰንናን
እቲ ብውዲቱ ዕምሪ ደቅሰብ ከም ዝሓጽር ዝገበረ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ግዳይ ናይቲ ባዕሉ ዝገበሮ ክፍኣት ኰይኑ ኣሎ። (ምስ ገላትያ 6:7, 8 ኣረኣእዮ።) ራእይ 12:12 ብዛዕባ ምውላድ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትዛረብ ከላ ተስፋ ክዀነና ዝኽእል ነገር ትገልጽ። ከምዚ ትብል:- “ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ብመሰረት እቲ ትውክልቲ ዝግበሮ መስርዕ-ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስን ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብተን “ቅሩብ ዘመን” ተባሂለን ዘለዋ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ናይ ሰይጣን ግዜ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክውዳእ ምዃኑ ምፍላጥሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ሓንሳእ ምስ ተኣስረ: እቶም እዙዛት ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም: ነቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ መዲቡሎም ዝነበረ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ክረኽብዎ ክኽእሉ ኢዮም። (ራእይ 21:1-4) ሕጽረት ግዜ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ።
ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ እንታይ ማለት ምዃኑ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ግዜ ስኢንካ ከይዓመምካዮ ዝግደፍ ነገራት ኣይክህሉን ኢዩ። ዝያዳ ግዜ ምስ እትደሊ ንጽባሒቱ ወይ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ወይ ኣብታ እትቕጽል ዓመት: ከምኡውን ኣብ ቅድሜኻ ዘለኣለምነት ተዘርጊሑልካ ስለ ዘሎ ሽዑ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ!
ነቲ ሕጂ ዘሎና ግዜ ብጥበብ ምጥቃም
ሰይጣን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ጽልዋ ክገብረሉ ዝኽእል ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ምዃኑ ብምግንዛብ ሰባት ናይታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ምእንቲ ከይሰምዑ ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝገብሮም። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መለኮታዊ ምኽሪ ከነቕልበሉ ሰናይ ኢዩ:- “እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር: ዓያሱ ኣይትኹኑ።”—ኤፌሶን 5:15-17
ንግዜና ኣብቲ ነባሪ ረብሓ ከምጽኣልና ዘይክእል ነገራት ስቕ ኢልና ኣብ ክንዲ እነባኽኖ ኣብቲ ዝያዳ ኣድላይነት ዘለዎ ነገራት ብጥበብ ምስ እንጥቀመሉስ ኣየ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ! ልክዕ ከምቲ ሙሴ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ብምባል ንየሆዋ ካብ ልቡ ክልምኖ ከሎ ዝነበሮ ኣረኣእያ ክንኵስኵስ ኣሎና።—መዝሙር 90:12
ኣብዛ ሕጂ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስራሕ ትሑዝ ምዃኑ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክንረክብ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝደልየና ብቕዓታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ገለ ካብቲ ክቡር ግዜኻ ክትምድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የተባብዑኻ ኣለዉ። ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓል’ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት ብሜላ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽናዕ ምስ እተሕልፍ ንፍጻመ ናይተን “ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር: ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብላ ቃላት ብብሕትኻ ክትምኰረን ኢኻ።—መዝሙር 37:27, 29
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።