ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/6 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ይደልየና ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/6 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሆዋ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ ሓጢኣት ይቕረ ንምባል ፍታው ካብ ሃለዎ: ክርስትያናት ናብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ቀሪቦም ክናዘዙ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

ከምቲ ኣብ ጕዳይ ዳዊትን ባትሴባን እተራእየ: ሽሕኳ እቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት ከቢድ እንተ ነበረ ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ናይ ሓቂ ነስሓ ኣምላኽ ንሓጢኣቱ ይቕረ ኢልሉ ኢዩ። ነብዪ ናታን ቀሪቡ ምስ ተዛረቦ: ዳዊት “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል ብጋህዲ ተናዘዘ።​—⁠2 ሳሙኤል 12:13

ይኹን እምበር: የሆዋ ንሓደ ልባዊ ነስሓ ዘርኣየ ሓጥእ ይቕረ ይብለሉ ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስ ምሉእ ብምሉእ ንኽዕረ ዝሕግዞ ፍቕራዊ ምድላዋት ይገብረሉ ኢዩ። ንዳዊት ነብዪ ናታን ኢዩ ሓጊዝዎ። ሎሚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ዝበሰሉ ሽማግለታት ኣለዉ። ወደ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”​—⁠ያእቆብ 5:14, 15

ተመክሮ ዘለዎም ሽማግለታት: እቲ ጣዕሳ ዘርኣየ ሓጥእ ንእተሰምዖ ጓሂ ልቢ ንምጽንናዕ ዝከኣሎም ኢዮም ዝጽዕሩ። ኣብቲ ምስኡ ዝገብርዎ ርክብ ንየሆዋ ክቐድሕዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ሓያል ተግሳጽ ምሃብ ግቡእ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ​ዀነ ተረርቲ ክዀኑ ፈጺሞም ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ብድንጋጸ ተላዒሎም ነቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ብቕልጡፍ ዘድልዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ኢዮም ኣብ ግምት ዘእትዉ። ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ንኣተሓሳስባ እቲ በዳሊ ብትዕግስቲ ከቕንዕዎ ይጽዕሩ። (ገላትያ 6:⁠1) ሓደ ሰብ ብፍታው ተላዒሉ ሓጢኣቱ እኳ እንተ ዘይተናዘዘ: ከምቲ ናታን ንዳዊት ምስ ቀረቦ እተራእየ: ሽማግለታት ምስ ዘዘራርብዎ ንኽናሳሕ ክለዓዓል ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሽማግለታት ዝወሃቦ ሓገዝ እምበኣር ነቲ በዳሊ ሓጢኣቱ ንኸይደግሞ ከምኡውን ተሪርካ ኣብ ሓጢኣት ብምጽናዕ ንዝመጽእ ከቢድ ሳዕቤን ንኸርሕቕ ይሕግዞ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:⁠26-31

ሓደ ሰብ ንዘሕፍር ተግባሩ ንኻልኦት ተናዚዙ: ሕድገት ሓጢኣት ክሓትት ቀሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ውሽጣዊ ጽንዓት ይሓትት። እንተ​ዀነ ግን እስከ በቲ ሓደ መዳይ ሕሰብ። ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ኽነሱ ናብ ሽማግለታት ቀሪቡ ሓጢኣቱ ዘይገለጸ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ካብ ልበይ ዘይወጽእ ጓሂ ይስመዓኒ ነበረ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ተወሳኺ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርኩ እቲ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ዝነበረ ነገር ኣየልገሰን።” ብጸሎት ቀሪብካ ናብ ኣምላኽ ምንዛዝ እኹል ኢዩ ኢሉ ይሓስብ እኳ እንተ ነበረ: እኹል ኰይኑ ግን ኣይረኸቦን: ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰለ ስምዒት ኢዩ ነይርዎ። (መዝሙር 51:⁠8, 11) ነቲ የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ ዘዳልዎ ፍቕራዊ ደገፍ ምቕባልሲ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ