ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/8 ገጽ 17-22
  • ንየሆዋ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንምህሮናን ንምጽንናዕናን
  • ንጹህን ዘይረኸሰን መስዋእቲ ኣቕርብ
  • መስዋእቲ ምስጋና ብምሉእ ልቢ ኣቕርብ
  • ምስ ኣምላኽን ሰባትን ብዘሎካ ዕርክነት ተሓጐስ
  • ካብ የሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል በረኸታት ይጽበየና ኣሎ
  • ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ ‘ምስሊ ሓቂ’ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ መስዋእቲ ኣቕርበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/8 ገጽ 17-22

ንየሆዋ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ምስጋና

‘ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ።’—⁠ሮሜ 12:⁠1

1. ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝቐርብ መስዋእትታት ዝርከብ ዝነበረ ተዛማዲ ረብሓ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ሕጊ: ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ: መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ: በቲ በብዓመት ኵሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከአሎን እዩ።” (እብራውያን 10:⁠1) ሃዋርያ ጳውሎስ ብሓደ ንጹር ምሉእ ሓሳባት ገይሩ ንድሕነት ሰብ ብዝምልከት እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ነባሪ ረብሓ ከም ዘይነበሮ የረጋግጽ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠16, 17

2. ነቲ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝቐርብ ዝነበረ ወፈያታትን መስዋእትታትን ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዝርዝር ሓበሬታ ክትርዳእ ምጽዓር ከንቱ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ኣብ ፔንታቲዩክ ዝርከብ ብዛዕባ ወፈያታትን መስዋእትታትን ዝገልጽ ሓበሬታ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ጥቕሚ የብሉን ማለት ድዩ፧ ከም ሓቂ ክርአ እንተ ዀይኑ: ኣብዚ ዝሓለፈ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ግዜ ኣብቲ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየድ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝካፈሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ሓሙሽተ ቀዳሞት መጻሕፍቲ ኣንቢቦምወን ኢዮም። ገሊኣቶም ንዅሉ እቲ ዝርዝራት ንኸንብብዎን ንኽርድእዎን ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። እዚ ዅሉ ጻዕሮም ከንቱ ድዩ፧ ከንቱ ኸም ዘይኰነ እተረጋገጸ ኢዩ: ከመይሲ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:⁠4) እምበኣር: ካብዚ ኣብቲ ሕጊ ዝርከብ ብዛዕባ ወፈያታትን መስዋእትታትን ዝገልጽ ሰፊሕ ሓበሬታ እዚ እንታይ ‘ምህሮን ምጽንናዕን’ ኢና እንረክብ፧

ንምህሮናን ንምጽንናዕናን

3. እንታይ መሰረታዊ ድሌት ኢዩ ዘሎና፧

3 ከምቲ ኣብቲ ሕጊ ተሰሪዕሉ ዘሎ መገዲ ገይርና ቃል ብቓሉ መስዋእትታት ከነቕርብ ዘይንሕተት እኳ እንተ ዀንና: ከምቲ እቲ መስዋእትታት ንእስራኤላውያን ብእተወሰነ ደረጃ ዝገበረሎም ንዓናውን ሕድገት ሓጢኣትን ሞገስ ኣምላኽን ምርካብ ኣጸቢቑ የድልየና ኢዩ። ቃል ብቓሉ መስዋእትታት ስለ ዘይነቕርብ: ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ ጳውሎስ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ዘለዎ ተኽእሎ ድሩት ከም ዝዀነ ድሕሪ ምግላጹ “[የሱስ] ናብ ዓለም ኪአቱ ኸሎ: ይብል፤ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር: መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን: ብዚሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ፤ እንሆ: ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፤ ዎ ኣምላኽ: ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ: በልኩ።”​—⁠እብራውያን 10:⁠5-7

4. ጳውሎስ ንመዝሙር 40:⁠6-8 ብኸመይ ኢዩ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘውዓላ፧

4 ጳውሎስ ካብ መዝሙር 40:⁠6-8 ብምጥቃስ የሱስ ነቲ እታ መልእኽቲ ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን ስምረት ኣምላኽ ዘይነበሮ “መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን” ማለት ‘ዝሓርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝስዋእን’ ንምዕቃብ ከም ዘይመጸ ገለጸ። ኣብ ክንድኡስ: የሱስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘዳለወሉ ኣካል ለቢሱ መጸ: እዚ ኸኣ ምስቲ ኣምላኽ ንኣዳም ክፈጥሮ ኸሎ ኣዳልይሉ ዝነበረ ኣካል ብዅሉ መዳዩ ዝመጣጠን ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:⁠7፣ ሉቃስ 1:⁠35፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠22, 45) የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:⁠15 ኣቐዲሙ እተነግረ ‘ዘርኢ’ እታ ሰበይቲ ክፍጽሞ ዝነበሮ ዕማም ከማልእ ነበሮ። ሽሕኳ ‘ሸዀናኡ ክንከስ’ እንተ ነበሮ ‘ርእሲ [ሰይጣን] ንምጭፍላቕ’ ስጕምታት ክወስድ ነበሮ። በዚ ኸምዚ: የሱስ እቶም ካብ ግዜ ኣቤል ኣትሒዞም ዝነበሩ ናይ እምነት ሰባት እተጸበይዎ: የሆዋ ንድሕነት ደቅሰብ ዘዳለዎ መገዲ ዀነ።

5, 6. ክርስትያናት ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ዘኽእሎም እንታይ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ ዘለዎም፧

5 ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ የሱስ ዝፍጽሞ ፍሉይ ዕማም ክዛረብ ከሎ “ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን: [ኣምላኽ] ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ” በለ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠21) እታ “ሓጢኣት ገበሮ” እትብል መግለጺ ‘ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ገበሮ’ ተባሂላ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን” በለ። (1 ዮሃንስ 2:⁠2) ስለዚ: እስራኤላውያን ብመስዋእትታቶም ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝቐርቡሉ ግዜያዊ መገዲ እኳ እንተ ነበሮም: ክርስትያናት ግን ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡ ዘኽእሎም ዝበለጸ ሰረት ኣለዎም: እዚ ድማ ናይ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠6፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠18) ኣብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት እንተ ኣሕዲርናን ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮን: ንሕና እውን ሓጢኣትና ይቕረ ክበሃለልና ከምኡውን ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 3:⁠17, 18) እዝስ ምንጪ ምጽንናዕ ደይኰነን፧ ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ከም ዘሎና ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዝበለጸ መሰረት ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጹ: ኣብ ናይ ኣምላኽ ፍቕራዊ ምድላው ዘሎና እምነትን ሞሳን ከነርእየሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ እብራውያን 10:⁠22-25 ከነንብቦ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ብቐንዱ ነቶም ‘ናብ መቕደስ ዝኣትዉ’ ማለት ነቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝምልከት እኳ እንተ ነበረ: ኵሎም ደቅሰብ ካብቲ ሓጢኣት ዝስርይ መስዋእቲ የሱስ ክጥቀሙ እንተ ደልዮም ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጳውሎስ ከቕልብሉ ከም ዘለዎም እተረጋገጸ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠19

ንጹህን ዘይረኸሰን መስዋእቲ ኣቕርብ

7. (ሀ) እብራውያን 10:⁠22 መስዋእቲ ክቐርብ ከሎ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ብኸመይ ተርእየና፧ (ለ) መስዋእቲ ብኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ እንታይ ክግበር ነበሮ፧

7 ፈለማ: ጳውሎስ ንክርስትያናት “ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ: ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ: ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ” ብምባል ተማሕጸኖም። (እብራውያን 10:⁠22) እቲ እተጠቕመሉ ቃላት ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝነበረ ጽላሎታዊ መስዋእቲ ብኸመይ ይቐርብ ምንባሩ ከም ዘንጸባርቕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ቅኑዕ መግለጺ ኢዩ: ከመይሲ እቲ መስዋእቲ ተቐባልነት ክረክብ እንተ ዀይኑ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊስካ ክቐርብ ከምኡውን ንጹህን ዘይረኸሰን ክኸውን ነበሮ። እቲ መስዋእቲ ካብ ኣሓ ወይ ጤለበጊዕ ኢዩ ዝቐርብ ነይሩ: እዚ ማለት ከኣ ካብ ንጹሃት እንስሳታት ኢዩ ዝስዋእ ዝነበረ: ኣብ ርእሲ እዚውን “ጐደሎ ዜብሉ” ኢዩ ነይሩ። እቲ መስዋእቲ ካብ ኣዕዋፍ እንተ ዀይኑ: ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ ክቐርብ ነበሮ። ሓደ ሰብ ነዚ እንተ ኣማሊኡ “ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።” (ዘሌዋውያን 1:⁠2-4, 10, 14፣ 22:⁠19-25) መስዋእቲ ብልዒ እቲ ናይ ብልሽውና ምልክት ዝዀነ ብኹዕ ነገር ኣይነበሮን፣ እቲ ጽማቝ ፍሩታ ክኸውን ዝኽእል መዓር ተባሂሉ ዘሎ እውን ብቐሊሉ ስለ ዘብኵዕ ኣይሕወሶን ነበረ። ናይ እንስሳ ዀነ ናይ ብልዒ መስዋእትታት ኣብ መሰውኢ ክቐርብ ከሎ ንምዕቃቡ ጨው ይግበረሉ ነበረ።​—⁠ዘሌዋውያን 2:⁠11-13

8. (ሀ) ካብቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝድለ ዝነበረ፧ (ለ) ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ንኽረክብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ካብቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝድለ ዝነበረ፧ እቲ ሕጊ ዝዀነ ይኹን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቐርብ ሰብ ንጹህን ዘይረኸሰን ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ ነበረ። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዝረኸሰ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበሮ ንጹህ ኣቕዋም ንምምላስ ከምኡውን እቲ ዘቕርቦ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ: መጀመርታ መስዋእቲ ሓጢኣት ወይ መስዋእቲ በደል ከቕርብ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 5:⁠1-6, 15, 17) ስለዚ: ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ሒዝካ ምንባር ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዚብናዮዶ፧ ኣምልኾና ብኣምላኽ ተቐባልነት ክረክብ እንተ​ድኣ ደሊና: ሕጊ ኣምላኽ ዝጥሕስ ዝዀነ ይኹን ተግባር ንምእራሙ ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና። ካብቲ ኣምላኽ ንኽንሕገዝ ዝሃበና መገድታት ማለት ካብ ‘ሽማግለታት ማሕበርን’ ካብቲ ‘ናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ንምጥቃም ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና።​—⁠ያእቆብ 5:⁠14፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2

9. ኣብ መንጎ ንየሆዋን ንናይ ሓሶት ኣማልኽትን ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት እንታይ መሰረታዊ ፍልልይ ኣሎ፧

9 እቲ ንየሆዋ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ምስቲ እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤላውያን ዝነበሩ ህዝብታት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ክወዳደር ከሎ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርኽሰት ከይህሉ ኣትኵሮ ይግበረሉ ብምንባሩ መሰረታዊ ፍልልይ ነበሮ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዝርከብ መስዋእትታት ዝነበሮ ፍሉይ መልክዕ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “ምስ ጥንቈላ ወይ ፋል ዝተሓሓዝ ነገር: ሃይማኖታዊ ዕብዳን: ገዛእ ኣካልካ ምቝራጽ: ወይ ቅዱስ ምንዝር ዝበሃል ከም ዘይነበሮ፣ ፍትወት ስጋ ዘለዓዕልን ደረት ዘይብሉ ናይ ምፍራይ ጽምብላትን ፈጺሙ እተኸልከለ ከም ዝነበረ: ከምኡውን ንሰባት ከም መስዋእቲ ገይርካ ምቕራብን ንምዉታት ምስዋእን ከም ዘይግበር ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።” እዚ ዅሉ ናብ ሓደ ነገር ከም እነተኵር ይገብረና፣ እዚ ድማ የሆዋ ቅዱስ ምዃኑ ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሓጢኣት ወይ ርኽሰት ሸለል ከም ዘይብል ወይ ከም ዘይሰምሮ ዘርኢ ኢዩ። (ኣንባቆም 1:⁠13) ናብኡ ዝቐርብ ኣምልኾ ወይ መስዋእትታት ብኣካል: ስምዒት: ከምኡውን ብመንፈስ ንጹህን ዘይረኸሰን ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዘሌዋውያን 19:⁠2፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠14-16

10. ምስቲ ኣብ ሮሜ 12:⁠1, 2 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ብምስምማዕ ንገዛእ ርእስና ብኸመይ ኢና ተጠንቂቕና ክንምርምር ዘሎና፧

10 ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ተቐባልነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ገዛእ ርእስና ተጠንቂቕና ክንምርምር ኣሎና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ተሳትፎ ስለ እንገብር ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ከም ድላይና እንተ ተመላለስና ኣየገድስን ኢዩ ኢልና ፈጺምና ክንሓስብ የብልናን። ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምስታፍና: ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ብሕጊ ኣምላኽ ንኸይንቕየድ ምኽንያት ይዀነና ኢዩ ዝብል ስምዒት እውን ክስምዓና የብሉን። (ሮሜ 2:⁠21, 22) ዝዀነ ይኹን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዘይንጹህ ወይ ርኹስ ዝዀነ ነገር ንኣተሓሳስባና ወይ ተግባራትና ከበላሽዎ እንተ​ድኣ ፈቒድናሉ: በረኸትን ስምረትን ኣምላኽ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቃላት ዘክሮ:- “ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ: እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።”​—⁠ሮሜ 12:⁠1, 2

መስዋእቲ ምስጋና ብምሉእ ልቢ ኣቕርብ

11. ኣብታ ኣብ እብራውያን 10:⁠23 ተጠቒሳ ዘላ “እሙንቶ” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ፧

11 ጳውሎስ ንእብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ቀጺሉ ነቲ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ከምዚ ብምባል ኣተኰረሉ:- “እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ: ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ​ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።” (እብራውያን 10:⁠23) እታ “እሙንቶ” እትብል ስያመ ከም ዘላታ “ቃል እምነትካ ምግላጽ” ማለት ኢያ: ጳውሎስ ድማ ብዛዕባ “መስዋእቲ ምስጋና” እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠15) እዚ ነቲ ከም እኒ ኣቤል: ኖህ: ከምኡውን ኣብርሃም ዘቕረብዎ ዓይነት መስዋእቲ የዘኻኽረና።

12, 13. ሓደ እስራኤላዊ ዝሓርር መስዋእቲ ከቕርብ ከሎ ንምንታይ ኢዩ ኣፍልጦ ዝህበሉ: ተመሳሳሊ መንፈስ ንምንጽብራቕከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

12 ሓደ እስራኤላዊ ዝሓርር መስዋእቲ ክስውእ ከሎ: “ፈትዩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ” የቕርቦ ነበረ። (ዘሌዋውያን 1:⁠3 NW ) ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ብምቕራብ ብዛዕባ ልግሲ ዝመልኦ በረኸታት የሆዋ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ፍቕራዊ ሕያውነት ብወለንታኡ እሙንቶኡ የርኢ ወይ ኣፍልጦ ይህብ። ዝሓርር መስዋእቲ ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎ ነገር ብምሉኡ እቲ መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ይሓርር ምንባሩ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ: እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተወፋይነት ምስ ምግባር ዝሰማማዕ ምሳሌ ኢዩ። ምስዚ ብዝመሳሰል መገዲ ብፍቓድናን ብምሉእ ልብናን ንየሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና: ማለት . . . ፍረ ኸናፍር” ምስ እነቕርብ ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ዘሎና እምነትን ነዚ ምድላው እዚ ዘሎና ሞሳን ነርኢ።

13 ክርስትያናት ካብ እንስሳታት ወይ ካብ ፍረ ምድሪ መስዋእትታት ዘየቕርቡ እኳ እንተዀኑ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምምስካርን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣዳልዩሎም ዘሎ ዘደንቕ ነገራት ምእንቲ ክፈልጡ ነቲ ብስራት ብጋህዲ ብምስባኽ ንእትረኽቦ ኣጋጣሚ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧ ብወለንታኻ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ኣብ ምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ኣብ ምሕጋዝን ግዜኻን ጕልበትካን ተፍስስዶ ኢኻ፧ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ቅንኢ ዝመልኦ ተሳትፎ: ከምቲ ጥዑም ጨና ናይ ዝሓርር መስዋእቲ ንኣምላኽ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሶ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠58

ምስ ኣምላኽን ሰባትን ብዘሎካ ዕርክነት ተሓጐስ

14. እቲ ኣብ እብራውያን 10:⁠24, 25 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ ምስ መስዋእቲ ምስጋና ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧

14 ኣብ መወዳእታ: ጳውሎስ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ነቲ ምስ ብጾትና ክርስትያናት ዝህልወና ርክብ ኣተኰረሉ። “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብሀል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:⁠24, 25) ኵለን እተን “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ:” “ኣኼባና:” ከምኡውን “ንሓድሕድና ንመዓዐድ” ዝብላ መግለጺታት: እቲ ኣብ እስራኤል ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምስጋና ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ከም ዘምጽኣሎም የዘኻኽራና።

15. ኣብ መንጎ መስዋእቲ ምስጋናን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን እንታይ ምምስሳል ኢና እንርኢ፧

15 እታ “መስዋእቲ ምስጋና” እትብል ስያመ ሓድሓደ ግዜ “መስዋእቲ ሰላም” ተባሂላ ትትርጐም ኢያ። እታ ኣብዚ “ሰላም” ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ንድርብ ነገር ኢያ እተስምዕ፣ ምናልባት እውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ምስታፍ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣምለኽቲ ብጾትን ሰላም ከም ዘምጽእ ንምንጻር ኢዩ ዝኸውን። ሓደ ምሁር ብዛዕባ መስዋእቲ ምስጋና ከምዚ ዝብል ርእይቶ ሃበ:- “እቲ እዋን እቲ ምስቲ ናይ ኪዳን ኣምላኽ ዘሐጕስ ዕርክነት ዝግበረሉ ወቕቲ ኢዩ ነይሩ: ዋላኳ ኵሉ ሳዕ ኣአንጋዲኦም እንተ ነበረ: ኣብቲ እዋን እቲ ኣምላኽ ናይ እስራኤላውያን ጋሻ ዀይኑ ኣብቲ መስዋእታዊ መኣዲ ንምቕራብ ፍቓደኛ ኢዩ ዝኸውን ነይሩ።” እዚ ነቲ የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ የዘኻኽረና። (ማቴዎስ 18:⁠20) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ እንካፈለሉ ግዜ ካብቲ ዝሃንጽ ሕብረትን ዘተባብዕ መምርሕን ረብሓ ንረክብ ኢና: ከምኡውን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎና ከም ዘሎ ምፍላጥና ንጥቀም ኢና። እዚ ኸኣ ንክርስትያናዊ ኣኼባ ብሓቂ ዘሐጕስን እምነት ዘደልድልን ኣጋጣሚ ይገብሮ።

16. ንመስዋእቲ ምስጋና ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብፍላይ ዘሐጕስ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

16 ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ኵሉ እቲ ስብሒ ማለት ኣብ ኣምዑት: ዀለሊት: ጸላም ከብዲ: ከምኡውን ኣብ ሽምጢ ዝርከብ ስብሕን ኰልኰልን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ብሓዊ ብምሕራር ንየሆዋ ይስዋእ ነበረ። (ዘሌዋውያን 3:⁠3-16) ስብሒ እቲ ዝበዝሐ መኣዛ ዘለዎን ዝበለጸን ክፍሊ ናይቲ እንስሳ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ንስብሒ ኣብ መሰውኢ ምስዋእ: ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ምሃብ የመልክት። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብፍላይ ዘሐጕስ ዝገብሮ መምርሒታት ስለ እንቕበል ጥራይ ዘይኰነስ ንየሆዋ እውን ምስጋና ነቕርብ ምዃንና ኢዩ። ነዚ ድማ ብትሕትናን ብእተኻእለና መጠንን ካብ ልቢ ብምዝማር: ጽን ኢልና ብምስማዕ: ከምኡውን ኣብቲ ዝከኣለሉ እዋን ሓሳብ ብምሃብ ኢና እንገብሮ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ” በለ።​—⁠መዝሙር 149:⁠1

ካብ የሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል በረኸታት ይጽበየና ኣሎ

17, 18. (ሀ) ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝሃነጻ ቤት መቕደስ እንታይ ዓቢ መስዋእቲ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) እቲ ንመመረቕታ ናይታ ቤት መቕደስ እተገብረ ጽምብል ነቲ ህዝቢ እንታይ በረኸት ኣምጽኣሉ፧

17 ኣብ ጽምብል ናይታ ኣብ የሩሳሌም እተሃንጸት ቤት መቕደስ ማለት ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይ 1026 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ሰሎሞን “ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን” ዘጠቓለለ ‘መስዋእቲ ሕሩድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር’ ሰውአ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ርእሲ እቲ መስዋእቲ ብልዒ ብጠቕላልኡ 22,000 ከብትን 120,000 ኣባጊዕን ንመስዋእቲ ቐሪበን ኢየን።​—⁠1 ነገስት 8:⁠62-65

18 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ጽምብል ዝወጽእ ወጻኢታትን ዝህሉ ዕዮን ክትግምቶዶ ትኽእል፧ እንተ​ዀነ ግን: እቲ እስራኤላውያን ዝረኸብዎ በረኸታት ካብቲ ወጻኢታት ኣጸቢቑ ይበልጽ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ በዓላት ሰሎሞን “ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም: ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ: በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም: ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።” (1 ነገስት 8:⁠66) ኣማን ብኣማን ከምቲ ሰሎሞን ዝበሎ: “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።”​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

19. ሕጅን ንዘለኣለምን ካብ የሆዋ ብዙሕ በረኸት ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

19 “እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” በቲ ‘መልክዕ እቲ ቑም ነገር’ ኣብ እተተክኣሉ ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና። (እብራውያን 10:⁠1) የሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ተገይርሉ ዝነበረ ዓቢ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ናብታ ሰማይ ኣትዩ ኢዩ: ንዋጋ ናይ ደሙ ኸኣ ንዅሎም ኣብቲ መስዋእቲ እምነት ዝገብሩ ንምትዕራቕ ኣቕሪብዎ ኢዩ። (እብራውያን 9:⁠10, 11, 24-26) ብመሰረት እቲ ዓቢ መስዋእቲ ከምኡውን ንጹህን ዘይረኸሰን መስዋእቲ ምስጋናና ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ብምቕራብ: ነቲ ካብ የሆዋ ምሉእ ዘይጕዱል በረኸታት እንረኽበሉ ግዜ እናተጸበና ‘ባህ ኢሉናን ብሕጉስ ልብን’ ንቕድሚት ክንስጕም ንኽእል ኢና።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠10

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብቲ ብዛዕባ መስዋእትታትን ወፈያታትን ዝገልጽ ኣብቲ ሕጊ ዝርከብ ሓበሬታ እንታይ መምርሕን ምጽንናዕን ክንረክብ ንኽእል፧

• መስዋእቲ ተቐባልነት ንኽህልዎ ብቐዳምነት እንታይ ብቕዓት ክማላእ ኣለዎ: እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

• ምስቲ ብወለንታ ዝቐርብ ዝሓርር መስዋእቲ ዝመሳሰል እንታይ መስዋእቲ ከነቕርብ ንኽእል፧

• ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ መስዋእቲ ምስጋና ብምንታይ ክነጻጸር ይኽእል፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ንድሕነት ደቅሰብ ኢሉ የሆዋ ዘዳለዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልግሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርኽሰት ክንርሕቕ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከሎና የሆዋ ንዝገበረልና ሰናይ ነገር ብወግዒ ንገልጽ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ