ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/4 ገጽ 14-19
  • ናይ ሓቂ ክርስትና ይብርትዕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ክርስትና ይብርትዕ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዕቤት እቲ ቓል
  • ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ኣሎ
  • ቃል ኣምላኽ ኣብቶም ቀናኣት ዓየይቲ በርትዐ
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ክሕይል ኣለዎ
  • ‘ቃል ኣምላኽ እናዓበየ ኸደ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ናይ ግድን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/4 ገጽ 14-19

ናይ ሓቂ ክርስትና ይብርትዕ!

“ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠20

1. ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣብ ክርስትና እተራእየ ዕቤት ግለጽ።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብመንፈስ እተቓጸሉ ስለ ዝነበሩ ብብርቱዕ ቅንኢ ቃል ኣምላኽ ኣዊጆም ኢዮም። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክርስትና ብዘደንቕ ቅልጣፈ ኣብ ግዝኣት ሮሜ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ። ኣብ 100 ዓመተ ምሕረት ዳርጋ ዅለን ምስ ሜዲተራንያን ዝዳወባ ኣውራጃታት ድሮ ማሕበረሰብ ክርስትና ነይርወን ኢዩ።”

2. ሰይጣን ነቲ ብስራት ብምንታይ ኢዩ ኽዓግቶ ዝጸዓረ: እዚ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረኸ ብኸመይ ኢዩ፧

2 ሰይጣን ድያብሎስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ስቕ ከብሎም ኣይከኣለን። ኣብ ክንድዚ ንናህሪ ናይቲ ብስራት ንምዕጋት ካልእ ሜላ ማለት ክሕደት ተጠቕመ። የሱስ ኣብቲ ዝሃቦ ምስላ ስርናይን ክርዳድን እዚ ነገር እዚ ኸም ዝመጽእ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:⁠24-30, 36-43) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ኣብ ጉባኤታት ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ዘእትዉ መምህራን ሓሶት ክትንስኡ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ነበረ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠1-3) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኽሕደት ከይተገልጸ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዘይትመጽእ ፈልዩ ኣጠንቂቑ ነይሩ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 2:⁠1-3

3. ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ፧

3 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እቲ ብስራት ብኣረማዊ ትምህርትታትን ፍልስፍናታትን ተዓብለለ። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ መምህራን ሓሶት ነቲ ጽሩይ መልእኽቲ ሓቂ ጠውዮሞን በኪሎምዎን ኢዮም። በብቕሩብ ናይ ሓቂ ክርስትና በታ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ተባሂላ እትፍለጥ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተዋሕጠ። መጽሓፍ ቅዱስ ተራ ሰባት ንኸይረኽብዎ ጻዕሪ ዝገብር ክፍሊ ኣቕሽሽቲ ተላዕለ። ብዝሒ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ እኳ እንተ ወሰኸ: ኣምልኾኦም ግን ንጹህ ኣይነበረን። ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስፋሕፍሐት: ሓያል ማሕበርን ኣብ ባህሊ ምዕራባውያን ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዋን ድማ ዀነት፣ እንተዀነ ግን በረኸት ኰነ መንፈስ ኣምላኽ ኣይነበራን።

4. ሰይጣን ዕላማ ኣምላኽ ንምዕጋት ዝኣለሞ ውዲት ዝፈሸለ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ይኹን እምበር: ሰይጣን ዕላማ የሆዋ ንምዕጋት ዝኣለሞ ውዲት ፈሺሉ ኢዩ። ኣብ ደልሃመት ናይ ክሕደት እውን ከይተረፈ ናይ ሓቂ ክርስትና ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍአን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝቐድሑ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዕዮኦም ኣጸቢቖም ይጥንቀቑ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ እቶም ንኻልኦት ናይ ምምሃር ስልጣን ኣሎና ዝብሉ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጠወይዎ እኳ: እቲ መጽሓፍ ባዕሉ ግን ኣይተቐየረን። ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ከም ጀሮም: ቲንደል: ከምኡውን ካልኦት ዝኣመሰሉ ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ዝተርጐሙን ዝዘርግሑን ምሁራት ነይሮም ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ ከምኡውን ሽሕ እኳ ናይ ኣምሰሉ እንተዀነ ናይ ሓደ ዓይነት ክርስትና ኣባላት ክዀኑ ኽኢሎም ኢዮም።

5. ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ “ናይ ሓቂ ፍልጠት” እንታይ ኢሉ ኢዩ ተነብዩ፧

5 ኣብ መወዳእትኡ ግን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ብትንቢት እተነግረ ‘ምስትውዓል [“ናይ ሓቂ ፍልጠት:” NW  ] እናወሰኸ ኸደ።’ እዚ ድማ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና “ዘመን መወዳእታ” ኢዩ ተፈጺሙ። (ዳንኤል 12:⁠4) መንፈስ ቅዱስ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መፍቀርቲ ሓቂ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ንኽህልዎም መርሖም። ትምህርትታት ክሕደት ንዘመናት ዓብሊሉ ድሕሪ ምጽናሑ እውን ከይተረፈ ቃል ኣምላኽስ በርትዐ ደኣ! ሎሚ እቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታታት ይስበኽ ኣሎ: ሰባት ኣብታ ባህ እተብል ሓዳስ ዓለም ተስፋ ኽገብሩ ድማ ይንገሮም ኣሎ። (መዝሙር 37:⁠11) ሕጂ ነዚ ዘመናዊ ዕቤት ቃል ኣምላኽ እስከ ንርኣዮ።

ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዕቤት እቲ ቓል

6. ብ1914 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ እንታይ ሓቂ ኢዮም ተረዲኦም ዝነበሩ፧

6 ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነቶም ንእሽቶ ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ: ሕጂ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣነቓቒሕዎም ኢዩ። ብ1914 መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ህያው ኰይኑሎም ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዘደንቕ ሓቅታት ክርድኡ ኸኣሉ። በቲ የሆዋ ንወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ: ብእኡ ኣቢሉ ድማ መገዲ ዘለኣለም ህይወት ብምኽፋት ዘርኣዮ ፍቕሪ ውሽጦም ተተንኪፎም ኢዮም። ንስም ኣምላኽን ባህርያቱን ክፈልጥዎ ከምኡውን ኣዕዚዞም ክርእይዎ ኽኢሎም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: “ዘመናት ኣህዛብ” ከም እተፈጸመ: እዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ በረኸት እተምጽኣሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዘመልክት ምዃኑ ኣስተውዓሉ። (ሉቃስ 21:⁠24) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘሐጕስ ብስራት ኰን ኢዩ! እዚ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንገር ነበሮ። ከመይሲ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ነይሩ!

7. ኣብዚ ግዜና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝበርትዐ ብኸመይ ኢዩ፧

7 የሆዋ ነቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ባሪኽዎም ኢዩ። ሎሚ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝበዝሑ ሰባት ናይ ሓቂ ክርስትና ተቐቢሎም ኣለዉ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እውን ተዘርጊሑ ኢዩ: ከመይሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ኢዮም ዝርከቡ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ካብ ሃይማኖታውን ካልእን ዕንቅፋታት ብምብርታዕ መስለጢ ዀይኑ ኣሎ። እዚ ዓለም​ለኻዊ ዕዮ ስብከት እዚ ነቲ የሱስ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ከም ዘሎ ዝሕብር ኣሉ ኽበሃል ዘይከኣል መርትዖታት መራጐዲ ኢዩ ዝዀኖ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3, 14

8. ገሊኣቶም ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ዕቤት እንታይ ኢዮም ዝበሉ፧

8 ልክዕ ከምቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ዘደንቕ ዕቤት ክርስትና እተዛረቡ: ሎሚ እውን ብዙሓት ምሁራት ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዘለዉ ዕቤት ሓሳብ ሂቦም ኢዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክልተ ምሁራት ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ከምዚ በሉ:- “ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዘደንቕ ዕቤት ገይሮም ኢዮም።” ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ በለት:- “ካብ መንጎ እተን ኣብ ዓለም ዝርከባ ቅልጡፍ ዕቤት ዝገብራን ዓቢ ኽብሪ ዝወሃበንን ሃይማኖታት ኢዮም: ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ጠቢቖም ብምምልላስ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም።” ሓንቲ ኣብ ኣውሮጳ እትሕተም ዓቃባዊት ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ቕልጡፍ ዕቤት” ጠቒሳ ኣላ። ነዚ ዕቤት እዚ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧

ሎሚ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ኣሎ

9. (ሀ) ሎሚ ቓል ኣምላኽ ክብርትዕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንሰባት ናብኡ ዝስሕቦም ብኸመይ ኢዩ፧

9 ሎሚ ቃል ኣምላኽ ክብርትዕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት መንፈስ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣበርቲዑ ይዓዪ ስለ ዘሎ ኢዩ። የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 6:⁠44) እዚ ቓላት እዚ: ኣምላኽ ንኣልባብ እቶም እተመደቡ ሰባት ብምትንካፍ ቀስ ኢሉ ከም ዝስሕቦም ዝሕብር ኢዩ። የሆዋ በቲ መሰኻኽሩ ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ኣቢሉ ነቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ማለት ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ትሑታት ሰባት ናብ ኣምልኾኡ ይስሕቦም ኣሎ።​—⁠ሃጌ 2:⁠6, 7

10. ንቓል ኣምላኽ እተቐበሉ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም፧

10 መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ቃል ኣምላኽ ንኸብጽሑ ኣሐይልዎም ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝወጹ ሰባት ነቲ ብስራት ንኽቕበልዎ እውን ደሪኽዎም ኢዩ። እወ: እቶም ንቓል ኣምላኽ እተቐበሉ ሰባት “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዝመጹ ኢዮም። (ራእይ 5:⁠9፣ 7:⁠9, 10) ኣብ መንጎኦም ሃብታማትን ድኻታትን: ምሁራትን ዘይተማህሩን ይርከብዎም። ገሊኣቶም ኣብ ዓዶም ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምኡውን ከቢድ ስደት እናወረዶም ከሎ ኢዮም ንቓል ኣምላኽ ተቐቢሎምዎ፣ ገሊኣቶም ግን ኣብ እዋን ሰላምን ብልጽግናን ኢዮም እተቐበልዎ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መንግስቲ ዝርከቡ: እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም: ከምኡውን ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ኰነ ኣብ ብሉጽ ኣባይቲ ዝነብሩ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ብስራት ተቐቢሎሞ ኢዮም።

11. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኣምላኽ ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ: እንታይ ፍልልይከ ኢዩ ብንጹር ዝርአ፧

11 ህዝቢ ኣምላኽ ካብ እተፈላለየ ቦታ ዝመጹን እተፈላለየ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎምን እኳ እንተዀኑ ብሓደ ሓቢሮም ኢዮም ዝነብሩ። (መዝሙር 133:⁠1-3) እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት እቶም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ ኢዩ። መንፈስ ኣምላኽ ሓያል ኣወንታዊ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ለውሃት: ከምኡውን ካልእ ዝስሕብ ባህርያት ንኸንጸባርቑ የኽእሎም። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ሎሚ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ እዋን ነብዪ ሚልክያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ እተነበዮ ብግሁድ ንርእዮ ኣሎና:- “ንስኻትኩም . . . ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።”​—⁠ሚልክያስ 3:⁠18

ቃል ኣምላኽ ኣብቶም ቀናኣት ዓየይቲ በርትዐ

12. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዕዮ ወንጌላውነት ከመይ ይስምዖም: ኣብ ዕዮ ስብከቶምከ እንታይ ምላሽ ክረኽቡ ኢዮም ዝጽበዩ፧

12 ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ቤተ⁠-​ክርስትያን ካብ ምስላም ሓሊፎም ምንም ዘይገብሩ ሰባት ኣይኰኑን። ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብንጥፈት ኢዮም ዝካፈሉ። ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ገዛእ ርእሶም ብፍታው የቕርቡ: ካልኦት ሰባት ብዛዕባ መብጽዓታት መንግስቲ የሆዋ ምእንቲ ኽማሃሩ ድማ ኽሕግዙ ይደልዩ ኢዮም። ምስ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዖም ካልኦት ሰባት ናብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝእክቡ መተዓይይቲ ኣምላኽ ኢዮም። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ነቲ የሆዋ ንዘይኣመንቲ ደቅሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምሕረትን ኢዮም ዘንጸባርቑ። ሽሕኳ ዘይምግዳስ: ላግጺ: ከምኡውን ስደት እንተ ኣጋጠሞም ነዚ ዕዮ እዚ ኣየቋርጽዎን ኢዮም። የሱስ ንሰዓብቱ ካብ ሰባት ነቲ ብስራት እተፈላለየ ምላሽ ክረኽቡ ምዃኖም ኣዳልይዎም ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: . . . ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ: ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም።”​—⁠ዮሃንስ 15:⁠20

13. እንታይ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘየለ ባህርያት ኢዩ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐሊሑ ዝርአ፧

13 ኣብ መንጎ ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትና እተቐበሉ ሰባትን ዘሎ ምምስሳል ዘደንቕ ኢዩ። ብማዕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ መንጎ ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ህዝበ⁠-​ክርስትያንን ዘሎ ፍልልይ ጐሊሑ ኢዩ ዝርአ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እቶም ናይ ወንጌላውነት ቅንኢ ዝነበሮም ቀዳሞት ክርስትያናት ድሕሪ ምጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ጓሂኡ ይገልጽ:- “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ቤተ-ክርስትያን መምርሒ ለውጢ ብምግባር ዕዮ ወንጌላውነት ኣብ ኵሎም ጥሙቓት ክርስትያናት እንደገና ከም ግዴታ ገይርካ እንተ ዘይተወሲዱ: እዚ እውን ካብቶም ዘይኣምኑ ብዝበልጽ ዓይነት ኣነባብራ እንተ ዘይተራእዩ: ንቕድሚት ኣይክንስጕምን ኢና።” እቲ ኣብ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ጐዲሉ ዝርአ ባህርያት ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐሊሑ ይርአ ኢዩ! ህያው: ሓቀኛ: ከምኡውን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተመስረተት እምነት ስለ ዘላቶም ንዅሎም ዝሰምዕዎም ሰባት ብዛዕባኣ ንኽነግርዎም ይድረኹ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4

14. የሱስ ንኣገልግሎቱ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ: ሎሚ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱኸ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

14 የሱስ ንኣገልግሎቱ ቀዳምነት ብምሃብ ኣርዚኑ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ንጲላጦስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:⁠37) ህዝቢ ኣምላኽ ከም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም። ኣብ ልቦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ስለ ዝሓዙ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ንኽነግሩ መገድታት የናድዩ ኢዮም። ኣብ ገሊኡ እዚ መገድታት እዚ ተበላሓትነት ኣርእዮም ኢዮም።

15. ገሊኣቶም ነቲ ብስራት ንምስባኽ ተበላሓትነት ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

15 ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓደ ምስ ኣማዞን ዝጽንበር ፈለግ እናተጓዕዙ ንሰባት ብዛዕባ ሓቂ ይነግርዎም ነበሩ። ብ1995 ውግእ ሓድሕድ ምስ ተባርዐ ግን ሲቪል በቲ ፈለግ ንኸይጐዓዙ ተኸልከለ። ይኹን እምበር: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክበጽሖም ስለ ዝደለዩ ነቲ ጽሑፋት በቲ ፈለግ ኣቢሎም ክሰዱሎም ወሰኑ። ደብዳበ ጽሒፎም ምስ ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብሓባር ብምግባር ኣብ ውሽጢ ናይ ፕላስቲክ ጠርሙዝ የእትዮም ናብቲ ፈለግ ይድርብይዎ ነበሩ። እቲ ፈለግ ንሲቪል ክፉት ክሳዕ ዝኸውን ከምዚ እናገበሩ ንኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ቀጸሉ። ኵሎም ኣብ ገማግም እቲ ፈለግ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ጽሑፋት ብምርካቦም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመስጊኖምዎም ኢዮም። ሓንቲ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት ሰበይቲ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕቝፍ ኣበለቶም እሞ ንብዓት ቍጽርጽር እናበላ “ደጊም ዝርእየኩም ኣይመሰለንን። እቲ ጽሑፋት ኣብ ፕላስቲክ ኣትዩ ኽመጸኒ ምስ ጀመረ ግን ከም ዘይረሳዕኩምኒ ፈሊጠ!” በለቶም። ካልኦት ኣብ ገማግም እቲ ፈለግ ዝነብሩ ሰባት እውን ነቲ መጽሔታት ብተደጋጋሚ ኸም ዘንበብዎ ገሊጾም ኢዮም። ብዙሓት ኣቝሻት ጸምበለል ዝብል ነገራት ብሰንኪ ዘራጊቶ ማይ ንግዜኡ ደው ኢሉ ዝጸንሓሉ “ቤት ጽሕፈት ጶስጣ” ነይርወን ኢዩ። እቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ድማ ናብቲ ቦታ እቲ እናተመላለሱ ኢዮም እቲ ፈለግ ሒዝሎም ዝመጸ “ደብዳበ” እንተሎ ዝርእዩ።

16. ሓድሓደ ግዜ ንኣገልግሎት ብምውፋርና ጥራይ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር መገዲ ዝኽፈተልና ብኸመይ ኢዩ፧

16 ዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት ብየሆዋ ኣምላኽን ብሓያላት መላእኽቱን ኢዩ ዝምራሕን ዝድገፍን። (ራእይ 14:⁠6) ሓድሓደ ግዜ ንኣገልግሎት ብምውፋርና ጥራይ ዘይተጸበናዮ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ይኽፈተልና ኢዩ። ክልተ ክርስትያናት ኣንስቲ ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ: ኣብ እተመደበለን ዞባ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣገልጊለን ምስ ወድኣ: ሓንቲ ሰበይቲ ናብአን ቀሪባ “ከማኻትክን ዝኣመሰለ ሰብ ንኽረክብ ኢየ ኽጽሊ ቐንየ” በለተን። ብኡንብኡ ናብ ቤታ ኣትየን ንኸመያይጣኣ ለመነተን: በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረላ። እታ ሰበይቲ ነተን ክልተ ኣሓት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዝቐረበተን ስለምንታይ ኢያ፧ ቅድሚኡ ኽልተ ሰሙን ኣቢሉ ይገብር ነታ ሰበይቲ ሕጻን ጓላ ሞተታ። ስለዚ ሓደ መንእሰይ “ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧” ዘርእስታ ትራክት ሒዙ ምስ ረኣየቶ ነታ ትራክት ስለ ዝበሃገታ ሃበኒ ኢላ ለመነቶ። እቲ መንእሰይ ክህባ ስለ ዘይደለየ ነተን ዘበርከታሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣርኣያ። ነዊሕ ከይጸንሐት እታ ሰበይቲ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረት: ሞት ውላዳ ንዘስዓበላ ሓዘን ድማ ብዝያዳ ኽትጻወሮ ኸኣለት።

ፍቕሪ ኣምላኽ ክሕይል ኣለዎ

17-19. የሆዋ በቲ በጅነት ኣቢሉ ንደቅሰብ ከመይ ዝበለት ፍቕሪ ኢዩ ዘርኣዮም፧

17 እቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዝርአ ዘሎ ዕቤት ቃል ኣምላኽ ምስቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ የሱስ ኣጸቢቑ ዝተሓሓዝ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ በጅነት እቲ ዕዮ ስብከት እውን የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝነብሩ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [ንናይ ደቅሰብ ዓለም] ኣፍቀራ።”​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

18 እቲ የሆዋ በጅነት ብምድላው ዘርኣዮ ፍቕሪ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንመዋእላት ምስቲ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ዝዀነ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ጥብቂ ርክብ ነይርዎ ኢዩ። (ራእይ 3:⁠14) የሱስ ንኣቦኡ ኣጸቢቑ የፍቅሮ ኢዩ: የሆዋ እውን “ቅድሚ ምስራት ዓለም” ኣፍቂርዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠31፣ 17:⁠24) ደቅሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ: የሆዋ እቲ ዘፍቅሮ ወዱ ሞት ንኽጥዕም ፈቒዱ ኢዩ። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ንደቅሰብ እተራእየ ፍቕሪ ዀን ኢዩ!

19 ዮሃንስ 3:⁠17 “ኣምላኽ ንወዱ: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን” ኢያ ትብል። ስለዚ: የሆዋ ንወዱ ዝለኣኾ ንፍርዲ ወይ ኵነኔ ኢሉ ዘይኰነስ ንፍቕራዊ ናይ ድሕነት ተልእኾ ኢዩ። እዚ ድማ ምስተን “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ምዃኑ ዝገልጻ ቃላት ጴጥሮስ ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠9

20. ድሕነት ምስ ስብከት እቲ ብስራት ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧

20 የሆዋ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ንድሕነት ዝኸውን ሕጋዊ መሰረት ስለ ዘንበረ: ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነቲ ምድላው ክጥቀምሉ ኢዩ ዝደሊ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧”​—⁠ሮሜ 10:⁠13, 14

21. ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ብዛዕባ ዘሎና ኣጋጣሚ ኸመይ ክስምዓና ኣለዎ፧

21 ኣብዚ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ምክፋልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መሰል ኰን ኢዩ! ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን: እንተዀነ ግን የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ሓቂ ሒዞም ክመላለሱን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ከካፍሉን ክርእዮም ከሎስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝሕጐስ! ስለዚ ዅነታትካ ብዘየገድስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽትካፈል መንፈስን ፍቕርን ኣምላኽ ንኽድርኸካ ኣፍቅደሉ። ብተወሳኺውን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ክፍጸም እንርእዮ ዘሎና ነገር: የሆዋ ነቲ ባህ ዘብል “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ከምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክፍጽሞ ምዃኑ ከም ዘረጋግጸልና ኣይትረስዕ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

ትዝክሮዶ፧

• ክሕደት ነቲ ብስራት ክዓግቶ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣብዚ ግዜና ቃል ኣምላኽ ዝበርትዐ ብኸመይ ኢዩ፧

• መንፈስ ኣምላኽ ሎሚ ዝዓዪ ዘሎ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

• እቲ በጅነት ምስ ስብከት ናይቲ ብስራት ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ግራፍ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ዕቤት

ገምጋም ኣስፋሕቲ (ብሚልዮናት)

6.0

5.5

5.0

4.5

4.0

3.5

3.0

2.5

2.0

1.5

1.0

0.5

1900 1910 1920 1930 1940 1950 1960 1970 1980 1990 2000

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጀሮም

ቲንደል

ጉተንበርግ

ሁስ

[ምንጪ ስእሊ]

Gutenberg and Hus: From the book The Story of Liberty, 1878

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1920ታት ነቲ ብስራት ክሰብኩ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝርከቡ እተፈላለዩ ሰባት ነቲ ብስራት ይቕበልዎ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ: ዕዮ ስብከት እውን ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘጕልሕ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ