እትመርጾ ስርዓታት
ስርዓት እትሕሉ ሰብ ዲኻ፧ ወይስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ግዜኡ ዝሓለፎ ገይርካ ኢኻ እትወስዶ፧ እቲ ሓቂ ግን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣድላዪ ኢሉ ብዝኣምነሉ ዓይነት ስርዓታት ይምራሕ ኢዩ። ብመሰረት ሓደ መዝገበ-ቓላት: ስርዓት ክበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ብብሕቱ ቕኑዕ ኢሉ ዝኣምነሉ መምርሒ ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ። ስርዓታት ንእንገብሮ ውሳነታት ይጸልዎ: ንኣንፈት መገዲ ህይወትና እውን ይትንክፎ ኢዩ። ከም ኮምፓስ ኰይኑ ድማ ኸገልግል ይኽእል ኢዩ።
ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ ነታ ኣብ ማቴዎስ 7:12 እትርከብ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” እትብል ወርቃዊት ሕጊ ኽሕልዉዋ ተማሕጺንዎም ኢዩ። ሰዓብቲ ኮንፊሸስ ኸኣ ነቲ ኸም ሕያውነት: ትሕትና: ኣኽብሮት: ከምኡውን ተኣማንነት ዝኣመሰለ ባህርያት ዝሓቍፍ ናይ እዱብነትን ሰናይ ተግባርን ስርዓታት ይስዕቡ ኢዮም። ሃይማኖታውያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ንኣካይዳኦም ዝጸሉ ቐዳምነት ዝህብዎ ነገር ወይ መምርሒ ኣለዎም።
እንታይ ዓይነት ስርዓታት ኢና ኽንመርጽ ዘሎና፧
ይኹን እምበር: ስርዓታት ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንርስዕ የብልናን። ንኣብነት: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ወይ ካብኡ ዝዛይድ ዓመታት ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብዝብል ድራኸ ኢዮም ዝንቀሳቐሱ። ብዙሓት ሰባት ነዛ ስያመ እዚኣ ዘይፈልጥዋ እኳ እንተዀኑ ወይ ኣብኦም ዘይትውዕል ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖም: ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ እንኮ ኣማራጺ ስርዓት ኰይኑ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ነቲ ናይ ጭዋነት ስርዓታት ክገድፉ ኸለዉ ነዚ ባህሪ እዚ ኢዮም ከም መምርሒኦም ዝስዕብዎ። ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ እተፈልየ ስያመ ይወሃቦ ኣይወሃቦ ብዘየገድስ ብስስዐ ኢዩ ዝንጸባረቕ፣ መብዛሕትኡ ኸኣ ብፍቕረ-ንዋይ እተሰነየ ኢዩ። ሓደ ኣብ ቻይና ናይ ዝርከብ መደበር ተለቪዥን ኣካያዲ ስራሕ “ክልተ ስርዓታት ጥራይ ኢዩ ዘሎና። እቲ ሓደ ጠለብ ምምላእ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ መኽሰብ ምርካብ ኢዩ” በለ።
ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ኸም ማግኔት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ማግኔት ንኮምፓስ ብኸመይ ኢዩ ዝጸልዎ፧ ክልቲኡ ጐድኒ ጐድኒ ምስ ዝቕመጥ: እታ መርፍእ ናይቲ ኮምፓስ ኣንፈታ ትስሕት ኢያ። ብተመሳሳሊ: ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ነቲ ሓደ ሰብ ዘለዎ ናይ ስነ-ምግባር ኮምፓስ ወይ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ መምርሒታት ኣንፈቱ ብምቕያር ንዅሉ ነገር ደድሕሪ እቲ ባህግታቱ ከም ዝሰርዖ ኽገብሮ ይኽእል ኢዩ።
እዚ ባህሪ እዚ ዘመን ዘምጽኦ ኸም ዘይኰነ ምፍላጥካስ የገርመካ ድዩ፧ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ገነት ኤድን ነቲ ፈጣሪ ዝሃቦም ስርዓታት ምስ ጠሓሱ ኢዩ እዚ ባህሪ እዚ ዝጀመረ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ስነ-ምግባር ኮምፓሶም ቀየሮ። ደቅሰብ: ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከም ምዃኖም መጠን በዚ “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ዝብል ስያመ እተዋህቦ ባህሪ እዚ ይምርሑ ኢዮም።—ዘፍጥረት 3:6-8, 12
ኣብዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዝጽውዖ ብ“ክፉእ ዘመን” ዝፍለጥ እዋን: እዚ ኣረኣእያ እዚ ጐሊሑ ይርአ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ኢዮም። እምበኣር ነቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ንኽንቀድሕ ጸቕጢ እንተ ኣጋጠመና ዘገርም ኣይኰነን።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
ምናልባት ምስቲ ኦልፍ ዝበሃል ኣብ ኣውሮጳ ናብ ዝርከብ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ዝጸሓፈ መንእሰይ ዘለዎ ሓሳባት ትሰማማዕ ትኸውን:- “ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ኴንካ ምምልላስ ብፍላይ ንዓና ንመንእሰያት ኣዝዩ ኸቢድ ኢዩ። በጃኻትኩም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕካ ምምልላስ ኣድላዪ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣዘኻኽሩና።”
ኦልፍ ምስትውዓል ኢዩ ኣርእዩ። ስርዓታት ኣምላኽ ንመንእሰያት ይኹን ንዓበይቲ ብጭውነት ንኽንመላለስ ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝበሃል ባህሪ ኣሰያይማኡ ብዘየገድስ ንኽንቃወሞ እውን የኽእለና ኢዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክሕግዘካ ኸም ዝኽእል ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ: ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብምስትውዓል ኣንብባ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ድሌት ካልኦት ግዲ ኣይገብሩን ኢዮም