2000 እተፈልየት ዓመትዶ ኢያ፧
ንዓመት 2000 ገለ ፍልይ ዘብላ ነገራት ኣሎ ድዩ፧ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ብሓፈሻ ናይ ሳልሳይ ሽሕ ቀዳመይቲ ዓመት ከም ዝዀነት ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ። ነዛ ዓመት እዚኣ ንምብዓል ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። እቲ ሓድሽ ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝበርቕ እናጐደለ ዝኸይድ ካልኢታት ኣብ ዓበይቲ ኤለክትሮኒካዊ ሰዓታት ተገጢሙ ኣሎ። ኣብ ድሮ እቲ ሓድሽ ዓመት በዓላት ክኸበር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። መወዳእታ ሽሕ ዓመት ዝብል ጭርሖታት እተጻሕፎ ካናቴራታት ኣብ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ዝርከብ ድኳናት ይሽየጥ ኣሎ።
ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብቲ ንምሉእ ዓመት ዝኽበር በዓላት ክሓብራ ኢየን። ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብቲ “ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተብዕሎ ናይ ሽሕ ዓመት በዓል እልልታ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጽንብል ንናይ ሮማ ካቶሊካውያን ምእንቲ ክመርሕዎም ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ናብ እስራኤል ክጓዓዙ ትጽቢት ተገይርሎም ኣሎ። ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ናብ እስራኤል ክበጽሑ መደብ ዝገብሩ ዘለዉ ካብቶም ውፉያት ጀሚርካ ክሳዕ እቶም ህንጡያት ካብ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ክሳዕ ሽዱሽተ ሚልዮን በጻሕቲ ከም ዝህልዉ ይግመት።
ብዙሓት ሰባት ንእስራኤል ክበጽሑ መደብ ዝገብሩ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ናይ ቫቲካን በዓል-ስልጣን ራጀር ካርዲናል ኤቻጋራይ ኣብ ክንዲ እቶም ጳጳስ ኰይኑ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ዓመት 2000 ናይ ክርስቶስን ናይቲ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘሕለፎ ህይወቱን ዝበዓለላ ዓመት ኢያ። ስለዚ ጳጳስ ናብዛ ሃገር እዚኣ ክኸዱ ንቡር ኢዩ።” እዛ ዓመት እዚኣ ምስ ክርስቶስ ክትተሓሓዝ እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ እዛ ዓመት 2000 ካብ ልደት ክርስቶስ ጀሚርካ ልክዕ 2000 ዓመት ከም ዝበጽሐ እተመልክት ምዃና ኢዩ ብልምዲ ዝሕሰብ። ግን ከምኡ ድዩ፧ ቀጺልና ክንርእዮ ኢና።
እዛ ዓመት 2000 ንኣባላት ገለ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት እውን ከይተረፈ ዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ኢያ። ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣቢሉ የሱስ ናብ ደብረ ዘይቲ ክምለስ እሞ ሽዑ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተዘሪቡሉ ዘሎ ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ስንጭሮ መጊዶ ክካየድ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለዎም። (ራእይ 16:14-16) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት እዚ ፍጻመታት እዚ ክርእዩ ትጽቢት ብምግባር ኣባይቶምን ዝበዝሕ ንብረቶምን ሸይጦም ናብ እስራኤል ይጓዓዙ ኣለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውሩይ ዝዀነ ሓደ ወንጌላዊ ኸኣ ነቶም ኣባይቶም ሓዲጎም ክኸዱ ዘይክእሉ ሰባት ምምላስ ክርስቶስ ብሕብራዊ ፈነወ ተለቪዥን ከርእዮም ቃል ኣተወሎም!
ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ናብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ንምእታው ብዙሕ ምሽብሻብ ኢዩ ዝግበር ዘሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሰባት ግን ዋኒናቶም ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም—መብዛሕትኦም ህዝቢ ዓለም—የሱስ እቲ ናዝራዊ መሲሕ ከም ዝነበረ ኣይኣምኑን ኢዮም። ነቲ ቅ.ል.ክ.- ዓ.ም. ዝብል ኣቈጻጽራ እውን ዝቕበልዎ ኣይመስሉን ኢዮም።a ንኣብነት ብዙሓት ኣስላም ናይ ገዛእ ርእሶም ዓውደ ኣዋርሕ ኢዮም ዝጥቀሙ። ብናታቶም ኣቈጻጽራ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት: 2000 ዘይኰነስ 1420 ኢዩ። ኣስላም ዓመታት ዝቘጽሩ ካብቲ ነብዪ መሓመድ ካብ መካ ናብ መዲና ዝሃደመሉ ዓመት ኢዩ። ብሓፈሻ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ገለ 40 ኣቢሉ ዝኸውን እተፈላለየ ዓውደ ኣዋርሕ ኢዮም ዝጥቀሙ።
ዓመት 2000 ንክርስትያናት ትርጕም ዘለዋ ክትከውንዶ ይግባእ ኢዩ፧ 1 ጥሪ 2000 ብሓቂ ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ዕለትዶ ኢያ፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክምለሳ ኢየን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብመሰረት እዚ ቅ.ል.ክ.- ዓ.ም. ዝብል ኣቈጻጽራ: ቅድሚ እቲ የሱስ እተወልደሉ ተባሂሉ ብልምዲ ዝፍለጥ ዕለት ዝነበረ እዋን “ቅ.ል.ክ.” (ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ክበሃል ከሎ፣ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ እዋን ድማ “ዓ.ም.” (ዓመተ ምሕረት—ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ) ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ፍልጠት ዘለዎም ገለ ምሁራት ነቲ “ቅ.ኣ.ዘ.” (ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘበንና) ከምኡውን “ከ.ኣ.ዘ.” (ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና) ዝብል ዓለማዊ መሐበሪ ኢዮም ክጥቀሙ ዝመርጹ።