ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/6 ገጽ 31
  • ኣብ ዘይትጽበዮ ቦታ ሓቂ ምርካብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ዘይትጽበዮ ቦታ ሓቂ ምርካብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ከባቢ ዓለም—ኣትኵሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
    ንቕሑ!—2015
  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ‘በታ ሓቂ ተመላለሱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ክርስትያናት ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዘምልኹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/6 ገጽ 31

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ኣብ ዘይትጽበዮ ቦታ ሓቂ ምርካብ

ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ነዚ ሸቶ ንምውቃዕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሚልዮናት ዝቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋትን ሓቲሞም ከምኡውን ዘርጊሖም ኢዮም። ሓሓሊፉ እዚ ጽሑፋት እዚ ንቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዘይ​ተጸበይዎ መገዲ ሓቂ ንኽረኽቡ ይሕግዞም ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ፍሪታውን: ሴራ ሊዮን ዝርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ዝስዕብ ተመክሮ ሰዲዶምልና ኣለዉ።

ዑስማን ኣብታ ትሽዓተ ውሉዳት ዝነበሩዋ ስድራ​ቤቱ መበል ካልኣይ ወዲ ኢዩ። ስድራ​ቤቱ ሃይማኖታውያን ስለ ዝነበሩ: ምስ ኣቦኡ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ብተደጋጋሚ ይኸይድ ነበረ። ይኹን እምበር: ሃይማኖቱ ብዛዕባ ገሃነም ዝምህሮ ትምህርቲ የጨንቖ ነበረ። ሓደ መሓሪ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ንእኩያት ሰባት ኣብ ሓዊ ብምቕጻል ከም ዘሳቕዮም ክርድኦ ኣይከኣለን። ብምሉኡ እቲ ብዛዕባ ገሃነም ሓዊ ንኽርድኦ ተባሂሉ እተዋህቦ መግለጺ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከምጽኣሉ ኣይከኣለን።

ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ሓደ መዓልቲ: ሓንቲ ሰማያዊት መጽሓፍ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ፍርቂ ጐና ተቐቢራ ረኣየ። መጻሕፍቲ ይፈቱ ብምንባሩ ነታ መጽሓፍ ኣልዒሉ ኣጽረያ እሞ ነቲ ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወት እትመርሕ ሐቂa ዝብል ኣርእስታ ኣንበቦ።

ዑስማን ‘እዛ ሓቂ እዚኣ እንታይ ኢያ፧’ ኢሉ ሓሰበ። ሃንቀውታ ስለ ዝሓደሮ ኸኣ ነታ መጽሓፍ ናብ ቤቱ ወሲዱ ብሓንሳእ ኣንቢቡ ወድኣ። ኣምላኽ: የሆዋ ዝብል ናይ ብሕቲ ስም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ! (መዝሙር 83:⁠18 NW ) ብተወሳኺውን ቀንዲ ባህሪ ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃና: አረ ነቲ ንሰባት ኣብ ሓዊ ምስቓይ ዝብልዎ ሓሳብ እውን ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ምዃኑ ፈለጠ። (ኤርምያስ 32:⁠35፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8) ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ደቅሰብ ንዘለኣለም ዝነብሩላ ምድራዊት ገነት ከምጽእ ምዃኑ ኣንበበ። (መዝሙር 37:⁠29፣ ራእይ 21:⁠3, 4) ከመይ ዝበለ ፈቃር ኣምላኽ ዝገለጾ ሓቂ ዀን ኢዩ! ዑስማን ንሓቂ ኣብ ዘይተጸበዮ ቦታ ንኽረክብ የሆዋ ስለ ዘኽኣሎ ኻብ ልቡ ኣመስገኖ።

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ብሓገዝ ገሊኣቶም ኣዕሩኽቱ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይዱ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣኼባ ተኻፈለ። ኣብኡ ድማ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ክሕግዞ ሓተቶ። ካብ ስድራ​ቤቱ ኸቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞ: መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ተጠምቀ። (ማቴዎስ 10:⁠36) ሎሚ ኣብታ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። እዚ ዅሉ ኽርከብ እተኻእለ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፍ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ብምርካቡ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ኰን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1968 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ