ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/5 ገጽ 27
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣኽቢርካ ርኣዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • “ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እቲ መንፈስ ባዕሉ ምስ መንፈስና ዀይኑ ይምስክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/5 ገጽ 27

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ዳንኤል 9:24 ተነጊሩ ዘሎ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” መዓስ ኢዩ ተቐቢኡ፧

ዳንኤል 9:​24-​27 ብዛዕባ ምቕልቃል እቲ “መሲሕ: መስፍን” ዝዀነ ክርስቶስ እትገልጽ ትንቢት ኢያ። እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ምቕባእ ናይቲ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” እምበኣር ንምቕባእ ናይቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ቅድስተ ቕዱሳን ኣየመልክትን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እቲ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” ዝብል ስያመ: ኣብቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ንዝርከብ ሰማያዊ መቕደስ ኣምላኽ​—⁠ሰማያዊ ቅድስተ ቕዱሳን​—⁠ኢዩ ዘመልክት።a​—⁠እብራውያን 8:⁠1-5፣ 9:⁠2-10, 23

መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ክዓዪ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧ የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ርእሱ ንጥምቀት ምስ ኣቕረበ እተፈጸመ ነገር እሞ ሕሰበሉ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ የሱስ ነተን ኣብ መዝሙር 40:⁠6-8 ዘለዋ ቓላት ፈጺምወን ኢዩ። ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ “ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር: መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ። (እብራውያን 10:5) ኣምላኽ መስዋእቲ እንስሳታት ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ምቕራብ ክቕጽል ከም ‘ዘይደሊ’ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: መስዋእቲ ገይሩ ምእንቲ ከቕርቦ ንየሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ኣካል ኢዩ ኣዳልይሉ። የሱስ ልባዊ ባህጉ እንታይ ምዃኑ ኽገልጽ ከሎ ቐጺሉ ከምዚ በለ:- “እንሆ: ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፤ ዎ ኣምላኽ: ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ።” (እብራውያን 10:7) ናይ የሆዋ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧ ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።”​—⁠ማቴዎስ 3:16, 17

የሱስ ኣካሉ ንመስዋእቲ ምስ ኣቕረበ የሆዋ ኣምላኽ ተቐቢልዎ ኢዩ: እዚ ድማ ካብቲ ቃል ብቓሉ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ዝዓቢ መሰውኢ ኣብ ህላወ ከም ዝመጸ ኢዩ ዘመልክት። እዚ ነቲ ከም መስዋእቲ ዝቐረበ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ንኽቕበሎ ኣምላኽ ዘርኣዮ “ፍቓድ” ወይ ምድላው ዘመልክት ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠10) ንየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምቕብኡ ኸኣ ኣምላኽ ነቲ ናይ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ምድላው ብምልኡ ኣብ ህላወ ከም ዘምጽኦ ዘመልክት ኢዩ።b ስለዚ ኸኣ ኣብ ግዜ ጥምቀት የሱስ: ሰማያዊ ማሕደር ኣምላኽ ኣብቲ ዝዓበየ ናይ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ምድላው ከም “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” ኰይኑ ተቐብአ: ወይ ተፈልየ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ንመንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝምልከት እተፈላለየ መዳያት ንምፍላጥ: ናይ 1 ሓምለ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14 -19 ተመልከት።

b እዚ ሓሳባት እዚ ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 195 ተገሊጹ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ምስ ተጠምቀ እቲ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ” ተቐብአ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ